Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባህርያት ተፈጥሮን ጣልቃ ምእታውን

ኣማኑኤል ሳህለ ፍጥረት ምስ ንጥፈታቱን ምዕባለኡን ኣብ ጕዕዞኡ ኪኽተሎ ዘለዎ ፍሉይ ዝኾነ ናቱ መገዲ ኣለዎ። ወድሰብ ድሒሩ እተፈጥረ ኣካል ብምዃኑ፡ ቅድሚ ሰብ ምፍጣሩ መንግስቲ ማዕድንን መንግስቲ ቡቕልን መንግስቲ እንስሳን ነዛ ዓለምና ብሒቶምዋ ነይሮም እዮም። እቲ ማዕድን

ኣማኑኤል ሳህለ

ፍጥረት ምስ ንጥፈታቱን ምዕባለኡን ኣብ ጕዕዞኡ ኪኽተሎ ዘለዎ ፍሉይ ዝኾነ ናቱ መገዲ ኣለዎ። ወድሰብ ድሒሩ እተፈጥረ ኣካል ብምዃኑ፡ ቅድሚ ሰብ ምፍጣሩ መንግስቲ ማዕድንን መንግስቲ ቡቕልን መንግስቲ እንስሳን ነዛ ዓለምና ብሒቶምዋ ነይሮም እዮም። እቲ ማዕድን በቲ ናቱ መገዲ ይምዕብል ነይሩ፡ ማለት ገለ ማዕድን ብብዝሒ መሬታዊ ጸቕጥን ረስንን ናብ ካልእ ማዕድን ይቕየር ነይሩ። ገለ ኣልከሚስት ከም ዚብሉዎ ድማ ነሓሲ ብተመሳሳሊ መገዲ ናብ ወርቂ ይልወጥ ነይሩ።

ኣብ መንግስቲ ቡቕሊ ምስ እንርኢ ድማ፡ ካብ ንጽል ዋህዮታት ናብ እኩብ ዋህዮታት እናሓለፉ፡ እተሓላለኸ መገዲ ብምስጋር ናብ ተኽልን ፍረታት ዚህቡ ኣእዋምን በጺሖም። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ እንስሳታት ካብ ፍጡራት ባሕሪ ናብ መሬታውያን ካብኡ ድማ ክንፊ ኣውጺኦም ዚነፍሩ ብምዃን ማዕቢሎም። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ናይ ኢቮሉሽን ወይ ዘገምታዊ ምዕባለ ዚኽተል ክልሰሓሳብ እዩ።

ነዚ ኣብነታትዚ ዘምጻእኩዎ ምኽንያት፡ ኩሉ ነገር ዚምዕብል ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። ማለት ኣብ ፍጥረት፡ ስቕ ኢሉ ዚነብር የልቦን። ምዕባለ ቀንዲ ሕላገት ፍጥረት ስለ ዝኾነ። ግን ምዕባለ ናበይ ገጹ?

ኣብዛ ዓለምና ወድሰብ እንተ ዘይመጽእ ነይሩ፡ ተፈጥሮ ከምቲ እተመደበሉ መገዲ ምኸደ ነይሩ፡ ውጽኢቱ ድማ ዘሐጉስ ኣይምኾነን ነይሩ። ግን ሰብ ኣብቲ መስርሕ ተፈጥሮ ጣልቃ ብምእታው (intervention)፡ ንማዕድናት መስሪሑን ሰናኒዑን ሓዋዊሱን በቲ ናቱ ጥበብ ተመሪሖም ከም ዝኸዱ ብምግባር ብተፈጥሮ ኪህልዉ ዘይነበሮም ወይውን ካብቲ ተፈጥሮ ኪሰርሖም ዚኽእል ንላዕሊ ከም ኣስራዚ (ሕውስዋስ ነሓስን ቲንን)፡ ፕላስቲክን፡ ኣቻዮን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ እተፈላለዩ ስርሒት ማዕድናትን ከሚካልን ከፍሪ ክኢሉ።

ኣብ መንግስቲ ቡቕሊ ምስ እንርእይውን፡ ነቲ ዝደልዮ ዓይነት እኽሊ ነንሕድሕዱ ከም ዚፋረ ብምግባር ነዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ኣብ ተፈጥሮ ዘየለ ዓይነት እኽሊ (እተሰነዐ ወይ ሞዲፋይድ) ከም ዚፈሪ ገይሩ። ከምኡውን ኣብ መንግስቲ እንስሳ እንተ ተመልከትና፡ ብምድቕቓልን ብምርባሕን ንጸባ ዝኾናን ብዙሕ ጸምሪ ዘብቁላን፡ ኣቕርንቲ ዘይብለን ከብትን ንኣኡ ብዚምሽእ መገዲ ‘ኪፈጥር’ ክኢሉ።

ናይ ወድሰብ ጣልቃ ምእታው፡ ሓድሓደ ግዜ ኪበዝሕ ከሎን ኣንፈቱ ኪስሕት ከሎን ግን ሕማቕ ሳዕቤን ከኸትል ከም ዚኽእል ክንርስዕ ኣይግባእን። ንኣብነት ገለ “እተመሓየሹ ወይ ሞዲፋይድ” ዝኾኑ ኣእካል ኣብ ጥዕና ወድሰብ ጸገማት ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም። ቀልጢፈን ክዓብያን ክረጕዳን ኢሎም ገለመለ ዘብለዑወን ከብቲ ኣብ ወድሰብ ብዙሕ ሕማማት ፈጢረን እየን።

ይኹንምበር፡ ንተፈጥሮ ስቕ ኢልካ ክትርእያ ድማ ኣይከኣልን። እቲ ናታ መገዲ ሓደገኛ ኪኸውን እውን ስለ ዚኽእል፡ (ንኣብነት ግራትካ ብጻህያይ ኪመልእ ኣይትደልን፡ ከተልግሶ ድማ ትግደድ። ላሕምኻ ኣዚያ እትሕለብ ክትኮነልካ ትደሊ፡ ስለዚ ምስ ገዚፍ መጥበዊ ዘለወን ከብቲ ተዳቕላ። ነቲ ጣንጡ ዝመልኦ ረግረግ ቦታ ከም ዝደርቕ ትገብሮ ወዘተ..)። ስለዚ ተፈጥሮ ጸኒሑውን ኪዕብልለካን ንህይወትካ ድማ ኪጻብኦን ስለ ዚኽእል፡ ክትቃለሶን ክትገርሖን ትግደድ ኢኻ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣሰራርሓ፡ ኣብቲ ናይ ወድሰብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ዕብየት እውን ይረአ እዩ። ብመጀመርታ ከም ተፈጥሮኣውያን ሰባት፡ ከምቲ እተፈጠርናዮ ኴንና እንጎዓዝ ዘሎና ኣይመስለንን። ጥራይና ዝነበርና፡ ክዳን ፈጢርና፣ ብእግርና እንጎዓዝ ዝነበርና ብኣድግን ፈረስን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብመኻይን ንጎዓዝ ኣሎና። ኣዒንትና ምስ ዚደክም መነጽር ዓይኒ ንገብር። ምስ እንሓምም (ማሪታዊ ንጥፈታት ኣብ ክንዲ እነካይድ) ኣፋውስ ንጥቀም ወዘተ..። ኣብ ኣካላትናን ኣብ ናብራናን ጣልቃ ዘይምእታውና ኪጎድኣና ስለ ዚኽእል፡ ግድን ነዚ ኣቐዲሙ እተዘርዘረ ነገራት ንፍጽም። ተፈጥሮ ድላያ ክትገብር ስቕ ኢልና ኣይንርእን።

ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ህይወትናኸ? ከምቲ ክንፍጠር ከሎና ዝነበረና ኣቃውማ ሒዝና ዲና ንጎዓዝ ዘሎና ወይስ ኣብቲ ምስ ተፈጥሮ ተሳኒዩ ኪኸይድ ዝደሊ ማሕበራዊ ጕዕዞና ጣልቃ ብምእታው ክንልውጦን ከንቅይሮን ንፍትን ኢና?

ውልቀመላኽነት ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ቅርጽታት ፖለቲካዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብ እዩ። ውልቀመላኽነት ናይ ዘመን እኒ እኒ ዓይነት ምሕደራ እዩ። ናይ እንስሳዊ ባህርያቱ ሒዙ ዝመጸ ዓይነት ፖለቲካዊ ቅርጺ ብምዃኑ፡ ወድሰብ ጌና ምስ ተፈጥሮ ተሳኒዩ ኪነብር ከሎ ዘጥረዮ ዓይነት ምሕደራ እዩ። ነዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ብዘይ ሕግን ብዘይ ፈሪሃ-እግዚኣብሄርን ማሕበራዊ ናብራኡ ከካይድ እንተ ንገድፎ፡ 99 ካብ ሚእቲ ውልቀመላኽያን ዘለዎ ምሕደራ መርኣየና። እዚ እቲ ጣልቃ ከይኣተዎ ዚጎዓዝ ናይ ተፈጥሮ ባህርያት እዩ። ይኹንምበር፡ ስቕ ኢልካ እንተ ርኢኻዮ ስለ ዝጎድኣካ ክትቃለሶ ግድን እዩ።

ኣብ ሓደ ጽሑፍ ዘንበብኩዎ ከምዚ ይብል፣ ንህዝቢ ዓለም ስቕ ኢልካ እንተ ትርእዮ፡ ዘይሩ ዘይሩ ናብቲ ምስ ተፈጥሮ ዝዛመድ ካፒታሊዝም ስርዓተቁጠባ እዩ ዝወድቕ። ካፒታሊዝም ከኣ ኣባላላዕ ማለት እዩ። ሰርቫይቫል ኦቭ ዘ ፊተስት ማለት ከከም ስረኻ። በዚ መገድዚ፡ ምምጻእ ኮምዩኒዝም ከም ጣልቃ ምእታው ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። ኮምዩኒዝም ነቲ ከከም ስረኻ ዚብል ኣባላላዕ ከጥፍእ እዩ መጺኡ። ግን እቶም ነዚ ከተግብሩ እተላእኩ ማርክሲሳውያን ይኹኑ ለኒናውያን ወይ ማኦያውያን፡ ዕዮ ገዝኦም ረሲዖም ናብ ሰልፋዊ ውልቀመላኽነት ሰጊሮም። ውልቀመላኽነት ድማ ካብ ጥረኣዊ ካፒታሊዝም ስለ ዘይፍለ፡ ናይ ተፈጥሮ ባህርያት ዝልበሰ ድማ ብምዃኑ፡ ብናይቶም ስቕ ኢሎም ክርእዩ ዘይደልዩ ጣልቃ ምእታው ኪፈርስ ክኢሉ። ከዕሪ ተባሂሉ ዝመጸ ኮምዩኒዝም ድማ ምስቶም ልኡኻቱ ዓንዩ ተሪፉ።

ስቕ ኢልካ ምርኣይ፡ ንተፈጥሮ ዲል ወይ ሓይሊ ምሃብ ማለት እዩ። ንግራትካ ስቕ ኢልካዶ ትርእዮ ኢኻ? ከምኡ ምስ እትገብር፡ እቲ ግራትካ ብጻህያይን እሾኽን ተኾርባን ብኣትማንን ዕንቅሪቢትን ይመልእ። ጣልቃ ምስ እትኣትዎ ግን (ማለት ምስ እትጽህዮ፡ ምስ እትጉልጉሎ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ድዅዒ ምስ እትገብረሉ) ብዙሕ እኽሊ ዘብቁል ግራት ይኾነልካ።

ንሓደ ነገር ወይ ኩነታት ስቕ ኢልካ እትርእዮስ ናበይ ኪኸይድ ስለ ዝደለኻ እዩ? ናብ ድላዩ ይኺድ እትብል እንተ ኾንካ፡ በቲ ስዒቡ ዚመጽእ ጸገማት ስክፍታ የብልካን ዲኻ? ስቕ ኢልካ ምርኣይ ማለት እኮ፡ ተፈጥሮ ባዕላ መፍትሔ ትፍጠረሉ ከም ማለት እዩ። ተፈጥሮ ድማ ናብ ሕገ-ኣራዊት እያ እትመርሓካ። ንግራትካዶ ንተፈጥሮ ኣሕሊፍካ ትህባ ኢኻ?

ከምቲ ንግራትካ መታን ከይትበላሾ፡ መታን ሕማቕ እኽሊ ከይተብቁለልካ፡ ስቕ ኢልካ ዘይትርእያ፡ ነቲ ኣብ ቅድመኻ ተገቲሩ ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ባህርያት ዝሓዘ ውልቀመላኻዊ ምሕደራ ኸኣ ስቕ ኢልካ ክትርእዮ ኣይግባእን።

ከመይ ዝበለ ጣልቃ ምእታው እዩ ዚድለ ዘሎ? ኣብዛ ዓለምና ተፈጥሮን ተፈጥሮኣዊ ባህርያትን ኪጻወሮ ዘይክእል ዓይነት ምሕደራ፡ እቲ ደሞክራሲ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ምሕደራ እዩ። ደሞክራሲ ብዚሓስብ ሰብ እተኣታተወ ኣንጻር ተፈጥሮ ዝኾነ ምሕደራ እዩ (ኣውሮፕላን እኮ ኣንጻር ግራቪቲ ስለ እትኸይድ እዩ ክትነፍር ዝኸኣለት)። ተፈጥሮኣዊ ምሕደራሞ ኸኣ ብውልቀመላኽነትን ብዕብለላን ብጊላነትን ጭፍለቓን ዝቖመ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ስነመጎት ቅቡል እዩ። ኩሉ ከከም ስረኡ፡ ብሒም ዝበለ ይተሓጎም፡ ምሳና ሆየ ዘይበለ ካባና ይፈለ ወዘተ….

እሞኸ ንተፈጥሮ ድላያ ክትገብር ክንገድፋ ይግባእዶ? ኣይፋልን። ኣብ ምሕሳብን ኣብ ስነመጎትን እተመርኮሰ ጣልቃ ምእታው ግድን እዩ።

እቲ ጣልቃ ምእታው ግን ይኽፈሎ ኸኣ እዩ። ኩላቶም እቶም ኣንጻር ምልኪ ዚቃለሱ፡ ኩላቶም እቶም ስለ ፍትሒ ዝማጎቱ፡ ሓድሽ ሓሳባት ዘፈልፍሉ፡ ዚጽሕፉ፡ ዚወቕሱ፡ ዚምህሩ ወዘተ. ጣልቃ እዮም ዚኣትዉ ዘለዉ። ኣብዛ ዓለምና ምስ እንርኢ ድማ ካብዚኣቶም መብዛሕትኦም እቶም ዕድለኛታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኪሳቐዩ ኸለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግን ደሃዮም የለን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Zerai seyoum February 18, 2016

    Thank you Amanuel,

    You came up with an excellent analysis of the problem and I hope next time we shall come up with the same in-depth analysis of the solution.

  • kibrom February 21, 2016

    Highly sensible man keep it up!

POST A COMMENT