Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባሩኽ ኣባ!

ባሩኽ ኣባ!                            ትፈልጦዶ?      31-12-2013። Welcome       ברוךהבא          !وسهلا أهلا   እግረይ ኣብ ሃገረ-እስራእል ክረግጽ ናይ መጀመርታይ ነበረ። ዝጸዓነትና እርቡናለ ናብቲ መቖሚኣ እናተጸግዐት በቲ ዝተጸ ጋዕኩዎ ጸጋማይ ወገን መስኮት ንግዳም ተቛመትኩ። ኣብ ል ዕሊ ናይቲ ሰጣሕ መንደቕ “ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ

ባሩኽ ኣባ!                            ትፈልጦዶ?      31-12-2013።

Welcome       ברוךהבא          !وسهلا أهلا

 

እግረይ ኣብ ሃገረ-እስራእል ክረግጽ ናይ መጀመርታይ ነበረ። ዝጸዓነትና እርቡናለ ናብቲ መቖሚኣ እናተጸግዐት በቲ ዝተጸ ጋዕኩዎ ጸጋማይ ወገን መስኮት ንግዳም ተቛመትኩ። ኣብ ል ዕሊ ናይቲ ሰጣሕ መንደቕ “ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተ ል-ኣቪቭ እንዃዕ ብደሓን መጻእካ” ዝብል ፍሩይ ጽሑፍ ተገ ቲሩ ነበረ። እቲ ብገዚፍ ናይ እንዃዕ ብድሓን መጻእካ ዝምር ሓበካ ቋንቋታት እንግሊዝን ዓረብን ከንብቦ ኣይተጸገምኩን። ወያ ማእከለይቲ ካብዘን ሰለስተ ከምንኡ ስ ኣርእስቲ ኣቕሪበየን ዘለኹ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ቃላት: እታ “ባሩኽ ኣባ”  እትብል ና ይ እብራይስጥ ምዃና ድሒረ ፈለጥኩዋ። ጸኒሐ’ሞ ባሩኽ ኣባ እንዃዕ ድሓን መጻእካ፡ መጻ እኪ፡ መጻእኩምን መጻእክንን ማ ለት ምዃና ብነብሳ ተገል ጸትለይ። መቂራትኒ ግዲ መመሊሰ እናክደጋግማ ምስ ቋንቋ ዓረብ ዝህልዋ ተምሳል ክገሃደለይ ጀመረ። ቅርጺ ፊደላት ሂብሩ ከም ናይ ርሑቕ ምብራቕ ዝመሳሰ ል ኮይኑ ብመንበስበስ ታኡ ከም ስኒ ኣድጊ ድልድል ተረቢቡ ተራእየኒ። ዘይከም ላቲነ-ግእዝ፡ ልክዕ ከምዓረበኛ ካብ የማን ናብ ጸጋም ገጹ ከምዝሕንጠጥ ብምዕዛበይ ድማ ካብ ንዓይ ዝሓደሰኒ ነገር ኮነ።

ባሩኽ ኣባ! ברוךהבא !  ደቂ’ዛ ሃገር ብደሓን ክመጽእ ካብ ተመነዩለይሲ ኣነ ድማ ዋላ’ዃ ብፊደላቶም ኣይሓንጥጦ ሽዑ ይ ከኣል እንተነይሩስ በታ ድሒረ ዝፈለጥኩዋ ቃሎም ብልበይ ደጋጊመ  “ባሩኽ ኒምጻይም፡ (እንዃዕ ድሓን ጸናሕኩም) በልኩ ዎም። ኣብ ድሮ ሓዳስ ዓመት፡ ዓመተ 2014፡ ንርእሰይ ከምቲ ኩሉ ዝሓሰሞ ተረካቢ ብምዃነይ ብሓፈሻ ንኩሉ ህዝቢ’ዛ ፈቃ ርን ለጋስን ዓለም፡ ብኣውራኡ ድማ ነዞም መሪራትና ዘላ ደቂ’ዛ ኣፍሪቃዊት ሃገረ-ኤርትራን ከባቢናን ክርህወና ብዘለኒ ሃይማ ኖታዊ እምነተይ ካብ ልበይ ተመነኹ።

እርቡናለ ደው በለት’ሞ ኣነ ድማ ከምሰበይ ካብ መቓምጦይ ተንሳእኩ። ሳንጣይ ተኾልኲለ ምስቶም ኣለይቲ ኣጋይሽ ሰራሕ ተኛታት ተመሳጊነ ብድፍረት ንውሽጢ ተደርገምኩ። መቸም ድሮ ኣቐዲመ ብዘዋህለልኩዎ ዛንታታታት ተወጢረ ብምንባረ ይ ክዉንነቱ ከረጋግጽን ሓድሽ ክስንድን ብምንቃደይ ነቲ ኣብ መናድቕ ዝተንጠልጠለ ጽሑፋት ከንብብ ኣዒንተይ ተኰራን ንሓዋሩ ክምዝግባ ክቱር ተፋጠጣን።

እታ መጠነኛ ኣህጉራዊት ተል-ኣቪቫዊት መዓርፎ ነፈርቲ ከምዚ ድማ ትበሃል ኢያ። “TEL AVIV YAFO, IL (BEN GURIO N  INTL):: እዚ ማለት ከምቲ ናይ ሃገርና “ዮሃንስ ኣራተኛ ኣውሮፕላን ማረፍያ” ኮይኑ መሰለኒ።ምኽንያቱ ቤንጉሪዮን ማለት እቲ መጀመርታ እስራኤል ከም ሃገር ዝቖመትሉ እዋን ከምቀዳማይ ጠቕላሊ ሚኒስተር ዝተሸመ በዓል ስልጣን ምንባሩ ድሮ  ብታሪኽ ስለዝተማሃርኩዎ ንዝኽሩ ከምዝተሰመየ ተረዲአ ብተዛማድነቱ ክፍሰኽ ዝተረፈኒ ኣይነበሮን።

በቲ ማዕዶ ኣብ ነዋሕቲ ኣዕኑድ ዝተሰቕለ ግሩም ምስሊ ሰብ ርእየ ነታ መማጽእተይ ክሓትታ ደፈርኩ። ንሳ’ውን ኣጋውሎይ ግዲ ተበሪህዋ ንዘቕረብኩላ ሕቶታት ተገዲሳ መለሰትለይ። ንሱ እቲ ዝተራእየኒ ሰብ እምበኣር እቲ ንሃገረ-እስራኤል ኣብቲ ታ ሪኻዊ ቦታኣ ክትምስረት ዝተቓለሰ ሓርበኛን ፖለቲከኛን ኣቶ በንያም ዘኣብ ሄርጸል  ምዃኑ ገለጸትለይ።

ከምዝፍለጥ ድሕሪ ምዝዛም 2ይ ኲናት ዓለም ህዝበ-የሁድ ከምግዳይ ሰልፊ ናዚ መጠን ድሕሪ ምሕራሮም፡ ካብቲ ተበቲነሞ ዝነበረ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ሓንቲ ሃገር ምእካቦም ብዝተገብረ ናይ ዕዉታት ሃገራት ውሳነ መሰረት ኣብታ ዝለምዐት ኣፍሪቃ ዊት ሃገር ኡጋንዳ ንምጥያሶም ተወሲኑ ከምዝነበረ ተዘከረኒ። እንተኾነስ ኡጋንዳ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ብዘይምህላዋ እቲ ውሳነ ኣይተፈጸመን።

ዝኽርታተይ ሰባብ ነበረ። የግዳስ ሓደ ታሪኽ ንከምኡ ካልእ ከምዘዘክር መጠን እንተኣዘንተኹ ኣይተወንጃልን ኢየ። እሞ ወያ ኣብ ጉዕዞ ሰለስተ ሰዓታት በዓልቲ ሰለስተ ወቕትን ወናኒት ናይ 1200 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ገማግም ባሕርን ሃገረ-ኤርትራ ድማ ሕጽይቲ ጽዮናዊት ሃገር ከምዝነበረት ድንገት ትዝ በለኒ። ሓቂ ድማ ኢዩ። ምናልባት መራሕ መንግስትና ድሒሩ ምስንሓኮም ን ዝሓኩናን ምምሽጣር ኣገዳስነቱ ተራእይዎ ይኸውን። እቲ ሳሕላዊ ፖለቲካና ግን ብርግጽ ከምኡ ኢዩ ዝነበረ። ኣነ ድማ ኣ ቐዲመ ብኮማንድሳዊ ስልጠናን ብቕዓትን ስለዝተመሰጥኩን ነቲ ዝሰዓበ ከም “ተስዓ ደቓይቕ ኣብ ኢንተበ” ዝብል እስራኤላዊ ድራማ ስለዝተጀሃርኩሉን መመሊሰ እንተዘከርኩዎ ምንም ኣይኣበስኩን።

ግን ድማ ሓንቲ ግድል ኣዝያ ገረጨትኒ። ልክዕ ከምቲ ናይ በትረ-ሙሴ፡ ፕሮጀክት ምጥያስ ህዝበ-የሁድ ኣብተን ዝተመርጻ ሃገራት ተፈጺሙ እንተዝነብር ደቂ ኡጋንዳ ኮኑ ንሕና ደቂ ኤርትራስ ብሓቂዶ ከም ህዝበ-ኢስራኤል ምተጸብጸብና? ብተወሳ ኺ የሁዳዊያንሲ ሓራይ ይተኣከቡ። ግን መአከቢኦም ምኽንያትከ ሃይማኖት ድዩ ወይስ ዘርኢ? ፍትሓውነቱኸ?……..

ተፈተወ ተጸልአ ሃገረ-እስራኤል ብባንዴራ ”መገን ዳቪድ”(ኣርማ ዳዊት) ክውንቲ ኮይና ኣላ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ዝኽሪ ናይቶ ም ነዛ ሃገር፡ ሃገር ከምትኸውን ዝተበጀውላ ሓርበኛታትን ፖለቲከኛታትን ዓብለለኒ። ከምእኒ ሞሾ-ዳያን ጎልዳ-ማየር፡ እቲ ን ኢቲዮጲያዊያን ፈላሻ ናብ እስራኤል ዘእተወ ጠ/ሚኒስተር ኢስሃቅ ሻሚር፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ምስ ህዝበ-ዓረብ ናይ ሰላም ዝርርብ ስለዝገበረ ብገዛእ መንእሰዮምን ጥይቶምን ዝተቐትለ ጠ/ሚኒስተሮም ነበር ኢስሃቅ ራቢን፡ ብሓያልነቱ ዝዝከር ኣማስ ያኡ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ዘሎ ኣሬል ሻሮን፡ ከምእኒ ናታንያሁ……..

ኦይ! ካልእ’ውን ምወሰኽኩ። ድሓን ማዓልቲ ገይርዎ ነገር ምጽራይ መንነትን ምኽንያት መገሻን ብኸምቲ ዝሰለጦ ክሓጽር ኣ ይተጸበኹን። ከይኣመንኩዎ ድማ ካብ እንዳ ንብረት ባልጃይ ስሒበ ናብቲ እኩብ ተጸባይ ገጸይ ቅልቅል በልኩ።

ኣቤት!! ኣብቲ ቦታ’ቲኸ ክንድኡ ዝመጠኑ ሕብረ-ብሄራት ህዝቢ ይእከብ ድዩ?

መማጽእተይ ዳግማይ ክንራከብ ተተስፍያ ተፈልየትኒ። ብግቡእ ተሰናቢተያ ድማ ትኽ ኢለ ናብቶም እኩባት ደቂ-ሓበሻ ኣም ራሕኩ። ማንም ካብቶም ዝጽበዩኒ ዝነበሩ ብኣካል ዝፈልጦ ኣብዘይተጋህደለይ እዋን፡ ነብሲ ግዲ ናይባዕላ ናይ ምምማይ ትእ ምርቲ ኣልይዋስ ድንገት ከይተዳለናሉ ምስቶም ስእለይ ዝሓዙን ዝሓስኩን ተጠማጠምና ።

ሻሎም ሻሎም ኮነ። ሰላም ሰላም ማለት ኢዩ ድማ። ሰላም ዝደሊ ሰላም ክምነ ምርኣይ ኣይሓድሽን። እቲ “ንሰላም ተጋዲለ” ዝብል ክእብስ ግና ምስምንታይ ይቑጸር? እቲ ቅድም፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተሰደደት ስድራ ከምትጥርነፍ ጽኑዕ እምነት ከምዝነበ ረኒ እንክዝክር፡ እቲ ድሒሩ ብግብሪ ን23 ዓመታት ዝተራእየ ኣይሕሱብ ፖለቲካዊ ብታነ ህዝብና ግና ክሳብ ሕጂን ንሓዋሩን ንበኽየሉ እነና።

ስድራቤት ቆሞና ሓወይ ብፈተውቲ ተኸቢባ ነበረት። ቀንዲ ተዋሳኢት ኣቀባብላ ጋሻ በዓልቲ-ቤቱ  ወ/ሮ እመቤት ለገሰ መኪ ናኣ ከፊታ ንዓይን ንሓወይን ምስ ሕቛፍ ዕምባባታትና ብድሕሪት ደርገመትና። መወዳእታ ወዶም ምስ ኣዲኡ ብቅድሚት፡ ዝ ተረፉ አጋይሽን ደቆምን ኣብተን ካሎኦት ሰለተ ተጻዕኑ። ንቕሎ ምስኮነ ድማ ንሳ ማኪናኣ ባዕላ ከተሽኮንድራ ጀመረት።

ኣብ ድሮ ልደት ብኣርባዕተ መካይን ዝተሰነየት ነብሰይ ንሓዋሩ ሓሊፍላ ከይኸውን ጠርጠርኩዋ። እሞ ብሕሹኽታ ተስፋ ሓ ድሽ ዓመት ድማ መን ምዃና ተወከስኩዋ። ”መን ኢየ ግዲ ኣነ? ኣበይከ ነይረን ኣለኹን”?

ዝሓለፈሉ ሂወት ሰብ ከምዘሕልፍ ትፈልጥ ነብሰይ ፍጹም ኣይዓሸወትን’ሞ ክትሕተትን ቡኡንቡኡ ናይ ልዕልን ትሕትን ምድ ሪ መኻዚኖ መቓብር ህሉዋት ክረኣየንን ከምዛሓንቲ። ኣብ ሃገረ-ስራኤል ነዛ ተረካቢትን ዘይፖለቲከኛን ነብሰይ ምሒር ሓዘን ኩላ። ከምኡ ድማ ነዞም በሪሮም ኣብዚ ሃገር ዝተዓቖቡ ግዳያት መንእሰያትና ኣዚየ ሓዘንኩሎምን ሰሰናዮ ተመነኹሎምን።

ሃገረ-እስራኤል፡ ኣዝዩ ዘመናዊ ጎደናታትን ርሻናትን እናሰናጠቕና መረሽና። እቲ ኩሉ ዘመናውነት ግና ምስቲ ቅንያት ዝኸይድ ድምቀቱ ኣይተራእየንን። ማለተይ ወይ ካብቲ ዝሓቖፍናዮ ዕምባባታት፡ ወይ’ውን ኣብ ኣዕኑድ መብራህቲ ዝተንጠልተለ ናይ ሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመትን ልደትን ብዘይምርኣየይ ንስለምንታይነቱ ተወከስኩ። መቸም ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ህዝበ-ሓበሻ ል ክዕ ከምቲ ፍቀዶ ስደት ዝተበተነ ካልእ ህዝቢ ንሃገረ-እንጌራ ክመስልዎ ዝግብኦም ታሪኽ ኢስራኤል ኣጽኒዐሞ ኮይኖምስ ሰበ ይቲ ሓወይ ብግቡእ ገለጸትለይ። ኣነ ድማ ምንም ንዘይፍታሕ ናይዛ ዓለምና ዘይተኣደነ ቂሐ-ጽልሚ እምነታትን ሳዕቤናቶምን ከዓብኩዎ። ከምዘይተገደስኩ እናመሰልኩ’ውን ንመልከዓ-ምድርን ታሪኽን’ዛ ሃገር ደጋገምኩዎ።

ብቋንቋ ሂብሩ ‘እስራ-ኤል’ ክልተ ቃላት ኢየን። ‘እስራ’ ማለት ስድራ ወይ ህዝቢ፡(ብዓረብ’ውን ተመሳሳሊ’ዩ) ‘ኤል’ ድማ እ ግዚኣቢሄር ወይ ኣምልኽ፡ ክልቲአን ክድመራ ህዝበ-እግዚኣቢሄር ከምዘስምዕ ተነግረኒ። ኢየሱስ ክርስቶስ ለካ ነዚ ኦሪታዊ እ ምነት ከማዕብል ኢዩ ተላኢኹን ተወፍዩን በልኩ ብልበይ። ደጊመ ድማ ብጉራማለ እምነታት ኣህዛብ ተዓጀብኩ። ማለተይ ከም ኣብነት በቲ ሓደ ኢየሱስ ኣምላኽ ወይ ወዲ-ኣምላኽ ክጽብጸብ እንከሎ በቲ ካልእ ወዲ-ሰብ ይጽብጸብ። ከምኡድማ ብ ዛዕባ’ቲ ንየሱስ ዘእሰረ የሁዳ ብገሊኡ ከምጠላም፡ ካሕዳይ ክስመ እንከሎ በቲ ሓደ ድማ ከምሓርበኛ ይቑጸር።

ብከምኡን መሰላቱን ዓለም ከይተሰማምዐት እንሆ ንመበል 2014 ዓመታት ተተሓሒዛቶ እነሀት። የሱስ ድማ ብከምቲ ዝመሰ ለኒ ንክንዲ ዕድመኡ ዓመታት ዝኣክል ንዘይኣመኑሉ ኣየእመኖምን ወይ ኣየጥፈኦምን። ንሱ ንሰላምን ሓድነትን ከምዝተላእከ መጠን ዓቕሚ እናሃለዎ’ውን ከምተሰቕለ ኣቦሓጎይ ገሊጾሙለይ ኢዮም። እንተ ኣነ ምስጢሩ ኣበይ ኢለዮ ኢልኩሙኒ።

በቢቁሩብ ህዝበ-የሁዳ ምስ ገለጻ ኣቦሓጎይ ከምዘይሰማምዑ ተረዳእኩ። ገሊኦም ሕሉፋት’ሞ ድማ ክሳብ ስሙ ምጽዋዕ ኣጽ ሊእዎም “ንሱ” ከምዝብልዎ ተረዳእኩ።……….’ ንሱ ’…………..

ሰበይቲ ሓወይ ጉዕዞና ዳርጋ ጨሊጣቶ ነበረት። ብወገነይ ጸጽቡቑ ተመንየ “ኣንታ ኣምላቸ እስራኤል ባዕልኻ መሓረና” በልኩ ብልበይ። የግዳስ ምንዮተይ ንገለ ክፋል ህዝቢ ዓለም ከምዘጣምር ኣይሰሓትኩን’ሞ ብዘለኒ ጥበብ ነብሰይ ኣረጋጊአ “ሰማያዊ ኣምልኽ ባዕልኻ ምሓረና” ክብል ንሓዳስ ዓመት “ባሩኽ ኣባ” ብማለት ተቐበልኩዋ።

ኣብዛ ታሪኻዊ ሃገር ንዝህልወኒ ቅንያት ዘዘንቱ ይግበረኒ።

ኣሜን!

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Nahom January 1, 2014

    ዝኽርታተይ ሰባብ ነበረ። የግዳስ ሓደ ታሪኽ ንከምኡ ካልእ ከምዘዘክር መጠን እንተኣዘንተኹ ኣይተወንጃልን ኢየ። እሞ ወያ ኣብ ጉዕዞ ሰለስተ ሰዓታት በዓልቲ ሰለስተ ወቕትን ወናኒት ናይ 1200 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ገማግም ባሕርን ሃገረ-ኤርትራ ድማ ሕጽይቲ ጽዮናዊት ሃገር ከምዝነበረት ድንገት ትዝ በለኒ። ሓቂ ድማ ኢዩ። ምናልባት መራሕ መንግስትና ድሒሩ ምስንሓኮም ን ዝሓኩናን ምምሽጣር ኣገዳስነቱ ተራእይዎ ይኸውን። እቲ ሳሕላዊ ፖለቲካና ግን ብርግጽ ከምኡ ኢዩ ዝነበረ። ኣነ ድማ ኣ ቐዲመ ብኮማንድሳዊ ስልጠናን ብቕዓትን ስለዝተመሰጥኩን ነቲ ዝሰዓበ ከም “ተስዓ ደቓይቕ ኣብ ኢንተበ” ዝብል እስራኤላዊ ድራማ ስለዝተጀሃርኩሉን መመሊሰ እንተዘከርኩዎ ምንም ኣይኣበስኩን።

    Am I Missing something here?

    Isn’t EPLF of Sahel anti-imperialism and anti-Zionism?

  • Bokre January 3, 2014

    al Nahoom wrote, “Am I Missing something here?
    Isn’t EPLF of Sahel anti-imperialism and anti-Zionism?”

    True Jebha and shaebia were “anti-imperialist America and anti-Zionism” including anti Feudal Ethiopia. As someone wrote last week here, but the people of Eritrea including al Nahoom and his family are hiding now in California, Sweden, Israel and Ethiopia.
    Why? because in the Arab passage innocent a Eritreans are tortured and sold to Arab slavery. A person like al Nahoom is not considered a normal human being in Kuwait, Cairo or Bengazi … even if it tries very hard to be more Arab than the Arab.

    Ask: where is Ali Abdu Yonus hiding?

    Such was and still is the hypocrisy of Jebha and shaebia

    —-
    Thank you Godefa, it is well written.

POST A COMMENT