Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብመጀመርያ እንቋዕ ናብ ንፋስ ሓርነት ኣብቀዓካ

ቀጺለ ምስ ረዲዮ ኣሰና ዝገበርካዮ ኣፈናዊ ቃለ~መጠይቅ ተኸታቲለዮ።ዝተሰመዓኒ ባህታ መግለጺ ኣይረኸብኩሉን።ንነዊሕ እዋን ከሳቂየካ ዝጸንሐ ሃለዋት ህዝብና ብፍላይ ኣብ ሓድነቱን ምሕደራኡን ሎሚ ሃህ ኢልካ ክትዛረበሉ ምብቃዓካ ልዋም ለይቲ ከም ትድቅስ ርግጸኛ አየ።እቲ ኩላትና ዝሓለፍናዮ ኣደንዛዚ ፕሮፖጋንዳ

ቀጺለ ምስ ረዲዮ ኣሰና ዝገበርካዮ ኣፈናዊ ቃለ~መጠይቅ ተኸታቲለዮ።ዝተሰመዓኒ ባህታ መግለጺ ኣይረኸብኩሉን።ንነዊሕ እዋን ከሳቂየካ ዝጸንሐ ሃለዋት ህዝብና ብፍላይ ኣብ ሓድነቱን ምሕደራኡን ሎሚ ሃህ ኢልካ ክትዛረበሉ ምብቃዓካ ልዋም ለይቲ ከም ትድቅስ ርግጸኛ አየ።እቲ ኩላትና ዝሓለፍናዮ ኣደንዛዚ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ሎሚ ኣብቲ ውልቃዊ ሓርነትካ ኣውጅካ ብሰላም ትነብረሉ ሃገር ንሓንቲ ደቂቅ ዓይንካ ሰም ኣቢልካ ንድሕሪት ተመሊስካሞ  ዘክሮ ማዓረ ክንደይ ብሽም ሃገርን ሃገራውነትን ከነስተብህለሉ ዝነበረና ጽዩፍን መላኽን ኣከያይዳ ህግደፍ ክትጽይኖ ግዚየ ኣይወስደልካን ኢዩ።እቲ ሓደን ቀንድን እቲ ንስኻ ካብ ልቢ ዘሻቀለካ ምጽውዋር ኤረትራውያን ዘይምህላዉ ኢዩ፡ናይዚ ዋና ተሓታትን ከይሰልከየ ዝሰርሓሉ ዘሎን ህግደፍን ውሑዳት መሳርሕቱን ኢዮም።ብሳንቡኣይ ኣተንፍሱ፡ደቂ ሓደልቢ ቀይሕ መስመር ስልጣነይ ዝሰገረ ነጽልዎ ፍትሒ  ዝሓተተ እሰርዎ እናተባህለ መንእሰይ ዘፍቅራ ሃገሩን ወለዱን ራሕሪሑ ፈቀድኡ ተበታቲኑ መስሓቅ ሸራፋት ኮይኑ ኣብ  ስደት ከርተት ክብል  ይርከብ ኣሎ። ኤርትራ ክልተ ጊዚየ ተራኢያ ሳልሳይን ዝኸፍኤን ኮይና ከይትረአ ኸኣ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሻቅሎት አዩ።ቀንዲ ሕማም ኤረትራውያን ምስ ኤርትራን ህዝባን ዘሎና ክቱር ልባዊ ፍቅሪ አዩ።ስለ ዝኾነ ኸኣ አዩ ስለኣ ንዝምር ስለኣ ንነብዕ ስለኣ ንጽሊ።ከሞቲ ዝበልካዮ እውን ከም ኤርትራ ገይሩ ዝተደርፈላ ሃገር ኣይት ህሉን ትኸውን እንተኾነ ህግደፋውያን ነዚ ፍቅሪ እዚ ስለዚፈልጡ እዮም ብጉልባብ ሃገር ንዝወስዱዎ ኢደ ወነናዊ ስጉምትታት  ህዝቢ ኤርትራ ከየስተብህለሉ ጋሪደሞ ዘለዉ። ልቢ የዓብዩ ኣብ ዝባኑ ጸይሩ ጨጨጓሩ ንውሽጢ ገይሩ እንተኽደ ግን እታ ሓንቲ መዓልቲ ዘይደሓን ከተረኻኽበሎም ኢያ።
  ክቡር የውሃንስ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዘበርከትካዮ ግደ ንውሉድ ወለዶ ዘይርሳዕ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ እቲ ካሊእ እልፊ ኣእላፋት ገጻት ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ግን ህግደፋውያን አዶም ኣይሳኑ ቦኺሩ ምህላዉ ት ዝንግዖ ኣይመስለንን።ወዮ ደኣ ዘማታትካን ግጥምታትካን ኣብ ክእለትካ ከም ዝምርኮሱ ይፈልጥ አየ እምበር፡ ሃገራዊ ደርፍታት ብ ህግደፍ ተስገዲዶም ከምዝዕደሉ ንማንም ስዉር ኣይኮነን።ምኽንያቱ መሕቢኢኦም ስለዝኮነ።እቲ ሓያል ግጥምታትካ እውን ጋን ኮይኑዎም` ወዲ ትካቦ ግጥምታቱ  ካልእ ተልእኾ ከይህልዎም`ተባሂሉ ብሰለስተ ሚኒስትራትን ሓደ ወይጦ ስነጥበባዊን ብመንፊት ይከታተልዎ ነይሮም አዮም።
    ስለዚ ኣብ መጨረሻ  ዓገብ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎእዋን እጃምካ ከተበርክት፡ነደታት ክትድብስ ወላዲ ምስ ውላዱ ከተራኽብ ይኣክል ክትብል ህገርና ሰ ላምን ራህዋን ከውርደልና ከተዘይም ዓቢ ትጽቢት ኣሎኒ።
       ሰላም ጥዕናን ምሳኻ ይኹን
                                     ሓውኻ    ካ ተክለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
58 COMMENTS
  • COW FACE October 29, 2013

    ክቡራት ደቂ ሃገር ጽባሕ ነዚ ዝጀመርክዎ ¨ውይይት¨ተጣቓልል ፣ ….¨ሓንቲ ቁምቡላ ከይደርበኻ ከመይ ጌርካ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ዘይወስድ ጊዜ ንኣቢሲንያዊት መንግስቲ ሻዕብያ ምግልባጥ¨ዝብል ማይ ዘይጥዓሞ መፍትሒ ዝኾነ ጽሑፍ ከቕርብ ስለ ዝኾንኩ ኣእዛንኩም ጸሊኹም ኣዒንትኹም ኣፍጢጥኩም ተጸበይዋ ።እንድሕሪ እቲ ንደልዮ ወሳኒ ዓወትን ዘላቒ ሰላምን ኮይኑ ነዛ ጽባሕ ዘቕርባ ፋንታስቲክ ዝኾነት ጽሑፈይ ተኸታተሉ !!!!

    መንበቢ ዋጋ ብነጻ !!!!

    • wedi Forto October 29, 2013

      Cow Face,

      With a nick name like “Cow Face” no one is going to take you seriously. I know you write long, and it could even be something interesting or useful, but I have never finished your posts, as your nick name is a turn off. Yes, people do judge a book by its cover!

      • Sefiros October 29, 2013

        Listen stupid. Give a chance for the prolific writer to expose the connection between dictator PIA and the Zionist fascist who are harvesting the organs of our precious youth.

      • SAVING YOUNG ERITREANS October 29, 2013

        Wedi Forto ,

        You make good sense ,so did Ahmed saleh….I get the message ,I will put my last message with the name SAVING YOUNG ERITREANS .

        thank you

        formerly known as cow face

  • KemalCrown October 29, 2013

    Wedi Tikabo’s interview was not as I expected. He was not articulate and tried to answer the questions by bringing irrevant similarities. Unity unity 100% times but he should understand by now what is dividing us. I don’t think he was folliwing eritrean poletics for a while. I am very disappointed y his answers. He should say clearly what is happening in eritrean and all the gross human rights abuses. Anyways, good luck with his asylum case.

    • tamrat tamrat October 30, 2013

      I dont think he is not aware of it but whenwhen he sings ,mama eritreA unite, he tthinks all the problems disapears the way hhis disapears by the number of sells of his album and the money he collects from mekete non stop festvals

  • berhan gedem October 29, 2013

    Wedi Tukabo what happen in Eritrea today why don’t tell briefly are you still terror by the regim what they treat peope.tell to the people indispora openly the root cause of all tragedy hitler of eritrea ESSAYAS inside eritrea they know better than you shem on you, you will be next (taasa form you will filled) I never expect you t say like that.

  • Hitzit October 29, 2013

    To my understanding, Wedi Tikabo is trying to act like a stateman who wamts to deliver a solution to a daunting problem of his nation. Remember, he is a vocalist amd expects karge audience to his new rekease.

  • SAVING YOUNG ERITREANS October 30, 2013

    “ከመይ ጌርና ,ንሻዕብያ 6 ወርሒ ብዘይመልእ ጊዜ, ሓንቲ ቁምብላ ከይደርበና ንግልብጦ ???”
    OUR PEOPLE ARE ON THE 11th HOUR OF DANGEROUS CONSEQUENCE ,WE NEED TO URGENTLY OVERTHROW PFDJ & BRING LASTING PEACE !!! BUT ,HOW ??? Stay tuned ,this is not one of the ways to do it ,but ,the only way to do it .

    ክቡራት ደቂ ሃገር ፣
    ነቲ ዝጀመርክዎ ንእሽተይ ኣስተምህሮ እቲ ገጽ ላም/COW FACE ዝብል ሽም ገዲፈ”መንእሰያት ኤርትራ ንምድሓን”/SAVING YOUNG ERITREANS ዝብል ሽም መሪጸ ።እቲ ዝሕንጥጦ ድማ ዝኣምነሉን ናይ ብሓቂ መንእሰያት ኤርትራን የድሕን ዝበልኩዎ ምዃኑ ይረድኣለይ ።
    ደቀይን ኣሕዋተይን፣
    እቲ ዝህቦ መፍትሓዊ ርእይቶ ካብ መዓሙቝ ልበይ ስለ ዝኾነ እዩ፣መን ኮን ይዕዘበኒ ከይበልኩ ዝድሕድሖ።መንእሰያትና እናዓረቡ ውርዙይ ሰብ ኴንካ ምቕራብ ኣይኮነን ዝግድሰኒ ፣እንታይ ድኣ ፣ዋላ ፕሮቮካቲቭ ኮይነ ኣቴንሽን ናይዚ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ረኺበ ኣብ ምውሳድ ሓላፍነትን ኣብ መፍትሒ ምእላሽን እንተስሓብኩዎስ እቲ ደቂ ሓምሳን ገለን ዘምጻእናዮ (መብዛሕትና ወጻኢ ንርከብ)ዶ ኾን ሕልና ነጥሪ ብዝብል ጽኑዕ መትከል እዩ ። ኣብቲ ከዔርዮ ዝበልኩዎ ጉዳያት ናይ ሕርቃን ጓል ዘረባታትን ንገለ ኣውራጃታትናን ውድባትን ከም ዘቐየምኩ ኣይስሕቶን። ዕቡድ መትዓረቒስ ሻፎ የቐብል ኮይኑ እናተዘረገኒ እዩ እምበር ዝጸልኦ ከባቢ ይኹን ውድብ የብለይን ።እመንዎ ኣይትእመንዎ __ንሻዕብያ እውን ኣይጸልኦን እየ።ምኽንያቱ ብዘይ ናትና ድንቁርና ሻዕብያ ኣይምሃለወን።ስለዚ እቶም ዝሃሰኹኹም ሰባት ይኹን ውድባት ምእንቲ እቲ ከድሕኖ ዝጽዕር ዘለኹ መንእሰይ ስም ኮይነ ይልምነኩም ይቕሬታኹም ክትህቡኒ።
    ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ዕላማን ድሌትን፣ምስ ነብሱ ዝተዓርቀን ፣ምስ ጎረባብቱ ብስኒት ነቢሩ ደቁ ዘምህርን,ንግዱ ዝገብርን ህዝቢ ንኽህልወና እዩ። ነዚ ንምግባር ግን እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣቢሲንያዊ እሾኽ (ህግደፍ)ክንነቕሎ ኣለና ።ከመይ ጌርና ኢና ግን ነዔውቶ ??? ቅድሚ እቲ መፍትሕ ስትራተጂ ምምጽኤይ፧፧ካብቶም ንኽተሎም ዘለና ግጉያት ሜላታት ክጠቅስ ፍቐዱለይ …

    1)ህግደፍ ናይ ሓባር ጸላኢ ስለ ዝኾነ ሓቢርና ሓደ ግንባር ፈጢርና ክንኣልዮ ኣለንና ።
    ክትሰምዖ መፍትሒ ይመስል ግን፣ስምዒታዊ ሕርቃን እዩ __ከነተኩሮ ዘለና ኣብ ናይ ሓባር ፈታዊና (ህዝብና)እምበር ፣ኣብ ናይ ሓባር ጸላኢና ኣይኮነን ።ተቓዳዲምኩም ኣይትፍረድዎ ኣባህላይ.. ደቂ ሃገረይ ፣ኣዋህልሉ ። ንሓርገጽ ዝዓትዓቶ ውላድካ ንምድሓን ብሕርቃን ነቲ ሓርገጽ ከመይ ጌርካ ከም ትሕምሽሾ ምስ እትዕልም __ ብስምዒትን ሕርቃንን ትስሕቦ ቃታ ኣብ ክንዲ ነቲ ሓርገጽ ንውላድካ ክቐትል ይኽእል፣ወይ ውን ሓቢሩ ይቐትሎም ።እንታይ ከሰብካ ፧ዋላ ሓንቲ ከሰርካ ድኣ ።ብሕርቃን ዘይኮነ ግን፣ወደይ ከድሕን እየ ኢልካ ትዕልሞ ጥይት ተስዓን ሓሙሽተን ካብ ሚእቲ ነቲ ሓርገጽ ፈልዩ እዩ ዝቐትሎ ።እቲ ታሕጓስካ ድማ ወድኻ ስለ ዘድሓንካ ይኸውን_በዚ ምስ ዓገብካ ድማ ብስብስ ሓርገጽ ደፋእኩዎ እባ ኢልካ ትፍሳህ።

    2)ምንም እኳ ከም ተወሳኺ፣መሕፈር ወረዳታት ጠቓሚ ስትራተጂ እንተኾነ እውን__ተወንዚፈን ናብ ጓይላ ህግደፍ ዝኸዳ ኣደይ ፈሽኳል እናነወርካ ምሕናኽ ዘላቒ መፍትሒ ኣይኮነን።ከምቲ ደልክዎ ከም ተወሳኺ ስትራተጂ ወሳኒ እዩ ።….ግን ኣደይ ፈሽኳል ምናልባሽ በትሓሳስብኤን,ነዚ ዘይተጠርነፈ ተቓውሞ ተኸቲለ,ገዛይ እንተ ተሪፈ ፣ማይ ተመናይ ዘስራሕኩዎ ገዛ ብህግደፍ ካብ ዝውሰደኒ,ኣብዛ ደዊሎም ዘገደዱኒ ጓይላ ምኻድ ይሕሸኒ ኢለን ይኾና።ስለዚ ማማ ፈሽኳል,ዋላ እኳ ካብታ ጓይላ ምኻደን እግረን እንተስሓባ ግን ብሓፋሽ ተነዊረን ስለ ዝኾና ኣይክኽሰባን እውን እየን።

    3)ንዓና ንደቀባት ኤርትራውያን፣እዞም ተወልጄ እኮ እዮም ደገፍቲ ኢሳያስ ኮይኖም ዘጥቅዑናን ዘቕትሉናን ዘለዉ ፣ኤርትራ ምንም ስለዘይትብጽሖም !!!
    መን እዮም እቶም ተወልጄ ፧ ብዓል ኣቦና ወልደ ኣብ ወልደማርያም(መበቆል ኣኽሱም) ይሕውሱ ድዮም ፧ ወይ እቶም ብዜግነት ሱዳናውያን እንከለዉ ራቢጣ ኢስላሚያ ትብል ኤርትራዊት ፓርቲ መስሪቶም ምስ ኣቦና ወልደኣብ ለፊኖም ቃልሲ ኤርትራ ዝጀመሩ ፧ መን እዩ ተወልጄ ዘይኮነ ኸ ፣ፈቲና ጸሊእና እኮ እዘን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ዳርጋ ኹለን ብሄራት፣ናይ ኢትዮጵያ ዘለዋ መቦቆል ብሄራት መቐጸልታ እየን።እዚ ናይ ሓሶት ህዝበ ትግርኛ መንነት የጋግየና ኣሎ ፣ደቀይን ኣሕዋተይን ።

    ብሓጺሩ እቲ መፍትሒ እንታይ እዩ።ክትኵሰልኩም_

    እቲ ስልጣንን ፈጻሚ ውሳኔን ኣብ መንግስቲ ይኹን ኣብ ተቓውሞ ኣባና፣ኣብ ህዝበ ትግርኛ ስለ ዘሎ ፣እንድሕር ድኣ ነቲ ጉዳይ ዘላቒ መፍትሒ ከነምጽኣሉ ኴንና እቲ መፍትሒ ድማ ብግንባር ቀደም ንሕና ከነምጽኦ ኣለና ።ክቡር ህዝበ ትግርኛ ፣ኤርትራውያን ህዝብና ክድሕኑ እንተድኣ ኮይኖም ኩርዓትና ውሒጥና ክንገብሮ ዘለና ቆራጽ ውሳኔታት ኣሎ ።እቲ መንግስቲ ኤርትራ ብግንባር ቀደም ንኣና ከም መሳርሒን መሸቀጥን ጌሩ ዝተጻወቶ ሚና ይኣክል ።መፍትሒ ኣብ ገዛኻ ስለ ዝጅምር ድማ መፍትሒ ካብ እንዳና ንጀምሮ ።
    1) ኣንታ ሓማሴናይ ወዲ ኣውራጃይ፣ሻዕብያ ናትና ናይ ናይ ሓማሴን ኮይኑ ኣይፈልጥን፣ ናይ ኣቢሲንያ ስልጣኑ ዝዓጦ ውድብን መንግስትን እዩ ።እዚ ተረዲእና ድማ ብግንባር ቀደም ነቲ ኣከለጉዘታይ ብጥርጣሬ ክንርእዮ ሻዕብያ ብወይጦታቱ ጌሩ ዝለኸየና መንፈስ ንቐንጥጦ ።ኣብ ኣሕዋትና ደቂ ኣከለጉዛይ ውን ናይ ሓባር ዘይዉቁብን ኣረሓሓቕን መንፈስ የለን ማለት ኣይኮነን ።እቲ ትወስዶ ዘለኻ ስጉምቲ መጀመርያ ተጠቃሚ ንህዝብና ህዝቢ ሓማሴን እዩ ። ምኽንያቱ ብሓሳዊ ናይ
    ” ሓማሴንና መንግስቲ ” ዝውቀጥ ዘሎ ሓማሴናይ እዩ ።ንሓማሴናይ ቅድሚ ምፍታውካን ምሕላይካን፣ንኻልእ ይፈቱን ይሓልን እየ እንተ ኢልካ ሃገርነትካ ናይ ሓሶት ጭርሖ እዩ ዝኸውን።ሓማሴናይ ኣንኳይ ነቲ ምስኡ ሓቢሩ ንነዊሕ ዓመታት ዝነበረ ወዲ ሃገሩ ይትረፍስ ፣ካብ ዝመጸ መጺኡ መሬትን ርስትን ተዓዲልዎ ዝነብረሉ፣ ሕያዋይ መሬትን ህዝብን እዩ።

    2)ኣንታ ፈታው ሓዉ፣ኣከለጉዘታይ ንዝኣመንካሉ ቃልሲ ገባራትካን ምሁራትካን ዘይበቐቕካሉ፣ ልቢ ኣዕቢ __እቲ ብግንባር ቀደም ትፈትዎን ትነብዓሉን ህዝቢ ኣከለጉዛይ መፍትሒ ክረክብ እንተኾይኑ ….፣እንተደልዩ መጀመርያ ንሱ ይምጽኣኒ ኢልካ ከይተጸበኻ ነቲ ሓማሴናይ ሓውካ መሊስካ ተላለዮ ፣ብቐልዓለም ዘይኮነ ብሓቀኛ መንፈስ ፣እዚ ብምግባርካ ዓብን ለባምን የብለካ __ በብኣውራጃና ነርእዮም ጽብብ ደሉ መንፈሳት ብዘየገድስ __ብመጀመርያ ንህዝብኻን ንኣውራጃኻን ካብዚ ኢሳያስ ጠኒሱሉ ዘሎ ዕንወት ከተድሕኖ እንተዄንካ ነቲ ሓማሴናይ ኣብ ኩርሲ ምሳኻ ኮፍ ኣቢልካ ክንደይ ጊዜ ክንጋገ ኢና ሓወይ ኢልካ ተዛተዮ፣__ቅድሚ ሕጂ ክንደይ እኳ ተጋጊና __ሕጂ ግን እንታይ እንተገበርና እዩ ህዝብና ዝድሕን ፧ ቅድሚ ኢሳያስ ክግልበጥ ኣለዎ ማንኪ ክሕነቕ ኣለዎ ምባልና እንታይ እንተገበርና እዩ እቲ ጉዳይ ምእራም ነልብሶ እትብሎ ጊዜ__ነቲ ወዲ ከባቢኻ ኣከለጉዘታይ ካብ ጥፍኣት ኣድሒንካዮ ኣለኻ ማለት እዩ። ካብቲ ኣርሒቑ ዝሓስብን ታሪኸኛን ኤርያ ኢኻ ፣ብዘይረብሕ ኩርዓት ህዝብና ህዝቢ ኣከለጉዛይ ኣይተወድኣዮ ።

    3ኣንታ መሬትካን መሰልካን ክትንክፍዎ ከለዉ ቀጭ ቀጭ ኣቢሉ፣ መሰልካ ከየምለስካ ኣብ ቤት ፍርዲ ይኹን ኣብ ዓውደ ኵናት ግንባርካ ዘይትዓጽፍ ኣኮይ፣ንዓ ናይ ኣቦታትካ (ወረ እተን ብርቱዓት ኣዴታትካኸ ካብ ሰብኣይ ደይምረጻን )።ኣኮይ ስለ ዝኾንካ ብቐረባ እየ ዝፈልጠካ ።ብብዝሒ ኣብታ ሓቀኛ ኤርትራዊት ውድብ ተ ሓ ኤ ኴንካ ኣብ ሽንጭሮታትን ጎቦታትን ጥራይ ዘይኮነ ፣ኣብቲ ሜዳ ሰራየ ንጸላኢ ንኽልተ ወርሒ መመላእታ ሓራእራእ እተብል ኣኮይ ፣ውሻል እዞም ብኣውራጃ ናይ ኣቦይ ዝሽቅጡ ዘለዉ ወገናውያን ኣይትኹን ። ብውሽጢ ውሽጢ ጸረ ኣከለጉዘታይ መንፈስ እናለኸዩ በትን ንዕኡ ኣይትኣምኖ፣በትን ኢሳያስ ዘላግጸሉ ዘሎ ህዝቢ ኣውራጃ ሰራየ ኣየድሓንካ !!! እንታይ ኴንካ ኣቦታትካ እኮ ኣብ መንደፈራ ንተኽለ ማንጁስ ሓቅኹም ኢሉ ከም ዝፍሽኩል ጌሮሞ እዮም ።ከይሓደርካ ከይውዓልካ ነቲ ኣከለጉዘታይ ሓውካ ኢዱ ወጢጥካ ፣ሻሂ ይኹን ቢራ እናጋበዝካ ክንደይ ተጋጊና ኣንታ ሓወይ ብዕሽነትና ህዝብና ይጠፍእ ኣሎ እንተበልካዮ፣ ግንባር ቀደም ነቶም ዝርካቦም ጉሕጭዓ ተሪፎም ዘለዉ ደቂ ኣኮታተይን ሓትነታተይን ተድሕኖም ኣለኻ ፣ካብኡ ድማ እቲ ዝተረፈ ክቡር ህዝቢ ሰራየ ። ተስእ ኣይተዕጠጢ ህዝቢ ሰራየ እዩ ብግንባር ቀደም ዝድሕን እዚ ብምግባርካ.
    ኣሕዋተይ ነዚ ምትእምማን እዚ ካብ ጀመርናዮ ስለ ዘዔውት እናሓደርና ክንቅጽሎ እምበር ኣይክንገድፎን ኢና።ቁስልና ምሕዋይ ምስ ጀመርና __ቀጺሉ ነቲ ተረሲዑ ከም ካልኣዊ ዜጋ ተቖጺሩ ቀቢልኡን ሃይማኖቱን ከም መናሸዊ ተቖጺሩ ብህግደፍ ዝቖሰለ ህዝብና ብንጹህ ልቢ ይቕሬታ እናሓተትና እዝንና ነለቅሖ።
    ኣንታ ጀማር ሰውራ ዝኾንካ ህዝብና ህዝቢ መታሕት ፣ምሕራድ ጃንሆይን ምትሕብባር ኮማንድስን ከይኣኽለካ ፣ ኣቢሲንያዊት ሻዕብያ ሃይማኖትካን ቀቢላኻን ከተናሽዎ እንከላ ፣ኣቢሲንያዊት ሻዕብያ ሓስያ ናይ ኣዕራብ ፋናቲካዊ ጠባይ ናባኻ ኣጸጊዓ ብጥርጣረን ፍርሕን ንኽንርእየካ ንዝነዝሓቶ መርዚ ሽምጥና ገቲርና ክንዲ ንምክቶ፣ ኣይደገፍናካን __ኤረ ገለናስ መዛሙር ሻዕብያ እውን ዘሚርና ፣ንሱ ከይኣክል ድማ መሬትካ መንዚዓ ፣ንኳጃ ኣቢሲንያውያን ህዝበ ትግርኛ ክትዕድሎ ከላ ምንም ኣይበልናን።ክንደይ እኳ ስቅያትካ ድሃይ ኣይገበርናሉን፣ይቕረ በለልና ንዓ ሓቢርና ንዘቲ__ኣንታ ኩናማ__ኣንታ ዓፋርን ዝተረፍካ ህዝብናን__ክንደይ እኳ ረሲዕናካ ፣ኣባና ምስ በጽሔ ብዝሒ ምዓት እቲ ገበን ተሰቍሩና __ንዓ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ህዝብኻን ህዝብናን ተማያይጥና ነድሕኖ ።ድሕሪ ሕጂ እቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ህዝበ ትግርኛ ኮይኑ ንስኻ ከም መዔሸዊ ንጣሮ ዝበጽሓካ ጊዜ ኣእኪሉ እዩ ፣ሎሚ ሓድሽ ምዕራፍ ንኽፈት እሞ ሓዘንና ነቕልል፣ህዝብና ነድሕን።እቲ ብተንኮል ካብ ሱዳን ከይኣቱ ተኸልኪሉ ዘሎ ስደተኛ ሓውካ ድማ ኣትዩ መሬቱን ክብረቱን እውን ክልምለሰሉ እዩ፣
    እንተ ኢልና __ሓንቲ ቁምቡላ ከይደርበና፣ንህግደፍ እቲ ላንጋ ላንጋ ዘሎ ህዝብና ራሕሪሕዎ፣ ህግደፍ ክፈርስ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ዝመጽእ መንግስቲ እውን ቀዋሚ ህዝባዊ መንግስቲ ይኸውን ።ዝጎድለና ዘሎ ዘይምትእምማንን ይቕረ ምብህሃልን እዩ።ንሱ እንተጠፊኡ ህግደፍ ብዘይ መሳርያ ክተርፍን ክዓኑን እዩ።
    ዝበልኩዎን ዝጽሓፍኵዎን መልእኽቲታት ኩሉ ግን ኣይጥዓሰሉን እየ።
    ካብዚ ዝተረፈ ዝብለኩምን ዝልግሰልኩምን መፍትሒ የለን ።መሊሰ ይቕሬታ ይሓትት ነቶም ብሕርቃን ጓል ዘረባ ወሲኸ ዝሃሰኹኹም ኤርያን ውድብን .

    ሂወትን ክብረትን ንህዝቢ ኤርትራ

    ሓወቦኹም
    ምሕረቱ ሃብተ

    • ERITRAWIT October 30, 2013

      saving young Eritrean,I really like u name and I like what u told us I do appreciate.

      • SAVING YOUNG ERITREANS October 30, 2013

        ERITRAWIT ,

        You are open minded person ,you showed me how to be civil ,highly appreciated.Our lack of unity is due to our not trusting eachother .

        Stay focused ..you are brilliant .

    • selam October 30, 2013

      Saving young eritrean,
      I like ur idea but it would be nice if you can make it short and brief. I respect wht you trying to explain dont take it wrong. And also I wish ur name was “saving eritean lives” because eveyone
      is suffering young, old ,kids at this point.
      God bless!

      • SAVING YOUNG ERITREANS October 30, 2013

        Selam ,

        Point well taken ,thank you.

      • MightyEmbasoyra October 31, 2013

        How does SYE sound?
        Just saying.

  • Rahwa October 30, 2013

    I like the Interview, its not hate. Let us not divide!!

  • Zola October 30, 2013

    Kudos Amanuel for the interview.

    Wedi Tikabo’s interview shows a typical depth of hegdefes brainwashing. He couldn’t openly condemn the regime and instead went for nonsense. I suspect that he still fears the long hands of hegdef and wants to stay a neutral.

  • dan October 31, 2013

    eti kab kulu zegeremeni zereba nay wedi tikabo dima nnebsu kab kulu aglilu ane kulukum eritrawiyan tesamamu eye ziblom nisuke msmen eyu wedaje zereba

POST A COMMENT