Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

በኣሽሓት ክመጹ ተጸቢዮም; ጥቓ 2000 እዮም ተቖጺሮም

    በኣሽሓት ክመጹ ተጸቢዮም ጥቓ 2000 እዮም ተቖጺሮም Tesfamariam Wel, 28/06/ Norway   ካብ ተላዕለ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ገና ገና ተጸኒሕናስ ካልእ ክንሪኢና ንዓመጽቲ ብሓንቲ ገመድ ሓኒቕና ብሓደ ምስ  ኣኽላባት ክንቀብሮም ኢና   ሎምስ ክዉሕዱ ጉልሓይ ግዲ ኣትዩዎም ኣማዕዲኻ ክትሪኦም ተዳሂሎም ዎጅሆም ብኸይብሉኒ ሕድሕዶም ብፍርሒ ሪዒዶም ብገጾም ይፍለጡ ከም

 

 

በኣሽሓት ክመጹ ተጸቢዮም

ጥቓ 2000 እዮም ተቖጺሮም

Tesfamariam Wel,

28/06/ Norway

 

ካብ ተላዕለ ደላይ ፍትሒ ህዝብና

ገና ገና ተጸኒሕናስ ካልእ ክንሪኢና

ንዓመጽቲ ብሓንቲ ገመድ ሓኒቕና

ብሓደ ምስ  ኣኽላባት ክንቀብሮም ኢና

 

ሎምስ ክዉሕዱ ጉልሓይ ግዲ ኣትዩዎም

ኣማዕዲኻ ክትሪኦም ተዳሂሎም ዎጅሆም

ብኸይብሉኒ ሕድሕዶም ብፍርሒ ሪዒዶም

ብገጾም ይፍለጡ ከም ዝመጹ ተወጢጦም

 

ኣምሓርኦም ኦሮሞም ሶማሊኦም ህግደፎም

ግንቦት 7 ህዝቢ ብጥምዩ ህገደፍ ዝቕልቦም

ኣንድነት ፈጢሮም ኢድን ጓንትን ኮይኖም

መኖምዩ ኤርትራዊ የሸግረካ ንክትፈላልዮም

 

Jun 23. ዑፈይ ብረሪ ኪዲ ንህዝብና ኣበስሪ

መላእ ዓለም ተኣኪቦም እናበልኪ መስክሪ

Jun 21. ግን ሐዘን ጓሂ መልቀስዩ ነይሩ ቀብሪ

ህግደፍ ተቓሊዖም አንገብጊቦም ኣትዩዎም ቁሪ

ደጊም የለን ንሕማቕ ንተንኮል ህግደፍ ተጻዋሪ

 

ህዝቢ ተዓዚቡ ንዒቑዎም ጃህራኦም በዚሑ

ሎምስ ዳርጋ ኣይነበሩን  ሽሕኳ ኣይበጽሑ

75 ኣውቶቡስ በለ ኣቶ ሲራክ  ኣጉሉሑ

ሓሳዊ 20 ከይንብለን እኳ እምብዛ በዚሑ

ፋብሪካ ሓሶትኩም ሰልጢኑ ተንኮሉ ሰፊሑ

 

ብዓል ግዝኣና ጨፍልቐና ሓለንጊ ዝለመዱ

ብህግደፍ ተዳሂሎም ብገለብ ገለብ ዝረዓዱ

ቀሲኖም ዘይፈልጡ ብጽላለቶም ዝስንብዱ

ባምቡላታት ህግደፍ ባተሪ ተመሊኦም ዝኸዱ

ከምዚኣቶምስ ብኻ ምተረፈና ከይተወልዱ

 

ህዝብና ይቀጥቀጥ ናበሉ ኣብ ጀነቭ ዝጭድሩ

ጽቡቕ ኣላ ሃገር ዝብሉ ተቐሊዖም ከይሓፈሩ

ኣቕሽሽቲ ይገዱ መጽሓፍ ቅ. ሒዞም ዘዳኽሩ

ኣብ ፎቖዶ ጽርግያ መሳቅል ሒዞም ዝዕንድሩ

ሃይማኖት ኪሒዶም ዓወት ንሓፋሽ ዝዝምሩ

 

ንጀነቭ ምስ ህግደፍ ዝኸደት ፈሺላ ተመሊሳ

ትገብሮ ጨኒቒዋ ስኽፍታ ሓዲሩዋ ተጣዒሳ

ውርደታ ተሰኪማ ተመሊሳ ኣጻብዓ ነኺሳ

ደጊም ኤሪትራ ኣይትምራሕን ብጓሳ ወዲ ጓሳ

 

ብዓል ጸናጽል ብዓልቲ ኩትሻ ወርቂ ሕልማ

እናፈለጣ ብስብከት ናይ ህግደፍ ዝጸመማ

ሰይጣን ዘራኸሶ መስቀል ህግደፍ ዝሳለማ

ንቐሺ ህግደፍ ፎእ ዘለቶ ዓለም ብዓለማ

ሓቀንባየን ክጽለላ ክዓብዳ ዘይሓዊ ክሓማ

 

ህግደፋውያን ዘበን ኣርኪባቶም ነጺርካ ዝርአ

በኣጫርቕ ተኸቢቡ ሰብ ንምድንጋር ዝተሰርዐ

ሎምስ ቂሂሙ ሓሶቶም ፕሮፓጋንዳ ዝተዘርአ

ህግደፍ ጠፈሹ ብኤሪትራዊ ጉዱ ምስ ተረድአ

ደቂ ኤረይ ደጊም ክወግሕዩ ህዝብና ካብ ተሰአ

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዱኡሎ

ምእንታና ዝወደቑ ጀጋኑ ስዉኣትና

ንዘለኣለም ክንዝክሮም ኢና

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT