Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በለጸት መሓሪ (በለጡ) ምእንቲ ድሕነት ደቃ ምስ ደቃ ዝሓለፈት ውፍይቲ ተጋዳሊት ብምኽንያት 20 ሰነ፡ 2018 ዓ.ም ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም

በለጸት መሓሪ (በለጡ) ምእንቲ ድሕነት ደቃ ምስ ደቃ ዝሓለፈት ውፍይቲ ተጋዳሊት ብምኽንያት 20 ሰነ፡ 2018 ዓ.ም ታደሰ ኪዳነ    በርሚንግሃም     ተጋዳላይ ካብ ስድራኡ፡ ኣሕዋቱን ቤተ-ሰቡን ተፈልዩ ናብ ገድሊ ክወፍር ከሎ፡ ንድሕነት ህዝቡን ሃገሩን በጃ ክሓልፍ እምበር፡ ምእንቲ መሰልን ድሕነትን

በለጸት መሓሪ (በለጡ)

ምእንቲ ድሕነት ደቃ ምስ ደቃ ዝሓለፈት ውፍይቲ ተጋዳሊት

ብምኽንያት 20 ሰነ፡ 2018 ዓ.ም

ታደሰ ኪዳነ    በርሚንግሃም    

ተጋዳላይ ካብ ስድራኡ፡ ኣሕዋቱን ቤተ-ሰቡን ተፈልዩ ናብ ገድሊ ክወፍር ከሎ፡ ንድሕነት ህዝቡን ሃገሩን በጃ ክሓልፍ እምበር፡ ምእንቲ መሰልን ድሕነትን ገዛእ ርእሱ፡ ወይ እቲ ህይወት ዝበልዕ ገድሊ ሃብትን ስልጣንን ስለ ዝርከቦ ኣይኮነን። ወታደራዊ ታዕሊም ወሲዱ/ዳ፡ ኣብ ኣሃዱታት ናይቲ ኣሚኑ ዝተጸንበሮ ውድብ ምስ ኣተወ ከኣ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ብዝፍጠር ዓበይትን ናእሽቱን ውግኣት፡ ወይ ብናይ ባሕርን ምድርን ኣየርን ደብዳባት ናይ መስዋእቲ ዕድል ከጋጥሞ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢዩ ብዛዕባ ኣበይን መዓስን ይስዋእ ዘይኮነስ፡ እንታይ ቁም ነገር  ፈጺሙ ይስዋእ – ዝያዳ ዘገድሶ። መስዋእቲ እምበኣር ግዜን ቦታን ዝፈሊ ወይ ዓይነትን ኣገባብን ዝምረጸሉ ኣይኮነን። ወይ ከኣ ከም’ዞም ናይ ዘመንና ናይ ፓልቶክ ጀጋኑ፡ ዓያሹ ወይ ዝተታለሉ ሰባት ዝኸፍልዎ ክሳራ ኣይኮነን። መስዋእቲ – ምእንቲ ሃገርን መላእ ህዝብን ዝኽፈል ክቡር ዋጋ ኢዩ። ኣብዛ ሎሚ ዘመን እነብዕላ ዝኽሪ ሰማእታት 20 ሰነ ከኣ፡ ናይ ሓንቲ ገና ብዕሸላ ከቢድ ስንክልና ዘጋጠማ፡ ግን ከኣ ምእንቲ’ቲ ትኣምነሉ ዕላማ፡ ንስለ ድሕነት ሕጻውንቲ ቆልዑ ብቕሉዕ ዝተፈየት ተጋዳሊት ክዛረብ ኢየ። በለጡ ናይ ገድሊ መጸዊዒኣ ኮይኑ፡ ኣነ ግን በቲ ዝዓብየትሉ ስም ክጥቀም ኢየ።

.      .      .      .      .      .      .      .      .      .      .      .      .

ኣብቲ ዓዲ ዝነበረ ሓደ ሻምበል ዝቝጽሩ ሓይሊ ጸላኢ ተደምሲሱ፡ ተዛማዲ ሰላም ካብ ዝሰፍን፡ ዳርጋ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ሓሊፉ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ዓመት ዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ መንእሰይ መብዛሕትኡ ናብ ገድሊ ጸሪሩ። እቶም ዝተረፉ ከኣ ድሒሮም ኣብ ገድሊ ዝተስውኡ፡ ምስ ከተማዊ ህይወት ሌላ ዝነበሮም ተስፋኣለም ገብረሚካአልን ሰዓረ ሕድሮምን ብዝገበርዎ ጎስጓስ ጨማመ ዝበሃል ማሕበር ኣቚሞም፡ ብዝተወደበ መንገዲ ምስ ገድሊ ብርኡይ ይተሓጋገዙ ነበሩ። “ኣብ ገድሊ ሓደ ዓቢ ማሕበር መንእሰይ ኣሎ” ስለ ዝበሉ ከኣ ኢዮም ነታ ዘቖሙዋ ንእሽቶ ማሕበር፡ “ጨንፈር ማሕበር መንእሰይ” ዝበሉዋ። ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ዝነበሩ ወለዲ’ውን፡ ናይ ግዜ ሕቶ እንተ ዘይኮይኑ፡ ደቆም ብጥርኑፍ ናብ ገድሊ ክጽንበሩ ምዃኖም ከም ትሑዝ ወሲዶሞ ኢዮም። እታ ዘቖሙዋ ማሕበር መተኣኻኸቢ ንፖለቲካዊ ጎስጓስን ፖለቲካዊ ትምህርትን ትሕግዝ’ኳ እንተነበረት፡ ዳርጋ ኩሎም መንእሰያት (ንበለጸት ሓዊስካ) ኣብተን ከም ፍልሖ እናበርከታ ዝኸዳ፡ ለይቲ ለይቲ ብሕቡእ ዝእከባ ዋህዮታት ዝተወደቡ ኢዮም።

“ህዝባዊ ግምባር ካብ ዞባ ደቡብ ከዝልቕ ኢዩ” ዝብል ወረ፡  ናይታ መዓልቲ’ቲኣ ውዑይ ዜና ኮይኑ ኢዩ ውዒሉ። ብሸነኽ ዓዲ ቀይሕ – ብፍላይ ከኣ ብሸነኽ ጉርሁ ስርናይ፡ ብርቱዕ ሂምታ ከበድቲ ብረትን፡ ምስ በርቂ ዘደናግር መስታን ኣብ ዓይንን እዝንን ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ጭንቅን ስኽፍታን ካብ ዝፈጥር መዓልታት በሊዑ ኢዩ። እቲ ጭካነ ወታደራት ኢትዮጵያ (ጦር ሰራዊት) ዝረኣየን ዘስተማቐረን ህዝቢ፡ ምዝላቕ ማለት፡ እቶም ንሓዋሩ ክጠፍኡሉ ዝተጸበዮም ወታደራት፡ ተመሊሶም ገዛ ገዛ እናኣተዉ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፡ ደቁ ብሳንጃ ክዝልዘሉ ጥራይ ኢዩ ዝረኣዮ። “ኪዱ . . ኪዱ ብረት ናይቶም ዝወደቑ ኣሕዋትኩም ኣልዕልዎ! ንስኻትኩም እንተ ዘይከድኩም ተካኢ የብሎምን” ዝብል ዘረባ’ውን ካብ ገለ ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሰባት ይስማዕ።

ቀዳም መዓልቲ ኢዩ ዝነበረ፡ 27 ሓምለ 1978 ዓ.ም። ኣብ ጫፍ ቅርዓት ናይቲ ዓዲ፡ ደቀንስትዮ መንእሰያት ኣብ ሓደ መስርዕ፡ ደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት ከኣ ኣብ ጎድነን – ኣብ ካልእ መስርዕ – ኣብቲ ቅጥራን ዘይብሉ ጽርግያ ተሰሪዖም ነበሩ። ምስኦም ልግብ ኢሎም ከኣ እቶም ብቀያሕቲ ዕምባባ ዝፍለጡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፡ ፍልይ ኢሎም ንበይኖም ተሰሪዖም ይረኣዩ። ብክልተ ጎድኒ ናይቶም ኣብቲ መስርዕ ዝነበሩ መንእሰያትን ቀያሕቲ ዕምባባን ከኣ፡ ደቆም ዘፋንዉ ወለዲ ደው ኢሎም ይዕዘቡ። ዓይኒ ሒዙን ጸልሚቱን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ገጻት ናይቶም ዝፋነዉ ኮነ ዘፋንዉ ዝነብረ ስምዒት ንምንባብ ዝከኣል ኣይነበረን። ካብቶም ኣብቲ መሳርዕ ጎድኒ ንጎድኒ  ተሰሪዕም ዝነበሩ ክልተ ኣሕዋት (ወድን ጓልን) “ንስኻ ትረፍ፡ ወለድና ምስ መን ክንገድፎም ኢና’1 ንስኺ እምበር ትረፊ ወዘተ” ክበሃሃሉ ዝሰምዐ ኩሉ፡ ኣቓልቦኡ ናብቶም ዝመላለሱ ዝነበሩ ኣሕዋት ገይሩ ግልጽ ግልጽ ክብል ይረአ። ነዚ ዝሰምዑ፡ ኣብ ጎድኒ ኮይኖም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ወለዲ በብተራ፡ ድምጾም ክብ ኣቢሎም “ክልተኹም ኪዱ’ዞም ደቀይ! ኪዱ ምስ ኣሕዋትኩም፡ ኣሕዋትኩም ዝኾንዎ ትኾኑ! ንሕና ንኾኖ የብልናን። ምስ ሰብናን ኣብ ዓድናን ኣሎና!!” ዝብል መተባብዕን መፋነውን ቃላት የስሞዑ። ባርኾት ናይ ክልቲኦም ወለዲ ዝረኸቡ ኣሕዋት፡ ድምጾም ኣጥፊኦም፡ ኣብ ዘዝነበርዎ መስርዕ ጸጥ በሉ።

እቲ ብዋህዮታት ተጠርኒፍካ፡ ብሕቡእ ለይቲ ለይቲ ዝግበር ምምኽኻርን፡ ብመንገዲ’ታ ዘቆሙዋ ማሕበር ዝግበር ፖለቲካዊ ጎስጓስን፡ ምንጪ ናይቲ ልዑል ሃገራውነትን ንናጽነት ዝነበሮም ሃረርታን መበገሲ ኮነ። እታ ብዋግዋጎ ጸሓይ ዝረኣይዋ ናጽነት፡ ብእኡ ኣቢላ ከይጠፍኦም ከኣ ኢዮም ፡ ምስቲ ናይ ምዝላቕ ኩነታት ብእኩብ ደድሕሪኣ ዝሰዓቡ። ሽዓ ምሸት ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሜኡ ቆልዓ፡ ርእሱ ከቕንዕ ዝጀመረ ወርጠበ ዝተረፈ ኣይነበረን። እቶም ብገለ ምኽንያት ወይ ብመገሻ ኣብ ዓዲ ዘይነበሩ ከኣ፡ ንጽባሒቱ ሰንበት 28 ሓምለ፡ ዓዲ በረውረው ኢላ ናብ ጋሃነም ተለዊጣ ምስ ረኣይዋ፡ በብዝነበርዎ ስዒቦም። ዝተረፉ’ውን “ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ሕማቕ ከይተርእየኒ፡ ኪድ . .ኪድ ናብ ኣሕዋትካ፡ ኪድ- ንሶም ዝኾንዎ ትኸውን” ተባሂሎም ስዒቦም። ስዉእ ተስፋማርያም ባሻይ ኣብርሃ ሓደ ካብዞም ዳሕረዎት ኢዩ።

ኣብ መንጎ’ቶም ብመንገዲ ዓላ፡ ናብ ዓደረሶ ብእግሪ ዝጓዓዙ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ዝተፈላለየ ስንክልና ዝነበሮም ሰባት ሓቢሮም ይጓዓዙ። ዝበዝሑ ካብ’ቶም መንእሰያት፡ ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ውግኣት፡ ብደረጃ ሓፋሽ ውድባት፡ ውጉኣት ኣብ ምውጻእን፡ መግብን ጠያይትን ኣብ ምብጽጻሕን ይሳተፉ ስለ ዝነበሩ፡ ምስ ኲናትን ጸገማቱን ሌላ ነይሩዎም ኢዩ። በዚ ከኣ ኢዮም፡ ነቶም ‘ጸገማት ኣለዎም’ ዝበልዎም መዛኑኦም፡ ገዝኦም ክምለሱ፡ ጦር ሰራዊት ኣብ ዝኣትውሉ እዋን፡ ኣብ በረኻ ተሓቢኦም ክጸንሑ’ሞ፡ ኩነታት እናተኸታተሉ፡ ይሓይሽ ዝበልዎ ስጉምቲ ክወስዱ – ማለት ዓዲ ደሓን እንተኾይኑ ክምለሱ፡ ዘስግእ እንተኾይኑ ድማ ከርክብዎም ተማሕጸንዎም። ገለ ጸገም ዝነበሮም ከኣ መኽሪ ኣሕዋቶም ሰሚዖም ተመልሱ። በለጸት ግን “ ካብ ኣሰር ኣሕዋተይ  ኣይትርፍን ኢየ” ብምባል ኣቕበጸት። ኣብቲ ለይቲን ቀትርን ሓዊስካ ክሳብ ዓደረሶ ዝነበረ ጉዕዞ ከመይ ኢላ ከም ዝበጽሓቶ ፡ ኩሉ ዝረኣየ ዘይሰምበደን ዘይገረሞን ኣይነበረን።

በለጸት ገና ኣብ ጭልቅዕ ዕድሜኣ ከላ ኢያ፡ ንሳ ኮነ ወለዳ ዘይፈልጡዎ ሕማም ዱብ ኢሉዋ። ኣብቲ ዘመናዊ ሕክምና ዘይፍለጠሉ፡ እንተ-ተፈልጠ’ውን ብቐሊሉ ዘይርከበሉ ግዜን ከባብን፡ በለጸት’ውን ሕማማ ርእዩ ዝፍውስ ሓኪም ኣይረኸበትን። ወለዲ ከም ኩሉ’ቲ ሽዑ ዝነበረ ሕ/ሰብ፡ ንዝኣምንዎም መላእኽቲ እናለመኑ፡ ጓሎም ክትጥዕየሎም ኣብ ዝባኖም ሓዚሎም ናብ ኩሉ’ቲ ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ማይ ጨሎት ኣመላሊሶማ። ጻዕሮምን ጸሎቶምን ግን ብዘይ ፍረ ኣይተረፈን። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ በለጸት ጥዕናኣ ተመሓይሹ ብድድ በለት። ዘሕለፈቶ ሕማም ግን ሓድጊ ገዲፉ ኢዩ ሓሊፉ። እቲ ንወለዳን ናይ ቀረባ ቤተ ሰባን ተሓቢኡዎም ዝነበረ ሕማም፡ ለካ –  ናይ ዓጽሚ ቲቢ (bone TB) ኢዩ ነሩ። በስንኩ ኣዕጽምቲ ኣርባዕቲኡ መሓውራን ዓንዲ ሕቖኣን ቅርጹ ለዊጡን፡ ሸገ ቁመናኣ ተበላሽዩን ኢዩ። በዚ ከኣ እታ ፍሉይ ብልሕን ጽቡቕ ቁመናን ዝነበራ ለይለይ ጎርዞ፡ ኣብ ጭልቅዕ ዕድሚኣ ኣካላዊ ስንክልና ክትቅበል ተገደደት።

“ናይ  ኣእምሮ ስንክልና እምበር ፡ ኣካላዊ ጸገም – ንዝብድህ ቀሊል ኢዩ” ዝብል ኣዘራርባ ነቶም ገና ጸገም ዘይረኣናን ብሽግር ዘይተፈተንናን መንእሰያት ብቐሊሉ ዝወሓጥ ኣይነበረን። በለጸት ግን ቀዳመይቲ መምህርና ነይራ። በለጸት ካብታ ተወሊዳ ዝዓበየትላ ዓዲ፡ ዓቐበ-ቁልቁል ጽንዓደግለ ሰጊራ፡ ንጎላጉል ጭወትን ዓላን ሰንጢቓ፡ ካብ መዛኑኣ ከይተረፈት ሩባ ዓደረሶ በጺሓ። ኣብቲ ጉዕዞ፡ የማነ ጸጋማ ዝነበራ ብጾት ብዙሕ ይጭነቓን ይስከፋን’ኳ እንተ ነበራ፡ ኣብ ገጻን ቃላታን ዝነበረ ሓቦን ዘይተሰዓርነትን ግን ንኻልኦት ዝያዳ ሓቦን ጽንዓትን ወሲኹሎም ኢዩ።

እተን ዝነበራ ውሑዳት መካይን ህዝባዊ ግምባር፡ ናብ ካልእ ዋኒን ተዋፊረናሉ ኣብ ዝነበራ ጽንኩር እዋን፡ ካብ ሩባ ዓደረሶ ክሳብ ፍልፍል እውን ብእግራ ከም ዝተጓዕዘት ምስኣ ዝነበራ ብጾት ይምስክራ። ካብኡ ግን ኣብ ጉዕዞ ዝደኸማ ካልኦት’ውን ስለ ዝነበራ ኣብ መካይን ተሳፊረን ብሊቓት በጺሓ፡ ከም ሰባ ተዓሊማ። ኣብቲ ታዕሊም’ውን ዕንጸይቲ ወፊራን ማይ ወሪዳን፡ መጋቢት ተመዲባን ኢያ። ከም ኩሉ ተዓላማይ ከኣ፡ ድሕሪ ታዕሊም፡ ኣብ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግምባር፡ ማለት ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተወዚዓ።

ብዘጋጠመኒ ኣብ ስንክልና ዘብጽሕ መውጋእቲ፡ ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ምውዳእ ናይ 1983 ዓ.ም ኣነ’ውን ከም መምህርን ኣላይን ተማሃሮ ኮይነ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ምስ መዳእኩ፡ በለጸት – ኣብ ጋንታ 05 ከም ምክትል መራሒት ጋንታ ኮይና ክትሰርሕ ጸኒሓትኒ። ንዝነበራ ሓቦን ጽንዓትን ግን ወሲኻትሉ እምበር ኣይነከየን።

ኣብ በበይኑ ጋንታታት ስለ ዝነበርና፡ ንሳ’ውን ብስራሕ ትሕዝቲ ስለ ዝነበረትን’ዩ ‘መስለኒ፡ ካብ ሓጺር ናይ ሰላምታ ቃላት ዝሓልፍ ኮፍ ኢልና ነዊሕን ዓሚቚን ዕላል ዘዕለልናሉ እዋን ኣይዝከረንን። ሓደ መዓልቲ ግን፡ ኣነ ንላዕሊ ገጸይ ክድይብ፡ በለጸት ከኣ ንቦታኣ ናብ ጋንታ 05 ገጻ ክትወርድ ኣብቲ ድሒሩ ዲጋ ዝተሰርሖ ከባቢ – ጎፍ ንጎፍ ተራኺብና። ጸሓይ ዓራርብ መርመር ዝብል ሙቐታ ክጎድል ጀሚሩ’ኳ እንተነበረ፡ ካብ ትሕቲ ጽላል ወጺእካ እትንቀሳቐሰሉ እዋን ግን ኣይኣኸለን። ሃሩር ገና ስለ ዘይዘሓለ ከኣ፡ ብዘይካ ክልተና ካልእ ዝንቀሳቀስ ሰብ ኣይረኣኹን። ሰላም ክብላ ኣእዳወይ ክሰድድ ከለኹ፡ ኣብ ገጻ ገለ ነገር ስለ ዘንበብኩ፡ ህውኽ ኢለ ብተርባጽ “በለጸት እንታይ ኮንኪ? ደሓን ዲኺ?” ክብል ሓቲተያ። “ደሓን ኢየ፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኢየ ጸኒሐ! . . .” ክትብል ሓጺር መልሲ ደርብያትለይ።  “እሞ እንታይ ኮንኪ? እንታይ ግዲ ኢሎሙኺ ኢዮም?” ደጊመ ሓተትኩዋ። “ናይ ሓለፍቲ ኢዩ፡ ንስኻ ኢድካ ተእትወሉ ኣይኮነን!!” ክትብል መለሰት። “ዋላ መኽሪ ክህብ ኣይክእልን” ብሓውሲ ልመና ዘቅረብኩላ ሕቶ ኢዩ።

እቲ “ናይ ሓለፍቲ ኢዩ” ዝበለቶ፡ ኣብቲ ንኹለን ጋንታታት ዘመሓድር ቤት ጽሕፈት ዘጋጠማ ዘሕርቕ ፍጻሜ፡ ኣነ ክፈልጦ ዘይግባኣኒ ሚስጢር ኢዩ። ገለ ካብቲ ኣብኡ ዝተለዋወጥዎ ዘረባታት፡ ብመንገደይ ወይ ብዝኾነ ካልእ ሰብ፡ ተመሊሱ ናብቶም ሓለፍቲ እንተ በጺሑ፡ ተወሳኺ ጸገም ክፈጥረላ ከም ዝኽእል እፈልጥ ኢየ። ንዕኣ’ውን ንሱ ኢዩ ኣሰኪፉዋ። እንታይ ክሕግዛን እንታይ ክብላን እናሓሰብኩ ከለኹ ከኣ –

“ነዚ ግደፎ፡ ንዓኻ ዝምልከት ኣይኮነን። ንዓይ ደሃዮ ናይዞም  ክልተ ኣሕዋተይ ኢዩ ከፊኡኒ ዘሎ። ብህይወት ኣለዉ ዲዮም! ደሃዮም ግዳ ዘይትነግረኒ። ኣብ ዘለዉዎ ከይደ ምረኣኹዎም” በለትኒ።

በብቑሩብ ካብቲ ንዕኣ ዘሕረቓ ወይ ካብቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝተባሃሃልዎ ዘረባ ናብቲ ሓድሽ ዝደርበየትለይ ሕቶ ተመሊሰ ኣብ ናይ ሓሳብ ዓለም ኣትየ፡ ተዓኒደ ደው በልኩ።ካብቲ ዝነበራ ሕርቃን ከውጽኣ እናሓሰብኩ፡ ንባዕለይ ኣብ ሓድሽ ሓሳብ ከንሳፍፍ ጀሚረ። ክልቲኦም ኣሕዋታ ብህይወት ኣይነበሩን። እቲ ኣብ ብርጌድ 8 ምንባሩ ዝተነግረኒ ቦኽሪ ገዛ ወልዱ መሓሪ፡ ንውግእ ከባቢ ዓዲ ያዕቆብን ዒላበርዕድን ሰጊሩ፡ ኣብ ከባቢ ጎምፎሎም – ኣብ ጎቦታት ዓጎምበሳ፡ በራኺ ድማ ኣብቲ ብዕለት 2 ታሕሳስ 1979 ዓ.ም ዝጀመረ ብተበግሶ ዝፍለጥ ናይ ወገን መጥቃዕቲ፡ ኣብ ምፍራስ ዕርድታት ሓረና – ከም ዝተሰውኡ እፈልጥ ኢየ። ሓቂ ንምዝራብ ኣነ’ውን ካብ ዝፈልጡ ሰባት ሰሚዐ እምበር፡ ምስኣቶም ብኣካል ኣይተራኸብናን።

ቅድም ኣብ ዝገበርናዮ ሓጸርቲ ዕላላት፡ኩነታቶም ከም ዘይትፈልጥ ስለ ዝተረዳእኩ፡ መስዋእቶም’ውን ክፈጥረላ ዝኽእል ጸቕጢ ስለ ዘስተብሃልኩ፡ ኣነ’ውን ንውሕ ዝበለ ዕላል ካብ ምግባር ክሃድም ኢየ ጸኒሐ። ንሳ’ውን እንተ ልቢ ኣዕቢያ፡ እንተ ካባይ ተጸቢያቶ ቅድሚኡ ኣየልዓለትለይን። ሽዓ ግን ኣብታ ሓጻር ርክብና እታ ኩሉ ግዜ ዝፈርሓ ዝነበርኩ ሕቶ ዱብ ኣቢላትለይ። ብኻልእ ሓሪቓ እናረኣኹ፡ ተወሳኺ ጸቕጢ ዝፈጥር መርድእ ክነግራ ኣይደለኹን። ንሽዑ ክትገላገል ኢልካ ዘይከውን ናይ ህላዌኦም ተስፋ ምሃብ’ውን ናይ ገዛኣ ርእሱ ሳዕቤን ኣለዎ። ስለዚ ገለ መህደሚ ዝኾነኒ ቃላት ከናዲ ነይሩኒ።“ዘለዉዎ ቦታን ኣሃዱን ንገረኒ፡ ከይደ ክርእዮም ኢየ” ዝብል ሕቶ ክስዕብ ምዃኑ ድማ ርዱእ ኢዩ። “ኣንቲ ጓለይ ምህላዎም’ኳ እፈልጥ ኢዬ፡ ምስዚ በብግዜኡ ዝግበር ምቅይያራት ግን ሕጂ ኣበይ ከም ዘለዉ ብልክዕ ኣይፈለጥኩን” ኢለ ዘረባይ ከይወዳእኩ -“ክላ ግደፎ ደሓን፡ ክትነግረኒ ኣይደለኻን” ኢላ ብደወይ ገዲፋትኒ ተዓዝረት። ኣዘራርባይ መዕጸውን መህደምን ምዃኑ ኣይሰሓተቶን።

ብወገነይ ብናይ ኣሕዋታ ጽቡቕ ወረ ወይ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ‘ናይ ሓለፍቲ ኢዩ’ ዝበለቶ ንሽዑ ቅጭ ኣምጺኡላ ዝነበረ ነገር ከገላግላ ወይ ከደዓዕሳ ዘይምኽኣለይ እናተሓሳሰበኒ፡ ንገለ ሜትሮታት ክሳብ ትኸይድ ቀው ኢለ ድሕሪ ምጥማት፡ ኣነ’ውን መንገደይ ቀጺለ። ድሕሪ ገለ መዓልታት ግን ካብቲ ዝነበረቶ ምክትል መራሕ ጋንታ ተኣልያ፥ ሓላፊት ቁጠባ ናይታ ጋንታ ከም ዝኾነት ሰሚዐ። በለጸት ብተፈጥሮኣ ብቕንዕና እትሰርሕ፡ ለዋህን ገርህን ኢያ። ከምቲ “Inocence is exploitable’ (ቅንዕና ወይ ግርህነት ተመዝማዚ ኢዩ) ዝብል ናይ እንግሊዛውያን ምስላ፡ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዘብጽሐ ምስ ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ሓለፍቲ ዘዛረበ ጉዳይ’ውን፡ ጠንቁ ግርህናኣን ለውሃታን ምንባሩ ድሒረ ኢየ ፈሊጠ። ኣብቲ ቀራን ገድሊ ለዋህን ገርህን ኮንካ ምኻድ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ’ሞ ኣበይ ፈሊጣቶ እዚ ዳሕረዋይ ናይ ስራሕ መደባ፡ ስሩዕን ብዙሕ ምስ ሰብ ዘየራኽብን ስለ ዝነበረ፡ ብወገነይ ኣይጸላእኩዎን። በለጸት’ውን ዝጸልኣቶ ኣይመስለንን። ዕላል ወልዱን በራኽን ግን ኣይተላዕለን። ብዉሑዱ ንሓጺር እዋን።

ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ናይ ወርሒ ሓምለ 1984 ዓ.ም- ብግምት ከባቢ ሰዓት 11፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣቢሉ ኢዩ። ተማሃሮ ባዶ ሰለስተን (03) ባዶ ሓሙሽተን (05) ገሊኦም  ኣብ ውሽጢ’ቲ ናይ ትሕቲ መሬት ገዛውትን ኣብ ጽላላት ናይቲ ዓበይቲ ኣግራብን በብጉጅለ ኮይኖም የጽንዑ፡ ገለ ከኣ የዕልሉ ነበሩ። ገለ ውሑዳት ከኣ በተን ጨርቂ ጠቕሊሎም ዝሰርሕወን ኮዓሳሱ፡ ኣብቲ ክፉት ቦታታት ይጻወቱ ነበሩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ኢዩ ሰማያት ዓራርብ ብኣዝዩ ደሃሊ ጽምጺ ነፈርቲ ክህወኽ ዝጀመረ። ሚግ ዝዓይነተን ክልተ ነፈርቲ፡ እንተስ ነቶም ኣብ ቃልዕ ዝጻወቱ ዝነበሩ ቆልዑ ርእየን ወይ ኣቐዲመን ብዝሓዝኦ ሓበሬታ፡ በብተራ እናተተኽላ ነቲ ቦታ ብናይ ፋክረስ ጠያይቲ ክሓርስኦ ጀመራ። ኣግራብ ተዘልዒፎም ክወድቁ፡ ኣቚጽልቶም ከም ሕሱም ክረግፍ፡ ኣብ ህይወት ናይቶም መዓንጣ ዘይቆጸሩ ጨላቕዕ ቆልዑ’ውን ሓደጋታት ክወርድ ጀመረ።

ንባዕላ ፋክረስ ኣብ ዘየንኩሎ ኣንደር ተዓቊባ ዝነበረት በለጸት፡ ፍልይ ኢሎም ኣብ እግሪ ገረብ ኮፍ ዝበሉ ቆልዑ ትርኢ። እንተስ ብድምጽን ተዂሲ ናይተን ነፈርትን ተዳሂሎም፡ እንተስ ክሻፋ መታን ክቆጻጸሩ ምንቅስቓስ ከውሕዱ ደልዮም፡ ካብቲ ኩዕሶ ዝጻወቱሉ ዝነብሩ ክፍት ቦታ ብዙሕ ኣይረሓቑን። ናብኣ ክመጹ ምልክት ትገብረሎም። ክሰምዑዋን ከስተብህሉላን ኣይከኣሉን። በለጸት ኣዝያ ትጭነቕ። ነፈርቲ ገና ኣብ ልዕሊኦም ኣለዋ። በብተራ ይትከላን ይድይባን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቀውጢ እዋን፡ ሰብ መዕቆቢ ኢዩ ዘናዲ። እቶም ቆልዑ ግን ሓደገኛነት ናይቲ ዝነበርዎ ቦታ ዝተረድኦም ኣይመስሉን። ዝነበርዋ ፍልይቲ ቦታ ኣብ ታርጌት ኣትያ ክትከውን ከም እትኽእል ኣይተጠራጠረትን። እሞ ተጽቅጥ’ዶ ትኺዶም? ነብሳ ፈትያ ስቕ እንተይላ፡ ቆልዑ ክጠፍኡ ኢዮም። ብጉያ እንተ ከይዳቶም ንዓኣ’ውን ከርክባኣ ኢየን። እንታይ ትግበር? ናይ ተፋረድ እዋን። ቁሩብ ድሕሪ ምምንታእ ክትፍን ወሲና። ስሒባ ናብቲ ዓበይቲ ኣግራብን ናብቲ ኣንደርን ከተእትዎም (ክትዕወት)፡ ወይ ምስኦም ክትጠፍእ – ዝከኣላ ክትገብር። ዘለዋ ሓይሊ ኣኪባ ከኣ ናብቶም ቆልዑ በረረት። እቶም ቆልዑን ንሳቶም ዝነበርዋ ገረብን፡ ኣብ ታርጌት ናይተን ነፈርቲ እትዋት ምንባሮም ተዛሪበ ኣለኹ። በለጸት ግን ናብኡ በሪራ።

ነፈርቲ ዕድል ኣይሃባኣን። ኣብተን ውሑዳት ናይ ቋሕ-ሰም ካልኢታት፡ ናብቶም ቆልዑ ክትሕወስን ከባቢኣ ብፋክረስ ክሕረስን ሓደ ኮይኑ። ንሳን እቶም ከተድሕኖም ዝተጸንበረቶም ቆልዑን ድማ ካብተን ኣቐዲመን ኣሲረናሉ ዝነበራ ነፈርቲ ብዝተተኮሰ ናይ ፋክረስ ጠያይቲ ንዘለኣለም ሓለፉ። በለጸት ምእንቲ’ቶም ቆልዑ፡ ምስቶም ቆልዑ ከይዳ። ሽዑ መዓልቲ ከኣ ምስ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዝኾኑ ቆልዑ፡ ኣብቲ ተማሃሮ ባዶ ሰለስተ ዝድቅስሉን ዝጻወትሉን ጸግዒ ጎቦ፡ ኣብ ሓንቲ ጉድጓድ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

በለጸት ተዓቚባትሉ ካብ ዝነበረት ኣንደር ወጺኣ ኢያ፡ ንድሕነት ናይቶም ከም ወላዲት እትከናኸኖም ዝነበረት ቆልዑ ዝጎየየት። ነፈርቲ ተሰኪመንኦ ዝመጻ ሓዊ ተፊአን ክሳብ ዝኸዳ፡ ካልኦት – ነዛ ንነብሶም ጥራይ ኣብ ምድሓን ኣብ ዝሸጋሸግሉ ዝነበሩ እዋን ከኣ ኢያ፡ ንበይና ኣብ ድሕነት ቆልዑ ዝተዋፈረት። ነፈርቲ ምስ ከዳ፡ መሬት ድሓን ምስ ኮነ ‘ዋይ ዋይ’  እናበልካ ምጉያይ ኣይመረጸቶን። ብኣንጻሩ “ሞት እንተመጸት ምስኦም፡ ብህይወት እንተለኹ ከኣ ምስኦም” ኢላ ኢያ ንድሕነት ናይቶም ሕማቕን ጽቡቕን ዘይመምዩ ጨላቅዕ ቆልዑ ዝጎየየት። ህይወት ከኣ ከፊላትሉ። ተወፋይነት ኣብ ምድምሳስ ጸላኢ፡ ተወፋይነት ኣብ ድሕነት ህዝቢ፡ ተወፋይነት ኣብ ድሕነት ቆልዓ-ሰበይቲ። ዕጫን ትዕድልትን ተጋዳላይ ንሳ ኢያ ነይራ። ንሱ ከኣ ኢዩ መምዘኒ ትብዓት ተጋደልቲ። እታ ዝያዳ ብጾታ ኣብ ስራሕ እትውፈ፡ ቅድሚ ገለ እዋን ግን ግርህናኣን ቅንዕናኣን ዘይሓገዛ በለጸት፡ ኣብቲ ጽንኩር ናይ ሞትን ሕየትን እዋን ብልጽትን ውፍይትን ምዃና ኣመስኪራ ሓሊፋ።

ኣካላዊ ብቕዓት ንበይኑ መምዘኒ ተወፋይነት ነይሩ እንተዝኸውን፡ በለጸት ካብቲ ተዓቚባትሉ ዝነበረት ኣንደር ኣይምወጸትን። “ስንክልቲ ኢየ” ወይ “እቶም ኣካላዊ ብቕዓት ዘለዎም ይጉየይዎ” ኢላ ከተጽቅጥ ኣይመረጸትን። ነብሳ ፈትያ’ውን ኣይጎርሐትን። በታ ዝነበረታ ዓቕሚ፡ ኣብታ ሕማቕ እዋን ንድሕነታ ከይተገደሰት ንድሕነት ካልኦት ነብሳ ወፍያ እምበር፡ ነብሳ ፈትያ ኣየጽቀጠትን። እታ ናብ ገድሊ ክትስለፍ ከላ’ውን ንብዙሕ ኪሎ ሜተራት ብዓቕልን ሓቦን ብእግራ ዝተጓዕዘት በለጸት፡ ኣብ ግዜ መስዋእታ’ውን ነብሳ ከተድሕን እናከኣለት፡ ንድሕነት ካልኦት ነብሳ ዝወፈየት፡ ኣካል ናይቶም ምእንቲ ድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን ዝሓለፉ ብሉጻት ብጾት ተሰርዐት። ሎሚ ነዚ ናይ በለጸት ታሪኽ ጨሊፈ ብውሑድ ቃላት ክገልጽ ምፍታነይ ከኣ፡ “እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ፡ ገለ ትምህርቲ ክወስደሉ ይኽእል ኢዩ” ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ኢየ።

ዓመት ክልተ ዓመት ድሕሪ ደብዳብ ነፈርቲ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ፡ ብገለ ምኽንያት ንከባቢ ከተማ ናቕፋ ከይደ፡ ነቶም ቅድም ምሳይ ዝነበሩ ብጾት ክርኢ፡ ካብን ናብን ናይቲ ዝነበርዎ ቦታታት ይንቀሳቀስ ነበርኩ። እምባልቆ ጸኒሐ፡ ንናቕፋ ገጸይ እናከድኩ ከለኹ፡ ሓንቲ ኣሃዱ ድማ ተሰሪዓ ብኣንጻር ናይቲ ኣነ ዝኸዶ ዝነበርኩ (ካብ ናቅፋ ናብ እምባልቆ ገጻ ክትከይድ) ኣብታ ቅንጭቢ ዝበዝሓ ዓቀበት (ደርገፍገፋ) ተራኸብና። ኣነ ክልተ ምርኩስ እናተኸልኩ ብጎኒ’ቶም ብጾት ቁልቁል እናኸድኩ፡ ሓደ ምሉእ ዕጥቂ ዝዓጠቐ መንእሰይ ካብ ማእከል’ቲ መስርዕ ነጢሩ ብምውጻእ “ወዲ ኪዳነ! “ ኢሉ ክስዕመኒ ይመጣጠር።

ኣብ ገድሊ ብስም ኣቦይ ዝተጸዋዕኩሉ  እዋን ስለ ዘይነበረ፡ ድንግርግር ኢሉኒ፡ ነቲ ክስዕመኒ ጀሚሩ ዝነበረ ተጋዳላይ ቀው ኢለ ጠሚተዮ። ካበይ ከም ዘምጽኦ እናተጨነቕኩ “ገጊኻኒ ድኻ . . . ኣነ ተወልደብርሃን እኳ ኢየ! . . ተወልደብርሃን መሓሪ!!“ ብምባል መንነቱ ምስ ገለጸለይ ግን፡ ብርግጽ ንመን ይስዕም ምንባረይ ኣይተጠራጠርኩን። ተወልደብርሃን – ኣብቲ ቦታን ተጋዳላይ ኮይኑን ክርእዮ ግን ፍጹም ኣይተዋሕጠለይን።

ገና ሰላምታና ከይወዳእና – ሓላፊኡ ኢዩ እመስለኒ፡ ብስሙ ጸዊዑ “መስርዕ ኣይትቑረጽ – ኣርክብ” ስለ ዝበሎ ግን ኣብታ ናይ ቋሕ-ሰም ሰላምታ ክንፈላለ ግድን ነይሩ። ወታደርን ወታደራዊ ሕግን ዘይነጻጸሉ ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም ኢዮም። ንጽባሒቱ እንራኸበሉ ቦታን ግዜን ተረዳዲእና ከኣ ተፈላለና።

ንተወልደብርሃን ኣብቲ ሰለስተ ኣሕዋቱ ዝተሰውኡሉ ገድሊ ክርእዮን፡ ኣሰሮም ኣብቲ ኲናት ክጥበስን ፍጹም ድሌተይ ኣይነበረን። ድልየት ንኽውንነት ስለ ዘይቅይር ግን፡ ንዕኡ ገዲፈ ኣብቲ ናይ ጽባሒቱ ርክብና ብዛዕባ እንገብሮ ዕላል ኢየ ክሓስብ ጀሚረ። ኩነታትን መስዋእትን ዓበይቲ ኣሕዋቱ ከኣ ዘይተርፍ ሕቶ ኢዩ። ሕጂ ግን ሚስጢር ምዕቃብ ምርጫይ ከይከውን ብውሽጠይ ወዲአዮ ኢየ። “በለጸት መስዋእቲ ክልተ ኣሕዋታ ከይፈለጠት ተሰዊኣ። እዚ ግን ክፈልጥ ኣለዎ። ብዓቢኡ ከኣ ንባዕሉ ኣብ ቦታ መስዋእቲ ዘሎን፡ ስውኣት ዝቐበረን እንድዩ” ብምባል ሓቂ ከይሓብኣሉ ብውሽጠይ ደምዲመ።

ንጽባሒቱ ቀትሪ ኣብ ናይ ቆጸራ ቦታ ተራኺብና ብዙሕ ኣዕሊልና። ኣብ ገድሊ ቀደም ትፋለጥ ሰባት እንተ ተራኺብካ፡ ድሕሪ ኩነታት ዓድን ቤተ ሰብን ዘይተርፍ ዕላል መቸም “መን – ኣበይ ኣሎ? . . በዓል መን ረኺብካ? . . መን ተሰዊኡ . . መን ተሪፉ!!“ እናበልካ ብዛዕባ ብህይወት ዘለዉን ዝተሰውኡን ምዝራብ ዘይተርፍ ኣድማሳዊ  ክበሃል ዝከኣል ዕላል ኢዩ። ንዕኡ’ውን፡ ‘እቲ ክፈልጦ ኣለዎ’ ዝበልኩዎ ኣይሓባእክሉን። ኣብ መንጎ ንኽልተና ዝፈልጥ ጡዕምዝጊ ኣስፍሃ ዝበሃል መተዓብይትና ተሓዊሱና ከኣ፡ ዳርጋ ምሉእ መዓልቲ ክንስሕቅን ኣብ ዕላልን ሓሊፉ። ምፍልላይ ምስ ኮነ፡ ተወልደብርሃን ብግዜኡ ናብ ኣሃድኡ  ክበጽሕ ስለ ዝነበሮ ቀዲሙ ከይዱ።  እታ ንመጀመርታን ንመወዳእታን ዝተራኸብናላ መዓልቲ ከኣ ኢያ ነይራ።

ድሕሪኡ ግን ኣብ መንጎ’ቶም ክልተ ዝተረፍና መተዓብይቲ ተጋደልቲ(ኣነን ጡዕምዝግን) ኲናት ተላዒሉ። “ኣንታ – ናይ ኣሕዋቱ ነጊርካዮ ዲኻ?” . . . “እወ ነጊረዮ! . . .”  “ስለምንታይ ትነግሮ . . እንታይ ክዓብሰሉ . . ?” ወዲ ናብ ጽሉል ኢዩ ተቐይሩ። ኣነ ግን ህድእ ኢለ ብሓውሲ ነድሪ “ንምንታይ’ከ  ዘይነግሮ? ድሕሪ መስዋእቲ ሰለስተ ኣሕዋቱን ደቂ-ሓዎቦታቱን ካብ ኩሎም ተሪፉ ዝበልኩዎ ቆልዓ ኣብዚ ከረኽቦ ድሌተይ ኣይነበረን። ደሓር ከኣ ባንደራ ኤርትራ ኣብ ገዝኦም ኢያ ትስቀል ዝበለካ መን ኢዩ? ኣነ እቲ ሓቂ ነጊረዮ ኣለኹ፡ ሓቂ ክፈልጥ ከኣ መሰሉ ምዃኑ ኣይትረስዕ!!” ብሓውሲ መግናሕቲ መሊሰሉ።

ብርግጽ ተወልደብርሃን ተጋዳላይ ኮይኑ፡ ኣብቲ ገድሊ ክስለፍ ብውሽጠይ ኣይተቐበልኩዎን። ካብ መስዋእቲ ሰለስተ ኣሕዋቱ ዝሓልፍ ካልእ ነገር ግን ኣይተዛረብኩን። ንሱ’ውን ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣሰር ኣሕዋቱ ሓሊፉ። ብዙሕ መስዋእቲ ርእየን፡ ብዙሓት ነናይ ባዕሎም ፍሉይ ታሪኽ ዘለዎም ብጾት ካብ ጎድነይ ተፈልዮምን ኢዮም።  መስዋእቲ ናይቲ ናይ መወዳእታ ዝብልኩዎ ውዑይ መንእሰይ ብእኡ ምድምዳሙ ግን ፍጹም ዝወሓጥ ኣይነበረን። ኣቦን ኣደን ከኣ በለጸት ራብዓይቶም፡ ኣርባዕቲኦም ደቆም ኣይተመልሱዎምን።

.       .    .      .    .    .      .    .    .     .    .    .     .    .    .

መስዋእቲ ናይታ ምስ ከቢድ ስንክልናኣ ናብ ገድሊ ዝወፈረት፡ ኣብኡ’ውን ልዕሊ ጥዑያት ንመስዋእቲ ዝተቐዳደመት ኣደን ተጋዳሊትን መንእሰይ፡ ምስቲ ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠመና ኩነታትን፡ ንሕና ዝሃብናዮ ግብረ መልስን ከዛምዶ እንተ ፈተንኩ ሕማቕ ኣይመስለንን። ሓንቲ ስድራ ወይ ዓዲ ጸገም እንተ ኣጋጢሙዋ፡ ብነድሪ በትሪ ዘልዕሉ – መንእሰያት ኢዮም። ሃገር ኣብ ሓደጋ እንተ ወዲቓ ከኣ “ኣለኹልኲ” ዝብላ መንእሰይ ኢዩ። ብዙሓት ጨቆንቲ ስርዓታት (ህግደፍ ቀንዲ ኢዩ) ንስነ ኣእምሮ ናይዚ ውዑይ ዕድመ ኣጽኒዖም፡ ኣብ ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ኲናት ኣእትዮም ግዳይ ይገብርዎ። እቲ ብሕሉፍ ገበናቱ ዝፈርሕ ስርዓት ህግደፍ’ውን ብህይወት መንእሰያትና ጥራይ ዘይኮነ፡ብህይወት ህዝብናን ሃብቲ ሃገርን ክጣላዕ ኢዩ ጸኒሑ። ጭቆና ካብ ልክዕ እንተ ሓለፈ፡ ግፍዕታት ኣመና እንተ በዝሐ፡ ነቲ ሓዊ ብሓዊ ናይ ምምላስ ዓቕምን ሓላፍነትን ዘለዎ ከኣ መንእሰይ ኢዩ።

ብኣንጻር ናይዚ ክብ ኢልና ዝረኣናዮ ታሪኽ በለጸት መሓሪ፡ ገለ መንእሰያት ካብ ወለዶ ሎሚ፡ ህግደፍ ዝበሃል ዓይንን ስንን ዘለዎ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጡ ህዝቢ ዝብትን፡ ሃብቲ ሃገር ዝዘምት ስርዓት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እናሃለወ፡ ነቲ ቀደም ሞይቱ ዝተበታተነ ህዝባዊ ግምባር “ክንቀትሎ ኢና” ኢሎም ክግዕሩ ትዕዘብ። እቶም መንእሰያት፡ ነቲ ቀደም ዝሞተ ህዝባዊ ግምባር፡ ካብ መቓብር ኣውጺኦም ክቐትልዎ ሒጊግ ክብሉ ይረኣዩ። ንሳቶም ኣብ ሓደ ሰብ ዘይሪኦ፡ ዕጹዉ ገዛ – ዘመን ኣምጽኦ ካሜራ የጻውዱ’ሞ፡ ነታ “ናይ ህዝባዊ ግምባር ኢያ” ዝበልዋ ባንደራ፡ ኣብታ ንሳቶም ጥራይ ዘለዉዋ ዕጽውቲ ክፍሊ ኣብ ምድሪ የንጽፍዋ። ብሓሳቦም ነቲ ዘይርእን ዘይሰምዕን ህዝባዊ ግምባር፡ ኣብ ትሕቲ’ታ ባንደራ የቐምጥዎ። በቲ ደረቕ ዝታኮኡ ኮዮ ሳእቲ ከኣ ነታ ባንደራ ርግጽ -ርግጽ የብልዋ። በቃ – ሽዑ ህዝባዊ ግምባር ዝሰምዖን ዝረድኦን ዘይብሉ፡ ኣብ ትሕቲ’ታ ባንደራ ተረፋቲቱ ይመውት። ኣብታ ናይ በይኖም ገዛ ከኣ “ጭድድ ፍንጭሕ’ ይኸውን። ህዝባዊ ግምባር ተሳሒጉ እናሞተ ከሎ ዘርኢ ስእሊ ናብ ዓለም ይዝርጋሕ። ዓለም ይስሕቆም፡ ንሳቶም ይሕጎሱ። ኣነ’ውን ከም ሰበይ ነቲ ኣብ ሓጎሶምን ድግሶምን ተሳኢሎም ዝዘርግሕዎ ስእልታት ክርኢ ከለኹ፡ ንበዓል በለጸት ዘኪረ “ለካ ሰብ’ሲ ኣካላዊ ብቕዓቱ ዘይኮነስ፡ ኣእምሮኡ ኢዩ ዝንቀሳቐስ” ዝበልኩሉ እዋን ብዙሕ ኢዩ።

በለጸት ካብታ ተዓቊባትላ ዝነበረት ኣንደር ወጺኣ፡ ናብቶም “ግድን ክድሕኑ ኣለዎም” ዝበለቶም ቆልዑ ክትጎዪ ከላ፡ ዝመርሓን ዝእዝዛን ሓላፊ ኣይነበረን። ተጋዳሊትን ኣባል ናይቲ ዓቢ ውድብን’ኳ እንተ ነበረት፡ ኣብታ ውስንቲ ናይ ሞትን ሕየትን እዋን ግን፡ ነዛ ህይወታ ከይበቐቐት ምእንቲ’ቶም ዕሸላት ኢያ ዝተወፈየት። ኣብ ቅድሚ ዓይና ንሞት ዝተቃልዑ ሕጻውንቲ ቆልዑ ምስረኣየት፡ ወይ ንሞት ወይ ንሕየት ክትፍትን ኢያ ወሲና። ምስቲ ኩሉ ዝነበራ ኣካላዊ ስንክልና ከኣ ኢያ፡ ምስ ሞት ተቐዳዲማ። ውሳኔኣ ህይወት ኣኽፊሉዋ’ኳ እንተኾነ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይን ብህይወት ዘሎና ሰባትን ዘለዎ መልእኽትን ዘሰክመና ሓላፍነትን ግን ዓቢ ኢዩ።

ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለምና፡ ፖለቲካዊ ውዳቤ ኮነ ፖለቲካዊ ቃልሲ መልክዑ ዝቐየረ ኢዩ ዝመስል። ብፍላይ ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝበለ ቁንጣሮ ጓሓሉ – ንምሉእ ህዝቢ ሓኒቆም ዝሕዝሉ እዋን፡ ሃገርና ብውልቂ ተበግሶ ወሲዶም ዝውፈዩ ሰባት ትደሊ ኣላ። ኣብዚ ንህግደፍ ዝወዳደር ውዳቤ ክንገብረሉ ዘይከኣልናሉ እዋን፡ ንናይ በለጸት ዝመስሰል ውልቀ ተበግሶን ተወፋይነትን ጠመተ ዘድልዮ እዋናዊ ጉዳይ ይመስል። ኣብ ዓንቀርና ተሸኺሎም ደምና ዝመጽዩ ዘለዉ ስቡሓት፡ ብዓቢኡ ከኣ መራሒኦም እንተ ተኣልዩ እሞ’ከኣ – ንፖለቲካዊ ለውጢ ማዕጾ ዝኸፍት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

ነስተውዕል’ሞ . . . ብሕማም እኳ እንተኾነ፡ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንፖለቲካዊ ለውጢ ማዕጾ ከፊቱ ኢዩ። ሃንደበታዊ ሞት ሳሞራ ማሸል፡ ንሞዛምቢክ ካብ ወታደራዊ ስርዓት ከም ዘገላገላ ይዝረብ። ኣብ ቻይና ማኦ ጸ ቱንግ ምስ ሞተ ኢዩ ኣብ ፖለቲካ’ታ ሃገር ገለ ለውጢ ክረአ ዝጀመረ። እዚ ዳርጋ ኣብ ኩለን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣካይደን ዝተዓወታ ሃገራት ዝተራእየ ሓቂ ኢዩ። ሃገርና’ኸ ዕቡድ መራሒና ባዕሉ ክእለ ዲና ክንጽበ ወይስ ኣብነት በለጸት መሓሪ ዝወስድ ሰብ ክትረክብ ኢያ? ሃገርና እምበኣር፡ ናይ ባዕሉ ተበግሶ ዝወስድ – ንድሕነታ ዝውፈ ሰብ ትደሊ ኣላ።

በለጸት፡ ሓንቲ ካብቶም ንስለ ሃገር ዝሓለፉ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ኢያ። መስዋእታ ፍሉይ ዝገብሮ ግን፡ ኣብተን ነብሳ ከተድሕን ተሓቢኣ ከተሕልፈን ዝነበራኣ ውሑዳት ደቓይቕ ዝወሰደቶ ፍሉይ ስጉምቲ ኢዩ። ሰብ ኣብ ዝቕዘፈሉ ህሞት፡ ንሳ’ውን ሰብ ምዃና ረሲዓ፡ ንዘይሞቱ ከተድሕን ሞት መሪጻ ምጉያያ ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢየ “ምእንቲ ድሕነት ደቃ፡ ምስ ደቃ ሓሊፋ” ዝብል ዘለኹ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • yzekeru June 17, 2018

    ታዴሴ ኪትዚኬር ዚግባኣ ሴብ ብምዝካርካ ብልቢ ዬሜስግኔካ ፤፤ ኬም ባዓል ቤሌጥ ብልቢ ዚቴካሌሳሉ ካልሲ ኬምዚኮኢኑ ኪቴፍ ኮሎ ዜህዝን ኤዩ ።

  • Hidat June 17, 2018

    ዘለኣለማዊ ክብርን ዝክርን ንሰዉኣትና

  • ተወልደመድህን June 17, 2018

    ዝኸበርካ ታደስ፡
    ዘዘንተኻዮ ዛንታ ብሓቂ ሰሓቢ ኢዩ።ክንደይ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኽን ቁስልን ኣሎ።ኩሉ በብዓቕሙ ከምዚ ገይሩ እንተዝዛረብ ከኣ ብዙሕ ትምህርቲ ምተረኽበ።
    ኣብ መወዳእታ ግን ብዛዕባ መናእሰያት ዝበልካዮ ቅረታ ኣሎኒ።እዞም ናይ ሎሚ መናእሰያት ኣብቲ ናይ ናጽነት ዘመን ዝዓኾኹ፡በቲ ናይ ህግ ኣገባብ ዝተሰርዑ፡ኩሉ ኣከያይዳኦም ነቲ ስርዓት መሲሎም ዝተሃንጹ ዕጹው ሃንጎል ዘለዎም ኢዮም።ንሳቶም ንጡፋት ሃገራውያን ደለይቲ መሰል ክኾኑ፡ነዚ ዘብቕዕ ናጻ ትምህርቲ ክረኽቡ ኔሩዎም።እቲ ኩነታት ውን ናጻ ኮይኖም ነገራት ክጥምቱ ዘኽእል ክከውን ኔሩዎ።እዚ እንተ ብዕድል ወይ ካልእ ጸገም ኣይረኸቡዎን።እዚ ሎሚ ኣብ መናእሰያት ዝረአ ዘሎ ጸገም ወይ ነቲ ስርዓት ኣብ ውሽጡ ኮይኖም ካብ ምቅላስ ገዲፎሞ ስደት ክመርጹ፡ብቑዓት ክኾኑ ዝኽእልሉ ኦድልን መሃርትን ስለዘይረኸቡ ኢዮም።ናጻ ዘይኮኑ መማህራን እንድሕሪ ዘየልዮም ባዕላቶም ናጻ ክኾኑ ኣይክእሉን።መናኣሰያት ካብ ቅድሜኦም ዘለው እናተመሃሩ ኢዮም ዝመጹ።እቲ ቅድሜኦም ዘሎ ክምህሮም ዝኽእል ተጋዳላይ ግን ብሽም ዲስፒልን ብሽም ባዕላውነት ወይ ብሽም ውድባዊ ሃገራዊ ኣተሃሳስባ ብምባል ዝተፈላለዩ ኣሰርቲ ሓሳብ ኣበ’እምሮኡ መሊሱሉ ኢዩ።እዚ ኩሉ ሳዋ ዝከደ መንእሰይ ሰብ ምቕታል ተማሂሩን ኣኣምሮኡ ብወተሃደራዊ ሕግን ብፀቕጢ ሃለፍቲ ዝደንቆረ ኢዩ።ስለዚ ካበይ ይምጻእ እቲ ብቑዕን ዜጋ ዝከውን።እንድሕሪ ናጻን ብቑዕ ዜጋ ክከውን ዘይተኾስኩሱ፡ከምቲ ዝበልካዮ ኣብ ቐንጠመንጢ ክሃስብ፡ይቃወም ኣሎኹ ኣናበለ ንበዳሊ ዝሕግዝ፡ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ነንህድህዱ ክሰላለ ዝውዕል፡ክፋጋእ ዝውዕል ኢዩ ዝከውን።ባንዴራ ህግደፍ ረገጹዋ ኣቃጸሉዎ ትርጉም ዘይብሉ እንተኾኑ ኣዚ ምግባሮም ከኣ ክቆናጸቡ ዝይግባኣን።
    ኣብ መወዳኣታ ክብለካ ዝደሊ፡ኣቦታትና መምህርካ ስማዕ፡ሃላፊ ስልጣን ዘለዎ ግበር……ወዘተ እናበሉ ኣዕቢዮምና።ኣብ ቃልሲ ዝፈጸም ዝነበረ ግስሩጥ ስራሕ ኢድና ሂብና፡ን እከይ ስራህ ሃለፍቲ ክብድሕ ርእሱ ሃፈ ዘበለ ተጋዳላይ ኣይነበረን (ባዕልካ ከምዝበልካዮ ካብ ንጡፍ ተጋዳላይ ናብ ንጡፍ ተኣዛዝይ ተቐይሩ ተጋዳላይ ኢልካዮ ኣብ ቅድሙ ጽሑፋትካ )።ሎሚ ከኣ ብሰንኪ ቲ ዝተወሃቦም ትምህርቲ ኣዚ ኮይኖም ተሪፎም።
    መን ዩ ተከሳሲ።እቲ ልሙስ ትምህርቲ ዝህብ ስርዓት ኢዩ።እቲ ስርዓት ከኣ ካብ ቻይና ዘይመጸ ብተጋደልቲ ዝተባሕተ ኢዩ።ከምቲ ኢሳያስ ኣብ ሳዋን ካልእ ቦታ ወሲዱ ተካእቲ ካድራት ንምፍራይ ዝገበሮ፡ተጋደልቲ’ውን ኣወስን ኣቢሎም ንገለ መናእሰያት ሕሹኽ ኣይበሉን።እቲ ዘሕለፉዎ ህይወት ገድልን ነቲ መንእሰይ ዘበራትዕ ታሪኽ ኣየዝንተውን።ስለዚ ብሰንኪ ስርዓትን ኣያታቱን ዝመጸ ሕመቕ ናብ መናእሰያት ምድርባዩ ካብ ሃላፍነት ምህዳም’ዩ እየ ዝብሎ።

  • DAWIT GEBREYOHANNES June 18, 2018

    HI TADESE KIDANE BMEJEMETA KEMEY TKEWN DAWIT NOT BOOK EYE ABZA ZSTEHAFKAYA NAY BELESTE BTAEMI TEHAGISEN ADIKEKAN ETI ZGERMEKA KULU ETI ZBELKAYO HAKKA MUKANKA MSKRNETEY DHRI MHAB NBELESTET NAY KEREBA BETESEBEY MUKANA EZI KULU AMET BHADE KNKMET DMA KEFELTKUWAN KETELALENAN MSWAA KABZEHZNUNI ZNEBERU NEGERAT MUKANU KHBREKA DELYE EYE DHRI MESWAETA EYE FELITE ZEY EDOM REKIBOM BRUKAT BSTOTEY TRAY ELE ZEREBAYY KDMDM

  • Simon G. June 19, 2018

    ናይ ብሓቂ ዘሕዝን ታሪኽ ‘ዩ።
    በዓል በለጸት ብኸምዚ ዝበለ ጅግንነት ክሓልፋ ከለዋ: ሓንቲ ዘይበርከተት ከኣ ደጋፊት ህግደፍ ኮይና ትርከብ!
    ሎሚ-ሎሚ ክሓስቦ ከለኹስ: ዋላ ኢሳያስ ይድውለለም ኔሩ ይኸዋን: ሽዑኡ ነፈርቲ መጺአን ይድብድባ።
    እዚ ተረገም! ህዝቢ ኤርትራ ከጽንት ከምዘውፈረ ሕጂ ይርደኣካ።
    ተጋደልቲ ህግሓኤ ድማ ከም ፈረስ ‘ኳ ኢኹም ኔርኩም። ንቕድሚት ጥራይ!
    ካብዛ ኩላ ኣህዛብ ነዚ እከይ ግብሪ ናይ ኢሳያስ ምርዳእ ስኢንኩም? ዝገርም ‘ዩ።

    • Danilo June 19, 2018

      Brother simon .G ,መሳኪን ኣፍራስ ኣብ ዝደለዮ ኣብጺሖሞ።ወላ ንኸይበልዑ ሉጓምም ኣይፈትሐ፡ከየትንፍሱ ማዕጾ ከየርሔ ፡ንከይርእዩ ሽፋን ክሻፋ (ፊንቶ )ሚሂዙ እንታይ’ሞ ክገብሩ።

  • meretse June 19, 2018

    ሰላም
    ካብ መንነታ ጀሚርካ ክሳብ ናይ መጨረሻ ናይ ቃልሲ ሕይወታ ዘዘንተካዮ ዘዘንተካዮ ዛንታ ተንካፍ ልቢ ኢዩ። ነዚ ዛንታ’ዚ ከተሎል እንከሎካ ብሓጺሩ ኤረትራ ንዝተክፍላ ዓይነት ዋጋ ቁልጭ ኣቢሉ ዘብርህ ቀንደል ኢዩ። ታሪክ በለጡ ታሪክ ብዙሓት ስድራቤታት ኢዩ። ንሳ ብልክዕ ነቲ በብገዝኡ ዝተከፍለ ዋጋ ግርም ጌራ ትውክሎ። ደቀይ ንከተትርፍ ናብ ሓዊ ጎያ ኣትያ ሕይወታ ከፊላ። ዛንታኣ ዛንታ ጀጋኑ ኤረትራውያን ዝውክል ስለ ዝኮነ እቲ ንህዝቢ ኤረትራ ይውክሎ ኢየ ዝብል መንግስቲ ከም ኣብነት ናይ ጀጋኑ ከዘንትዎን ክንግሮን ካብ ዝነበረ ሓደ ኣገራሚ ታሪክ ኢዩ። ይንዋህ ይሕጸር እምበር ታሪክ በዓል ስውእቲ በለጸት ዋጋ ዝረክበሉ እዋን ክመጽእ ኢዩ። ክገርመካ ታሪክ በለጸት ንዓይ ብፍላይ (ብውልቀ) ንብዓት ዘፈርፈር ከም ዘብል ጌሩኒ። ምክንያቱ ሓንቲ ሕጻን ጓል ስውኣ ሓወይ (ኣቦኣ ሓቑፉ ዘይሰዓማ) ሓንቲ ካብተን በለጽት ጎያ ከተድሕነን ዘይከኣለት ብምዃና። ምናልባት ናይ መዓልቲ ፍልልይ ክህልዎ ይክእል ይከውን፡ ዘርካ ዘርካ ግን ኣብ ሰሓል ነፈርቲ ብዝገበርኦ ደብዳብ ብዙሓት ቆልዑ ዝሞትሉ ኢዩ። ቃልሲ ኤረትራ ሓደ ካብ ቤተሰብ ሓሊፉ ቤተ-ሰብ ብምልኡ ተዋፊሩ፡ ሞይቱ፡ ቆሲሉ፡ ከርተት ኢሉ ዘምጽኦ ናጽነት ክንሱ ሎሚ ብዝያዳ ኣብ ቀውዒ ሰፍኢ ናይ ዘቀበሉ መውደክደክቲ ኮይና ተሪፍ ኣሎ። ግን እዚ’ውን ክሓልፍ ኢዩ ።

  • AHMED SALEH !!! June 20, 2018

    Yesterday I tried to comment on Tadesse article but I was reluctant because emotionally it visited the pain
    which left us with scars on our head for life .

    • k.tewolde June 20, 2018

      Yes indeed Ahmed that pain which never goes away and those beautiful souls like the heroin depicted above by Tadesse, they keep playing like black and white movie in our head,sometimes I say they better of than us…….eternal glory to them.

Post a Reply to Hidat Cancel Reply