Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብላዕ ኣይትበሎ ዝበልዐ ፡ትባዕ ኣይትበሎ ዝፈርሀ!!

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/09/Weldu_092014.pdf"]

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • EVENTS September 3, 2014

    ወልዱ ተኽለ,

    እቲ ሽግርና ቀልዓለምን ሰብ ከይብለናን ፣ኣብ ርእሲ ምዃኑ ፣ነታ ሓቂ ድማ ንጉዝጐዛ እሞ__ግን ሸፈፍ ኢልናያ ንሓልፍ።ነቲ ካብ ጊዜ ኩዕሶ እግሪ ጀሚሩ ዝነበረ መንፈስ ሓማ ፣ሃይካ__ሒዝናዮ መጺእና ጥራይ ዘይኮነስ እዚ ሓድሽ ወለዶ እውን ከም ጋቢ ኣጎዝጕዝናዮ።ነዚኣ እታ ዝዓበየት ዓንቃፊት እንከላ ተኣፋፊት ስለ ዝኾነት ግን ኣይነልዕላን ኢና። ከም ከይብህርር ፈሪሁስ ድቃስ ዝኣበየ ዕቡድ ኢና act ንገብር።
    እስከ ንርኤ፣ ኣብዚ ፓልቶካት ይኹን ውድባት ወይ ወብሳይታት ርእይቶን ተኻፍሎን ክንደይ ደቂ መታሕት ይኹኑ ፣ዓፋር ወይ እውን ደቂ ካልእ ቃቢላ ግን ተኸተልቲ እስልምና ኣበይ ኣለዉ።እዚ ክንምርምሮ ዝግብኣና ጉዳይ እንከሎ ፣እቲ ሃገራውነት ማሕበር ህዝበ ትግርኛ መልክዕ ዝሓዘ ይመስል።ንምንታይ፧ እቶ ቴማ ርእይቶታትና እውን ኣብቲ ፍሬም ዎርክ ናይ ክርስትያንን _ህዝበ ትግርኛን ጥራይ ዘተኮረ ይመስል።እወ ኣማንኤል ንኹሉ እዩ ከፊትዎ፣ግን እቲ ውደዓዊ ኩነታት ኤርትራውነት ኣየንጸባርቕን።እዚ ግን ብኣና ብተኻታተልቲ እዩ ክግንዘብ ዝግብኦ !!!
    እታ ዝዓበየት ድማ፣ምንም ጥዒምና እንተጥዓምና ከም ኣደ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።እታ ኣደ ውላዳ ኵሰዳ ከሎ ኡይ ኢላ መሬት ትብጽብጽ እንተኾይና ካልእ ተወሳኺ እውን ይሰምዓ።ሕጂ ነደ ወይ ነቦ ኣይኮንኩን ዝፈርድ ዘለኹ ።ኣነ እውን ካብ ካምፖ ፈርሃት ንነብሰይ ከውጽኣ ኣይክእልን እየ።ግን ነቶም ቆለውዕ ካብ ኣቦታቶም ወይ ኣዴታቶም ንላዕሊ ክፈትዎም ኣይክእልን እየ።ኣነ ከም ኣነ እታ ክእለተይ ኡይ ምባል ስለ ዝኾነት፣ኡይ ይብል ኣለኹ።እቲ መሰረታዊ ገበን ድማ እቲ ናይ ሓሶትን ኣዕናውን ገድሊ ምዃኑ ከረድእ ይፍትን ኣለኹ።ምኽንያቱ ከምቲ እቲ ዓቢ መጽሓፍ ዝብሎ ” THE TRUTH SHALL SET YOU FREE “..ነቲ ምሉእ ሓቅን ግፍዒን ዘይ ኣድላይነት ናይ ገድልን ምስ ፈለጥዎ፣ዝኽዖነ ኮይኑ እዩ፣እሞ ሕጂ እንታይ ንግትበር ይብሉ።ግን ናይ ሓሶት ሃገር ናይ ሓሶት መንግስቲ ፣ናይ ውላድ ፍቕርን ቃንዛን ሒዝዎ ኡይ ዘይብሉሎም ወለዲ ሒዞም፣ድሓር እቲ መንግስቲ ዓጋመን ኢትዮጵያን ጸላእቲ ኤርትራ ይብልዎም፣ተቓወምቲ እውን እዚ መንፈስ ነውርሶም።እቲ ዝሕግዞም ዘሎ ድማ ዓጋመን ኢትዮጵያውን እዩ።ንሕና ግን በደዊን እንዳዓመጽዎም ቦሎኛ ኬድና ጓይላ ህግደፍ ንቃወም ቶኳቶታት ኢና።እንታይ ይግበሩ መሳኪን ቆለውዕ።ሓንቲ ንገብራ ምስ ኢትዮጵያ እንድሕሪ ተዋጊ ኦም ነቶም ጸላእትና ዓጋመ ቀቲሎሞም፣ድሓር ተቓዋሚ ይኹን ደጋፍ መንግስቲ ገንዘብን ጥይትን የዋጽኣሎም።
    እታ ኤርትራስ ንቑልቁላ እያ።እንቋዕ ሓጎሳ፣ነቶም ደቀይ ኤርትራውያን ሕዒዛትል።አይ ኣይትኺድ እምበር፣ነቶም ዘይንረብሕ ወለዶም ዝኾንና ሒዛትና ግን ትኺድ።

POST A COMMENT