Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቤተ-ክርስቲያን ጸግዒ ናይ ውጻዓትን ኡሱራትን ድኻታትና እያ።

ኣቀዲመ በኣቋጻጽራ ቤተ-ክርስቲያ ወይ ግእዛዊ ካላንደር፥ ኣብ ቅንያት ሓዱሽ ዓመትን በዓል ቅዱስ ዮሓንስን ንርከብ ከምህላውና መጠን ርሑስ በዓልን ቡሩኽ ዓመትን ይግበረልና ይብል። ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ግእዛዊ ካላንደር ብምውናን ከምኡ'ውን ነቲ እንኮ ኣፍሪቃዊ ግእዛዊ ፊደል ንኸይጠፍእ ዝገበረቶ

ኣቀዲመ በኣቋጻጽራ ቤተ-ክርስቲያ ወይ ግእዛዊ ካላንደር፥ ኣብ ቅንያት ሓዱሽ ዓመትን በዓል ቅዱስ ዮሓንስን ንርከብ ከምህላውና መጠን ርሑስ በዓልን ቡሩኽ ዓመትን ይግበረልና ይብል። ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ግእዛዊ ካላንደር ብምውናን ከምኡ’ውን ነቲ እንኮ ኣፍሪቃዊ ግእዛዊ ፊደል ንኸይጠፍእ ዝገበረቶ ኣበርክቶ ብደረጃ ኣፍሪቃ ክንሪኦ እንከለና ኩርዓትን ሓበንን ይስማዓና።

 ቤተ-ክርስቲያን ጸግዒ ናይ ውጻዓትን ኡሱራትን ድኻታትና እያ።

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መዓልቲ ሰማእትነቱ ክንዝክር እንከለና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ንዝግበር ዓመጽ ብትብዓት ናብ ንጉስ ቀሪቡ ክኹንኖ እንከሎ፥ እታ ክብርቲ ህይወቱ ድማ ብሰማእትነት ከም ዝሓለፈት ንዝክረሉ መዓልቲ እዩ። ከምዚ ድማ ይብል “ጎደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቅንዑ። “ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን” (ሉቃ 3፤ 4-5) እምባኣር ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ኮይና፥ ዓመጽ ዘበለ የብቅዕ፤ ቄናን ኣካይዳ ይወገድ ብምባል ነቲ ዓማጺ ስርዓት ናይ ሃገርና ብትብዓት ከም ዮሓንስ ደው ምባል ክንላማመድ መንፈሳዊ ትብዓት ይሃበና ይብል።  እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብል “ቅኑዕ ክትገብሩ፤ ሓቂ ኽትፈርዱ፤ እእዝዘኩም ኣለኹ። ነቲ ዝተዓመጸ ኻብቲ ዓማጺኡ ኣናግፍዎ (ኤር 22፤ 3)። ኣምላኽ ዝተዓመጸ ኣብ ማእከልና እንተሎ ክነናግፎ ይድሊ። ነዚ ዝተረደእት ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ፥  ነቶም ናጽነትን ሓርነትን ከምጽኡ ዝተሰለፉ ደቃ፥ ምትሕግጋዝን ከምኡ’ውን ኣብቲ ከቢድ እዋን ንህዝባ ጸሎትን ምጽንናዕን ክትገብር  ትግደድ ዝነበረት። ቤተ-ክርስቲያና ነዚ ኹሉ ኣበርክቶ ኣብ ደቃን ኣብ ሃገርን ክትገብር እንከላ፤ ብሓጎስ ዝተቀበልዎ ዓመጽቲ ስርዓት ሃገርና። ሎሚ ንህዝቢ ክዕምጽዎን ክኣስርዎን ኣደዳ ስደትን ሞትን ክገብርዎ ዝተዓዘበት ቤተ-ክርስቲያን ዓገብ ክትብሎም ምስ ጀመረት እዚ ስራሕ ፖለቲካ እዩ ብምባል፥ ነቲ ትማሊ ምስኦም ኮይና ዝሓለፈቶ ናይ መከራ እዋን ክኽሕድዋ ዝስምዑ ዝራኣዩን ዘለው። ነታ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ስለ ዝኣሰርዋ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ዓቅሚ ዘይብላ ዝበልዋ እንዳተኣዘዘት ከም ትኸይድ ጌይሮማ ይርከቡ ኣለው። ብኣንጻር ናይዚ እታ ኣብ ስደት ትርከብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ፤ ኣብቲ ሓቀኛ ቀኖናዊ መስመር እትርከብ፤ ንምእሳር ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዝገብርዎ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፤ ደው ንኸብልዎን ከምኡ’ውን ኣብ ጎኒ ድኻታት ኮይና ክተጻናንዕ ልሙድ ስርሓ ኾይኑ ይርከብ ኣሎ።

ንፍትሕን ንጥቁዓት ሓራ ምውጻእን ካብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝተማሃርናዮ ክኸውን እንከሎ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ’ውን ከምዚ ይብል “እቲ ኣነ ዝፈትዎ ኣገልግሎት ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን”? (ኢሳ 58፤ 6) ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያናን ሃገርናን ክሳዕ ዘይተራኣየ፥ ናይ ባርነት ኣርዑት ካብ ክሳድ  ህዝብና ክሳዕ ዘየተሰበረ ኣውያትና ዘቋረጽ ኣይኮነን። ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ከምቲ ብቃሎም ዝበልዎ ዓሰርተ-ሓደ ዓመትን መንፈቅን ኣብ ሓለዋ ጸኒሐ ዝበልዎ፥ ቡዙሓት ዜጋታትና ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተመቒሖም ይርከቡ ኣለው። ናብ ጉዳይ ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ምልስ እንተበልና ዘይውዳእ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይኑ ይቅጽል ኣሎ። ቡዙሓት በቲ ዝግበር ድራማታት ክታለሉ ይራኣዩ እዮም፥ ገሊኦም ካብ ማሕዮር ፈጺሞም ዝተለቀቁ ዝመስሎም ክህልው እንከለው፤ ገሊኣቶም ድማ ናብ መንበሮም ዝተመለሱ ኮይኑ ዝስመዖም ውሑዳት ኣይኮኑን፥ እቲ ሓቂ ግን ካብቲ ዝነበርዎ ማሓዮር ካልእ ገዛ ጥራይ እዮም ቀይሮም ዝርከቡ ዘለው። “ገበል ዝነበራ ስፍራስ፤ ተመን ነይሳኣና” ከምዝተበሃለ ንፓትርያሪክ እንጠንዮስ ካብቲ ዝነበርዎ ከምዘይ ሓይሽ እቲ ካብ ኣሥመራ ብመንገዲ ካህናትን ድያቆናትን ዝተላእከ ጽሑፍ ገሊጽዎ ኣሎ። እምባኣርከስ ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ናብ መንበሮም ክሳዕ ዘይተመለሱ፥ እቶም ሰብ ፖለቲካ ኢዶም ካብ ቤተ-ክርስቲያን ክሳዕ ዘየውጽኡ፤ በዓቢኡ ድማ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ክሳዕ ዘይነገሰ በቲ ዝገብርዎ ኩሉ ናይ ዓቅሊ ጽበት ክንዛነ ኣይግባኣናን እዩ።

ቤተ-ክርስቲያን ብዓመጽቲ ሰበ ስልጣንን ኣገልገልትን እንተዘይ ታኣሲራን ተዓሚጻን፤ ድምጺ ድኻታት ኮይና ደወል ክትሃርም፤ እቲ ቀንዲ መለኮታዊ ተልእኾኣ ነበረ። ጎይታና ኢየሱስ ነቶም ኣብትሕቲ ግዝኣት ኣርዑት ባርነት ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ናይ ሓርነት መልእኽቲ ብሥራት ከም ዝሰበኸሎም ነንብብ ኢና፥ “ንድኻታት ከበሥሮም ስለ ዝቀባኣኒ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፥ ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ (ሉቃ 4፤ 18፥ ኢሳ 61፤ 1)። ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኹል ርድኢትን ብቅዓትን ምስ ዝህልወና፥ ኣብ ምውጻእ ሓርነት ንህዝቢ ኣምላኽ ምስ ፖለቲከኛ ዘቁጽር ዘይኮነስ ሓላፍነትናን ጉቡእናን ምዃኑ ካብቲ ስራሕን ምህሮን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክርዳኣና ይኽእል እዩ።

ከምኡ’ውን ካብቶም ናይ 21 ክፍለ ዘመን ሊቃውንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ብምውሳድ ነቲ “ድኻታት” ዝብል ሓሳብ ምስ ህሉው ኩነታት ናይ ሃገርና ብምትሕሓዝ ክገልጾ ክፍትን እየ። ነቲ ድኻታት ዝብል ኣብ ሰለስተ ከፊልና ክንሪኦ ምፈተኹ፥ እቲ ቀዳማይ ድኻታት ዝብል ከምቲ ኩላትና ንፈልጦን ዝርዳኣናን ድኽነት ናይ ትሕዝቶ፥ ሕጽረት ናይ ቀረብ ዝብላዕን ዝኽደንን ናይ ናብራ ቅልውላው ክኸውን እንከሎ። እቲ ኻላኣይ ክንሪኦ ዝደለኹ ድማ መንፈሳዊ ድኽነት ይባሃል፤ ናይ ኣማላኻኽታን ኣታሓሳስባን ድማ እዩ። ፍቅድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ እንተዘይ ፈሊጥናዮን መርሚርናዮን፥ መራሕቲ ዘበሉ ኩሎም ካብ ኣምላኽ እዮም እንዳተባሃለ ከም በዓል ሂትለር፤ ፈርኦን፤ ከምኡ’ውን ነዚ ዘሎ ስርዓት ናይ ዓድና ተቀቢልናዮምን ሓቒፍናዮምን ክንከይድ ንግደድ ኢና፥ ካብዚ ዝዓቢ መንፈሳዊ ድኽነትን ውድቀትን ድማ ኣሎ ክባሃል ኣይካኣልን እዩ። ምኽንያቱ ጸላኢኻ ካብዘይ ምፍላጥ ዝተላዓለ ንባርነት ከም እተፈጠርካ፤ ከምዚ ሎሚ ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሰይጣናውያን መራሕቲ፤ ፍትሒ፤ ሕጊ፤ ሓርነት፤ ሰላም ዘይፈልጡ ኣብ ትሕቲ ኣሬሜናውያን ክትነብር ይገብረካ።  እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክሪኦ ዝደለኹ፥ ድኽነት ኣብ ሓድነት ወይ ኣብ ጥርናፈ ህዝቢ እዩ፥ ኣንጻር ዓመጽቲ ንምቅላስ ዓቅሚ ክሓጽረካ እንኮሎ ምስ ድኽነት እዩ ዝቁጸር። ምኽንያቱ እቶም ዓመጽቲ መራሕቲ፤ ስልጣንን፥ ቁጠባን፥ ናይ ሓንቲ ሃገር ስለ ዝቃጻጸርዎ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ከቢድ ድኽነት ይወድቅ። ናይዚ ውጽኢት ድማ ከምዚ ሎሚ ኣብና ንዕዘቦ ዘለና፤ ምፍልላይ ኣብ ቤት-ኣምላኽ፤ ኣብ ማሕበረኮም፤ ኣብ ሰብ ሓዳር፤ ከምኡ’ውን ኣብ ቤተሰብን መታዓቢትን ክፍጠር ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ዝረእ ዘሎ። ቤተ-ክርስቲያን ጸግዒ ድኻታትን ጥቁዓትን ክትከውን ኣልዋ ዘበለኒ ምኽንያት፤ ነዚ ኹሉ ውድቀት ናይ ሃገርናን ቤተ-ክርስትያናን እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብትብዓትን ብልቦናን ክንዓይ እምብር ብሰንኪ ፍርሒ ኣመኻኒና ኢድና ኣጣሚርና ክንርእን ክንዕዘብን ኣይግባኣናን እዩ።

ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ማእከል ናይ ሕብረተሰብና ኮይና ንህዝባ ኣገልግሎት እንዳሃበት ንዘመናት ከምዝመጸት ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ሎሚ ግን መጻወቲ ዓመጽቲ ስርዓት ኮይና ትርከብ ኣላ። ብትሕዝቶ ድኻታት ዝኾኑ ደቃ ዝርከብሉ ስፍራ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ ግዜ ጸበባ ድማ ህዝቢ ናብ ኣምላኽ ክምህላልን ምጽንናዕ ክረክብን ኣብ ቀጽራ ይእከብ ነበረ። እታ ማእከል ናይ ሕብረተሰብና ዝነበረት ቤተ-ኣምላኽ ስለ ዘፍረስዋ፤ ደቃ እንዳ ባደሙ፤ ወለዲ እንዳ ተከዙ፥ ፓትርያሪክ እንዳተኣሰሩ፤ ሃገር ናብ ምጽናት ገጻ እንዳኸደት ከምቲ ኩሉ ኣብ ሃገርና ማእሰርቲ ዘርከበሉ ቤተ-ክርስቲያን’ውን ድምጻ ስለ ዝተኣሰረት ህዝባ ከም ደቂ ዛግራ ተበቲኑ እንዳ ጠፈእ፤ ነቲ ሰይጣናዊ ተግባራቶም ዓገብ ዝብሎምን ዝቃወሞምን ኣካል ኣይተረኸበን። ናይዚ ኹሉ ዕንወትን ጥፍኣትን ዓላዊ ስርዓት ኣሥመራ ክኸውን እንከሎ፥ ንሕና’ውን እንተኾነ ከም ህዝቢ፥ ዝናኣድ ተግባር ኣሎና ከብል ዘኽእል ትብዓት ዘሎና ህዝቢ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሃገርና ናብ ማዓሙቕ ጸልማት እንዳ ኣተወት፤ ማዓንጣ ዘይቆጸሩ ዕሸላት እንዳ ጠፍኡ፤ ወላዲት ወላድ መኻን እንዳተቐየረት ግዜና ኣብ ደገፍትን ተቓወምትን ክንሕልፎ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝሕፍር ታሪኽ ኮይኑ ክርከብ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሒዝና ዘሎ ጨካን ኣሬሜናዊ ዝኾነ ስርዓት፤ ፈታዊ ዝባሃል ዘይብሉ፥ ፈተውቱን ጸላእቱን ኣንዳ ተባሃሃልና ክንፋላለ፤ ነቲ ንጥፍኣትና ዝምነ ሰይጣናዊ ስርዓት ሓገዝቱ ኴንካ ምርካብ እዩ። ፍትወት ናይ ስልጣን እምበር፤ ፈታዊ ዝባሃል ዘይብሉ ምኻኑ ብግብሪ ን26 ዓመታት ዝኣክል ኣርአዩና ኣሎ። ኩሉ እቲ ሰይጣናዊ ስራሕ ዝገብሮ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ገይርዎ ይርከብ። እንተ ኣሰረ፤ እንተ ቀተለ፤ ገዛውቲ እንተ ኣዕነወ ንኹሉ ብኣልማማ እምበር፤ ናይ ፈተውተይ ኢሉ ዝናሓፎ፤ ፈታዊ ዘይብሉ ምኻኑ ካብዚ ንላዕሊ መራጋገጺ ኣየድልዮን እዮ። ደቂ ሓንቲ ሃገር ክንስና ገሌና ንደገ ንነብዕ ገሌና ድማ ከምቲ “ሞት ሑጹይ ኮይንኒ ዓው ኢልካ ዘይብከ” ዝተባሃለ ኣብ ትሕቲ መተርኣስ ኣቲና ንውሽጢ ዝርንዛሕ ንብዓት ንነብዕ ውሑዳት ኣይኮናን። ንዝሓለፍናዮ ድኻማት ገዲፍና፤ ጸላኢና ኣለሊና ንሃገርን ንትውልድን ብምሕሳብ ብሓደ መንፈስ ክንትንስእ እዋናውን ግዝያውን ኮይኑ ይግድደና ኣሎ።

ብፍላይ ድማ እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ህዝብና ኣብ ከምዚ ዓይነት መከራ ወዲቁ ምትንሳእ ስኢኑ እንዳ ራኣናዮ፤ ብስቅታ ክንሓልፎ ብኣምላኽ ዓይኒ ይኹን ብሕልና’ውን እንተኾነ ተቀባልነት የብሉን።  ነህምያ እቲ ነብይ፤ ዕንወት ኢየሩሳሌም ምስ ሰመዐ  ንምህናጽ ኢዮርሳሌም ተበገሰ ይብል፤ እቶም ዘይተዓደሉ ራኢ ዘይብሎም ሰባት ድማ ከላግጽሉ ከምዝጀመሩ ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተጻሒፉ ንረኽቦ ኢና። ከምዚ ድማ ይብል “ሽዑ ኣነ ኸምዚ ኢለ መለስኩሎም፡ ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዐዪ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ኢዮርሳሌም ክፍልን ግቡእን መዘከርታን የብልኩምን በልክዎም”  ይብል (ነህ 2፤ 20)። ጽባሕ ንግሆ ኣብታ መጻኢት ኤርትራ ግደን ስፍራን ዘይብልና ኮይና ንኸይንርከብ፤ ሎሚ ኣበርቲዕና ክንቃለስን ክንሰርሕን መንፈሳዊ ምሕጽንታይ የቅርብ።

ኣምላኽ ንሃገርናን ንቤተ-ክርስቲያናን ሰላሙ ይሃብ!!!

Minister of religion Revd Yohannes Ghebrehiwet

Medhani-Alem Church Manchester.

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ATSBAHA September 4, 2017

    Well done Revd Yohannes. very interesting and important article. I know you are deeply understanding in scripture. Bless you.

  • k.tewolde September 5, 2017

    The voices of sanity are talking,it is not too late to turn around and make things right,we are all in this together.Like one notable American scholar said,’we are riding the same train,some couch,some economy,some riding in the first class,if the train goes down we all go down.’ The lunatic ,deranged,and intoxicated conductor is steering us to Armageddon,it is time to storm the cabin and take control before it is too late.Thank you much Rev.Yohannes.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply