Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ቀራና መንገዲ – ኦርቶዶክሳውያን ካብ ማእከል ኣስመራ።

ስርዓት ህግደፍ ንቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ካብ ዘእትዋ ንደሓር፥ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ሰላም ክርከብ ኣይተኻእለን። ብፍላይ ንፓትርያርክ ተዋህዶ ቅዱስ ኣንቶንዮስ ብሓይሊ ካብ ስልጣኖም ኣልዩ፥ ናተይ ኣገልጋሊ እዮም ዝበሎም ኣባ ድዮስቆሮስ ካብ ዝሸይም

ስርዓት ህግደፍ ንቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ካብ ዘእትዋ ንደሓር፥ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ሰላም ክርከብ ኣይተኻእለን።

ብፍላይ ንፓትርያርክ ተዋህዶ ቅዱስ ኣንቶንዮስ ብሓይሊ ካብ ስልጣኖም ኣልዩ፥ ናተይ ኣገልጋሊ እዮም ዝበሎም ኣባ ድዮስቆሮስ ካብ ዝሸይም ንደሓር፥ እታ ቤተ ክርስትያንን ህዝባን ኣብ ክልተ እዩ ተመቒሉ፥ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ፥ ኣማራጺ ስለ ዝሰኣነ ተዓሚቱ ይስዕብ። እቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ክኣ፥ ኣዝዮም ውሑዳት ኣጫፈርቲ ነቲ ዝበዝሕ ሱቕታ ዝመረጸ ብምፍርራህ፥ ገዛኻ ክውረስ እዩ፥ ሞትካ ኣይትቕበርን ኢኻ፥ ወዘተ ዝብሉ መፈራራህቲ ቃላት ብምጥቃም ወይ ኣብቲ ህግደፍ ዝውንኖ ቤተ ክርስትያን ክስዕቡ፥ ወይ ድማ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ከም ዝብል ገይሮሞ። ብቑጽሪ ኣዝዮም ብዙሓት መንእሰያት ግን ነታ ቤተ ክርስትያን ሓዲጎማ ይጠፍኡ ኣለዉ። ብዙሓት ድማ ቤተ ክርስትይንና ኣይንሓድግ፥ ኣቦና ኣይንኽሕድ ዝብል ተሪር መትከል መሪጾም፥ ኩሉ ኣደራዕን መከራን ተጻዊሮም ብትብዓት ደው ኢሎም ኣለኡ።

ገዳማት ኤርትራ ኣብ 2014 ነቶም ንዓመታት ምሉእ ነታ ቤተ ክርስትያን ረሚሶማ ዝጸንሑ፥ ዮፍታሄን ቀሺ ሃብቶምን፥ ብዘይኣፍልጦ ስርዓት ህግደፍ ብትብዓት ካብ ስልጣን ክወርዱ ምስ ወገዝዎም፥ እቲ ስርዓት ካልእ ናዕቢ ከይፍጠር ሸበድበድ ኢሉ፥ መተካእታ ይኾኑ እዮም ዝበሎም ሓሙሽተ ሃሱሳት ተኪኡ ክሰርሕ ጸኒሑ። ብፍላይ እቶም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ቤተ ክርስትያን ምሉእ ናይ ምምሕዳር ተዋህዶ ሃይማኖት ምክትል ሓላፊ ግርማይ ዘርኣይ፥ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ምሉእ ስልጣን ምክትል ጸሓፊ ካሕሳይ ግርማይ ዝበሃሉ፥ ብሕቡእ ምስ ክልተ ጳጳሳት ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን፥ ዝበሃሉ ብምእማን ኣብታ ቤተክርስትያን ከቢድ ዕንወት ክፍጽሙ ጸኒሖም እዮም። ቤተክርስትያን ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝኸፍአ ዕንወት ትኸይድ ምህላዋ ዝተሰምዖም  ሰለስተ ካብቶም ዝለዓለ መዓርግ ድሕሪ  ፓትርያርክ ዘለዎም ሊቃነ ጳጳሳት ብፖፕ ሽኖዳ ዝተቐብኡ፥ ክልተ ድማ ተራ ጳጳሳት ብፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተቐብኡ፥ ነቶም ዝለዓለ ሓላፍነት ቤተክርስትያን ብሒቶም ዝጸንሑ ዕሉላት ዕስቡት ብውግዘት ካብታ ቤተክርስትያን ከም ዝርሕቁ ገይሮም። ረዚን ጽሑፍ ተበተነ። እዚ ንህግደፍ ዘርዓደ ብኽታም ሓሙሽተ ኣቡናት ናብ ምሉእ ቁምስናታት ተዋህዶን ፋሕ በለ። ብቕዳሕ ከኣ ናብ ሓላፊ ጸጥታ ህግደፍ ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ተላእከ። በዚ ዘይሓሰቦ ዝተሰናበደ ህግደፍ ንኣቡናት ህጹጽ ኣኼባ ጸውዐ። ረቡዕ 16 ታሕሳስ፣ 2015 ብርጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፥ ንኣቡናት ኣኪቡ ፈኸራን ምጉብዕባዕን ዝተሓወሶ መደረ ኣስሚዑ። እቲ ጀነራል ኣብ መደረኡ፥ ቅድም እቶም ገዳማት ንኣምባሳደር ይፍታሕ ግዝት ደብዳቤ ክጽሕፉሉ ከለዉ ኢድኩም ነይሩ እዩ። ንሕና ዘይንፈልጦ ኣይኮነን። ሕጂ ከኣ ንሕና ዘይፈለጥናዮን ከይሓበርኩምናን ህዝቢ ንምንዓብ ዳግማይ ጽሒፍኩም በቲንኩሞ። እዚ ኩሉ ትገብርዎ ዘሎኹም ከኣ ናበይ ክትበጽሑ ከም ዘደለኹም ሓንቲ ብሓንቲ ፈሊጥናዮ ኢና።  ብዝኾነ  ሕጂ ገርክሞ ዘሎኹም ናይ መወዳእታ ኮይኑ፥ ካብ ሎሚ ንደሓር፥ ብዝኾነ ንሕና ከይፈለጥናዮ ከይወሰንናዮን ዝኾነ ጽሑፍ እንተ ጽሒፍኩም፥ ወይ ውን ካብ ክልተ ንላዕሊ ኮንኩም እንተ ተኣኪብኩም ተሓተቲ ኢኹም። ብተለፎን ይኹን ብካልእ እትገብርዎ ርክባት’ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና ምዃኑ ፍለጡ። ካብዛ ሎሚ ጀሚርኩም ነናብ ቁምስናኩም ትኸዱ። ቅያር ናይዞም ገዚትኩም ሰጉግክሞም ዘሎኹም ቀስ ኢልና ክንሕብረኩም ኢና። ክብል ሰጎጎም

ኣብ ከምዚ ምፍጣት እንከለዉ እቶም ብሕርያ ህግደፍ መሳርሒ ክኾኑ ዝተመርጹ ናይ ስም ፓትርያርክ ኣባ ድዮስቆሮስ ድሕሪ 5 መዓልቲ ዓሪፎም ተባህለ። ጳጳሳት ካብ ዘዝተሓየሩሉ ሃገረ ስብከቶም ናብ ኣስመራ ዳግማይ ተመልሱ። ድሕሪ ቀብሪ  ቆንጮ ስርዓት ህግደፍ ፍሉይ ኣኼባ ብምግባር፥ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝካየድ ዘሎ ሕሹኽሹኽን ውሽጣዊሽጢ ውዳበን ንፈልጦ ኣሎና። ጉዳይ ፓትርያርክ ምምራጽ ጉዳይ ሃገር ስለ ዝኾነ ንኣና ይምልከት፥ ክሳብ ልደት ባዕላትና ንጽውዓኩም፥ ብቀጥታ ነናብ ሃገረ ስብከቶም ትምለሱ፥ ክሳብ ሽዑ  ዝኾነ ናይ ተለፎን ይኹን ናይ ቃል ምርኻብ ከይትገብሩ፥ ዝኾነ ጽሑፍ ናብ ህዝቢ ከይትዝርግሑ፥ ተባሂሎም ቀጢን ትእዛዝ ተዋሂብዎም ተመሊሶም ኣለዉ።

እዞም ክልተ ብውግዘት ተባሪሮም ዘለዉ፥ ግርማይ ምክትል ኣባ ባስልዮስ፥ ካሕሳይ ምክትል ኣባ ሉቃስ ዝብል ስም ይሃልዎም እምበር፥ እዞም  ኣቡናት ንስሙ ዝተቐመጡ እዮም። ኩሉ ስራሕ ዝስራሕ በዞም ህግደፍ ዘቐመጦም ሃሱሳት እዩ ነይሩ። ስለዚ ሕጂ እዞም ሃሱሳት ተኣልዮም እንከለዉ፥ እዞም ክልተ ኣቡናት ሕጂ’ውን ገና ጅሆ ተታሒዞም እዮም ዘለዉ። ህግደፍ ንጳጳሳት ብክልተ ወገን ገይሩ የዋግኦም ኣሎ። መን ይጋገ ኣሎ ከይመዓዓዱ ድማ ኣብ ውሽጦም ሓዊ የሳውረሎም ኣሎ።

ህግደፍ ረብሕኡ ካብ ምብትታን ህዝብን ሃገርን ስለ ዝኾነ፥ ሓድነት ህዝብን ሓድነት ጳጳሳት ክፈጥር፥ ዕርቂ ከምጽእ ንቅዱስ ኣንቶንዮስ ክመልሶም ኢልካ ምሕሳብ ካብ ካብ ደርሆ ጸባ ምሕላብ እዩ። ህግደፍ ካልእ ናቱ መጋበርያ ዝበሎም ጳጳስ ምስ ዝሸይም ግን ተዋህዶ ሃይማኖት ዝኸፍአ ምምቕቓልን ሓደጋን ኣብ ቅድሜኣ ተገቲሩ ምህላዉ ክሰሓት ዘይብሉ እዩ።

ንሕና ኣብዚ ኩሉ ሽግር ኣብ ረመጽ ደው ኢልና እዚ ኩሉ ቃልሲ እናተቓለስና፥ ኣቶም ኣብ ወጻኢ ዘሎኹም፥ ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና ኢልኩም ዕንወት እዛ ቤተክርስትያን ዘይረኣየኩም ሰብ ግዝያዊ ረብሓን ስልጣንን ካህናትን ዲያቆናትን፥ ሕጂከ እንታይ ኢልኩም ኢኹም ነቲ ህዝቢ ከተታልልዎ? ምስቶም ደለይቲ ሓቂን ፍትሕን ኮንኩም ዓገብ እትቡሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ዘይጋገ ዘይኮነስ ዘይምለስ እዩ ኣብዲ። ተመለሱ ምእንቲ ሓድነት ቤተክርስትያንኩምን ህዝብኹምን ተንስኡ፥ ዓገብ በሉ።

ሰላም ንህያብ ስውኣት ዝኾነት ሃገርና

ሰላም ንቤተክርስትያን ተዋህዶ።

ኦርቶዶክሳውያን ካብ ማእከል ኣስመራ።

Orthodox_1_1 Orthodox_1 Orthodox_3 Orthodox_4

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • semere 2 January 1, 2016

    Brother Tesfit, allow me to make some adjustments to your comments.
    1. “ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብሮማ እያ ትምወል ልክዕ ከም ኩለን ካቶሊካውያን ቤተክርስትያናት ዓለም ማለትዩ”. It is Individual donors and organizations that help Catholic Institutions all over the world, not the Vatican. Sometimes it can be channeled through the Vatican Financial departments but not the Vatican state, as such. Catholic worldwide make annual collections for specific purposes: Holy Land, Formation of priests and religious, missionary work, etc. All these collections are channeled through the Vatican. For example, for the renovation of Asmara Kidane Mehret, all Catholics in Diaspora are making donations and send it without passing through the Vatican.
    2. “ብኣንጻሩ፣ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ካብ ወጻኢ ሃገር ትረኽቦ ሓገዝ ስለዘየለ፣ ህግደፍዩ ዝበዝሐ ወጻኢታታ ዝሽፍኖ፣ ካብ ህዝቢ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝዋጻአ ምጽወታታት እኹል ስለዘይኮነ” . There are many orthodox faithful in Diaspora who are funding and sending money for Orthodox institutions inside Eritrean. I really don’t know how much HGDEF is helping the Orthodox Church. The real problems is funds for the Orthodox Church are channeled through HGDEF embassies. How much reaches the real beneficiaries is another issue. The Orthodox Church should manage its own funds and there is no need why HGDEF should do it.
    The Orthodox Bishops can appoint their own administrators and no need of HGDEF and their goons. It is another way of stealing public money. I admire all the Orthodox and Catholic faithful in Diaspora who are supporting their Churches at home. The challenge is to channel them through proper organs without the interference of political entities.

  • k.tewolde January 1, 2016

    I am tewahdo by birth. I grew up ab enda mariam,I went to school in the church grounds,i studied geez verses there , my teacher was abatachin, but I don’t give a rat about what is going on with that church. It is irrelevant to me, I worry about my downtrodden people who are suffering everyday.How come this doesn’t happen ab Mesgid? I don’t need an answer.

    • m January 3, 2016

      Tewelde,
      I understand your frustration with that church, however, the main problem is not the church now days, it is the involvement of the regime that spoiled or corrupted everything due to the weakness of its members or adherents.

      If you were true Tewahdo, before, what are you now- a Satan, hindu, or sun worshipper.
      The regime is unable to penetrate mesjids, due to the strength and unity of the followers and or members.
      Don’t run a way – confront the Satan from outside and within you, before becoming a a 100% Pagan or some kind of Hindu who believes and bows on Ahbay MayDima.
      Good luck on your journey

  • Kigoso January 1, 2016

    እቶም ምስ ብዓል ቀሺ ገብረሚካኤልን ቐሺ ገብረመድሂን ዝሰርሑ ንበተክርስቲያን መናፍቃን እና ኣእተዉ ዝሕሙሱ እሞ ስጎጉዎም ሽዑ ኣብ ደጌ ዘለና ሕቶቱና። ኣቦታትና ድማ ንዝተጋገዩን ካብ ስርዓት ቤተክርስቲያን ዝወጹ ብኸምዚ ብምግላፎም ሰናይ እዩ። እግዚኣብሔር ይሓግዞም።

    • Sam January 2, 2016

      I think you are living in diaspora and still fail to think the basic rights of people. Do you really understand what freedom of religion is. You may have some differencis, or the people you are talking about might have different ideas or doctrines, and this difference can only solved by the father who knows the doctrines of the denomination orthodox not higdef or you.It belongs to them. Second even if the church don’t agree or don’t want the people you mantion thay can leave and worship their belives and exercise their rights peacefully, but because you and you uneducated leaders put they put them in prisons. I wonder why we fought with dergi if it wasn’t for ” freedom , liberation and independence”.

  • GOitom January 2, 2016

    I would like to highlight these basic points: To kill a people you divide their organised institutions; kill their customs, religion, language, etc
    All of the above and few others make or break the identity of a people. Eritreans are nothing without the values what makes them Ertreans and the land Eritrea is nothing without its respected people.
    I recommend the believers in diaspora to free themselves and help those inside and demand to reinstate abundant Antonious as a sign of unity.

  • ትዕዝብቲ January 2, 2016

    እስከ ኣማኒ ህዝቢ ምልስ ኢልና ነኣተውዕል ንቤተ ክርስቲያን ስርዓት ክሕድሱ ዓመታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተቀሚጦም ኑፋቄ ከተኣታትዉ ዝጸንሑ ዶክተራት ክውገዙ ዝግብኦም ሕጂ እንታይ ካብኡ ዝዓቢ ተረኪቡ እዩ ናብ ውግዘት ዘቀዳድም ንምኻኑ ናይ ሃይማኖት ክህደት ዶ ይዓቢ ወይሲ ናይ ምሕደራ ጌጋ ኣቦታትና ኣምበርከ ውግዘት እንታይ ድዩ። ቀዳሞት ኣቦታትና ንበዓል ኣርዮስ ዘውግውዙኮ ነክህደቱ ብመጽሓፍ ረቲዖም ኣዮም ኣምበር ካብ ውልቃዊ ጽልኢ ተላዒሎም ኣይነበረን ኣብዚ ቃል ውግዘት ክበርሁ ዘለዎ ነገራት ኣለዉ
    1፥ ህዝብን ውሉደ ክህነት ኣላዒሉ ዝተባሃለ ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት መናፍቃን ንቤተ ክርስቲያን ከም ርስቲ ሒዞማ ህዝቢ ከእዊ ክነብዕ ደኣ ንምንታይ ቃል ዘይተዛረብኩም ንሓቂ ኣየናይ ይዓቢ ህዝበ ክርስቲያን
    2፥ ብሉጻት ኣገልገልቲ ተብቲኖም ዝተባሃሉ በዓል መንዮም ብከመይ ብሉጻት ተባሂሎም ሓደ ኣገልጋሊ ብሉጽነቱ ዝዕቀን ብጽንዓት እምነቱን ቅንዕነቱን እምበር ናይ ሓደ ደጋፊን ተኣዛዝን ብምኻኑ ኣይኮነን
    3። ምእመናን ኣብ ልዕሌና ግጉይ ኣመለካክታ ክህልወና ጌሮም ዝተባሃለ ንጹር ኣይኮነን ብመሰረቱ መራሕቲ ህዝቢ ንስኻትኩም ኢኹም ህዝቢ ንዓካትኩም ኣዩ ዝሰምዕ ንዓኻትኩም ይርኢ ቅድሚ ህዝቢ ዘለኩም ንስካትኩም ኢኩም እሞ ብከመይ ካባካትሉም ሓሊፎም ነዚ ይገብሩ። ጽቡቅ ስም ንምርካብ ጽቡቅ ምግባር እምበር ሰባት ካብ ቤተ ክርስቲያን ብምፍላይ ዝመጽእ ኣይኮነን
    4። እቲ ተጣሒሱ ዝተባሃለ ቃል ኣዋዲ ክጥቀስ መተገበኣ እንተኮነ ክንደይ ካልእ ዘይተጣሕሰ
    ብሓፈሻ እዘን ዝቀረባ ነጥብታት ንውግዘት ዘብቅዕ ኣይኮናን ካልእ ኣንተልዩ ክንጽበ ኣይኮነን ግና ኣቦታትና ጳጳሳት ናይቶም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኮይኖም ንቤተ ክርስቲያን ዝህውኩ ዘለዉ ተሃድሶ ሃይማኖት መሳርሒ ክፕይኖም ኣለዉ። ኣቲ ሓቂ ምውጽኡ ኣይተርፍን ኣዩ ክሳብ ሽዑ ግና እቲ ሓሶት ሓቂ ክመስል እዩ

  • gansheraanbetha January 3, 2016

    ኣገዳሲ መእክቲ ን ኩሉ ተከታሊ ሓይማኖት ተዋህዾ
    ሞባእ ናብ ካዝና መንግስቲ ስለዛኣቱ(ዓመታት)ኣቁጺሩ ስለዘሎኦ ኩሉ መእመናን ተከታሊ ተዋህዶ ሃይማኖት ሞባኣእ ካብ መውዳኣቅ ክቁጠብ እዘካክር። ክሕግዝ ዝደሊ እንተሃለወ ከኣ ን ኣበነብሱን ካልኦት መራህቲ ሃይማኖት ቆራሪጹ ይሃብ።ክላኣይ ን ድካታት ኣበአየ ገዛውቱ ዝዘለዉ ይይርዳእ። ሞባእ መውዳቅ ግን ጁባ መንግስትን ሰልፊ ህግደፍ ከም ምህጣር ኢዩ።
    ኢዚ ሓበሬታ ኢዚ ኣቀዲመ ን ኣዳላዊ ኣሰና እኳ ሓቢሬዮ እንተነበርኩ ፋዕራ ኣይገበረሉን ።ተከታሊ ተዋህዶ ዝይክከወን ይክእል

    • Tsega January 4, 2016

      Don’t underminde our religion. We know those “Tehadso Tewahdo Orthodox” what they are doing. We are not a child minde, we are mutured and adult. For our Church if we have, will pay upto milion and our Life.

  • Simon G. January 4, 2016

    If the USA tewahdo church (this doesn’t include to those churches who support the imprisoned Pope) is the sample of the whole Eritrean Tewahdo, I would be ashamed to be part of it. Luckliy, I am not a member of it. I am an independent Tewahdo. Can you blame me?

  • Tewahdo January 5, 2016

    But why does Amanuel and his followers decided to symptise with this 5 papasat, who we knw have a hand on the prosecution of Abune Entonyos instead of supporting this jeganu 5 deacons Abune Lukas & Abune Pasilyos who faced and sacked yiftahe and his followers.

    If u are someone follows the church closely, after meeting with wedi kasa 3 of those papasat have withdrawn and asked forgiveness, Abune kierlos, Yohannes are given time to think about it until Lidet,,,,,,,,,,,,,, sooooo again I don’t understand why Amanuel and his follow are against this Deacons and specifically on Abune Lukas.

  • Lidya January 5, 2016

    በዚ’ውን ኣይናምንን ኢና ንእግዚአብሔር ትሕት ዝበለ ልቢ ኢዩ ዘስምር፡፡ ጸለመ ግን ሕይወት ኣይህብን።

POST A COMMENT