Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባርባራዊ ቅትለት ንጹሃት ኤርትራውያን የብቕዕ!

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣስመራ ንዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ቅትለት ብትሪ ይኹንን። እዚ ፍጻመ እዚ መቐጸልታ ተግባራት ናይቲ ንኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣስመራ ንዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ቅትለት ብትሪ ይኹንን። እዚ ፍጻመ እዚ መቐጸልታ ተግባራት ናይቲ ንኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ግፍዕን ጭቆናንን ረሚስዋ ዘሎ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰያስ እዩ። ሎሚ’ውን ከምቲ ትማሊ እታ ንስንኩላን ተጋደልቲ ኣብ ማይሓባር፡ ንንጹሃት ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዝረሽረሸት ኢድ ስርሓ ትቕጽል ኣላ። እዚ ስርዓት ንሕይወት ኤርትራውያን ዋላ ሓንቲ ፋዕራ ከምዘይብሉ ካልእ መርኣያ እዩ።

ዎ… ህዝቢ ኤርትራ! ክሳብ መዓስ ኣፍካ ተዓቢስካ ሱቕ ክትብል ኢኻ? ካብ ሞት ዕሸላት ደቕኻካ እንታይ ክመጸካ? ካብዚ ከርፋሕ ናብራ እንታይ ከይጎድለካ? ሃየ፡ ሎሚ ይኣክል ሞት፡ ይኣክል ምልኪ፡ ይኣክል ግፍዒ፡ ይኣክል ባርነት፡ ይኣክል ስደት እትብለሉ እዋን እዩ። ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ ሃገርካ ሓርነትካ ተገፊፉ፡ መሰልካ ተጋሂሱ፡ ህሉው ክነስኻ ትሕቲ ህሉዋት፡ ምዉት ከይትብሃል እተተንፍስ፡ እተደንግጽ ፍጥረት ኰንካ ኣሎኻ።

ዎ… ህዝቢ ኤርትራ! ሃየ ተበራበር። ነብስና ካብቲ ስዉር ናይ ኣእምሮ ባርነት ሓራ ኣውጺእና ነቲ ተመንዚዑ ዘሎ መሰልና ነምልስ። ኣብ ሃገርና ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ካብ ካልኦት ክመጸና ኣይንጸበ። ‘ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ‘ ዝብል ምስላ ኣቦታት ዘኪርና፡ ካልኦት ክመርሑና ከይተጸበና ነፍሲወከፍና ኣነ፡ ንስኻ፡ ንስኺ ንመሰልና ደው ክንብል ይግባእ። ኩላትና መራሕቲ፡ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ንኹን።

እዚ እንተጌርና ጥራሕ ኢና እታ ንብህጋ ሰላም ዝዓሰላ፡ ህዝባ ብሰላም፡ ብኽብረት፡ ብስኒት ዝነብረላ ኤርትራ ክንርኢ እንኽእል።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ንስድራቤትን መቕርብን ግዳያት ጽንዓት ይሃብ!

 

ኤምዲሰመ

ፕሪቶርያ

06/04/2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde April 6, 2016

    It is a noble call from Pretoria, unfortunately, the call is not getting through to the Eritrean people, because HGDEF is in the way.It is like when the receptor sites of the brain is blocked by a certain drug, no matter what impulses you send to stimulate it, you ain’t getting a response. We’ve got to get rid of the drug!! There is no other way around it. Otherwise, we are just reacting to events.

  • k.tewolde April 6, 2016

    In other words, we have pluck out the drug that had the Eritrean people sedated for a long long long time.!!!!!!! any volunteers.

POST A COMMENT