Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባይቶ ኣዋሳ ናበይ……. ገጹ???

ብመሰረት መብጽዓና ባይቶ ኣዋሳ ናበይ ገጹ ዝብል ጽሑፍ ካብ ሎሚ ብተኸታታሊ ከነቕርቦ ኢና፡፡ኣብዚ ደጋጊምና ከነረጋግጾ ንደሊ ንሕና ኣንጻር እዚ ንህዝቢ ረጊጹን ጨፍጪፉን ቀቲሉን ሃገር ዝበታትን ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ዝካየድ ሓቀኛ ቃልሲ ምስ ኩሉ

ብመሰረት መብጽዓና ባይቶ ኣዋሳ ናበይ ገጹ ዝብል ጽሑፍ ካብ ሎሚ ብተኸታታሊ ከነቕርቦ ኢና፡፡ኣብዚ ደጋጊምና ከነረጋግጾ ንደሊ ንሕና ኣንጻር እዚ ንህዝቢ ረጊጹን ጨፍጪፉን ቀቲሉን ሃገር ዝበታትን ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ዝካየድ ሓቀኛ ቃልሲ ምስ ኩሉ ክነደጋገፍ ቁሩባት ኢና፡፡ቀዲምና ውን ኣብ ንጡፍ ስራሓት ቃልሲ ዝጸናሕና ኢና፡፡ ጉዳይና ካብ ቅርሕንትን ህልኽን ቅንእን ዝተበገሰ ኣይኮነን፡፡ ከምቲ ቀዲምና ዝኣመትናዮ ግን ርጉም ሰይጣን ኣሊና ሕሱም ድያብሎስ ክንትክእ ዓስቢ እቲ መዋእሉ ዝኸርተተን፡ ልዕሊ ልዕሊ ግቡኡ ሂወት ዝኸፈለን፡ ናይ ኢዱ ነጊፉ ዝርካቡ ሃብቱ ንሃገር ዝሃበን ለባምን ሓላልን ጸዋርን ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን፡፡ተጎምብሓለይ ክውጣሓካ ዝዓይነቱ ሓልዮትን ርህራሀን ዝጎደሎ ናይ በለጽን ተበለጽትን ኣካይዳ ይኣክል፡፡ህዝቢ መን እዩ ናቱ መን ከ ዘይናቱ ክፈለጥን ደጊሙ  መዓር ብዝተቐብኣ መርዚ ቃላት ከይደናገር እቲ ሓቂ ክፈልጦ ኣለዎ፡፡ቅድሚ ናብ ቀንዲ መበገሲ ኣርእስትና ምእታውና ህዝቢ ነቂሑ  ከስተባህለሉ ዝግበኦ ነገር  ወስ ከነብለሉ፡፡ጨፍላቒ ስርዓት ኢሳያስ ኣብቂዑ ወዲኡ እዩ፡፡ እንተ በዚ እንተ በቲ ግብኣተ መቓብሩ ኣኺሉ እዩ፡፡ዘለዎ ሃለዋት ከም ነገር ጨጓር ከልብስ ኣሎ እናበልዎ ሞተ እዩ፡፡ተሪፍዎ ዘሎ ወግዓዊ ስንስርዓት ቀብሪ ጥራይ እዩ፡፡ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ካብቶም ነዊሕ ዓመታት ብኣካል ምስ ኢሳያስ ዝሰርሑ ኣብ ኩፉት ፓልቶክ ንሰምዖ ዘለና ምቅላዕ ጉዳት እቲ ስርዓት ኣብ ጻዕረሞት ከምዘሎ ዘረጋግጸልና ሓቂ እዩ፡፡ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ነዚ ጨፍላቒ ስርዓት ንምእላይ ተበጊሱ ዘሎ ሚስጢራዊ ውደባ እቲ ግዜ ከም ዝኣኸለ ይነግረና ኣሎ ፡፡ ስለዚ  ኣብዚ ተሃዋሲ ግዜ ዳግማይ መፍቶ ርጉማት ተዃሉን ተበለጽትን ከይንኸውን ከቢድ ጥንቃቐ ከድሊ እዩ፡፡ብፍላይ እዚ ሕጂ ንቃልሲ ቆሪጹ ተበጊሱ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ መጻወድያ ከይኣቱ ኣራግጽኡ ከመዓራሪ ይግበኦ፡፡ እሞ ንኺድ ዶ፡፡ ንኺድ ጥራይ ዘይኮነ  ንጉየ ውን፡፡ብሰንኪ ሓለኽቲ ባእታታት ዝባኸነ ግዜ ይኣክል፡፡ ባይቶ ኣዋሳ ናበይ ገጹ እዩ ካበ መሰረት ቅድሚ ምጅማር ጉባኤ ካብ ዝነበረ ኢና ክንጅምር፡፡ብዛዕባ ዋዕላ ኮምሽን ሕጂ ምዝራብ ነገር ዝጠፈሸ ነጋዳይ እዩ ክኸውን፡፡ቀዲምና ግን ውልቀ ትዕዝብትና ኣብ ኣሕዋት ኢትዮጲያን ገለ ክንብለኩም፡፡

ከምቲ ንቡር ምስላ ኣቦዋትና ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ሓደው ንገረሉ እዩ፡፡ህዝብን መንግስትን ኢትዮጲያ ካብ ዋዕላ ጀሚሮም ክሳብ መፈጸምታ ጉባኤ ኣዋሳ ዝገበርዎ ምቕሉል ሕውነታዊ ኣቀባብላን እንግዶትን ምንክብኻብን ካብ ልቢ ከነመስግኖም ንደሊ፡፡ብፍላይ ህዝቢ ከተማ ኣዋሳ ጉባኤ ተወዲኡ ልዕሊ ዓሰርተ ዓበይቲ ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ተሰሪዓን ክወጻ እንከለዋ ዝገበሮ ወለንታዊ ፋንዋ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተጋባኢ ተንኪፉ እዩ፡፡ብዙሓት ካብ ተጋባእቲ ኣብ ከቢድ ዝኽሪ ኣትዮም ተደፋኒቖም ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ጸረር ክብል ተራእዩ እዩ፡፡ለካ እቲ ዝሓለፈ መሰክሕ ውግእ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ዘይኮነ ኣብ መንጎ ስርዓታት ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ እዩ ነይሩ ክብል ተገዲዱ እዩ፡፡ብልክዕ ውን ካብ ህዝቢ ዝነቐለ ህዝቢ ርሑስና እግበሮ ኢሉ ዝመረቖ ውግእ ኣይነበረን፡፡ እቲ ካብ ዶብ፡ ኩናት ዝተኻየደሉ ቦታታት ማዕረ 2000 ኪ.ሜ ዝረሓቐ ህዝቢ ከተማ ኣዋሳ ንስላም ሕውነታዊ ጉርብትና ክሳብ ክንደይ ከምዝሃርፍን ከምዝደልን ብተግባር ኣረጋጊጽዎ እዩ፡፡ድሒርና ከም ዝሰማዕናዮ ውን ስለምንታይ ኣጋይሽና ብኣግባብ ክንቅበልን ከነፋንውን ቀዲሙ ዘይተሓበረና ክብሉ ቅሬቶኦም ናብ መንግስቲ ከም ዘቕረቡ ኢዩ፡፡ህዝቢ ከተማ ኣዋሳ ኣብነት ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጲያ እዩ፡፡ህዝቢ ኢትዮጲያ ንሰላም ንብልጽግና ንሓባራዊ ዕቤትን ምዕባለን ሰናይ ጉርብትና ዝደሊ እምበር ተሃንዳዲ ንውግእ ከምዘይኮነ ብዓይንና ዝረኣናዮ ሓቂ እዩ፡፡ህዝቢ ኤርትራ ውን እቲ ሓደገኛ ምቱኹታኽ ናይ ስርዓት ኢሳያስ ገዲፍካ ደላይ ሰላም እዩ፡፡እዚ ክንብል እነከለና ኣብ ውሽጢ ህዝብታት ኢትዮጲያ ብትምክሕቲ ዝተኻሕኑ ናጽነት ኤርትራ ዘይወሓጠሎም ሕሉፋ ኣረኣእያ  ዘለዎም ዜጋታት ፍጹም የለዉን ንምባል አይኮናን፡፡ንኤርትራ ዝገንጸላ ወያነ እዩ፡፡መለስ ዜናዊ እዩ፡፡ ብምባል ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዳግማይ ውግእ ኣብ ልዕሊ ወያነን ኤርትራን ክእውጁ ዝደልዩ ፕሮፖጋንዳ ዝነዝሑ ሰሚዕናን ርኢናን ኢና፡፡እዚ ግን እቲ ሓቀኛ ስምዒታት ህዝብታት ኢትዮጲያ ኣይኮነን፡፡እቲ ሓቂ ከምቲ ቀዲሙ ዝተገልጸ እዩ፡፡ ብስም ኩሉ ተጋባእን ደላይ ሰላም ህዝቢ ኤርትራን ከነመስግኖምን ንኣመስጋኒ ክንነግሮሎምን ንደሊ፡፡

ቀቅድሚ ጉባኤ ኣዋሳ ኣብ መጀመርያ ዕለታት ወርሒ መስከረም 2011 ዋዕላ ግዮን ዝተሰመየ ናይ ኤርትራውያን ምሁራት ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጲያ ተኻይዱ ነይሩ እዩ፡፡እዚ ዋዕላዚ ንብዙሕ ነገራት እኳ ናብ ቁኑዕ ማእዝን ኣትሒዙ እንተቀራረበ ብመንጽሩ ኣድብዮም ዝነበሩ ተበለጽቲ ንስልጣን ሸተምተም ከምዝብሉ ውን ጌርዎም እዩ፡፡ኣብ ዋዕላ ግዮን ዕድመ ጨፍላቒ ስርዓት ኢሳያስ ልዕሊ ክልተ ዓመት ክጸንሕ ከምዘይክእል ጭቡጥ ገምጋም ተገይሩሉ እዩ፡፡እዚ ገምጋምዚ ነቶም ብሱል ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ዘለዎምን ህሉው ኩነታት ስርዓት ኢሳያስ ብደቂቕ ዝፈልጡን እንተዘይ ነዊሑ አይሐጸረን፡፡ ዝተገብረ ገምጋም ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘረጋግጾ ውዱዕነት ዝነበሮ ገምጋም እዩ፡፡ትንሳኤ መናእሰያት ኤርትራ ንቓልሲ ንባዕሉ ሓደ ካብቲ ክትሰግሮ ዘይትኽእል ሓቂ እዩ፡፡ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ሕድሕዳዊ ቁርቁስ ተጸሚዶም ዝጸንሑ፡ ንጨፍላቒ ስርዓት ኢሳያስ ብትሪ ከይቃወሙን ከይቃለሱን ብውሽጦም ዝተመሓሓሉን ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ጭራሕ ምራሕ ውድባት ድሕሪ ዋዕላ ምሁራት ኤርትራውያን ኣራእሶም ሃሰስ ክብልወን ተራእዮም እዮም፡፡ብዜካ እዚ መን ኢኻ ዘይበልዎስ ኣብዚ ኣለኹ ይብል፡፡ ከም ዝበሃል መኣስ ዝተመስረታን ብኸመይ ከም ዝተነድቃን ዘይፍለጣ ሓደሽቲ ውድባት ኢና ዝብላ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ዘበርከተኦ ዘይብለን ቱታ ክብላ ተራእየን እየን፡፡ እዘን ንጹር ፖለቲካዊ ራእይን ፕሮግራምን ውን ዘይብለን ገሊኤን ብሓሙሽተ ገሊኤን ብሸውዓተ ሰባት ዝቖማ ውድባት ኣብ መንበረ ስልጣን ተወጢሐን “ክንብል ክንብልባሎ ኢሳያስ ሸይጣን ይተዓሎ”ኢለን ያኢ ኣብ ቤተ መንግስቲ (ግቢ) ኣስመራ ክኣትዋ፡፡ ትደልይኦ እሞ ይዝንግዓክን ዶ ክንብለን፡፡ንሱ ውን እናወሓደን እዩ፡፡እቲ ምንታይ ብዙሓት ካብዘን ብንግበሮ እሞ ኣይነጸብቆ ዝተሰንዓ ውድባት ኢና በሃልቲ፡ ርሒብ ሸውሃት ንስልጣን እምበር ቁስሊ ህዝቢ ኤርትራ ውን ዘሕምመን ኣይኮናን፡፡እቶም ነዘን ውድባት ኢና ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኢና ዝብላ ዝመርሑ ዘለው ሰባት እንተሪኢና ውን ማዕረ ኢሳያስን መሰልቱን ብገበን ዝሕተቱን ናብ ኣብያተ ፍርዲ ከምርሑ ዝግበኦምን ዓመጽቲ እዮም፡፡እዞም ሓለይትን ተሓለቕትን ዝመስሉ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ መን በዓልመን እዮም ኣብ ዝቕጽል ብዝርዝር ከነቕርቦም ኢና፡፡እዚ ክንብል እንከለና ግን ካብተን ልዕሊ ሰላሳ ዝኾና ብኾን ደኾን ከም ኳና ተጨሪሐን ዝተኣከባ ውድባት ቅኑዕ ፖለቲካዊ ሕንጻጽን መርሓን ዘለወን ህዝቢ ክዓስለን ዝደሊ ደሓን ዝኾነ ውዳበን ዓቕሚ ሰብን ዝውንና ካብ ክልተ ሰለስተ ዘይበዝሐ ውድባት ምህላወን ንሕና ውን ንኽሕዶ ኣይኮነን፡፡ብኣልማማ ንኹለን ምውንጃል ቀራኑን ጓዕማምን ብሓደ ምልካም ስለ ዘይግባእ፡፡

ድሕሪ ዋዕላ ምሁራት ኤርትራውያን ኣብ መንጎ እዘን ቀዲምና ዝጠቐስናየን ውድባት ኢና በሃልቲ ፍጹም ደገፍ ህዝቢ ኤርትራ ዘይብለን ጉጅለታት ስሰዐ ስልጣን ዝመበገሲኡ ስሓቦ ጉተቶ ተባሂሉ እዩ፡፡ ክሳብ እቲ ዓመት መመላእታ ህዝቢ ብተስፋ ዝተጸበዮ ሃገራዊ ጉባኤ ክዘርጋ ተበጊሰን ነይረን እየን፡፡  ሓደ ካብቲ ዓቢ ጠንቂ ምስግጋር ሃገራዊ ጉባኤ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ውን ኮምሽን ስለ ዘይተዳለወ ብሓልዮት ዘይኮነ ምስሕሓብ እዘን ውድባት ምሰ ኪዳን እዩ፡፡እቲ ስማዊ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ዝነበረ እመሃጼን ዶሞኒኮ ነቲ ውሳነ ዕረ እናጠዓሞ ኣብ መጠረሽታ ደቓይቕ እዩ ዝተቐበሎ፡፡ነቲ ዝተፈጥረ ከቢድ ምስሕሓብ ብጉዳይ መናብር ስልጣን ኣብዘን ጭራሕ ምራሕ ውድባት ንምፍታሕ መንጎኝነት ህዝቢ ውን ኣትይዎ እዩ፡፡ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ቃሊቲ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሓለፍቲ እዘን ውድባትን ካብ ህዝቢ ዝተጸውዑ ሽማግለታትን ከምኡ ውን ኮምሽን ስቱር ኣኼባ ኣካይዶም ነይሮም እዮም፡፡ ሓንቲ ካብቶም ካብ ህዝቢ ከም ሽማግለ ኮይኖም ክዳንዩ ዝተወከለት ድማ ወ/ሮ ምሕረት ገብረኢየሱስ እያ፡፡ኣብቲ ናይ ምሽምጋል ኣኼባ ክትሰምዖ ዘደንጹ ዘረባ ካብ ገለ ሓለፍቲ ውድባት ተሰሚዑ እዩ፡፡”ንሕና ንስልጣን ኢና ንቃለስ ዘለና፡፡ስለዚ ነቲ ዝመጽእ መሪሕነት ክንቆጻጸሮ ዓቢ ቦታ ክህልወና ኣለዎ፡፡” ዝብል ጉሉጽን ቁሉዕን ስሰዐ ስልጣን፡፡ስልጣን ምድላይ ኣነ ክመርሕ እየ ምባል ዝጽላእ ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ እንታይ ኣበርክቶን ውህሉል ዓቕምን ደገፍ ህዝብን ስለ ዘለካ ኢኻ ተባሂሉ ክሕተት ድማ ግቡእ  እዩ፡፡ጉባኤ ኣዋሳ እምበኣር እዘን ሓንሳብ ዝጥርነፋ ሓንሳብ መትሓዚ ከምዝሳኣኖ ማእዶ ዝብተና ውድባት ኢና በሃልቲ ጉጅለታት፡ ኣብ ዘይ ጎየያሉ ሜዳ ናይ ክብሪ ማዳላያ ክሽለማ፡ ብዘይ ውዕለተን ስልጣን ህዝቢ ክምንዝዓ ድግድጊት ተዓጢቐን ገሊኤን ሕጽረታት ዓቕሚ ሰበን ንምሽፋን ዝሳተፉ ሰባት ካብ ጎደናታት ኣራርየን፡ ገሊኤን ምስ ክውንነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይመጣጠን ኣሽሓት ገንዘብ ኣፍሲሰን መድረኽ ጸምዩ ከሎ ክዕብልላ ገዚፍ ሓይሊ ሰብ ኣኽቲተን፡ እቲ ዝኸፈአ ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ ንስርዓት ኢሳያስ ክኣልዮ እዩሞ ከይተቐደማ ዘዝዓቕመን መንበር ክሻመዋ እየን ኣብቲ ውቁብን ምዕሩግን ኣዳራሽ ሃይለ ሪዞርት ኣዋሳ ዝኣተዋ፡፡ኣየኖት ውድባትን መራሕትን እዮም ኣብቲ ዝቕጽል ብዝርዝር ከነቕርቦ ኢና፡፡

ቅድሚ ናብቲ ዝቕጽል ጽሑፍ ምስጋርና ሕጂ ውን ሓደ ነተሓሳስቦ ነገር ኣሎ፡፡ስለምንታይ እዩ ሃገራዊ ጉዳያትና ልክዕ ከም ኣካይዳ ጨፍላቒ ስርዓት ኢሳያስ ብሽፍንፍን ብዕበጦ ዕበጦ ዝኸይድ ዘሎ፡፡ፍትሓውን ደሞክራስያውን መንግስቲ ይተኸል እናበልና ስለምንታይ ፈልሲ ዲክታቶራውያን መራሕቲ ብመገዲ ባይቶ ኣዋሳ ነዕቢ ኣለና፡፡ዝኽሪ ትማሊ ቀረባና እዩ፡፡ኢሳያስ ለዋህ ለባም ርህሩህ መሰለና እምበር ልዕሊ መንግስቱ ሃይለማርም ጨኪኑ ዝረግጸና ኣመሰለናን፡፡ሕጂ ውን ተመሳሳሊ ነገር ከይድገም ልዕሊ ኢሳያስ ዓማጽን ቀታልን ከየዘንግዓና ሃየ ድኣ፡፡ካልኣይ እቶም ቁኑዕ ሕንጻጽን መርሓን ዘለዎም ሓለፍቲ ሓደ ክልተ ውድባት ከ ስለምንታይ ሓቂ ኣብ ምቅላዕ ተዋሳእነቶም ዘየለ፡፡ካልእሲ እንተተረፈ ካብቲ ግሉጽን ቅሉዕን ፓርላማ መንግስቲ ኢትዮጲያ ስለምንታይ ክመሃሩ ዘይፍትኑ፡፡ሽሕኳ ንስኻ ቁኑዕ ኩን ዘይቁኑዓት ሰባት ኣብ ማእገርካ ተሰኪምካ ትጓዓዝ እንተኼንካ ንባዕልኻ ውን ተሓታታይ ኢኻ፡፡ስለዚ እዩ ድማ ብኣልማማ እዘን ተቓወምቲ ውድባት ለውጢ ከምጽኣ ይኹን ኣድማዒ ስራሓት ክሰርሓ ኣይክእላን እየን፡፡ ብምባል ኣብ ህዝቢ ዝጸልመተ ተስፋ ዝረኣይ ዘሎ፡፡ ኣብ መደምደምታ ሕጂ ውን ከምቲ ዝሓለፈ ብማሰ ደግያት ባህታ ሓጎስ ኢና ክንሰናበት፡፡ደግያት ባህታ ሓጎስ ብዜካ እቲ ኩልና እንፈልጦ ዘሐብን ኤርትራዊ ታሪኾም ውሩይ ማሰኛ ከም ዝነበሩ ውን ኣፈታሪኽ ኣሎ፡፡እዛ እትስዕብ ማሰ ድማ ንግራዝማች ተኪኤ በዓል ኣኽሩር ንምውቃዕ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝበልዋ እያ፡፡

ኣንታ…..ማሰ ማሰ ማሰ ማሰ

አንታ…..ማሰ ማሰ ማሰ ማሰ

ኣንታ ወደ ኣሰክሕ ወደ ስገደ

ስያሕ ዝዓድኻ ዒንዲ ዒንደ

ማይ ዶ ይሃርም ዶግዓ ከይነጎደ

ወዮ ሸራፍ ስንኻ እምበር ንፋስ ኣውደ

ቢሎም ማሰ ማሰ በሉ ይበሃል፡፡ደግያት ባህታ ሓጎስ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እዮም ዝነበሩ፡፡ግራዝማች ተኪኤ በዓል ኣኽሩር ድማ ምኩሕ መን ከማይ ባሃሊ ኮይኖም ንደግያት ባህታ ሓጎስ ብሚስጢር ገለ ክገብርዎም ዝሓስቡ ዝነበሩ እዮም፡፡ሚስጢር ግራዝማች ተኪኤ ተሓቢኡ ኣይተሓብአን፡፡ኣብ ኣንደበት ደግያት ባህታ ሓጎስ በጺሑ፡፡ግራዝማች ተኪኤ ስኖም ሸራፍ ከምዝነበሩ እዩ ዝዝንቶ፡፡ደግያት ባህታ ሓጎስ ብውሕሉል ኣገላልጻ ግራዝማች ተኪኤ በቲ ሸራፍ ስንኻ ቢሉ ገለ ሚስጢር ሞሊቑካ ኣሎ፡፡ኣነ ውን ፈሊጠካ ኣለኹሞ ተጠንቀቕ ክብሉ ዝገንሕዎም፡፡

ሚስጢር እዘን ውድባት ኢና በሃልቲ ጉጅለታት ድማ ንሕድሕደን ክወናጀላን ክተሓማመያን ንፈልጠን ኢና፡፡ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጋዜጠኛን ኣዳላውን ዓዋተ ኣቶ ሳልሕ ጋዲ ብጉዳይ ተኽላይ ኣብርሃ ሓንቲ ጥይት ምስ ተኮሰ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተራኣየ ፍሽለትን ዘርባዕባዕን ተዓዚብናዮ ኢና፡፡እዚ ባይቶ ኣብ ክንዲ ካብ ጌግኡ ዝመሃር ግን ተመላሊሱ ኣብ ካልእ ጌጋታት እዩ ዝጽመድ ዘሎ፡፡ኣብ መስርሕ ጌጋታቱ እና ኣመዓራረየ ክኸይድ ውን ተጸቢናዮ ኢና፡፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ መገዲ የማን ኣይረገጸን፡፡ካብዚ ብምብጋስ ድማ ሓንቲ ጥይት ዘይኮነ ምሉእ ዝናር ዓጢቕና እቲ ሓቂ ህዝቢ ክፈልጦ፡ ብፍላይ ንቓልሲ ተበጊሱ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ ከይህመል ኣብ መጻወድያ እከይ ተግባራቶም ከይኣቱ ተበጊስና ኣለና፡፡

ዕጥቅና ሓቂ ዩ

ሓባራዊ ገምጋምን ርእይቶን

ብርሃነ፤ ኣስመሮም፡ ኣሕመድ፡ ኪዳነ፤

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Eritrawi April 11, 2012

    Hi Youngs!
    ” nlebam amtelu nasha dma derguhalu” – That is the saying we have inherited from our rich society/culture. If you were wise enough you could have noticed years before that something wrong is running on the Eritrea-Ethiopia political landscape – YOU ARE FOOLED, The target is “status quo”. Nothing changes and Eritrea and Ethiopia are divided only as pro forma – they belong together and the will rermain together. You fail to have an instinct for politics. point!
    Jut check the chonology of the struggle time and plus! You see the road is straight, but the fooling process we are excercising is running without any misunderstanding.

    Sad enough for us, but it is reality, because the “NEW WORLD ODER ” wants to have it so!
    The conspiracies can not be seen/overviewed with our simple eyes/mind!

  • micheal embaye April 12, 2012

    ኣንቱም ሰባት ብርግጽ ንዓብድ ድኣ ከይንህሉ፡፡ ሕቶና ሕቶ መሰል፡ሕቶ ፍትሒ፡ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ሕቶ ምብራስ ኤርትራውነት ክንሱ ስለምንታይ ጓል መገዲ ሒዝና ንኻልኦት ንልክም፡፡ኤርትራውነትና ዝሓክኽ ዘሎ፡መሰረትና ሓግሒጉ ዘጽንተና ዘሎ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክንሱ ስለምንታይ ወያነ ኢትዮጲያ እናበልና ክቃለሱ ንዝግበኦም ኣሕዋትና ነደናግር፡፡መንግሰቲ ኢትዮጲያ ነቶም ክሰንኪ ጽላኣት ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዓዲ ገዲፎም ብጅምላ ዝስደዱ ዘለዉ ኣስታት 70 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቂቡ ከምዘሎ ስለምናታይ ንኽሕ ዶ፡፡ዘለናዮ ሃለዋት ኣዕሚቕና ንገምግሞ፡፡ናይ ሎሚ ንሕሰብ፡፡ወያነ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. ንናጽነት ኤርትራ ብመትከል አሚኑ መስዋእቲ ዝኸፈለ ውድብ ምዃኑ ድማ ንሕሉፍ ኣይንኽሓድ፡፡ባዕሉ ኢሳይያስ ኣብ ደም ዝተሰረተን ብደም ዘተሃንጸን ዝምድና’ዩ ዘለና ዝብሎ ዝነረ ንዘክሮ፡፡ዘይ ምስምማዕ ባእሲ ኲናት ንታሪኽ ኣይቅይሮን ኢዩ፡፡
    ሚኪኤል እምባየ(ኣራንቺ)

  • micheal embaye April 12, 2012

    ካልኣይ ከምዚ ቀዲመ ዝበልኩዎ ሕቶና ሕቶ ዲሞክራስዊ ለውጢ ኢዩ፡፡ባንዴራ ጅኒ ዕፍሪት እናምጻእካ ሰባት ምድንጋር ስለምንታይ? ብሓቂ’ኸ እዛ ባንዴራ ናይ ኢሳይያስ ድያ? ኩቡር ጅግንነት መስዋእቲ ኣሕዋትና ስለምንታይ ንዝንጥል፡፡ኤርትራ እኮ ናጽነታ ዘረጋገጸት ነጻ ሃገር ኢያ፡፡ መለለይ ክበሪ ሃገራውነትና ድማ እዛ ባንዴራ እዚኣ ኢያ፡፡ህዝቢ ኣንበልቢሉዋ ስዕምዋ ነቢዑላ ሰጊዱላ ልዕሊ ዝኾነ ኣኽቢርዋ ድማ፡፡ዓለም ብዓለሙ ድማ በዛ ባንዴራ እዚኣ ይፈልጠናን የኽብረናን፡፡እዛ ባንዴራ እዚኣ ናይ ኢሳይያስ ኢያ፡፡ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢያ ዝብል ክብሩ ባዕሉ ዘሸይጥ ኢዩ፡፡መስዋእቲ ኣሽሓት ጀጋኑና ተረሲዑስ ነዚ ክብረና ዝመንጠለን ዝጨወየን ናቱ ኢያ ክንብል ዓገብ፡፡ በጃካትኩም ሰብ ሰብ ንጭኖ፡፡ናይ ሰብ ከኣ ንሕሰብ፡፡
    ብዓቢኡ ባይቶ ኣዋሳ ናበይ ንዝብል ግን ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡፡
    ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

    • Wedi-Hhilo April 12, 2012

      ሚኪኤል (ኣራንች)
      ኣብ ርእይቶካ ይሰማማዕ ኢየ። እንተኾነ መብዛሕትኡ ህዝቢ ነዛ ባንዴራ ብ ኢሳይያስ ወይ ህግደፍ ከምዝተማህዘት እዩ ዝርዳእ። ልክዕ ኢዩ፤ ቕድሚ እዛ ባንዴራ’ዚኣ ካልእ ፍሉጣት ነይረን ኢየን። እንተኾነ ህግደፍ፤ ነተን ዝነበራ ኣብ ግምት ከየእተወን ህዝቢ ከይሓተተን ኣብ ከባቢ 1992-93 ባዕሎም እቶም ሓለፍቲ ደዛይን ብምግባር፤ ሓንሳብ ገመል ኣብ ማ እከላ ዘለዋ፤ ሓንሳብ ከኾብ ዘለዋ ቐጠልያ ኣውሊዕ ብዙሕ ባዕሎም ከምናይ ማልያ ተጻወቲ ኩዕሶ፤ ብዙሕ የለዋውጥዋ ነይሮም እዮም። ስለዚ እዛ ባንዴራ እዚኣ ሕጂ ናህና ኣይኮነትን ምባል ጌጋ እዩ፤ ናይ ህግደፍ’ያ ምባል’ውን ሓቒ ክከውን ይኽ እል ኢዩ። ኩለን እዘን ትር እየን ውድባት ባዕለን ዲዛይን ብምግባር ባንዴራና ይብላ’ለዋ። ሕጂ ጽባሕ ኤርትራ ናጻ ኣብ ትኾነሉ፤ ኩለን ባንዴራታት ብም እካብ፤ ሓንቲ ትውክለን ዲዛይ ብምግባር፤ ሰላም ይኸውን። እምበር ናትና ከፊልና ናትና እንድዳበልካ ኣብ ካልእ ሓሸውየ ምእታው፤ ሰላም ኣየምጽእን ኢዩ።

  • SINGAPO-ERITREAN April 14, 2012

    ሓው እምባየ፣
    ሃገር ኣይትቕየርን ትኸውን ። ባንዴራ ግን ይቕየር። እታ ፌደራሊስት ባንዴራ ናይ ደቡባዊ ሸነኽ ኣሜሪካ፣ ነቶም ኣመንታ ምልክት ናይ ሰውራ እያ፣ ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ግና ናይ መከራን ሓሰራን ባርነትን። ህዝበይ ይፈቱ ፣ ምንም እኳ ብረት ሒዘ በረኻ ኮለል እንተዘይበልኩ። እዛ ባንዴራ እዚኣ ንሓደ ዓፋር ፣ ኩናማ ፣ ንዓይ´ ውን፣ “ከም ህዝበ ትግርኛ”፣ ምልክት ሕስረትን፣ ውርደትን ፣ መቕተልትን፣ መሬት ምሕዳግን….ስለ ዝኾነት..ዳይፐር ጓለይ ውን ኣይጥቀመላን .እቲ ካብ ንህዝቢ ንስዋእ ንመሬት ንባንዴራ ስለ ዝተሰዋእና ,እዚ ኣረኣእያ እዚ እዩ, ናይ ህዝቢ ብዙሕ ከም ዘይንግደስ ዝገብረና(ፐርሰናሊ ንኣኻ ማለተይ ኣይኮንኩን,ጽሑፋትካ ዝፈትዎ ሰብ እየ) , እቶም ነዛ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ነዛ እድያት ጓል ዝናር (እንዳ ሜስ) ዘይትውጅህ ባንዴራ ዝትእሰው ኣዝማደይ ጠፊኦም ነቶም ዝተረፉ ኣዝማደይ ´ ውን ኣጥፊ ኦምእየ ዝብሎም.

POST A COMMENT