Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሕዱርጓሂልባ እናተጎድአትትነብርወላዲት

ኤርትራዊት ወላዲት፡- ከም ኩለን ኣዴታት ምስ ውላዳ ዘለዋ ጽኑዕ  ምትእስሳር፡ ስጡምን ዘይፍንቐቕን ዝምድና፡ ባህሪ ዝዓደላ ፍሉይ ጸጋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብኣውርኡ ድማ እቲ ካብ ምዓሙቕ ልባ ዝፈልፈለ ዘይዛሪ ዘይነጽፍ ፍቕርን ልውሃትን ኣብ ልዕሊ ውላዳ፡ ቀንዲ

ኤርትራዊት ወላዲት፡- ከም ኩለን ኣዴታት ምስ ውላዳ ዘለዋ ጽኑዕ  ምትእስሳር፡ ስጡምን ዘይፍንቐቕን ዝምድና፡ ባህሪ ዝዓደላ ፍሉይ ጸጋ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብኣውርኡ ድማ እቲ ካብ ምዓሙቕ ልባ ዝፈልፈለ ዘይዛሪ ዘይነጽፍ ፍቕርን ልውሃትን ኣብ ልዕሊ ውላዳ፡ ቀንዲ መለለይኣ’ዩ።

ሓንቲ ኣደ፡ ድቂ  ክትሕዝ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ብዝተፈላለየ መልክዓት ዝግለጽ ምጽልላኣትን ድኻማትን’ካ እንተሃለዋ፡ በቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ምዉቕ ደስታ ተደሪኻ ነቲ ባህ ዘይምባል ስምዒታትን ቃንዛታትን ትስዕሮ። ካብዚ ግዜ’ዚ ኣትሒዛ ድማ፡ ብዛዕባ ውላዳ ክትሓስብን ምስኡ/ኣ ክትዛነን ክትስሕቕን ትጅምር።

ወላዲት ብባህርያቱ፡ ድሕነት ውላዳ ምስ ድሕነታ፡ ጥዕና ውላዳ ምስ ጥዕናኣ፡ ብቐንዱ ድማ ሂወት ውላዳ ምስ ሂወታ ዝተታሓሓዘ ስለ ዝኾነ፡ ንስለ ነብሳ ዘይኮነስ ንስለ ውላዳ ክትብል’ያ ትነብር ንምባል ዘዳዲ ኣይኮነን። እዚ ማለት ድማ፡ ወላዲት ናይ ሂወታ ጉዳይ ድሕሪ ውላዳ ሰሪዓ፡ ውላዳ ከይበኪ ከይጠሚ ከይሓምም፡  ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ፡ ክትኣልዮን ክትከላኸለሉን፡ ኩሉ ዘድልዮን ዝጠልቦን ነገራት ዓቕማ ብዘፍቅዶ ክትምልስን፡ ብትብዓት ትዳሎ።

ኤርትራዊት ወላዲት፡- ነቲ ተፈጥሮ ዝጎንዓላ ረዚንን ፍሉይን ሓላፍነት ብሓበን ተቐቢላ፡ ውላዳ ብኣካላዊ  ስነ-ኣእሙራዊ ዝተማለአ ጥዕና  ተኾስኪሱ ክዓቢ ትጽዕር። ምስ ሕ/ሰቡ ዘዋሃህድ አሩም ጠባያት ስነ-ስርዓትን ልዙብ ባህርያትን ከዕኩኽ ትጽዕት። ክንድቲ ኩነታታ ዘፍቅደላ ድማ ትምህርቲ ኣቕሲማ መልሚላ፡ ድኻማ ብዘይ ምጽብጻብ ኣብ ዝብጻሕ ከተብጽሖ/ሓ፡ ትቃለስ። ካብዚ ከም ወላዲት ብሃረርታ ትጽበዮ ዓስቢ እንተሎ፡ ዕምበባን ፈረን ውላዳ ክትርኢ ጥራይ እዩ።

እንተኾነ ግን፡- እዛ ሕማቕ ዕድል ዘጋጠማ ኤርትራዊት ወላዲት ፡ ዕምበባን ፍረን ደቃ ክትርኢ፡ ጻማ ጻዕራ ብደስታን እፎይታ ክትክፈል ሲ ይትረፍ፡ ብሰንኪ ቆልዑ ምውላዳ ጥራይውንያ፡ ኣምሰያ ናይቲ ኩሉ ባህግታታን ሃረርታኣን ብምረት ክትሓዝንን ብዕምቆት ካብ ውሽጣ  ክትደምን ገይርዋ’ዩ ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጥቕሰ፡  እዛ ርህርህቲ ወላድ፡ ካብ ሂወታ ኣብሊጻ እትፈትዎምን ተፍቅሮም ደቃ፡ በቲ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ካብ ሕቕፎኣ ተመንዚዖም፡ ከም ኣብ ዘይመሬተን ዝተረኽባ ከብቲ ተዘሪዖም ከኸዱ ከለዉ፡ ተተመሊሶም ክኣ ንወለዶምን ገዘኦምን ግልጽ እናበሉን እናበኸዩን ካብ ገጻ ክኽወሉ ክለዉ፡ ከብዲ ወላዲት ንዝፈልጥ ክንድምንታይ ምረት ከምዝስማዓ ስዉር ኣይኮነን።

ኤርትራዊት ወላዲት፡ ከብዳ ሓቒፋ ካብ እትሓድር ነዊሕ እዋን ኮይኑ’ዩ። መንእሰያት ሃገርና ናብ ሓደጋ  ክጋለጹ ካብ ዝጀመርሉ ግዜ ፡ደሃይ ደቃ ኣብ ዝሰኣነትሉ እዋን ቀልጢፉ ኣብ ኣእምሮኣ ዝቕልቀላ ነገር ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡-

  • “እንታ እዞም ደቀይሲ ዳሃይ እምበር ኣጥፊኦም፡ ተኣሲሮም ደኾን ኮይኖምዮም” እናበለት፡ ኣብቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ዝረኽብዎ ጸበባን መከራን ተኣሊኻ፡ ኣካላቶም ብዘሳቒ ኣገባብ (ብሄሊኮፕተር) ተቐፊዶም እናተጋፍዑን እናተቐጥቀጡ ዝረኽብዎ ኩሉ ዓይነት ስቓያት ክረኣያን፡
  • ስግረ-ዶብ ንምሕላፍ ክፍትኑ ተረኺቦም ብምባል፡ ብጥይት ተወቒዖም ወዲቖም ሂወቶም ክሳብ ትሓልፍ፡ ቅድሚ ሞት ዘሎ ስቓይን ብምረት ክስማዓ፡
  • ብለይቲ ክሃድሙ ብኣዛብእ ተኸቢቦም፡ ኣእውዮም ዝረድኦም ብምስኣን  ኣብ ትሕቲ ርህራሀ ስጋ ዝቕለቦም (እንስሳ) ኣዛብእ ወዲቖም ክገናዘይሎም ከለዉ ዝስመዖም ጭንቂ፡ ኣብ ኣእምሮኣ ክዘውር ክሓድር፡
  • ብድኻም ጽምኢ ጢመት ኣብ ሳሃራ ኣብ ትሕቲ ጻሓይ ተደርብም፡ ብዕስለ ኣሞራ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ደቓይቕ ኣዕጽምቶም ጥራዩ ክተርፍ ኣብ ቅድሚኣ ክድቀን፡
  • ከም ከብቲ ብሸየጥቲ ሰብ በደውይን ተኾብኪቦም ናብ ደምበ ማሕረዲ ክዳጎኑን ኣብ ትሕቲ ርህራሄ ካራ ክስጥሑ፡ ሕሱም ድራማ ኣብ ሓንጎላ ክሕምብስ፡
  • ኣብ ባሕሪ ተኸስኪሶም ዓሳታት ክመናጠልሎም ከለዉ ዘርኢ ዘስካሕክሕ  ምርኢት፡ ኣብ ርእሳ ክምርሽን፡……. ወዘተ………

ብለይቲ ብሕማቕ ሕልሚ ክትርዕድን ክትሽበርን መሬት ይወግሓ፡ ቀትሪ ድማ ብሕሱም ሻቕላን ጓህን ኣንጀታ ሓሪሩ፡ ኣፋ ዓቢሳ ደም ክትነብዕ ትውዕል ኣላ።

እቲ ብዕለት 3 10 2013 ኣብ ደሴት ኢጣልያ ላምፐዱዛ ዝተረኽበ ናይ መንእሰያትና ከቢድ ህልቂት፡ መርኣያ ናይቲ ህዝብና ብሓፈሻ ዘሕልፎ ዘሎ ዝላዓለ ምረት’ዩ።  እዚ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና፡ ኣዴታት ምስ ህጻውንተን፡ ብጹሓት ነብሰ-ጾራት፡ ዝተረኽበ ኣሰቃቒ ጁምላዊ ቕዝፈት፡ ንወለዶምን ቤተሰቦምን ብቕንዱ፡ ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ድማ ብጠቕላላ፡ ብምረት ዘሕዘነ ተረኽቦ ክኸውን ከሎ፡ ብሃገር ደረጃ ምስ ዝረአ ድማ ናይ ህዝብና ኣዝዩ ከቢድ ክሳራ እዩ።

እቶም ኩሎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከምዚ ሓደጋ ወዲቖም ዝጠፍኡ ዘለዉ ዜጋታትና፡ ንዐኦም ብንዮው ይቀበሎም፡ ንወለዶምን ቤተሰቦምን ጽንዓት ይሃብ፡ ንሃገሮምን ህዝቦምን ድማ ጠሊ ይግደፉ።

ምረት ተረኽቦ ላማፐዱዛ፡ ዝጸመመ እዝኒ ዓለም ክኹሕኩሕ ክኢሉ። ነቲ ኣፍካ ክትዓጹውን ዓው ኢልካ ከይትበክን ከይተተንፍስን ዝእግድ ቀትዒ ዝሓለፈ ጨካን ህግደፋዊ መርሆ፡ ህዝብና ክጥሕሶ ኣኽኢልዎ’ዩ። ስለዚ ኽኣ ህዝብና ሓቢሩ በኽዩ ሓቢሩ ሓዚኑ’ዩ።

ብፍላይ ክኣ ነተን ብኣረሜናዊ መርሆ ህግደፍ ዓሚቕ ጓሂ ዘሕደራ ወላዳት ውሽጠን በብዝሓደሰ ተረኽቦ እናተጎድኣን እናቖሰላን ዝነብራ ኣዴታት፡ እዚ ከቢድ ናይ ደቀን ጃምላዊ  ቅዝፈት ኣዝዩ መሪር’ካ እንተኾነ ሓቢረን ብምብካየን ብምሕዛነን ግን ነቲ በብእዋኑ ተኣኪቡ ኣብ ውሽጠን ዝተኣጀለ ስነ-ኣእሙራዊ ቃንዛ፡ ኣብ ሓባራዊ በጮቕታ ኣብጺሑወንዩ ።

“ሓቢርካ ጸበባስ ኣሳትያ ጸባ” ከምዝባሃል ሓቢርካ ኣውያት ካብ ተበጽሐ ሓቢርካ መኸተ ናቱ ባህርያዊ መቐጸልታ እዩ።

ሎሚ ኣብዚ እዋን፡- ህዝብና ከም ብሓደ ከቢድ ብረድ ዝተሻቖጠ ዕሙር ኣብ ፍረ ዝበጽሐ ዘራእቲ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። ነዚ ብከቢድን ዘየናሕስን በረድ ዝተቐጥቀጠ ዘራእቲ፡ ጫሌዳታት ኣውጺኡ ዝወደቐ ድማ ምሬት ብምምርኳስ ጠጢዑ ዘርኡ ንምምላስ ዕድል ክረክብ፤ ካብዚ ሰብ መሲሉ እናተመላለሰ ዘርእን ዘራእትን ሃገርና (ህዝብና) ዘጥፍአ ዘሎ ጽላኢ(ህግደፍ)  ክንከላኸል፡ ንስለ ህልውናና ክንምክት ግዜ ዘይህብ ኣፈርክቡ በጺሑ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

ብዚ ኣጋጣሚ ንኹለን ኤርትራውያን ኣዴታት መጸዋዕታ ከመሓላልፍ ይደሊ።

ኣዴታት ሃገርና ከም ኩለን ኣዴታት ንስለ ድሕነት ደቅኽን ኩሉ ዋጋ እትኸፍላ ኣዴታት ኢኺን። ወላ’ካ በቲ እከይ ፍሕሶ ህግደፍ ጃጂኽን ትሕቲ እግሩ ከምትእሰራ እንተገበረ፡ ደጊም ይኣክል፡ ብኽያት ፍታሕ ኣየምጽእን’ዩ ዓይንኽን ክፈታ። ልቢ ሓድሕድ ኣጥሊልክን ብሓባር ተላዓላ። ፍሕሶ ህግደፍ ኣብ ምብታኽን ንደቕኽን ኣብ ምክልኻልን መኸተ ደውላ ዝኽፈል ዋጋ ክፈላ። ዓለም ድሕሪ ደቅኽን ዓለምክን ኣይኮነትን ኣብቂዓ’ያ። –

ዋልታ ደቅኽን ንስኽን ምዃንክን ኣሚንክን ንድሕነት ውላድክን ግጠማ፡ ሓራስ ነብሪ ኩና። ነብሪ ሓንቲ ብጻዕራ ደቃ ተዕቢ ኣብ ነብሳ ትተኣማመን እንስሳ’ያ ። ከም ወላዲት መጠን ድማ ደቃ ብጸላኣቲ ከይጥቅዑ ዘለዋ  ዓቕማ ብምጽንቃቕ ትከላኸል ውላዲት እያ።

ኤርትራውያን ኣዴታት ድማ ኒሕ ተዓጢቕክን ታሪኽ ዕየያ። ቅድሚ ደቕኽን ደው በላ። ጓለይ  ወደይ ቅድሜኹም ኣነየ በላ። “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ እዩ”

ኑራ ሑሴን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT