Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሰሪ ሓደ ስርኤል፣ ስኢና 30 ዳኒኤል

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ ሃገረይ፣ ሎሚ ቕነ ስምኪ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ብኽልተ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተደጋገመ ገኒኑ ቀንዩ። በቲ ሓደ፣ ብሃራት ተወጣሕቲ ብሽግለታ ኤርትራውያን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ብመንገዲ ‘ታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኣብቲ ህቡብ ቅድድም ብሽግለታ ዓለም

ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ

ሃገረይ፣ ሎሚ ቕነ ስምኪ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ብኽልተ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተደጋገመ ገኒኑ ቀንዩ።

በቲ ሓደ፣ ብሃራት ተወጣሕቲ ብሽግለታ ኤርትራውያን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ብመንገዲ ‘ታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኣብቲ ህቡብ ቅድድም ብሽግለታ ዓለም Tour De France ናይ መጀመርያ ኤርትራውያን ኣፍሪቃውያንን ተሳተፍቲ ክኾኑ ምብቅዖም ርእሱ ዝኸኣለ ታሪኽ ኮይኑ ኣብ ኣህጉራዊ ማዕከናት ኣርእስተ ዜና ምምስሑ ጥራይ ዓቢ ክንሱ፣ ዳኒኤል ኣንበሳ ዓቐብ ብምዃን ተወሳኺ ዓወት፣ መርሃዊ ድማ ተጸዋዒ መንእሰያት ኮይኑ ክብሪ ስለዝወሰኹሉ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንርከብ ኤርትራውያን ‘ነቲ ሽሮ ጠስሚ እምበር ወረሮ’ እናበልና ካብ ዝተሓጎስናሎም ሳሕቲ ኣጋጣሚታት ተስፋን ሓበንን ኮይኑ ቀንዩ።

እዚ ዝተጠቕሰ ዓወት ግን ገርሂ ልብና ዝረኣዮ ዓወት ጥራይ እዩ። ነቲ ብቐሊሉ ዘይንርእዮ ኪኖኡ ዝተሓብአ ካልእ ዓወት ኣብ ርእሲኡ እንተደሚርናሉ፣ ነዞም ኤርትራውያን ተወጣሕቲ ብሽግለታ ዝሃብናዮም ክብርን ኣድናቖትን ኣዝዩ ንእሽቶ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ።

እዚ ማለት፣ እቶም ካብ መላእ ዓለም መጺኦም ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፉ ተቐዳደምቲ፣ ውልቃዊ ናጽነት፣ ጥጡሕ ፖለትካውን ማሕበራውን ኣከባቢ ዘለዎም ዕድለኛታት ክኾኑ ከለዉ፣ እቶም ናይ ዓድና ግን እዚ ጸጋ ‘ዚ ኣይተዓደሉን። ብሰንኪ እኪታት ናይቲ ስርዓት ብዝሓደሮ ናይ ስደት ኣተሓሳስባ ኣእምሮኡ ካብ ዘቖንቌነ ወለዶ መንእሰያት በሎኽ ዝበሉ፣ ዓወቶም ብዝያዳ ካብ ሓቦኦም ዝመንጨወ ተባዓት እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ፣ ሓደ ዓወት ክንዲ ክልተ ዓወት፣ ብድርብ ክሕሰበሎም ዘለዎ።

ኣብ ሃገርና፣ ከምቲ ናይ’ቶም ካልኦት ዕድልን ምቹእነትን እንተዝህሉ ነይሩ፣ ኣብ Tour De France 30 ዳኒኤል ምተሳተፉ ነይሮም። ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ሃገርና ኣጣጢሑ ንኣእምሮን መሓወርን መንእሰያት ናብ ስደት ኣወፊሩዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ግን፣ ኣብ ስፖርት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት፣ ክንደይ ዕቑር ዓቕሚ መንእሰይ ኤርትራ ባኺኑ ተሪፉ ከምዘሎ ንማንም ኤርትራዊ ዝኽወሎ ኣይኮነን።

ምናልባት ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝርአ፣ ብርዒ ሸለል ክትብሎ ዘይግብኣ ኣንደበት እንተልዩ፣ ማዕረማዕረ ‘ቲ ነቶም ተቐዳደምቲ ምስቲ ዝበልናዮ ድርብ ዓወት እንተዘይንኢሱዎም ዘይዓበዮም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተገብረ ግቡእ ኣቀባብላ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ቅጥፈት ኢሳይያስን ዓሻኽሩን እዩ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት፣ ለባማት ፖለቲከኛታት ስፖርት ናይ ህዝቢ ኮይኑ ክንበር መታን፣ ብፖለቲካ ከይብከል ኣዝዮም እዮም ዝጥንቀቑ። ብፍላይ ድማ ዝጠፈሹ ለባማት ፖለቲከኛታት፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ዓወት ክርከብ ከሎ፣ ብሰንኮም ውልቃዊ ዝና ናይቶም ሰብ ሞያን እቲ ሃገራዊ ዓወትን ከይጓደል ምእንቲ ርሕቀቶም ሓልዮም እዮም ዝከናኸኑዎ። ኢሳይያስ ኣይግዳዱ ግን፣ ጥፍሽናኡ ክጽግን፣ ካብ ዓወት ዳኒኤል ክጥቀም ሃቂኑ። ሕሉፍ ሓሊፉ ነታ ዳኒኤል ማሕለኻታት ኢሳይያስን ተሪር ዓቐበትን ፈንጢሱ ዝለበሳ ማልያ ‘ኳ መንዚዑዎ። ታሪኽ ዳኒኤል ኳ ኣብ ጽኑዕ መዝገብ ስለዘሎ ነቕናቒ የብሉን። እንተ ‘ታ ኢሳይያስ ዝወሰዳ ማልያ ዳኒኤል ግን፣ ኣሲድ ኣብ ዝመልአ ስልጣንያ ከምዝተኣልከት ጨርቂ ምቕባጻ እዩ። ትርኣየልካ ኢስይያስ ስሪኤል፣ ነዚ ህዝቢ 30 ዳኒኤል ምእጋድካ ከይኣክል ‘ሲ፣ ነታ እንኮ ቅድስቲ ማልያ “ሳንያ” ኢልካያ።

እወ ተሓጕስና በቲ ሓደ ታሪኽ ተሰሪሑ፣ ጕሂና፣ በቲ ኻልእ ታሪኽኪ ረሲሑ ሃገረይ! መንእሰይ ኤርትራ ዕድል ጥራይ ይርከብ እምበር፣ ብዙሕ ማልያታት ክልበስ፣ ብዙሕ ዋንጫታት ክዕተር እዩ። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብኣንጻር ‘ዚ ሳሕቲ ዝተረኽበ ዓወት ንኤርትራን ህዝባን ጎቢኡዎም ዘሎ ዘሎ፣ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ወግሐ ጸብሐ ገኒኑ ዘሎ ዘሕዝን ዛንታን ውርደትን ስደት ግን ስምብራቱ ብቐሊሉ ዝሃስስ ኣይኮነን።

እቶም ዶብ ኤርትራ ብወገን ሱዳንን ኢትዮጵያን ተሳጊሮም፣ ምድረበዳ ሰሃራ ቆሪጾም፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም፣ ኣብ ኩሉ ህይወት እናኸፈሉ ብዘርጠብጠብ ጥልያን ድሕሪ ምብጻሕ ፈረንሳ ወደብ ክሌስ ዝእከቡ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሓንሳብ ከም ዕስለ ሃመማ እናተናሸዉ ሓንሳብ ከም ዕስለ ሃመማ ፍሊት እናተነስነሰሎም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትዉ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናይ ሞትን ሕየትን ክርክር ኣብ ገጻት ቴለቭዥን ዓዲ እንግሊዝን ዓለምን ተሰሚሩ፣ ነቲ ዳኔኤልን መርሃውን ዘመዝገቡዎ ዓወት ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቂ ኤርትራ ስለናጽነት  ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ዝድውን ሰብኣዊ ቅልውላው ኮይኑ ‘ሎ።

እዚ ሽግር ‘ዚ ነቶም ሃገራዊ ረብሓኦምን ሻቕሎት ህዝቦምን ዘገድሶም እንግሊዛውያን ምናልባት ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝጅምር ይመስሎም ይኸውን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ግን፣ ምንጩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዘሎ ዘየማትእ ሓቂ እዩ።

እቲ ዝገርም፣ እቲ ውልቀመላኺ፣ ልክዕ ከምቲ ነቲ ብሓቦ ዝተረኽበ ዓወት ጨራሪሙ ክጥቀም ቀጠፍጠፍ ዝብሎ ዘሎ፣ ካብቶም ባዕሉ ዘፈልፈሎም ግዳያት ‘ውን ክጥቀም፣ ከም ትዃን ደም ደቂ-ሰብ ክመጺ ሃነፍነፍ ይብል ምህላዉ እዩ።

እቲ ኣብ ቴለቭዥን ቀሪቡ ‘ሃጽ ይበሉ’ ዝበለ ጨካን፣ ምጽንቃቕ መንእሰያት ኤርትራ ዘሰቀቖ ያኢ ክመስል፣ ከም ሓላዪ፣ ነቲ ትማሊ ‘ዓማጺ፣ ገሃሲ፣ ገበነኛ’ ምዃኑ ብጸብጻቡ ንዝመስከረ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ‘ሓሳዊ’ ዝበሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ‘ጉዳይ መሰጋገርቲ ደቂ ሰብ መርምረለይ’ እናበለ ክዋራዘ ይስማዕ ኣሎ።

መቸም፣ እቶም ነጋዶ ሰብ ኣብ ኤርትራ ገንዘብ ከምዝቀባበሉ፣ ተሓባበርቲ ሰበስልጣን ከምዘለዉዎም፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተወርዩ፣ መስመስ ዝብላ መካይን ሓለፍቲ ብጎደና ክሓልፋ ከለዋ ‘ኩሊት መጺኣ’ እናተባህለ ይደኣለለን ከምዘሎ ዋላ ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፣ ጭብጥታቱ ንጠበቓታትን ተመራመርቲ ታሪኽን ይጭነቆም። ብቐንዱ፣ ንመንእሰያት ካብ ኤርትራ ቀሊዑ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ነቶም ነጋዶ ሰብ ዘሕቁፎም ዘሎ ግን ኢሳይያስ ባዕሉ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ስደት፣ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ዋና ስኢኑ ዘሎ ውጹዕ ኤርትራዊ ዝበጽሕ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ጭውያ፣ ነፍሲ ወከፍ ዓመጽ፣ ነፍሲ ወከፍ ሞት፣ ኣሰር ኣሰሩ ተኸቲልካ ምንጩ እንተፈትሽካዮ ናብ ኤርትራ እዩ ዝመልሰካ።

እቲ መርመራ ዘድልዮ እምበኣር፣ ንሱ፣ እቲ ኣብ ርእሱ ጋኔን ሰርሲሩ ኣትዩዎ፣ ደረት ኣልቦ ዕብዳን ዘዕበድብዶ ዘሎ፣ ሓኪም ዝሰኣነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ውልቀመላኺ እዩ። እቶም ኢሳይያስ ክምርምሩ ዝጽውዖም ዘሎ መርመርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ዕማሞም እንተስ ካብ ሊብያ፣ እንተስ ካብ ሱዳን ኢትዮጵያ ብኹሉ መኣዝን ጀሚሮም መጽናዕቶም መሪሑዎም ናብ ኤርትራ ክኣትዉ እንተደለዩ፣ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ረሳሕ ተግባሩ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ውልቀመላኺ፣ ልክዕ ከምቲ ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክምርምር ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ዝኸልከሎም፣ ሕጂ ‘ውን ከፍቅደሎም ኣይኮነን።

ዘይሩ ዘይሩ እምብኣር፣ ኣብታ ንቡር ስኢና ዘላ ሃገርና፣ ከምቲ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ‘ውን ኪኖ እቲ ርኡይ ዓወት ካልእ ሕቡእ ዓወት ኣሎ ዝበልናዮ፣ ኣብ ስደት መንእሰያት ኤርትራ፣ ኪኖ እቲ ብላዕሊ ዝርአ ቀጸላ ኣብ ግዳይነት ፣ውን ካልእ ቀጸላ ኣሎ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ታቤላ ዘይብሉ፣ ትካል “ጃምላዊ ምክፍፋል መንእሰያት” ከፊቱ፣ ንገዛእ ርእሱ ዋና ኣከፋፋሊ በደዊንን ራሻይዳን ክንሱ ‘ዩ እምብኣር፣ በደዊንን ራሻይዳን ተሓባበርቶምን ክምርመሩ ምስሉይ ኣቤቱታ ዘቕርብ ዘሎ።

ሓረግ ትውልዲ ናይዚ ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ኣሰቃቒ ኮይኑ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ሃገርና መሰረቱ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይይስ እዩ። ኢሳይያስ ንስደት ወሊዱ፣ ስደት ከኣ ንበደዊንን ራሻይዳን። እዞም ፍላይ ማንታ ደቂ ኢሳይያስ ዝኾኑ በደዊንን ራሻይዳን ተሓባበርቶም ኤርትራውያንን ከኣ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ውልቀመላኽነት ‘ዩ እቲ ናይ መበል 21 ክፍለዘበን ንግዲ ሰብ ዓሚሩሎም ዘሎ። ስለዚ ንግድ ሰብ ደው ኢሉ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ (Human Traffickers) ስርሖም ደው ከብሉ እንተኾይኖም፣ እቲ ዝገበለ በደዊን ኤርትራ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ብዘይ ነግፈረግ ክምሖ ኣለዎ።

እቲ ሓቂ እዚ ስለዝኾነ፣ ኢሳይያስን ዓሻክሩን ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ፣ ከምኡ ‘ውን ካብቶም በዚ ጉዳይ ስደተኛታት መኣዝኖም ኣጥፊኦም ዓዊኖም ዘለዉ መንግስታት ኤውሮጳ ምላቝ ገንዘብ እንተረኸቡ ብ “ይኾነለይ ደኾን” ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ምትላል ፈተነ ፍሹል እዩ። እንተ ‘ቲ ሓለይትን ተሸቝረርትን ህዝቢ ኤርትራ መሲሎም ክረኣዩ ዝገብሩዎ ዘለዉ ወስወስታ ‘ሞ ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ እዩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ሲናይ ብበደዊንን ክዋረድ፣ ክሕረድ፣ ክነድድ ከሎ “ኣብ ቱሪዝም እዩ ዘሎ” ክብል ዝሓጨጨ፣ ኣብ ላምፔዱዛ ኤርትራውያን ብጅምላ ክሃልቁ ከለዉ “ኣፍሪቃውያን እዮም ሸለል በሉዎም” ኢሉ ብምኽሓድ ሬሳ ዜጋታትና ኣብ ዓዱ ከይቅበር ዝኣገደ፣ ኣብ ቴለቭዥን ተጠሊዑ ‘ሃጽ ይበሉ እንታይ ግደይ’ ክብል ጥፍኣት ኤርትራውያን መንእሰያት ቅጭጭ ከምዘይብሎ ብተደጋጋሚ ዘረጋገጸ፣ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኤርትራውያን መንእሰያት ብ ISIS ከም ኣባጊዕ ክሕረዱ ከለዉ ጽንቃቕ ድንጋጸ ዘየርኣየ ጨካን፣ ስሱዕ ኣረሜን ስርዓት፣ ብጋዜጣዊ መግለጺ ገበናቱ ሓጺቡ፣ ንልቢ ናይቲ ሬሳታቱ ስለዘይረኸበ ኣብ ኣእምሮኡ ዳስ ሓዘን ተኺሉ ብሰንፈላል ዝነብር ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከደናግሮ ኣይክእልን እዩ።

እዚ ሓደ ስርኤልን ደቂ ሕድርቱን ምስ ተኣለዩ ጥራይ ‘ዮም ‘ምብኣር፣ እቶም 30 ዳኒኤል በብሞያኦም ኣብ መድረኽ ዓለም ተሰቒሎም ከምቲ ብሃር ዳኒኤል ተኽልሃይማኖት ኣብ Tour De France ዝገበሮ፣ ብኣንጻር እዚ ንሃገርናን ክብርታትናን ክድውን ብቐጻሊ እንሰምዖ ዘለና መርድእ፣ ንሓቀኛ ዓቕምን መልክዕን ኤርትራ ዘንጸባርቕ ዓወታት ከመዝግቡ ዝኽእሉ። ተስፋና ተመሊሱ፣ ልብን ኣእምሮን ኤርትራውያን መንእሰያት ተኸፊቱ፣ እዚ ሳሕቲ ዝስማዕ ዘሎ ብስራት ተደጋጊሙ ንቡር ክኸውን እምብኣር፣ ስደት፣ ምብትታን ኤርትራውያን ደው ክብል፣ ድሕነትን ቀጻልነትን ሃገርና ክረጋገጽ፣ ምእንቲ’ዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብህዝቢ ኤርትራ ክርገጽ ኣለዎ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

3 ነሓሰ 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • anedo August 3, 2015

    Well said Amanuel.Lets keep pushing. The dictator has to go today tomorrow or after tomorrow. Then Eritrana will flourish and its citizens will get their deserved respect. Come on hizbey say No to dictatorship.

  • Berhe Tensea August 3, 2015

    What an excellent article. Thank you very much..

  • hara August 3, 2015

    aman b aman tsbuk aleka amaniel hawey !
    eza adi jeganu semaEtat metsaweti ezom deki komaro eba koyna
    hayal meliEkti u GOD bless u

  • hadgu August 3, 2015

    No comment

  • A H August 3, 2015

    ዝኸበርካ ኣማኒኤል፥-
    ንኹሉ’ቲ እከያቱ ዝገለጽካዮ ተወሳኺ ሕቡእ ዛዕባትት ዝተዓዘብኩ መስለኒ፡ ንኣብነት ዝኸውን፥-
    1- ኣብ ጽንብል ተወጣሕቲ ብሽግለታ ንዓረብኛ ካብ ትግርኛ ምቕዳሙ ምስ የሕዋትና ኣስላም ክዕረቕ ዝደለየ ይመስል፡ ዓሊ ሕጃይ’ዶ ተዘኪሩዎ ኮይኑ ወይስ በዓል ኑርሁሸን ተጋጊኹም ንምባል’ዶ ይኸውን?

    2- ንጀጋኑ ተወዳደርትና ነታ ግዜኦም መዝሚዙ፡ ነቲ ብሑቡራት ሃገራት ፈጢሩሉ ዘሎ ራዕዲ ግብረ መልሲ ንምሃብ ናይ ዝጠፈሹ ወደቕቲ መለኽቲ ይመስል።

    3- እዚ ዘይበሃል ጉልበት ህዝብን፡ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ኣጥፊኡ፡ ንምሸቱ ብግፋ መንእሰያት ክከሓስ ዝወጠነ ይመስል
    ይኽደኖም መንእሰያትና ሓሊፎም ይጸንሕዎ’ደኣ ይኾኑ። ብዝተረፈ ዮሃና ንተቐዳደምትናን ንህዝቢ ኤርትራን።

  • ertra n ertrawyan August 3, 2015

    well Amanuel habrom.

  • k.tewolde August 3, 2015

    The dictator is childishly jealous in nature. He abhors anybody more knowledgeable or fulfilled than him , he will kill anybody who tries to share the spotlight with him. I wouldn’t be surprised if he paraded in downtown Asmara wearing the POLKA DOT shirt claiming he owns it. That is what he exactly did with liberation of our land by the sweat and blood of Eritrean heroes and heroins. He basks on the achievements of others. He is a true parasite. Brother Emanuel, you can’t put it any better way,million thanks for all you do.

  • ERITRAWIT August 3, 2015

    ኣማንኣል ሃውና ኣብ አርትራ ብጅካ ናተው ስም ናይ ካል ክስዋ ገፍ ገፍ ኢዩ ዘብሎ ከምው ስለዝኮነ ኢዮ ካ ጀጋነው አንዳ ቀንሰለ ኢልፈይ ኢራይ ምራይ ኣብዘይ ቦቶም ኮፍ ኣቢልው ሃስውለይ ኣመክንይለይ ክብሎም ዝውል ዘሎ።አንበር ሃገርና ዳ ክንደይ ዘይወለደት ዘየፍረየት አንታይ ሞ፡ ሃተላ ኮሎ ሱርይ ማይ ነይስተ ክባሃል ሃኪይ ኢዮ።

  • Wediare August 3, 2015

    Well done Mr. Amanuel.I appreciate your talent of writing.

  • Simon G. August 3, 2015

    ኣብ ዩቱበ ነታ ቪድዮ ምስረኣኹዋ: ሰለስተ ነገራት ተዓዚበ:-
    1. እዚ ፈገር ነዛ ማልያ መንጢሉዎ። ከመይ ገለ ትመንጥሎ!
    2. እንታይ ዓይነት ኣቀማቅቕማ ደኣዩ ዝፈገር ተቐምቂሙ? ናብ ወዲ ዓሰርተ ሓሙሽተ ‘ኳ ክምለስ ደልዩ ሎምስ። ኣየ ጉድ! መስሓቕ ሸራፋት።
    3. እዚ ኩሉ ዝና: ነዚ ፈገር ሕማም መርዘን ስለዝፈጥረሉ: ዳኒኤል ዕድል ተዘይጌሩ: እዚ ፈገር ገለ ክሓስበሉ’ዩ የውጸኣዮ’ዩ ዘብል። የድሕን!

POST A COMMENT