Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምኽንያት በዓል ናጽነትን ዝኽሪ ናይ ኩሎም ኣብ መንገዲ ስደት ዝሃለቑን! ብወልድኣብ ፍስሓጽየን ዝቐረበ ቃል ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኦስሎን ከባቢኣን

ብምኽንያት በዓል ናጽነትን ዝኽሪ ናይ ኩሎም ኣብ መንገዲ ስደት ዝሃለቑን! ብወልድኣብ ፍስሓጽየን ዝቐረበ ቃል ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኦስሎን ከባቢኣን ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡ ኣቐዲመ ብስም ኣዳላዊት ሽማግለ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ መዓልቲ`ዚ እንቛዕ ብስላም ኣራኸበና ክብለኩም እፈቱ። ካብዚ ብምቕጻል ከኣ ንሎሚ

ብምኽንያት በዓል ናጽነትን ዝኽሪ ናይ ኩሎም ኣብ መንገዲ ስደት ዝሃለቑን!

ብወልድኣብ ፍስሓጽየን ዝቐረበ ቃል ነጻ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኦስሎን ከባቢኣን
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡ ኣቐዲመ ብስም ኣዳላዊት ሽማግለ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ መዓልቲ`ዚ እንቛዕ ብስላም ኣራኸበና ክብለኩም እፈቱ። ካብዚ ብምቕጻል ከኣ ንሎሚ ኣብዚ ሓቢርና ንኸነምሲ ብዝገበርዎ ጻዕሪ ንሽማግለ ነጻ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ኦስሎን ከባቢኡን ከምኡ`ውን ንኣዳላዊት ሽማግለ ብዓል ከመስግኖም እደሊ።

ኤርትራ ሃገርና ድሕር`ቲ ማእለያ ዘይብሉ ሂወት! ንብረት! ስንክልናን መሪር ስደትን! ዝኸፈልናሉ ናይ 30 ዓመታት ተጋድሎ፡ ሳላ ጀጋኑ ደቃ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ተናጊፋ ነጻ ሃገር ኮይና ካብ እትበሃል እነሆ ድሮ 24 ዓመታት ኮይኑ`ሎ።

24 ዓመታት ቀሊል ግዜ ኣይኮነን። ዳርጋ ክንድ`ቲ ንሓርነታዊ ቃልሲ ዘጥፋእናዮ መዋእል`ዩ። ነዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰላምን ብዲሞክራስን ኣሕሊፍናዮ ኔርና እንተንኸውን፡ ናይ ሎሚ ኤርትራን ህዝባን ኣበየናይ ደረጃ ምዕባሌን ብልጽግናን ምሃለወት? ክንደይ ሊቃውንቲኸ ኣፍራያ ምኾነት? ንዝብል ሕቶ ምምላሱ ሎሚ ኣይመሸገረናን ኔሩ።

እወ! ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ኮይኑ መዘና ዘይብሉ ዋጋ ከፊሉ ዘምጽኦ ነጻነቱ ብውሑዳት ስለ ዝተዘምተ ቅሳነት ኣይረኸበን `ምበር፡ ነዛ ሎሚ ጸላእታ ብዘይተፈልጠ ምኽንያትን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብዘለዎም ዕዉር ጽልእን ኣብ ግሃነም-እሳት ቀይሮማ ዘለዉ ሃገር፡ ትጉህ ህዝብና ኣብ ገነት ቀይሩዋ ምሃለወ ኔሩ።

ጻዕራምን ቶግላባ ዘይፈቱን ለዋህ ህዝብና ግን ንሃገሩ ክሃንጽሲ ይትረፍ፡ ድኽነቱን ሓዘኑን ተጻዊሩ ክድቅስ`ውን ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ዕድል ኣይረኸበን። እኳ ድኣ ሎሚ ድሕሪ ነጻነት ኣደዳ ስደትን ሞትን ኮይኑ፡ ኣብ ፈቕዶ ሃገራት ንሕስረት ተሳጢሑ ኣብ ዝኸፍአ ሽግር ተሸሚሙ ይርከብ ኣሎ።

ኩቡራት ኢርትራውያን! እዚ ሎሚ ነብዕሎ ዘለና በዓል ነጻነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትዋ ሃገሩ ገዲፉ ዝጠፍኣሉን ዝዋረደሉን ኣብ ዘሎ እዋን`ዩ። ስለ`ዚ ከኣ ንሕና ደለይቲ ፍትሕን እቶም ንሃገርና ከም ናይ ውልቆም ዝቖጽሩዋ ዓመጽትን እነብዕሎ ብዓል ነጻነት፡ መሰረታዊ ፍልልያት ክህልዎ ናይ ግድን`ዩ።

እቶም ንፍትሒ ንደልያን ንቃለስን ዘሎናን ኣብ ከም`ዚ ዓይነት ኵነታት ብዓል ነጻነት ከነብዕል ከሎና፡ ምእንታና ዝሓለፉ ስዉኣት! ኣብ ቤት ማእሰርትታት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ውጹዓት! ኣብ ስሃራ ንፋስ ምድረበዳ ዘከላብቶ ዘሎ ንቡር ዘይረኸበ ናይ ኩሎም ወገናትና ሬሳታት! እተን ግደ ዓመጽ ኮይነን ከይኣኽለን ሕጅስ ቀሪብና እንዳበላ ምስ ተስፍኣን፡ ጥንሲ ኣብ ከብደን ቆልዓ ኣብ ሑቕፈን ሒዘን ኣብ ባሕሪ ዝጠሓላ ኣሕዋትናን ደቅናን! ኮታ ኩሎም ዓበይትን ንኣሽቱን ውጹዓት ዜጋታትና ኣብ ኣዒንትና ቅጅል ኢሎም

ስለ ዝረኣዩና፡ በዓል ነጻነት ከነብዕል ከሎና ብጎቦ ልብና`ምበር ብሙሉእ ሓጎስ ከነብዕሎ የሸግረና`ዩ። ብልቢ ከነስተማቕሮ`ውን ሕልናና ኣይፈቕደልናን`ዩ።

ኩሎም ዓበይትን ንኣሽቱን! ደቂ ተባዕትዮን ደቀ ንስትዮን ህጻውንትን! ኤርትራውያን ወገናትና ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሽግር ሽግርና ስለ ዝኾነ፡ ሓዘን ናይቶም ደቆም ሲኢኖም ዘለዉ ወለዲ ሓዘንና ስለ ዝኾነ፡ ሎሚ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ከም`ቲ ናይ ህ.ግ.ደ.ፋውያን ብሙሉእ ልብና ኮቦሮ ሓምሓም ክንወቅዕን እልልታ ክንዕልልን ኣዝዩ ይኸብደና`ዩ።

ስለ`ዚ ከኣ`ዩ ነጻ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ኦስሎን ከባቢኡን ንመበል 24 በዓል ነጻነት ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ፡ ብዙሕ ዳንኬራ ዘይብሉ ብሓውሲ ዝኽሪ ናይ ኩሎም ምእንቲ`ዛ ሃገር ዝሓለፉን፡ ግዳይ መሪር ስደት ኮይኖም ኣብ ዝሓሰብዎ ከይበጽሑ ኣብ መንገዲ ዝተኾልፉን፡ ኣብ`ዚ ቀረባ እዋን ግዳይ ግብረ ሽበራውያን ኣይ-ኤስ ብምዃን ብዘስካሕክሕ ዘይሰብኣዊ ጭካኔ ዝተሓርዱን ዝተቐትሉን ብሉጻት ወገናትና ዘኽብራ ዘሎ።

ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ንመላእ ህዝብና ጽንዓት ይሃቦን ይሃበናን እንዳበልኩ፡ ካብ`ዚ ከንብቦ ዝጸናሕኩ መሪር ሓቂ፡ ሕጽር ብዝበለ ማሕበረ-ሰብን ኣድላይነቱን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከሰጋግረኩም ፍቐዱለይ።

ከም`ቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ሎሚ ኣብ`ዚ ሓቢርና ንኸነምሲ ተኣኪብና ዘሎና ብሓልዮት ነጻ ማሕበረ-ሰብ ኢና። ኩላትና ከም ንፈልጦን ንርድኦን መብዛሕቶም ደቂ ሰባት ዓዶም ገዲፎም ክስደዱ ከለዉ ሓደ ክጥርንፎም ዝኽእል፡ ሕድሕዶም  ንኽላለዩ! ባህሎም ከኽብሩ! ቛንቝኦም ከይርስዑ! ኣብ`ቲ ዝነብሩሉ ሃገር መሰሎም ከይግፈፉን ሕድሕዶም ክተሓጋገዙን! ሕብረተሰቦም ከማዕብሉን! ኢሎም ዝኾነ ማሕበር ይምስርቱ`ዮም።

ብፍላይ ንዓና ንኤርትራውያን ከኣ፡ ኩነታት ሃገርና ሕልኽላኽ! ፖለቲካዊ ውህደት ዘይንውንን! ስለ ዝኾንና፡ ሕብረተ-ሰብኣውን ባህላውን ምዕብልናታት ኤርትራውያን ከም ቀንዲ መለለይኡ ዝገበረ፡ ካብ ውልቀ-ሰብ ጀሚሩ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝጥርንፍ ሓደ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ነጻ ማሕበረ-ሰብ ክህልወና ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ።

ብመጀመርታ ሰማንያታት ቍጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ኖርዋይ እንዳበርከተ ምስ መጸ፡ ማሕበረሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ እቶም ሽዑ ዝተሰዱ ኤርትራውያን ቀልጢፎም`ዮም ኣስተብሂሎሙሉ። ስለ`ዚ ከኣ`ዩ እቲ ናይ መጀመርታ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ወርሒ ሰነ 1986 ብኤርትራውያን ዝተመስረተ። ኣብ`ቲ እዋን`ቲ እቶም ቁሩብ ዝልለ ማሕበራት ዝነበሮምን ከም ሕብረተ-ሰብ ፍሉጣት ዝነበሩን ደቂ ፓኪስታንን፡ ቬትናምን`ዮም ዝነበሩ።

ካብኡ ሓሊፉ ግን፡ መብዛሕቶም ደቂ ኣፍጋኒስታን፡ ሲሪላንካ፡ ኤርትራውያን፡ ደቂ ማእከላይ ኣሜሪካ ከም በዓል ቺለ፡ ኡሩግዋይ፡ ፓራጉዋይ ወ.ዘ.ተ ውደባታቶም ፖለቲካዊ ውደባታት ጥራይ`ዩ ዝነበረ።

ብዝኾነ ግን ኤርትራውያን ከም`ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብወርሒ ሰነ 1986 ብቕኑዕ ሕልና ጀብሃ! ሻዕብያ! ካብ ዝብል ምፍልላይ ከድሕነና ዝኽእል፡ ካብ ፖለቲካ ነጻ ዝኾነ ንህዝቢ ከገልግልን ከማዕብልን ይኽእልዩ ዝበልዎ ማሕበረ-ሰብ ድሕሪ ናይ 6 ኣዋርሕ ጻዕሪ ክንምስርቱ በቒዖም ኔሮም`ዮም።

*ዘራጊ-ማይ ከሎ ኣሓ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ* ከም ዝበሃል ግን እዞም ሕጂ ንሃገርና ዝዘምትዋን ዘጽንቱዋን ዘለዉ ጸላእታ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ንሶም ዘቆጻጸርዎን ብዘይ ፍቓዶምን ኣይኮነንዶ፡ ማሕበረ-ሰብ ዕቁብ ክትምስርት`ውን እዚ ዘይበሃል ጸገማት ይፈጥሩ ስለ ዝነበሩ ቀሊል ኣይነበረን።

ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ዜሮም-ዜሮም፡ ነታ ተመስሪታ ዝነበረት ማሕበረ-ሰብ ኣብ ውሽጢ ናይ ሰለስተ ዓመታት ዝወሰደ ዘየድሊ ምስሕሓባት ካብ ኢድ ህዝቢ መንዚዖም ናቶም ናይ ፖለቲካ ኣገልጋሊት ከም ትኸውን ገበሩዋ። ክሳብ ሕጂ`ውን ን.ህ.ግ.ደ.ፍ ተገልግል ኣላ። በዚ እከይ ስራሕ`ዚ ዝኣክል ከኣ ኤርትራውያን ኣብ ኖርዋይ ብዙሕ ክንህሰ ኪኢልና ኢና።

እታ ማሕበር መጀመርታ ክትምስረት ከላ ልዕሊ 380 ኣባላት ኔሮማ። እቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብ`ቲ እዋን`ቲ ንኖርዋይ ዝተሰዱ ደቂ ካልኦት ሃገራት፡ ነታ ድሓር ዝተጨውየት ማሕበረ-ሰብ ናይ ኤርትራውያን ብጣዕሚ የድንቑዋ ነበሩ።

ንኣብነት ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኣብ ኖርዋይ ብጥርናፌኦም ኣዝዮም ኣድናቖት ኣትሪፎም ዘለዉ ደቂ ስሪላንካ እዮም። ደቂ ስሪላንካ ሎሚ ናቶም ሎካላት ዝውንኑን ዘካርዩን! ንደቆም ብናይ ትምህርቲ ስልጠና ጽቡቕ ኣገልግሎት ዝህቡን! ብዙሓት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክመሃሩ ንዝደልዩ ኖርወጃውያንን ካልኦት ወጻእተኛታትን ከይተረፈ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ በቒዖም ኣለዉ።

እዞም ሎሚ ኣብ`ዚ ደረጃ`ዚ በጺሖም ዘለዉ ደቂ ስሪላንካ፡ መጀመርታ ማሕበር ምስ መስረቱ ካብ ኤርትራውያን ክምሃሩን ተሞክሮታት ክወስዱን ኢሎም ምስ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ርክብ እገብሩ ምንባሮም ዝዝከር`ዩ። ንሕና ግን ሓደ ጥዕና ዘለዎ ማሕበረ-ሰብ ንምምስራት ጌና ሕጊግ ንብል ኣሎና።

እቲ ዛንታ ብሕጽር ዝበለ ከምዚ ኮይኑ፡ 29 ዓመታት ድሕሪ ምምስራት እቲ ህ.ግ.ደፍ ዝጨወይዎ ማሕበር ሓድሽ ኩነታት ተፈጢሩ። ንሱ ከኣ ገለ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ዝነበሩ ኣሕዋት፡ እዚ ማሕበር`ዚ ክሳብ መዓስ`ዩ ብውሑዳት ክውነንን? ሰፊሕ ህዝቢ ዘይጥርንፍ ስለምንታይ? ካብ ፖለቲካ ነጻ ዘይከውን? ዝብል ቅዱስ ሓሳብ ከልዕሉ ጀሚሮም።

ነቶም ኤርትራውያን ክንሶም ኣባላት ናይ`ቲ ማሕበር ዘይኮኑ ኣባላት ክኾኑን ሓቢሮም ነቲ ማሕበር ህዝባውን ነጻን ንኽገብርዎ ክንጽዕሩን ለባም ዝኾነ ሕቶ ኣቕረቡ። ካብ`ዚ ብምብጋስ ከኣ ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ዘቐረበሎም ሓሳባት ብቕንዕና ተቐበልዎ። ሓደ ዘቕረብዎ ኣገዳሲ ሓሳብ ግን ነበረ። ንሱ ከኣ ነቲ ማሕበር ከነዐርዮ እንተዘይ ኪኢልና ናትና፡ ንኹሉ ዝጥርንፍ ነጻ ማሕበር ክንምስርት ዝብል ሓሳብ ነበረ። ከም`ቲ ስምምዕ ድማ ብዙሓት ደለይቲ-ፍትሒ ንኸዐርዩ ኢሎም ናብ`ቲ ህ,ግ,ደ.ፍ ዝውንንዎ ማሕበረ-ሰብ ከም ኣባላት ተመዝገቡ።

ብሰንበት ዕለት 5.12.10 ጉባኤ ናይ`ቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝውንንዎ ”ማሕበረ-ሰብ” ተገብረ። ብዙሓት ደለይቲ ጽቡቕ ነባራትን ሓደስትን ኣባላት`ቲ ማሕበር፡ ነቲ ማሕበር ካብ`ቲ ናይ ዉሑዳት ማሕበር`ዩ። ንሓደ ሸነኽ ጥራይ ዝውክል ኤርትራዊ ሕብሪ ዘይውንን ማሕበር`ዩ። ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍ`ዩ። ወ.ዘ.ተ እንዳተባህለ ኩሉ ሻዕ ካብ ዝኽሰሰሉን ኣባላት ካብ ዝኸስረሉን ዝነበረ ኩነታት ንምልቓቑን ንምዕራዩን፡ ልባዊ ተበግሶ ብምውሳድ ናብ`ቲ ጉባኤ ብቕንዕና ተሳተፉ።

ኣብ`ቲ ኣኼባ ብተደጋጋሚ እቲ ማሕበር ነቲ ተዋሂቡዎ ዝነበረ ዕድል ንኽጥቀመሉን ቅዋሙ ንኸማሓይሽን`ውን ምዕዶኦም ለገሱ። ብፍላይ ከኣ ነዘን ዝስዕባ ኣብ`ቲ ቅዋም ዝነበራ ዓናቕጽ፡ 2.4 -2.5 – 3.1 -7.8 ለውጢ ክግበረለን ሓተትና፡፡ ንኹሉ ፈተነታት ግን ጸማም እዝኒ ተዋህቦ፡፡

 

ገለ ካብተን ደለይቲ ፍትሒ፡ ለውጢ ንኽግበረለን ዝጠለብወን ዓናቕጽ እዘን ዝስዕባ ነበራ።

 

  • 4 ማሕበረሰብ ሽግራት ኣባላቱ ንምቅላልን ባህላዊ ዓቕሚ መንእሰያትን ቆልዑን ንምድልዳል፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር፡ ምስ ሃገሮም ዝላለዩሉ መንገዲ ይፈጥር፡፡
  • 5 ኣብ እየርትራ ብሃገር ደረጃ ተፈጥራዊ ጸገማት ወይ`ውን ግዳማዊ ተጻባኢ ምስ ዘጋጥም፡ ማሕበረሰብ ንኹሉ ኤርትራዊ ብዝምልከት ናይ ህጹጽ ጻዋዒት ይገብር፡፡
  • 1 ኣባል ናይ`ዚ ማሕበር ክኸውን ዝኽእል፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ሓድነት ህዝብን ድሕነት ሃገርን ዝኣምን ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ መንነት ዘለዎ ጥራሕ ኢዩ፡፡
  • 8 ኣ/ሽማግለ ማሕበረሰብ ንድሕነት ማሕበር ዝምልከት ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓቢሩ ይሰርሕ፡፡ ዝብላ`የን።

እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ግን ፈጺሙ ንሰላም ዝዕድም ኣይነበረን፡፡ ካብ`ዚ ብምብጋስ እምበኣር እቲ ናይ ደለትቲ ፍትሒ ናይ ምዕራይ ጽቡቅ ተበግሶ ፈሸለን፡ ነቲ ኣኼባ ገዲፎሞ ወጹን። ከም`ቲ ዝነበሮም ስምምዕ ከኣ ብኡ-ብኡ ነቲ ዘይዲሞክራስያውን ኣገልጋሊ ህ.ግ.ደ.ፍን ዝኾነን ማሕበር፡ መተካእታ ዝኸውን ነጻ ”ማሕበረ-ሰብ” ንምምስራት መደባት ንምውጻእ ኣኼባታት ምክያድ ጀመሩ።

 

ገለ ካብኡ፡ ማሕበር ማዓስን ብኸመይን ክምስረት ከም ዘለዎ ንምሕንጻጽን መደብ ንምውጻእን ነበረ። ኣብ ናይ ዕለት 12.12.2010 ዝተገብረ ኣኼባ ድማ እዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ተወሰነ።

 

  • ናይቶም ከነዐሪ ኢሎም ከም ኣባላት ተመዝጊቦም ዝነበሩ ኣባልነት ምስሓብ።
  • ነቲ ዝምስረት ሓድሽ ማሕበር ዝኸውን ሕጊ ማሕበር ምንዳፍ
  • መስራቲ ኣኼባ ነጻ ማሕበረ-ሰብ ምጽዋዕ፡ ዝብል ውሳኔታት ነበረ።

 

ብኡ መሰረት ከኣ ብዕለት 25.12.10 ካብ`ቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝውንንዎ ማሕበር ኣባልነት ናይ ደለይቲ ፍትሒ ከም ዝሰሓብን ስለምንታይ ኣባልነቶም እስሕቡ ከም ዘለዉን ዘመልክት ሓበሬታ ዝሓዘ ደብዳቤ ናብ ኦስሎ ኮሙነ፡ ቅዳሕ ከኣ ናብ ማሕበረሰብ ህ.ግ.ደ.ፍ ተሰደ። ብዕለት 05.03.11 ኣኼባ ብምክያድ ሕጊ ትነድፍ ሽማግለ ቆመት። መስራቲ ጉባኤ ንዕለት 14.05.11 ክኸውን ተወሰነ። ከም`ዚ ኢሉ ከኣ ነጻ ማሕበርና ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ተመስረተ።

ኩቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ማሕበርሲ ተመስሪቱ፡ ምስ ተመስረተኸ ከም`ቲ ዝተጸበናዮ ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ`ዶ ወይሲ የለን? ዝብል ሕቶ ክልዓል ናይ ግድን`ዩ። እወ! ነጻ ማሕበረ-ሰብና እንተውሓደ ሰለይ ይብል`ኳ እንተሃለወ፡ ከም`ቲ ዝግብኦ ማዕቢሉን ሰሲኑን ክበሃል ግን ኣጸጋሚ`ዩ። ካብ ኣባላቱ ኮነ መራርሕቱ ብዙሕ ድኽመታት ተራእዩ`ዩ።

ከም`ቲ ብዙሕ ግዜ ክጥቀስ ዝጸንሐ ማሕበረ-ሰብ፡ ነጻ ማሕበር`ዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ብማዕረ ዝብጽሖምን ነቲ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣማራጺ ዝኾኖምን ማሕበር ማለት`ዩ። ቀንዲ ዕላምኡ ንምዕብልና ሕብረተሰብና ኣብ ኖርወይ ዝሰርሕ ማለት`ዩ። ንፖለቲካዊ ፍልልያትና ወጊዱ ከም ኤርትራውያን ንኹልና ዝሓቁፍን ከም ኤርትራውያን ንናይ ሓባር ረብሓና ዘገልግልን ማሕበር ማለት`ዩ።

ንሕና በብውልቅና ኣብ ነንኣምነሉ ማሕበር ኮነ ውድብ ኰንና ፖለቲካዊ ቃልሲ ክንቃለስ ሙሉእ መሰል ኣለና። ከም`ቲ ኣብ`ቲ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ዝተሃሰናዮ ንኸይንህሰ ግን፡ ነዚ ማሕበር`ዚ ነጻነቱ ክንሕልወሉን ከነኽብሮን ብጣዕሚ ኣገዳሲ`ዩ።

ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ ከም ዝበሃል፡ ህ.ግ.ደ.ፋውያን እዚ ኹሉ ጸይቅታት ጌሮም እንታይ ኣፍረዩ? ንዕኦምን ንደቆምን ዝኹልስ ስሱዕ ገበል! ንወለዶም ዘጉሂ ንብረቶም ዝራሲ ሽፍታ! ንጥፍኣት ሕብረተሰቦም ዝሰርሑ ዲሞክራስያዊ እንዶ ዘይብሎም መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝብሃሉ ኣገልገልቲ ዓማጺ ስርዓት እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ዘፍረይዎ ቁምነገር ፈጺሙ የለን።

ስለ`ዚ እምበኣር፡ ንሕና ንዝሓለፈ ጌጋታት ኩሉ ከም መምሃሪ ተጠቒምና፡ ብኣንጻሩ ጥዕና ዘለዎ ሕብረተሰብን መንእሰይን ንምህናጽ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ሎሚ ግዜ ይጠልበና`ሎ። ስለ`ዚ ድኽመት ናይ`ዚ ማሕበር ድኽመትና ዘኸትል፡ ዕብየቱ ከኣ ዕብየትና ዘኸትል ምዃኑ ተረዲእና፡ ከም ብሌን ዓይንና ክንጠንቀቐሉን፡ ብትግሃትን ተገዳስነትን ክንሰርሓሉን እላቦ። ንዝመጽእ ዓመት በዓል ነጻነት ምስ መላእ ህዝብና ብሓጎስ ከነብዕሎ እንዳተመነኹ ኣብ`ዚ ዘረባይ ይዓጹ። ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የቐንየለይ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • wedifre May 25, 2015

    Dear Weldeab,
    Thank you for your excellent speach!!!
    Please push forward and you are there.

    Bravo Weldeab and all the Deleity Fithi in Normay.

Post a Reply to wedifre Cancel Reply