Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ጸኒዑዎ ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ኣናዊሑዎ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ምስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ሶማላዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣስጋእነቱ ገና ከምዘይተወገደ ብምጥቃስ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ንሓያለ ዓመታት ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ከምዘናውሖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ምስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ሶማላዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣስጋእነቱ ገና ከምዘይተወገደ ብምጥቃስ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ንሓያለ ዓመታት ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ከምዘናውሖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣገንዚቡ።

እቲ 15 ቀወምትን ግዝያውያንን ኣባላት ሃገራት ዝሓዘ ቤትምኽሪ ባይቶ ጸጥታ 10 ኣባላቱ ክናዋሕ ናይ ደገፍ ድምጺ ብምሃበን እዩ እቲ እገዳ ኣጽዋር ተናዊሑ።

ነቲ ንድፊ- ውሳኔ ዘቕረበ ኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ፣ እቲ ናይ ኣጽዋር እገዳ፣ ኣሸባብ ቀረብ ኣጽዋር ከይረክብ ዓንቂጹዎ ምህላዉ ኣውንታዊ ምዃኑ ብምጥቃስ ክቕጽል ከምዝግብኦ ቀቀድሚ ‘ቲ ናይ ድምጺ መድረኽ ከምዝገለጸ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ የመልክት።

ናይ ቪቶ ዲምጺ ዘለዋ ቻይና እትርከበን 5 ሃገራት ናይቲ ቤትምኽሪ ድምጺ ካብ ምሃብ ከምዝተቖጠባ ተፈሊጡ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እቲ እገዳ ኣጽዋር ክእለየሉ ብዙሕ ፈተነታት ኳ እንተካየደ ኣይተዓወተን።

እቲ ነዚ ጉዳይ ‘ዚ ብዝምልከት ኣቐዲሙ ጸብጻቡ ዘቕረበ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተኸታታሊ እገዳ ኣጽዋር ኤርትራን ሶማልያን ዝኾነ ጉጅለ፣ ብ ሓገዝ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበርን ወደብን ምስርሑ ይኹን፣ ህላወ  ናይ ወጻኢ ኣጽዋርን መሳለጥያታትን ኣብ ዓሰብን ከባቢኣን፣ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ኣጽዋር ዝጥሕስ ምዃኑ ኣቐዲም ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣገንዚቡ እዩ።

እተን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ክቕጽል ድምጸን ዝሃባ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን፣ ነቲ ምስ ግጭት የመን ተኣሳሲሩ ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰት ዕሽሽ ብምባል ነቲ ዘሕለፋኦ ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ከምዝጸንዕ ዘይምግባረን ነቲ ወሲደናኦ ዘለዋ ስጉምቲ ዘፍኵስ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Haile stupid Drue November 14, 2016

    ዋላ ን100ዐመት የናውሕዎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምኽኒያት የብሉን አጽዋር ዝገዝአሉ ዘጥቕዐሉ ምኽኒያት ስለ ዘይብሉ አየድልዮን ኢዩ ግን ወይ ወያነ ወይ አመሪካ ነዚ ተጠቂመን ሐደ ነገር ክገብራ እንተኮይነን ግን ህዝቢ ኤርትራ አብ ናይ፡ዶብ ኩናት እንታይ ከምዝገበረ ክፈልጣ አለወን

POST A COMMENT