Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሕቱው ዕላል `ስልጣን ኣልቦ` ሹመኛታት

                           (ምድሃል + ምልማስ + ምስጓግ) x (ዘይምትእምማን + ብኲራት ምሁራን) =                                                       ምብትታን ህዝብን ሃገርን   ኣብ መንበሪ ገዛ እንዳ ሓደ ብ/ጀነራል ክልተ ኮሎኔላት፡ ሓደ

                           (ምድሃል + ምልማስ + ምስጓግ) x (ዘይምትእምማን + ብኲራት ምሁራን) =

                                                      ምብትታን ህዝብን ሃገርን

 

ኣብ መንበሪ ገዛ እንዳ ሓደ ብ/ጀነራል ክልተ ኮሎኔላት፡ ሓደ ማእከላይ ጽፍሒ ዝሓላፍነቱ ኣብ ሲቪላዊ ስራሕ መንግስቲ ዝተመዘዘን ሓደ ዝተጣየሰ ተጋዳላይ ነበርን ብዛዕባ ሕሉፍ ህይወቶም ብሕት ኢሎም ወጃዕ ይብሉ ነበሩ። ካብ ዝጀመርዎ ኣርእስቲ ናብ ካልእ እንዳ ተሰጋገሩ፡ `ንዘረባ ዘረባ የምጸኦ` ዘሕምሞም ጉዳይ ህሉው ኩነታት ተላዕለ`ሞ፡ እቲ መጻኢ ደቆም ዘጸልመተ ህሉው ኩነታት፡ ናይ ውሽጦም ከተንፍሱ ደፋፈኦም።

እቲ ሓደ ኮሎኔል “ፍታሕ ካብዞም መንእሰያት ደኣ እንተ ተረኽበ እንበር ንሕናስ ዳዕሲስና ኢና” በለ። “ንመንእሰያትና ደኣ ባዕልና ድሂልና ኣልሚስናዮም እንዲና” መለሰ ብ/ጀነራል። እቲ ከይተዛረበ ዝን ኢሉ ዘምሰየ ሌ/ኮለኔል “ኣበይ`ከ ኣለዉ ኣሳጒግናዮም እንዲና” ወሰኸ ሓዘን ብዝዓብለሎ ትሑት ድምጺ። ወዮ መንቛሕቛሕታ ፖለቲካዊ ኩነታት ዓለም ከምዘለዎ እምነት ዘንብርሉ መጠነኛ ትምህርቲ ዘለዎ ሲቭል ሰራሕተኛ “ሃገር ኣምጺእና እናበልና ክንየት ምስ ህዝባ ከነጥፈኣ ኣይኮናን፡ ናይ ምዕቃባ ግዴታ ኣለና። ብዝተረፈ ነዚ `ክትግዕታ`ዶ ትርህጻ` ክኸውን እዩ እዚ ኩሉ መስዋእቲ” በለ። ኣጋውለኦም ከቢድዎ ዘምሰየ ብስደት ተፈልይዎም ዝጸንሐ ጥዩስ “ንህዝቢ ፈላልይዎ እንድዩ፡ ከም ሽንቲ ገመል`ባ ንድሕሪት መሊሱና” በለ ብዓይነ ሕልንኡ ናብ`ቲ ጠንቂ ኩሉ ዝኾነ ገባርን ሓዳግን ውልቀ መላኺ ኢዱ እንዳ ኣዋጣወጠ። “ሕጂ`ውን ንሕመቕ ንንፋዕ እቲ ፍታሕ ልዕሊ ኩሉ ነዓና እዩ ዝምልከት” በለ ብ/ጀነራል።

ኣብ`ታ ህሞት እቲኣ ገዛ ተዃሕኲሐ`ሞ ካልእ ሰብ ተጸንበሮም። እቲ ዝገርም፡ ኣብኡ ብሕት ኢሎም ይዘናግዑ ከም ዝነበሩ ብኸመይ ፈሊጡ ከም ዝመጸ ብዘይካ ነቲ ገርሀኛ ጥዩስ ንኻልኦት ደንጸዎም። ዝተረፎም ምርጫ ኣርእስቲ ቀይሮም ሕጒሳት ክመስሉ ምጭራቕን ካርታ ምጽዋትን ኮነ።

ሓደ መርገጽን ኣረኣእያን ዘለዎም መሓዙት ዋላ`ኳ ስራሕ፣ ሓላፍነት፣ ሞያን ቦታን ይፈላልዮም ዕላሎም ኣብ ዝሞቘሉ ግዜ፡ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገር ከም ማግኔት ሰስሒቡ ካብ ዘእትዎም ዘቑጸሮ ዓመታት ውሑድ ኣይገበረን። እቲ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ዝዛረብዎ ብዙሕ እዋን ሓሊፉ ስለ ዝጸንሖም ናብ ምጥርጣራት ኣምሪሑ `ዒሉ መቐመጫኻ ሓሉ` እዩ ኮይኑ ዘመኑ።

እቲ ነዚ ኩነታት ብዕምቖት ዘየስተብሃለ ጥዩስ ብጻዮም፡ መሓዙቱ ብዘለዎም ስልጣንን ብዝረኽብዎ ሓለፋን ከም ዘይተዓሻሸዉ ተገንዚቡ ኣብ መንጎኦም ብምህላዉ ቕልል ኢልዎ ነበረ። ነቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዕላል ንምቕጻል ቶኽቶኽቲ ቃላት ጸጸኒሑ ክድርቢ፣ ወዮ ብ/ጀነራል ብዓይኑ ክገንሕ፣ እቲ ሲቭል ሰራሕተኛ ካልእ ኣርእስቲ ኣምጺኡ ከጠፋፍእ፣ ኮሎኔላት እግሩ እንዳ ረገጹ ናይ ዘመነ ገድሊ መስሓቓት ብምምጻእ ነቲ ሃዋሁው ክቕይሩ ተረባረቡ።

ተጀሚሩ ዝነበረ ዓሚቕ ልባዊ ዕላል ተኾሊፉ፡ ናብ ጮው ዘይብሉ ሃጠው ቐጠው ድሕሪ ምስግጋር፡ ብኸምኡ ነዊሕ ክቕጽል ኣይክኣለን። እቲ ጽቡቕ ነገር ግን፡ መስዩ ስለ ዝነበረ መመካይኖም ኣልዒሎም ነንገዝኦም ተበገሱ። ብ/ጀነራል፡ ንጥዩስ “ንስኻ ጋሻ ኢኻ መልእኽቲ ከኣ ኣለኒ፡ ባዕለይ ከብጸሓካ እየ” በሎ። ድሕሪ ናይ ደሓን ሕደሩ ስንብታ፡ ኣብ መኪና ምስ ደየቡ ብ/ጀነራል ብዓሚቕ ኣስተንፈሰ`ሞ፡ ከም ብሓድሽ ምስ ጥዩስ ከመይ ኣለኻ ተበሃሃሉ። መልሲ “ኤ…እ…እ…ኣለና…ንነብር” ዝብል ኮነ ናይ ክልቲኦም ቃል። “ናብራ ስደት ከመይ ኣሎ?” ሓተተ ብ/ጀነራል፡ “ድሓን” ክብል መለሰ ጥዩስ። ደሓን ከም ዘይኮነ ግን ካብ ገጹን ኣመላልስኡን ብቐረባ ንምርዳእ ኣየጸግምን ኔሩ።

“መቸም ካብኡ ናብኡ ንስኻ ትሓይሽ`በር ካብ`ቲ ዕድመ ንእስነትካ ተጋዲልካ ዝሰንከልካሉ ሃገር ተነቒልካ ብምኻድካ ኣበይ ክጥዕመካ ኢሉ። ብውሕዱ ግን ንስኻን ደቕኻን ኣብ ውሑስ ቦታ ኣለኹም፡ ጥዕናኻ ከኣ ትከታተል። ንኹላ ለኻኺምዋ፡ ህዝብና ኢዱ ኣይረኸበን። ሓንቲ ሓደራ ዝብለካ ደቅኻ ከይጠፍኡ ተጠንቀቐሎም። ኣብ`ቲ ምዕቡል ዓለም ትምህርቲ ከም ዝሰንቁ ዲሞክራሲ ከም ዘስተማቕሩ ይርደኣኒ እዩ፡ ግን ከም`ቲ ንሰምዖ መንነቶምን ባህሎምን ከየጥፍኡ፣ ግዳይ ዕጸ-ፋርስ ከይኮኑ እዩ ስክፍታይ” በሎ።

ጥዩስ ኡ…ፍ…ፍ…ኢሉ ገበታ ድሕሪ ምትንፋስ “እወ ሓቅኻ ከመይ ኢሉ ክጥዕመና፡ ብዕስለ ምንባር ዝለመድና ብጽምዋ ተበሊዕና፡ ደቅና ከኣ ብማእለያ ዘይብሉ ሕማቕ ነገራት ተኸቢቦም። እቲ ናይ መወዳእታ ፍታሕ እንታይ እዩ ክኸውን? ትፈልጥ ኢኻ ኣነ ዓደይ ቤተ ሰበይ ኣዕሩኽተይ ከም ዝፈቱ…። ሓቂ ብሓቂ ግን ክነግረካ፡ እንዳ ናፈቕኩ እንከለኹ ነጀው ክመጽእ ኣይሓስብን ኔረ። እንተኾነ፡ ናይ ኣቦይ ጉዳይ ግድነት ኮይኑኒ። ምኽንያቱ፡ ዕድመ ደፊኡ ጥዕንኡ ተቓዊሱ፡ ኩሎም ኣሕዋተይ ተሰዊኦም ነዓይ ጥራሕ ስለዝጥምት ከይረኣኹኻ ከይመውት ስለዝበለኒ ብኣፍ`ርክብ እየ ዓይነይ ሰም ኣቢለ ብህጹጽ መጺኤ። ኣብ ምኻደይ እውን መውጽኢ ቪዛ ከይክላእ ይፈርህ እየ በሎ” ስግኣቱ ከይሓብአ።

ብ/ጀነራል “እንታይ ዘፍርህ ኣለካ ብሕጋዊ መዳይ ተጣይስካ እንዲኻ ወጺኻ?” ኢሉ ሓተቶ። ጥዩስ “ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ናይ ህግደፍ ስለ ዘይሳተፍ፡ 2% ስለ ዘይከፍል፡ በዝን ክንድዝን ይጠማመቱኒ እዮም። ንሕና ዘለናዮ ናብራ ኣይኮነን። ብተቋወምቲ ኢና በሃልቲ `ነዞም ተጋደልቲ ኣይትእመንዎም ልኡኻት ናይ ህግደፍ እዮም` ክንበሃል፡ በዞም መጣቓዕቲ ድማ ብኽድዓት ክንክሰስ ሓሲሙና ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። ብ/ጀነራል “ብቐደሙ ንሕና ኢና ክንጋደል ኮለና ኣሚና ተዓሺና`በር ኣበይ ዘሎ ዲሞክራስን ፍትሕን እዩ? ኣየናይ በረኸኛ እዩ ህዝቢ ኣረጋጊኡ ስልጣን ዘረከበ? ብዓቢኡ ንስኻ ኣብኡ ስለ ዘለኻ ካባይ ንላዕሊ ትፈልጦ`በር፡ ንዓይ ዘሕዝነኒ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ናይ ወገን ምፍልላይ እዩ። ኩሉ`ዚ ኢድ ናይ ህግደፍን ካልኦት ሕማቕና ዝምነዩ ስለ ዘለዎ እዩ ክኸውን ክኢሉ። ንሕና ክሳብ ሓደ ጸላዊ ኩነታት ዝፍጠር፡ ከም`ቲ ናይ ሜዳ `ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጩዋ` ብምባል ንስለ ናጽነት ዕሽሽ ኢልና ዘገበልናዮ፡ ሕጂ`ውን ዳግማይ ካብ `ዘይትፈልጦ መልኣኽ ትፈልጦ ሰይጣን ይሓይሽ` ኢልና ነብስና ብምትዕሽሻው እንዳ ተደዓዓስና ንዝሓሸ ኣጋጣሚታት ንጽበ ኣለና” በሎ።

ጥዩስ “ኣንታ ወዲ እገሌ…” በሎ ነቲ ብ/ጀነራል ብዝለመዶ ኣጸዋውዓ። “ምስ ገለ ከም`ዚ ከማኻ ትተኣማመኑ`ዶ ገለ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም? እዞም ናይ ደገ ደኣ ኣሽንባይ ከውግሑስ ምስ ወግሐ`ኳ ዘይኣትዉ። ካብ ኢሳይያስ ንላዕሊ ንቐጻልነት ስልጣኑ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ባዕሎም እዮም ዝቃለስሉ ዘለዉ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ህዝቢ ፈላልዮም ንቓልሲ ስለ ዘዳኸምዎ” በሎ ኣትኲሩ እናጠመቶ። ብ/ጀነራል “ዝርካቡ ጸጋ ሃገር`ኮ ኣብ ስለያን ኣብ ምፍልላይ ህዝብን እዩ ዝጠፍእ ዘሎ። ንኹላህና ሓለፍትን መሳርሕትን ነንሓድ-ሕድና ከም ዘይንተኣማመን እዩ`ኮ ጌሩና። እቲ ዝኸፍአ ከኣ ብምድፍፋእን ኣርሒቕካ ብዘይምሕሳብን ኣብ ብልሹውና ከምንማራሳሕ ኴንና። በበይንና ክንከውን እንከሎና ኣሕ ዘይብል የብልናን፡ ኣጫማሊቑና!!” በለ ብዕምቖት እንዳ ኣስተንፈሰ። ቀጺሉ “እቲ ጸገም ነዚ ኣርዮስ ምእላይ ኣይኮነን፡ ነቲ ድሕሪኡ ዘሎ ሓርጎጽጎጽ ሓላፍነት ወሲዱ ዘመዓራሪ ውዳበ የሎን” በለ። ሽዕኡ፡ የማን ጸጋም ቑሊሕ ኢሉ ንዙርየኦም እንተ ጠመተ፡ ኣብ ከባቢ መኪነኦም ዶው ኢላቶ ዝነበረት ሮንዳ ተመሲሎም ዝዝምብዩ ሰባት ስለ ዘስተውዓለ፡ በል ዓርከይ ኣይትገራህ ምጥንቃቕ ከኣ ከድልየካ እዩ እዚ ግዜ ከም`ዚ ትርእዮ ትርር ኢሉ ኣሎ። ሕጂ ኪድ እሞ ንደዋወል ቅድሚ ምምላስካ ብሕት ኢልና ከነዕልል ኢሉ ብታክሲ ኣፋነዎ።

እዞም `ብንስኻ ጽናሕ ኣነ ክሓልፍ` ዝቡሉ ብጾቶም ዓዲ ኣትዮም ክንሶም፡ ሕድሪ ሰማእታት ብዘይምትግባሩ ብውሽጦም እ…ህ…ህህ እንዳበሉ ዝነብሩ መጋድልቲ፡ ንጽባሒቱ `ተኽሊጥ (ምቅይያር ቦታ ሓለፍቲ) ስለ ዘሎ ብህጹጽ ኣብ በቦታኹም ተረኸቡ` ዝብል ደረቕ ትእዛዝ ስለ ዝመጾም፡ ብተለፎን ቻው ተባሂሎም ዳግማይ ንኽራኸቡ ዕድል ስኢኖም ተፈላለዩ።

ክቡር ኣንባቢ!! እስከ ነዛ ሓቀኛ ዕላል፡ ንድሕነቶም ክብል ኣስማቶም ዓቂበ ከም ዘላታ ዘቕረብኩዋ መወከሲ ተጠቒምና፡ ንህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ንመልከት፥

እዞም ዝረኣናዮም መጋድልቲ፡ ምስ ዝኣምንዎን ኣብ ውሑስ እዩ ዝብልዎ ቦታን ናይ ልቦም ክዛረቡ እንከለዉ፡ በዚ ዘሎ ኣካይዳ ስርዓት ህግደፍ ስጋብ ክንደይ ሕሙማት ምዃኖም ብቐሊሉ ክግመት ኣየጸግምን። ብርግጽ ክንዲ ሰብ ኣኺሉ ሓላፍነት ስድራ-ቤት ዝተሰከመ ሰብ ከም ተባዕታይ ደርሆ ንኸብዱ ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር። ጉዳይ መጻኢ ዝወለዶም ደቁ ይኹን ኣሕዋቱ ይግደስ እዩ። ሽመትን ስልጣንን ንመዋእል ከም ዘይኮነ`ውን ዘይፈልጥ የሎን። ንህሉው ኩነታት ናይ ዝነብረሉ ሕ/ሰብ በብዓቕሞም ዘይግምግሙ ኣይኮነን። ስለ`ዚ እዩ፡ እቶም ዝተኣማመኑ ብሕት ክብሉ እንከለዉ ከም ድሌቶም ከም ዝዛረቡ፡ ኣብነት መወከሲና ዝኾኑ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ብዛዕባ`ቲ ዘይቅርዑይ ኣካይዳ  ክመያየጡን ለውጢ ከም ዘድሊ ተረዲኦም ብዛዕባ መፍትሒኡ ከሰላስሉን ሕልነኦም ክወቕሱን ዝረኣናዮም። እስከ ነቲ ሓጺር ቃላቶም ንፈትጎ።

`ፍታሕ ካብ`ዞም መንእሰያት እንተ ተረኽበ`በር ንሕናስ ዳዕሲስና ኢና` ዝበለ ኮሎኔል ሓቂ ብሓቂ ሸምጊልና ኢና ማለቱ`ዶ ይኸውን ወይስ ብተስፋ ምቑራጽ፡ ነቲ ብሰንኪ ዘይምትእምማኖም ኣድማዒ ስጉምቲ ክወስዱ ዘይምኽኣሎም፣ ነቲ ንግዚኡ ዝፈሸለ ናይ ፎርቶ ምንቅስቓስ በዓል ወዲ ዓሊ ኣብ ግምት ብምእታው ይኸውን? በቲ ሓደ`ውን እተን `መንእሰይ ውዑይ ዕድመ፣ ደላይ ለውጢ` ዝብላ ሓረጋት ስለ ዝተቐጀለኦ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብኻልእ መዳይ`ውን መን ይፈልጥ እቲ ዕላል ንኽማሙቕ ከም መንበድበዲ ዘቕረቦ ክኸውን ይኽእል።

`መንእሰያትና ደኣ ባዕልና ድሂልና ኣልሚስናዮም እንዲና` ዝብል ቃል ብ/ጀነራልን `ኣበይ`ከ ኣለዉ ኣሳጒግናዮም እንዲና` መወሰኽታ ቃል ሌ/ኮሎኔል ሱር መንቀሊኦም እንታይ እዩ?

ኣቋውማ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ መሰረቱ ካብ በረኻ ዝኣተወ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ`ቲ ኣብ 1993 ዓ/ም ዝተራእየ ናይ ተጋደልቲ ኣድማ ዝተሰናበደ ኢሳይያስ፡ ብስም ናይ 90 ዝብል ስያሜ ነቶም ካብ 1990 ክሳብ ወርሒ 5/91 ዓ/ም ዝተሰለፉ ኣካላዊ ብቕዓት ዝነበሮምን ብፍልስፍና `ግቡእካ ፈጺምካ መሰልካ ሕተት` ዝብል ወታደራዊ ሕጊ ህ.ግ ዘይጃጀዉ ኣሳጒግዎም። ቐጺሉ ኣብ 1994 ድሕሪ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህ.ግ ዳርጋ ንኹሎም ኣብ ሰራዊት ዝነበሩ መንቋሕቋሕታ ትምህርቲ ዝነበሮምን ንቐጻሊ ብእወንታ ንሰራዊት ክጸልዉ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ዝገመቶም፡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ስንክልናን ናይ ምኒስትሪታት ሃጓፍ ቦታ ምምላእ ብዝብል ጉልባብ ተጠቒሙ ኣልዩዎም። እቶም ደሃልትን መልመስትን መንእስያት እምበኣር ኣብ 1994 ዓ/ም እዮም መን ኣብዲ፣ ኣየናይ እዩ ዝተባህሎ ከየመዛዘነ ዝትግብር ተመምዮም ነቲ ሰራዊት ኣቒመሞ።

ሳዋ መንእሰያት ዝምልመሉላ፣ ዝመሃሩላን ዝተባብዑላን ዘይኮነት፡ ካብ`ታ ብመካይን ተጻዒኖም መጺኦም ብድኻም ተሰኒፎም እግሮም ዘንበሩላ ሰዓት፡ ከም መጽዓኛ በባትር ናይ ቀልቢ ዘይብሎም ዓለምቲ ይድግደጉ። ቋጺረሞ ዝመጹ ጥሕንን ቆሎን ይምንዝዑ። ኣብ ሳዋ ዝተዳህሉ፣ ናይ ኣእምሮ ሕማም ጸጥረዩ`ሞ ንግደፎም፡ ብቕጥዒ ዘይብሉ መቕፈድቲ፣ መውቃዕትን ሰኣን ዝፍውሶም ብቐለልቲ ሕማማት `ለኽባጥ` ኣንዳ ተባህሉ ህይወቶም ብምስኣን ኣብኡ ዝተቐብሩ ክንደይ እዮም?

ኣብ 2001 ዓ/ም ንሕጋውነት `ክረምታዊ ማእቶት` ዝሓተቱ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ፡ ብሆሮርማ ዋዒ ምእንታን ክልብለቡ ናብ ዊዓ (ልዕሊ 40 ዲግሪ ዝዓቐኑ ሙቐት ዘለዎ ቦታ) ክኸዱ እዩ ተበይንዎም። ዕላማ ናይ`ቲ ስጉምቲ ድማ፡ ካልኦት በዚ ሰኪሖም ንኽለምሱ እዩ። እዚ እቲ ኣብ ምዕራብ ዓለም ቀለም ጸጊቡ ናጽነት ናይ ምዝራብ፣ ምጽሓፍ፣ ምሕታትን ምእካብን ብግብሪ ዝረኣየ ዶ/ር ወልደኣብ ኢሳቅ ዝተዋሰኦን ብኣፍልጥኡ ዝተገብረ ብታሪኽ ዘውቅስ፡ ብውቕዒ ዋዒ ህይወቶም ዝሰኣኑ ላህመት ደቂ ህዝቢ እዩ።

ብስም ተሃድሶ ዝጽወዓ ናይ ክፍለ ሰራዊታት ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ተረአን ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ምልማስ እንበር ከም`ቲ ኣፈኛታት ህግደፍ ዝብልዎ ዜጋታት ዝህደሱለን (rehabilitation) ከም ዘይኮነ ዋሕስ ኣግብእ ዘድልዮ ኣይኮነን።

`ነቲ ዝርካቡ ጸጋ ሃገር`ኮ ኣብ ስለያን ንህዝቢ ብወገን ኣብ ምፍልላይ እዩ ዘጥፈኦ ዘሎ` ዝብል ቃል ብ/ጀነራል ምስ`ቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ቃል ጥዩስ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብምልዮናት ዶላራት ዝገሓጥ ዘሎ ማዕድን ሃገርና ንህዝብና ቕንጣብ ዝሸፈነሉ ቊጠባዊ ጉዳይ የሎን። ዝበዝሐ ክፋል ህዝብና ሰሪሑ ብኣታዊታቱ ዘይኮነ ዝናበር ዘሎ፡ ብካብ ኣብ ስደት ዝርከቡ መቕርብ ብዝለኣኸሉ ገንዘብ እዩ ዝካየድ። እቲ ስርዓት ዝኸፍሎ ስማዊ ደሞዝ`ውን ኣብ ልዕሊ ዘይምህላዉ ዘውጸኦ ባጀት የሎን። ዝርካቡ ጸጋ ሃገር ብስልጣን ውልቀ-መላኺ ኣብ መዓላ`ቶም ነቲ ስርዓት ዝሕልዉ ሃሱሳትን ንህዝቢ ዝፈላልዩ ወይጦታትን እዩ ዝጠፍእ።

ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሕልኽልኽ ዝብሉ መበጻጻሕቲ ማእለያ የብሎምን። ንሶም እዮም ንሰበ ስልጣናት ዝጸናጸኑን ዋላ`ውን ንተራ ምንቅስቓሳት ብመልክዕ ጸብጻብ ዘመሓላልፉ። ከም ጽላሎት ጎድኒ ጎድኖም ከም ዝስዕብዎም ከኣ፡ ንመንበሪ ገዛ ብ/ጀነራል ኳሕኪሑ ዝኣተወ ዘይተዓደመ ጋሻን ኣብ ግዜ ምፍናው ሮንዳ ተመሲሎም ኣብ ከባቢ መኪነኦም ዝዝምብዩ ዝነበሩ ሰባት ተልእኸኦም ኣየጠራጥርን። ጠንቂ እቲ ንጽባሒቱ ኣብ በቦተኦም ክርክቡ ዝተመሓላለፈ ህጹጽ ትእዛዝ፡ ብምኽንያት ተኽሊጥ ድኣ ይኹን`በር ብሓንሳብ ጉጅም ክብሉ ከም ዘምሰዩ ድሩ ስለ ዝተሓበረን ገለ ከይኣልሙ ስለ ዝተሰግአን እዩ። ናይ ተለፎናት ርክብ ዝጠልፉ ዘይተኣደነ ዶላራት ዝኽፈሉ ቻይናውያን ክኢላታት፡ ንመርበብ ርክባት ክፈጽሕዎን ኣላጊቦም ክትርጉምዎን ውዒሎም ይሓድሩ ኣለዉ። ኩሉ እዚታት ደሚርካ ኣርቢሕካን ክረአ እንከሎ ስርዓት ህግደፍ ኣየናይ ከምዝዓጦ እዩ ዘነጽር።

`ብምድፍፋእን ኣርሒቕካ ብዘይምሕሳብን ኣብ ብልሽውና ከም እንመራሳሕ ኴንና፡ በበይንና ክንከውን እንከለና ዓሕ ዘይብል የብልናን` (ቃል ብ/ጀነራል) እዚ ካብ መዓሙቕ ዝነቐለ ቃና ምስትንታንን ምንሳሕን`ዚ ኣብ ዓይነትን ዓቐንን ደረት ክህልዎ ከም ዘለዎ ሓበሬታ ኣየድልዮን። ነቶም ገንዘብ እናተኸፍሉ ብናይ ምክልኻል መካይን ዶባት ዘስግሩ ዝነበሩ ሹመኛታት ዘኪርና `ዝኣኽለን ጥሒነን በዓለማርያም ይብላ` ዲና ክንብል ወይስ ሜላ ኣፈታትሓ ግርጭት ደቡብ ኣፍሪቃ `ሓቅን ዕርቅን` ተጠቒምና ኢና ሽግርና ንኽንፈትሕ ኣብ ሕንጎልና ከነሰላስሎ ዝግባእ? (እቶም ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀዉ ምስ ተሳዕሩ እዮም ምሕረት ዝልምኑ`በር ኣይጠዓሱን እዮም)

`እቲ ጸገም ነቲ ኣርዮስ ምእላይ ኣይኮነን ነቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ሓርጎጽጎጽ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘመዓራርዮ ውዳበ የሎን` (ቃል ብ/ጀነራል) ብልክዕ እዚ ናይ ብዙሕ ሰብ ስክፍታ እዩ`በር ዝኾነ ውልቀ-ሰብ`ውን ብናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ክገብሮ ምኸኣለ። እንተኾነ፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ቐንዲ ዕዩ ኮይኑ ዝተሰርሓሉ ጉዳይ ናይ ዘይምትእምማን፡ ነቶም ንምንቅስቓሳት ክመርሑ ይኽእሉ ተባሂሎም ዝግመቱ ውልቀ ሰባት ከይተረፉ፡ ከም ቀዳማይ ዕላማ ተወሲዶም ተቶኺቦም ርእሶም ከም ዘድንኑ ጌረሞም እዮም። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ መንግስታዊ መሳርዕ ህግደፍ ዘለዉ ሹመኛታት፡ ምንም ታሪኽ ይኹን ክእለትን ብስለትን ዘይብሎም ተኾይጦም ክንርኢ እንከለና፡ ኣብ ደገ ድማ ንሜዳ ሳይበራት ዝጠፈሹን ኣብ ጸቢብ ረብሓ ዝተመራስሑ ልኡኻትን ክዕንድርሉ ንዕዘብ ኣለና።

`እዞም ናይ ደገ ደኣ ኣሽንኳይ ከውግሑስ ምስ ወግሐ`ኳ ዘይኣትዉ` ዝብል ሓሳባት ናይ ጥዩስ ድርኺቱ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንህዝቢ ንምፍልላይ ዝተነዝሐ ሕማም ኣውራጃነት፣ ብሄርን ሃይማኖትን  ዕላምኡ ደንበ ተቋውሞ ንኸይስስን ኩናት ሓድ-ሕድ ጀብሃን ሻዕብያን ዳግማይ ንምብራዕ ዘይተገብረ ስለ ዘየሎ እዩ። ሕንዚ ወገናዊ ምፍልላይ፡ ኣብ ደገ`በር ኣብ ውሽጢ ሃገር የሎን። ሓድነት ዘይብሎምን ዘይተጠርነፉን ኣካላት ኣድማዒ ተራ ተጻዊቶም ከውግሑ ኣይክእሉን እዮም። እንተወግሐ`ውን ብከምኡ ከደናግርሉ ዝኽእሉ ባይታ ስለ ዘይረኽቡን ብኣተሓሳስባ ካብ መሰረታዊ ድሌታት ሓፋሽ ህዝቢ ስለ ዝረሓቑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣትዮም ፖለትካዊ ሰልፊ መስሪቶም፡ ንሶም ዝመርሕዎ ስርዓት ክተኽሉ ዝሰርሑ ኣይኮኑን። እዚ ከም`ቲ እንጀራ ቖልወጤን ዝለመደ በጽሒ ኣብ ክንዲ ዝወፍር ገዛ ገዛ ቱስ-ቱስ ዝብል እዩ።

ብንግህኡ፡ ዝኾነ ሰብ ስድራ-ቤቱ፣ ዋኒኑ፣ ሽቅለቱን ትምህርቱን ገዲፉ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክጽንበር እንከሎ፡ ህይወቱ በጃ ህዝቡ ንምውፋይ`በር ንሽመትን ስልጣንን ኮነ ሃብትን ዝናን ንምርካብ ኣይነበረን። ኣብ`ቲ ጽንኩር ኩነት ብዘርኣይዎ ትብዓትን ብቕዓትን እዮም ድማ ዝበዝሑ ናብ ሓላፍነት መጺኦም። ግዜ ዘይቅይሮ ስለ ዘየሎ ድማ እንሆ ህላውነቶም ምስ ምዕቃብ ስልጣኑ ከም ዝተኣሳሰር ጌሩ ንምህናጾም፡ ብዝከኣሎ ደፋፊኡን ሽሒጡን ኣብ ብልሹውና ከም ዝቆማጥዑ ድሕሪ ምግባር፡ ሕዩራቱን ኣገልገልቱን ኮይኖም ታሪኾም በሊሉ ካብ ህዝቦም ብምንጻል፡ ግዳይ ጣዕሳን ቚዘማን ጌርዎም ይርከብ።

ጠንቅ`ዚ ኹሉ ኣብ ስደት ዘሎ መንእሰይ ወለዶ፡ ግዳይ ሳይበር ብምዃን፡ እቶም ሕቡኣን (ደቂ ሕድርትና) ፓይሎትን ፎሮን ንታሪኽን ውዕሎን ገድሊ ኣዘባሪቖም ኣብ ኣያታቶም እምነት ከም ዘጥፍኡ ክጒስጒሱ እንከለዉ፡ እቶም ነውሪ ዘይፈልጡ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ከም በዓል ዑመርን ጓል ዓድዋን ድማ ኣብ ናይ ቈልዑት ንትርኽ ይጸምድዎም። ክንዮው`ዚ ታሪኻዊ ኣመዓባብላን ኣቋውማን ሃገራት ዘጋዕዚ፡ ብስም ተስፋጼን ዝጽዋዕ እዮብ በርሀ፡ ህዝቢ ንምንዕዓብ ዘይፈልጦ ታሪኽ ንኸቡክዕ ኣብ ምልዋስ ይርከብ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክጨጭሑ፡ ኣገባቦም ክተሓላለኽ ዝረኣየሉ ምኽንያት፡ እቲ ዕላማ ንጹር እዩ። ንሱ ድማ፡ ግዳይ ምድሃል፣ ምልማስን ምስጓግን ኮይኑ ኣብ ስደት ዝርከብ ወለዶ መኣዝኑ ኣጥፊኡ ብዝወጾ ንኽብረዝ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ ምዃኑ ዝጠፍኦ የሎን። ነዚ ጥጅእ`ዚ ዘዋፍሮን ዝምውሎን ድማ እቶም ብዝፈጸምዎ ገበን ከይተሓቱ ክሳብ ዘመነ ህይወቶም ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ዝደልዩ ወገናትን `ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ` ዝጽበዩ መንቧሃቕትን እዮም።

ፍታሕ ናይ ኩሉ ኣብ ኢድ`ቶም ምሁራትና እዩ ዝርከብ። ምሁራትና ኢልና ክንሕበነሎም እንተዄንና፡ ፍሉይነቶምን ብቕዓቶምን ብግብሪ ኣብ መዓላ ህዝቦም ምስ ዘርእይዎ እዩ። ብዙሕ ሰብ ቐለም ክቐስም ይኽእል እዩ፡ ዝተማህርዎ ብግብሪ ሰሪሖም ኣብ ቁም ነገር ህዝቦም ዘውዕልዎ ግን ውሑዳት እዮም። ምሁራትና ዓይንና ኮይኖም ክመርሑናን ርእስና ኮይኖም ከመሓድሩናን እንተኽኢሎም እዮም ንሕና ሕቆ ኴንና እንጾሮምን ቕልጽም ኴንና ሓይሎም እነዐንትሮን። ብዝተረፈ ግን፡ ዲግሪታት ስለ ዝሰቐሉ ጥራሕ ካብ`ቲ ተራ ህዝቢ ኣይፍለዩን። ህዝቢ ንዕኦም ኣኪቡ ሃየ ምርሑና ክብሎም ይጽበዩ እንተሃልዮም `ፈረስ ብድሕሪት ሰረገላ ንቕድሚት` እዩ ክኸውን። ንሶም ንህዝቢ ወዲቦም መኣዝኑ ብምትሓዝ ብኸምዚ ክንመርሓኩም ክብልዎን ከእምንዎን እዩ ዝግባእ።

ዘይከሓድ ሓቂ ህዝቢ ምጥርናፍን ምምራሕን ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ምስ ፖለቲካዊ ረብሓታት ተኣሳሲሩ ብዙሕ ፈታውን ጸላእን ዝጥረዮ መስዋእትነት ዝሓትት ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ግን፡ ካብ`ቲ መድረኽን ታሪኽን ሓላፍነት ዘሰክሞ ትምህርትን ኒሕን ዘለዎ ወዲ ሃገር ሓሊፉ ካልእ ብገንዘብ ተዓዲጉ ዝፍጽሞ ወጻእተኛ የሎን።

ኩሉ ጨረምረም ዝብል ሰኣን ዓቕሙን ክእለቱን ይተርፎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ድሩት ፍልጠቱ ግዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ስለ ዝኸውን፡ ብቐሊሉ ኣንጻር ረብሕኡ ክውግን ይኽእል እዩ። ብግቡእ ኣረዲኡ ዘእምኖ ምሁር እንተረኺቡ ግን፡ ምምእዛዝ ጥራሕ ዘይኮነ በጅኡ ከምዝሓልፈሉ ታሪኽ ምሂሩና እዩ።

ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርድም)

Kiflu23@yahoo.com

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • k.tewolde December 3, 2016

    Very good depiction of the Eritrean political base kiflu, to make matters worse the intentional decimation of almost 2 generation leaving this huge gap of disconnect between the old and the young,not to mention the arrested development of the Eritrean social and political consciousness, a favorable breeding ground for tyrants,opportunists,fanatics,regionalisms,cults……..we have a long way to go.After all,we are not as smart as we think we are.It is good to look in the mirror correct our flaws,learn from our mistakes,and those of us who need education go back to school and arm ourselves to the teeth with knowledge,we are going to need it .It dog eat dog world out there.

  • Simon G. December 3, 2016

    I am so sorry to say that but I see many flaws with this article. Actually, it is much closer to articles like Keleta K., at Meskerem rather than articles you see at Assenna or Awate.
    1. You are accusing the victims here. The youth of today went thru a torture since their elementary school days by those who claimed they freed them.
    2. You are blaming the opposition on regionalism while the master plan was originated from isayas’s office.
    3. Why are you blaming people like Foro for exposing past crimes for those who claimed that they got us half independence.
    4. You are claiming those in power are there because they earned. This is complete non sense. They have killed many heroes to get there. That’s why you see they don’t even try to save the people they claim who freed them from colony.
    Until we are free this kind of fruitless and backward mentality, King isayas will comfortably control the entire country with very minimum effort. For God sake, he is running the country from the new office of Adi Halo. How pathetic is that?

    Our main problem is that we are in a constant denial.

    • AHMED SALEH !!! December 4, 2016

      Simon
      Usually people search for excuses to blame others for their mistakes which helps them from self-guilt sufferings . Crybabies can not face reality with courage but they stress on complaining and pointing fingers . A grown up man mind cries wrapped in grief after he realized the betrayal on the principle he fought and died for . The laughing matter in life is crybabies feel happy the time they die while everybody else start to cry . That is serious joke of facts in our life .
      SO WE BETTER KEEP LAUGHING with open eyes , mind and spirit .
      One well known Eritrean activists put it in his writings to warn us to avoid DOWNERS nonstop compliant adcdefgh………… boom boom until you get headache . I am sure you know
      who I mean .

  • sol December 4, 2016

    The main problem is that the liberators entered Asmara carrying a bad culture of total obedience to socially sick individual, those heros of EPLA where also very cowardice in front of the injustice which was being practised on them by Halewa Sewra and the infamous secret party.. After independence they tried to inherit that culture of total obedience to the youth and the people.

  • AHMED SALEH !!! December 4, 2016

    “ZIBEREKET XEHAYNA ZINEGHESE NIGHUSNA ” ; Hail the one and only savior our distinguished
    leader Issayas Afewerki . People planted a wrong seed knowing they might reap bad produce .
    The result from negligence our farmers fault will hold responsibility for short of harvest and
    the possibility on causing malnutrition to their dependents mainly children and elders .
    We learned silence played a big role to convoy authoritarian rule from the day NIHNA-NSU mentality
    took control over his blind supporters mindset . That was the beginning toward unpredictable future .
    SADLY CRY BABIES GAVE UP THEIR RIGHT TO GET WHAT THEY ASKED FOR . SHAME ON THEM .

  • Mogos Beyene December 4, 2016

    I agree with Simon G. that the article is written by someone who want discredit those who stand against the regime like Foro12 while at the same time trying to portray the criminals who are protecting the DIA and his Gulags as victims,
    Recently, after Foro12 started to expose how Iseyas’ crime syndicate work, the regimes apologists have started to tell us that the Generals and everyone else in Higdefland are victims too. Really ??
    Their effort to hide the truth and discredit a valuable source like Foro12 shows who they are.
    The regime’s fifth columinsts who have managed to penetrate the opposition camp, now are busy discrediting the opposition by saying that they are worst than the regime. This is just a start that eventually may be followed by something like “the regime is the only alternative”.
    The article stopped short of saying the regime is better than the opposition !! isn’t that absurd ?
    Assenna is slowly moving against people like Foro12, by picking articles that are written against them.
    Why ? is it because Assenna want keep Higdef in place after getting rid of Iseyas ?, it that possible ?.
    No, not at ll, Higdef is a hopeless case .

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply