Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅድሚ 31 ሓምለ 2011 ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ 19 ሓምለ ንደሓር ኣብቲ ሖሎት ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ክዳጎኑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውጺኡዎ ዝተባህለ ሓዱሽ ኣዋጅ ምትግባር ከምዘይጀመረ ምንጭታት ካብ ቴልእቪቭ ሓቢሮም።

ቅድሚ 31 ሓምለ 2011 ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ትማሊ 19 ሓምለ ንደሓር፣ ኣብቲ ሖሎት ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ክዳጎኑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውጺኡዎ ዝተባህለ ሓዱሽ ኣዋጅ ምትግባር ከምዘይጀመረ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ልሙድ እቲ ኣብ ከክልተ

ቅድሚ 31 ሓምለ 2011 ናብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ትማሊ 19 ሓምለ ንደሓር፣ ኣብቲ ሖሎት ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ክዳጎኑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣውጺኡዎ ዝተባህለ ሓዱሽ ኣዋጅ ምትግባር ከምዘይጀመረ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ልሙድ እቲ ኣብ ከክልተ ወርሒ ዝገብሩዎ ምሕዳስ ቪዛ ሎሚ ‘ውን ይቕጽሉዎ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ቴልእቪቭ ሓቢሮም።

ኣብ እስራኤል ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ይፍለጥ። ይኹን እምበር ዳርጋ ኹሎም ሕጋዊ ፍቓድ ዑቕባን መሰል ስደተኛታትን ስለዘይብሎም፣ ሰንፈላል ኮይኖም እዮም ዝነብሩ። ዋላ ኣብቲ ኣብ ከክልተ ወርሒ ከካይዱዎ ዝግደዱ ቪዛ ናይ ምሕዳስ መስርሕ ብዙሕ ጸገምን ውርደትን ከምዘጋጥሞም ‘ውን የዘንትዉ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ዝኾነ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዝተሓደሰ ቪዛ ክህልዎም ኣለዎ። ዝተሓደሰ ቪዛ ዘይብሎም እንተተረኺቦም ከኣ፣ ራምለ ኣብ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ይፍለጥ።

ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፣ ካብ ናይ ዝኾነ ናይ ምዕቡላት ሃገራት ኣተሓሕዛ ዝሓሰመ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT