Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብህግደፍ ዝምራሕ ሃገረ ሰብከት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ካናዳን ሓድነት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ንምብታን ኣብ ወርሒ ሕዳር ጉባኤ ጸዊዑ ኣሎ

ከም ዝዝከር ብዕለት የካቲት 19, 2019 ኣብ ኣሰና ዳትኮም “”ሃገረ ሰብከት ኣሜሪካን ካናዳን ኣብዘይ ሕጋዊ ገንዘብ ምትሕልላፍ ተጸሚዱ ዘሎ ገበነኛ ትካል ህግደፍ እዩ”ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ሓበሬታ ተጻሒፉ እዩ። እቲ ሃገረ ሰብከት ብኸመይ መግድታት ነቲ ግብሪ

ከም ዝዝከር ብዕለት የካቲት 19, 2019 ኣብ ኣሰና ዳትኮም “”ሃገረ ሰብከት ኣሜሪካን ካናዳን ኣብዘይ ሕጋዊ ገንዘብ ምትሕልላፍ ተጸሚዱ ዘሎ ገበነኛ ትካል ህግደፍ እዩ”ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ሓበሬታ ተጻሒፉ እዩ። እቲ ሃገረ ሰብከት ብኸመይ መግድታት ነቲ ግብሪ ዘይተኸፈለሉ ገንዘብ ካብ ቤተ ክርስቲያናት ዝኣከቦ ናብ ካዝና ህግደፍ ከም ዝሰዶ ብዝርዝር ተሓቢሩ እዩ። እቲ ብኣሻሓት ዝግመት ገንዘብ ኣሳድድኡ ፍጹም ሕጊ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝጠሓሰ ስለ ዝኾነ እዚ ዘሎ ሃገረ ሰብከት ገበነኛ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ቤተ ፍርዲ ክቐርብ ዝግቦኦ ትካል ይገብሮ። ብተወሳኺ እዞም ነቲ ሃገረ ሰብከት ዝመርሑ ዘለዉ ዕሱባት ህግደፍ ብዙሕ መንፈሳዊን ምምሕዳራዊ ሕግታት ኮርፖረሺን እንዳጠሓሱ ከም ልጉዋሙ ዝበተኸ ከልቢ ምዕንዳር ካብ ዝጅምሩ ድሮ ራባዓይ ዓመቶም ኣቑጺሮም ይርከቡ ኣለዉ። ብመገዲ ኣይ.ኣር.ኤስ ጌርጋ ብሕጋዊ መገዲ ጠጠዉ አንተ ደው ዘየበልናዮም ዘምጽእዎ ዕንወት ኣብ ቤተ ክርስቲያናት ቀሊል ከም ዘይከውን እገረ መግድና ክንሕብር ንፈቱ። ከመይ ጌርና ቅጥዒ (IRS Form 13909) እንዳመላእና ንኣይ.ኣር.ኤስ ከም ንሕብር ሓብሬታ ክፍነው እዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT