Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባንኪ ሙን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ን 8 ዓመታት ዝኣሰሮም ምሩኻት ጅቡቲ ምልቃቑ ብኣውንታ ተቐቢሉዎ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ባንኪ ሙን፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ መንጎ ጅቡትን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ብ 2008 ዓመተ ምህረት ኣብ ዶብ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ድሕሪ ምምራኾም ን 8 ዓመታት ዝኣክል ዝኣሰሮም ምሩኻት ወተሃደራት ጅቡቲ

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ባንኪ ሙን፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ መንጎ ጅቡትን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ብ 2008 ዓመተ ምህረት ኣብ ዶብ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ድሕሪ ምምራኾም ን 8 ዓመታት ዝኣክል ዝኣሰሮም ምሩኻት ወተሃደራት ጅቡቲ ምልቃቑ ብኣውንታ ከምዝተቐበሎ ኣገልግሎት ዜና ሺንዋ ሓቢሩ።

ባንኪ ሙን፣ እቲ ኣብ መንጎ ጅቡትን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ዘሎ ጸገም ብቐንዱ ክፍታሕ ዘለዎ ትጽቢት ምግላጹ ‘ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ምፍታሕ ናይቶም እሱራት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀጠር በጺሑ ኣስመራ ምስተመልሰ እዮም፣ ብመሰነይታ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ብቐጠር ኣቢሎም ናብ ጅቡቲ ተፋንዮም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ን 8 ዓመታት ብጅቡቲ ንዝቐርበሉ ዝነበረ ቀጻሊ ሕቶታት እናነጸገ ነቶም ሃለዋቶም ኣጥፊኡዎ ዝጸንሐ ምሩኻት ኣብዚ እዋን’ዚ ብመንጎኛነት ቀጠር ምልቃቑ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኣእምሮ ማሕበረሰብ ዓለም ክስንዖ ዝደሊ ዘሎ ናይ “ንቕየር ኣለና” ፖለቲካዊ ድራማ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ግጭት ደው ኣብ ዝበለሉ ቕንያት ብኡ ንብኡ ተለቒቖም ዶብ ዓዶም ክሰግሩ ዝነበሮም ዜጋታት ናይታ ምስ ኤርትራ ጠቢቓ ዘላ ጎረቤት ሃገር፣ ቀንዲ ቴማ ናይቲ ንሳልስቲ ኣብ ቀጠር ዝፈጸሞ ዑደት ባሕሪ ኣሳጊሩ ብመንገዲ ቀጠር ናብ ጅቡቲ ከምዝምለሱ ምግባሩ፣ “ካብቲ ብሰንኪ ዓንዳሪ ተግባሩ ሓኒቑዎ ዝጸንሐ ተነጽሎ ማሕበረሰብ ዓለምን ንምምላጥ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘይብሉ ናእሽቱ ጉዳያት እናማእረረ ሃነፍነፍ ይብል ምህላው ክሳብ ክንደይ ሓሲሩ ምህላዉ ዘንጸባርቕ ዘሕንኽ ተግባር እዩ” ክብሉ ‘ውን ትዕዝብቶም ገሊጾም።

ቁጽሪ ናይቶም ጅቡቲ ክትሓተሎም ጸንሐት ምሩኻት ካብዞም ለቒቑዎም ዘሎ ንላዕሊ ምዃኖም ብምዝኽኻር ከኣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንኻልኣይ ዙርያ ድራማ ክጥቀመሎም ዓቂቡዎም ክህሉ ከምዝኽእል ኣሚቶም።

እቲ ካብኡ ብዝበኣሰ ዘነውር ተግባር፣ ኢሳይያስ ምስ መራሕቲ ጅቡቲ ዝነበሮ ህልኽ መታን ከውጽእ፣ ነቶም ናይ ጅቡቲ ምሩኻት ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ባዕሉ ናብ ውግእ ዝለኣኾም ‘ሞ ብወተሃደራት ጅቡቲ ዝተማረኹ ካብቶም ናይ ጅቡቲ ዝበዝሑ ምሩኻት ኤርትራ ምኽሓዱን፣ ግዳያት ህልኻዊ ግብረመሲ መንግስቲ ጅቡቲ ከምዝኾኑ ምግባሩን ምዃኑ ‘ውን ኣረዲኦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • simon March 21, 2016

    I want to ask for this criminal dictator where are the eritreanes prisoneres the cuptered bay the JOUBUTI. authoritiy he dont interested about them.

    • Musa Ali March 26, 2016

      He is too old to remember that we have prisners of war. Remember, he had forgotten he had djubitian prisners of war in his captivity. He did not even remember there was a war b/n eritrea that he rules and djubuti. Forgive him, He has stage 4 althzimers disease.

Post a Reply to Musa Ali Cancel Reply