Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብማዕበል ፖለቲካ ክትሕቈን ዘላ ቤተ-ከርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ

ብማዕበል ፖለቲካ ክትሕቈን ዘላ ቤተ-ከርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ( 2ይ - ክፋል) መቸም ካብ ሱር-መሠረቱ፥ ወይ ካብ ጉንዱ ክርአ ከሎ፥ ዘዛርብ ጉዳይ ከይተረኽበ፥ ክዛረብ ኮነ ክጽሕፍ ዝደሊ ሰብ፥ ይርከብ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ኣብዚ እዋናት’ዚ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ

ብማዕበል ፖለቲካ ክትሕቈን ዘላ

ቤተ-ከርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ

( 2ይ – ክፋል)

መቸም ካብ ሱር-መሠረቱ፥ ወይ ካብ ጉንዱ ክርአ ከሎ፥ ዘዛርብ ጉዳይ ከይተረኽበ፥ ክዛረብ ኮነ ክጽሕፍ ዝደሊ ሰብ፥ ይርከብ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ ኣብዚ እዋናት’ዚ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብዝምልከት፥ ተደጋጊሙ ክዝረብን ክጸሓፍን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መዛረቢ ኣርእስቲ ክትከውን ካብ እትጅምር፥ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ’ዛ ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ክፍጸም ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ፥ ምንም ምምሕያሽ ክግበር ስለ-ዘይተራእየ ከኣ። እንሆ እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ብቐጻሊ’ያ ናይ ርድኡኒ ኣውያት ከተስምዕ ትርከብ ዘላ።

ብተደጋጋሚ ክዝረብን ክጸሓፍን ከም-ዝጸንሐ። ጸገም’ዛ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ገና እቶም ካብ በረኻ ዝኣተዉ ሰብ ጠብ-መንጃ፥ እግሮም እትው  ክብል ከሎ ዝጀመረ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ከመይሲ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ኣብ ግምት ብዘይ ምእታው፥ ባዕላቶም ሽመት ሂቦም ብዝቐመጡዎም ሰባት ኣቢሎም’ዮም፥ ከመሓድሩዋ ዝጀመሩ። ካብዚ ዝተባህለ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ድማ፥ ማለት ን27-ዓመት መመላእታ፥ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት ተቘሪና ትርከብ ምህላዋ፥ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ከም ውጽኢት’ዚ ኩሉ ከኣ’ዩ፥ እቲ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ፥ ብሓደ መዓርገ-ክህነት ዘይነበሮ፥ ኣቶ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ተራ-ጭዋ ክትምራሕ ዝተገብረ። ርግጽ’ዩ ነቲ ንሳቶም ዝደልዩዎ ኣጀንዳ ዘተግብር፥ ምስቲ ንሳቶም ዘቐመጡዎ መዐቀኒ’ውን ዝሳነ ሲኖዶስ ብምቛም፥ ንምምሕዳር ቤተ-ክርስቲያን፥ ናብ ዝደለዩዎ መኣዝን እናጠዋወዩ፥ መጋበሪ-ፖለቲካ ክገብሩዎ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። ይኹን እምበር እቲ ኩሉ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ’ዛ፥ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ እናተፈጸመ ከሎ፥ ዓገብ ዝብል ድምፂ ክስማዕ ዘይከኣለ።

መወዳእታኡ ድማ ንሳቶም እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ፓትርያርክ ዘይብላ ቤተ-ክርስቲያን ክትህልዎም ስለ-ዝደለዩ። ነቲ ከም መጋበሪ ክኾኖም ባዕሎም ዘቘሙዎ ሲኖዶስ ተጠቒሞም። እቶም ፓትርያርክ ካብ ሥልጣኖም ተደፊኦም ክሳብ ዝወርዱ ዝኸይድ ርሕቀት፣ ሰጢጦም ክኸዱ ተራእዮም። እቲ መሃንድስ ኮይኑ ነዚ ኩሉ’ዚ ዘፈጸመ’ውን፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ምዃኑ ግልጺ ዝኾነ ናይ ትማሊ ታሪኽ’ዩ። ግዳስ ዝኾነ መዓርገ-ክህነት ከይሃለዎ፥ ከመይ’ሉ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ፥ ምምሕዳር ቤተ-ክርስቲያን ክቕመጥ ይኽእል-? ብምባል፥ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ብዝመርሑዎ ተቓውሞ፥ እቲ ኣቶ ዝመዓርጉ ዮፍታሔ፥ ተደፊኡ ክወጽእ ከም-ዝተገብረ ከቶ ክርሳዕ ዝኽእል ኣይኮነን።

ግዳስ ዮፍታሔ ደኣ ይሰጎግ እምበር፥ እቲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ፥ ክትተሓዝ ዝብል ፖሊሲ እቲ ሥርዓት ግና ኣይተቐየረን። ስለ’ዚ ነቲ ዮፍታሔ ኣብ መንጎ ገዲፉዎ ዝኸደ ዕንወት ዝፍጽም፥ ሓደ መተካእታ ክድለ ግድነት’ዩ ነይሩ። ነዚ ኣፍራሲ ዝኾነ ተልእኮ’ዚ ንምፍጻም ከኣ፥ ኣብቲ መድረኽ ኣባ-ሉቃስ ወጺኦም ካብ ዝረኣዩ፥ ደጊምሲ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ካብ 1997 ዓ/ም (2005) ጀሚሮም ድማ፥ እንሆ ልጓሙ ከም-ዝበተኸ ፈረስ ኮይኖም ብምዕንዳር፥ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዘይሓልፍ ከፍርሱዋን ክበታትኑዋን ይርከቡ ኣለዉ።

ስለዚ’ውን ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ብጐነጽ ካብ ሥልጣኖም ከም-ዝወርዱ ምግባር፥ ከልዕሎ ዝኽእል ሕዝባዊ-ተቓውሞ፥ ወይ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን፥ ቀሊል ክኸውን ከም-ዘይክእል ነቶም ሰብ-ፖለቲካ ስለ-ዝተረድኦም። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ሓደ መጋገዪ ስእሊ፥ ናብቲ ሕዝቢ ንምዝርጋሕ ተባሂሉ፥ ኣብ መጀመርታ እዋን፥ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ተጻዒኖም ንኣሜሪካ ዝመጹ ንሶም ኣባ-ሉቃስ ምዃኖም ከቶ ክርሳዕ ዝኽእል ኣይኮነን። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ንሶም ብኢድ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝተቐብኡ፥ ሓዲሽ ጳጳስ’ዮም ነይሮም። ብዛዕባ’ቲ ሽዕኡ ጋሻ ኮይኖም ዝሕወሱዎ ዝነበሩ ሲኖዶስ’ውን፥ ዝኾነ ኣፍልጦ ነይሩዎም ዝበሃሉ ኣይነበሩን።

ንሶም ግና ነቲ ፀረ ቤተ-ክርስቲያን ዝካየድ ዝነበረ፥ ኣፍራሲ ተልእኮ ንምፍጻም፥ በቲ ሥርዓት ብቑዕ’ዮም ተባሂሉ ስለ-ዝተኣምነሎም። እቲ ነቶም ፓትርያርክ ካብ ሥልጣን ንምውራድ፥ በቶም ሰብ ፖለቲካ ዝተወስደ ስጉምቲ፥ ቅኑዕን ሕጋውን ‘ዩ ነይሩ ኢሎም ጌጋ ሓበሬታ ክዝርግሑ፥ መጀመርታን ቀዳማይን ኮይኖም ምድሪ-ኣሜሪካ ዝረገጹ፥ ንሶም እዞም ሕጂ ከም ዘራጊቶ ንፋስ፥ መሠረት ቤተ-ክርስቲያን ክፍርሱን ሓድነታ ክበታቱኑን ዝርከቡ ዘለዉ፥ ኣባ-ሉቃስ ምዃኖም ካብቲ ካብ ኣፎም ክወጽእ ዝስማዕ ዘሎ ዘረባ ንላዕሊ፥ ከረድእ ዝኽእል የልቦን።

ኣብቲ እዋን’ቲ ማለት 1987 ዓ/ም(2005) ከምቲ ንሶም ኣብዚ ሰሙናት’ዚ፥ ቃለ-መጠይቅ ክገብሩ ከለዉ ክብሉዎ ዝቐነዩ ዘይኮነ። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ኣብ ሰሜን-ኣሜሪካ ድሮ ሃገረ-ስብከት ቈይሙ ስለ-ዝነበረ። ጉዳዮምን ዘረባኦምን ምስቲ ሃገረ-ስብከት ደኣምበር፥ ብፍላይ ምስ ሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤል ዮሓንስ፥ ዝኾነ ዘራኽብ ጉዳይ ከም-ዘይነበሮም፥ ኣረጋጊጽካ ክዝረብ ዝከኣል ሓቂ’ዩ። ንሶም ግና እግዚኣብሔርከ ከመይ ክገብረኒ-!! ዝብል ስክፍታ ዘይብሉ፥ እቲ በሉዎ ተባሂሉ በቶም ሰብ- ፖለቲካ ዝተዋህቦም መርዛም ዝኾነ መምርሒ’ዮም፥ ዓይኖም ተዓሚቶም ክብሉዎ  ክንሰምዖም ዝቐነና።

ብዝተረፈ ኣብቲ እዋን’ቲ፥ ናይቲ ሃገረ-ስብከት ተጸዋዒ ዝነበሩ፥ መልኣከ-ሕይወት ተክለ-ሃይማኖት ክፍለ-እግዚእ ምዃኖም፥ ብሰነድ ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ። እቲ ሽዕኡ ንዕኦም ብወግዒ ዝተቐበለን፥ ምስኦም ዝተዛረበን ድማ፥ እዚ በቶም መልኣከ-ሕይወት ዝተማእከለ ሃገረ-ስብከት ደኣምበር፥ ብፍሉይ ናብ ሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤል ኣቢሉ ዝቐርብ ነገር ከም-ዘይነበረ’ዩ ዝፍለጥ። እዚ ከኣ ብቃለ-ጉባኤ ተታሒዙ ዝርከብ ሰነድ ዘረጋግጾ ደኣምበር፥ ንስለ ዘረባ ተባሂሉ ዝዝረብ ዘሎ ዘረባ ኣይኮነን።

እዚ ሃገረ-ስብከት’ዚ ድማ፥ ኣብቲ መስከረም 1997 ዓ/ም (2005) ዝገበሮ ጉባኤ። ኣብ ኣጀንዳ ኣእትዩ ካብ ዝተዘራረበሎም ሠለስተ ጉዳያት፥ እታ ካልኣይቲ ኮይና ተቐሚጣ ዘላ “-ብዘይ ኣፍልጦን ቡራኬን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ፥ ኣብ ሰሜን-ኣሜሪካ ዝርከቡ ኣቡን-ሉቃስን ኣቡን-ሺኖዳን ዝምልከት ጉዳይ-” እትብል ምንባራ’ዩ ዝፍለጥ። ከመይሲ ሃገረ-ስብከት ሰሜን-ኣሜሪካ፥ ኣብቲ እዋን’ቲ ነቲ ኣንጻር ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዝካየድ ዝነበረ ብፖለቲካ ዝድፋእ ተቓውሞ፥ ብዓቢይ ትዅረት ይከታተሎ ስለ-ዝነበረ፥ ነቶም ዋና መጋበሪ’ቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ብምዃን፥ ከም ፈረስ ጋሊቦም ክሳብ ኣሜሪካ ዝመጹ ኣባ-ሉቃስ፥ ኢዱ ዘርጊሑን ገጹ ኣብሪሑን ክቕበሎም፥ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይነበረን።

እቶም ወትሩ መጋበሪ’ቲ፥ ፖለቲካዊ ሥርዓት ዝኾኑ ኣባ-ሉቃስ ግና፥ ነዚ ሓቂ’ዚ ብጎቦ ኣቐሚጦም ብሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤል ኣቢሉ ኣብ ልዕሊኦም በደል ከም-ዝተፈጸመ ኣምሲሎም፥ መርዛማት ዝኾኑ ቃላት ክፍንዉ ክስምዑ ቀንዮም’ዮም። ግዳስ እቲ ዝተዋህቦም ናይ ፖለቲካ መምርሒ ደኣ፥ ከምኡ ክብሉ ኣገዲዱዎም ይኸውን እምበር። እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቅስ ከምቲ ዝብሉዎ ዘለዉ ከም-ዘይኮነ፥ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ከመይሲ እቲ ብኣባ-ሉቃስ ኣብ ሓምለ 1997 ዓ/ም (2005) ንኣሜሪካ ዝተገብረ መገሻ፥ ኣብቲ ሃገረ-ስብከት ሕንፍሽፍሽ ኣእቲኻ ንምፍራሱ ዝዓለመ ደኣምበር፥ ጥዕና ዝነበሮ ከም-ዘይኮነ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ኣጻርዩ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።

ንሶም ኣባ-ሉቃስ ግና፥ ከምቲ “-መንፈስ እምድሕረ ወጽኣ ኢይገብእ-” ዝበሃል ስለ-ዝኾኖም ግዲ ኮይኑ። ነቲ ኣጀንዳ ፖለቲካ ንምፍጻም ክብሉ፥ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ኣፍራሲ ተልእኮ ምእካል ስኢኑዎም፥ ሕጂ ድማ ሕንፍሽፍሽ ንምእታው ይሕግዝ ‘ዩ ዝበሉዎ፥ ደረጅኡ ዝወደቐ ጽዩፍ ቃላት ካብ ኣፎም ክወጽእ ይስማዕ ኣሎ። ንሶም ንሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤል ዮሓንስ’ዮም ክወቕዑ ዝደልዩ ዘለዉ። እዚ ከኣ ሓዲሽ ሕጂ ዝጅመር ዘሎ ጸለመ ኣይኮነን።

የግዳስ ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ተፈቲኑስ፥ ክሠርሕ ዘይከኣለ ፍሹል ተልእኮ’ዩ፥ ሕጂ ድማ መሊሶም ክብሉዎ ዝስምዑ ዘለዉ። ክብሉዎ ዝደልዩ ወይ ዝኹርኩሖም ነገር እንተደኣ ኣልዩዎም ድማ፥ ንብምሉአን ነተን ንክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክብላ፥ ፖለቲካዊ ምትእትታው ኣበርቲዐን ዝቃወማ ዘለዋ፥ ብብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ’ውን እናተመርሓ ዝርከባ ዘለዋ፥ ኣብያተ-ክርስቲያናት ደኣ ኣነጺሮም ይበሉዎ እምበር፥ ሊቀ-ካህናት ንበይኖም ተፈልዮም ስሞም ዝጥቀሰሉ ምኽንያት ከም-ዘየሎ ጥራይ ኢና፥ ነቶም ካድረ-ፖለቲካ ብምዃን፥ ብቅድስና ቤተ-ክርስቲያን ዝጻወቱ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ ክንነግሮም እንደሊ።

ከመይሲ ሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤል በይኖም ዝሕተቱሉ ዝኾነ ነገር የልቦን። የግዳስ እቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ፥ ብናይ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበርነት ዝምራሕ ዘሎ ሃገረ-ስብከታት፥ ማለት ኣሜሪካን, ኤውሮጳን, ማእከላይ-ምሥራቕን፥ ብሓባር ደው ኢሉ ኣጽኒዑ ሒዙዎ ዝርከብ ዘሎ ኣቕዋም’ዩ። እምበኣርከስ “-ዘኣበዮ ለእንጦንዮስ ኣበዮ ለመንፈስ-ቅዱስ-” ዝብል ጽኑዕ ኣቕዋም ሒዙ ዝርከብ ዘሎ፥ እቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ እዚ ኅብረት’ዚ ደኣምበር፥ በይኖም ሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤል ጥራይ ኣይኮኑን። ስለዚ’ውን ነባ-ሉቃስ ክንነግሮም ንደሊ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ ንከንቱ ክደኽሙ እንተ-ዘይኮይኖም፥ ሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤልሲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ካብቶም ውሑዳት ከም ብሌን-ዓይና እጥምቶም ካህናታ እዮም’ሞ፥ ዝኾነ ውጽኢት ክትረኽቡሉ ንዘይትኽእሉ፥ ከጸልሞም ይኽእል’የ ኢልኩም ኣይትድከሙ ጥራይ ኢና ክንብሎም እንኽእል።

እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ከኣ፥ እቲ ንመንነት ሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤል ዮሓንስ ብዝምልከት፥ ኣባ-ሉቃስ ክብሉዎ ዝተሰምዑ ዘሕፍርን ጽያፍን ዝኾነ ቃል’ዩ። ከመይሲ እዚ ኣበሃህላ’ዚ፥ ንዕኦም ነቶም ኣብ መዓርገ-ጵጵስና ይርከብ ኣሎኹ ዝብሉ ኣባ-ሉቃስ ደኣ፥ ዘሕፍሮምን ዘነውሮምን ከይከውን ይሰከፉሉ እምበር፥። ንሕና እቶም ብደቂቀ-እንጦንዮስ እንፍለጥ ኩላትና፥ ብበዓል ኣባ-ሉቃስ ኣቢሉ ክወሃበና ዝጸንሐ ቅጽል ስለ-ዝኾነ፥ ትግርኛ ንዛረብ ክሳብ ዝኾንና፥ ተጋሩ ኢኹም እንተ ተበሃልና’ውን፥ ክንስከፍ ዝገብረና ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የልቦን።

እቲ ዘገርም ግና ንሶም ኣባ-ሉቃስ፥ ነዚ ኣጸያፊ ዝኾነ ቃል’ዚ ክዛረቡ ከለዉ፥ እቶም ኣብዚ እዋናት’ዚ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ሕንፍሽፍሽ ንምእታው፥ ከም መጋበሪ ዝጥቀሙሎም ዘለዉ ኣባ መልከ-ጼደቅ፥ ኣብቲ ጎኖም ተቐሚጦም እናሃለዉ፥ ቁሩብ’ኳ ከሰክፎም ዘይምኽኣሉ እዩ።  እሞ እቲ ትግራዋይ ምዃን፥ ከም ገበን ዝቝጸር እንተኾይኑ ደኣ፥ ብኸመይ’ዮም ንሶም ንኣባ መልከ-ጼዴቅ ክሳብ ኤውሮጳ ሓንጊሮሞም ክመጹ ዝኸኣሉ-? ከመይሲ ብትውልዲ እንተደኣ ኮይኑ፥ ኣባ መልከ-ጼዴቅ ካብቶም ስግር መረብ ዘለዉ፥ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ምዃኖም ምንም ዘጠያይቕ ኣይኮነን። ቤተ-እግዚኣብሔር ግና፥ ናይ ኩሎም ናይቶም ኣመንቲ ናይ ኃባር ቤት ደኣምበር፥ ከምቲ ኣባ-ሉቃስ ክብሉዎ ዝስምዑ ዘለዉ፥ ዘርእን ዓሌትን ቈጺርካ ዝእቶ ቤት ኣይኮነን።

ብዝተረፈ ኣባ-ሉቃስ መንነት ሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤል ክፈልጡ እንተደኣ ደልዮም፥ ወዲ’ታ ዓባይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ካብ ምዃን ዝበልጽ፥ ካልእ ክብርን መንነትን ክህልዎም ዝደልዩ ኣይኮኑን። ብዝተረፈ ሊቀ-ካህናት ኣብ ሰራየ ኮነ ኣከለ-ጉዛይ፥ ተገላቢጦም ዝሓድሩሉ ናይ ሓረግ ትውልዲ እናሃለዎም፥ ኪኖ መረብ ተሳጊሮም ትውልድን መንነትን ዝደልዩሉ ምኽንያት የብሎምን። ስለዚ’ውን ሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤል፥ ነባ-ሉቃስ ኣብ ኣከለ-ጉዛይ ማዕሪኦም፥ ኣብ ሰራየ ድማ ልዕሊኦም እዮም። እምበኣርከስ ነባ-ሉቃስ ይወሓጠሎም ድዩ ኣይወሓጠሎምን ብዘየገድስ፥ ሊቀ-ካህናት ገብረ-ሚካኤል ኣብ ኣከለ-ጉዛይን ሰራየን፥ ከም ሮማዲ ዘስፋሕፍሐ ትውልዲ ስለ-ዘለዎም፥ ኣባ-ሉቃስ ዝጭነቑሉ ጉዳይ ኮይኑ ክርከብ ኣይክእልን’ዩ። ብሓጺሩ ሊቀ-ካህናት ኣብ ኣከለ-ጉዛይ ኮነ ሰራየ ዝውለዱ፥ ወዲ ክልተ እምባ እዮም።

ንሶም ኣባ-ሉቃስ ግና፥ ዝዝረብ ከም-ዝተሳእነ፥ ብትውልዲ’ቶም ሊቀ-ካህናት ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ክዝርግሑ፥ ዝተዋህቦም ፖለቲካዊ መምርሒ ከተግብሩ ክብሉ፥  ክሳብ ክንድዚ ንመዓርጎም ከዋርድ ኣብ ዝኽእል መድረኽ ወጺኦም፥ ተቓሊዖም ክርከቡ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና መጸናንዒ ዘይርከቦ ሓዘን’ዩ። ብዝተረፈ እዚ ጸሊም ታሪኽ’ዚ፥ ብፍሉይ ንሶም ኣባ-ሉቃስ ዝዝከሩሉ ኮይኑ ከም-ዝነብር ምንም ዘጠራጥር ኣይኮነን። የግዳስ ኣባ-ሉቃስ እቲ መሬት ኣብ ምውግሑ ምዃኑ፥ ከስተውዕሉሉ ዝኸኣሉ ኣይመስሉን ዘለዉ። ስለ-ዝኾነ’ውን፥ ሕጂስ ብንስሓ ደኣ ናብ ልቦም ምተመልሱ እምበር፥ መጋበርያ-ፖለቲካ ኮይኖም ፀሓይ ክዓርቦምሲ ኣይምተመነናሎምን-!!

ብዝተረፈ ከም ኣበሃህላ ኣባ-ሉቃስ። ምስ ትግራይ ዘራኽብ የብልናን፥ ንሶም ኣይቀርቡና ንሕና’ውን ኣይንቐርቦምን፥ እዮም ክብሉና ዝደልዩ ዘለዉ። እሞ ከምዚ ክብሉ ከለዉስ፥ ንምዃኑኸ እቲ ቤተ-ክርስቲያንና፥ ክትግልገለሉ ትርከብ ዘላ ዜማታት፥ ናይ መን ምዃኑ ይፈልጡዎ ድዮም-?! እቲ ሓበን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝኾነ ቅዱስ-ያሬድ እኮ። ኪኖ መረብ እምበር ክነጆ መረብ ኣይኮነን ተወሊዱ። ስለዚ ከም ኣበሃህላ ኣባ-ሉቃስ፥ ንቅዱስ-ያሬድ ትግራዋይ ብምዃኑ ኣይናትናን’ዩ እናበሉ፥ መሊሶም ድማ ነቲ ዜማኡ ክጥቀሙሉ፥ መሰል ኣሎኒ ክብሉ ዝኽእሉ ኣይመስለናን። እዚ ጥቓ ዕብዳን ዝበጽሐ ኣበሃህላ’ዚ ከኣ፥ ንዕኦም ንበይኖም ዝምልከት ደኣምበር፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ይምልከታ’ዩ ኣይንብልን።

ብተወሳኺ’ውን ነቲ ወናኒ ዓቢይ-ታሪኽ ዝኾነ፥ ዓቢይ ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝመሥረቱ ቅዱስ-ኣቦ፥ ዝተወልዱሉ ቦታ ኪኖ-መረብ እምበር፥ ክነጆ-መረብ ኣይኮኑን። ስለዚ’ውን ኪኖ-መረብ ዝተወልዱ፥ ብዙሓት ቅዱሳን ኣቦታት ከም-ዘለዉ ርግጽ’ዩ። ነዚ ኩሉ ክቡር ታሪኽ’ዚ ከኣ’ዮም ኣባ-ሉቃስ፥ ኣይናትኩምን’ዩ ክብሉና ዝደልዩ ዘለዉ። ብኻልእ ኣዘራርባ ቅድስና ኣቡነ-ፊልጶስ ዘደብረ-ቢዘን፥ ኣይብጽሓኩምን’ዩ ክበሃል’ዩ ዝድለ ዘሎ-?! ነዚ ዓቐኑ ዝሓለፈ ዕብዳን’ዚ ድማ፥ እንኳንዶ ከተግብሮ ክሰምዖ ዝደሊ’ውን ይርከብ’ዩ ዝብል እምነት የብልናን። እንተ ነባ-ሉቃስ ግና፥ ምሕረት የውርደሎም ካብ ምባል ሓሊፍና፥ ምስኦም ክንታረኽ ከነጥፍኦ እንደሊ  ግዜ የብልናን።

ብዝተረፈ እቲ ሓዲሽ ምልምል በዓል ኣባ-ሉቃስ ብምዃን “-ደስ ዘብል’ዩ-” ዝብል ዘረባ ብምድግጋም ክዛረብ፥ ክንርእዮን ክንሰምዖን ዝቐነና ህንጡይ መንእሰይ። ምስቲ ንደብተራ-ሃብቶም ርእሶም ተኪኡ፥ ምክትል ዋና-ኣማሓዳሪ መንበረ-ፓትርያርክ ኮይኑ፥ ዝርከብ ዘሎ ዲያቆን-ግርማይ ዘርኣይ። ዝገበሮ ቃለ-መጠይቅ ‘ውን ነይሩ’ዩ። የግዳስ “-እንተጸላእና ፍትሒ ነይከላእና-” ከም-ዝበሃል። ዲያቆን-ግርማይ ዝብሎ ዝፈልጥ እርንብ ዝበለ ሰብ ኮይኑ ኢና ዝረኣናዮ። ኣብ ዝወዓለ ይውዓል ኢሉ፥ ከም በዓል ኣባ-ሉቃስ፣ ዓይኑ ዕምት ኣቢሉ ዝዛረብ ኮይኑ’ውን ኣይረኸብናዮን።

ርግጽ’ዩ እቲ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ፥ ቅኑዕን ቅቡልን’ዩ ማለትና ኣይኮነን። ምስቲ ናይ ኣባ-ሉቃስ ቃና ዝመሳሰል፥ ሥርዓት ዘይሓዘ ወይ ዝናደፍ ቃል ግና ኣይሰማዕናሉን። እቲ ዝብሎ ዝነበረ’ውን፥ ተደፊኡ ወይ ተገዲዱ እምበር፥ ነፃ ኮይኑ ይብሎ ከም-ዘይነበረ፥ ኣብ ገጹ ግልጺ ኮይኑ ይንበብ ነይሩ’ዩ። ኣብቲ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ ግና፥ ክብል ስለ-ዝተኣዘዘ ግዲ ኮይኑ፥ ብዙሕ እወ ኢልካ ምቕባሉ ዝኸብድ ዘረባ፥ የውጽእ ምንባሩ ኣይከሓድን። ኣብቲ ኣባ-ሉቃስ ነጊሦሙሉ ዘለዉ መንበረ-ፓትርያርክ እናሃለወ ከኣ፥ ሓቅን ርትዕን ዘለዎ ዘረባ ክዛረብ፥ ከም-ዘየዋጻጽኦ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ።

ስለዚ’ውን እቲ ዲያቆን ግርማይ “….ምስ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን። ቀጻሊ ርክብን ዝምድናን ኣሎና….” ብምባል ዝሃቦ መግለጺ፥ ፈጺሙ ምስ ሓቂ ዘይቃረብ እዩ። ከመይሲ ኣብ 1997 ዓ/ም (2005) ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ካብ ሥልጣን ድሕሪ ምእላይ። ነዚ ውሳኔ’ዚ ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን ኣፍልጦ ንክትህቦ ተባሂሉ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ዝመርሖ ጉጅለ-ጳጳሳት፥ ካይሮ መጺኡ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ። ግብጻዊት ቤተ-ክርስቲያን ግና፥ እቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ንምስዓር ዝተወስደ ውሳኔ፥ ዘይቀኖናውን ዘይሕጋውን’ዩ ብምባል፥ ከም-ዝነጸገቶ’ዩ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ሰኒዱዎ ዝርከብ ዘሎ።

ንልዕሊ ዓሠርተ-ዓመት ድማ ዝኾነ ርክብ ኣይጸንሐን። ስለ-ዝኾነ’ውን ኣብ ሥርዓተ-ቀብሪ ቅዱስ ኣቡነ-ሺኖዳ። እተን ብኦሬንታል ዝፍለጣ ኣኀት ኣብያተ-ክርስቲያናት። ኣብቲ ናይ ቀብሪ ሥነ-ሥርዓት፥ ፕሮቶኮል ብዝተኸተለ ኣገባብ ብወግዒ ክሳተፋ ከለዋ። እታ በቲ እዋን’ቲ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ ብኃይሊ ፖለቲካ ተደፊኡ ዋና-ኣማሓዳሪ ኮይኑ፥ ዘመሓድራ ዝነበረ ቤተ-ክርስቲያንና ግና፥ ከምቲ “-ከይጸውዑዎ ዝመጸ ተደፊኡ ወጸ-” ዝበሃል። ኣብ ዝኾነ ክትሳተፈሉ እትኽእል መድረኽ ከይተዋህባ፥ ብዝመጸቶ ኣገባብ ብደገ ደጊኣ’ያ ተመሊሳ ክትከይድ ዝተገደደት። ከምኡ’ውን ኣብቲ ቅዱስ ኣቡነ-ቴድሮስ ንምምራጽ ዝተኻየደ ምርጫ። ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ ደኣ’ዮም፥ ከም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያን ሕጋዊ ዓቃቤ-መንበር መጠን፥ 10-ይ ርእሶም ኣብቲ ምርጫ ዝተሳተፉ እምበር፥ እቲ ብዮፍታሔ ዝምራሕ ዝነበረ ሲኖዶስ-ኣሥመራ፥ ዝዓደሞ ኣይነበረን ተሳቲፉ ዝበሃል ታሪኽ’ውን የልቦን። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብዚ ምርጫ’ዚ ዝተሳተፉ፥ እቶም ብደቂቀ-እንጦንዮስ ዝፍለጡ ዉሉደ-ክህነት ጥራይ’ዮም።

ግዳስ እቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ንምውራድ፥ ዝተፈጸመ ጸሊም-ታሪኽ፥ ምስ ፓትርያርክ-ሺኖዳ ዝሓልፍ ስለ-ዝመሰሎም ግዲ ኮይኑ። መሊሶም ምስዞም ሓዲሽ ፓትርያርክ ርክብ ክገብሩ ሓቲቶም ምንባሮም ዝፍለጥ’ዩ፥ ኣባ-ሉቃስ ዝመርሑዎ ጉጅለ’ውን፥ ቅድሚ ክልተ-ዓመት ንካይሮ መጺኡ ከም-ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። “….ሓሙሻይ-ፓትርያርክ ኢና ንመርጽ እምበር፥ ኣብ ሣልሳይ-ፓትርያርክ ንምለሰሉ ምኽንያት የብልናን….” ዝብል ኣቕዋም ስለ-ዝሓዙ ግና፥ እቲ ብኣባ-ሉቃስ ዝተገብረ ጉዕዞ፥ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ከም-ዝተበተነ’ዩ ዝፍለጥ። ብድሕሪ’ዚ ይኽፋእ ይጸብቕ ዝተገብረ ርክብ የልቦን። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዚ እናኾነ ከሎ፥ ዲያቆን-ግርማይ ምስ ግብጺ ቀጻሊ ርክብ ኣሎና ዝበሎ ግና፥ ብኣባ-ሉቃስ በሎ ተባሂሉ ካብ ዝዝረብ ፕሮፖጋንዳ፥ ዝሓልፍ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ’ዩ ዘሎና።

ብጀካ’ዚ እውን፥ እቲ ብቀጻሊ ኣብ ብራዚልን, ቫቲካንን, ስዊስን, ደቡብ-ኮረያን፥ ንዮፍታሔን ኣባ-ሉቃስን ከጋጥሞም ዝጸንሐ ተነጽሎን መንጸግትን። ዲያቆን-ግርማይ ክኽሕዶ ዝደለየ መሲሉ ኢና ዝረአናዮ። ግዳስ ከምቲ “-ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ፥ ሓኒቕክን ኣይትቕተላ-” ዝበሃል። ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት፥ ባዕሎም ተዓጢቖም ዝወዓሉዎ ውራይ ስለ-ዝኾነ፥ ሕጂ ድማ ኣብዚ ኣደናጊርካ ክሕለፍ ዝከኣል ባይታ ከም-ዘየሎ ፈሊጦም፥ ኣፎም ሓቲሞም ስቕ ክብሉ ጥራይ ኢና ክንመኽሮም እንደሊ።

ብዝተረፈ ኣባ-ሉቃስ እታ ፀሓይ ትዓርቦም ከም-ዘላ፥ ከስተብህሉላ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ። ስለ-ዝኾነ’ውን ንንስሓ እምበር፥ ንዝኾነ ዝኸውን ግዜ ኣለዎም ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ “-ንኽልተ ጎይቶት ከገልግል ዝኽእል የልቦን-” ብምባል ተዛሪቡ ኣሎ። እሞ ኣባ-ሉቃስ ደኣ ክሳብ መዓስ’ዮም፥ መጋበሪ ፖለቲካ ኮይኖም ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ክበታትኑዋ ዝደልዩ-?! ብዝኾነ ንሕና ንኹሉ ዝኸውን ግዜ ከም-ዘይብሎም፥ ጥራይ ኢና ክንነግሮም እንደሊ። እቲ ምርጫ ወይ ውሳኔ ግና፥ ንዕኦም ንበይኖም ጥራይ ’ዩ ዝምልከት። ብንስሓን ጣዕሳን ምስ ኣምላኾም ክዕረቑ ድማ፥ ተስፋና እዩ። ብዝተረፈ ንበዓል ኣባ-ሉቃስ ይፈተዎም ኣይፈተዎም ብዘየገድስ፥ እቲ ኣብ ዝባን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ተጻዒኑ ዝርከብ ዘሎ ናይ ፖለቲካ-ኣርዑት፥ ዝወርደሉ ወይ ዝስበረሉ ግዜ በጺሑ’ዩ። ብሕይወት ጸኒሕኩም ክትርእዩዎ ድማ ዘየቋርጽ ጸሎትና’ዩ። (ማቴ.6/24)

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ /ጀርመን/

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde January 10, 2019

    NIAAKUTEKE NIBEL!!!! This unholy intrusion in my parents pristine church is being punished as we speak by the Lord, the wrath upon the perpetrators is yet to come.

  • Genet -Original January 11, 2019

    I think the christian denomination are being blurred out at the worst time of our peoples history. I don’t think this is a wise thing to do. I have no problem with anyone worshiping his or her GOD. But to come here pretending to be Orthodox is dangerous act and it will not end well. Please have some respect for the Orthodox church. It is oky, Come as you are, not as some body else.

  • ኣስመሮም January 11, 2019

    ካህን ዝበሃል ስልጣነ ኽህነት የልቦን። እዞም መስቀል ሒዞም ተሳኢሎም ዘለዉ ሰብኣይ ድያቆን ድዮም ዋላ ቀሺ ዝፈልጦ የብለይን። ግን ንነብሶም “ካህን” ኢሎም ክጽውዕዋ ግን ሓድሽ ኮይኑኒ።እቲ ብሽም ኦርቶኦክስ ዝጽሕፍዎ ናይ ፕርርቴስታንት ጽልዋ ዘለዎ ጽሑፋቶም ከይተንከፍና።ጉዳም ዘበን

Post a Reply to Genet -Original Cancel Reply