Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን ‘ዩ! – 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ብናተይ መረዳእታ፣ ካብቲ ንምሕደራዊ ኣከፋፍላ ዝተሓንጸጸ ካርታ ኣውራጃታት ኤርትራ፣ እሞ ኸኣ ኣብዚ ዓለም እናጸበበትሉ ትኸይድ ዘላ መዋእል፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምምሃዝን ብቑጠባዊ ውዲታት ከተራጕዶ ምፍታንን ርትዓዊ መሰረት ዘይብሉ ኣጉል ምጕት እዩ። ብዛዕባ ሃገር ክንሓስብ ከለና፣ ምስ

ብናተይ መረዳእታ፣ ካብቲ ንምሕደራዊ ኣከፋፍላ ዝተሓንጸጸ ካርታ ኣውራጃታት ኤርትራ፣ እሞ ኸኣ ኣብዚ ዓለም እናጸበበትሉ ትኸይድ ዘላ መዋእል፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምምሃዝን ብቑጠባዊ ውዲታት ከተራጕዶ ምፍታንን ርትዓዊ መሰረት ዘይብሉ ኣጉል ምጕት እዩ። ብዛዕባ ሃገር ክንሓስብ ከለና፣ ምስ ሓማሴን ኣብ ዝዳወባ ዓድታት ሰራየ ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ኣብ ጎደቦኡ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ሓማሴን ንዝርከብ ዜጋ ሕቖኡ ሂቡ ኣብ ቋሓይን ምስ ዝርከብ ወዲ ሰራየ ዘራኸቦ ዝተፈልየ ፖለቲካ የለን። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ወዲ ካርኔሽም ካብ ወዲ ሰንዓፈ ንላዕሊ ዝረኸቦ ቁጠባዊ ሓለፋ ‘ውን ኣይረኣየንን። እዚ ዕሽነት’ዚ፣ ክልተ እሱራት፣ ሓቢሮም ካብ ማእሰርቲ ነጻ ዝወጽኡሉ ብልሓት ኣብ ክንዲ ዝምህዙ ኣብ ውሽጢ ናይ ማሕዩር ሸላኦም “መንጸፍካ ካብ ናተይ ዝያዳ ኣላታ” ተበሃሂሎም ብምትህልላኾም፣ ዋርድያኦም ነቶም ባዕሎም ዝተሓላለዉ ዘለዉ እሱራት ገዲፉ ካልኦት እሱራት ክምእርር ክወፍር ዕድል ከም ምሃብ እዩ ዝቝጸር። ተወሰኽቲ ግዳያት ምስ ዝርከቡ ድማ፣ ዝጸልኣሎም እሱራት ሸላኦም ትጸቦም! ንርእሶም ይገዶም። ሓርነት ከመይ ኣቢልካ ከም እትርከብ ዘይኮነስ ኣብ ባርነት ከመይ ኢልካ ከምዝንበር ዘገድሶ ዝጸልኣሉ እሱር ደኣ ‘ሞ መን ይድንግጸሉ፣ ባዕሉ ዶ ይኮነን ንሕልፈት ተኾኒኑ! እዚ ድኹም ኤርትራዊ ኣእምሮ ወዲቑሉ ዘሎ ደረጃ ኣውራጃዊ ምትፍናንን ካብዚ ናይ እሱራት ህልኽ’ዚ ዝፍለ ኣይኮነን። ኢዋኣኻ ነዚ ዝረኣኻ!

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሕንፍሽፍሽ ዘመን፣ ኣብ ወረን ሕሜታን ዝተመስረተ ኣውራጃዊ ክልሰሓሳብ ክፈልስ፣ ኣብቲ ዘይጽኑዕ ክልሰሓሳብ ዝተመስረተ ስምዒታዊ ኣውራጃዊ ፖለቲካዊ ኣወዳድባ ከምዘድሊ ከይተረፈ ብድፍረት ክስማዕ ከሎ፣ “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ ከይኮነና” ሸለል ክብሃል ስለዘይብሉ፣ ዘርኢ መርዚ ከይተተኽለ ክንቀል ከምዘልዎ ንምዝኽካር ከኣ ‘የ ርእይቶይ ወስ ዘብል ዘለኹ።

በዚ መሰረት፣ ኣብቲ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ፣ እቲ ናይ ሓው ታደሰ ይኹን እቶም ካልኦት ኣብ ዘይተጸንዐ ኣበሃህላታት ተመርኵሶም ዝብጽሑ ክልሰሓሳባዊ መደምደምታታት ስነፍልጠታዊ ምርኩስ የብሎምን ዘበለኒ ምኽንያት ክጠቅስ፣ ብቐንዱ፣ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ሃገራዊ ዕላማታት ለውጢ ንምውቃዕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኮነ፣ ሕድሕድ ምትእምማን ኣዳኺሙ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዝራግ ክህልዎ ንዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ከረድእ ምዃነይ ኣሚተ ስለዝነበርኩ ብቐጥታ ናብ መብጽዓይ ክሰግር።

ሓው ታደሰ ኣብ ልዕልና ሕጊ ከምዝሰማማዕ ገሊጹ ኣሎ። እንተኾነ፣ ነቲ ኣብ መበቆል ዓዶም ተገዲሱ ኣብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘቕረቦ ክሲ፣ ምስቲ ንሳቶም ዝተወልዱሉ ከባቢ ሓናፊጹ፣ ክሳብ ሕጂ ሓደ ከባቢ ንኻልኦት ከባቢታት ወጺዑ፣ ሓደ ከባቢ ካብ ካልኦት ከባቢታት ረቢሑ ከምዝጸንሐ ዝገልጽ፣ ዘጋለብካዮ ፈረስ ጎልጎል ወዲኡ ቀዳሞት ኣእጋሩ ናብ ጸድፊ ወስ ምስ በላ ልጓም ከምምሓዝ ዝዓይነቱ ኣቀራርባኡ ምእራም ዘድልዮ እዩ። ቁስሊ ምንባሩ ዘረጋገጽ ጭብጢ ከይሓዝካ በሰላ ምህላዉ ውሁብ ዘምስል ኣመት ምሃብ ኣብቲ ኩሉ ፖለቲካዊ ጸወታ ንዘይወዓለ ህዝቢ ዝያዳ ከምዝጠራጠርን ከምዘይተኣማመንን ስለዝገብር፣ ንታሪኽ ብጎቦ ዓይንኻ ኣብ ክንዲ ምርኣይ፣ ብኽልተ ኣዒንትኻ ንመጻኢ ብምጥማት፣ ኣብ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ማዕርነትን ናይ ምርግጋጽ መትከል ብዘይ ነግፈረግ ክትኮረሉ ኣለዎ።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ሓው ታደሰ ከቕርቦ ዝቐነየ ተኸታታሊ ዓንቀጽ ንኣብነት፣ “እቶም ኣብ ህዝባዊ ግምባር ንንጹሃት ሃገራውያን እናቐንጸሉ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”… ብምባል፣ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣታተወ ምምዳራዊ ቅርጺ፣ ነዞም ወገናት እዚኣቶም ብሓለፋ ንምርባሕ ከምዝተኣታተወ ከረድእ ዝገበሮ ፈተነ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል “ቀንዲ ቁጠባዊ ማእከል (ጸጋታት ሃገር) ብጉልባብ ዞባዊ ምምሕዳር፣ ብኸመይ ኣብ ውሱን ከባቢታት ከምዝጸዓቐን ብኡ ኣቢሉ ድማ ከባቢታት ዝማእከሉ፣ ኣብ ህዝብና ዝተኣልመ ነባሪ ቁጠባዊ ምዝንባል ዝፈጥር ውዲት ክንርኢ ኢና” ብምባል ነቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ዓድታት ተገይሩሎም ኢሉ ኣብ 2ይ ክፋል ዘቕረቦ ኣብነታት ቁጠባዊ ሓለፋ ‘ውን ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን።

ሀ – ኣብቲ ፈለማ ዘምጽኦ ኣብነት፣ “እቲ ኣብ ዞባ ማእከል ንሰሜን ክሳብ ከባቢ ወኪ (34 ኪ.ሜ)፣ ብደቡባዊ ምዕራብ ክሳብ ከባቢታት ሕምብርቲ (34 ኪ.ሜ) ዝዝርጋሕ፣ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ዝርከብ ገጠራት ዞባ ማእከል፣ ብኸፊል ብኸፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ከምዝምወል ተገይሩ፣ ኣብ ከባቢ ወኪን ሕምብርትን ዝርከብ ሓረስታይ በተን ንኸፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ዝተዳለዋ ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ብውሑድ ወጻኢ፣ ኣስመራ ስራሕ ውዒሉ ገዝኡ ክሓድር ዕድል ይወሃቦ፣ እቲ 20 ኪሎሜተር ንደቡብ (ከባቢ ሽከቲ) ዝነበር ሓረስታይ ግን፣ እዚ ዕድል ‘ዚ የብሉን” ክብል ይጠቅስ።

ቅድሚ ኹሉ፣ ተቐማጦ ናይዞም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ዓድታት፣ መጠኑ ደኣ ይትሕት እምበር ንሳቶም ‘ውን ግብሪ ናይ ምኽፋል ግዴታ ኣለዎም። ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ዝነበር ድኻ ብሰንኪ እቶቶም ካብ ግብሪ ነጻ እንተኾይኖም ከኣ፣ ካብ “ሃብታማት” ከፈልቲ ግብሪ ኣስመራ ዝጥቀሙ ንሳቶም ጥራይ ኣይኮኑን። እቲ ካብ ርሑቕን ቀረባን ኩርናዓት ኤርትራ መጺኡ ኣብ ኣስመራ ዝነብር ህዝቢ ‘ውን ተጠቃሚ ናይዚ ዕድል ‘ዚ እዩ። ብቐንዱ ግን፣ ካብ ወኪ ይኹን ካብ ሕምብርቲ ናብ ኣስመራ ክወፍሩ ከለዉ፣ ንሳቶም ከም ሸቃሎ ቀረብ ጉልበት፣ ወይ ከኣ ደርሆ-እንቋቍሖ፣ ድንሽ ዝኣመሰሉ ሃለኽቲ ሒዞም እዮም ንኣስመራ ዝገሹዋ ዘለው። ኣብ ኣስመራ ምሉእ መዓልቲ ክውዕሉ ኸለዉ ‘ውን ብውሑዱ እንተ ስዋ እንተ ፋታ ምሕሻሾም ኣይተርፍን። ስለዚ ብድጎማ ኣውቶቡስ ከተማ ካብ ዝረኽቡዎ መኽሰብ፣ ንኣስመራ ዝሃቡዎ ኣገልግሎት ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ እዩ።

 

ብዓቢኡ ካብዚ ንኣውራጃዊ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ኣድልዎ ንምግላጽ ዘይበቅዕ ጽልቓ ኣብነት’ዚ ክብ ኢልና ክንርእዮ ዘለና፣ ምናልባት እቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዉ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ዓቢ ከተማ ብምድኳኖም ወጽዓ ከምዝህልዎም ‘ውን በቲ ሓደ ገጽ ምርኣዩ የድሊ። ጎዶቦ ከተማ ምዃን መኽሰብን ክሳራን እዩ ዘለዎ። ብዘይካ ተጠቃሚነት ኣገልግሎታት ከተማ፣ ዕድል ስራሕን፣ ካብ ክብሪ መሬት ዝርከብ መኽሰብን፣ ከከም ርሕቀቱ፣ እተን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዘለዋ ዓድታት፣ ምስ ምስፋሕ ከተማ፣ ግራውተን ኣብ ክንዲ እኽሊ ገዛውቲ ኣብቍሉ፣ ብኸተማ ተዋሒጠን መንነተን የጥፍኣ እየን። ብመስረት ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ መሬት ናይ መንግስቲ ስለዝኾነ ካብቲ ንጤሳ ተባሂሉ ንስድራቤታተን ዝግደፈለን ቃጽዖ ሓሊፈን ካብ መሬት ዝረኽባኦ ሓለፋ እናጎደለ እዩ ዝኸይድ። ካብ ከተማ ርሒቐን ዘለዋ ዓድታት፣ ካብ መሬት ቀጻልነት ዘለዎ ድርብ ኣገልግሎት ክረኽባ ከለዋ፣ ናይ ከባቢ ከተማ ዓድታት ረብሓ እናጸበበ እዩ ዝኸይድ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ፣ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ናይ ዝርከባ ዓድታት ህዝቢ ምስቲ ስርዓት ብቐጥታ ክጋጮን ክኸራኸርን፣ ክእሰርን ክፍታሕን ዝተራእየ።

 

ምስዚ ተኣሳሲሩ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ናይተን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከባ ዓድታት ዝወረደ ወጽዓ፣ እቲ ስርዓት፣ “ጤሳኹም ኣብ ውሽጢ 3 ዓመት እንተዘየስሪሕኩሞ መንግስቲ ከሕድገኩም እዩ” ኢሉ ስለዘፈራርሖም፣ እቶም ገንዘብ ዘይብሎም ዝበዝሑ ድኻታት ነቲ 500 ትርብዒት ሜትሮ ጤሳኦም፣ ብታህዋኽ ካብ ዝኾነ ኩርናዓት ኤርትራ ምስ ዝመጸ ብዓል ገንዘብ ንፍርቂ ተዋዓዒሎም ከምዘስራሕ ብምግባር ኣብ 250 ትርብዒት ሜትሮ ዝተሃንጸ ቤት ሒዞም ምትራፎም እዩ።

 

ንመሬት ኣባይቲ (ጤሳ) ብዝምልከት፣ ነበርቲ ኣስመራ ዝጸንሑዎ ዓመታት ብዘየገድስ ተቐማጦ ደኣምበር ደቂ ዓዲ ክብሃሉ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ብገንዘቦም ክካረዩ፣ መሬት ወይ ገዛ ክገዝኡ ደኣ እዮም ዝኽእሉ እምበር ከምቶም ዓዶም ብኣስመራ ዝተዋሕጠ (ከም ብዓል ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ጎዳይፍ፣ ወይ ድማ ናብ ኣስመራ ጠቢቐን ዘለዋ ዓድታት፣ ከም ቁሸት፣ ዓዲ ኣቤቶን ጻዕዳ ክርስትያንን) ደቂ ዓዲ ተባሂሎም ጤሳ ክወሃቦም ክጽበዩ ኣይክእሉን። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ዝተዓደለ ኣባይትን ተጠቅምትን ዝገልጽ ጭቡጥ ኣሃዛዊ ሓበሬታ (Statstics) ክሳብ ዘይተረኽበ ብፖለቲካዊ መልክዕ ዝግለጽ ወገናዊ ኣተዓዳድላ ነይሩዎ ኢልካ ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ብብዝሕ ዝበለ ቁጽሪ ተዓዲሉ ዝብሃል ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ኣባይቲ ብዝምልከት፣ ንናይ ህግደፍ ጽምኢ ዶላር ዘርውዩ፣ ክልተ ካብ ሚእቲ ዝኸፍሉ፣ ተደናገጽቲ ወይ ደገፍቲ ህግደፍ ኮነ ንህግደፍ ዘይቃወሙዎ ካብ ኩሉ ኣውራጃታት ዝውለዱ ውልቀሰባት ኣብቲ ጉጅለ ከምዘለዉ ኩሉ ሰብ በብወገኑ ዝፈልጦ እዩ። ሌላ ምስ ሓለፍቲ ኮነ ግቦ ኣብዚ ኣባይቲ ይኹን ትካላት ናይ ምርካብ ቅድድም ግደ ከምዘለዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ብልሽውና እቶም ፍሉያት ከባቢ ኣይኮኑን ዝሕመዩ። ብልሽውና ናይ ኩሉ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወገን ሕማም እዩ።

 

ካልእ ንእግረ መንገድና ክንጠቕሶ ዘድሊ ተገራጫውነት ናይቲ ሓው ታደሰ ወስ ዘበሎ ሓሳብ ዝእምት ጭቡጥ ነጥቢ፣ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ብዙሓት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝርከቡዎ ከባቢታት ሓማሴን ብጉልባብ ምሕደራዊ ቅርጺ ኣካል ዞባ ማእከል ኮይኑ ተጠቃሚ ስልጣኔን ረብሓታትን ኣስመራ ክኸውን ከምዝተገብረ እዩ ዘረድእ። እቲ ደቡባዊ ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዝርከብ ሕብርቲ ኸ ደኣ ስለምንታይ እዩ ኣካል ዞባ ማእከል ኮይኑ?

 

ህግደፍ ነቶም ካብ ኣስመራ ንሰሜን ዘለዉ ዓድታት ሓማሴን ብሓለፋ ናይ ምርብሖም ውዲት እንተደኣ ሃልዩዎ፣ ነቲ ንቡር ባሕሪ ናይ ምውራድ ልማዶም ስለምንታይ ኣጊዱዎም? ምምሕዳሮም ምስ ኣስመራ ካብ ምዃን ንላዕሊ ባሕሪ ምውራድ ዶ ኣይምበለጾምን? ዞባዊ ወይ ኣውራጃዊ ዶባተን ብዘየገድስ ጂኦግራፊካዊ ርሕቀት ናይተን ዓድታት ስለዘይቅየር፣ ካብ ቅርበት ከተማ ኣስመራ ዝረኽባኦ ሓለፋ ኣይምሰኣነኦን።

 

ብሓጺሩ፣ እተን ብተዛማዲ ብዓሰርተታት ኪሎሜተራት ካብ ኣስመራ ርሒቐን ዘለዋ ዓዲ ዃላ ወይ ሰንዓፈ ማዕረ ወክን ሕምብርትን ካብ ኣስመራ ዘይረብሓ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ልክዕ ከምቲ ቅርበት ናብ ዓቢ ከተማ ዘለዎ ረብሓን ክሳራን፣ ርሕቀት ካብ ዓቢ ከተማ ‘ውን ረብሓን ክሳራን ከምዘለዎ ኣድማሳዊ ሓቅነቱ ክንቅበሎ እምበር ከነማርረሉ ኣይግባእን።

 

ለ – ንዞባ ጋሽ ባርካ ብዝምልከት “ብቐዳማይ ደረጃ ናይ ወፍሪ ዕድል ዝወሃቦም እቶም ዝሓሸ ቁጠባን ፖለቲካዊ ውዳበን ዝውንኑ፣ ናብዚ ዞባ’ዚ ዝተጸንበሩ ደቂ ኸበሳ፣ (ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዘሎ ከባቢታት ሓማሴን) እዮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ትሑት ማሕበራዊ ምዕባለ ዘለዎ ህዝቢ ኩናማ ኣብ ገዛእ ዓዱን መረበቱን ወሪዱዎ ዘሎ በደል ድማ ናይዚ ዘይምዕሩይ ፖሊሲ ህግደፍ ንጹር መርኣያ እዩ። ኩናማ፣ ‘ናይ ኤርትራ ኣቦርጁንስ እዮም’ እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን” ይብል ሓው ታደሰ።

 

ናይ ብሄረ ኩናማ ሕቶ ኣብ ጭቡጥ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ፍታሕ ዘድልዮ ኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ናይ ሓው ታደሰ ዓንቀጽ ከም ተወሳኺ ናይ ሓደ ካልእ ዝዓበየ ዕላማ ዝቐርብ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። ወጽዓኦም ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኤርትራ ናብ ዞባዊ ምስ ተቐየረ ዝጀመረ ኣይኮነን።

 

ምስ ዋሕዲ ቁጽሮምን ጽበት ዝነበሩሉ ከባብን ብሄረ ኩናማ፣ ዓምጽን ጭፍለቓን ህግደፍ ዝያዳ ካልእ ኤርትራዊ ክፍለጦምን ክውጽዖምን ከምዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ ጸቕጥን ዓመጽን ህግደፍ 1000 ደቂ ከበሳን 1000 ኣባላት ብሄረ ኩናማ ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ከለዉ፣ ሃስያኡ ኣብ ኣባላት ብሄረ ኩናማ ኣዝዩ ከምዝዓቢ ርዱእ እዩ። ስለዚ ከም ውሑዳን መጠን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ምድንጋጽን ኣቓልቦን የድልዮም። ይኹን’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ኣቦርጁንስ ኮይኑ ይጸንት ስለዘሎ፣ እዚ ዝጠቐስናዮ ኣቓልቦን ደገፍን ክረኽቡ ዝኽእሉ ሽግር ኩሉ ኤርትራዊ ምስ ዝፍታሕ እዩ። ጠንቂ ምድኻምን ወጽዓን ብሄረ ኩናማ ምስ’ዚ ናይ ምክፍፋል ዞባታት ሓናፊጽካ ምግላጹ እምብኣር ነቲ ኣውራጃዊ ምጕት ንምምቃር ተባሂሉ ይቐርብ ምህላዉ እዩ ዘርኢ።

 

ብጂኦግራፍ ጥራይ ዘይኮነ ብህዝቢ ‘ውን እንተርኢናዮ፣ ብፍላይ እቲ ምዕራብ ካብ ኣስመራ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ዝነበር ህዝቢ፣ ድሕሪ እዚ ሓዱሽ ምክፍፋል ዞባታት ኣይኮነን ኣብ ጋሽ ባርካ ክጣይስ ጀሚሩ። ብዕድመ ክርአ ኸሎ እተን ኣብ ዞባ ጋሽ ዝርከባ ዝበዝሑ ካብ ከበሳ፣ ብሕልፊ ድማ ካብ ምዕራብ ሓማሴን ዝፈለሱ ህዝቢ ዝርከቡወን ዓድታት ካብ ህዝባዊ ግንባር ኣጸቢቐን ይዓብያ። ህዝቢ ምዕራብ ሓማሴን በዚ ሓዱሽ ዞባዊ ምምሕዳር ኣብ ዞባ ጋሽ ስለዝተጸንበረ ሓዱሽ ዋሕዚ ኣይተፈጥረን። ግደ ሓቂ፣ በቲ ግዱድ ናይ ሰፈራ ፕሮግራም ህግደፍ፣ ብዙሓት ተቐማጦ ዞባ ደቡብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጋሽ ባርካ ከምዝሰፈሩ ይፍለጥ። ልክዕ ከምቲ ኣስመራ ካብ ዝኾነ ኩርናዓት ኤርትራ ብዝመጽአ ህዝቢ ተጎቢኣ ዘላ፣ ዞባ ጋሽ ባርካ ‘ውን ብተመሳሳሊ ካብ መላእ ከባቢታት ኤርትራ ብዝመጽአ ህዝቢ ወይ ኣውፋሪ መሊኣ ‘ላ። እቲ ምርጫ መነባብሮ (Lifestyle) ውልቀሰባት ጥራይ እዩ ዝፈላለ። ክሓርስ፣ ክነግድ ዝደለየ ናብ ጋሽ ባርካ ይወፍር፣ ናብራ ከተማ ዘብህጎ ከኣ ኣስመራ ይእከብ።

 

ኣባላት ብሄረ ኩናማ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝውለድ ህዝቢ ጤሳ ክረክብ ዝግብኦ፣ ንሳቶም ‘ውን ኣብ ዓድታቶም ጤሳ ክወሃቦም፣ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ጸጋታት ብዝበለጸ ክጥቀሙሉ፣ ያታዊ ኣገባብ መነባብሮኦም ኣመሓይሾም ህይወቶም ብዝበለጸ ክመርሑ ትምህርትን ስልጠናን ክረኽቡ ትዅረት ክወሃቦም ይግባእ። ልዕሊ ኹሉ ነዚ ናይ ማዕርነት ፍታሕ ዘጽንዖ ኸኣ ግዝኣተ ሕጊ ምትካል እዩ።

 

ተወሳኺ ተገራጫውነት ምጕት ሓው ታደሰ፣ ኣብ ህዝባዊ ግምባር…ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቶም ዝኣተዉ ውልቀሰባት (ተወለድቲ ናይቲ ሰሜን ካብ ኣስመራ ዝርከብ ከባቢታት ሓማሴንን፣ ሕርጊጎ ዝማእከሉ ከባቢታት ባጽዕን) ብጉልባብ ምምሕዳራዊ ቅርጺ፣ ነቲ ካልእ ማዕሪኦም ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ኣጓንዮም ንቀንዲ ቁጠባ ኤርትራ ከመቓርሑዎ ኢና ተዓዚብና”…ዝበሎ፣ ኣብዚ ክፋል’ዚ ዘይሰርሕ ምዃኑ እዩ። ከምዝርድኣኒ፣ እቶም ምዕራብ ካብ ኣስመራ ዝርከቡ ከባቢታት ሓማሴን፣ ከም ባርካን ዝበዝሐ ክፋላት ሰራየን ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ቅዱም ሌላኦምን ተሳታፍነቶምን ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለዝነበረ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ህግደፍ ብዙሓት የለዉን። ስለምንታይ ደኣ’ዮም ከም ኣበሃህላ ሓው ታደሰ ላህመት ቁጠባዊ ረብሓታት ጋሽ ባርካ ክገፉ ሓለፋ ተዋሂቡዎም?

 

ምስዚ ጥቕስ ዘበልናዮ ሕጡበጽሑፍ ንኣውራጃ ብዝምልከት ኣብ ዝልዓል ምጕት ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሕጂ ኸኣ ኣብ ህግደፍ ካብ ከባቢ ካርኔሽም ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ ብሕልፊ ድማ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምህላዎም እዩ። እዚ ክዉንነት’ዚ ግን ንበይኑ ከም መበገሲ ኣውራጃዊ ፍልልይን ፖለቲካዊ ዕብለላን ክቐውም ዝኽእል ኣይኮነን።

 

ፈለማ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ምስ ዕብየትን ምንቅስቓስን ህዝባዊ ግንባር ዝተኣሳሰር ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ከምዘለዎ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ መጀመርያን መፋርቕን ሰብዓታት ህዝባዊ ግንባር ንሰሜናዊ ባሕሪ ከም መበገሲ ገይሩ ዝተቐልቀለሎምን ብጻዕቂ ዝተንቀሳቐሰሎምን ከባቢታት ካርኔሽም፣ ኣብቲ ንባሕርን ከበሳን ዳርጋ ብማዕረ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ህዝቢ ‘ቲ ከባቢ ርኡይ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክገድፍን ብዝሒ ተሳታፍነት ክዕድምን ባህርያዊ እዩ። እቲ ኩነታት ሳዕቤን ናይቲ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዘይኮነ፣ ግድምና (ቅዱም ተሳታፍነትን ተመክሮን) ቀንዲ ረቛሒ መምዘንን መምዘዝንን ሓላፍነት ዝነበረሉ መድረኽ ቃልሲ፣ ዝመጸአ ክኸውን ይኽእል። ብተመሳሳሊ ንዓላ መበገሲ ብምግባር ናብ ከበሳታት ኣከለጉዛይ (ብፍላይ ከባቢ ሰገነይትን ድግሳን ጽንዓደግለን) ዝቀላቀል ዝነበረ ምንቅስቓስን ውደባን ህዝባዊ ግንባር ‘ውን ብመጠን ጻዕቂ ናይቲ ንጥፈታት ተመሳሳሊ ውጽኢት ከምዝነበሮ ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ሰምሃርን ሳሕልን ‘ውን ከምኡ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ‘ውን ኣብቲ ቀንዲ መስረታ ዝነበረ ባርካ፣ ካብ ባርካ ተበጊሳ ትበጽሖ ዝነበረት ከባቢታት ሰንሒት፣ ብቖላ ሰራየ ዝኣተወቶ ዝሰፍሐ ከባቢታት ሰራየ፣ ከምኡ ‘ውን ክፋላት ዓንሰባ ናይ ሓማሴን፣ ከከም ጽልዋኡን መጠኑን ጻዕቂ ተጋደልትን ላዕለዎት ሓለፍትን ከምዝነበራ ይፍለጥ።

 

ሓው ታደሰ ኣብቲ ቀዳማይ ጽሑፉ (ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን) ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፣ ሓው ማሕሙድ ሳልሕ፣ ነዚ ኣመልኪቱ ኣቕሪቡዎ ምስ ዝነበረ መረዳእታ እሰማማዕ እየ። ኣብዚ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓው ታደሰ፣ ንምጕቱ ዘገልግል ምሩጽ ኣብነታት ጥራይ እዩ ጠቒሱ ሓሊፉ። ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግሎት ዘለዉ ካብ ሓማሴን ዝበዝሑዎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክረቍሕ ከሎ፣ ነቶም ብዙሓት ደቂ ኣከለጉዛይ ዝርከቡዎም ነቲ ስርዓት ኣብ ስለያን ጸጥታን ዘገልግሉዎ ዘለዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሸለል ኢሉዎም እዩ ሓሊፉ። (ብዝኾነ፣ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይቲ ጉዳይ፣ እቶም ዝወዓሉዎ ገዳይም ተጋደልቲ ኣብ ጭቡጥ ተመክሮ ዝተመርኮሰ ሓበሬታን ኣስተምህሮን ክህቡ ዝኽእሉ ይመስለኒ)።

 

ዋላ ኳ ታሪኻዊ ድሕረባይታ እንተለዎ፣ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ምዝንባል፣ ኣብ ንቡር ኩነታት ማለት ድሕሪ ናጽነት (ወዮ ደኣ ንቡር ኣይተረኽበን እምበር) ካብ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተወከሉ ዜጋታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ከምዝሳተፉ ብምግባር፣ ነቲ ኣብ ግድምና ዝምርኮስ ዝነበረ ወተሃደራዊ ጽፍሕታት ኣብ ትምህርትን ሳይንስን ዝተመስረተ ከምዝኸውን ብምግባር ንጸጥታ ሃገር ብዘይጎድእ መንገዲ በብቑሩብ እናመዛዘንካ ምቕያሩ ኣገዳሲ እዩ።

 

ነዚ ከም ድሕረ ባይታ ጥቕስ ኣቢለ፣ ብኣውርኡ ከተኵረሉ ዝደሊ ቀንዲ ጉዳይ ውጽኢት ናይቲ ዞባዊ ምክፍፋል እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ብሰፊሑ ዝረኣናዮ፣ በዚ ሓዱሽ ቅርጺ’ዚ ህዝቢ ካርነሽም ከም ህዝቡ ካብ ምጕዳእ ሓሊፉ ካብ ህዝቡ ንላዕሊ ዝረኸቦ ፍሉይ ቁጠባዊ ሓለፋ ይኹን ፖለቲካዊ ረብሓ ኣይረኣየንን። እቶም ካብቲ ከባቢ ዝውለዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ኢሳይያስ ክሕልዉዎ መታን ብዝሃቦም ሓለፋታትን፣ ከከም ውልቃዊ ባህርያቶምን ሕልናኦምን ስልጣኖም ተጠቒሞም ብዝገብሩዎ ሽምጠጣን ብልሽውናን፣ ከም ኩሎም ‘ቶም ካልኦት ሓለፍቲ፣ ንነብሶምን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ይጠቕሙ ከምዘለዉ ፍሉጥ እዩ። ብሕታዊ ረብሓ ናይዞም ውልቀሰባት ናይ ህዝቢ ረብሓ ተመሲሉ፣ መበገሲ ኣልማማዊ ወቐሳ ክኸውን ግን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ውጹዕ ንውጹዕ ክካሰስ ከሎ ዝርሳዕ እቲ ቀንዲ ወጻዒ እዩ።  

 

ካብቶም ሰበስልጣን ብቐጥታ ዝጥቀሙ፣ ገለ ናይ ቀረባ ቤተሰብ፣ ንስርዓት ኢሳይያስ ከም ናቶም ርእዮም ረብሓኦምን ምንጪ በለጽ ንዝኾኑዎም ቤተሰቦምን ክከላኸሉሎም ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ካብዚ ወጻኢ፣ ገለ ደቂ እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ከባቢታት ሓማሴን፣ እቲ ህዝቢ ከም ሃገሩ ይጕዳእ ከምዘሎ ርኡይ ክንሱ፣ በቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ተገሪዞም፣ “መንግስትና” እናበሉ፣ ነቲ ስርዓት ናይ ምድጋፍ ሆይሆይታ ከስምዑ ከለዉ ‘ውን ዘደንጹ እዩ። እዚ ንረብሓን ተጠቃምነትን ህዝቢ መዐቀኒ ፖለቲካዊ መርገጺ ካብ ምግባር ዘይኮነ፣ ከም ተጻራሪ ግብረመልሲ ናይቲ ንሓደ ውሱን ከባቢ ደጋፊ ናይቲ ስርዓት፣ ነቲ ካልእ ከኣ ተቓዋሚ እናተበልካ ዝዝርጋሕ ሕሜታ ዝመጽእ ህልኽ እዩ። እዚ ኸኣ ‘ዩ እቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ወገናዊ ፖለቲካ።

 

እዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ነቲ ስርዓት ሓደ ወገን ስለዝደገፎ ወይ ስለዝተቓወሞ ዝመጸ ዘይኮነ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብሕትውና ስልጣን ንምርግጋጽ ብዝተኸተሎ ገባቲ ፖሊሲ ዝሰዓበ ውድቀት እዩ። እምበር ህዝቢ ሓማሴን ብምሉኡ እንተዝድግፎ ክንድዚ ኣይምወደቐን፣ እቲ ኻልእ ህዝቢ ብምሉኡ እንተዝቃለሶ ኸኣ ክሳብ ሎሚ ኣይምጸንሐን። ስለዝኾነ፣ ኣተኵሮና፣ ኣብ ነንሕድሕድና ዘይኮነ ኣንጻር እቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ክኸውን ኣለዎ።     

 

ነዚ ኣብነታት ከም መበገሲ ወሲድና፣ ነቲ ጉዳይ ዕብይ ብዝበለ ስእሊ ክንምልከቶ ምስ እንፍትን፣ ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኤርትራ፣ ነዊሕ እዋን ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ፣ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዙ ዝነበረ ክንሱ፣ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተጠቕሰ ተኣፋፊ ኣውራጃዊ ስምዒታት ኣለዓዒሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ስምዒት ካብ ምምዕባል ኮነ ንሃገራዊ ናጽነቱ ብቐዳምነት ሰሪዑ ካብ ምቅላስ ዘይምዕጋቱ ብሓደ ወገን፣ በቲ ኻልእ ከኣ፣ “ርእስና ዝኸኣልና ሃገር እምበር ናይ ኢትዮጵያ ኣውራጃ ኣይኮነን” ኢልና ምእንቲ ሃገር ተቓሊስና ምስ ተዓወትና ዝኽሰት ዘሎ ንድሕሪት ናብ ኣውራጃ ገጽካ ናይ ምጥማት ተርእዮ መርመራ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

 

ብመንጽር’ቲ ኣብቲ ዝቐደመ ዓንቀጽ ዝጠቐስኩዎ ኣምራት ንቡር ህላወ ኣውራጃን ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ስምዒትን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጠንቂ ፍልልይ ኮይኖም ዘለዉ ምኽንያታት ንግዚኡ ክልተ ረቛሕቲ ምጥቃስ ይከኣል።

 

1ይ – ክርክር ስልጣን ፖለቲካዊ ቀጸላታት

 

ሳላ’ቲ ምጽውዋርን ልቦናን ሕብረተሰብና፣ ንኣውራጃዊ ፍልልይ ባዕዳውያን  ሓይልታት ብፍላይ ድማ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ክጥቀሙሉ ‘ኳ እንተዘይከኣሉ፣ ካብ ግዜ ገድሊ ኣትሒዙ ጠንቂ ናይዚ ኣሉታዊ ኣውራጃዊ ዝንባለ’ዚ ኮይኑ ፈኸም ከብሉዎ ካብ ዝጸንሑ ረቛሒታት ሓደ፣ ክርክር ስልጣን ፖለቲካዊ ቀጸላታት (Political Elites) ሃገርና እዩ።

 

ኣብ 60ታትን መጀመርያ 70ታትን ኣብቲ ብኣመንቲ ምስልምና ዝዕብለል ዝነበረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንመራሕቲ ጀብሃ ብዝያዳ ሃይማኖትን ቀቢላን መከራኸሪ ዕብለላ ስልጣን ኮይኑ ዘገልግሎም እንተነይሩ፣ ኣብቲ ብሃይማኖትን ቋንቋን ብሄርን ሓደ ዝኾነ ህዝቢ (ከበሳ) ኣሃዛዊ ዓብላልነቱ እናተራእየ ዝኸደሉ ዝነበረ ሻዕብያ ብፍላይ ንኢሳይያስ ስልጣኑ ክዕቅብ ዝተረፎ እንኮ መጣልዒ ካርታ ኣውራጃ እዩ ነይሩ። ኢሳይያስ ነዚ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ‘ዚ ብግሁድ ናብ ሓፋሽ ተጋዳላይ ከስርጾ እንተፈቲኑ ኩሉ ገዲፉዎ ምኻዱ ስለዘይተርፎ ኣብ መወዳእትኡ ዝምራሕ ‘ውን ክረክብ ስለዘይኮነ ብጠበብ እዩ ኣካይዱዎ። ኣብ ስልጣኑ ስግኣት ከጋጥሞ ኸሎ ካብ መጻብቦ መውጽኢ ዝኾኑዎ ደገፍቲ ንኽኸስብ ወይ ንተቓወምቱ ንኽንጽል ተጠቒሙሉ። ኢሳይያስ ኮነ እቶም ብቐጥታን ተዘዋዋርን ዝተሓባበሩዎ ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ፣ ድሮ ብናይ ስልጣን ህልኽን ውድድርን ላድዮም ስለዝነበሩ፣ ነቲ ሽዑ ካብ’ቲ ያታዊ ሕብረተሰብ ብብዝሒ ዝስለፍ ዝነበረ ጋሻ ተጋዳላይ ከደናግሩዎ፣ ነቲ ዝፈለጦም ሒደት ከኣ ከፈራርሑዎ ዝቐለለ እዩ ነይሩ።

 

ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ጥሙሕ ዝነበሮም ኢሳይያስን መሻርኽቱን፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ሕቶ ዲሞክራስን ሕጋውነትን ክለዓል ከሎ፣ ነቲ ኣብ ስልጣኖም ስግኣት ዝፈጥረሎም ሕቶ ንምቅላልን ንምድኻምን ምስቲ ንሓፋሽ ተጋዳላይ ዘፍርሖ ከም ኣውራጃዊ ምፍልላይ ዝኣመሰለ ጉዳያት ኣተኣሳሲሮም ብምግላጽ ነቲ ናይ መትከል ሕቶ ብፕሮፖጋንዳ ይሰብሩዎ፣ ስልጣኖም ድማ የድሕኑ ከምዝነበሩ ኢና እንርዳእ። ምኽንያቱ ነዚ ኣመል’ዚ ክሳብ ሕጂ ይቕጽሉዎ ስለዘለዉ።

 

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ግብረመልሲ ናይቲ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ሕቶታት ዘልዓለ ወገን ወሳኒ እዩ። ፕሮፖጋንዳዊ ማሺንን ሓይልን ዘይምህላው ክፈጥረሎም ዝኽእል ብድሆ ቀሊል ኳ እንተዘይኮነ፣ እቶም ዓቀብቲ ስልጣን “ደቂ ‘ዚ ኣውራጃ’ዚ ስለዝኾኑ ‘ኮ እዮም ነዚ ሕቶ’ዚ ዘልዕሉ፣ ዝቃወሙና ዘለዉ” ክብሉ ከለዉ፣ እቶም ሓተቲ ብወገኖም፣ “ደቂ እቲ ኣውራጃ ‘ቲ ስለዝኾኑ ‘ኮ እዮም ንሕቶና ዝነጽጉዎ፣ ዝከላኸሉ ዘለዉ” ክብሉ እንተመሊሶምሎም፣ ወዮ ፖለቲካዊ ጉዳይ ካብቲ ቀንዲ መትከላዊ ሕቶታት ወጺኡ ማለት እዩ። ካብዚ ምዝባል’ዚ ዝኸስብ ከኣ እቲ ከፋፋሊ ስልቲ ብምዝውታር ፖለቲካዊ ስልጣን ክብሕት ውዲት ዝኣለመ እዩ። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና፣ እቲ ዕላማ ስልጣን፣ እቲ ኣውራጃዊ ምክፍፋል ከኣ ሜላ ምዃኑ እዩ።

 

ነዚ ኩነታት’ዚ ምስ’ቲ ብወረወረ እንሰምዖ ናይ 73 ምንቅስቓስ ኣተኣሳሲርና እንተተመልከትናዮ፣ ብፍላይ ኣብ ደምበ ተቓውሞ፣ ሓደ ኣውራጃ (ሓማሴን) ቀንጻሊ ሓደ ካልእ ኣውራጃ (ኣከለጉዛይ) ተቐንጻሊ ከምዝነበረ ዘስምዕ ዛንታ ክደጋገም ይስማዕ። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ድሕሪ 40 ዓመታት ናይቲ ፍጻሜ፣ ብፍላይ ንሕቶ ኣውራጃ ዝምልከቱ ጉዳያት ምስዚ ዛንታ’ዚ ተኣሳሲሮም ክረኣዩ ‘ውን ትዕዘብ።

 

ፈለማ ኣብቲ ኢሳይያስን ደገፍቱን “መንካዕ” ኢሎም ዝጠቐሱዎ ምንቅስቓስ፣ ናይ ዝኣሰሩን ዝተኣስሩን፣ ዝቐንጸሉን ዝተቐንጸሉን፣ ኣፋዊ ሓበሬታ እንተዘይኮይኑ፣ ምሉእ ቁጽርን መንነትን ኣውራጃዊ ዝንባለን ዝገልጽ፣ ጭቡጥ መወከሲ ዘለዎ ውዱዕ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ፣ ኣብ 1976 ‘ውን (እዚ ኸኣ ብተመሳሳሊ ብዘይውዱዕ ሓበሬታ) ብዛንታ እንሰምዖ፣ ደቂ ሓማሴን ዝበዝሑዎ፣ ናይ “የሚን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ግዳይ ከምዝነበረ ይዝረብ እዩ። ብዓቢኡ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ጃምላዊ ማእሰርቲ ‘ጉጅለ 15’ ኣውራጃን ሃይማኖትን ዘይፍለየሉ ዘመተ ማእሰርቲ ምንባሩ ኩላትና ዝረኣናዮ እዩ። ነቶም ፖለቲካዊ ሕቶ ዘልዓሉ ተንቀሳቐስቲ፣ ዋላ ኢሳይያስ ነቲ ኣረጊት ኣውራጃዊ ሜላ ምፍልላይ ምጥቃም ስለዘጸገሞ፣ “ተምበርከኽቲ፣ መሳርሒ ወያነ ሲ ኣይ ኤ” ብምባል እዩ ከጸልሞም ፈቲኑ። ካብዚ ውሩይ ተርእዮታት ወጻኢ፣ ካብ ኩሉ ኣውራጃታትን ሃይማኖታትን በብውልቂ ይኹን በብጉጅለ ተኣሲሮም ኣብ ምቑሕ ዝበልዩን ዝሓቁን ብዙሓት ኤርትራዉያን ምህላዎም ‘ውን ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ንኻልኦት ዛንታታት ዕሽሽ ኢልካ ኣብ ሓደ ዝተመርጸ ዛንታ (Selcted Naration) ብምትኳር ናብ መደምደምታታት ምብጻሕ ‘ውን ቅኑዕ ኣይኮነን።

 

ካብዚ ተረእዮታት’ዚ ክንግንዘቦ እንኽእል ነገር፣ ኢሳይያስ፣ ነቲ ስልጣን ናይ ምግባት ጥሙሑ ንምርዋይ፣ ካብ ኣየናይ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ብዘየገድስ ብስልጣን ዝቕሸሹ ምእዙዛት ኣገልገልቲ እናኣለለየ፣ ኩሉ ዓይነት ሜላታት፣ እንተላይ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልይ፣ ናይ ጸለመ ፕሮፖጋንዳን ሓይልን ዝጥቀም፣ ኣብ ድሕረትና ዞሪቝ ን40 ዓመታት ዝተጻወተልና መራሒ ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ብዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ተጸይኑ፣ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ስግኣቱ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓብዩሉ ዘሎ እዋን፣ ነቶም ናብ ስልጣን ክስቀልን ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ሓጊዞምኒ ዝብሎም ኣረግቶት ሜላታት ብዝለዓለ ይጥቀመሎም ምህላዉ ኸኣ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

 

እቶም ደለይቲ ልዕልና ሕጊ፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሕን ማዕርነትን እምብኣር፣ ከም’ቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፣ ንኢሳይያስ እቲ ዕላማ ስልጣን፣ ምክፍፋል ኣውራጃ ኸኣ ሜላ ካብ ኮነ፣ ካብዚ ሓቂ ‘ዚ ሸተት ኢልና፣ ኣብቲ ዘዳለወልና መጻወድያ ብምውዳቕ ንኣውራጃ ከም ዕላማ ርኢና ከይነዛንዮ ክንጎርሓሉ ይግባእ። ተገሪህና ወይ ጎሪሕና ኣብ’ዚ ፈላላዪ ጸወታ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ተሳተፍቲ እንተዄንና፣ ተጻወቲ ዘይኮና ኵዕሶ ኢና እንኸውን። ኣብራኹ ተሰይሩ ካብ ሜዳ ክወጽእ ኣብ ቃሬዛ ብዝተሰቕለ ስዑር ተጻዋታይ ከም ኩዕሶ እንቕላዕ ተጻወቲ። ንሱ ኸኣ ኣብ ክልቲኡ ልዳታት ዝኣትዋ ጎላት ዝሕሰባውሉ ካብ ሜዳ ወጻኢ ኮይኑ ዝስዕር ዕድለኛ ተጻዋታይ።

 

ብሓጺር ኣዘራርባ፣ እዚ ዝንቡዕ መንገዲ’ዚ፣ ቀንዲ ጸላኢና ኣብ ምልላይን ዕላማና ኣብ ምንጻርን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንዝጸንሐ ድኻም መሊሱ ዘዕቢ፣ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ተመሳሳሊ ምድንጋር (Confusion) ‘ውን ብዝያዳ ዘጋድድ እዩ።

 

ኢሳይያስ ብሓደ ክገጥሞ ንዝኽእል ሓይሊ ብኣውራጃዊ ሜላ ከፋፊሉ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክጥቀመሉ ክፍትን ከሎ፣ ንሕና በንጻሩ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘፍርሖ ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ምሕያል፣ ናብቲ ዝፈጥረልና ዘሎ ጓል መንገዲ ተኣሊና፣ ካብ ቀንዲ ዕላማ ለውጢ ተገሪዝና ክንተርፍ ከለና ንዝህብና ውርደት ጥራይ ኢና ንውስኸሉ፣ ብተዘዋዋሪ ንዕላምኡ ኢና ነገልግል ዘለና። ስለዚ፣ ዕላማና ንመኸተ ውልቀምልኪ ኣጽኒዕና ብምሓዝ፣ ካብቲ ቀንዲ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝሕመረቱ ስትራተጂ ለውጢ ከይንወጽእ ናይ ቃልሲ ኣሳእንና መሳምር ክንሸኽለሉ ይግባእ።

 

ከምቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ዘውካእኩዎ፣ ኣብ ናይ ስልጣን ቁርቍስ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ቀጻላታት ብመትከል ክሰዓሩ ኸለዉ፣ ነቲ ኣብ ኣእምሮኦም ተዓቝሩ ዝጸንሕ ዝንባለታት (ንኣብነት ኣውራጃዊ ፍልልይ) ናብ ኣእምሮ ህዝቢ ኣፍሊሶም እንተኾይኑሎም ሓይሎም ኣጽኒዖም ስልጣን ክዕቅቡ፣ እንተዘይኮይኑሎም ከኣ ዕግርግር ፈጢሮም ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ክፍትኑ ምርኣይ ልሙድ እዩ። እቶም በዅቢኾም ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ኣብዚ መስቀላዊ መንገዲ እዮም ዝርከቡ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣውራጃዊ ፍልልይ ምእንጋድ ከኣ ድዅዕን ማይን ምዃኖም እዩ።

 

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኸስተ ግጭት ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ። ንመራሕቲ ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬርን ሪክ ማሻርን ናይ ስልጣን ቁርቍስ ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ ምስ ኣብጽሖም፣ ነቲ ግጭት ናይ ዲንቃን ንውየርን ዓሌታዊ መልክዕ ኣብ ምትሓዙ ዳርጋ ተዓዊቶም ክብሃል ይከኣል። እቲ ዝሞተን ዝተመዛበለን ኣሽሓት ግን ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝርከብ ውጹዕ ህዝቢ እዩ። ናይ ስልጣን ክርክሮም ብዝወልዖ ሕድሕድ ውግእ ህዝቢ ምትእምማን ኣጥፊኡ ዓሌታዊ ግንባራት ሒዙ እናተጣፍአ፣ እቶም መንቀኛታት መራሕቲ፣ ኣብ ርእሰ ከተማታት ጎረባብቲ ሃገራት ተራኺቦም ነንሕድሕዶም ሰላምታ ዝለዋወጡ ኸኣ፣ እቲ ዓሌታዊ ስምዒት ወገናቶም ፍታሕ ስለዝረኸበ ዘይኮነስ ናይ ስልጣንን ስስዐኦም ብምምቕራሕ ስልጣን እንተ ብኸፊል እንተ ብምሉእ ረውዩ ልቦም ምስ ረግአ እዩ። እቲ “ጠፋእካ፣ ንርእስኻን ወገንካን ተኸላኸል” ተባሂሉ ዝተለዓዓለ ምስኪናይ ምልሻ ኸኣ፣ ቡቝሊ ጸልኢ ኣብ ርእሱ ኣቐሚጡ፣ ከይተኣማመነ ብረቱ ኣውሪዱ ከም ቀደሙ ድኽነቱን ወጽዕኡን ይቕጽል።

 

2ይ – ፖለቲካዊ ጥፍሽናን ሞራላዊ ውድቀትን ሕብረተሰብና 

 

እቲ ካልኣይ ነዚ ኣውራጃዊ ስምዒትን (ከም ብሄራውን ሃይማኖታውን ዝኣመሰሉ ፍልልያትን) ዘጓሃህር ዘሎ ኩነታት፣ ሞራላዊ ወድቀት ሕበረተሰብናን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጥፍሽና ናይ ኣማራጺ ባዶሽ ተፈጢሩ ምህላዉን እዩ። እቲ ብዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተወጺዑ ዘሎ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ናይ ሓባር ራእይ ኣማዕቢሉን ንጹር ስትራተጂ ስኢሉን ነቲ ቀንዲ ጸላኢኡ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ክምክት ዘኽእሎ መሪሕነት ስለዘይረኸበ፣ ኣብ ድንግርግር (Confusion) ይርከብ ምህላዉ እዩ እቲ ጸገም።

 

ሰለ’ዚ፣ እቲ ብተስፋ ምቝራጽ ተሰኒፉ ኣንጻር እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ፊትንፊት ናይ ምግጣም ርእሰምትእምማን ዘጥፍአ ክፋል ሕብረተሰብና፣ ኣብ ኣውራጃ፣ ብሄር፣ ሃይማኖት ወሪዱ ካልኦት ናእሽቱ ሓሳባዊ ጸላእቲ (Imaginary Foes) ይፈጥር ‘ሞ፣ ከይተፈለጦ ሰራዊት ምልኪ ኮይኑ ክንሱ “ይቃለስ ኣለኹ” እናበለ ነብሱ የደዓዓስ፣ ብግብሪ ግን ኣብ ዕንወት ይጽመድ። እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ ከለኻ ብሕልሚ ትኸይድ ዘለኻ ዝመስለካ፣ ኣካይዳ ሕልሚ እዩ። እቲ ፍልልይ፣ ብሕልሚ ዓራት ዘይስበር ምዃኑ፣ እንተ በዚ ዓያሹ ክተኽሉዎ ዝፍትኑ ፍልልይ ግን፣ ንሓዋሩ ሃገር ናይ ምዕናው ግደ ዘለዎ ስምብራት ክተርፍ ዝኽእል ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፣ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ “እንታይ ገደሰኒ” ኢሉ ዓገብ ካብ ምባል ስለዘድሓርሕር፣ ውሑዳት ፍጮ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ስምዒታውያን ጥሩፋት ነቲ ባዶሽ ክመልኡዎ ይቀላቐሉ። ኣብ መንጎ’ቲ ሓቀኛ ናይ ለውጢ መስርሕን ዕላማን፣ ጥሙሕ ውልቀምልካዊ ስርዓትን ዘሎ ጋግ መሊሱ ይርሕብ። እዚ ፖለቲካዊ ምንቍልቋል’ዚ ተመሊሱ ነቲ ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ዝጸንሐ ህዝቢ ናብ ቅብጸት የውርዶ። ነቲ ስርዓት ዕድመ ስልጣን ይልቅበሉ። ስቓይ ህዝቢ ድማ ይናዋሕ።

 

ምስ ሓፈሻዊ ባህርይ ደቂ ሰብ ብምንጽጻር ዝያዳ ንምርድኡ ኣብነት ንምጥቃስ፣ ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ምዕራብ ዓለም ከይተረፈ ብሰንኪ ውድቀት ቁጠባዊ ስርዓት እቲ ኣብ ታሕተዋይ ቀጸላ ዝርከብ ህዝቢ፣ ገንዘብ ክሓጽሮ፣ መነባብሮ ክጽግሞ፣ ስራሕ ክስእን ከሎ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ነቶም ኣብ ዝተሓተ ቀጸላ ዝርከቡ ስደተኛታት ክዅንን ክጻባእን እዩ ዝስማዕ። እቶም ስደተኛታት ካብቲ ዝተሰደዱሉ ሃገር ካብ ዝወስዱዎ ነቲ ሃገር ዝህቡዎን ዘገልግሉዎን ከምዝዓቢ ኣሃዛት እናምስከሩ ኸለዉ ከይተረፈ፣ ግዳይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኮይኖም ይሳቐዩ። ነቲ ሓቂ ክገጥሙዎ ዝጸገሞም ውጹዓት ጽውጽዋይ ፈጢሮም ኣንጻር ካልኦት ከምኣቶም ውጹዓት ይሕንሕኑ። ነቲ ካብ መንግስታዊ ጸገማት ዝብገስ ወቐሳታት ናብቶም ዘይጓድኡ ግዳያት (ስደተኛታት) የዝብሉዎ። እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ንቡር ግዜ ዋጋ ዘይህቦም፣ ነዚ ሃዋህው ‘ዚ ዝጥቀሙሉ ጣቋ ዘይብሎም ጥሩፋት ጉጅለታት ከኣ ዕድል ረኺቦም የሽካዕልሉ።

 

እቶም ክብል ኢልና ዝጠቐስናዮም ፖለቲካዊ ቀጸላታት ‘ውን፣ ነቲ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ውድቀቶም ዝተፈጥረ ቅልውላው መዝሚዞም እዮም ነቲ ኣውራጃዊ ኮነ ካልእ ስምዒታት ናይ ስልጣን ቍርቍሶም ብዘርብሕ መንገዲ ዝጥቀሙሉ። ዓማጽን ተዓማጽን፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ሓደ መንገዲ ጥፍኣት ይራኸቡ። ምስኪናይ፣ እቲ ግዳይ ምልኪ ዝኾነ ህዝቢ፣ ዱዅዒ ምልኪ ይኸውን ማለት እዩ።

 

ናብቲ ዘልዓልናዮ ዛዕባ ኣውራጃ ምስ እንምለስ፣ ልዕሊ ኹሉ፣ ከምቲ እቲ ብመግዛእቲ ጥልያን ዝተኣታተወ ምምሕዳር ኣውራጃታት ብስርዓት ህግደፍ ተቐይሩ ብዞባዊ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ዝተተክአ፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ምሕዳራዊ ዞባታት፣ ጽባሕ ብኻልእ ክቕየር ወይ ‘ውን ናብቲ ናይ ቀደም ኣውራጃዊ ኣከፋፍላ ክምለስ ከምዝኽእል እንኣምን እንተደኣዄና ኸ እንታይ ኮለል ዘብል ኣለና፣ ናብቲ ዝኸበደ ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ለውጢ ብምምጻእ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ናይ ምሕዋይ ዕማም ዘይነተኵር። ሕጂ ‘ውን እምብኣር ክብ ኢለ ከምዝጠቐስኩዎ፣ ከምቲ ምስቲ ዝዓበየ ተጻባኢ (ውልቀምልኪ) ክንገጥም ርእሰምትእምማን ስለዘጥፋእና ናእሽቱ ጸላእቲ ኣብ ምንዳይ ዝወደቕና፣ ነዚ ዝዓበየ ዕላማ ለውጢ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ጌርና ስለዝረኣናዮ፣ ነቲ ዝዓበየ ጸገምና ኣብ ምፍታሕ ትርጉም ዘይብሎም (እኳ ደኣ መሊሶም ዝሓላልኹዎን ዘናውሑዎን) ናእሽቱ  ዕላማታት ሃሰስ ምባል እዩ ዝኸውን ዘሎ።

 

ኣብዚ ንእግረ መንገድና ካብቲ ህግደፍ ንኣውራጃዊ ብዞባዊ ምሕደራ ኣብ ምትካእ ዝወዓሎ ጌጋ ክንቀስሞ ዝግባእ ተመክሮ ከምዘሎ ምጥቃስ የድሊ። ንሱ ኸኣ፣ ከም ኩሉ ፖሊሲታቱ፣ ነቲ ሓዱሽ ምሕዳራዊ ቅርጺ ምስ ህዝቢ ከይተላዘበን ንህዝቢ ከየእምነን ብሓይሊ ምትእትታዉ ኣዕናዊ ከምዝነበረ እዩ።

 

ማይ ክዖ ከም ቀንዲ ረቛሒ መከፋፈሊ ዞባታት ምውሳዱ ሓቂ እንተኾይኑ መስሓቕ እዩ። ምምሕዳር ህዝቢ ብማይ ክዖ ዝውሰነሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ርዱእ ኣይኮነን። ሰብ ከም ማይ ዓቐበት ምውጻእ የጸግሞ እዩ ዝበለ  መን እዩ? ቁልቁለት ኣብ ምሕደራ ማይ ትርጉም ይህልዎ ይኸውን፣ ኣብ ምምሕዳር ህዝቢ ከም ምርኩስ ምጥቃሱ ግን መዕጸዊ ኣፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ትርጉም የብሉን። እቲ ብህግደፍን ደገፍቱን ብወረወረ ዝነፈሰ፣ “ኣውራጃዊ ፍልልያት ንምህሳስ” ዝብል ምኽንያት ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣውራጃዊ ፍልልያት መሊሱ ከምዝበኣሰ ብግብሪ ንርእዮ ኣለና። ካርታ ኣብ መሬት ስለዝደምሰስካ ስምዒታት ካብ ኣእምሮ ይሃስስ ማለት ኣይኮነን።

 

ማዕረ ማዕረ’ቲ ምስዚ ጉዳይ’ዚ ኣተኣሳሲርና ዝረኣናዮ ፍሽለት ፍልስፍና ሓይሊ ህግደፍ እንግንዘቦ ካልእ ሓቂ ‘ውን ኣሎ። ፍተዎ ጽልኣዮ፣ ሓደ ካብቶም ምስ ንጡፍ ቁጠባዊ ምንቅስቓስን ስልጣኔን ተኣሳሲሩ ዝኽሰት ተርእዮ፣ ምጽባብ ሕብረተሰባዊ ፍልልያት እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕብረተሰብና ሕድሕዳዊ ምትእምማን እናጥፍአ ሰበይ ሰብካ ክብል ምርኣዩ ኸኣ፣ ጎኒጎኒ ‘ቲ ፖለቲካዊ ጥፍሽናኡ፣ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብቁጠባዊ ምዕባለ ይኹን ደረጃ ንቕሓቱ ካብቲ እዋን ናጽነት ንዝበዝሐ ዓመታት ንድሕሪት መሊሱዎ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። እዚ ድማ፣ ናብ ጓል መንገዲ ካብ ምእላይ ተጠንቂቕና ኣብ ኣደ መንገዲ ጸኒዕና፣ ነቲ ጠንቂ ኩሉ ፍሽለት ሃገርን ፍልልያትን ኮይኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብሓባር ናይ ምቕያር ጻዕሪ ብህጹጽ ክንትግብሮ ተወሳኺ ምኽንያት ይኾነና።

 

ኣብዚ ኣሽንባይ ዶ ብኣውራጃታት ተኸፋፊልና፣ ከም ሃገር ደው ምባል ጸጊሙና ረይረይ እንብለሉ ዘለና እዋን፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምሕሳብ ዕንወት ጥራይ እዩ ትርፉ። ውልቀምልካዊ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎን፣ ተስፋና እናጎደለ ብዝኸደን ‘ውን ፣ ፍልልይና ኣብ ኣውራጃ ደው ከብል ከምዘይኮነ ክንግንዘብ ይግባእ። ከከም ምጽዕጻዕ ሽግርናን ስንፍናናን፣ ከምቲ ካብ ሃገር ናብ ኣውራጃ ወሪድና ክንዛረብ ጀሚርና ዘለና፣ ካብ ኣውራጃ ናብ ወረዳ፣ ካብ ወረዳ ናብ ዓዲ፣ ካብ ዓዲ ናብ ማይቤት ወሪድና ክንፈላለ፣ ፍልልይና ድማ ፍልሖ ኮይኑ ክበልዓና ክነበር ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

 

እምብኣር፣ ነታ ቆለ ስልጣን ፖለቲካውያን መራሕቲ ዝፈጠራ ናይ ህልቂት ማሽን ዘየአንግድ፣ በዚ ዝጠቐስናዮ ፖለቲካዊ ጥፍሽና ዝፈጠሮ ሕንፍሽፍሽ መኣዝኑ ዘየጠፍእ፣ ካብ ዝኾነ ወገን ይምጻእ፣ ብኣውራጃውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ፕሮፖጋንዳታት ከይተታለለ፣ ስምዒቱ ተቖጻጺሩ ነንሕድሕዱ ምጽውዋርን ምክብባርን ከምዘዋጽኦ ዝፈልጥ፣ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝኣምን፣ ነዚ ዲሞክራስያዊ ክብርታት ናይ ምጕናጽፍ ቃልሱ ካብዚ ወገናዊ ጽልዋታት ሓራ ገይሩ ሃገራዊ መትከላት ዘቐድምን ዘጽንዕን ንቑሕ ሕብረተሰብ ምህናጽ ኣድማሳዊ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ኣብ ክንዲ ወገን ክኾኑና እዮም እንብሎም ውልቀሰባት ምንዳይ፣ ንመላእ ህዝቢ ብማዕረ ክናቢ ዝኽእል ልዕልና ሕጊ ዘሳሲ ስርዓት ምትካል ዓንዲ ማእከል ምዃኑ ተገንዚብና፣ ክሳድ ንምሓዝ ናብ መጻኢ ኣተኵርና ክንሰርሕ ይግባእ። ንታሪኽ ክንመሃረሉ እምበር ክንቅምቅሞ (Edit ክንገብሮ) ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፣ እንተስ መሲሉና እንተስ ክዉን ኮይኑ ንዝሓለፈ ፍጻሜታት ንመጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ኣውንታዊ ኣገልግሎት ብዘለዎ ሃናጺ መንገዲ ክንጥቀመሉ ይግባእ።

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

 

ኣማኑኤል ኢያሱ

 

12 ሕዳር 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
148 COMMENTS
  • tewolde November 21, 2014

    ኢቲ ዝሕዝን ሓውና ታደሰ ካብ ምባል ጸላኢና ምባል ይቀልልምኽንያቱ ኣብ 21ክፍለ ዘመን ኣብ ክንዲ ንሓድነት ህዝቢ ኤረትራ ምቅላስ ንባርነትን ጽል ኢን ህዝቢ ኤርትራ ዝተዓጥቅ ፈላላይ ኢንበር ሃገራዊ ኣይብሎን ኢየ። ኢዚ ብደም ኤረትራዊ ዝጻወት ሓደ ፍንፍን ጸቢብነት ዝጥቆኦ ስለ ዚኾነ ብትሪ ክኽነን ዘለዎ ኢዩ።

  • Brhane November 22, 2014

    Lol deki ere tsaeda.i like this different openion.

  • mahta November 22, 2014

    Gdi yeblkumn ahwat nay habar stelae ety nhgi / kuwam mentilu ashihat ahwatna zehleken zehelik zelo krdadn stak tray eu bhabar zteawetnalu tray ntemt hji kea nab habty tray ntemt nab hanty eritra ; hanty hgi nmwstae viros 40 amet zgebele.

  • rahwa November 22, 2014

    for years now we have known that esayas has committed and is committing crimes against Eritreans for one and only one reason. that reason is: they stood in his way for one or another reason. this includes Eritreans from all regions, ethnic groups, religions. but he also had his yes-men from all regions, ethnic groups and religions. apparently we had all along more than enough reason and proof to take eseyas as the enemy of our people and our country that he is. to say he is the enemy of one particular region or group is to say he is less of an evil than he really is. that is to minimize the scale of his offence. the irony of it is though for someone to find a worse enemy in his/her fellow victims than in the perpetrator.

    • rezen November 22, 2014

      Rahwa, you concluded your commentary with these words: “the irony of it is though for someone to find a worse enemy in his/her fellow victims than in the perpetrator.” Ahhhh… insightful, accepting reality and the TRUTH.

      And how do you like the following insight about a “rootless nation” adopting an idea “how to modernize people and help to exterminate themselves with good intentions”

      Rahwa If you are impressed like I am, I would be delighted to give you the name and the website.

      • rahwa November 22, 2014

        Rezen,
        ‘”rootless nation” adopting an idea “how to modernize people and help to exterminate themselves with good intentions”? really? this is how educated and deep you are?
        for one which nation has roots? ain’t all nations rootless in a way? ain’t all like a falling star which fell from a sky? what is the United states of A without the Irish and the African Americans? in our case (i am being polite in including you here, doubting whether i should for i can detect a certain anti-ERITREANISM in you, my dear mr rezen), ERITREA this beloved home of the beautiful (and may be a little confused) people has stronger roots than any other on this planet. as far as i know we were there before the italians demarcated our land. we were not “imported” from roma. and what better root is there for one country than its choice to be, its history and its pride in simply being what it is? by the way, how on earth did you manage to put “modernize people and help exterminate themselves with good intentions” in one sentence? how can you modernize people and help exterminate themselves at the same time? how can one help them exterminate themselves with good intentions? i really wanted to see sarcasm here (that is what you are known for) but your words are waging war against each other. sorry to say this stupid rahwa cannot get the great REZEN.

  • Genet-orginal November 22, 2014

    Missed opportunity

    Tadias and Amanuel gave us a good chance to explore the things that are keeping us from coming together on a common ground. instead of giving serious thought about the practice of regionalism and it’s impact on our unity, people are doubling down. It is a missed opportunity. I can’t believe some people that I thought are smart are aciting silly. Or did they just cracked under pressure? Comments like “we are smater than other Eritreans” “people are afraid of us” How is it right to say “WE VS the rest of Eritreans” how is it aceptable to tell people, stand with me, beause I am the chosen one. The fact is you are not chosen nor smart one. People may think that you are with a lot of unresolved issues. When people are frightened about some other people being in power, it is not about the power they are afraid of. It is the peoples’ repetition and poor judgment. What exactly have the “Akelguzay” people ALONE contribute to the Eritrean’s society? It is appalling to see people to double down on their shortcomings. They can’t relate to others, yet they try to demand support. Oh.. Eritrean people who is working for your well being?

    Missed opportunity to solve our problems. If we can’t agree that no Eritrean is better than any other Eritrean, we can’t agree on anything. People need to Stop being defensive and get real. The perceive superiority may be is due to unresolved issue.

    Missed opportunity for unite.
    Missed opportunity to defeat our common enemy.
    Missed opportunity to grow up.
    Missed opportunity to save our people.

    God save our people
    Genet-O

    • Simon G. November 22, 2014

      ገነታ:
      ምስ ዝኹሉ መንፈዓትክስ፣ ካብ ገሊኦም ትብሊ፣ ኣግሂድኪንዶ ከም በዓል ስምኦን በሊ። ኣጆኺ ኣይፈርደክን’የ። ሓንሳብሞ ጽን በሊ (ምናልባሽ ጸገመይ ትርድእዮ ትኾኒ)። ንሕና (ኣከለ ጉዛይ ማለተይ’ዩ): ከም ህዝብና ተቓሊስና: ተቐርሲምና: ሰንኪልና: ተሰዊእና (ወረ ናትና ይብዝሕ ‘ዮም ዝብልዎ: ግን ሊስታ ምርኣይ ኣለና – ብርግጽ መታን ክኸውን)። ስለዚ ካብ ህዝብና ንላዕሊ ይግበኣና ኣይኮናን ንብል ዘለና። እንተኾነ: ከምዞም ገዳይም ተጋደልቲ ዝነግርዎ: ኢሳይስ ብዙሓት ሓያላትን: ክኢላታትን ጀጋኑንና ጸፍ ኣቢልዎም’ዩ (እዚ ናተይ ቃል ኣይኮነን)።
      እሞ እንታይ ደኣዩ እቲ ጸገም፧ ጸገም ዶ፥ በሊ ስምዕኒ። ኣነ በዚ ናይ ዝኸባቢ ዘለኹዎ (ሃብታም (ብፍልጠትን ብቁጠባን) በይ ኤርያ) ዘሎ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ ክነግረኪ:
      1. ከምዛ ከም ህዝብና ዘይተቓለስናላ ‘ዛ ዓዲ: እዚኣቶም ወገነኛታት ዓሌት፤ ክንኣምኖም የብላናን። እዚ ናይ ዝበዝሑ ተወላዶ ሓማሴን ቃል ዩ። ስለምንታይ ከም ኡ ይብሉ? ሓንቲ ጭብጢ ዘለዎ ሓበሬታ ከምዘይብሎም ኩሉ’ዩ ዝፈልጦ ። ግን: ካብ ምምሕዳር ህግደፍ ዝመጸ ከምዝኾነ: ዳርጋ ዝበዝሑ ኣይፈልጡን። ነዚ ዝፈልጥ ሓንጎል ዝተዋህቡ ውን ኣይመስሉን።
      2. ኣከለ ጉዛይ: ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሮም ውን’ኳ ዕንቅፋት ‘ዮም ኔሮም ይብሉ። ብኸመይ? ከምኡ ኢሉ ዝሓትት የለን። ሃየ ጥራይ ንቕጽል።
      3. G-15 ምስትኣሰሩ: ኣከለ ጉዛይ ‘ኳዮም: ምስ ወያኔ ተሓባበርቲ ኮይኖም ጸኒሖም: ይብሉ። ብሰንኮም ውግእ ተሳዒርና ድማ ይውስኹሉ። ሃየ! እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት ተሓተትካስ ካብ ኩሉ። ግን: ግን’የ ዝብለኪ ዘለኹ: እዞም እሱራት ካብ ኩሉ ኣውራጃታትን ሃይማኖትን ‘ዮም ተበልካስ: መን ክሰምዓካ? ወይ ጉድ!
      4. ንምምሕዳር ኢሳያስ ንዘተቓለሰ ኩሉ: እዞም ወገናውያን ኣከለ ጉዛይ!
      6. ንምምሕዳር ኢሳያስ ክነቅፍ ዝተሰምዐ ሓማሴናይ: ድሂሎም ከጥፍእዎ። ምስ ‘ዞም ወገናውያን ክትውግን? ኢሳያስ ‘ኳ ወዲ ላምናዩ (እቲ ብዕራይከ ካበይ’ዩ? ዝሓተተ ሰብ ኣይነበረን ፡ ንምንታይ ላም ጥራይ ተመሪጻ ማለተይ’ዩ)።

      እቶም ካልኦት ኣውራጃታት ከ ኣበይ ኣተዉ እንተበልካስ: ዳርጋ ከም ዘለዉ ከማን ኣይዘከርዎምን። ሓንሳብ ኣፍኩም ሓዙ ኣይእትወኩምን ዝተባህሉ ይመስሉ።
      እዚ ኩሉ ካበይ ዝመጸ ጽልኢ’ዪ? ካብ ህግደፍ። መን’ዩ መሃንዲስ? እት ዝዓበየ ኣርክተክት ኢሳያስ’ዩ። ኣተግበርቲ: ተሓባበርቲ: ሓሰውቲ (ባዶ ሰለስተ): ኣኽፋእቲ (ከምዞም ዝገለጽኩዎም ዓያሹ ማለተይ’ዩ): ወዘተረፈ… ድማ ብዙሓት ባጎኒታት።

      ሕጂ እቶ ሕቶ እንታይ ንግበር ዩ።
      1. ንዓና ምጽላም ገዲፍኩም: ዓይንኹም ናብቲ ልክዕ ከማና ዝድህከኩም ዘሎ ተረገም ኢሳያስ ይጠምታ።
      2. ኣብ ጎድንና ኮይንኩም ተቓለሱ። እዚ ኣከለ ጉዛይ ዝበዝሕዎ ምንቅስቓስ’ዩ ባ ገለ ባ ገዲፍኩም: ሓግዙና።
      3. ወገናውያን’ዮም ምባል ግደፍዎ። ከምኡ ክትብሉ ከለኹም: ወገናውያን ምኻንኩም ጥራይ ኢኹም ትገልጹ። ንሕና ተረጊጽና: መሰልና: ኢልና ንቃለስ ኣለና። ኣንጻር ኢሳያስ። ስለዚ ወዲ ላምና’ዩ ባ: ጅንዕፍሪት ገዲፍኩም: ንሕበር። ነዚ እከይ ንደምስሶ።
      4. ልክዕ ከማና ይጭፍጭፈኩም ከምዘሎ ተረድኡ። ይቐትለኩም ኳ ‘ዩ ዘሎ። ንዓና ጥራይ ዘጽንት ዘሎ ድዩ መሲሉኩም? እንታይ ምሕረት ዶ ይገድፈልኩም ኣሎ’ዩ? ወዲ ላምኩም ድዩ ዋላ ወዲ ኣድግኹም: ምቕታል ምቕታል’ ዩ። ኣይኮነን ድዩ?
      5. ነቶም ካልኦት ወገናትና ድማ ዘክርዎም። ከማና ‘ዮም ተዳሂኾም። ኤርትራ ናይ ኣከለን ናይ ሓማን ጥራይ ኣይኮነትን።
      ንበል ኣቡነ ዘምሰማያት። ኣሜን!

      • Genet-orginal November 23, 2014

        Siman.G
        Dear brother, I can assure you, I am not afraid of anything or anyone. I am not sure where you got the idea of me being afraid. When you said something about chosen people or something to that effect, I thought you are just being sarcastic. I don’t think you are helping the cause.

        The main issue is not Isayas and the PFDJ’s system are killing our people and destroying our country. We all know that, because it is crystal-clear. The majority of Eritreans are fully aware of it that something has to be done to defet the enemy in our country. We all know, Eritrea is eating its youngs, regardless of their regions or religions. Who would have guessed? Now, your five or six points messages are not really addressing the main issue.

        The main issue is that why are we not united against our common enemy? Is an regionalism obstacle to our fight with the enemy? Brother Siman, you are samrt, yet you chose to play the victim game. Why? do you think you can speak for the whole Akleguzy? The above points you listed are really don’t help to our unity. Your points lack taking responsibility. One question I have for you is with how many people do you intract about our country’s issue on a regular basis? Are they all from Akeleguzay? If they are, do you think that is a problem?

        Unity is the way to go and until that is achieved, Isayas will stay in power and our people will cont to die. Unity requires compromise, respect, understanding, trustworthiness and selfless leadership. If people from Akeleguzay are going to be stubborn and adamant about being in control of the fight against our common enemy, we will never succeed.

        Let us find a lasting solution for our common problem. Regionalism is a problme today and it will be tomorrow.

        God bless our people
        Genet-O

        • Meretse Asmelash November 23, 2014

          ክብርቲ ሓፍቲ ገነት ዑ….
          ብዙሕ ግዚ ከም ዘስተባሃልኹልኪ ምስ ሓደ ኣውራጃ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ጽሑፉን ሪእቶን ኣብ “ሓቁ ከብጽሖ ኣሎኒ” ዝብል ሓያል ነድሪ ዘሎኺ ትመስሊ። ብዛዕባ እዘን ሰለስተ/ናይ ከበሳ ኣውራጃታት ኣፍልጦኪ ከመይ ዝበለ ድዩ?
          ማለት ኣዝዩ ዕሙቝ ዝበለ እንተኮይኑስ “ዘይንፈልጦ ክንፈልጥ” ዘይተካፍልና?
          ብዝተረፈ ከምቲ ናይ ሓደ ዓዲ ጎምበለ ኣብ ድሮ መርዓ ዘጋጠመ ከየጋጥመና-
          ቦሶየ ቦሶ …. ምስ በሉ
          መን ዝሓረሶ? … ቃል ዋና ገዛ። ኣብ ማሕረስ ኩልና እንተ ተራኪብና ሽግር የሎን።
          ብዛዕባ ሌላ ንዝምልከት ፡- ሌላ ከምሃገራ ክልተ ገጽ ዘሎዋ።
          ሓደ ገጻ “ወለላ” እቲ ካልኣይ ገጻ “ጒሌላ” እዘን ክልተ ገጽ ሌላ ሚዛነን ኣብ ዘይሕለወሉ ግዜ ይትረፍ ምስ በዓል ሩሑቅስ ምስ ኣብ ማእከል ገዛካ ዝነበር’ዃ ትጓነ። ሚዛን ምሕላው ዝመስልዎ የሎን!!!1!

          • Genet-orginal November 25, 2014

            Dear Borthers
            Simon. G and Meretse

            You guys seem to be very smart, the same time you seem to miss the main message. At this time of our lives, there is no issue that affects only one group of people in our country. You both agreed, all Eritreans are suffering and dying at the hands of DIA and PFDJ. Yet you go back time and again complain about one group of people in Eritrea. You don’t realize, how your statement is sending the wrong message. Or is that possibel that you don’t care.

            Like any Eritrean, I lost many uncles and cousins, not to mention a disable brother from ELF to EPLF to Badme wars and every where in between. Eritreans need justice for the wrongful death of our people. Liberity and justice for the current and future generations. It is unfair and unproductive to focus on one group of people.
            Dear Meretse, let me be straightforward, Some Akleguzay people like to call themselves as they are against DIA and PFDJ with some still supporting DIA and PFDJ. The one who support DIA and PFDJ are very affectionate to any one who support DIA and PFDJ, regardless of their regions. They are free to share ideas and work together. My experience with Akleguzay dominated so called opposition has been secretive, suspicous and awkward around other Eritreans who are equally smart and concerne about our people. Who wants to follow group of people who are blood related villagers and close friends at the top? would you follow people like that? if you do, would you expect any productive outcomes? It has been at least fifteen years, since Eritreans said NO to DIA and PFDJ. I don’t know about you, but DIA is still alive and well; PFDJ is the lawless of the land of Eritrea.

            Pleas don’t judge me for being aware of our problmes and asking people to take responsiblity for their actions. I am ready to take responsibility for my action. I am not for power domination. It is not because I am not good enough, but I know enough it is not productive.

            Be aware of the obstacles and take responsiblity.
            God bless our people.
            Genet-O

          • Simon G. November 25, 2014

            ገነታ:
            ብፍላጥ ዲኺ ብዘይፍላጥ፣ ሓንቲ ነገር ሸፈፍ ኢልኪ ትሓልፍያ ኣለኺ። ከምፅበልክዮ ኩላትና ብሓንሳብ ተዋጊእና፣ ቆሲልና፥ ብዓቢኡ ድማ ሂወቶም ከፊሎም ጀጋኑና። እሞ ንሱ እንዳፈለጥኩም ደኣ ንምንታይ ወገናውያን ኢልኩም ተዋስኑና? እስከ ዚኣ መልስለይ። እታ ደርፊ ዝዓደምኩኺ ድማ ኣይጠዓመትክን ያ መስለኒ።

      • Simon G. November 23, 2014

        ገነታ:
        ሕጂ ውም ዝሓዝክኒ ኣይመስለንን። ሓንሳብ ንኣከለ-ጉዛይ ክትውክል ኣይትኽእልን ትብልኒ: ተመሊስኪ ድማ ኣነ ስለ ዝጸሓፍኩ ንብምሉእ ኣውራጃ ብኣልማማ መጅሙዕ ፈኒኺ። ተመሊስኪ ድማ ንሕበር ትብሊ። የግዳስ እንዳተጻረፍካ መዓስ ኮይኑ። እምበር ሕብረት ደኣ ጽቡቕ። ኣነውን ‘ኳ ከምኡ’የ ዝብል ዘለኹ። ቅድሚ ሕብረት ግን ክብረት ይመጽእ። በሊ ንመዘናግዒ ሓንቲ ደርፊ ናይ ኣኮታተይ ክትሰምዒ ይዕድመኪ።
        https://www.youtube.com/watch?v=uopToOlD_kM
        ደሓን ትእቶ ዩ ቱብ!

        • Mahta November 24, 2014

          Simon, be Elomuna yebluna sewra AyleALen eyu…..you have to see the big picture, historically all the region’s never had a problem, our people live in harmony for ages.as you said there may not harmony among you in Bay Area, but that is you in one state…move to another one and things might be better for you.Otherwise take it easy brother, Tekele or Ande of Akele can’t be smarter than hama’s or Seraye’s Tekele’s or Ande’s, they are all the same they are all beal nexela…leave them alone kolel aytebelena.

        • Genet-orginal December 2, 2014

          Dear Simon G

          I never said All Akelguzy are the problem. I am talking about the people who say they are fighting DIA and PFDJ’s system alone. And complain no body is following them. They are completely in denial of their own actions. Refusal to accept a reality not productive.

          Think about it.
          Thanks for the youtube.
          Genet-O

  • HGDF November 22, 2014

    corection: Some of my comments appear as HDGF instead of HGDF.That is a typing error. Please don’t consider it as a “Cow Face” tactic.

  • Tamrat Tamrat November 23, 2014

    The eritrean government is a very weak government. It executed border wars which showed only bluff. It executes a communist economy policy where the majority dont like it so the economy has little hop in developing. It tries to engage the new generation by military service and indoctrination but the result shows the youth after the service or during run to the neighboring countries. The government is so embarrassed by its result it has to control the media. And this in return forces many to have a change of policy.

    The eritrean opposition are ver weak groups. They have no concrete plan to make the majority follow them. From the interactions they have among them one can assume that they would no better than the incumbent. All the election, constitution, free media mantra is only a bluff which can be discarded when they sit on power. If they dont show their tolerance now who can expect their tolerance when they sit in power.

    The majority in eritrea knows the limitation and the potential of ERitrea. They are not harassed by the government like the oppositions exaggerates though harasment is taking place.

  • selamawit2 November 23, 2014

    “HGDF”, you said to cow face “…I don’t discuss Eritrean issue with non-Eritrean.”
    When i read your cybername while seeing my people being destroyed by your HGDF, it makes me as seek as a human beeing could ever be!
    Nontheless i have questions to you:

    You accuse cow face of not wanting to see Eritrea existing.
    But
    1)…don’t you see that he sees you as an ally because you call yourself “HGDF” – the destroyer of the Eritrea he doesn’t want to be existing!
    2) And if you are a part HGDF, how can you say, you “don’t discuss Eritrean issue with non-Eritrean” while you give our people in hand of DEMHIT??!!

    Don’t get me wrong, i don’t really think a (real) HGDF is able to feel for our people. But maybe you are a clouded soul who needs an eye opener..

    (BTW didn’t cow face say he will leave assenna and would not return nomore?! yes, yes he did!!! lol)

  • Truly Truly i say to you November 23, 2014

    Selamawit2, do not be confused by cowface old tactic. HGDF, or HDGF what hell he called himself he is the same unchanged cowface. This guy all his attempt it to belittle Eritreans intelligence, to expand hatter, division and mistrust amongst Eritrean regions it is. He thinks by changing his nick name and true eye colour several times like chameleon when appears, he remains unrecognised, because thinks Eritreans are brainless dumb he can fool everybody. Actually he is not the only person, who practising that, anyway this is not a big issue, without distracted by his old tactic, we have to focus how to keep our unity and trust like before because this regional issue i sensing how poisoning and causing mistrust among innocent participants, i think because of this reason could be i start missing a lot of active participants name.
    Friends, when unpleasant debate, conflict or misunderstanding causing among struggle comrades; like the word of God advises us to do, I quote, “My brothers, if someone is caught in any wrong doing, those of you who are spiritual should set him right; but you must do it in gentle way. And keep an eye on yourselves, so that you will not be tempted, too.” (Galatians, 6; 1.)We also try to be Peacemakers instead fire raiser.
    Dear friends before our enemies using our opinion classroom (differences) for their dividing agenda privilege, by adding adding fuel upon Amanuel´s and Tades´s argument i better say it debate, we have to tell them no one of them because regionalist is arguing, but both in their side they have points to address is this opinion classroom caused.
    I tell you if Amanuel were be regioalist, he has no reason to have opinion classroom for instance with Ato Keleta Kidane and many others oppositioners from the same region. That time also because i both respect Amanuel and Ato Kidane i was attempted to be peace makers, to reconcile them in my little knowledge and capacity that I have, because i so disturbed was seen such conflict among oppositions, and its final result because i know only privileging the dictatorship for prolonging. So Amanuel´s and Tades´s difference should not to be misinterpret they are arguing because they are regionalists, but because the differ in opinion it is. Which is normal.

  • Meretse Asmelash November 25, 2014

    Dear Genet,
    You most probably had heard the following saying: “If the mountain doesn’t come to you — you go to the mountain”. Hence, if someone happens to worry what exactly is going on either on the top, bottom or behind the mountain he/she needs to do a good exercise. What do you think about this?

    • Genet-orginal December 2, 2014

      Dear Meretse
      Sorry for the delay.
      When you say, “if the mountain doesn’t come to you -you go to the mountain”
      I hope you don’t mean to say “if things don’t change the way you want them to, you must adjust to the way they are” If you think this is about me, you, or any other individual, You are wrong. I think the issue of our people and country is bigger than you and I. it is bigger than any region or religions.

      I am not worried about what exaclty is going on the top, because I know and you know NOTHING IS GOING ON. Time is the essence. You can’t do the same thing over and over and anticipate different result. Only crazy people do that. Brother Meretse, FYI, I am actually doing a good exercise by calling attention to one thing most of us (diaspora Eritreans) know, the LACK OF UNITY. How do you achieve unity? you may ask. You maintain inclusive power structures with top down. That is when we become powerful and can do anything for our people and country.
      Think about it, inclusiveness is powerful, because it breings more ideas, kindness, caring, and creativity.

      What do you think?
      Genet-O

1 6 7 8

POST A COMMENT