Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብላዕ ንኸርስኻ፡ ፍረድ ንነብስኻ፡

ከምዝዝከር ካብ ሕዳር 21 ክሳብ ሕዳር 30/2011 ኤሪትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዋሳ፡ ርእሰከተማ ናይ ደቡብ ብሄረስባት ክልላዊ መንግስቲ፡  ተኻይዱ። ኣብዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ካብዝተሳተፉ ሓደ ብምንባረይ  እዛ ሓጻር ናይ ውልቂ ርእይቶይ ክህብ

ከምዝዝከር ካብ ሕዳር 21 ክሳብ ሕዳር 30/2011 ኤሪትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዋሳ፡ ርእሰከተማ ናይ ደቡብ ብሄረስባት ክልላዊ መንግስቲ፡  ተኻይዱ። ኣብዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ካብዝተሳተፉ ሓደ ብምንባረይ  እዛ ሓጻር ናይ ውልቂ ርእይቶይ ክህብ እፈቱ ።

እቲ ዝተኻይደ ጉባኤ እንተስ ክነድምዕ ፡ እንተስ ንኸይነድምዕ፡ ዛዕባታቱን፡ መድረኻቱን ፡ ሙሉእ ብምሉእ፡ ወነንቱ፡ ንሕና ጉባኤኛታት ባዕላትና ከምዝነበርና ኣጥቢቐ፡ ከስምረሉ እፈቱ። ድሕሪ ብዙሕ ምይይጥ ከኣ ጉብኤ ንፍትሒ ሲኢኑ ዝሳቐ ፡ ዘሎ ህዝቢ ኤሪትራ፡ ተስፋ ዝህብን፡ ንሰብሕልና ተቓለስቲ ብ ሓደ መኣዲ ዘጓዕዝን ውሳኔታት ኣሕሊፉ መርሕነቱ መሪጹ፡ ብዓወት ኢዩ ተዛዚሙ።

ብዘይ ናይ ኢትዮጵያ መንግስትን ህዝብን ሓገዝ ነዚጉባኤ’ዚ  ክተካይድ  ከምዘይከኣል፡ ዘይከሓድ፡ ሓቂ ኢዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንድሕንነት ጉባኤኛታት፡ ቅድምያ ብምሃብ ፡ ን ኣስታት 600 ዝኣክል ጉባኤኛ፡ ምሉእ ሓለዋ ብምሃብ ፡ ናይ ኣውቶቡሳት፡ ናይ ሆተላት ፡ ናይ መግቢ፡ ናይ መኤከቢ ኣደራሽ፡ ናይ ኣገልግሎት ጥዕና ፡ ወጻኢታት ብምሽፋን ፡ ነዚ ኣብ ፈቐድኡ ተበታቲኑ ዘሎ ህዝቢ ኤሪትራ ንኽላዘብ ምቹእ ሃዋሁን ባይታን ብምፍጣሮም፡ ብዓቢኡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጸሓዮም ክብል እፈቱ። ከምኡ ከኣ ነቲ ዝተፋላለዩ ህብረ ብሄረሰቦች፡ ብስኒትን ብራህዋን ሓቢርካ ናይ ምንባር ኣብነት ዝኾነት፡ 53 ዝተፈላለዩ ህብረ ብሄረሰባትን፡ 17 ሚልዮን ህዝብን፡ ዝነብሩላ  ደቡብ ብሄረሰቦች ክልላዊ መንግስትን፡  ህዝቢ ኣዋሳን ዝገበሩልና እንግዶት ኮነ፡ ዘርኣዩና ፍቕርን ምስጋናይ፡ ወሰን የብሉን።

ህዝቢ ተኣኪቡ ዝካታዓሉን ዝዛተየሉን መድረኽ እንድሕሪ፡ ረኺቡ  ሽግሩ ከምዝፈትሕን ፍልልዩ ከምዘጽብብን፡ ብርግጽ ምዃኑ እዚ ናይ ኣዋሳ ዓቢይ ምስክር ኢዩ። ካብ 23 ዘይውሕዳ ሃገራት ዝተኣከቡ ናይ ምሉእ ሕብረተሰብ ኤሪትራ ዝውክል ዝተፈላለየ ድሕሪ ባይታ ዘለዎ ህዝቢ ተኣኪቡ ፡ እሂን ምሂን ተበሃሂሉ፡ ተፋሊጡ፡ ተኻቲዑ፡ ተጋኒሑ፡ ተኣማሚኑ፡ ቀደምትነት ሰሪዑ፡ ብሓጎስ ከኣተፈላልዩ።

ንምንታይ ኢዮም ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ኵሉ ወጻኢታት ገይሮም ኤርትራዊ፡ ንኽዛተ ባይታ ዝህብዎ? እንታይ ረብሓታት’ከ ኣለዎም?

ገለ ናይ ፖለቲካ መሎኮታውያን ከም ዝብልዎ፡  እቲ ኣኸባ ቢትዮጵያውያንን ብናይ ኢትዮጵያ ኣጀንዳን ኢዩ ዝካይድ፡ እዚ ከኣ ብኢትዮጵያ ዝዝወር ድኹም መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ንምምስራት፡  ዓፋር ሒዝካ ፡ዓሰብ ኣካል ኢትዮጵያ ንምግባር፡ ኤርትራ እንደገና ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ፡ዝኣመሰሉ ሓረጋት ክትንብዩ ይስማዕ።

ኣብ ኣደባባይ፡ ብወግዒ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግለጽ ከኣ ልዕላውነት ኤርትራ ይኣምኑ፡ ዓሰብ እካል ኤርትራ ምዃና ዓው ኢሎም ይገልጹ፡ ውሳኔ ምሕንጻጽ ዶብ ይቕበሉ፡ ንኣተገጋብርኡ ከኣ ንዛረብ ይብሉ፡

እሞ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ነየናይ ኢኻ ትቕበል ወይ ትኣምን? ነቲ ኣብ ቅድሚ ምሉእ ዓለም ዝተባህለ፡ ነቲ ብዓይንኻ ዝረኣኻዮ፡ ብእዝንኻ ዝሰማዕካዮ ብኣፍካ ዘንበብካዮ ድኻ ትኣምን? ወይስ ነቲ ካብ ዝኾነ ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይስማዕካዮ ፡ናይ ፖለቲካ መሎኮታውያን ምጥርጣራት ንምንዛሕ ዝዝርጋሕ ወረ? ከምቲ፡ ብላዕ ንኸርስኻ ፍረድ ንነብስኻ ዝበሃል፡ ዝረኣኻዮ መስክር ዝተዛረብካዮ ዘክር ኢዩ’ሞ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልእላውነት ኤሪትራ ዘሎዎም መርገጺ ደጋጊሞም ዘነጸሩን ቅድሚ ዓለም ንኤርትራ ዝፈለጡን ኢዮም።

ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን መማያየጢ ባይታ ተዳልወሎም ዋና ምኽንያት ኣብ ኤሪትራ ሰላም ዘምጽእ ለውጢ ንምምጻእ ኢዩ።ረብሓታታ ከኣ በዞም ዝስዕቡ ክጥቅስ ይከኣል፡

ሰላም ኣብ መንጎ ኤሪትራን ኢትዮጵያውያን ንኽልቲኡ ህዝብታተ ዓቢይ ረብሓ ኣለዎ፡ እቲ ዘይድለ ብዋጋ ሓንቲ ሃገር እታ ሓንቲ ሃገር ክትቀም ከላ ኢዩ ። ሰላም ምስዝህሉ ምሉእ ኣተኩሮኦም ድኽነት ኣብምጥፋእ ይኸውን፡ ሰላም ምስዝህሉ ኣሕዋትን ጐረቤትን ዝኾነ ክልቲኡ ኣህዛብ ብዓኒ ጽልኢ ኣይረአአን፡ ስላም ምስ ዝህሉ ኣብዶባት ዘሎ ዓድታት ብቕሳነት ንቡር ርክቡ ይቕጽል፡ ሰላም ምስዝህሉ ወደባት ኤሪትራ ን ኣገልግሎት ኢትዮጵያ ይኽፈታ ፡ ክልቲኡ ህዝቢ ከኣ ተረባሕቲ ይኾኑ። ሰላም ምስ ዝህሉ ኢትዮጵያ ንምብትታን ብህግደፍ ዝግበር ግብረሽበራ ኣይህሉን ማለት ኢዩ።

ሰላም ንኽሊቲኡ ህዝብታት እምነ፡

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ፡

 

ዘረማርያም ክፍለ

ሰሜን ኣመሪካ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Selamawi December 17, 2011

    Dear be smart,
    Your comment is not smart at all. What you have written is absolutely disgusting! If you have better ideas challenge the writer. Remember it is only losers who tend to insult and intimidate decent people.

    This is the attitude of the dictatorial regime called PFDJ which is tarnishing our names as Eritreans around the world. This is the attitude of your eternal leader, Isaias Afwerki, who does not accept any criticism, or any idea different to his. This is the attitude that is costing Eritrea its young and old, its male and female, its spiritual and cultural heritage…

    Please think twice before you utter such vulgar words. You will only bring shame to yourself and to those you support …as your compatriot I feel ashamed of you.

    Thanks

    • Haqi tezareb December 17, 2011

      ኢትዮጵያ ብዙሕ ቋንቋታት ኣለዉዋ :: ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ብሄሩ ቋንቋ ዝሓፍር ዜጋ ኣብዚ ዘመን እዚ የሎን ::
      ሕቶ ነዞም ካብ ሃዋሳ ዝተመለስኩም ነጋዶ : ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ናይ ተጋሩን ናይ ኣምሓራን ጀበርቲ ቋንቋታት እንታይ እንታይ ይበሃሉ ?
      ኣብ ክልል ዓፋር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናይ መመሓደርን መምሃርን ቋንቋ እንታይ እዩ ?
      ኣብ ሃዋሳ ብዛዕባ ቋንቋታት ኤርትራ ከም ትግረ ኩናማ ዓፋር … እንታይ ተባህለ ?
      ስለምንታይ እዩ ጉጅለ ኪዳን -ሃዋሳ ንፈነወ ራድዮ ቋንቋ ትግረ ዘይድግፍ ?
      ብነብስኻ ዘይምትእምማን እንታይ ዓይነት ስነ ልቦናዊ ቅልውላው እዩ ? እዚ ሕማም እዚ ኣብ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ጥራይ ይርከብ : ስለምንታይ ?
      ኣብ ኢትዮጵያ ሶማልያ ኣፍጋኒስታን ኢራቅ ኢራን ደቡብ ሱዳን … ከምዚ ዓይነት ሕማም የልቦን ? ኤርትራ ስለምንታይ እያ ነዚ ሓደገኛ ፈተነ ላቦራቶሪ ተመሪጻ ?

      • ahmed saleh December 18, 2011

        Self proclaimed nationalist who doesn’t want to realize how the good Eritreans
        from different regions/religion were treating each other with love, respect and
        care. Take a moment and think how they hold strong and firm as one family to
        the endurance of the struggle to keep our people free and safe. If you think
        the question of credibility depends on the identity of religion/ethnicity, I say
        something is wrong with you. And if you believe the needless crimes is committed
        by certain ethnic group, I say again you are dead wrong. When open-minded
        people were hunted be the close-minded people in diaspora, we were watching
        silently giving an exuse to the evil false narratives of HGDF, I say no more fear.
        Your bigoted posts shows your arrogance and cowardy to the readers. Eritreans
        are on our first step to end the long sufferings. Partnering with different groups
        of the society could bolster the energy of its new born civic political movements
        and is appropriate national priority for unity and progress. Finally I say to you
        personaly STOP your deceptive tactics with your ill-fated conduct.

    • ahmed saleh December 18, 2011

      Selemawi
      This guy came back again, he have issues in religion, race and so on. To give you
      a hint , he uses for names; Barentu, Haki Tezareb, Fako,—– cicero. When
      you see these names , now you know who you are talking too. Don’t worry let
      him try to corrupt.

  • Haqi tezareb December 17, 2011

    aye Ertra Adey:
    knegreki sraH jebha:
    nzhademe yshemwo “basha”:
    nztegadele ke’a “Asha”:
    deqi kebesa kmotu nmieda:
    deqi menyom zhademu njida?

    This brief data exposes Gujle Hawasa very well. Indeed, Gujle Hawasa has no dress.
    These ex Jebhas have no respect even to people like Amanuel Eyasu as tegadalay or for Amanuel Sahle for serving as an inspiring teacher during occupied Eritrea while the ex Jebhas were hiding and making money in Jeddah, Kuwait, Sweden, Califorina, Khartoum, Baghdad, Australia …
    This is a proof the ex Jebhas do not want to include any Tegadalay or a proud shibaKa like memhir Amanuel or young Eritrean like Daniel Tewelde:
    http://www.harnnet.org/images/stories/rmicn/National%20Congress%20in%20the%20Name%20of%20People!/index.html

  • Haqi tezareb December 17, 2011

    aye ertra Adey:
    knegreki sraH hawasa:
    nzhademe yshemwo “basha”:
    ztegadele ke’a “Asha”:
    deqi kebesa kmotu nmieda:
    ኣየ ኤርትራ ዓደይ :
    ክነግረኪ ስራሕ ሃዋሳ :
    ንዝሃደመ ይሸምዎ “ፓሻ “:
    ንዝተጋደለ ከኣ ይብልዎ “ዓሻ “:
    ደቂ ከበሳ ክሞቱ ንሜዳ :
    ደቂ መንዮም ዝሃደሙ ንጅዳ ?

  • Taddesse T Gebremussie December 19, 2011

    Dear Eritrean brather & sisters Eritrea is a country known in the world from 1993 it have it’s colonial border with Ethiopia, Sudan, Djbuti,Yemen,Saudi,in red sea. No country can change our border it is well dicomented.Ethiopia when it became member of lague of nation in 18 century king Menilik agreement with Italy, Quen Zewditu,[Teferi] Haileslasie was croun prince,ERITEA border is decomented.ISAYAS OPEN WAR For his hiden interest to reaman dictator do you think all GEGNA HIZBAWI GNBAR THOSE WHO DIE IN BADME ARE ALEIVE will Isayas play. D ont be sily. Don’t forget TIGRIANS are our brathers who pay thier blood at SHADUSHY WERAR 5,000 TEGADALAY TGRAY PAY THIER PROSOUS BLOOD for Eritrea. [president] PM MELES ZENAWI is the first governament know ERITREA as free country. Ethiopia help Eritrean oposition for both countries interest .Bcouse Isayas is mad dictator never govern by law. As he himself said no body elected him to represent Eritrea .Eritrean educated lawyers need to practis their law ablities in the UN court.

POST A COMMENT