Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብመደረ ግርማ ኣስመሮም፡ ግርማ ጀጋኑ ፎርቶ ኣይባላሾን እዩ!!

ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ናይ ግንቦት 1993 ሰላማዊ ሰልፍን ኣድማን እቲ ዝያዳ በዳሂ ምንቅስቓስ እዚ ኣብ ዕለት 21 ጥሪ ዝተራእየ ናይ ክፍሊ ዜና ንሰዓታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ተባዓት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ክተሓዝ ምዃኑ እዩ። ንብዓት ኣዴታትን መርገም

ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ናይ ግንቦት 1993 ሰላማዊ ሰልፍን ኣድማን እቲ ዝያዳ በዳሂ ምንቅስቓስ እዚ ኣብ ዕለት 21 ጥሪ ዝተራእየ ናይ ክፍሊ ዜና ንሰዓታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ተባዓት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ክተሓዝ ምዃኑ እዩ።
ንብዓት ኣዴታትን መርገም ኣቦታትን ሰማይ ዓሪጉ ከንቱ ረሃጽ መንእሰያትና መሬት ካብ ዘጨቁ ዓመታት ሓሊፉ’ዩ። ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለዲ፡ መጻኢ ዕድሎም ዝጸልመቶም መንእስያትን ገዝኦም ኣገፍቲኖም ንዓራርብ ክጠፍኡ ካብ ዝጅምሩ እውን ከምኡ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ። እንታይ ዕድል እዩ ኣጋጢሙና ዘይብል የለን። ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ሓደ – ንዓሰርተ፡ ሓደ ንዕስራ እናተባህለ ኣብ ልዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝረኤ ዝነበረ ጅግንነትን ኣፍ ልብኻ ገቲርካ ምኻድን ተሪፉ ሎሚ በቶም ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ብቛንቁኡ ዝዛረቡ ተዳሂሉ፡ ህዝብና ደኒኑ ክኸይድ ከሎ ክትርኢ ከለኻ፡ ንተመራመቲ ይጭነቆም ኢልካ ከተዕርፍ እንተዘይመሪጽካ መጻሕፍቲ ጽሒፍካ እውን ዝውዳእ እይኮነን።
ኮይኑ ግን ኩሉ ካብ ዓቐኑ ዝሓልፍ የለን። ንመግዛእቲ ይኹን ንጭቆና ደረት ኣለዎ። ደረቱ ክሓልፍ ከሎ ከኣ፡ ከም’ዚ ናይ ሕጂ እንሪኦ ዘለና ብጫ ጸኒሑ’ውን ቀይሕ ምልክት ምሃቡ ኣይተርፎን። ህግደፍ እንተቐጺሉ እንተ በዚ እንተ በቲ ጥፍኣት ህዝብና ምቕጻሉ ኣይተርፎን። ህዝብና ከይጠፍእ እናበልና ንእከይ ስረሓት ዕሽሽ ምባል ወይ ካብ ጽዕጹዕ ቃልሲ ጸረ ህግደፍ ምብኳር፡ ንተመሊሱ ዘጥፍኣካ ኣራዊት ትንፋስ ምስኳዕ እዩ ዝቑጸር። ሎሚ ኩሉ ደስኪሉ ዝጸንሔ ኣካል ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣባራቢርካ ብውሽጥን ብደገን ዓቕሉ ጸቢብዎ ሓንቲ ምርጭኡ ስልጣን ለቒቑ ክኸይድ ካብ ምግባር፡ ካልእ ቅኑዕ መማረጺ የልቦን። እዚ ነዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ጥራሕ ዝምልከት ህዝባዊ መልእኽቲ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝትክእ እውን እንተኾነ ካብ’ዚ ናብ’ዚ ደረጃ ሕስረት ዘውረደና ተሞኩሮ ተማሂሩ ጫማ ህዝቢ ኮይኑ ክኸይድ እንተዘይኮይኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከሽካዕልል ንዝደሊ ኩሉ ዕምሪ ክህልዎ ከምዘይኮነ ዘረጋግጽ እዩ።
ህግደፍ ከም ኩሎም ዲክታቶርያውያን መማህራኑ፡ ክሳብ’ታ ዕለተ ጥፍኣቱ ኣሎ ዝበሃል ውዲትን ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ሜላታትን ክጥቀም ምዃኑ ኩላትና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣረይ ናይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሸርሕታት ክንከውን ፍቓደኛታት ክንከውን ምምራጽና እዩ። ብልሒ ህግደፍ ወዮ ደኣ ንሰናይ ኣይጥቀመሉን ኮይኑ እምበር ቀሊል ኣይኮነን። ኣበየናይ ቦታን ኣበየናይ ክፍሊ ናይ ህዝብናን እንታይ ሜላ ይጥቀም ይፈልጥ እዩ። እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይ ዓለም ብስም ሃይማኖትን ብስም ኣውራጃነትን ዝተኣታቶ ዘሎ ሕማም ስቕ ኢሉ ዱብ ዝበለ ኣይኮነን። ቃልስና ካብ’ቲ ቀንዲ ከነተኩሮ ዝግባእ ናይ ሕጂ ኣጀንዳና ጠምዚዙ ናብ ውሽጥና ክምለስ ዝገብር ሰራም ሸርሒ እዩ። እዚ ከም’ዚ ዝበለ ሸርሒ ክንቃለሶ እምበር ክንርዕመሉ ኣይግባእን። እቶም እንተስ ብግርህና እንተስ ብድንቁርና ኣብ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ ጭቃ ተሸኺልኩም ዘለኹም ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ክትበራበሩሉ ይግባእ ንብል። ሃይማኖትን ኣውራጃውነትን መለለዪናን መሐበኒናን ክንገብሮ ጽቡቕ’ዩ፡ መፈላለዪናን መባኣሲናን ክንገብሮ ግን ድንቁርና ጥራሕ እዩ።
እዚ ዝተኣታቶ ዘሎ ሕማም ዋናታት ኣለዉዎ። እቶም ዋናታቱ ሃይማኖትን ኣውራጃውነትን ስለዘገድሶም ኣይኮነን። የግዳስ ህዝብና ሓድነቱ እንተኣረጋጊጹ ዕምሪ ስልጣኖም ከም ዝሓጽር ኣጸቢቖም ስለ ዝፈልጡ እዮም። ስለዝኾነ ድማ ሓድነት ህዝብና ዘሸቑርሮምን ዘሰንብዶምን መራሕቲ ህግደፍ መፍትሒ ናይ’ዚ ሽግር ከምጽኡ ኢልካ ምጽባይ የዋህነት እዩ። የግዳስ ምስ’ቲ ባዕሎም ዘተኣታተዉዎ ሕማም ተለኪሞም ክጠፍኡ ጥራሕ ምግባር እዩ። ስለ’ዚ እምበኣር እቲ መድሃኒት ኣብ ኢድና እዩ። እዚ ንፖለቲካዊ ውድባት ወይ ንሲቪክ ማሕበራት ወይ’ውን ንዝተወሰነ ክፍሊ ናይ ሕብረተሰብና ዝግደፍ ዕዮ ገዛ ኣይኮነን። ኩሉ በብኸባቢኡ ዓበይትን ለባማትን እናሓወስካ ተበግሶታት ምውሳድ ጥራሕ’ዩ እቲ ፍታሕ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝውሰድ ተበግሶ ካብ’ቲ ኣብ ፎርቶ ዝተበገሰ ተበግሶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣናኣኢስካ ዝረኤ ኣይከውንን። ታሪኻዊ ሚዛኑ እውን ብጣዕሚ ከቢድ ኣዩ። ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ እነርእዮ ትሕትና፡ ልቦናን ተጻዋርነትን ብታሪኽ ልዕሊ ኩሉ ዘቐምጠና ክኸውን እዩ። ኣነስ ካብ መን ንኢሰ ኢልካ ምግትታር ንገለ ህንዱድ ስምዒታትና፡ ንግዚኡ ከርዊ ይኽእል ይኸውን፤ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ግን ሕጂ ክርደኣና ብዘጸግም መጠን እሾኽ ምዝራእ እዩ ዝኸውን። ከም’ዚ ዝበለ ጸይቂ ስራሕ በቶም ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ እናበሉ ንጽባሕ ዘይብሉ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት እምበር ካብ ደቂ ህዝቢ ዝብገስ ኣይኮነን። ደቂ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እከይ ተግባራት ህግደፍ ክበራበሩ ይግባእ።
ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኣብ ጎድኒ እቲ – እምቢ ንምልኪ እወ ንሕጊ – ኢሉ ተለዓዒሉ ዘሎ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ምዃኑ ከነረጋግጽ ንደሊ። ጎድኒ ንጎድኑ ከኣ ጸረ’ቲ ኣብ ውሽጢ ዝተወደበን ዘይተወደበን ህዝብና ክተኣታቶ ዝድለ ዘሎ ድሑር ምምቕቓል ምዃኑን ንዕኡ ንምፍሻል ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ክገብር ድሉው ምዃኑ ንደለይቲ ለውጢ ንሕብር።
ዓወት ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

ሰክረታርያ ኤደግ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • GULLIBLE PEOPLE February 9, 2013

    ሰክረታርያት ፣

    ህግደፍ፡ኢሳያስ ፣ብቐረባ ክግልበጥ ምዃኑ ኣየጣራጥርን።ናተይ ድሌት ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክቐውም እኳ እንተኾነ፣ነቲ ህልዊ ኩነታት ብምግምጋም እቲ ዝመጽእ ዝሓሸ ወትሃደራዊ መንግስቲ እዩ።ምእንቲ ሰላምን ርግኣትን ናይ ህዝብና እዚ እንተኾነ እዩ ዝምረጽ።ምኽንያቱ ካብ ወጻኢ (ፓልቶክ ሩም)ወጺእካ ኬድካ ከተምሓድር ተግባራዊ ኣይኮነን፣እቲ ተጋዳላይ ዝነበረ ወትሃደር እውን ኣየፍቅደልካን።

POST A COMMENT