Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“በቲ ዕላምኡ ዘለለየ ንጹር ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈሸለ እኩይ ውዲት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመት! ሓዳስ ዓመት 2019፡ ዓመተ ፍትሒ፡ ዓመተ ሰላም፡ ዓመተ ቅሳነት፡ ዓመተ ጥዕናን ራህዋን ክትኮነካ እምነ!!!   ኣረጊት ዓመት ሓሊፉ ብሓድሽ ዓመት ኣብ ዝትከኣሉ እዋን፣ ካብቲ ዘለኻዮ ጸልማት ዘናግፍ፡ ሓድሽ ህይወት ዝፈጥር፣ ዓወት ኣብ ፖለቲካውን

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡

ርሑስ ሓድሽ ዓመት!

ሓዳስ ዓመት 2019፡ ዓመተ ፍትሒ፡ ዓመተ ሰላም፡ ዓመተ ቅሳነት፡ ዓመተ ጥዕናን ራህዋን ክትኮነካ እምነ!!!

 

ኣረጊት ዓመት ሓሊፉ ብሓድሽ ዓመት ኣብ ዝትከኣሉ እዋን፣ ካብቲ ዘለኻዮ ጸልማት ዘናግፍ፡ ሓድሽ ህይወት ዝፈጥር፣ ዓወት ኣብ ፖለቲካውን ምጣኔ-ሃብታውን ማሕበራውን ህይወት ዘጎናጽፍ ዓመት ክኾነልካ ብተስፋን ብጽሎትን አናተመነኻ እተሕለፎ ዘለኻ መዋእል፣ እነሆ ኣስታት 27 ዓመታት ኣሕሊፉ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብዚ መዋእል’ዚ፡ ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ፣ ካብ ጸልማት ናብ ዝጸልመተ ህይወት እናኣተኻ ካብ ምሽቃይ ሓሊፉ፡ ኣንፈት ሰላምን ቅሳነትን ዝብሃል ከየስተማቐርካ ኢኻ እተሕልፎ ዘለኻ፡፡ ብፍላይ ዓመተ 2018 ድማ፡ ብትሕዝቶኣ ንህዝቢ ኤርትራ፡ መቐጸልታ ናይተን ዝሓልፋ ናይ ጸልማት ዓመታት ኮይና፣ ብሓደገኛነቱን ናህሩን ግና ፍልይ ዝበለ ተርእዮታት ኣመዝጊባ እያ ትሕልፍ ዘላ።

 

ሓደ ካብቶም ኣብ 2018 ዝተራእየ፡ ንዓኻ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝኾነን ሓያሎ ተርዮታትን ድማ፡ እቲ ኣብ መንጎ መራሕ መንግስቲ ናይ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቕን፡ ንዓኻ ኣጓንዩ፡ ክኸይድ ዝጸንሐ ናይ “ምድማር” ዝብል ናይ ውዑል መዝሙር እዩ።

 

ምስዚ ሕጂ ዝከይድ ዘሎ ዝተኣሳሰር፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ 1972፡ በቲ ኣብቲ እዋን’ቲ” ብጉጅለ ኢሳያስ” ወይ ብ“ሰልፊ ናጽነት” ዝፍለጥ ዝነበረ፡ ካብ ተ.ሓ.ኤ.  ዝተፈንጨለ ጉጅለ፡ ሓንቲ ብአንግልዚኛ ዝውጸት ጽሕፍቲ ዘስፈሮቶ ሓረግ ክጠቅስ እደሊ፡ እታ ሓረግ ድማ ከምዚ ትብል፥ “….. We are not fighting for the spot of Eritrea, but we are fighting to form(secure፡ ናተይ) a big and strong socialist state in East Africa, ……….”፡ ብትግርኛ፣ “…….ንሕና ንሓቲ ንጣብ ኤርትራ ዘይኮናስ፡ ሓንቲ ዓባይን ሓያልን፡ ብማሕበረ- ዴስነት አትመሓደርን ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ ኢና ንቃልሰ ዘለና…….” ትብል። ኣብቲ ግዜ’ቲ ተመሃራይ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ መንእሰይ፡ በዚ ኣብሃህላ’ዚ ብርቱዕ ክትዕ ኣልዒሉ ነይሩ። ንኣተረጓጒማ ናይዚ ኣበሃህላ’ዝን፡ ብዛዕባ እዚ ምስዚ ሎሚ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ባይታን ቃላት ኢሳያስን ብኸመይ ይዝማአድን ብዝምልከት ድማ ንኣንባባይ ክገድፎ መሪጸ።

 

ብዙሕ ካልእ ነዚ ዝመሳሰል ኣበሃህላን ተግባራትን እውን፡ ኣብ መመድረኹ ክርአ ጸኒሑ እዩ። የዋህ ኤርትራዊ ግን ንኹሉ ብኣውንታውን ብየዋህነትን እናርኣየ፡ ኣብ ዋጋኡ ዘትይመን ክሳራታትን ስቓይን ክኣቱ ጸኒሑ እዩ።

 

እቲ ትማሊ ናብ ኢትዮጵያ ሃዲምኩም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክትሃድሙ ሓሲብኩም እናተባህለ፣ ሂወት ኣማኢት፡ ሕቚፊ ወለዶም ዘይጸገቡ፡ መንእሰያት  ኤርትራውያን  ብጥይት ክምንጥልሉ ዝጸንሑ መዐቀኒ ወንጀል ደኣ፡ መዓስን ብኸመይን እዩ ካብ ሓንጎል ኢሳያስ ወጺኡ፡ እሞ 360 ዲግሪ ንኽጥወ ዘብቀዖ፧ ጉዳይ ናይቲ ኣብቲ ብምስምስ ሕቶ ዶብ ዝኸፈቶ ግዕዙይ ኲናይ ዝሃለቐ ህዝብን፣ ዝበረሰ ንብረትንከ፣ ብኸመይ ተዛዘመ፧ “ጉዳይ ዶብ ኣብ መሬት ከይተሓንጸጸ ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ ዘረባ የለን” እናተባህለ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዝዎ ዝጸንሐ ጉዳይከ ተኻሒዱ ድዩ ክተርፍ፧ እሞ ህዝቢ ኤርትራኸ ካንዶ በትሪ ኢሳያስ ኮንካስ፣ ከድልዮ ክጥቀመልካ፣ ከየድልዮ ድማ ከም ዕንጨት ክሰብረካ ወይ ክትርብየካ ተፈሪድካ ኢኻ፧ ኣይፋልካን፣ ኣይትታለል፡ ኣይትተሃመል፡ ኣይትደሃል ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣለካ፡ መንነት ኣለካ፣ እሞ ታሪኽካን መንነትካን ተኸላኸል። ይኣክል በል፣ ውልቀ መላኺ እሳያስ፡ ከም ነፋሒቶ እናተቐየረ፣ ብህይወትካን ብመንነትካን ክጻወት ከሎ  ይኣክል በሎ። ካብቲ ኣብ ቃልሲ ብጅግንነት ን30 ዓመት ተቓሊሳ ናጽነት ንምርግጋጽ ዝተሰዋእካዮ፣ ሎሚ ብሰንኪ እዚ ጉጅለ’ዚ ብዝፈጠሮ ጥሜትን ስቓይን ኲናትን ትሳቐዮን ትጸንቶን ዘለኻ እዩ ብዝያዳ የስካክሕ፡፡

 

“ሰላም” ንኹሉ ፍጡር ህይወት ዝህብ ኣምር እዩ። ቃልስታትን ትጽቢታትን ኩሉ ኣህዛብ ድማ፣ ኣብ ውሽጡ ይኹን ኣብ ከባቢኡ ሰላም ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ። አንተኾነ ሓደ “ስርዓት” ንሰላም ክውክልን፡ ስለ ሰላም ንኽጣበቕ ክበቅዕን፣ ብመጀመርያ ኣብ ገዝኡ ሰላም ክውንን ኣለዎ። ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክዕረቕን፡ ሰላም ክገብርን እንተኾይኑ’ውን፡ እቲ ዝምልከቶ ስርዓት፣ መጀመርያ ምስ ህዝቡ ክዕረቕን ኣብ ውሽጢ ህዝቡ ሰላም ከንግስን እዩ ዝጥለብ። በዚ  መዐቀኒ’ዚ ክምዘን ከሎ እምበኣር፡ ኢሳያስ ነዚ ዝጓየየሉ ዘሎ መዝሙር ናይ ሰላም ብባህርያቱ ክውንን ኮነ ክውክል ዘይክእል፡ ውልቀ-መላኺ ባእታ እዩ። ኢሳያስ፡ ትማሊ፡ ሓንሳብ ብ”ተወሪርና”፣ ጸኒሑ ብ”ዶብ” ከማሳምስ ጸኒሑ፣ ሎሚ ድማ ብስም ”ሰላም” እናሸቀጠ፣ ታሪኽ ሃገርናን ክብሪ ህዝብናነ ኣብ ምህሳስን ምንሻውን ከይደቀሰ ዝሓድር ዘሎ ዘርኢ መርገም እዩ። እዚ ድማ ናይ ሎሚ መደቡ ዘይኮነስ፣ ኣብ 60ታት ኣንጊሁ ንባርካ ዝወረደ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ምንባሩ እዩ ዘነጽር ዘሎ፡፡ “ኣይከሰርናን፣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኣይኮነን ዝብል፡ ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ”፣ ቀጺሉ፣ ነቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመረጾ መራሒኡ፣ “ንስኻ ምርሓና፡ ሓልፍነት ሂበካ ኣለኹ…..” ወዘተ፡ እናበለ እናሰሓቐ ኣፍልቡ ክሃርም ከሎ፣ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ተልእኾ አናታይ እዩ፧ እቲ እኩይ ሕልሙ ከም ዘዐተ ድዩ ዘብርህ ዘሎ ወይስ ንቑሕ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍሽልዎ’በር፡ ዕላሙስ ከምኡ ምንባሩ እዩ ዘነጽር ዘሎ፧”

 

ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነዚ “ካባ ሰላም” ለቢሱ፣ ሓቀይና ዕላምኡ ግን ንጥፍኣት ሃገር ኤርትራ ዝዓለመ ርኹስ ፈተነ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ እምበኣር፣ ሎምስ ይኣክል፡ ጉዳይና ባዕልና፡ እትብለሉ እዋኑ ኣኺሉ እዩ’ሞ፣ ብሓባር ተንስእ፣ ተበራበር፣ ይኣክል በሎ፣ ሓላፍነት ጉዳይካ ተሰከም፡ ንሓዳስ ዓመት 2019፣ ዓመተ ዓወትካ ክትገብራ።

 

ስርዓት ሃይለስላሴ ኤርትራ ንምጒባጥ ኣብ ዘውጽኦ ስትራተጂ፡ ነቲ ብ”ፈደረሽን” ዝፍለጥ ጉልባብ ሒዙ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1962 ብሓይሊ ዓመጽ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ የእትይዋ። እቲ ኣብ ሱሳታት ወፊሩ፣ ኣብ ትሕቲ ናጽነታዊ ቃልሲ ይኹን፣ ኣብ መዋእል ናጽነት፣ ናይ ሓሶት ኤርትራዊ ካባ ለቢሱ፣ ንተቓለስቲ እናጽነተ ዝተጓዕዘ ጉጅለ ኢሳያስ ድማ፣ እነሆ ሎሚ ዕላምኡ ክግሃድ ይርአ ኣሎ። ንታርኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ እንውከስ፡ ፕሮፖጋንዳዊ መስርሕ ጉጅለ ኢሳያስ፣ መልክዑ ዝቐየረ፡ ብትሕዝቶኡ ግን ፍጹም መቐጸልታ ተግባራት ንጉስ ሃይለስላሴ ምንባሩ ንግንዘብ። ከመይሲ፣ ኩሉ ፕርፖጋንዳኡ ብሽፋን ምጽላም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣምሲሉ፣ ቃላት ንጒሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ እናተጠቕመ፣ ንመንነት ሰውራ ኤርትራ ሕብሩ ንምድዋን ዘይገበሮ ፈተነታትን ጻዕርታትን ኣይነበረን። ሎሚ ድማ ብጒልባብ ሰላም፣ ነቲ ንጒሆ ዝወፈረሉ ዕላማ ለኣኽቱ ንኽፍጽም ከዕበድብድ ይርአ ኣሎ።   

 

ሕዝቢ ኢርትራ ሰውራ ከበግስ ከሎ ጀሚሩ፡ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ፣ ሰላም ኣብ ውሽጡን ሰላም ምስ ከባቢኡን ንምርጋጋጽ ኣብ ዝገብሮ ቃልሱ ፍጹም ኣላሽ ኢሉ ኣይፈልጥን። ኣብ መንጎ ክልተ ኣህዛብ ሰላም ክበሃል ከሎ ግን፡ ንናጻ ክብረተንን ልእላውነትን ብማዕረ ዝሓለወ ክኸውን ይግባእ፡፡ ከምዚ ዝኣምሰለ ሰላም ድማ፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ፡ ንቕበሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንምዕዋቱን ንምርግጋጹን እውን ክንቃለሰሉ  ግዱዳት ክንከውን ይግባእ። ኣብዚ ዝዛረበሉ ዘለኹ ግን፡ እዚ መበገሲኡ ዘይንጹር፣ ብሃንደበት ከም ማይ ነሃሰ ካብ “ሰማይ” ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ‘ንደመር” ዝብል መዝሙር፡ መስርሕ ሰላም ተኸቲሉ ዘይመጸን፣ ጎባጢ ዝኾነ ተበግሶን እዩ፡፡ ምኽንያቱ ድማ እዚ ካብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንልዕሊ 20 ዓመት ክኸይድ ዝጸንሐ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ባይታ ብምብጋስ፡  ንሓቀኛን ስነ-ሞጎታውን ዝኾነ መስርሕ ምርግጋጽ ሰላም ሓሊፉ ዘይመጸን፣ ብዓቢኡ ድማ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጓና ገይሩ፣ ብስዉር ኣብ ጸልማት ዝኸይድ ዘሎን፡ ኣደናጋሪ ባህርያትን ዝውንን ኣገባብ ስለ ዝኾነ።    

 

ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ጉጅለ ኢሳያስ፣ ቀሲንካ ከይትሓድር፣ ወፊርካ ብሰላም ከይትኣቱ፣ ህይወትካ ባዕልኻ ከይትውንን ከይትመርሕን፣ ደቕኻ  ምርጭኦም እናወሰዱ ብንቡር ከይዓብዩን፣ ከይምርዓዉን፣ ከይወልዱን ከይዝምዱን፣ ብዉልድካ ከይትእለን ከይትሕብሓብን ከይትመውቕን፣ ኣብ ውሽጢ ቤትካ እናኣተወ፣ ንቡር ሰላም ኣስኢንካ ከይኣኽሎ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ንጒሆ ንጒሆ ኲናት እናፈጠረ ንደቕኻ ኣብ ኲናት፣ ንዓኻ ድማ ናብ ሻቕሎትን ሕሰምን ኣሳጢሕካ ይነብር ኣሎ፡፡ ናይ ዝሓለፈ ከይኣክል ድማ፣ ሎሚ’ውን ከም ቀድሙ፡ ኣብ ዘይምልከተካ፡ ስዑድን ኢማራትን ኣብ ዝመርሖኦ፣ ኣንጻር ጎሬቤት ህዝቢ የመን ዝግበር ዘሎ ኲናት ነቚቱ፣ የህልኸካን የባእሰካን ኣሎ፡፡ ጨቋኒ ዕድሜኡ ንምንዋሕ፣ ወደባትካ ንሪያልን ዲናርን ሸይጡ፣ ንዓኻ የናሽወካን በራግጽ የበሳብሰካን ኣሎ፡፡ እሞ እዚ ዝተግባራቱን፣ ዝባህርያቱን መላኺ ስርዓት ኢሳያስ፣ ተመሊሱ ናይ ሰላም መዝሙር ክዝምር ከሎ፣ ኣበይ ክሕባእ ስለ ዝኽእል እዩ፧ መሬት ኤርትራ ናብ ናይ ጎዳጒዲ ቤት-ማእሰርትታት ቀይሩ፣ ዝቐደሙ እሱራት ኣብዚ ጎዳጒዲ እዚ ኣመሽሚሹ፣ ብቐጻሊ ብሓደስቲ እሱራት መዓልታዊ እናመልኦ ኣብ ዝጒዓዘሉ ዘሎ እዋን፣ እንታይ ትርጉም ዝሓዘ “ሰላም” እዩ ዝጭድረሉ ዘሎ፧ ንመን ዝውክልከ ሰላምከ፧

ወይስ ህዝቢ ኤርትራ ኣይርድኦን እዩ፣ ንዝያዳ ምእሳር እዩ ከም ሰላም ዝርድኦ፣ ሰላም ሪኡን ኣስተማቒሩን ስለ ዘይፈልጥ፣ ንትርጉም ሰላም ብምእሳርን ምጭፍጫን እዩ ዝርድኦ ማለቱ እዩ፧ ምዑት ህዝቢ ኤርትራ መልሲ ሃቦ፣ ነዚ መንነት ዘይብሉ ጉጀለ መንነትካ ግለጸሉ፡፡ በትሪ ህዝቢ መራር ምዃና ብተግባር ምሃሮ።     

 

ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፣ ብዘይ ኣፍልጦኻ ወይ ንስኻ ዝወከልካዮ “ባይቶ” ኣብ ዘይብሉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ፣ “ኣይከሰርናን፣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኣይኮነን ዝብል፡ ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ”፣ ቀጺሉ፣ ነቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመረጾ መራሒኡ፣ “ንስኻ ምርሓና፡ ሓልፍነት ሂበካ ኣለኹ…..” ወዘተ፡ እናበለ እናሰሓቐ ኣፍልቡ ክሃርም ከሎ፣ ተልእኾኡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኮን ይኸውን፧ እቲ እኩይ ዕማምኡ ከም ዘዐተ ድዩ ዘብርህ ዘሎ፣ ወይስ እቲ ንቑሕ ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍሽልዎ’በር፡ ዕላሙስ ከምኡ ምንባሩ እዩ ዘነጽር ዘሎ፧”

 

ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ እምበኣር፣ ምዑት ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነዚ “ካባ ሰላም” ለቢሱ፣ ሓቀይና ዕላምኡ ግን ንጥፍኣት ሃገር ኤርትራ ዝዓለመ ርኹስ ፈተነ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፣ ከም መቐጸልታ ናይ 1993 ድምጽኻ፣ ሎምስ ይኣክል ብምባል ኣፍሽሎ። “ጉዳይና ባዕልና” እትብለሉ እዋኑ ኣኺሉ እዩ’ሞ፣ ብሓባር ተንስእ፣ ተበራበር፣ ይኣክል በሎ ንኢሳያስን ጒጅለኡን፣ ተንስእ ተበገስ፡ ሓላፍነት ጉዳይካ ተሰከም፡ ንሓዳስ ዓመት 2019፣ ዓመተ ዓወትካ ግበራ። ዓወት ኩሉ ግዜ ምሳኻ እያ!!!

 

ዓወት ኩሉ ግዜ ምስ ህዝቢ እያ!!!

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታት ህዝቢ ኤርትራ!

 

ወ/ስላሴ ዑ. ተስፋይ

ኖርወይ

31.12.2019

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde January 5, 2019

    ” ኩሉ ፕርፖጋንዳኡ ብሽፋን ምጽላም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣምሲሉ፣ ቃላት ንጒሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ እናተጠቕመ፣ ንመንነት ሰውራ ኤርትራ ሕብሩ ንምድዋን ዘይገበሮ ፈተነታትን ጻዕርታትን ኣይነበረን። ሎሚ ድማ ብጒልባብ ሰላም፣ ነቲ ንጒሆ ዝወፈረሉ ዕላማ ለኣኽቱ ንኽፍጽም ከዕበድብድ ይርአ ኣሎ።”>>> what does it take to hammer the nail home,the writer navigates from 1960’s to present leaving clear tracks behind.Is it the Stockholm syndrome? Thanks Mr. W/Sellassie.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply