Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቤት ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ ብሰላሕታ ትዓኑ’ላ::

ትምህርቲ ንሂወትን መጻእን ህዝቢ ንምቕያር ክግበር ዝግበኦ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ወፍርታት’ዩ:: ብዘይ እተወሃሃደ ስርዓተ- ትምህርቲ መሰረታዊ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ክምዝገብ ኣይክእልን’ዩ:: በዚ መንጽር ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሃገር የንቆልቁል ኣሎ:: ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ብስነፍልጠትን ተክኖሎጂን

ትምህርቲ ንሂወትን መጻእን ህዝቢ ንምቕያር ክግበር ዝግበኦ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ወፍርታት’ዩ:: ብዘይ እተወሃሃደ ስርዓተ- ትምህርቲ መሰረታዊ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ክምዝገብ ኣይክእልን’ዩ:: በዚ መንጽር ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሃገር የንቆልቁል ኣሎ:: ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ብስነፍልጠትን ተክኖሎጂን ክትስጉም ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ::

መብዛሕትኦም እቶም ብሉጻት ተመሃሮ ኣብ ትሑት ደረጃ ኮለጃት ክመሃሩ ስለዘይደልዩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ ይምዝገቡ:: ኣብ ፈለማ እዚ ቤት ትምህርቲ ሕክምና: ምስ ዩኒቨርሲታት ኩባን ጆርጅ ዋሺንግተንን ዝሓሸ ምትእስሳር ነበሮ:: ብመንገዲ እዘን ዩኒቨርሲታት ድማ ዝሓሸ ደረጃ ኣካዳሚ ክሰንቕ ጀሚሩ:: እቲ ተመሃሮ ኣብ መዳይ ሕክምና ዘመዝገብዎ ውጽኢት ድማ ብክኢላታት ዓባይ ብሪጣንያ: ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ: ካልኦት ሃገራት ማእከላይምብራቕን ኣፍሪቃን ይምስከረሉ ነበረ::

ሃንደስ’ቲ እዚ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዶክተር ሃይለ መዝገበን: እቲ ኣብ ምልካዊ ስርዓት ምሕደራ ፍሉጥ ዲፕሎማት ዝነበረ ነፍስ ሄር ሚኒስተር ሳልሕ መኪን ኢዮም:: ዶክተር ሃይለ መዝገበ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተጎናዲቡ’ዩ::

እዚ ተስፋ ዝነበሮ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ናብ ስነ-ኣእምሮኣዊ መድሃሊ ተቐይሩ::እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ንሸውዓተ ዓመት ጊዚኦም ዝወፈዩ ብሉጻት ተመሃሮ ወጥሪ ፈጢሩ::

እዞም ዝስዕቡ 10 ነጥብታት ምልክታት ሰላሕታዊ ዕንወት ቤት. ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታ እዮም::

  1. እቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣህጉራውያን ዩኒቨርሲቲ ኩባ: ኣሜሪካን: ኤውሮጳን ዝነበሮ ስርዓተ-መርበብ ርክብ ብምብታኹ ክብሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ተማሕዩ::
  2. ንናጽነት ኣካዳሚን ኣወንታዊ ተሳትፎ ተመሃሮን ዝሕምትል መጠኑ ዝሓለፎ ምሕዳረ ምልኪ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተጻዒኑ::
  3. ተመሃሮ ምስ’ቶም ተመሳሳሊ ትምህርቲ ዝከታተሉ መዛኑኦም ኣህጉራውያን ተመሃሮ ተሞክሮታቶም ዝለዋወጥሉ ባይታ ተነፊግዎም::
  4. ብቑዕ ትምህርታዊ ንዋት: ቤተ- ምርመራን(laboratory): ኣገልግሎት ኢንተርነትን የልቦን::
  5. ደቂ ኣንስትዮ ንባህላዊን ተፈጥሮኣዊ ጸገማተንን ፈንጢሰን ዝበዝሕ ጊዚአን ኣብ ትምህርቲ ወፍየን ዘመዝገብኦ ዓወት ብሰንኪ’ቲ ግጉይ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ይጎናደባ ኣለዋ::
  6. ኣብ መዳያት ጥዕና ዘዕግብ ኣበርክቶ ንክህቡ ሃንቀውታ ዝነበሮም ተመሃሮ እቲ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ ብመደብ ይብሕጉጎ ኣሎ::
  7. ዘይተወደነ መደብ ፈተና ተኣታትዩ ንህንጡይነት: ድልውነትን ብልጫታትን ተመሃሮ ሃስይዎ::
  8. ተመሃሮ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመት ዘይተቖጠበ ጻዕሪ ገይሮም ከብቅዑ: ብመማህራንን ምምሕዳርን ቤት ትምህርቲ ቀጻሊ ምድሃልን ምፍርራህን እንተላይ ክሳብ ምብራር ካብ ቤት ትምህርቲ ዝበጽሕ ታህዲድ ይወርዶም::
  9. ምስ ብቕዓት: ኩነታትን ክብርታትን ዘየሳኒ ዘይስሩዕ ለውጢ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ::
  10. መብዛሕትኦም መማህራን ኣደብ ዘይብሎምን ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ሓልዮት ዘየርእዩን ኢዮም:: በዚ ድማ ትምህርቶም ናይ ዘቃርጹ ተመሃሮ ብዝሒ ወሲኹ: ብቕዓት ተመሃሮ ላህዚዙ ወይ ኣንቆልቁሉ::

ኩሎም በዚ ዝግደሱ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ሰብ-ሞያ ኣካዳሚን ፕሮጀክት ኦሮታን ነዚ ብልሽው ምምሕዳር ክምርምርዎ ይግባእ:: ኣብ መዳያት ጥዕና ዘሎ ዋሕዲ ሰብ ሞያ ጥዕና ንምፍዋስን ደረጃ ጥዕና ህዝቢ ንምሕላውን ብዙሓት ሓካይም የድልዩና::

ነዚ ናይ ጥዕና ማሕበረ-ሰብ ንምህናጽ ዕውታት ደቀንስትዮ ዝግብራኦ ዘለዋ ቀጻሊ ጻዕሪ ክተባብዓ ይግበአን:: ነዘን ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት ዝቃለሳ ዘለዋ ደቀንስትዮ ፍሉይ ኣቓልቦ ክንህበን ሞራላዊ ግዴታ ኣሎና:: ንደቀንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከየሳተፍና ሕብረተሰብ ክንቅይር ኣይንኽእልን ኢና::

ሓበን ዘልኣለም

እግዚኣብሄር ንኤርትራ ይባርኽ

ኣስመራ

(ብእንግሊዝኛ ካብ ዝተላእከ ደብዳበ ዝተተርጎመ)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • k.tewolde September 1, 2015

    Look at that picture, it tells the whole story.The OLD CLINICA MUNICIPIO looked much better, was better staffed , and organized. And that was during the colonial rule.They have completely dismantled the institutions of this poor nation.I wouldn’t sell sambusa out of that building.It is time to take over and put together this nation at least the way we left it.And we have enough potential to do that. RUHUS BAHTI MESKEREM TO ALL MY FELLOW ERITREANS EVERYWHERE.

  • ertra n ertrawyan September 1, 2015

    It is not today that University of Asmara has closed.

  • Hamid Idris September 1, 2015

    Hi K. Tewolde
    If I don’t see the sign board I would say that it is a door of small shop in ” Eidaga-Arbi ” or a “Komarit – Suwa and Maiss drinks seller shop “.
    Imagine what kind of Nurses & Doctors will be graduated from such School ?
    Eitrea as state is at risk ..! Happy September to all ERi people..
    Our Struggle still continuing … Regards to all

  • Seleba September 1, 2015

    All,

    The other day, I read a comment from a Gentleman named Habte Asfaha. This man has said it all.

    1. A university is not a political appointment.
    2. Isaias put it under ministry of health with the intention to dismantle it.
    3. Now, we see the result.
    4. This man does not like education or educated people.
    5. Look at every or all university graduation. He never attended in any of them.
    6. As a president, he should have been the first one to be there to encourage the young.
    7. But instead we see him going to Sawa to encourage the youth to be hooligans like him.

    So why are we complaining now? The commenter above has said it well. “It is not today that University of Asmara has closed”

  • matusala September 3, 2015

    i have been there in orota since 2007 .the overall system followed by is devastative . i remember at that time 94 students were joined to college of health science. all were above 3.2 matriculation GPA. and out of the total national wide exam 15 got 4 and only 2 girls with 3.8. out of these14 students joined the college .but due to the worst curricular system, many interapted their education.

POST A COMMENT