Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰሪ ሓደ ስርኤል፣ ስኢና 30 ዳኒኤል

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ ሃገረይ፣ ሎሚ ቕነ ስምኪ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ብኽልተ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተደጋገመ ገኒኑ ቀንዩ። በቲ ሓደ፣ ብሃራት ተወጣሕቲ ብሽግለታ ኤርትራውያን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ብመንገዲ ‘ታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኣብቲ ህቡብ ቅድድም ብሽግለታ ዓለም

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ

ሃገረይ፣ ሎሚ ቕነ ስምኪ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ብኽልተ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተደጋገመ ገኒኑ ቀንዩ።

በቲ ሓደ፣ ብሃራት ተወጣሕቲ ብሽግለታ ኤርትራውያን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ብመንገዲ ‘ታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኣብቲ ህቡብ ቅድድም ብሽግለታ ዓለም Tour De France ናይ መጀመርያ ኤርትራውያን ኣፍሪቃውያንን ተሳተፍቲ ክኾኑ ምብቅዖም ርእሱ ዝኸኣለ ታሪኽ ኮይኑ ኣብ ኣህጉራዊ ማዕከናት ኣርእስተ ዜና ምምስሑ ጥራይ ዓቢ ክንሱ፣ ዳኒኤል ኣንበሳ ዓቐብ ብምዃን ተወሳኺ ዓወት፣ መርሃዊ ድማ ተጸዋዒ መንእሰያት ኮይኑ ክብሪ ስለዝወሰኹሉ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንርከብ ኤርትራውያን ‘ነቲ ሽሮ ጠስሚ እምበር ወረሮ’ እናበልና ካብ ዝተሓጎስናሎም ሳሕቲ ኣጋጣሚታት ተስፋን ሓበንን ኮይኑ ቀንዩ።

እዚ ዝተጠቕሰ ዓወት ግን ገርሂ ልብና ዝረኣዮ ዓወት ጥራይ እዩ። ነቲ ብቐሊሉ ዘይንርእዮ ኪኖኡ ዝተሓብአ ካልእ ዓወት ኣብ ርእሲኡ እንተደሚርናሉ፣ ነዞም ኤርትራውያን ተወጣሕቲ ብሽግለታ ዝሃብናዮም ክብርን ኣድናቖትን ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ።

እዚ ማለት፣ እቶም ካብ መላእ ዓለም መጺኦም ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ተቐዳደምቲ፣ ውልቃዊ ናጽነት፣ ጥጡሕ ፖለትካውን ማሕበራውን ኣከባቢ ዘለዎም ዕድለኛታት ክኾኑ ከለዉ፣ እቶም ናይ ዓድና ግን እዚ ጸጋ ‘ዚ ኣይተዓደሉን። ብሰንኪ እኪታት ናይቲ ስርዓት ብዝሓደሮ ናይ ስደት ኣተሓሳስባ ኣእምሮኡ ካብ ዘቖንቌነ ወለዶ መንእሰያት በሎኽ ዝበሉ፣ ዓወቶም ብዝያዳ ካብ ሓቦኦም ዝመንጨወ ተባዓት እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ፣ ሓደ ዓወት ክንዲ ክልተ ዓወት፣ ብድርብ ክሕሰበሎም ዘለዎ።

ኣብ ሃገርና፣ ከምቲ ናይ’ቶም ካልኦት ዕድልን ምቹእነትን እንተዝህሉ ነይሩ፣ ኣብ Tour De France 30 ዳኒኤል ምተሳተፉ ነይሮም። ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ሃገርና ኣጣጢሑ ንኣእምሮን መሓወርን መንእሰያት ናብ ስደት ኣወፊሩዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ግን፣ ኣብ ስፖርት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት፣ ክንደይ ዕቑር ዓቕሚ መንእሰይ ኤርትራ ባኺኑ ተሪፉ ከምዘሎ ንማንም ኤርትራዊ ዝኽወሎ ኣይኮነን።

ምናልባት ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝርአ፣ ብርዒ ሸለል ክትብሎ ዘይግብኣ ኣንደበት እንተልዩ፣ ማዕረማዕረ ‘ቲ ነቶም ተቐዳደምቲ ምስቲ ዝበልናዮ ድርብ ዓወት እንተዘይንኢሱዎም ዘይዓበዮም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተገብረ ግቡእ ኣቀባብላ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ቅጥፈት ኢሳይያስን ዓሻኽሩን እዩ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት፣ ለባማት ፖለቲከኛታት ስፖርት ናይ ህዝቢ ኮይኑ ክንበር መታን፣ ብፖለቲካ ከይብከል ኣዝዮም እዮም ዝጥንቀቑ። ብፍላይ ድማ ዝጠፈሹ ለባማት ፖለቲከኛታት፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ዓወት ክርከብ ከሎ፣ ብሰንኮም ውልቃዊ ዝና ናይቶም ሰብ ሞያን እቲ ሃገራዊ ዓወትን ከይጓደል ምእንቲ ርሕቀቶም ሓልዮም እዮም ዝከናኸኑዎ። ኢሳይያስ ኣይግዳዱ ግን፣ ጥፍሽናኡ ክጽግን፣ ካብ ዓወት ዳኒኤል ክጥቀም ሃቂኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ ነታ ዳኒኤል ማሕለኻታት ኢሳይያስን ተሪር ዓቐበትን ፈንጢሱ ዝለበሳ ማልያ ‘ኳ መንዚዑዎ። ታሪኽ ዳኒኤል ኳ ኣብ ጽኑዕ መዝገብ ስለዘሎ ነቕናቒ የብሉን። እንተ ‘ታ ኢሳይያስ ዝወሰዳ ማልያ ዳኒኤል ግን፣ ኣሲድ ኣብ ዝመልአ ስልጣንያ ከምዝተኣልከት ጨርቂ ምቕባጻ እዩ። ትርኣየልካ ኢስይያስ ስሪኤል፣ ነዚ ህዝቢ 30 ዳኒኤል ምእጋድካ ከይኣክል ‘ሲ፣ ነታ እንኮ ቅድስቲ ማልያ “ሳንያ” ኢልካያ።

እወ ተሓጕስና በቲ ሓደ ታሪኽ ተሰሪሑ፣ ጕሂና፣ በቲ ኻልእ ታሪኽኪ ረሲሑ ሃገረይ! መንእሰይ ኤርትራ ዕድል ጥራይ ይርከብ እምበር፣ ብዙሕ ማልያታት ክልበስ፣ ብዙሕ ዋንጫታት ክዕተር እዩ። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብኣንጻር ‘ዚ ሳሕቲ ዝተረኽበ ዓወት ንኤርትራን ህዝባን ጎቢኡዎም ዘሎ ዘሎ፣ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ወግሐ ጸብሐ ገኒኑ ዘሎ ዘሕዝን ዛንታን ውርደትን ስደት ግን ስምብራቱ ብቐሊሉ ዝሃስስ ኣይኮነን።

እቶም ዶብ ኤርትራ ብወገን ሱዳንን ኢትዮጵያን ተሳጊሮም፣ ምድረበዳ ሰሃራ ቆሪጾም፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም፣ ኣብ ኩሉ ህይወት እናኸፈሉ ብዘርጠብጠብ ጥልያን ድሕሪ ምብጻሕ ፈረንሳ ወደብ ክሌስ ዝእከቡ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሓንሳብ ከም ዕስለ ሃመማ እናተናሸዉ ሓንሳብ ከም ዕስለ ሃመማ ፍሊት እናተነስነሰሎም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትዉ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናይ ሞትን ሕየትን ክርክር ኣብ ገጻት ቴለቭዥን ዓዲ እንግሊዝን ዓለምን ተሰሚሩ፣ ነቲ ዳኔኤልን መርሃውን ዘመዝገቡዎ ዓወት ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቂ ኤርትራ ስለናጽነት  ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ዝድውን ሰብኣዊ ቅልውላው ኮይኑ ‘ሎ።

እዚ ሽግር ‘ዚ ነቶም ሃገራዊ ረብሓኦምን ሻቕሎት ህዝቦምን ዘገድሶም እንግሊዛውያን ምናልባት ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝጅምር ይመስሎም ይኸውን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ግን፣ ምንጩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዘሎ ዘየማትእ ሓቂ እዩ።

እቲ ዝገርም፣ እቲ ውልቀመላኺ፣ ልክዕ ከምቲ ነቲ ብሓቦ ዝተረኽበ ዓወት ጨራሪሙ ክጥቀም ቀጠፍጠፍ ዝብሎ ዘሎ፣ ካብቶም ባዕሉ ዘፈልፈሎም ግዳያት ‘ውን ክጥቀም፣ ከም ትዃን ደም ደቂ-ሰብ ክመጺ ሃነፍነፍ ይብል ምህላዉ እዩ።

እቲ ኣብ ቴለቭዥን ቀሪቡ ‘ሃጽ ይበሉ’ ዝበለ ጨካን፣ ምጽንቃቕ መንእሰያት ኤርትራ ዘሰቀቖ ያኢ ክመስል፣ ከም ሓላዪ፣ ነቲ ትማሊ ‘ዓማጺ፣ ገሃሲ፣ ገበነኛ’ ምዃኑ ብጸብጻቡ ንዝመስከረ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ‘ሓሳዊ’ ዝበሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ‘ጉዳይ መሰጋገርቲ ደቂ ሰብ መርምረለይ’ እናበለ ክዋራዘ ይስማዕ ኣሎ።

መቸም፣ እቶም ነጋዶ ሰብ ኣብ ኤርትራ ገንዘብ ከምዝቀባበሉ፣ ተሓባበርቲ ሰበስልጣን ከምዘለዉዎም፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተወርዩ፣ መስመስ ዝብላ መካይን ሓለፍቲ ብጎደና ክሓልፋ ከለዋ ‘ኩሊት መጺኣ’ እናተባህለ ይደኣለለን ከምዘሎ ዋላ ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፣ ጭብጥታቱ ንጠበቓታትን ተመራመርቲ ታሪኽን ይጭነቆም። ብቐንዱ፣ ንመንእሰያት ካብ ኤርትራ ቀሊዑ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ነቶም ነጋዶ ሰብ ዘሕቁፎም ዘሎ ግን ኢሳይያስ ባዕሉ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ስደት፣ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ዋና ስኢኑ ዘሎ ውጹዕ ኤርትራዊ ዝበጽሕ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ጭውያ፣ ነፍሲ ወከፍ ዓመጽ፣ ነፍሲ ወከፍ ሞት፣ ኣሰር ኣሰሩ ተኸቲልካ ምንጩ እንተፈትሽካዮ ናብ ኤርትራ እዩ ዝመልሰካ።

እቲ መርመራ ዘድልዮ እምበኣር፣ ንሱ፣ እቲ ኣብ ርእሱ ጋኔን ሰርሲሩ ኣትዩዎ፣ ደረት ኣልቦ ዕብዳን ዘዕበድብዶ ዘሎ፣ ሓኪም ዝሰኣነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ውልቀመላኺ እዩ። እቶም ኢሳይያስ ክምርምሩ ዝጽውዖም ዘሎ መርመርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዕማሞም እንተስ ካብ ሊብያ፣ እንተስ ካብ ሱዳን ኢትዮጵያ ብኹሉ መኣዝን ጀሚሮም መጽናዕቶም መሪሑዎም ናብ ኤርትራ ክኣትዉ እንተደለዩ፣ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ረሳሕ ተግባሩ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ውልቀመላኺ፣ ልክዕ ከምቲ ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክምርምር ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ዝኸልከሎም፣ ሕጂ ‘ውን ከፍቅደሎም ኣይኮነን።

ዘይሩ ዘይሩ እምብኣር፣ ኣብታ ንቡር ስኢና ዘላ ሃገርና፣ ከምቲ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ‘ውን ኪኖ እቲ ርኡይ ዓወት ካልእ ሕቡእ ዓወት ኣሎ ዝበልናዮ፣ ኣብ ስደት መንእሰያት ኤርትራ፣ ኪኖ እቲ ብላዕሊ ዝርአ ቀጸላ ኣብ ግዳይነት ፣ውን ካልእ ቀጸላ ኣሎ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ታቤላ ዘይብሉ፣ ትካል “ጃምላዊ ምክፍፋል መንእሰያት” ከፊቱ፣ ንገዛእ ርእሱ ዋና ኣከፋፋሊ በደዊንን ራሻይዳን ክንሱ ‘ዩ እምብኣር፣ በደዊንን ራሻይዳን ተሓባበርቶምን ክምርመሩ ምስሉይ ኣቤቱታ ዘቕርብ ዘሎ።

ሓረግ ትውልዲ ናይዚ ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ኣሰቃቒ ኮይኑ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ሃገርና መሰረቱ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይይስ እዩ። ኢሳይያስ ንስደት ወሊዱ፣ ስደት ከኣ ንበደዊንን ራሻይዳን። እዞም ፍላይ ማንታ ደቂ ኢሳይያስ ዝኾኑ በደዊንን ራሻይዳን ተሓባበርቶም ኤርትራውያንን ከኣ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ውልቀመላኽነት ‘ዩ እቲ ናይ መበል 21 ክፍለዘበን ንግዲ ሰብ ዓሚሩሎም ዘሎ። ስለዚ ንግድ ሰብ ደው ኢሉ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ (Human Traffickers) ስርሖም ደው ከብሉ እንተኾይኖም፣ እቲ ዝገበለ በደዊን ኤርትራ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብዘይ ነግፈረግ ክምሖ ኣለዎ።

እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ፣ ኢሳይያስን ዓሻክሩን ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ፣ ከምኡ ‘ውን ካብቶም በዚ ጉዳይ ስደተኛታት መኣዝኖም ኣጥፊኦም ዓዊኖም ዘለዉ መንግስታት ኤውሮጳ ምላቝ ገንዘብ እንተረኸቡ ብ “ይኾነለይ ደኾን” ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ምትላል ፈተነ ፍሹል እዩ። እንተ ‘ቲ ሓለይትን ተሸቝረርትን ህዝቢ ኤርትራ መሲሎም ክረኣዩ ዝገብሩዎ ዘለዉ ወስወስታ ‘ሞ ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ እዩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሲናይ ብበደዊንን ክዋረድ፣ ክሕረድ፣ ክነድድ ከሎ “ኣብ ቱሪዝም እዩ ዘሎ” ክብል ዝሓጨጨ፣ ኣብ ላምፔዱዛ ኤርትራውያን ብጅምላ ክሃልቁ ከለዉ “ኣፍሪቃውያን እዮም ሸለል በሉዎም” ኢሉ ብምኽሓድ ሬሳ ዜጋታትና ኣብ ዓዱ ከይቅበር ዝኣገደ፣ ኣብ ቴለቭዥን ተጠሊዑ ‘ሃጽ ይበሉ እንታይ ግደይ’ ክብል ጥፍኣት ኤርትራውያን መንእሰያት ቅጭጭ ከምዘይብሎ ብተደጋጋሚ ዘረጋገጸ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኤርትራውያን መንእሰያት ብ ISIS ከም ኣባጊዕ ክሕረዱ ከለዉ ጽንቃቕ ድንጋጸ ዘየርኣየ ጨካን፣ ስሱዕ ኣረሜን ስርዓት፣ ብጋዜጣዊ መግለጺ ገበናቱ ሓጺቡ፣ ንልቢ ናይቲ ሬሳታቱ ስለዘይረኸበ ኣብ ኣእምሮኡ ዳስ ሓዘን ተኺሉ ብሰንፈላል ዝነብር ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከደናግሮ ኣይክእልን እዩ።

እዚ ሓደ ስርኤልን ደቂ ሕድርቱን ምስ ተኣለዩ ጥራይ ‘ዮም ‘ምብኣር፣ እቶም 30 ዳኒኤል በብሞያኦም ኣብ መድረኽ ዓለም ተሰቒሎም ከምቲ ብሃር ዳኒኤል ተኽልሃይማኖት ኣብ Tour De France ዝገበሮ፣ ብኣንጻር እዚ ንሃገርናን ክብርታትናን ክድውን ብቐጻሊ እንሰምዖ ዘለና መርድእ፣ ንሓቀኛ ዓቕምን መልክዕን ኤርትራ ዘንጸባርቕ ዓወታት ከመዝግቡ ዝኽእሉ። ተስፋና ተመሊሱ፣ ልብን ኣእምሮን ኤርትራውያን መንእሰያት ተኸፊቱ፣ እዚ ሳሕቲ ዝስማዕ ዘሎ ብስራት ተደጋጊሙ ንቡር ክኸውን እምብኣር፣ ስደት፣ ምብትታን ኤርትራውያን ደው ክብል፣ ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገርና ክረጋገጽ፣ ምእንቲ’ዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብህዝቢ ኤርትራ ክርገጽ ኣለዎ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

3 ነሓሰ 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • tsegay hailemariam August 4, 2015

    ሰላም ንኹሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን። ኣብዚ ወርሓት አዚ ሓደ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ዘሎ ብዛአባ ዶክተር ዳንኤል አዩ ። ኣነ ግን ሓደ ዓቢ ነገር ኣሎ ዝገርመኒ ሓደ ሽፍታ ወይ ድማ ሓደ ዓማጲ ኣብ ገዛኻ ኣትዩ ኣቦኻ ኣሲሩ ንዋትካ ገቢቱ ካብ ኣዴኻ ምስ ዝወልድ፤ ብዛዕባ ኣየናይ ወገን አኻ ክትዛረብ ዘለካ ብዛዕባ እቲ ካብ ኣዴኻ ዚወለዶ ሓውኻ ወይስ ብዛዕባ አቲ ኣማጺ ኣቦኻ ሓዪሩ መሬትካን ርስትኻን ገቢቱ መሰልካ ዝረገጸ፣ ግን ከብዲ ኣደ ጉራሙራ ከም ዝበሃል ገሌና ኣብ ዳንከራ ገሌና ድማ ኣብ ሓዘን ንርከብ፣ እቶም ሎሚ ተዳኽሩ ንሕና ንሱ ትብሉ ጽባሕ ንግሆ ገዛይ ከይፈርሰኒ ፈሪሐ ኣቦይ ወይ ኣደይ ከይሕዝዎም ፈሪሐ መልሲ ኣይክኸውንን አዩ። ናይ ካህናትና አሞ ዝገደደ ኣብ ክንዲ መስቀል ከም ጣኦት ስእሊ ናይ ብደም ዝተሓጽበ መራሒ ምንጥልጣል ፣አምበኣር ከምቲ ዝብልዎ ኩሉ ናይዚ ዓለም ወይ ናይ ምድሪ ነገር ሓላፋይ አዩ ዘይሓልፍ ምድሪን ሰማይን አዩ። ስለዚ አዚ ርኹስ ስርዓት አውን ክሓልፍ አዩ አሞ አታ መዳሕንትና ተቐብረላ ሃገርና ህዝብናን ነድሕን ከምቲ ሓምሳ ለሚን ንሓደ ሰኸሙ ንሓሙሳ ግን ገይጾም ዚብልዎ ሓደ ኣካል ኮይና ንስራሕ። ፍትሒ ንውጽዓት።

  • Truly Truly i say to you August 4, 2015

    እንታይ ዓይነት ኣቀማቅቕማ ደኣዩ ዝፈገር ተቐምቂሙ፧ ኣንውን ስምዖን ናይ ኣያይ ኣቀማቅማ ንኣይውን ኣዝዩ እዩ ትእዝብቲ የህዲሩለይ። እቲ ፍሉይ ትእዝብተይ ግን ኣያይ ጥራይ ዝገብሮ ዝነበረ ስንግሪጣዊ ናይ ፕሮቶኮል ኣቀባብላ ጌጋ ጥራይ ደይኮነ ነቶም ጀጋኑ ኣበባ ዘንበሩሎም ሚኒስታት ስንግሪጣዊ ናይ ፕሮቶኮል ኣቀባብላም ኣዝዩ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። እንታይ ማለተይ መስለኩም ነቲ ቪድዮታት ቅድሚ ዳንኤልን መርሓዊ ምብጋሶምን ብዓወት ምስተመለሱን ተኣዚብኮሞ ተኮንኩም፣ ከምግቡእ ዳንኤል ከም ሙኩር ብስክለተኛ ኣብ ብዙሕ ኣድታት ብዙሕ ኣወት ዘመዝገበ ከምዃኑ መጠን ጥራይ ደይኮነ ብዕድመም ካብ መርሓዊን ካብ ናትናኤልን ቁሩብ ስለዝኣብዮም ኣብቲ ፕሮቶኮላዊ ኣቀማምጣ ምስ ኣያይ ብየማን ክቅመጥ ዝግብዖ ንሱ ነሩ፣ ግን ርሒቁ ከምዝቅመጥ ገሮሞ ኢና ዝተኣዘብና ኣብቲ ቪድዮን ኣብ ስእሊን። ድሕሪ ብኣወት ምምላሶምም ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ቁሩብ ካብዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ተመክሮ ንዳንኤል ኣብቲ ግቡእ ቦቱኡ ከቀምጦ ተዘይቀዳዳም ተመሳሳሊ ጌጋ ምተኣዘብና። ልክእ እዩ ገሊኡ ብገርሕነት ካብደይ ኣፍልጦ ክከውን ይክእል እዩ። ግናስ ነቶም ጀጋኑ ኣብክሳዶም ኣባባ ዘንበሩ ሚንስትራት ፕሮቶኮላዊ ስንግሪጥ ግን ካብደይፍላጥ´ዮ ክበሃል ኣይከኣልን። ተንኮልን ሻራን ስንቆም ስለዝኾነ እንበር። ተዘይተጋግዬ ካብ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ሚኒስትር ወልደንኬል ኣብረሃ ብሚኒስትር ጥራይ ደይኮነ ከምክትል ፕሬዝዳንትም ስፍራ ዘለዎ ስለዝመስለኒ ንዳንኤል ንሱ ንመርሓዊ ኣስካሉ ክከውን ነርዎ እቲ ግብእ ናይ ኣባባ ፕሮቶኮላዊ ኣቀባብላ። ኣብቲ ናይ ገለ ጋዜጠኛታት ሪፖርት ኣቀራርባም ገለ ሻራዊ ኣገላልጻታት እእዘብ ነረ።

  • Truly Truly i say to you August 4, 2015

    ኣብ ኤርትራ ሰብ ከም ቦቱኡን ከም ኣቅሙን እቲ ግቡእ ስፍራ ከይሃዘ ነቲ
    ካልኣይ ከምቀዳማይ ኮይኑ ንእዘቦ ኣብ ፖሎቲካዊ መድረክ ጥራይ ደይኮነ ካልእ ይትረፍ ንኣብነት ኣብቲ ናይ ደርፊ ውድድር (ሽንግርዋ) ይዝከረኒ ብናተይ ኮነ ዳርጋ ብሙሉእ ኤርትራውያን ኣይኒ እታ ቀዳመይቲ ተባሂላ ክትምረጽ ዝነበራ ደርፊ ናይ ዮሓንስ ወዲ ትካቦ “ጽንብላሊእ” ክንሳ እቶም ደየንቲ ግን ብሻራ ንወዲ ትካቦ ኣጸጊኦም ንካልእ ከምዝእወት ገሮም ዝተኣዘብናሉ ወቕትም ነሩ። እቲ ዝገርም ግን ኣብዝኾነ ፌስቲቫላት ሕግደፍ ላሕ ክብሉ ዝሓድሩላ ደርፊ ናይ ወዲ ትካቦ ጽንብላሊእ እያ ዋላ ገዲፍዎም ከይዱ ከሎ ። ተዘይኣምንኹምኒ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብ እስራኤል ከመይ ከምዝሳእሱላ እነኸልኮም እቲ ቪድዮ ተኣዘብዎ። http://www.tonvid.com/info.php?video_id=wxe2GUQuuyI&title=Said+Berhanu+in+Isreal+24th+Eritrean+Independence
    እዚ ኹሉ ደምጽኦ ዘለኹ ብደይምክንያት ደይኮነ ኣብቲ ሃገር ብኹሉ ሸነኽ ፍትሓዊ ኣሰራርሃ ከምዘለ ክሕብር ስለዝደለኹን ዋላ ሓገራዊ ኹዑሶ እግሪ እቲ ብቕኣት ዘለዎ ኤርትራዊ ተሪፉ ደቂ ብሪን ንኢሳያስ ዝስግዱን ዝእመኑን ጥራይ ዋላ ብቕኣት ኣይሃልዎም ንክመርጹ ድሕር ከምዘይብሉ ንምሕባር እዩ ። በዚ ምኽንያት ኽቡር ሃውና ኣማንኤል እያሱ ኣይተጋገዬን ኣርብኣ ዳንኤላትን መርሓዊታትን ክንርእይ ዝግበኣና ብሰንኪ ሃደ ናይ ስርኤል መንፈስ ዝኣሰሎ ሓሳድ ሓገርናን ሕዝብናን ይባድም ኣሎ።

  • Truly Truly i say to you August 4, 2015

    ሕግደፍ ቅኑእ ልቦናን ሓንጎል እንተዝሕልዎም ፪% ታክስ ክፈል´ዶ መንደፍ´ዶ እንዳበሉ ንሕዝብና ካብዘበሳብሱን ካብ ዓለም ንሃገርና ዝንጽሉን፣ ካልእ ይትረፍ ካብቲ ናይ ቢሻ ወርቂ እቶት ንላእሊ ሃደ መሰሉ ዝተሃለወሉ ኣፍሪካዊ ዜጋ ንኣብነት ከም ሳሙኤል ኤቶ ካሜሮናዊ፣ ዲዲ ድሮግባ ኣይቮሪኮስታዊ ነፍስ ወከፍ ናይ ናይጄርያን ጋናን ፕሮፌስናል ኩኡሶ እግሪ ተጻዋቲ ከብ ሕግደፍ በጀት ንላእሊ ከምዘለዎም ተዝስቆሮም ነቲ ናይ ሃገርና ናይ ድኽነት ደረጃ ኣጸቢቁ ምተሰቆሮም። ነቲ መንእሰይ ሃገርናም ኣምበይመባደምዎን።

  • ertra n ertrawyan August 4, 2015

    Eritrean heroes:
    Ras woldemichael Suhul, Bahta Hagos, Rasi Tesema, Abdelkadir kebire, Woldeab woldemariam, Ibrahim sultan, Hamid Idris Awate, Mussie Tesfamichael, Haile Woldetinsae, Sied Ali (Wedi Ali), Amanuel Iyasu.

  • hara August 4, 2015

    Ya haki iyu ezi hasad kem Abraham afewerki gbja do gele ilu keyetifeO kelo kihasbelu etom mekarbtu nkitnkek. mkeriwo amlak misU ykun

  • Haki August 4, 2015

    Dear Amanuel,
    I NEVER,NEVER and NEVER thought you would behave the same way the garbage anti Eritrean Justice website “meskerem.net’ behaves in dictating what view to post and what is not. If your website is not like the ones that are financed by the most disgusting regime that can not tolerate diverse opinions, views and ideas, I strongly suggest that you should entertain all kinds of opinions regardless of the differences that might be. If you really fight for Democracy, you should remember that it starts from home.
    The idea that prompted me to comment is that you refused to post my comments in several occasions and the last one being the one I comment on the 31st July.
    I hope my message makes some sense,
    Thank you,
    Eziwedhanka,

  • hh August 5, 2015

    Truly
    Protocol tbil aleka bayni Iseyas protocol kem fokoskos eyu zkuytser. Eseyas protocol zekbir tezkewn kamcha geru aymtekebelon kemeu eyu kulu gizie. nus camcha minstritatu dima badlan krabatan.

POST A COMMENT