Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተዓዲሞም ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ-ቱሪዝም ፈጺሞም ዝምለሱ ዘለዉ ገለገለ ኤሮጳውያን ፖለቲከኛታት ንምስሳይ፣ ንምልካዊ ስርዓት ከጸባብቑ ይፍትኑ ብምህላዎም ኣብ ትዕዝብቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ወዲቖም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ብዕድመ ሰበስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ-ቱሪዝም ፈጺሞም ዝምለሱ ዘለዉ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸቢብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዘለዎም ተጻባእቲ ስደተኛታት ዝኾኑ የማናውያን ፖለቲከኛታት ኤውሮጳ፣ ንጸበባን ‘ቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ተሓሪሙ፣ ግዳይ ዓመጽን ማእሰርትን ናይቲ

ብዕድመ ሰበስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ-ቱሪዝም ፈጺሞም ዝምለሱ ዘለዉ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸቢብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዘለዎም ተጻባእቲ ስደተኛታት ዝኾኑ የማናውያን ፖለቲከኛታት ኤውሮጳ፣ ንጸበባን ‘ቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ተሓሪሙ፣ ግዳይ ዓመጽን ማእሰርትን ናይቲ ብስስዐ ስልጣን ዝተበልዐ ምልካዊ ስርዓት ብምዃን ቀጻሊ ኣደራዕ ዝወርዶ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብምቅላል፣ ነቲ ብግፍዐኛነቱ ‘ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ’ እናተባህለ ዝምሰለሉ ዘሎ ጨካን ምልካዊ ስርዓት ከጸባብቑ ይፍትኑ ምህላዎም፣ ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ዘይርስዖ ገበን ይፍጽሙ ከምዘለዉ ተዓዘብቲ ገለጾም።

ንሳቶም፣ ነዞም ሎሚ ቕነ ኣብ ኤርትራ በጺሖም ናይ ሓሶት ምስክርነት ከቕርቡ ዝፍትኑ ዕምቆት ዘይብሎም ፖለቲከኛታት ስዊዘርላንድ መበገሲ ብምግባር ኣብ ዘንጸባረቑዎ ትዕዝብቲ፣ ን 20 ዓመታት ብንሕስያ ኣልቦ ውልቀመላኽነት ተጨፍሊቑ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ንዝነበር ዘሎ ህዝቢ፣ ብናይ ሰሙን ብሕታዊ ምብጻሕ ‘ከምቲ ዝፈራሕናዮ ኣይኮነን፣ እንታይ ከፊኡዎ፣ ደሓን ኣሎ’ ኢሎም ነቲ ውልቀመላኺ ፍናን ክህቡ ምፍታኖም፣ ንህዝቢ ኤርትራ፣ ካብቶም ኣብ ሃገሮም “ክትንከፉ የብሎምን” ኢሎም ዝጣበቁሎም ድሙን ከልብን ንታሕቲ ኣስተናዒቖም ከምዝርእዩዎም ዘመልክት ጽዩፍ ተግባር ብምኻኑ ‘ውን ኮኒኖሞ።

Thomas_swissእቶም ሸሓጥቲ ሰበስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብሓቂ ዕብዳኖም ይፍወስ ምህላዉ ከመሳኽሩ እንተደኣደልዮም፣ ነቶም ናብ ኤርትራ ክበጽሑ ንኽንደይ ዓመታት ዝለመኑዎም፣ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰብ ናይ ምክትታል ተልእኾ ዘለዎም ከም ኣምኒስት ኢንተርናሺናል ዝኣመሰሉ ማሕበራት፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ናብ ኣገርና ኣትዮም ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክዕዘቡ ፍቓድ ዝኽልክሉሉ ምኽንያት ኣይምሃለወን፣” ክብሉ ‘ውን ንፍዅሰት ናይቶም ሳንጥኦም ኣልዒሎም ኤርትራ ዝበጽሑ ዘለዉ ጥረ ኤውሮጳውያን ቱሪስት-ፖለቲካ ወቒሶም።

ምልካዊ  ስርዓት ኢሳይያስ ዲክታተርያዊ ፖሊሲኡ ንዝተቓወሙ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንገሊኦም ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬት መቝሑ፣ ንብዙሓት ካልኦት ኣደስኪሉ፣ ደሞዝ ክውስኽ እየ ኢሉ ምድንጋሩ፣ ኣብቲ ዘባኸኖ ናጽነት ብስም ብሩራዊ ኢዮቨልዮ ከዳኽረሉ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ጽምብል መጃሃሪ ክገብሮ ስለዝደለየ ደኣምበር ነቲ ን25 ዓመት ኣብ ድኽነትን ብልሽውናን ከቲቱ ክገዝኦ ዝጸንሐ ህዝቢ ሃንደበት ስለዝሓለየሉ ኣይኮነን፣ ክብሉ ውን፣ እንተላይ እቲ ዓመታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ከምዝተገብረሉ ዘናፍሱዎ ዘለው ቤላቤለው ወረ ክንደናገሩ ንዝተቐረቡ ተበለጽቲ ኣርእስተ ዜና ንምሃብ ዘናፍሱዎ ዘለዉ መሰረት ዘይብሉ ሓሶት ምዃኑ ኣረዲኦም።

እዚ ሒደት ፖለቲከኛታት ስዊዘርላንድ ምስ ሰበስልጣን ምልካዊ ስርዓት ብምትሕብባር ሎሚ ቕነ ዝወደቡዎ ናይ ፕሮፖጋንዳ ፈተነ፣ ካብቲ ናይ ደንማርክ፣ ነርወይን ዓዲ እንግሊዝን ፖለቲከኛታት ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝፈተኑዎ ፍሹል ናይ ‘ክትበልዓልዓ ዝደለኻ ኣባጉንባሕ ሲ ዛግራ በላ’ ሃቐነ ዝፍለ ከምዘይኮነ ድማ ኣገንዚቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Natnael February 19, 2016

    ስዊትዘርላንድ ዓገብ !

    ባዕዳውያን ጸላእትና ሕጂው`ን ብዘይ እደን ረቂቕ ስልቲታት ተጠቒሞም ፣ ብተሓባባርነት ዲክታቶር ኣፍ-ወርቂ ጥቕሞምን ድልየቶምን ንምርዋይ ህዝብናን ሃገርናን ብኩሉ እንትናኡ ኣዕንዮሞ ፣ ንምዕራዩን ናብ ናይ ምዕባለ መንገዲ ንኸተትሕዝ ኣብ ዘጽግምን መድረኽ ኣውዲቖሞ ይርከቡ::

    ምንም’ካ ቅሉዕ ድኽመት እንተለና ፣ ንድኽመትና ንሕስያ ብዘየብሉ ኣገባብ መዝሚዞም ሃገርና ይኹን ከባቢና ኣብ ንኽትገልጾ ኣሸጋሪ ዝኾነ ኩነታት ኣውዲቖሞ ይርከቡ::

    ሕጂ ድማ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ ድማ መጥፍኢት ደርፊ“ ከም ዝበሃል እዞም ናይ ፖሊቲካ-
    ጨለታት ኢና በሃልቲ “ኣብ ዘይመንጠቢትክን ኣይተእትዋ ኢድክን“ ክኸውን ኣለዎ:: ትማሊ ትማሊ ዲክታቶር ይብሉ ከምዘይነበሩ ፣ ሕጂ ሕብረተ-ሰብና ኣብቲ ዝደልዩዎ ደረጃ ምስ ዓነወ ሕንኽ ከይበሉ “MAY BE a criminal“ ድሕሪ ምባል 200 ሚልዮናት ዩሮ ሂቦም ክኾሓሕልዎ ጀሚሮም ንርኢ ኣለና:: ብፍላይ እካ ኣብ ዞና ቀይሕ-ባሕሪ ስትራተጂክያዊ ትልሞም ንኸማልኣሎም ምስ ስዑዲ ዓረብን ኤሚራትን ኣማሓዝዮሞ ንርኢ ኣለና – ወይ ጉድ !

    እዞም ደቂ ስዊትዘርላንድ ድማ ፖሊቲካዊ ሽርሙጥና ካብ ምክያድ ብኽብረቶም ክብረትና እንተዝሕልዉልና ኣይምሓሾምን ? ብሰንኮም ክሳብ ሕጂ ተኻዕዩ ዘሎ ደምና ውሑድ ኣይኮነን ፣ ኣብ ፈቐዶ ጥቓ እስራኤል ዝርከብ ምድረበዳ ተኸስኪሱን ኣብ ኣፍደገ ጥልያን ጥሒሉን ዘሎ ሬሳታት ናይ ተስፋ ዝቆረጹ መንእሰያትና ኣይኣኽሎምን ?

    ሕጂ እንተኮነው’ን ንሕና ወርዚና ሽግርና ባዕልና እንተ ዘይፈቲሕና፣ ካልእ ዝፈትሓልና ኣካል ከምዘየለ ከነስተውዕል ይግበኣና:: ስለዚ ሓደራ ምእንቲ ጠቕምናንን መጻኢናን ክንብል ንዝነበረ ፍልልያትና ንጎኒ ወንዚፍና ናብ ዕላማና ነትኩር! ባዕዳውያን ክሕግዙ ይኽእሉ’ዮም ፍታሕ ሽግርና ግን ኣብ ኢድና ጥራሕ እዩ::

  • rahwa February 19, 2016

    Right wing politicians visit Eritrea and they could care less that under the land they walked on live over 10 thousand prisoners of conscience who have been doomed to life in dark holes for being human beings with conscience. And remember it is the 21st century. Eritrea must have screamed under their feet and their dark intentions. We know Europeans are fed up of refugees especially African refugees. But to claim you stand for human rights and then to do business with the iseyases (the dictators) of this world is contradictory. An injustice somewhere is an injustice everywhere said the great Dr. Martin Luther King. You cannot live in a world where human rights are trampled on a daily basis and claim that your rights are protected, because they are not. When we talk about human rights we are not talking about Joe’s or Amanda’s rights only. They are rights for human beings regardless of their skin color of geographic location. This if we do it, it is right but if others do it, it is wrong should stop. Dancing with a dictator who is sucking the people’s blood makes you a blood sucker even if your intention was to curb African refugee influx by telling lies.

  • Genet-orginal February 20, 2016

    Those idiot are not only liars, but criminals and racist. Shame on them. Always, right wing politicians tend to be heartless, ignorant and hateful toward people who don’t have the same skin as themselves. It is unbelievable. Do they think Eritrean are leaving their country and family, just for fun? Leaving their people and risking their lives just for fun? Those dirty and amoral group of people should be shamed to no end. Have they ask the dictator where the G15 are? or did he tell them “I don’t know them”. And those idiot felt that was good enough.
    God bless our people!
    We shall overcome the atrocity inflicted upon us. We will never forget!

POST A COMMENT