Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቆንስል ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ፣ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብቲ እንግዶት ንዝተዓደሙ ሚኒስተራት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝርከቡዎም ኣጋይሽ ብዛዕባ ለውጢ ክሓስቡ ተዛዋዋሪ ማዕዳ ሂቡ።

ቆንስል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ፣ ሚስተር ጆን ሁቨር ብምኽንያት መበል 238 ዓመታዊ ዝኽሪ ናጽነት ኣመሪካ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘዋደዶ ዲፕሎመሰኛታትን ዳርጋ ኹሎም ሚኒስተራት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ዝተረኽቡሉ እንትዶት ታሪኽን ተመክሮን

ቆንስል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ፣ ሚስተር ጆን ሁቨር ብምኽንያት መበል 238 ዓመታዊ ዝኽሪ ናጽነት ኣመሪካ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘዋደዶ ዲፕሎመሰኛታትን ዳርጋ ኹሎም ሚኒስተራት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ዝተረኽቡሉ እንትዶት ታሪኽን ተመክሮን ኣመሪካ ተወኪሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም መጋበርያ ምልኪ ኮይኖም ዘለዉ ሰበስልጣን ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ከም ዝበለጸ ፖለቲካዊ ስርዓት ተቐቢሎም ብዛዕባ ለውጢ ክሓስቡ ተዛዋዋሪ ማዕዳ ሂቡ።

 

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ “እተን ንብሕታዊ ዜጋዊ መሰል ዜጋታተን ዝከላኸላሉ፣ ከምኡ ‘ውን ኣህዛበን ብሰላማውን ዲሞክራስያውን መንገዲ ስርዓታቶም ክቕይሩ ዕድል ዝፈጠራ ሃገራት፣ ንሕብረተሰበን ሰላምን ብልጽግናን ኣብ ምጕንጻፍ ኮነ ምስ ጎረባብተን ሃናጺ ዝምድና ኣብ ምምራት ዝበለጸ ውጽኢት ከምዘመዝገባ ዘበናዊ ታሪኽ ዓለም ብጭብጢ መስኪሩዎ እዩ።” ኢሉ።

 

ኣብቲ እንግዶት ዝተሳተፉ ገለ ዲፕሎማሰኛታት፣ ጀነራል ስብሓት ኤፍረምን የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) ዝርከቡዎም ገለ ሰበስልጣን ስርዓት ኢሳይያስ በቲ መልእኽቲ ሕጉሳት ከመይነበሩን፣ ኣቲ መግለጺ ቅድሚ ምፍጻሙ ሞሊቖም ከምዝኸዱን ምዝራቦም ከኣ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ከም ወትሩ ተዓዲሙ ኳ እንተነበረ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣይተረኽበን።

 

ኣብ ዝሓለፈ ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፣ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኳ እንተሰደደ፣ እንተኾነ ከምቲ ብልሙድ ስለዝ ወግዒ ዝግበር ናብ’ቲ “ፕረዚደንት” ዘይኮነ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቋመተ እዩ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለጺ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ፣

Remarks by John Hoover, Chargé d’Affaires of the Embassy of the United States of America On the Occasion of the 238th Anniversary of the American Declaration of Independence Asmara, Eritrea, July 3, 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Fact-is-Fact July 27, 2014

    Diana da Bologna,

    Wow…WOW..on your lenghty response to Ahmed saleh at, “Diana da Bologna on July 27, 2014 at 4:20 am said..ኣላ ኣሕመድ! እስከ ንገረና ብተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ድተዓደላ ሃገራት ድጨበጥኦ ዓወት ወይ ድረኸበኦ ቅሳነት እንተለዋ ኮይነን። እታ ብሰደድ ነዳዲ ኣብ ዓለም ብሻብዓይ ደረጃ ትስራዕ ናይጀርያ ድያ? ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ተኾይጠን፡ ሃብቲ ናይ’ታ ሃገር ክግሕጣ ከለዋ፡ ልዕሊ ሰማንያ ካብ ሚእቲ ህዝቢ ናይጀርያ ብስእነት ሓይሊ ኤለክትሪክን ድስተ ጽሩይ ማይን ይሳቐ’ሎ። ስለምንታይ ኣብ ናይጀርያ ከምዚ ይኸውን። ”

    wow — wow… You are NOT only articulate, but also informed, elucidated and a learned person. Your enlighthenment on that particular stated comment sums it up as to what the Western bloc (NATO pact) & The Eastern bloc (WARSAW pact) have been doing to this mother earth & its inhabitats. You are on the mark on every piece you stated: Nigeria, Iraq, Libya, Sudan… but HOw on earth, you being articulate & informed in world’s matter, FAILS to ubhold the FAILING STATE of ERITREA. It is right at the threshold of your eyes, minds, conscience.

    I am just baffled as to How on earth you fail to see in your lovely Eritrea what you are seeing, rightly so, in Nigeria. you stated “ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ተኾይጠን፡ ሃብቲ ናይ’ታ ሃገር ክግሕጣ ከለዋ፡ ልዕሊ ሰማንያ ካብ ሚእቲ ህዝቢ ናይጀርያ ብስእነት ሓይሊ ኤለክትሪክን ድስተ ጽሩይ ማይን ይሳቐ’ሎ። ስለምንታይ ኣብ ናይጀርያ ከምዚ ይኸውን። ”

    I’m neither an Eritrean nor Ethiopian. I am simply an Addis kid that love so much the ordinary people of Eritrea & ethiopia equally. I never possess a politicized mind that see other people’s misery while denying my own people’s misery or rationalize it in the name of “national security” whatever. Nothing is bigger than a human creature. Honoring another human being is honoring yourself because in the end what goes around comes around. As individuals we surely reap what we sow.

    Any human being that has the interest of the ordinary people of a country, will NEVER speak of a neighboring country’s failure but denying the facts about his/her own nation’s miserable failure. Eritrea with its now mine extraction profit & the defunct marine resources that it spent so much back in the days miserably does the same as nigeria if not worse. As Nigeria, as you are not blined not to see, with its oil’s profit fails to provide basic water/E.city to its people. It can’t even fight against BokoHaram. it is that much the state of Nigeria’s affair.
    Eritrea? It can’t even provide E.city – ኤርትራዊት ስድራ ክትድረረሉ ዘይትክእለሉ እዋን PFDJ rule ትሕበንሉ!? ይዋእኪ ! ደቂ ኣዲስ ከማን ኪዕብናኪ! But again – ን’ኣውቆ ኣበድ ( ) ንእንታይ ትብሎ ? Nothing, really!
    ንኤርትራውያን ፈሊጥካ ምጽቃጥ’ውን’ኮ ዝሓሸሉ እዋን ኮይኑ ! ስቕዶ መኽሰበኪ!? because what you stated, the facts, about the world totally defeats the purpose of your being truthful as you denied the facts on what is happeing to your Eritrea!

    I have a feeling though, you sound one of the educated, deliberate missionary of PFDJ. so what point of debate is there to argue against the ones: the likes of “Asmara rose” and those
    ዓንጃላት መሃንዘላት Professors of statics and that በጊዕ Harar academy grad of Military science !

    It is like the relentless commercial of “AllState” Inc. “you are in good hands with allstate!”
    The like os Diana the “Bologna Rose” is telling us the rodinary people of Eritrea are in good hands of PFDJ the All-State! and all is Rosy! — no wonder “mercy me mercy me” … in his pain full of melancoly …that artist marvin gaye!

    I wonder if Diuana ever wonder to pack-n-go to Eritrtea to contribute in the Electricty, road, water fountain building. At least during the emperor, Derg, there was even… ማይ ጃሕጃሕ ።። ደርፊ ከማን ኔራ – was that Tsehaitu Beraki?

    Ms. Diana could well be Yemane Chrlie, Yemane monkey.. who knows…

    In my ever first visit to asmara of dec2000, the PFDJ radio in its wavelength bombared the people by how much the kenyans police were corrupt, how Nairboi was so unsafe to walk in broad day light. It simply propagated and satuarted the gullible asmara residents with this dangerous feel-good factor. sure enough when we returned in 1st week feb’01, we read an article at Asmarino.com by the then “Erespora” columnist Rusom Mesfun an Asmarino how asmara is the safest, cleanest, beautiful city, no corruption no nothing. And we were baffled by how an Asmarino boy who has been exposed to the West couldn’t see all these PFDJ tugs way of doing what we saw in one month in our very first ever trip to Eritrea(exceopt visits with our parents when we were kids in mid 70’s). no wonder Eritrea is where it now is. b/c its exposed children are so politicized and so blind that they can’t see right from wrong!

    what a waste!

    • Diana da Bologna July 27, 2014

      ፕሮፈሰር ፋክት!
      እንታይ ኣእትዩካ ክንድዚ ትህውትት? ኣሕመድ ሳልሕ ድበሎ ካልእ ኣነ ድመለስኩ ግብረመልሲ፡ ንስኻ ድማ ናብ ካልእ ሸኾርተት ኢልካ። ሕጽረት ኤለክትሪክ ከም ደሎ ኣብ ኤርትራ ድኸሓደ ሰብ የለን። ፕረሲደንት ከይተረፈ ኣፉ መሊኡ ነጊርኩም ኢዩ። ነዚ ንኽትጽሕፎ ርእስኻ ደዘረልካ ኣመልኪተ ድብሎ የብለይን። እንተ’ቲ “ደቂ ኣዲስ ከማን ክዒብናኩም” ድበልካዮ ግን፡ ካብ’ታ ብልማኖ ጥራይ ትልለ ኢትዮጵያ ድመጻኻ እንተ ኮንካ፡ ደይምዝራብ ምሓሸካ ነይሩ። ኣብ ክንዲ ብዛዕባ’ታ ብዙሕ መስገድላት እንዳ ሰገረት ትሳግም ደላ ኤርትራ ተቆናጽብ፡ ብዛዕባ’ታ ናይ ፖለቲካ ሽርሙጥና እንዳካየደት ትናበር ደዕበየትካ ሃገር ምዝራብ ምቐለለልካ። ሸውዓተ ዓመት ኮይኑ ንኤርትራ Failed state ዝብል ሽም ካብ ተጠምቕዋ። ክሳብ ሕጂ ድማ ምስ ኩሉ ማሕለኻታት ትሳግም ኣላ። ነዚ ጉዕዞ’ዚ ክዓግቱ ድኻሉ ኣካላት ድማ ከቶ የለዉን።

      • TwoWayStreet July 28, 2014

        Diana da Bologna
        1. Please correct your Tigrigna from DMELESKU to ZMELESKU, DBLO to ZBLO, DEYMZRAB to ZEYMZRAB … unless you don’t have the Z key in your keyboard.
        2. You said “Blimno tilitle (Beggar) Ethiopia…, That was so last century, please update your facts
        3. You said “Why don’t you talk about Eritrea…” Talking about Eritrea does not equal supporting the current regime, opposing it and asking for change is also talking about Eritrea.
        4. You said, “Ethiopia…political slut(nay politica shermuta..” This, in international language is called “Diplomacy”, and I would like to ask you why 53 African Union member states voted for sanction on Eritrea? Eritrea couldn’t find one African country that will say no to sanction.
        5. You said, “…you called Eritrea a failed state for 7 years and yet it is slowly walking to prosperity against all odd…”. Please check Wikipedia for “A FAILED STATE” Definition, and you will find this “Common characteristics of a failing state include a central government so weak or ineffective that it has little practical control over much of its territory; non-provision of public services; widespread corruption and criminality; refugees and involuntary movement of populations; and sharp economic decline.” Out of the five points four of them fits Eritrea well.

      • Tesfai July 29, 2014

        Ajewjew nay HGDEFAWIAN
        Hagere Ertra kem hager kabzeythseblu hayaley konu
        HGDEF ab kwunnet zeykone ab
        Jahrn fekeran tray mekobikum.
        Meskineyti Ertra laelaya ntahti thtaya
        Nelaeli koinu enho elohye elohye tbil al.
        Beal ekbkab drma tsbuk ala t lu nereskumn dekikumn abtsbukin teumn anbirkum.
        Isias dema president aykonen merahi
        Chifra eyu meknyatu zmeretso seb yeblun.

        Tesfai

    • Smerr Soogum July 28, 2014

      Fact-is-Fact

      For people like Diana da Dittatura is a personal issue, so don’t west your time responding to her/him.

  • Bilen July 27, 2014

    ዲያና ሽኮር፦
    ብዛዕባ ዒራቅ፣ ሊብያ፣ናይጀርያ ወዘተ ምዝራብ ገዲፍኪ ኣቀዲምኪ ብዛዕባ ኤርትራን ሽግር ኤርትራን ኣፈታሕኡን ተዛረቢ። እቲ ትማሊ ትማሊ ወርቅና ቀሪቡ ኢዩ እሞ ህዝቢ ኤርትራ ክሓልፈልካ ኢዩ፣ ኣጆኻ። ክብል ዝጸነሐ እሞ ኣብቲ ዝተሓፍሰሉ ጊዜ ንህዝቢ ብድኽነት ሸሚሙ ኣብ ጸልማት ዘንብሮም ዘሎ መላኺ ከ ምስ መን ክቁጸር ይኽእል፧ ወይስ ካን ኣእምሮኺ ተደፊኑ፣ ሕልናኺ ዓሪቡን ተዓሚትኪ ንጸድፊ ትምርሺ ኣለኺ፧
    ስለዚ ብሓጺር ኣበሃህላ፣ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ከይኣልገስካ፣ ኣብ ዓይኒ ብጻይካ ዘሎ በሰር ከውጽኣልካ ክደፈኒ ምባል ከቶ ከምዘይከኣል ኢዩ።
    ሕሰብሉ።

    • Diana da Bologna July 27, 2014

      ቢለን ሺኮር! ህዝባዊ ግንባር ኣብ ታሪኹ ሙሉእ ብዛዕባ ዘይተጨበጠ ነገር ንተጋደልቱ ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ኣተስፍዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ንህዝባዊ ግንባር ስለ ደይትፈልጦ ግን ኣይክሕዘልካን ኢየ። ወርቂ ና ቢሻ ኣበይ ይውዕል ከም ደሎ ግን ጎይተትካ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጡ ስለ ድኾኑ፡ ቅሰን ኢኻ። ኣብ ጁባ ናይ ውልቀ ሰባት ይኣቱ እንተ ነይሩ ድማ፡ ኣይመናሕሰዩልናን ነይሮም። ብዛዕባ ዓይነይ ግን ስኽፍ ኣይበልካ። ዕድመ ህዝባዊ ግንባር፡ ዓይኒ ንስሪ ገይሩ ፈጢሩለይ ኢየ።
      ዓይንኻ ጥራይ ክፈት።

  • sultun hizbi July 27, 2014

    Diana nay bir’e shimki koinu bHGDEF temewilka tinebir wahyo dictator eka. Kemu kea usub resah aemiro lomis tegetimkin ekin banbula ekin…..

  • Tesfu Kbrom July 27, 2014

    ኣንታ ቍሩብ ኣይትሓፍሩን ዲኹም ንዲያና ገልጣም ኣድጊስ ሽኮር ትብሉዋ?? ምዃን ተባጭዉላ ኢኹም ዘለኹም። እቲ ጸገም ናይ ህግደፋውያን ዳንደታት እንታይ ይመስለኩም? ሓውካ ኣበይ ኣሎ እንተ ተባህሉ? ትማሊ ገዓት ተመሲሐ ይብሉኻ፡ ኣብ ኤርትራ መሰል ዜጋታት ኣይሕሎን እዩ እንተ በልካዮም፡ ኣብ ህንዲውን ከምኡ እዩኮ ይብሉኻ፡ ኢሰያስ ውልቀመላኺ እዩ እንተበልካዮም ድማ ቻቬስ ከኣ፡ ኪም ኢልሱንግ ወዘተ ይብሉኻ። ነዚኣቶም እንታይ ትብሉዎም። ንሱ እንተ ተጋገየ ኣነ ድማ ክንዮኡ ክጋገ እየ ዝብሉ ኣብዑር እዮም። ስለዚ፡ ጸምብሩኒ እንተበሉኹም ኣይትመሱሎም መዳኸሚ እዮም።

  • ተወልደመድህን July 27, 2014

    ሰላም ዲያና መጸጽ፡
    —ህዝባዊ ግንባር ኣብ ታሪኹ ሙሉእ ብዛዕባ ዘይተጨበጠ ነገር ንተጋደልቱ ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ኣተስፍዩ ኣይፈልጥን ኢዩ።ንህዝባዊ ግንባር ስለ ደይትፈልጦ ግን ኣይክሕዘልን’የ ( ብዛዕባ ቅጫ፡ህግ ዝተኣዘዘ መግቢ ኣይበልዐትን ምባልካ ቃልሲ ከመይ ኢሉ ተጀሚሩ ዘይትፈልጥ፡ናይ ትማሊ ኢኺ )
    ምላሽ፡ክልተ ህግ’ዩ ኔሩ።ኣቲ ሃደ ግንባሩ ንጥይት ዝሀበ ኣብ ትሕቲ መስመር ጸላኢ ዚነበረን፡ኣብ ግንባራትን ሰራዊትን ዚነበረ’ዩ።ብዘይካ መራሕቱ ገዲፍካ፡ተራ ተጋዳላይ ተዋጋኣይ ኢዩ ኔሩ።እቲ ካል ኣይ ኣብቲ ከባቢ ኢሳያስ ይጽሕፍ ኔረ፡ናብቲ መልእኽቲ ኣብጺሀ፡ኣብቲ ከይደ ኣኬባ ኣካይደ፡ነቲ ሰራዊት ብህቡእ ዝስሊ ዚነበረ፡ክፍሊ ህዝቢ ኣዋልድን ኮካሽሙ ዚዎኡሉ ዚነበሩ’ዮም።ኣቶም ቀዳሞት በዞም ዳህሮት ወይ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ብክፍሊ ህዝቢ ይታለልን ገበታ መብጸዓን የፍስስሉ ኔሮም።ካብዚ ኩሉ ዚፈልጦ፡………ድሕሪ ናጽነት ኣይኮነን ሰብን መሬት ኤርትራ እምኒ ኣኤርትራ ጸባ ክሰቲ’ዩ ይበሃል ኔሩ’ዩ።ሕጂ’ውን ቅድሚ ቅሩብ ኦኣመት፡ሎሚ’ከ ወያነ ክወሩ ተቀሪቦም፡ሎሚ ኸ ኣዚ ኮይኑ፡ኣቲ ከምዚ ኮይኑ፡ኤሜሪካ ከምዚ ገይራትና ወያነ ደጊማትና፡ትማሊ ከኣ መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ’ዩ፡ሎሚ ኣብ ወርቂ ምስተቐመጥና…..እዚ ኩሉ እንታይ’ዩ ዲያና።እቲ ህግ ዚበሃል ናይ ኩሉ ተጋዳላይ ኣይኮነን።ቀደም ከም ኡ ይመስለና ኔሩ ሎሚ ግን ናይ ኢሳያስን ጉጅለኡን’ዩ።ኣዞም ኣብ ላዕሊ ዚጠቐስክዎ ይኹን ባህሪ ህግ ከኣ ብ ኢሳያስን ብጉጅሉን’ዩ ዝጽሎ።

    —-ነቶም ንኤርትራ ድጎጥዩ ክንነቅፍ ምስ እንጅምር፡ ናቶም ተኸላኸልትን ተሓለቕትን ኰንኩም ከም ትቐርቡ ትቐርቡ ደገርም’ዩ።
    ምላሽ፡ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ሃገሩ ኣሒሊፉ ዝሃበ የለን።ንሕመቕ፡ንውድቀት፡ንስዕረት፡ንፍሽለት፡ንስደት፡ንጸይቅን መሸታን ዜጋታት ዋና ዚኾነ ህግደፍን ኣብ ኣኤርትራ ዘሎ መንግስቲ’ዩ።ስለዚ ሃገርና የጥፋ ስለዘሎ ከኣ ብዝተካእለካ ምቅዋም፡ኩሉ መሃውራቱ ክብተኽ ጽቡቅ’ዩ።ስለዚ ሃገርካ ካብ ውድቀት ንምድሃን ዚግበርን ተሃለቕቲ ምኳን በበይኑ’ዩ።
    — ሽምግልና ናይ ኣሜሪካን ርዋንዳን ድበሃል ነገር የለን። እቲ ሽምግልና ዋናታቱ ኣሜሪካውያን ኢዮም። ሩዋንዳውያን መተሓስቲ ኢዮም ኣትዮም።
    ምላሽ።ዋናቱቱ ኤሜሪካውያን ድዮም ካልእ ብዘየገድስ።እቲ ኣማመ ሰላም ንረብሃ ኣኤርትራ’ዩ ኔሩ።ኣብ መወዳኣታ ነቲ እማመ ብዚመሳሰል ብዝያዳ ን ኢትዮጵያ ጽቡቕ ኦድል ብዝህብ’ዩ ተደምዲሙ።ነዚ ከኣ ኢሳያስ ኣናሰሃቐ ከም ኦዉት ፈሪሙሉ’ዩ።ነቲ ኣማመ ተቀቢሉዎ ኔሩ ኣንተዝከውን ኣዚ ህጂ 25 ኪሜ መሬት ኤርትራ ብ ኢትዮጵታ ኣይምተታህዘን።
    –እቲ ብድኾነ መመኽነይታ ክስገር ደይግብኦ ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ተግባር ደይውዕለሉ ምኽንያትከ እንታይ ኢዩ?
    ምላሽ፡ኣቲ ብይን ተዋሂቡ’ዩ።ናይ መወዳእታ መዕለቢ ከይግበሮ ከኣ፡ብወገን ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኣኤርትራን ቅቡል ዘይኮኑ ነገራት ተጋጢሞም።ስለዚ ነዚ ብልዝብ ምፍታህ ዘድልዮ፡ገለ ብታሪኽ ናይ ኤርትራ ዝኾነ ቦታን ህዝብን ናብ ኢትዮጵያ ክየድ’ሎ።ገለ ናይ ኢትዮጵያ ምኳኑ ዚንገረሉ ከኣ ናብ ኤርትራ ስለዚ ነዚ ንምትዕርራይን ብልዙብን ብስምምዕን ንምፍታሕ፡ከም መንግስቲ ኤርትራ ሕጋውነት ምስዘይብሉ ማፍያ ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ውክልና ምስዘለዎ መንግስቲ ተሰማሚዕካ’ዩ ዝግበር።ምኽንያቱ ስርዓት ህግደፍ ሕዝ ግድፍ።ኣሕድግ ምንጥል፡ንዝተሰማማኦኣሉ ምፍራሱ ዚኣመሉ ባህሪ ቆልዓ ዘለዎ መንግስቲ’ዩ።
    — ነቲ መንግስቲ ስለ ደይደለይዎ? እንታይ ምኽንያት ኣሎ? መንግስትን ስርዓትን ሓለፍቲ ኢዮም።
    ምላሽ።ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምንግስቲ ዝደልዮ የብሉን።ኩሉ’ዩ ፈንፊኑዎ።ኢሳያስ ሎሚ ከም መራሂ ዚፈልጦ የብሉን።ምኽንያቱ ብዘይምርቻ፡ብዘይ ቅዋማዊ ሕጊ ሃገርን ህዝብን ኮለል ዘብል ዘሎ በጋሚንዶ’ዩ።
    ዲሞክራስያዊ ስለ ደይኮነ? ምላሽ ፡ዲሞክራሲያዊ ኣይኮነ ጥራሕ ዘይኮነ ካብቶም ኣብዚ ዘመን’ዚ ዘለው ጨካናትን ዕሉላት መለኽቲ’ዩ።
    — ግዝኣተ መሬት ናይ ሓደ ህዝቢ ግን ነባሪ ኢዩ። መሬትናን ባሕርናን ጨራሪሞም ንወያነ ክዕድሉልና ግን ክሳብ ለይተ ሎሚ ፋይልና ተወንዚፉ ኣሎ። እዚ ግን ኣብ እዝንኹም ክቐርብ ኣይትደልይዎን ኢኹም።
    ምላሽ፡በቲ ይኹን በቲ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ መንግስቲ ህግደፍ’ዩ።ዓሰብ ግደፉሎም ተባሂሉ ከቢድ ብረትን ታንክታትን ዓሰብ ኣትየን ኢየን።ብድሕሪኡ ብትብዓት ገለ ኤርትራውያን ግን እቲ ምንስሃብ ኣይተፈጸመን።
    —ሃገርኩም ኣሕሊፍኩም ኣብ መጋባእይያታት ኣቕሪብኩም ክትፋረድዋ ጥራይ’ዩ ድሰልጠኩም።
    ምላሽ፡ሃገሩ ኣሕሊፉ ንህመቅን ንውርደትን ስኽፍታን ዘዳረገ ህግደፍን ኢሳያስን ጥራህዮም።ስሮኣታት ሓለፍቲ ምኳኑ ዚኣመነ ኣኤርትራዊ ግን ንስሮኣት ከሲሱ፡ንስርዓት ነጺጉ ሃገሩ ከድሕን ተዓጢቑስ ኣነሆ ኣብ ኣፈፊት ድርኩኺት ተቀሪቡ’ሎ።
    —ማዕቀብ ክድልድል፣ ኤምባስታት ክዕጺ፣ ኣብ ኤርትራ ደለዋ ናይ ደገ ትካላት ክወጻ ኮታ ነታ ሃገር ድሓንቕ ደበለ ኩሉ ምግባር ትርህጽሉ ከም ደይሕልፍ!! ድጸንከረ ስለ ድተሰግረ ግን፡ ሕጂውን ኩሉ ክስገር’ዩ።
    ምላሽ፡ስሮኣት ህግደፍን ብ ኢሳያስ ዚምራህ ፖለቲካዊ ጉጅለ፡ሕግን ስሮኣትን ዘይፈልጥ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ምስቓይ፡ማሳር፡ምቅንጻል’ዩ ስራሑ።ካብዚ ሓሊፉ ጎረባብቲ ሃገራት ምርባሽ፡ክትበታትን ምጽዓር ቀንዲ ዒላማ ናይ ኢሳያስ ኔሩ።ስለዚ እቲ ማዕቀብ ነንግስቲ’ምበር ንህዝቢ ዚትንክፍ ኣይኮነን። ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት ቅድሚ ሕጂ ዝኾነት ሃገር ዘይፈጸመቶ ኣብ ውጻኢ ንዝርከቡ ዜጋታት ብፍላይ ነዴታት ብምትላልን ብምፍርራህን 2% ዓሚጹ ገንዘብ ዚማርር’ዩ ስሮኣት ህግደፍ።እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ዚፍጽም፡እቲ ኣዚ ስርሃትዚ ዚፍጸመሉ ክብሪ ዜጋ ዘይሕሉ፡ፍጹም ሓደ ዲፕሎማሲያዊ ከመል ኦ ዘለዎ ዘይፈልጡ ንህዝቦም ምብዳል ጥራሕ ዚፈልጡ በጋሚንዶ ዚተኣከቡዎ ኤምባሲታት ግድንዩ ካብ ክፉት ኮይኑ ማፍያዊን ፈላላይ ስራሕ ካብ ምስራሕ ምዕጻው ክምረጽ።
    ስለዚ ዲያና ገነ ደቂስኪ ኣሎኺ።ኣቲ ትብልዮ ዘሎኺ፡ከም መታወን ነንዊሕ ኦኣመታት ህግደፍን መራሕቱን ኮለል ዘበሉዎ ዕባራ ሽታራ’ዩ።

  • german shephard July 27, 2014

    ኣንቱም ኤርትራውያን ህዝበይ እንታይ ኢዩ ወሪዱና ዘይንራዳዳእን ኣብ ሱር ዘለዎ ዘይንዛረብ።ኣነ ንህዝባዊ ግንባር ዘለኒ እምነት ካብቲ ናይ ድያና ዝተዓጻጸፈ ይኹን እምበር ሕጂ ግን ህግደፍን ጭፍራ ሸፋቱን እምበር እቶም መሬት ደቂሶም ደሞም ከስኪሶም ነጻነት ዘምጽኡልና ወለድና የለዉን።
    ሓደ ዓቢ ዘሻቕል ጉዳይ ተፈጢሩ ኣሎ።ኣየ ብዕራይ ነቲ ሳዕሪስ ሪኻዮ ነቲ ጸድፊ ግን ኣይርኣኻዮን ዝብሃል ምስላ ዘዛኻኽረና።ወያነ ከም ዝመስሎ ንሃገሩ ብሃይማኖትን ቀቢላን ፈላልዩ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ጌሩ ይገዝኣ ኣሎ።እዚ ከይኣኽሎ ድማ ሕጂ እዞም ፈተውቲ ፍትሒ ክንዕወት ምስ ቀረብና ነቶም ባዕሉ ኣዕጢቑ ዘዋፍሮም ውድባት ብሌንን ኩናማን ዓፋርን ሳሆን ኣኸቲሉ ኣብ ዶብና እናቐረበ ይመጽእ ኣሎ።ህግደፍ ክወድቕ የሳራስረኒ ፣ግን እዚ ወያነ ምስ ኢሳያስ ዘመዶም ኮይኖም ን ኤርትራ ንምጥፋእ ዝምህዝዎ ዘለዉ ውዲት የሻቕለኒ።
    indian ocean has the news on its july 24 edition.

  • sabina July 28, 2014

    @DIANA BOLOGNA
    SHIMIKI KEM ZIHIBIRO DIANA BUTANELA,HIZIBI ENDABERSE TSUBUK ALO HIZIBI KITIBLI EMOKEA MIS BEAL NIGERIA,KENYA,KITIWEDADERI AYITIHAFRINDIKI,DIANA BUTANELA,TESTA DI GALINA.

  • semere July 28, 2014

    I don’t understand why you guys are giving so much importance to Diana. She is just sent by HGDEF. She does not want to see the reality. Please let us ignore her; she does feel our pains.

  • Tesfai July 29, 2014

    Ajewjew nay HGDEFAWIAN
    Hagere Ertra kem hager kabzeythseblu hayaley konu
    HGDEF ab kwunnet zeykone ab
    Jahrn fekeran tray mekobikum.
    Meskineyti Ertra laelaya ntahti thtaya
    Nelaeli koinu enho elohye elohye tbil al.
    Beal ekbkab drma tsbuk ala t lu nereskumn dekikumn abtsbukin teumn anbirkum.
    Isias dema president aykonen merahi
    Chifra eyu meknyatu zmeretso seb yeblun.

    Tesfai

  • mistir July 30, 2014

    Dear diana,pls how can write such unbilivable article pls,the pain of ur people is ur pain.dont miss the truth.why do u thing we are suffering too,why we r fleeing.is ther any real social servicas backhome.immagine pls.come close to the truth

POST A COMMENT