Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሃይማኖት ምጥላዕ ይኣክል! ስለ ፍትሕን ሓርነትን ኩልና ብሓባር ደው ንበል።

ሎሚ 31 ለካቲት ተባዓት ኤርትራውያን ተመሃሮ መንእሰያት ኣል ዲያእን ወለዶምን ዝርከቡዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ምስልምና፡ ነቲ ጨፍላቒ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ቤትምህርቶም ንምዕጻው ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ከምኡ `ውን፡ ኣብ ልዕሊ `ቲ ነዚ ውዲት ኣብ ምቅላዕን ምምካትን መሪሕ

ሎሚ 31 ለካቲት ተባዓት ኤርትራውያን ተመሃሮ መንእሰያት ኣል ዲያእን ወለዶምን ዝርከቡዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ምስልምና፡ ነቲ ጨፍላቒ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ቤትምህርቶም ንምዕጻው ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ከምኡ `ውን፡ ኣብ ልዕሊ `ቲ ነዚ ውዲት ኣብ ምቅላዕን ምምካትን መሪሕ ተራ ዝተጻወተ ተባዕ ኣቦ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ንዝወሰዶ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ብምቅዋም፡ ኣብ ሕምብርቲ ከተማና ኣስመራ ብትብዓት ተሰሊፎም ድምጺ ተቓውሞኦም ድሕሪ ምስምዖም፡ እቲ ብዝኾነ ዋጋ ስልጣን ናይ ምግባት ሕልሚ ዘለዎ ጨፍላቒ ስርዓት ኢሳይያስ፡  ሻምብቆ ረሽራሻትን ኣውቶማቲክ ጠበናጁን ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ሰበይቲ ኣቕኒዑ ኣብ ራዕድን ሽበራን ጸሚዱዎም ውዒሉ።

ክንደይ ተኣሲሮም፡ ክንደይ ተቐቲሎም፡ ክንደይ ከ ቆሲሎም ድሓር ዝጽብጸብ ኮይኑ፡ እቲ ማይክሮፎን ጥራይ ብምልዓል ብጻልጣ ኢዶም፡ ኣብ ቅድሚ `ቲ ሓጨውጨው ሓጻዊን መላኺ ስርዓት ምእንቲ መሰል ዘርኣዩዎ መኸተ ግን ድሮ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ `ሎ ።

ነቲ ፍጻሜ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ውዒሉዎ፡ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ድማ ሰሚዑዎ ስለዘሎ እምብኣር፡ ብዝያዳ ኣብ ትርጉሙ ኣድሂብና፡ ናህሩ ዓቂብና ናብ ሃገራዊ መኽሰብ ንምልዋጡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ክንወስዶ ኣብ ዝግብኣና መትከላዊ መርገጺ ከነተኲር።

ቅድሚ ኹሉ፡ እዚ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ሎሚ 31 ጥቅምቲ ዝወሰዶ ናይ ራዕድን ሽበራን ስጉምቲ፡ ሎሚ ተመሃሮን ወለድን ቤትምህርቲ ኣል ዲያእ ስለዝኣደሙ ሃንደበት ዝተወስደ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ጀቕጀቕ ራዕድን ፍርሕን ተዋሒዩ ሎሚ ጽባሕ ክብል ዝርከብ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ጠጂኡዎ ዝቐነየ ውዲት `ዩ።

ከምዝዝከር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይዚ ሎሚ ዝውዳእ ዘሎ ወርሒ፡ ብ 7 ጥቅምቲ 2017፡ `ፖለቲካ ሃይማኖታት` ዘርእስቱ ርእሲ ዓንቀጽ ኣብ ቴለቭዥን ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ብኡንብኡ ኣብታ መዓልቲ ሃንደበት ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ  ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለመጠየቕ ኣካይዱ ዩ።

ኢሳይያስ ኣብቲ ቃለመጠየቕ፡ ከም ኣመሉ፡ 25 ዓመታት `ውሕስነት መግቢ፡ ውሕሰት መግቢ` ክብል እዝኒ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘየጽመመ፡ ነቲ ውሕስነት መግቢ ከረጋግጽስ ይትረፍ ዝስተ ማይ `ኳ ምቕራብ ምስ ስኣነ፡ ከም ወያ `ታ ተመጣጢራ ዘለላ ወይኒ ምርካብ ምስ ሰኣነት፡ `ብቐደሙስ ዘይመጺጽ እዩ` ክትብል ዘመኽነየት ውኻርያ፡ `ኪኖ ውሕስነት መግቢ ክንሓስብ ኣለና` ክብል ምውርዛዩ፡ ነቶም ዶላር ክምእርሩሩሉ ባዕሉ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዘዋፈሮምን ዝተጻወሮምን ዘይሕጋውያን ኣሽረፍቲ፡ `መሓውራት ስለያ ኣመሪካ` ከምዘዋፈሩዎም ገይሩ ምሕሳዉ፡ ዓመት ድሕሪ ዓመት በርባዕቲኡ መኣዝን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኲናት ወሊዑ ነዚ ዞባ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ዘእተወሉ ባዕሉ ክንሱ፡ ጻዕዳ ካምቻ ተኸዲኑ ከም ደላዪ ሰላምን ፍቕርን ምምጽዳቑ፡ ኢሳይያስ፡ እቲ ናይ ዓሚ ቅድሚ ዓሚ ኢሳይያስ ብምዃኑ ንማንም ኤርትራዊ ዘደናግር ኣይነበረን። መልሓሱ እንተቐየረ ባህሪኡ ክቕየር ከምዘይክእል ፍሉጥ እዩ። እንሆ ድማ ሕጂ መሊሱ ተጋሂዱ።

ነቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሓተታን ቃለመጠየቕን ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ቴለቭዥን ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ሚድያ ጸወታ፡ ብተምሳል ኩዕሶ እግሪ ከም ክልተ ፍርቂ ጸወታታት ናይ ሓደ ግጥም ጌርና እንተርኢናዮ እምብኣር፡ ንዘስተብሃለ፡ እቲ ስርዓት ህግደፍ ከመሓላልፎ ዝደለየ ሕመረት መልእኽቲ ኣብቲ ናይ ክልተ ሰዓት ዓጀውጀው ኢሳይያስ  ዘይኮነ፡ እቲ ቅድሚኡ  ፍርቂ ገጽ ብዘይመልእ ናይ ሰለስተ ደቒ ቕ ሓተታ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ከምዝነበረ ብሩህ እዩ። እቲ ነዊሕ ቃለመጠየቕ እምብኣር  ዕሻሽ ናይቲ `ፖለቲካ ሃይማኖታት` ብዝብል ኣርእሲ ዝተዘርግሐ ርእሲ ዓንቀጽ  እዩ ነይሩ። ጋዘጠኛ ኤረ ቲቪ፡ መእተዊ ክገብር ከሎ፡ ነቲ ቃለመጠየቕ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ዝቕጽል ምዃኑ ብምጥቃስ ንቡር ከምስሎ ዝተጻገመሉ ምኽንያት ንገዛእ ርእሱ፡ እቲ ቃለመጠየቕ ትኪ ናይ ሓደ ዝተደጎለ ፖለቲካዊ ዕላማ ምንባሩ ዘመልክት እዩ። በዚ ኸኣ ኢና ብዝያዳ ኣብቲ ናይ ሽዑ ሓተታ ከነተኲር ዝግብኣና።

እቲ ኣብ ቲቪ ኤረ ዝተዘርግሐ ሓተታ፡ `ኣብዚ መዋእል`ዚ ዓለምን ሕብረተሰብን ዘናውጽ ዘሎ፡ ከም ስግኣት ሰላምን ድሕነትን ዓለም `ውን ሻቕሎት ሓያላንን ድኹማትን ኮይኑ ዝርከብ ብስም ሃይማኖት ዝፍጸም ሽበራዊ በደልን ነውጽን ህልቂትን ዕንወትን`ዩ` ብምባል፡ እቲ ጉዳይ ዕቱብ ኣተሓሕዛ ከምዝሓትት ብምግላጽ እዩ መደርኡ ዝጅምር።

ኣተኣታትዋ ሃይማኖታት ክርስትናን እስምናን ኣብ ኤርትራ ተንኪፉ፡ `ስሓባ` ኣብ መሬት ሓበሻ ክዕቆቡ ኣብ ዝመጽኡሉ መዋእል፡ እቶም ናይ ሽዑ ባሕረ ነገስታት ኣሕሊፎም ከምዘይሃቡዎምን  ካብ ሽዑ ኣትሒዞም እምነታት ክርስትናን እስልምናን ብስኒት ክነብሩ ከምዝጸንሑን፡ ህዝቢ ኤርትራ `ውን ወራሲ ናይዚ ኣብቲ ሕብረተሰብ በብግዚኡ ዝማዕለ ስርዓተ-ክብርታት ምዃኑ ይጠቅስ።

`ህወከት ንምዝራእን ስሱዕ ሽውሃት ንምዕጋብን፡ መጋበርያ ትካላት ስለያ ዝኾኑ ልኡኻት፡ `ሓድሽ መጻሕፍቲ ኣለና፡ ቃል ኣምላኽ ከነስምዓኩም፡ ከነጽርየኩም፡ ትኬት ሰማያት ክንህበኩም፡ ማህዲ ይመጽእ ስለዘሎ መሬት ከነጽርየሉ` እናበሉ ንየዋያት መሳርሒ ኣጀንዳታቶም ዝገብሩ መዋቓዕቲ ገርጊጊሮም ከምዘለዉ ብምዝርዛር ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ` ብስምን ጉልባብን ሃይማኖት፡ ነውጽን ሽበራን ንምዝራእ ዝህቀን ሽርሕታት ንህዝቢ ኤርትራ `ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት` ስለዝኾነ፡ ዕሽሽ ኣይብሃልን `ዩ` ክብል የፈራርሕ።

ልክዕ `ዩ፡ ብፈለማኡ ፓለቲካ ናብ ሃይማኖት ብምልጣፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ሃይማኖት ፖለቲካ ኮይኑ ንዓለም ሰላምን ርግኣትን ከሊኡዋ ምጽንሑን ምህላዉን ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ዞባና፡ ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣተኲርና ክንዛረብ ከለና፡ ኣብቲ ንክርስትናን እስልምናን ዘራኽብ ግንባር ንነብር እናሀለና፡ ካብ ዓለምና ዝደኸምና `ውን ክንስና፡ ኣብ ውሽጢ`ዚ ዓለማዊ ነውጺ፡ ንዘበናት ተዛማዲ ሩፍታ ምርካብና ምስጢሩ እቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዝማዕበለ ስርዓተ ክብርታትናን ስነምግባርናን ዝማእከሉ ውሽጣዊ ዳይናሚዝም ምዃኑ ርዱእ እዩ።

እቲ ምውሳብ ሃይማኖትን ፖለቲካን ዝፈጠሮ ስግኣት ሕዱር ምዃኑ ካብ ተሰማማዕናሉ ብርጡብነት ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እምብኣር ፡ `እቲ ንመዋእል በዲሁዎ ዝጸንሐ ስርዓተ-ክብርታትና ሕጂ ኸ ከም ቀደሙ ክምክቶ ይኽእል ዲዩ?` ፡ `ላሽዩ እንተደኣሃልዩ ኸ፡ ብምድኻሙ ቀንዲ ዝሕተት መን `ዩ? ዝብል እዩ። 

እዚ ከቢድ ነጥቢ `ዚ፡ ንግዚኡ ቀለልቲ ሕቶታት ብምጥቃስ ክምለስ ዝኽእል ጉዳይ እዩ።

በቲ ውዑይ ጀሚርና ናብቲ ሕዱር ክንምለስ።

መን እዩ፡ ከም ባሪስታ ሓደ ለይቲ ምስ ቀጠር፡ ንጽብሓይቱ ምስ ስዑድን ኢማራትን እናሕደረ ፡ ኣብ መንጎ እተን ነንሕድሕደን ብምስፍሕፋሕን ምወላን እላማዊ ግብረሽበራ ዝካሰሳ ዘለዋ፡ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ብሓደ ወገን፡ በቲ ኻልእ ድማ ምስ ቐጠር ተጸጊዑ ጸኒሑ፡ ኣብ መወዳእታ ንስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር መጥዩወን ዘሎ?

መን `ዩ፡ እንተተመሻጢሩ እንተ ዓይኑ ዓሚቱ፡ እቲ ንምጽራር ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራዉውያን መንእሰያት ብኣሳላጥነት ራሻይዳን በደዊንን ብመንገዲ ሰሃራን ሲናይን ዘሰላሰለ?

መን `ዩ ኸ እቲ ነቲ እስላማዊ ይኹን ክርስትያናዊ እምነታት ዘለዎም ሰንሰለት መግዛእትታት ኣብ ዘበናት ዘየዳኸሙዎ ድልዱል መሰረት ዝነበሮ ስርዓተ ክብርታት ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት፡ ሓንሳብ ንመሰኻኽር ጅሆቫ ከም ጸረ ናጽነት እናወንጀለ፡ ሓንሳብ ንኣስላም ጅሃድ እናበለ፡ ሓንሳብ ንካቶሊኽን ከኒሻን ከም ናይ ወጻኢ ልኡኻት እናነኣኣሰ፡ ሓንሳብ ንፔንጠ ኮስታል ከም ፈሓቚቲ ያታዊ እምነተ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንባዕላ ን ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንፓትርያርካ ከም ተደናጋጺ መናፍቓን ወንጂሉ ብምግሃጽ፡ ከከም ዝደልዎ እናፈላለየ መሳርሒ ፖለቲካ  ዝተጠቕመሉ?

እዚ ከም ግዝያዊ ኣብነት ዝጠቐሳንዮ ኣበሳታት ናይ ስርዓት ኢሳይያስ ምዃኑ ዝኾነ ኤርትራዊ ቆልዓ ዝፈልጦ ምስጢር እዩ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ተሳሓብቱ ጭፍራ ህግደፍን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቶም፡ ሓቂ ምግባርን ሓቂ ምዝራብን፡ ዋሕሰ-ግብእ እናበልካ ስለ ፍትሒ ደው ምባል፡ ፍቕሪ ብጻይን ሕብረተሰብን፡ ፈሪሃ እዝጊኣቢሄርን ጽድቅን ዝሕመረቶም፡ ስርዓተ ክብርታቱ ሒዙ ከም ቀደሙ እንተነቢሩ፡ ስልጣኖም ክቕጽል ከምዘይክእል፡ ዕምሪ ከምዘይብሉ ኣጸቢቖም ስለዝተገንዘቡ፡ ኣብ መኼዳ ውልቀመላኽነቶም ኣእትዮም ሓማሺኾም፡ ህዝቢ ኤርትራ ነንሕድሕዱ ናብ ዝባልዓሉ ደረጃ ኣውሪዶሞ ክንሶም ደኣ፡ እንታይ እዩ ሕጂ ኣረበሽቶ ተገምጢሎም ሰበኽቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናት `ፖለቲካ ሃይማኖታት` ክኾኑ ዘጋድሎም ዘሎ?

ብሃይማኖታዊ ፖለቲካ ዘካየዱዎ ጸወታ ስለዝጠፈሸ፡ ስለዝተሳዕሩ፡ ስልጣኖም ኣብ ስግኣት ስለዝወደቐ፡ ገለ ወዲ ገርሂ ልባ እንተረኸቡ፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣማኒ ክርስትና ዝኾነ ክፋል ሕብረተሰብና፡ ስግኣት ከምዝሓድሮ ገይሮም ካብ ዝጸድፍ ቆንጠፍጠፈ ምሕቋፍ ይሕሸኒ ኢሉ መጻንሒ እንተኾኖም እዩ ያኢ እቲ ጥበቦም። እዚ ዝዓሰወ እንጀራ ግን ኣሽንባይ ዶ ኣብ ዝኣረገ፡ ኣብ ሓድሽ መሶብ እንተተቐረበ `ውን ተደናጊሩ ዝበልዓሎም ሰብ የልቦን።

ኣበይ ነይሮም ቆርበት ዝበዝሑ ዕሸላት ኤርትራውያን ክርስትያን ካብ ዶብ ሱዳን ክሳብ ሲናይ ብምካኽ ፕላስቲክ ክሓርር ከሎ፡ ዕምባባታት ኣዋልድ ኤርትራ መጻወቲ በደዊንን ራሻይዳን ኮይነን ክዕመጻ ከለዋ፡ ኣበይ ነይሮም ህዋስ ኤርትራውያን ተተመዝሒቑ ክሽየጥ ከሎ? ወረ ብራሻይዳን በደዊንን ኣብ ሰሃራን ሲናይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝበጽሐ ውርደትን ሞትን `ሞ ይጽንሓልና። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዓሳክር ኢሳይያስ ዝወረዶም መሪር ግፍዕን ስቓይን ` ዶ ኣይኮነን፡ ናብ ስደት እናትጓዓዝካ ሞት ይሓይሽ ኣቢሉ፡ ሞት ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ኣሕርዩዎም። እቶም `ኣፍሪቃውያን እዮም ኤርትራውያን ኣይኮኑን` ዝበሎም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኤርትራውያን `ኮ ዳርጋ ኩሎም ካብ ከበሳ ዝነቐሉ ባሕሪ ርእዮም ዘይፍለጡ መሳኪን እዮም። 

ንመንፈሳዊ መራሒ ፓርትያርክ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ክኣስርን ክሕይርን ዘይሓነኽ ስርዓት ከ ከመይ ኢሉ እዩ ሓላዪ ተራ ኣማኒ ክርስትያን ኢሉ ከእምን። ንተዋህዶ ክደፍር ግን ፡ ብጅሆባ ጀሚሩ፡ ናብ ጴንጠ ሓሊፉ፡ ንካቶሊኽ ከኒሻ `ውን ኣረኻኺቡሎም። እዚኣቶም ኩሎም ተደሚሮም ዶ ኣይኮኑን ደኣ `ሞ እቶም ናይ ኤርትራ ክርስትያን። ሓልዮቱ እምብኣር እምነተ-ክርስትያን ዘይኮነ ዕድመ-ስርዓቱ እዩ።

እዚ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ብሓተታኦም ኮነ ሎሚ 31 ጥቅምቲ ብቶኽሲ ዝገበሩዎ፡ `ካብ ብኻራ ኣስላም ትሕረዱ ብጥይተና እንተሞትኩም ይሕሸኩም` ዝዓይነቱ ናይ ኣፈርክቡ መጠንቀቕታ እምብኣር ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብሰንኪ እዞም ጠላማት ወሪዱዎ ዘሎ ካብ ሞት ዝኸፍአ ህላወ ደኣ `ዩ ሓዲሱዎ ዘሎ እምበር፡ ክርስትያኑ ኣስላሙ ተሳንዩ ንምንባር ሲ ጋሻ ኣይኮኖን እዩ።

ንተንኮልን ሽርሕን ፈላላዪ ፖለቲካን ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ብግልጺ ድሕሪ ምርኣይ ኣብ መወዳእታ ዝስዕብ እምብኣር ነዚ ገጢሙና ዘሎ ብድሆ ብሓፈሻ ብኸመይ ንመክቶ፡ ብፍላይ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ፍጻሜ ብኸመይ ንርኣዮ፡ ከመይ ጌርና ኸ መሰጋገሪ ናብ ዝዓበየ ንኹላትና ኤርትራውያን ብሓባር ዝምችእ ለውጢ ንጠቐመሉ ዝብል እዩ። 

1ይ – በንጻር እቲ እኩይ ስርዓት ነዚ ምንቅስቓስ ተመሃሮን ወለድን ቤትምህርቲ ኣል ዲያእ ከም ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ኣምሲሉ ብግሁድን ብታሕቲ ታሕትን ዝገብሮ ፕሮፖጋንዳ፡ እዚ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰልን ሃይማኖታዊ ናጽነትን ምዃኑ ብመትከል ክንኣምነሉን ክንዳናገጸሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ጉዳይና ክንድግፎን ክንቃለሰሉ ኣለና።

ግደ ሓቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዜና ከምዘቃላሕናዮ፡  ኣብ ኣስመራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንእትምሓደር፡ `ሰሚናርዮ` ተባሂላ እትፍለጥ ታሪኻዊት ቤትምህርቲ ዘካይዱ ዝነበሩ መራሕቲ ኣሲሩ ነታ ቤትምህርቲ ኣብ ዝዓጸወሉ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ተቓውሞ ዘይምርኣዩ ሕመቕ እዩ። ብዓቢኡ ፓትርያርክ ናይቲ ዝበዝሐ ኣማኒ ክርስትና ፈለማ ክድፈሩ ድሕሪ 10 ዓመት ከኣ ዘይዛረቡ ጠባይ ናይ ሓደ ዕሙስ ድራማ ኮይኖም ብጸቕጢ ክዋስኡ ከለዉ፡ ትም-ሕትም ኢልና ምርኣይና ድማ ዝኸፍአ ውርደት። ነዚ ሕሉፍ ድኻማት ንምእራም እምብኣር፡ ነዚ ብወለድን ተማሃሮን ቤትምህርቲ ኣል ዲያእ ተገፍቲኑ ዘሎ ማዕጾ ምልኪ ደፊእና፡ እቲ ጨፍላቒ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ናጽነት ሃይማኖት ንዝፈጸሞ ዓመጽ ብፍትሒ እንፈርደሉ ዕድል ጌርና ክንጥቀመሉ ይግባእ። ጉዳይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ፍንጫል ናይቲ ንሃገርና ብዓቢኡ ሓኒቑ ሒዙዋ ዘሎ ሕጊ ኣልቦነትን ውልቀመላኽነትን ከም ምዃኑ መጠን ከኣ፡ ከም መሰጋገሪ ናብቲ ዓበየ ፖለቲካዊ ለውጢ መንጠሪ ክኸውን ኣለዎ።

ምእንቲ`ዚ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ኤርትራውያን ኣስላማይ ይኹን ክስታናይ ነዚ ተቓውሞ ከም ዋናታት ክጽንበሩዎን ማዕበል ክውስኹሉን፡ ንሕና እዞም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስደት እንነበር ዘለና ኤርትራውያን ድማ ስትራተጂካውያን ከተማታት እናመረጽና፡ ብስኒትን ብሓድነትን ህጹጽን ደርማስን ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ፡ ብሓደ ድምጺ ሞራላዊ ደገፍና ክንገልጸሎምን ክነተባብዖምን ይግባእ። 

እቲ ዝዓበየ መልእኽትና ግን ናብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እዩ ክቐንዕ ዘለዎ።

ሓልዮት ኤርትራን ህዝባን ዘለዎ ካብ ተራ ወተሃደር ክሳብ ጀነራል፡ ኣፍሙዝ ብረት ናብቶም ካብ ሞት ሰሃራን ሲናይን ድሒኖም ዓዲ ዝጸንሑ ደቁ፡ ናብቶም ካብ መስዋእቲ ሓርነታዊ ቃልስን ዶባዊ ኲናትን ዝተረፉ ኣሕዋቱ፡ ናብተን ብቐጻሊ ውግእን ስደትን ማህጸነን ዝተጸንቀቐ ኣዴታቱ፡ ናብቶም ብሓቦ ዝዓቖሩዎ ንብዓት ንውሽጢ ፈሲሱ ከም መርዚ ዘሳቕዮም ዘሎ ኣቦታቱ ከየቕንዕ ነብሱ ክገትእ ኣለዎ። በንጻሩ፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ክንዲ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተኸላኺሉ፡ ሃገራዊ ሰራዊት ምዃኑ ከምሰክር ይግባእ። 

ኣብዚ እዋን`ዚ ኢሳይያስ ኮነ ስርዓት ህግደፍ ምርኩስ ኮይኑ ዝድግፎም ዘሎ ብረት እምበር ፖለቲካዊ ርእሰማል ኣይኮነን። ኩሉ ፎእ ኢሉ ተፊኡዎም እዩ። ለውጢ ዘይደሊ ኤርትራዊ የልቦን።

ስለዚ፡ እዞም ኣብ ወጻኢ እንነበር ኤርትራውያን፡ እቶም ዝቐትሉ ኣሕዋትና፡ እቶም ዝቕተሉ ኣሕዋትና ምዃኖም ተገንዚብና፡ ኪኖ`ዚ ሓፈሻዊ መልእኽቲ፡ ተራ ወተሃደር ይኹን ጀነራል ብዘየገድስ፡ በብመንገድና፡ በብሓደ እናደወልና ኣብታ ብኢሳይያስን ጉጅሊኡን ብደም ጨቅያ ዘላ ሃገር ኢዶም ደም ከይጠምዕ ክንመኽሮም፡ ከነዘኻኽሮም ክንምሕጸኖም ይግባእ።

ኩሉ እንትናዊ ግብረሽበራን ጥሩፍነትን፡ ስርዓተ ክብርታቱን ስነምግባሩን ኣብ ዘጥፍአ ኣብ ዝሰልከየን ዝላሕለሐን ሕብረተሰብ ዝፍጠር ሕማም እዩ። ሕብረተሰብና፡ ኣበየናይ ደረጃ  ከምዝርከብ ክንቅምሮ ኳ እንተዘይከኣልና፡ ምምላስ ስርዓተ ክብርታቱ ኮነ ከም ህዝብን ሃገርን ምድሓኑ ካብ ሎሚ ትማሊ ዝቐልል ኳ እንተነበረ ፡ ካብ ጽባሕ ግን ሎሚ ከምዝሓይሽ ተረዲእና፡ ናብቲ ሰልሚ ሸተት ከይበለ ታኮ ክንገብረሉ ፡ ብሓባር፡ ብቕጽበት ንቀዳደም።  ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት `ዩ ዘድልዮ ዘሎ፡ ምእንቲ`ዚ ኩላትና ብሓባር ደው ንበል፡ ብሃይማኖት ምጥላዕ ይኣክል!

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

31 ጥቅምቲ 2017

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Mussie November 1, 2017

    For any normal soul, it’s crystal clear that one more glittering history has been written by our compatriots yesterday.
    The Pfdj mercenaries will cry louder their last agony on all mass media to defend the undefendable.
    As they have known no dignity, they will try to desecrate all our sacred values. But, our values taught us that all that has a beginning has also an end. The end of the tyranny and abyss has come!

POST A COMMENT