Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብርዒን ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ – ሳልሳይ ክፋል

                                      ሳልሳይ ክፋል                    ብርዒን ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ ጽሑፈይ ብሓንቲ ዋዛ ትመስል ሓሳብ እየ ክጅምሮ፡፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ካብ ቀረባ ፈለጥየይ ዝኾነ

                                      ሳልሳይ ክፋል

                   ብርዒን ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ

ጽሑፈይ ብሓንቲ ዋዛ ትመስል ሓሳብ እየ ክጅምሮ፡፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ካብ ቀረባ ፈለጥየይ ዝኾነ ገዲም ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ዝነበረ ዘዕለለኒ ኢያ፡፡ ኣብ መጀመርያ ዓመታት ናጽነት ምዃኑ ኢዩ፡፡ ኤርትራዊ ምሁር ፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ዝርከቦም ሓደ ጉጅለ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ገለ መጽናዕቲ ክገብሩ ናብ ደብሪ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ይጓዓዙ፡፡ ደብሪ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብቲ ጥርዚ ክትበጽሕ ተፈረዲ ነብሲ ኢዩ፡፡ ናብቲ ደብሪ ክትድይብ ኣዝዩ ፈታንን ሓደገኛን ጉዕዞ ኢዩ፡፡ ብእግሪ ምጓዓዝ ጥራይ ዘይኮነ ምሕኳርን ብመጽዓን ተኣሲርካ ከም ምግላል ማይ ዝዓይነቱ ምውጻእን ውን ኣለዎ፡፡ ከምዘይ ውጻእ የለን ወጺኦም ንደብሪ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ተዓዚቦም ዕላማ ግዕዞኦም ዛዚሞም ካብቲ ደብሪ ወረዱ፡፡ ድሕሪ ምውራዶም ኣጋር ጋዜጠኛ ሚኪኤል በርሀ ንፕሮፌሰር ኣስመሮም ለገሰ ከምዚ ክብል ሓተቶም፡፡

“ፕሮፌሰር ካብዚ ዝገበርናዮ ግዕዞ እንታይ ትምህርቲ ረኺብና ክንብል ንኽእል?”

ፕሮፌሰር ናብቲ ቀንዲ ዕላማ ግዕዞኦም ዝኾነ ዛዕባ ቅድሚ ምእታዎም፡ ” ስማዕ ሚኪኤል ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ዝኾነ ግዕዞ ዳግማይ ከይንገብር ኢና ተማሂርና፡፡” ክብሉ ኣስሓቕዎም፡፡ ንደብሪ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ክትወጽእ ብጣዕሚ ከቢድ’ዩ ንምባል ኢዮም ፕሮፌሰር ዋዘኦም ወስ ዘበልሉ፡፡

ተዛሪብካ እንታይ ኣምጻእካ ኢዩ፡፡ ኢሳይያስ ካብ ዝመርሖ ቀታልን ዓማጽን ስርዓት ህግደፍ ለባማት ካብቶም ዝተገራህና ክመሃሩ ኣለዎም በሃላይ ኢየ፡፡ ጫሌዳ ዝበቖለ ስርዓት ህግደፍ ታሪኽ እቲ መስተንክራዊ ገድሊ ኤርትራ ዝበረዘ ናይ ቅትለት ስርዓት ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት’ዚ ሕድሪ ስወኣትን ደቂ ስውኣትን ስድራቤት ስውኣትን ዝረገጸን ዝጠለመን ስርዓት ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት’ዚ ስንኩላን ኲናት ተጋደልቲ ክርሽን ዓይኑ ዘይሓሰየ ስርዓት ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት’ዚ ነተን ዕድመ ወሊደን ንናጽነት ዝወፈያ ዋዕሮታት መካይን ፓርኪን ክሕልዋ ዝፈረደ ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት’ዚ ነቶም ብልሒ መላጸ ዝሰገሩ መምሃራን ገድሊ ጠቐር ቀቢኡ ዘሕቀቐ ከይሲ ኢዩ፡፡ እዚ ስርዓት’ዚ መሰል ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ረጊጹ ህዝቢ ዘጽንትን ዝበታትንን ዘሎ ኢዩ፡፡ ህግደፍ ንወሃቢ ጸባ ማይ ጨባ ዝነፈገ ስርዓት ኢዩ፡፡ ደሙ ንዝኸዓወን ዝተሰወአን ዝሰንከለን ዝኸርተተን ዘይኮነ፡ እቲ ካልእ እንታይ ክረክብዩ ዝሓስብ ዘሎ፡፡ ከምቲ ፕሮፌሰር ዝበልዎ እቲ ንህግደፍ ክድገፍ ዝፍትን ካብ ምርሻን ስንኩላን ክመሃር ኣለዎ፡፡ ህግደፍ ከም ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ጥራይ ኢዩ ዝሕንክስ፡፡ እቶም ነቲሕ ተግባራቱ ድማ መረጋገጺኡ ኢዮም፡፡ ኣብ ወርሒ 08/2003 ዓዶም ክበጽሑ ንዝመጹ ነበርቲ ድያስፖራ ወገናትና ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይፈጸምኩምን ብምባል ካብ ሃገር ከይወጹ ከልኪሉ ነይሩ ኢዩ፡፡ ሽዑ ብዙሓት ከም ሰቦም ብመገዲ ስግረዶብ ኢዮም ዝተመልሱ፡፡ ህግደፍ ብሰንኪ ግዕዘይ ምሕደርኡ ዘፍሰሶ ሕጂ ውን ብቐዳድ ሰፍኢ ክሓፍሶ ኢዩ ዝፍትን ዘሎ፡፡

ኣብ ክራማት 1994 ዓ/ም ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ ዝወረድሉ ናይ ፈለማ እዋን ኢዩ፡፡ ቅድሚ 18 ዓመታት፡፡ ታዕሊም ኣብ ምጅማሩ ኣብ መኽፈቲ ኢሳይያስ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ ነበረ፡፡ “ሳዋ ጆላተን ፓስተን ትበልዓሉ ካፑቺኖን ማክያቶን ተማርጸሉ ኣይኮነን፡፡ ሳዋ ፎርኖ ኢያ፡፡ ብዝግባእ ተለዊስኩም ተዳዒኽኩም ኣብዚ ፎርኖ’ዚ ተሰንኪትኩም ኢኹም ትወጹ፡፡ ጥዑም ዝበሃል ታዕሊም የለን፡፡” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ፡፡ ሽዑ ነዚ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ኢሳይያስ ከም ሓደ ፍሉይ ፍጥረት ኢና ንርእዮ ዝነበርና፡፡ ብውግእ ንዝዓነወት ሃገርና ንህንጸትን ልምዓትን ዝውዕል ሓይሊ ስለ ዝመሰለና፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኩሉ ናብ ሳዋ ዝወረደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝግባእ ተዓሊሙን ሞያ ውትህድርና ቀሲሙን ኢዩ፡፡ ንኹሉ ነገር ብምትካእ ባዕሉ ፎርኒስታን ሰራሒ ባንን ውን ኮይኑ ኢዩ፡፡ ባኒ ንሰራሒኣ ሃባ መበገሲ ጽሑፈይ ንሱ ኢዩ፡፡ እዚ ምኩር ሰራሒ ባኒ ሎሚ ኣበይ ኣሎ….?

ሎሚ እቲ በዚ ኩርካሕን መሰናኽልን መስርሓት ሓሊፉ፡ ሕድሪ ጀጋኑ ስወኣት ተቐቢሉ፡ ተመኩሮ ምስራሕ ባኒ ዘጥረየ ዓላምን ተዓላምን ቶኳስን ኣታዃስን ዝኾነ ናይቲ ጽንኩር እዋን መንእሰይ ባርነት ህግደፍ ዒፍ ኢሉ መሪርዎ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ዶብ ተሳጊሩ ኢዩ፡፡ ዶብ ምስጋር ጥራይ ዘይኮነ ኣንጻር እዚ ቀታሊ ስርዓት ቃልሲ ኣለዓዒሉ ብረት ዝዓጠቐ ውን ኣሎ፡፡ ሎሚ ህግደፍ ከም ዝብኢ ንቑስሉ ባዕሉ ምብላዕ ጥራይ ኢዩ ተሪፍዎ፡፡ ኣይክገድፍን ውን ኢዩ፡፡ እቲ ምንታይ ቀታሊ ስርዓት ህግደፍ ንውሉዳት ማህጸኑ ባዕሉ ዝበልዐን ዘሕቅቕን ስርዓት ኢዩ፡፡ ሎሚ ህግደፍ ነድዩን ዘኽቲሙን ኢዩ፡፡ እቲ ጫሕ ጫሕ ዝብል ዝነበረ ዓንዲ ሕቖ ሃገር ዝኾነ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብጽምዋ ተዋሒጡ ገረውረው ኢሉ ኢዩ፡፡ ጉጅለ፡ መስርዕ፡ ጋንታ፡ ዝብል መጸውዒ ተሪፉ፡ 100 ኣባላት ሰራዊት ዝነበራ ሓይሊ ካብ ደርዘን ዘይበዝሑ ወተሃደራት ክትሕዝ ተገዲዳ ኢያ፡፡ ዝዓጥቆ ዝሰኣነ ኣጽዋር ናብ ኤምዳድ ተመላሲ ኮይኑ ኢዩ፡፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ንለውጢ እናቃለሐ፡ መስዋእቲ ክኸፍል ኣብ ዝተቐረበሉ፡ ህግደፍ ብላዕለዋይ ናይ ሽርሒ መራሒኡ ካብ ንቡር ወጻኢ ጥንሲ መናእሰያት ህግደፍ ክምስርሕ ኢዩ ዝፍትን ዘሎ፡፡ ቀታሊ ስርዓት ህግደፍ ቢኢዱ ዝቐርቦ ብእግሩ ብምሕካኹ ኣየገርመናን፡፡ ምጥላም መንነቱ ስለ ዝኾነ፡፡

ግዳ እንታይ ዝኦሙ ፍጡር ኢዩ ብየማነ ማንኪ ካብ ማህጸን ወጻኢ ክጽፈይ ዝሕሰብ ዘሎ ውዲት፡፡ እንጀራ እኮ ካብ ኣለዋውስኡ፡ ኣቀጣጥንኡ፡ ምትሕሓዝ ሓውን ኢዩ ዘንፈልፈል ዝብልን ዝዕምብስን፡፡ ኣለዋውስኡን ኣቀጣጥንኡን ዘይጸበቐ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ዝቐርጸጸ መጎጎ ዝካሰስ ብሒቕ ተሓንኪሩ ክወጽእ ውን ንጋዶ ኢዩ፡፡ ዝቐርጸጸ መጎጎን ዝተባላሸወ ብሒቕን ብሓባር ንእንዳ ጓሓፎም ኢዩ፡፡መናእሰያት ህግደፍ ይኹኑ እቶም ሕሉፋት ደገፍቲ ህግደፍ ተሰቒሎማ ዘለዉ ኣንፈታ ዝሰሓተት ጃልባ፡ ብኸቢድ ማዕበል እናተጸፍዐት ለኪማቶም ትጥሕል ከም ዘላ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዮም፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ ነቶም እሙናት ወይጦታት ተሻረኽቲ ረብሓ ምስ ህግደፍ እየ፡፡ እንተ እቶም ካልእ እዞም ኣብ ሲናይ ብበደዊን ተጨውዮም ከም ጤለ በጊዕ ኣምዑቶም ዝዝልዘሉ ዘለዉ ባርነት ህግደፍ ዝመረሮም ኤርትራውያን መናእሰያት፡ የማነ ማንኪ ወያነ ኢዮም እንተበሎም ዝቕበሉን ዝኣምኑን ኢዮም፡፡ እቲ ምንታይ ቅኑዕ ሓበሬታ ካብ ምርካብን ካብ ምፍላጥን ዝተሓረሙ ኢዮም፡፡ ንሶም ዝፈልጡ ኢሳይያስ ከም መልኣኽ እኒ በዓል ማንኪ ድማ ከም ጻድቓን ኢዮም፡፡ ህግደፍ ከኣ ከም ገነት ኤደን፡፡

ብኣተሓሳስባ መናእሰያት ህግደፍ ይኹኑ የዒንቶም ዝዓወሩ ሕሉፋት ደገፍቲ ህግደፍን ኩሉ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ መሰል ኩሉ ዜጋ ይተሓሎ፡ ስልጣን ናብ ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ ይረከብ ዝብል፡ ከዳዕን ልኡኽ ናይ ወያነን ኢዩ፡፡ ኣብ መልሓሶም ዝተሰቑራ ቃላት ከዳዕን ወያነን ኢየን፡፡ እዞም ምንም ክፍኣት ዘይብሎም ብኣደናጋሪ ስብከታት ህግደፍ ዝጸመሙን ዝዓወሩን ወገናትና፡ ዋላ እቶም ናጽነት ዘጓናጸፉና’ሞ መቐረት ናጽነት ከየስተማቐሩ ብዘይ ክስን ፍርድን ካብ መጀመርያ ዕለታት ናጽነት ብኢሳይያስ ተሓይሮም ዝሓቐቑ ጀጋኑ ከዳዓትን ወያነን ኢዮም፡፡ ብኸመይ ኢዩ ክድዓቶም ግን ኣሽንካይ እዞም ደርፊ ህግደፍ ዝደግሙ ሕንጻያት ባዕሉ ኢሳይያስ ክምልሶ ሞራላዊ ትብዓት የብሉን፡፡ እቲ ዘሕዝንን ግን መልክዖም ዘይኮነ ስሞም ውን ዘይትፈልጦም ጀጋኑ ከዳዓት እናበልካ ምውንጃል ኢዩ፡፡ ክንዲ ጣፍ ዘየበርከትካ ሂወቱ ንዝኸፈለ ደሙ ንዝኸዓወ ክትዝንጥል ኣእዳውካ ከተዋጣውጥ ምፍታን ኢዩ፡፡

ምዉት ኣይክሰስን ኢዩ፡፡ እቲ ዘዕበየና ለባምን ውርዙይን ሕብረተሰብ ከምኡ ኣይመሃረናን፡፡ ስለ ዝኾነ ቅድሚ ሳልሳይ ክፋል ጽሑፈይ ምዝዛሙ ነብሱ ይምሓሮ ነፍስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡ ኣብ ግዜ ገድሊ ምዃኑ ኢዩ፡፡ ነፍስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ኣብ ስደት ንዝነብሩ ውፉያት ሓፋሽ ውድባት ኣኼባ ክገብር ይመጽእ፡፡ እቶም ውፉያት ሓፋሽ ውድባት ብገለ ተግባራት ነፍስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ኣይተሓጎሱን፡፡ ኣብቲ ኣኼባ ተቓውሞኦም ኣስምዑ፡፡ ነፍስሄር ናይዝጊ ኪኢላ ተዛራብን ተዓጻጻፍን ኢዩ፡፡ በሉ ሓንሳብ ሓንሳብ ንዓይ ድማ ኣዛርቡኒ በሎም፡፡ ቀጺሉ ነዛ ትስዕብ ፈቲኹም ኣይፈተኹም ግድን ክትሰምዑንን ክትቅበሉንን ኢኹም ዝትሕዝቶኣ ዋዛ ኣዕለሎም፡፡

“ኣብ ሓደ ዓዲ ሓደ ኩሉ ሰብ ዝጸልኦን ግን ከኣ ኩሉ ሰብ ዝሰምዖን ሰብ ነበረ፡፡ እቲ ሰብ መእወይ ነጋሪ መርድእ ኢዩ፡፡ መርድእ ናይ ዝሞተ ክሰምዕ ዝደሊ ሓደ የለን፡፡ ግን ከኣ ሓመድ ድበ ክሳተፍ ኣብ ቀብሪ ክተርፍ ዝደሊ ሓደ የለን፡፡ ሬሳ ምስናይ ኩቡር ባህሊ ሕብረተሰብና ስለ ዝኾነ፡፡ ኣነ ድማ መልእኽቲ ውድብ እየ ሒዘ መጺኤ ዘለኹ፡፡ ንዓይ ጸሊእኩም መልእኽቲ ውድብ ኣይትሕሰምዎን ኢኹም፡፡” ክብል ነቲ ዝነበረ ሃዋሁ ቀየሮ፡፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ጽሑፈይ ዝበልኩዎ ተዛሪብካ እንታይ ኣምጻእካ ኢዩ፡፡

ህግደፍ ኤርትራን ኤርትራውነትን ፍጹም ከጽንትን ክሓክኽን ቆሪጹ ስለ ዘንቀደ፡ ከምቲ እናጸላእካዮ ትሰምዖ መእወይ ነጋሪ መርድእ ተግባራቱ ብዓይኒ ኣሞራ ኢና ንከታተሎ፡፡ እቲ ምንታይ ናይ ምህላውን ዘይ ምህላውን ሕቶ ስለ ዝኾነና፡፡ እቲ ከይሲ ተግባራቱ ርኢና መርሚርና ህዝቢ ክፈልጦን ክነቅሓሉን ከነቃልዖ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ስለ ዝኾነ፡፡ ብዓቢኡ ውን ኣውያት ናይ መርድኡ ባዕሉ የቃልሕ ስለዘሎ ኣብ ሓመድ ድብኡ ኩሉ ክሳተፍ ድምጽና ነስምዕ፡፡ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ብስም ኣኼባ መናእሰያት ህግደፍ ግን ተገምጥሎ ኮይንና ኣሎ፡፡ ናይ ሰያባትን ሽማግለታትን ’ዶ ናይ መናእሰያት……….?

ይቕጽል………

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

michealaranchi@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Zerai April 5, 2013

    Orange, if you are man enough, organize and fight HGDF in the ground, we are tired of hearing gossips.

    • fithawi April 8, 2013

      Zerai!
      Do you know the true meaning of fighting, by the way???
      Every article is more effective than thousands of bombs which would be thrown by the strongest army can ever does. Above all, it is a true light for the blind and a bit of remedy for the crazy.
      The worst is you try to question if he were “a man enough”. I guess it would imply to question if you are a “human enough”.
      Cool down and come with logic.

  • simrrrrrrret neber April 5, 2013

    ZERIA,I think u r crazy, we r fightin paltak and on website.do u want him to go to eritrea.come man.if u want go to fight them. we r not crazy.

  • yonas kidane April 5, 2013

    ኣራንሺ ፦ጽሑፍካ ምቁር ከም ኣራንሺ
    ስማዕ ሚኪኤል ከምዚ ዝአመሰለ ሐደገኝ ዝኮነ ግዕዞ ዳግማይ ከይንገብር ኢና ተማሂርና። ዐባይ ትምህርቲ’ያ ወዲ ሰብ ብመገለል ክግለልወ ፈተና።

  • OROMAI ERITRA April 5, 2013

    Zerai & Smerrr neber ,

    Both of you are expressing our real feelings.We are not crazy to go from America to accomplish another complicated ,unknown result. We are not crazy. I like your honesty ,our actions speak louder. Myself I like fighting on paltalk & websites like Assenna ,Awate & Asmarino…I think I am allergic to die for people that made a stupid choice.

    • Zerai April 6, 2013

      Oromai
      Oromai you (not Eritrea)

      if you think fighting in reality is stupidity, you should be real agent or crazy.

      • OROMAI hope deficient ERITRA April 8, 2013

        Dear Zerai ,

        I did not say fighting was stupid….I said I like to fight on paltalk & websites.I AM NOT AS HONEST OR AS BRAVE AS YOU. I am sure you are commenting while holding doshka against Higdef.
        Get realistic, do not call me not Eritrean..the fact that I want others to fight while I cheer from the side makes me real Eritrean.
        Hawka

  • jemila April 6, 2013

    NETA DIMU ME’N KACHIL Y’ESERELA?

    • OROMAI hope deficient ERITRA April 8, 2013

      Exactly my point Jemila…Not only do I want someone to tie a bell on the cat ,but to finish it ..but, I am not cut out to be special force against cats.
      Hawki

  • ካብ ጽሑፋጽካ ብዙሓት ተማሂርና ኣምር ፖለቲካ ውን ፈሊጥና ሚኪኤል፡፡
    ኣነ ካብ ጸሓፋይ ክብለካ ፖለቲከኛን ተንታንን ክብለካ ይደፍር፡፡ ቀዲምካ
    ሓደ ስእሊ ብጽሑፋትካ ኣርኢኻና ኢኻ፡፡ እታ ዝያዳ ትንብታዊ ጽሕፍትኻ
    ዕለት 31-12-2012 ጻህያይ ኣይንግደፍ ኢልካ ኣብ ኣሰና ዝጸሓፍካያ ኢያ፡፡
    ዓሊ ዓብዱ ሃዲሙ ዘረባ ኣይኮነን፡፡ ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ኢዩ፡፡ ድሕሪ ሕጂ ጀነራል
    ተኣሲሩ ዘይኮነ ተቐቲሉ ዝብል ኩርካሕ ስማዕ ኢና ክንሰምዕ፡፡ ኣእዛና ነቲ ክትኣምኖ ዘጸግም
    ዜና ክቕበል ከነዳልዎ ኣለና ዝብል ጺሒፍካ ነይርካ፡፡ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ስርሒት ፎርቶ
    ኣጋጢሙ፡፡ ጽኹፍካ ወርሒ ኣየገበረን ገሪሙና፡፡ ጽሑፋትካ ሓቅን ተስፋን ኢዩ፡፡
    የመስግነካ ሚኪኤል

  • ab ab April 6, 2013

    Aranchi
    Wereja edme. Hamed dbe HGDEF malet ab zwedkelu gzie hzbi Eritrea belltan guaylan natsnetna knguanatsef ena. Ente ab hamed dbe merahi hgdef gn hzbi Eritrea maetsu atsina knwel ena. Kebari aykhluwon eyu wedi medhin berad nab guahaf kdrbe alewo hamema kmgebwo.

  • jemila April 7, 2013

    Hhggggg

  • luna April 10, 2013

    Aranchi

    The ideas you touched were very informative, to the point and timely. Thanks for presenting the facts on the ground from reality. What we need is to hear more from knowledgeable individuals painting the true picture and about what is going on. Then, the second point will be to ask ourselves what the next step must be.

    As we talk, situations on the ground are evolving and changing to worse. More and more, draconian measures are being put in place against the interests of our citizens. The entire population is made hostage.

    Highly placed military and civilian personnel have chosen to be ONLY onlookers without uttering a word thus becoming instruments in facilitating orders coming from above. It is baffling! One might ask why such harsh orders are continually being placed on the shoulders of our population?? Tyrants take joy in the suffering of their own countrymen. It gives them a power surge or boost which arise from ill conceived, misguided thoughts and fantasies.

    In the 21st Century, besides Eritrea, in no other nation has been observed such a flagrant and scandalous abuse of power. The extent and degree of abuse, torture, imprisonment, disappearances is unparalleled anywhere.
    Let us not go very far implicating others for our own downfall and mistakes. Instead, see for ourself how some nationals chose to side with the tyrant delaying truth from appearing, breaking the surface. Those in this camp finally will end up in the bankrupt camp of losers. It is high time we decide to be on the side of truth, democracy, the rule of law and a country governed with order.

    The struggle for Eritrea has already taught us many historical, psychological and social lessons towards better understanding hopefully. Watch out, an error of judgment with all its consequences is very detrimental to the future of our nation.

    For those who write comments with nothing to add to the dialog besides insults and name calling please try to grow up. What we have here is a stage or forum for expression. Hate blinds and distorts judgment. If you do not have anything worth while to contribute stay put and keep your peace try to learn from what others write or say.

    Note, a nation is not two on dice or playing card.

    Let us keep our eyes on the ball!

POST A COMMENT