Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምኽንያት ጀኔቫ 2018

እቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝወሰደ ዕዉት ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል  ሰልፍን ሕዝባዊ ኣኼባን ብሰላም ተዛዚሙ። እዚ ንኽልተ መዓልቲ ዝወሰደ መደብ፤ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ፍሉይ ነገር ነይሩዎ ድዩ? እንተበልና ብርግጽ ነይሩዎ'ዩ። ሕዝባዊ ኣኼባ ኣዳልዩ፥ 7 ዝኣባላታ ግዝያዊት ኮሚቴ

እቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝወሰደ ዕዉት ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል  ሰልፍን ሕዝባዊ ኣኼባን ብሰላም ተዛዚሙ። እዚ ንኽልተ መዓልቲ ዝወሰደ መደብ፤ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ፍሉይ ነገር ነይሩዎ ድዩ? እንተበልና ብርግጽ ነይሩዎ’ዩ። ሕዝባዊ ኣኼባ ኣዳልዩ፥ 7 ዝኣባላታ ግዝያዊት ኮሚቴ ንምምራጽ’ውን በቂዑ’ዩ። እዚ ድማ ነቲ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ዝርከብ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ንምፍዋስን፡ ኣብ ሓደ ጠርኒፍካ ስጡምን ሓያልን መሪሕነት ንምፍጣር፡ ከምኡ’ውን ሕዝቢ ዘማእከለ መሪሕነት ንምምስራት ዘኽእል’ዩ ክበሃል ይከኣል። 

ስለዚ’ውን እቲ ጨኳኒ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ካብዚ ክኸዶ ዝርከብ ዘሎ ናይ ዕብዳን መገዲ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምእላይ ዓቢ ኣስተዋጸኦ ከም ዝገብር መብዝሕቶና ንሰማማዓሉ ሓቂ ይመስለኒ። ከመይ እንተበልና እቶም ኣብ ማእከል ኣሥመራ ኮይኖም ንቓልሲ ዝለዓሉ ዘለው ጀጋኑ። ኣብ ስደት ዘሎ ሕዝቢ ብሓያል ማእከልነት ጥርናፈ ፈጢሩ፡ ክርእዩን ክሰምዑን ከለዉ፡ ኣድማዒ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ክወስዱ፡ ትብዓት ኮይኑዎም ክርከብ ከምዝኽእል ርግጹ’ዩ።

እዚ ሎሚ ኣብ ማእከል ኣሥመራ ኮይኑ፡ ነቲ ዲክታተሪያዊ ናይ ህግደፍ ሥርዓት፡ ብዘደንቕ ትብዓት ክብዶሆ ዝርከብ ዘሎ ጅግና ብርሃነ ኣብርሀ። እቲ ንሱ ሒዙዎ ተበጊሱ ዘሎ ዕላማ፡  ሃገራዊ ምልዕዓል ብምፍጣር፡ ንሥርዓት ኢሳይያስ ንምእላይ ሓያል ተቓዉሞ ክፈጥር ከምዝኽእል ንምግማቱ ዘጸግም ኣይመስለንን። ስለዚ’ውን ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ብልሹው ሥርዓት፡ ብዕድል ሕዝብን ሃገርን እናተጻወተ  ክነብር ዘለዎ ዕድል ኣብቂዑ’ዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን።

እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ክቀላቐል ዝረእ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል፡፡ እኩብ ድምር ናይቲ ኩሉ ክግበር ዝጸንሐ ግፍዕታት ውጽኢት ደኣ እምበር፡ ሱቕ ኢሉ ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብዚ ሃገር’ዚ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዘይተፈጸመ  ግፍዒ ኣሎ ክበሃል ኣይካኣልን። እዚ ኹሉ’ዚ ከኣ ነቲ ሕዝቢ ካብ ምንዓቕን፡ ኣትሒትካ ካብ ምርኣይን ዝብገስ’ዩ። እዚ ማለት ግና እቲ ዲክታተርያዊ ሥርዓት ደኣ ይመስሎ ይኸውን እምበር፡ ርሑቕ ከብጸሖ ዝኽእል ግን ኣይኮነን።  

ይኹን እምበር እዚ ግዜ’ዚ ንሕና ደቂ ሃገር፡ እንዛነየሉ ግዜ ኮይኑ ክርከብ ግቡእ ኣይኮነን። ስለዚ’ውን ዘሎና ፍልልያት ኩሉ ኣወጊድና፡ ንህልውናና ክንብል፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ሆ ኢልና ክንለዓል’ዩ ዘሎና። ሕጂ ንፈላለየሉ ግዜ ኣይኮነን። ሕዝቢ  እናተበተነ ክርከብ ከሎ፡ ሃገር ከኣ ብቐጻሊ ትፈርስ እያ ዘላ፡፡ ስለዚ ነቲ ቐንዲ ቁብነገር ገዲፍና ብጓል መገዲ ኮለል እንብለሉ ምኽንያት ክህልወና ኣይግባእን እዩ።

ማንም ክርድኦ ከም ዝኽእል፡ ሃገር ናይ ሕዝቢ እምበር ናይ መንግሥቲ ኣይኮነትን።

ስለዚ’ውን እቲ ንሃገር ብዝምልከት ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዉዑላት፡ ብዘይ ኣፍልጦን ምስምማዕን ሕዝቢ ክኸዉን ቅቡል ኣይኮነን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ይረእ ከምዘሎ ግና፡ እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ምልካዊ ሥርዓት ኢሳይያስ፡ ነዚ ደረት’ዚ ጥሒሱዎን ረጊጽዎን ከይዱ ከምዘሎ፡ እቲ ኣብ ባይታ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ሓቂ ግልጺ ገይሩዎ ይረእ ኣሎ። ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋናት ምስ መራሕቲ መንግሥቲ ኢትዮጵያ፡ ዝተገበረ ዉዕላትን ስምምዓትን ከም ዘሎ፡ ኣብቲ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ዝተዋህበ መግለጺ ርኢናዮ ኣሎና። እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ምልካዊ ሥርዓት ግና፡ ሕዝቢ ካብ ምንዓቑ ዝተላዕለ ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ገለ ክብል እኳ ኣይተሰምዐን።

ስለዚ እዚ ሥርዓት’ዚ ንሕዝቢ ዝውክል ሥርዓት ስለ ዘይኮነ፡ ተጻዊርናዮ ክንከይድ ፈጺሙ ከንእደና ዝኽእል ኣይኮነን። እዚ ሥርዓት’ዚ ኣብ ሞንጎና ፍቕርን ሓድነትን ንኸይህሉ፡ ዝኣክል እሾኽ ክዘርኣልና ከም ዝጸንሐን ከምዘሎን ንፈልጥ ኢና። ክንነቕሓሉ ስለ ዘይከኣልና ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ ወዲቕናዮ ንርከብ ዘሎና ደረጃ  ንኽንርከብ፡ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ገይሩ’ዩ። ብእኡ ክንቅጽል ግን ንረብሓና ኣይኮነን። ነዚ ዘይንፈልጥ ኴይና ክንርከብ ድማ ኣይግባእን’ዩ። ታሪኽ ናይዛ ንነብረና ዘሎና ዓለም እንተፈተሽና ክንማሃረሉ ንኽእል ብዙሕ ንረክብ ኢና።

ከም ኣብነት እዛ ሎሚ ሓያል ኮይና ትረእ ዘላ ሃገረ-ጀርመን፡፡ ነቲ ብሰንኪ ናይ ኮሚንዝም-ኣይዶሎጂ ክስራሕ ኣገዲዱ ዝነበረ ናይ በርሊን መንደቕ (Berlin Wall) ብምፍራስ። ንዓለም ብዘደነቐ ትብዓትን ቈራጽነትን፡ ሓንቲ ምዕብልትን ስምርትን ሃገር ክምስርቱ ከም ዝኸኣሉ፡ ናይ ትማሊ ታሪኽ’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዘሎ፡ ደቂ እስራኤል ብመሪሕነት ኢያሱ ኣቢሎም ብጅግንነት መንደቅ ኢያሪኮ ዘፍረስዎ፡ ሎሚ ንኹሉ ፍልልያትና ክነፍርሶ፡ ግዜ ይዕድመና ኣሎ። ማለት ነቲ ኩሉ ዘሎና ዘይጠቅም ፍልልያት ክነፍርሶ እቲ ህልው ኩነታት ሃገርና ይሓተና ኣሎ። ተቓዋማይ ደጋፍይ ዝብል፡ ውድበይ ውድብካ ዝብል መንፈስ ከም መንደቅ ኢያሪኮ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሃደሽ-ደሽ ክነብሎ ግዜ ዘይህብ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እምበኣር ኣብዚ  ክብሎ ዝደሊ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ይኩን መራሕቲ ውድባት ካሎኦት ሰበስልጣን፡ ስልጣን ናይ ሕዝቢ ምዃኑ ኣሚና ካብ ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ ክኸውን እላቦ። ኣብ ኩሉ መደያትና ክዕዘቦ ከለኹ ስልጣን ብውሕሉል መገዲ ናብ መንእሰይ ወሎዶና  ክነሳጋግሮ ዘይምኽኣልና፡ ንመጻኢ ናይ ሃገርና ተስፋ ኣብ ምልክት ሕቶ ዝእቱ ኮይኑ ይርከብ ምህላው፡ ክንልብመሉ ውዐል ሕደር ዘይድልዩ ስጉምቲ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

መንእሰይ ናይ ሓንቲ ሃገር ድልድል ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ኩሉ መራኸቢ ድልድል ኮይኑ ክርከብ ባህርያዊ እዩ። ህልኽ ዝመልኦ ጽልኢ እንተ ኾይኑ ግን ናብ ፍልልይ ስለ ዘምርሕ፡ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ክርከብ  ኣይከኣልን’ዩ፡፡ ሃገር ኣብ ከቢድ ወጥሪ ትርከብ እንዳ ሃለወት፡ ብጸቢብ ናይ ውድብ ኣረኣእያ፡ ደጋፋይ፡ ተቓዋማይ  እናተባህለ ምክፍፋል ክግበር ንረብሓና ኣይኮነን፡፡ ከምኡ’ውን ገለ ገለ ሰባት፡ ብጉልባብ ፖለቲካ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ክገብሩ ዝደልዩ ይረኣዩ እዮም። እዚ ግን ጥፍኣት እንተዘይኮይኑ፡ ብምፍልላይ ዝረብሐ ሕዝቢ ኣብ ዓለም ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን’ዩ። ኣብታ መጻኢት ኤርትራ፡ ናይ ስራሕን ምዕባለን ግዜ እምበር፡ ንምፍልላይ ዝኸውን ግዜ ከይነጥፍእ፡ ክርስቲያናን ኣስላምናን ተኻባቢርና ብፍቅርን ብሓድነትን ክንከይድ እቲ እንኮ ኣማራጺና ክኸውን ይግበኦ እብል።  

ኣብ መወዳእታ ከተሓሳስቦ ዝደሊ፡ ተስፋናን ራእይናን ክውን ንምግባር፡ ድሕሪ ደጊም መንእሰይ ኤርትራ ንኲናትን መዳመቂ ሰልፍን ዘይኮነስ፡ ኣብ ግቡእ ቦትኡ ተቀሚጡ ብሕግን ሥርዓትን ክዋሳእ ክንርእዮ ትምኒትናን ተስፋናን’ዩ። ብዝተረፈ ብዘይ ምርድዳእን ምጽውዋርን ኣብ ዓወት ክብጻሕ ኣይከኣልን’ዩ። ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ድማ፡ መራሕቲ ውድባት ዘለዎም ሓላፍነት ክዝንግዑ የብሎምን ዝብል ርእይቶ እዩ ዘሎና።

ከመይሲ እዚ ሕጂ ዝሕለፍ ዘሎ መድረኽ፡ ጽባሕ ንኹላትና ብሓላፍነት ዘጠይቐና ኮይኑ ክርከብ ከምዝኽእል፡ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነጥቢ’ዩ። ስለዚ ሃገር ኣብ ከምዚ ሕጂ በጺሓቶ ትርከብ ዘላ፡ ጥቓ ሞት ዝግመት ደረጃ እናሃለወት፡ ንሕና ኣብ ዘይጠቅም ምስሕሓብ ግዜና ክነጥፍኦ ዘንእደና ኮይኑ ክርከብ ኣይክእልን’ዩ። “ምራኽ ምስ ጠበወስ ማሕለኻ ክሕነቐሉ ድየ” በለት ላም ከምዝባሃል። ሕጂ’ውን እንተኾነ ፍልልይትና ኣወጊድና፡ ሓቢርና ክንሰርሕ እንተ ዘይክኢልና፡ ጽባሕ ዘይነርክበሉን ንጠዓሰሉን ኮይኑ ክርከብ ከም ዝኽእል  ክንዝንግዖ የብልናን።

ንሕዝብናን ንሰራዊትናን ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ገለ ክብል ምፈተኹ። ንሕዝቢ ብቕንዕና ዝመርሑን፡ ንስለ ሕዝቢ ረብሓ ኢሎም፡ ነፍሶም መስዋእቲ ንዝገብሩን፡ ናይ ምክልኻል ልማድ ክንውንን ኣድላይ’ዩ። ከም ኣብነት፡ መራሒ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ናይታ ጥንታዊትን ሃዋርያዊትን፡ ዝኾነት ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ፡ ፓትርያሪክ እንጦንዮስ፡ ስለ ሕዝቦም ክብሉ መስዋእቲ ን13 ዓመት ኣብ ማሕዩር ይኸፍሉ እካ እንተለው፡ ሕዝቢ ግን ኣቦና ኣበይ ኣለው፡ ይፈትሑ ዝብል ድምጹ ብዓውታ ከስምዕ ዘይምኽኣሉ፡ ጥልመት ወይ ምግዳዕ ኣብ ልዕሊ መራሕትና ልሙድ ትዕዝብቲ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ሎሚ ድማ ነዚ ተቐልቂሉ ዘሎ ጅግና ብርሃነ ኣብርሀ፡ በቲ ዓማጺ ሥርዓት፡ ስጉምቲ ከይውሰዶ፡ ሕዝብን ሰራዊትን፡ ኣዘዝቲ ሰረዊትን ክትሓብሩን ክትካላኸሉን፡ ኣምላኽ ትብዓት ክህበኩም ጸሎተይ’ዩ።

ኣምላኽ ንሃገርናን ሕዝብናን ሰላሙ ይሃብ፡ ወስብሓት ለእግዚኣብሔር።

Minister of religion Revd Yohannes Ghebrehiwet

Medhani-Alem Eritrean

orthodox church

Manchester uk.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Semere afewerki September 9, 2018

    ኣሜን ብጣዕሚ ዝድርበ ዘይብላ ብሱል ዘረባ ዕድመ ኣይትርኣ ብስለት ዘረባ ርኣ ይብሉ ለባማት ዓበቲ ።

  • Teclu September 9, 2018

    ክብረት ይሃበልና ኣባ ቐሼ! ናይ ብሓቂ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ዛሕቲ ኢኻ ትረኽቦ
    ኤማ ሓወይ ከኣ ኣጆኻ ኣንታ ተባዕ ወዲ ህዝቢ

  • k.tewolde September 9, 2018

    We can’t afford anymore to let the tyrant ride in our back all the way to the end zone and spike the ball in our face and tell us ‘game over!’.It is time to strip the ball away from him and run it as a team and celebrate together Eritrean brothers and sisters from all walks of life,it is our show not a one man’s show,the time has come for the people to rise and shine and take center stage,it is time for the tyrant to head to the locker room.The season is upon us.Medhani Alem is with us,Amen!

POST A COMMENT