Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባህልን መንነትን ኤርትራ

  ብኣማኑኤል ሳህለ ባህሊ ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ማተሪያላውን ማሕበራውን መንፈሳውን መንነት ዘንጸባርቕ ብምዃኑ፡ ዓድን ማይቤትን ሃገርን ከይተፈጥረ ኸሎ ዝነበረን፡ ኩሉ ግዜ ድማ ንወድሰብ ከም ጽላሎቱ ኾይኑ ዘሰንዮ ዝነበረን ዘሎን ተርእዮ እዩ። ባህሊ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ኪህሉ ኣይክእልን። ባህሉ

 

ብኣማኑኤል ሳህለ

ባህሊ ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ማተሪያላውን ማሕበራውን መንፈሳውን መንነት ዘንጸባርቕ ብምዃኑ፡ ዓድን ማይቤትን ሃገርን ከይተፈጥረ ኸሎ ዝነበረን፡ ኩሉ ግዜ ድማ ንወድሰብ ከም ጽላሎቱ ኾይኑ ዘሰንዮ ዝነበረን ዘሎን ተርእዮ እዩ። ባህሊ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ኪህሉ ኣይክእልን። ባህሉ ዘጥፍእን ናይ ካልእ ዚልቃሕ ወይ ዚርዕም ሕብረተሰብ ግን ኣሎ።

ሃገር ክንብል ከሎና፥ ካብ ቀደም ሰብ ዝነበሮ ወይ ብሓደ ምኽንያት ወይ ኣጋጣሚ ካብ ብዙሕ ሸነኻት ሰባት እተኣኻኸቡሉ፡ ብማእከላዊ መንግስቲ ዚመሓደር፡ ሓባራዊ ቁጠባዊ ምትእስሳርን ሓባራዊ ረብሓን ዚጥርንፍ፡ ከምኡውን ሓባራዊ ወይ እተፈላለየ ባህሊ ዚኽተሉ ሰባት ዝሓዘ፡ ብዶባት እተደረተ ጀዮግራፍያውን ፖለቲካውን ክልል እዩ።

ባህሊ ብወራር ወይ ብምጽናት ህዝቢ ኪጠፍእ ወይ ኪሃስስ ይኽእል እዩ። እቲ ብጠንቂ ወራር ባህሉ ዘጥፍእ ሕብረተሰብ ግን ፈትዩ ኣይፈትዩ ናይቲ ወራሪ ባህሊ ኪወርስ ወይ ኪርዕም ባህርያዊ እዩ። ከመይሲ ሓደ ሕብረተሰብ ብዘይ ባህሊ ወይ መንነንት ኪቕጽል ዚኽእል ስለ ዘይኮነ። ናይ ባህሊ ምጽናት ኣብነት ንምሃብ፡ እቶም ናይ ኣመሪካ ብስም ቀያሕቲ ህንዲ (ረድ ኢንድያንስ) ዚፍለጡ ዝነበሩ ኣብ እተፈላለየ መዓስከራት ከም ዚቕመጡ እተገብሩ፡ ከምኡውን እቶም ኣብ ኦስትረልያ ከም ኣቦሪጂኒስ ዚፍለጡ ኣህዛብ ኪጥቀሱ ይኽእሉ።

ሓንቲ ሃገር እውን ብወገና፡ ብገለ ፖለቲካዊ ምኽንያታት ክትፍጠር ትኽእል እያ፡ ከምኡውን ምስ ካልእ ሃገር ብምጽምባርን ብወራርን ክትጠፍእ ትኽእል እያ። ኣብ ጥቓ ሩስያ ዝነበራ ብዙሓት ሃገራት ብግዜ ሶቪየት ሩስያ ጠፊአን ነይረንሲ ድሕሪ ምውዳቕ ሶቭየት ሩስያ ተቐልቂለን።  ብ 1795 እውን ፖላንድ ከም ሃገር መጠን ብጎረባብቲ ሃገራት ተመናጪታ ካብ ካርታ ዓለም ጠፊኣ ከም ዝነበረት ጸኒሓ ግን ናብቲ ንቡር ቅርጻን ክብረታን ከም እተመልሰት ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ቅድሚ ኤርትራ ምፍጣራ ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ባህልን መንነትን ኣብ ድሩት ፊውዳላዊ ክልላት እተመስረተ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜቲ ሃገራውነት ዘይኮነስ ኣውራጃውነት ወይ ቀቢላውነት እዩ መለለዪ ህዝቢ ዝነበረ፡ ከመይሲ ኣብቲ ቦታ፡ ኤርትራ እትብሃል ኣብ ፍሉጥ ዶባትን ኣብ ሓባራዊ ቑጠባን ማእከላዊ ምሕደራን እተሰረተት ሃገር ኣይነበረትን። ነዚ ክዉንነትዚ ዝበጽሓቶስ ብግዜ መግዛእቲ ጣልያንን ብድሕረኡን እዩ።

ዘመናዊት ኤርትራ፥ ማለት እታ ባሕሪ ነጋሽ ወይ መረብ ምላሽ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ኤርትራ ዘይኮነትስ፡ እታ ፍሉጥን ሕጋውን ዶባት ዘለዋ ኤርትራ፡ ብ1891 ብግዜ ጣልያን እያ ተፈጢራ። ህዝቢ ናይታ ቅድሚ ጣልያን ዝነበረት ኤርትራ፡ ፍሉይ ሃገራዊ መንነትን ስምዒት ኤርትራውነትን ኣይነበሮን። ኣብ ዝኾነ ፊውዳላዊ ስርዓት፡ ናይ ሃገራውነት ስምዒት ከም ዘየልቦ ኣብ ታሪኽ ኣቲና ክንምርምር ንኽእል ኢና። ንኣብነት ዘመናዊት ኢጣልያ ብ1871 እያ ተፈጢራ፡ ቅድመኡ ግን ንዘመናት ኣብ ዓሰርተታት ዝኾና ፊውዳላዊ ግዝኣታት ተመቓቒላ እያ ትቕጽል ዝነበረት። ኣብቲ ግዜቲ እቲ ናይ ኢጣልያንነት ስምዒት ወይ መንነት ገና ኣይተፈጥረን። በዝን ክንድዝን ከኣዩ፡ ገለ ሰብ ተረካብ-ዘረባ፡ ብ 1871 ሃገር ጣልያን ደኣምበር፡ ህዝቢ ጣልያን ኣይተፈጥረን ዚብሉ። እዚ ብሂልዚ ነታ ብ 1891 እተደኮነት ኤርትራ እውን ይምልከት እዩ። ስምዒት ሃገራውነትን መንነትን ኤርትራስ ቀስ ኢሉ ዝዓበየ ክዉንነት ደኣምበር፡ ኤርትራ ምስ ተፈጥረት ብሓደ ግዜ ዱብ ኢሉ ዝመጸ ክዉንነት ኣይኮነን።

ንኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒትን መንነትን ብዚምልከት፡ ኣብቲ ቅድመ ጥልያን ዝነበረ ዘመናት፡ ኤርትራዊ መንነት ዳርጋ ኣይነበረን ኪብሃል ይከኣል። ንሓደ ኣብቲ ቦታ ዝነብር ዝነበረ ሰብ እንታይ እዩ ዜግነትካ ኢልካ እንተ ትሓቶ ኔርካ እውን፡ ካብ ስም ዓዱ ምርቋሕን ወዲ ከበሳ እንተ ኾይኑ ድማ ሓበሻ እየ ካብ ምባልን ሓሊፉ ካልእ ሓበሬታ ኪህብ ዚኸአል ኣይነበረን። ከም ሓቂ ግን፥ ነታ ዜግነት እትብል ቃል እውን ዝፈልጣ ዝነበረ ኣይመስለንን።

እቲ ባህልን ልምድን ግን ብኣውራጃውን ቀቢላውን ደረጃታት ኣብ በቦታኡ ነይሩ እዩ። ጣልያን ንኤርትራ ዶባታ ኣቕኒዑን ኣረጋጊጹን ኪገዝኣ ምስ ጀመረ፡ እቲ ኤርትራዊ መንነት ኣብቲ ህዝቢ ቀስ እናበለ እዩ ኪሰርጽ ዝጀመረ፡ ግን ኣዚዩ ድኹም እዩ ነይሩ። ኣብ ግዜ ወትሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ግን፡ እቲ ኤርትራዊ ስምዒትን መንነትን ካብቲ ዝነበሮ ኣዚዩ ልዒሉ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። ኣብዚ ድማ እቲ ናይ ምዕራባውያን ፖለቲካዊ ጽልዋታትን ደሞክራስያዊ ኣምራትን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዝነበሮ ክንርስዕ ኣይግባእን።

ኣብ ግዜ መግዛእቲ ሃጸያዊትን ጸኒሑ ድማ ደርጋዊትን ኢትዮጵያ ግን እቲ ኤርትራዊ መንነት ዳርጋ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። ጸቕጥን ጭቆናን ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ናይ ሓርነትን መንነትን መንፈስ ከም ዘለዓዕል ኣብ ታሪኻት ክንርእዮ አንኸአል ሓቂ እዩ። ኤርትራዊ መንነትን ሃገራዊ ስምዒትን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጥርዙ ኪበጽሕ ዝኸኣለ ግን ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልስን ኣብተን ድሕሪ ናጽነት ዝቐጸላ ገለ ዓመታትን ጥራይ እዩ።

ግንከ ብትሽዓተ ብሄራት ዝቖመት ኤርትራ ሓባራዊ ኤርትራዊ ስምዒት ይሃልዋ እምበር፡ ሓባራዊ ባህሊ ኪህሉዋ ይኽእልዶ? ምናልባት ጌና ኤርትራ ክትምስረት ከላ ኣይነበረን ይኸውን፡ ጸኒሑ ግን ብናይ ሓባር ምዕባለን ንግድን ትምህርትን ከምኡውን ኣንጻር ጭቆና ብዝቐንዐ መንፈስን፡ ብማእከላዊ ምሕደራን፡ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ግን ብናይ ሜዳ ተመክሮን ናይ ሳዋ ናይ መንእሰያት ምትእኽኻብን ምሉእ እኳ እንተ ዘይኮነ ብሓፈሻ ግን ኪልለ ዚኽእል ሓፈሻዊ ኤርትራዊ ባህሊ ተፈጢሩ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ርሱን ኤርትራዊ ስምዒት ኪቃጸል ምስ ጸንሐ፡ ኤርትራውነት ምስ ህግደፋውነት ከም ሓደ ኣምር ኮይኑ ኪረአ ጀመረ። ኣብ ልዕልዚ፡ ሳዋ ዝመንቀሊኡ ፍረ ዘይብሉ ናይ መንእሰያት ምንክርታት ቀጸለ፡ በዝን ክንድዝን ድማ እቲ ኣብቲ መንእሰይ ጕሂሩ ዝነበረን ኣብ ዓበይቲ ድማ ተስፋ ኣንቢሩ ዝነበረን ሓያል ኤርትራዊ ስምዒትን ብሩህ ራእይን እናቐሃመን እናሃሰሰን ከይዱ።  ቀደም ብስነምግባሩን፡ ሓቦኡን ጅግንነቱን ቅኑዕነቱን ዚፍለጥ ዝነበረ ምሽክንክን ዘይኣመሉ ኤርትራዊ፡ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ምሽክንክን ክብልን፡ ከይፈተወ ክሕሱን፡ ንሃገሩ ከይጥረዝ ኪጃጁን፡ ንዘየርብሖ ግን ግዜኣዊ ዕግበት ንዚህቦ ፕሮፓጋንዳን ሕልምን ኪግዛእን ኪዕሰብን ጀሚሩ።

ካብዚ ብዝነቐለ ብርቱዕ ናይ መንነት ቅልውላው ይኹን ወይ ብምሒር መግዛእቲ ዘጥረእዮ ናይ ርእሰተኣማንነት ጸገም ከምኡውን ናይቲ ኩሉ ይከኣሎ ዚብል ህግደፋዊ መዝሙርን፡ መን ከም ኤርትራዊ ዚብል ቁምነገር ዘይብሉ ናይ ዘመንና ኤርትራዊ ጭርሖን ምኽንያት፥ ናይ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ጠባይን ባህርይን ናብ ባእስን ቆየቛን ምፍልላይን ናብ ምዝንጣልን ምንእኣስን ንኣይ ጥራይ ስምዑኒ ኣብ ናይ ምባል ደረጃን በጺሑ ኣሎ። እዚ ድማ ምስቲ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ውርዙይ ባህርያት ከተነጻጽሮ ከሎኻ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ።

ብገለ ኣጋጣሚ ምስ ገለ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝረኽቦም ሰባት ክዛረብ ከለኹ ዘዅርዓኒ ነገር እንተሎ፡ እቲ ሽማግለታትን ወለድን ጎረቤት ሃገር፡ ኣብ ኤርትራውያን ዘለዎም ግሩም ኣመለኻኽታ እዩ። ንሱ ድማ ከምዚ ዚስዕብ እዩ፥ ኤርትራውያን ቅኑዓት እዮም፡ ትኽ እዩ ዝረባኦም፡ ቅኑዓት ስለ ዝኾኑ ኸኣዩ ዝበኣሱ ወይ ዝነሃሃሩ፡ ኤርትራውያን ገንዘብ ከይሓዙ ኣይምርዓዉን እዮም ማለት ስቕ ኢሎም ብስድነታዊ መገዲ ሓዳር ኣይገብሩን፡ ኣየ ማርያም ኣስመራ ክትጥዕም፡ ኩሉ በሊዑ ይሓድር፡ ሓወይ ሓፍተይ ምባል ዘይፍለዮ ህዝቢ፡ ኤርትራውያን ተባላሓትቲ እዮም፡ ስራሕ ኣይጠፍኦምን፡ ስራሕ እንተ ዘይብሎም እውን ባዕላቶም እዮም ስራሕ ዚፈጥሩ ወዘተ.

እዞም ከምዚ ኢሎም ዘዕለሉኒ ሰባት፡ ቀደም ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ ኣዚዮም ዝሸምገሉ ኣቦታትን ኣዴታትን እዮም። ኣነ ድማ ብልበይ፡ እንቋዕ ደኣ ንኤርትራ ተመሊሶም ንባህልና ዝርእዩዎ ኣይኮኑ እብል። ህዝብናን ግሩም ባህልናን፡ ሃብትናን፡ ኮታስ ኩሉ ከም ዝጸነተ ዝፈለጡ ኣይመስለንን።

ኣብ ኤርትራ በቲ ስርዓት ዚበርስ ዘሎ ባህሊ፡ በቲ ናይቲ ስርዓት ፋሉላዊ ባህልን ልምድን ይትካእ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዓለም እንነብር ኤርትራውያን ከነስተብህለሉን ዓገብ ክንብሎን ሓላፍነት ኣሎና። ከምቲ ዘዕብየካ ወላዲ ኪጽይቐካ ዚኽእል፡ ዝገዝኣካ ስርዓት ድማ ከባላሽወካ ይኽእል እዩ።

ካብቲ ብፍላይ ድሕሪ ናጽናት ኣብ ኤርትራ ዝለሓመ ሕማቕ ባህርያትን ልምድታት ሓድሓደ ንምጥቃስ፥ ንዓበይቲ ምዝንጣል፡ ዘይፍትሓውነት፡ ጉድለት ስድራቤታዊ ክብርታት (family values)፡ ጾታዊ ፋሉልነት፡ ካብ ጌጋይ እምሃር ዝመሰረቱ ሸለልትነት፡ ከንቱ ጃሃራ፡ ደረቱ ዝሓለፈ መስተን ዳንኬራን፡ ምድሃል፡ ምቊንጻብ፡ ምሽክዕላል ወዘተ.

ዝ|ኾነ ኾይኑ፥ ባህልስ ኣብ ዘሎና ኣሎና፡ በቲ እንቕመጠሉ ዘሎና ባዕዲ ሃገር ብገለ መዳያቱ እተበከለ ይኹን ወይ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብህግደፋውን ወትሃደራውን ባህልታትን ልምድታት እተበረዘ ይኹን፡ ኣተዓራሪና ኾይኑ ወይ ከም ዘለዎ ሒዝና ናብታ መጻኢት ኤርትራ ከነሳግሮ ኢና።

እቲ ሕጂ ከስግኣና ዘለዎ ጉዳይ ግን እታ ኤርትራ እትብሃል ሃገር ካብ ኢድና ንኸይትጠፍእ እዩ። ስለ ዝኾነ፥ ባህልናን ልምድናን ብምጽፋፍን ድሕነት ሃገርና ኣብ ቅድሚት ብምስራዕን ከከም ዓቕምና ክንጽዕርን ኣበርክቶ ክንገብርን ከም ዘሎና ክንርስዕ ኣይግባእን።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Jacob Abreham December 5, 2017

    As it is clearly put, what Amanuel Sahle is narrating is the tradition,culture and identity of Tigrigna people who have been in the so called “Eritrea”. He argues that the state is a country of nine ethnic group and on the other way he contends that the identity of the nation is that of the “IDENTITY OF THE TIGRIGNA NATION”. When he meant the identities of “family value”, ”ingenuity”, ”straightforwardness”, “hard work”,…..etc ,he doesn’t mean the identity of Kunma,Afar,Rashadida;these are identities of Tigrigna.In a nutshell, there is no Eritrean identity and there will not be but there was Tigrigna identity and there will be.

    • k.tewolde December 5, 2017

      Jacob Abreham, the name says it all,you tried to relate to the Jewish state by borrowing names and distancing yourself from your African brothers,something you inherited from the tyrants school of thought,it backfired on you did’t it,the Jewish man has nothing to do with you and decided to reacquaint you with your real African brothers.When are you going to learn? when are you going to be proud of your black African identity.There are Arabic speaking people all over the middle east,there are also dozens of different nations and nationalities who speak Arabic,nobody is blowing the horn of ‘an Arabic nation” on the contrary ,they are ducking it out to maintain their individual national sovereignty.Go do your homework before speaking of nationalism and national identity,friend you are living in the era of the Semites,Hamites, and Cushites,leave that for Mr. Tesfazion to research

  • Tz December 5, 2017

    Jacob Abreham I am not sure if this is your real name, who ever you are I want you to understand that we are all aware and tired of the divide and rule tactics. We all have the right to express our opinions but slick games must be OVER..

  • Jacob Abreham December 6, 2017

    You should be offended of my name as it carries my Judeo-Christian value. Unlike Amanuel Sahle,who both carries a Judeo-Christian name and carries a deep abhorrence to his roots and heritage. Along with the PFDJ operatives, who unabashed worked hard to rescind our heritage by preaching the Baha’i religion as superior to our religion and culture. Paradoxically, he is still unashamedly writing about our heritage and culture. He was among the few haters of our culture and looks it down as a back-warded one. “ህበይሲ…………….ዝዋውዕ ትኣስር “

    • k.tewolde December 8, 2017

      I have a lot of jewish friends here,just attended a Bar Mitsva ceremony for a dear friends son last week,proud people,don’t offend them.Be habesha ,keep it real.they will respect you.

  • Kalighe December 6, 2017

    Jacob Abreham

    Do you know that Hailesellasie, Derg and now Higdef, all failed to divide Eritreans along religious and ethnic lines ?
    You are wasting your time.

  • Simon G December 6, 2017

    Well, Thanks to HGDF, they screwed up the whole country. ኣይትሕተቱ is the order for almost the last half of a century.

    መሰለይ ኣይትበል
    ትርጉሙ ከይፈለጥካ
    ዝሃብኩኻ ተቐበል
    ግዜ ከየጥፋእካ
    ——————————

    ፍትሒ ኢልካ ኣይትሕተት
    ዝጠቕመካ ኣይኮነን
    ጸሓይ ከይዓረበት
    ኣስናንካ ከይትስእነን
    ———————————–

    ጠምየ ኣይትበለኒ
    ከብድኻ ‘ዩ ገፊሑ
    ኣይተግጅፍ ሸሓኒ
    ኣፍካ ተዕርፍ ካልኦት ክሰርሑ
    ካብ ካልእ ኣካላትካ ከብድኻ መሪሑ
    —————————————-

    ኣይትበለኒ ስራሕ የለን
    ስራሕ ኣይኮነን ተሳኢኑ
    የለን ምባል ናይ ድኹማት ዶ’ይኮነን
    ትግሃት ኣጥፊእካ ወዘንዘን ገኒኑ
    —————————————

    ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዊሑ
    ኣእሪግኩምና ኣብሊኹምና
    ዝብል ቃላት በዚሑ
    ምንባር ከሊእኩምና
    ተኣሲርና ቤት ማእሰርቲ ከይኣተና
    ዝብሉ ምዕርምራማት ኣይተስምዑና
    ንዓኻትኩም ኣይኮናን ተጋዲልና
    ————————————–

    ዝበልናኩም ስምዑ
    ዝሃብናኩም ብልዑ
    ኣይትሕተቱ
    ኣይትዛረቡ
    ሓንጎልኩም ኣደስክሉ
    ብዝበልናኩም ተመርሑ
    እዚዩ ገዛ ህግደፍ
    ብዘይ ሕጊ ብዘይ መሰል
    ትእዛዝ ትእዛዝዩ ዝበልናካ ተቐበል
    ከይኮንካ ድራር ገበል
    ንኺድ! ምስ ህግደፍ ጥራይ በል
    ===========================

    እዋይ ህግደፍ ነውራማት
    ቀተልኩማ ‘ባ ዓዲ
    ሕፍረት ዘይትፈልጡ በሃማት
    ዝኸፋእኩም ካብ ግዝኣት ናይ ባዕዲ
    ጸማማት ካሕዳማት
    ህግደፋውያን መንሽሮ ናይ ከብዲ
    ሓንቲ መዓልቲ ሓንቲ መዓልቲ’ላ
    ተቦርቊቕኩም ትጠፍኡላ
    ካብዛ ብርኽቲ ዓዲ

    • k.tewolde December 8, 2017

      The epitome of HGDEF in a nutshell,nobody can sing it better than you Simon.

Post a Reply to Simon G Cancel Reply