Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብስራት – መረጸ ኣስመላሽ

ብስራት ድምጺ ኣርሓ ደርሆ- ዎያ ሳልሰይቲ ብስራት ወጋሕታ - ኣፋናዊት ለይቲ ንድሕሪት ሰሪዓ - ኹሎም ኮዋክብቲ ብርሃና ሊኢካ - ንሰናይ መዓልቲ   ገሃጽቲ ምህርቲ - ገና ብጭልቕዑ ናቶም ኸይኣኽል - ሓንጊሮም ቖልዑ ለባም ኽሓዝን - ንሶም ዝስዕስዑ ይረድኡ ሎሚ - ድምጺ ህዝቢ ይስምዑ   ነዚ ድምጺ

ብስራት

ድምጺ ኣርሓ ደርሆ- ዎያ ሳልሰይቲ

ብስራት ወጋሕታ – ኣፋናዊት ለይቲ

ንድሕሪት ሰሪዓ – ኹሎም ኮዋክብቲ

ብርሃና ሊኢካ – ንሰናይ መዓልቲ

 

ገሃጽቲ ምህርቲ – ገና ብጭልቕዑ

ናቶም ኸይኣኽል – ሓንጊሮም ቖልዑ

ለባም ኽሓዝን – ንሶም ዝስዕስዑ

ይረድኡ ሎሚ – ድምጺ ህዝቢ ይስምዑ

 

ነዚ ድምጺ እንተ’ሎ – ፍጹም ዘየለሊ

ንድሕሪት ዝቖጽር – “ሓደ ኢሉ ትማሊ”

ናፋቒ  ውቤ – ህግደፍ በሃሊ

ይነሳዕ ይፈልፈል – ብርሕስቲ ቖጽሊ

 

ውሑዶ ተሳቕየ – ውሑድ ተኣሲረ

መከራን ሽግርን – ኣብ ከብደይ ሰቲረ

ሃገረይ ገዲፈ – ዶባት ተሳጊረ

ኣይፋል ክብል ሎሚስ – ማእገረይ ገቲረ

ኢሉ ተላዒሉ ……..

ሕቡራት መንግስታት – ዝበሉ ይበሉ

ሕቡራት ኣፍሪቓ – ዝበሉ ይበሉ

ሕቡራት ኤማራት – ሸኾርተት ይበሉ

ስሙር ቕልጽም እንዶ – ዝዓቢ ካብ ኹሉ

 

ናይ ለውጢ ሓይሊ – ቅልጽምካ ይለለ

መሰረት ሒዝካ መልእ – ዝጎደለ

ጕዕ ከይትቕንጥብ – ገና ዘይበሰለ

ገጽካ ቕላዕ በሎ – ሽፍንፍን ዝበለ

 

ዓይኑ ጠንባር እንከሎ – ደግኡ ‘ተዃሕለ

ሕማም ናይ ዘመናት – ብዓይኒ ዘይልለ

ቖርበቱ ለማጽ – ሓንጎል ዝሰንከለ

ዋግኡ ብዙሕ’ዩ – ንሱ ንኽእለ

 

ብጽፍሪካ ምሕዳር – ዘይ ናይ ዓንቶቦካ

ቐረባ’ያ ጽባሕ – እንተ ተዳሊካ

ካብ ኹሉ ተጠንቐቕ – ካብ እሾኽ ገዛካ

ዘይንሳ የብልኻን- ቀንዲ ጸልኢኻ

 

ናይ ለውጢ መሰረት – ሓደራ’ዛ ሞሰብ

ሽላ ከይምጥላ – ዳግማይ ከይትዕሰብ

ንስካ ብዶውኻ – ላምኻ ከይትሕለብ

ፈውሲ ድቖሰሉ – ንሕማም ተላገብ

 

ኣብ መጨረሻ ግን – ህያው ኣርሓ ደርሆ

ስለ ዘስማዕካና – ብስራት ንጕሆ

እታ ሓንቲ ድምጺ – ልሳን ናይ መሰተርሆ

ዳግማይ ምስጋና – ነቕርብ እነሆ

 

መረጸ ኣስመላሽ  …… July 18, 2016

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • amanuel sahle July 23, 2016

    I always liked the poems written by Meretse Asmelash. They have both beauty and a deeper meaning. Thank you.

  • Simon G. July 27, 2016

    This is deep brother Meretse!

  • Meretse Asmelash July 28, 2016

    Dear brothers,
    It is an honor to get such thoughtful comments from a distinguished writer as well as a pragmatic commentator.

  • Meretse Asmelash July 28, 2016

    Just forgot to say – thank you..

Post a Reply to amanuel sahle Cancel Reply