Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብብልሽውና ተኽሲሱ ን5 ዓመት ተኣሲሩ ዝነበረ ሓላፊ ጸረ-ስለያ ዞባ ስርሒት 2 ዝነበረ ኣሚነ ምስግና ዝተባህለ ካፕቴን፣ ብኮንቶባንዳ ካብ ሱዳን ዝኣቱ ነዳዲ ገዚኡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ናይ ምርካብ ንግዳዊ ንጥፈት ተዋፊሩ ምህላዉ ምንጭታት ኣሰና ካብ ከባቢ ተሰነይ ሓቢሮም።

ብ ‘ብልሽውና’ ተኸሲሱ ካብ 2008 ክሳብ 2013 ን 5 ዓመት ኣብ ማይ ሑጻ ተኣሲሩ ዝነበረ፣ ሓላፊ ጸረ-ስለያ ስርሒት ዞባ 2 ነበር (ኣብ እዚ ውጩ ዝነበረ) ካፕቴን ኣሚነ ምስግና፣ ኣብ መካስተራት ናይ ነዳዲ ትካል ከፊቱ፣ ካብ

ብ ‘ብልሽውና’ ተኸሲሱ ካብ 2008 ክሳብ 2013 ን 5 ዓመት ኣብ ማይ ሑጻ ተኣሲሩ ዝነበረ፣ ሓላፊ ጸረ-ስለያ ስርሒት ዞባ 2 ነበር (ኣብ እዚ ውጩ ዝነበረ) ካፕቴን ኣሚነ ምስግና፣ ኣብ መካስተራት ናይ ነዳዲ ትካል ከፊቱ፣ ካብ ሱዳን ብራሻይዳ ብኮንትሮባንዳ ዝኣተወ ነዳዲ ገዚኡ፣ ናብቲ ብወዲ በኺት ዝመሓደር ትካል ንግዲ ህግደፍ (ሰቲት) ይሸይጦ ምህላዉ ምንጭታት ኣሰና ካብ ከባቢ ተሰነይ ሓቢሮም።

ኣሚነ ምስግና ዝተኣሰረሉ ክስታት፣

1ይ – ምስ ስግረዶብ (ሰባት ናብ ሱዳን ምስግጋር )

2ይ- መሬት ምግባት (ብዘይ ኣገባብ ዘይመጠንካ መሬት ብምግዛእ)

3ይ- ንብረት ዓቃብ ሰላም ብምሻጥ፣ ዝብል እዩ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ንኽብደት ናይቲ ተኸሲሱሉ ዝነበረ ጉዳይ ዝፈልጡ ኣባላት ሰራዊትን ህዝብን፣ ካፕቴን ኣሚነ ምስግና፣ ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕድል ተዋሂቡዎ፣ ናይ ነዳዲ መከፋፈሊ ገይሩ ነቲ ናይ ስርዓት ህግደፍ ትካል ንግድ ብኮንትሮባንዳ ዝተረኽበ ነዳዲ የቕርበሉ ምህላዉ ብዙሕ ምጥርጣራት የርእዩ ኣለዉ።

‘ሃብታማት ተሰነይ ኣዋጺኦም እግሪ ኣትኪሎሞ’ ዝብል፣ ነቲ ምጥርጣራት ንምህሳስ ዝተዘርግሐ ወረ ‘ኳ እንተሎ፣ በንጻሩ ኣብቲ እዋናት’ቲ ናይ ሓለዋ ዶባት ኣዛዚ ዝነበረ፣ ገንዘብ ብምኽዕባት ብዙሕ ዝሕመ ተኽለ ማንጁስ ብዝሃቦ ገንዘብ ተበጊሱ ከምዘሎ፣ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ፣ እቲ ስርዓት ካብ ማእሰርቲ ምስ ኣውጽኦ፣ ከም ብሕታዊ ነጋዳይ ተመሲሉ፣ ነቲ ብራሻይዳ ካብ ሱዳን ዝኣቱ ዘሎ ነዳዲ ኣኪቡ ከምጽኣሉ ብጉልባብ የስርሖ ምህላዉ ይንገር ኣሎ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰረ ሓበሬታ፣ ‘ወዲ ዛራ’ ዝብሃል፣ ድሕሪ ኣሚነ ምእሳሩ ነቲ ናይ ጸረ-ስለያ ስራሕ ስርሒት ዞባ 2 ብሓላፍነት ዝተቐበለ ምኽትል ኮፖራል፣ ኣብ ከረን ፐላሶ ብምስርሑ፣ ኣብ ሻምብቆ ጓል ኣንከረ ካብ ዝተባህለት ነጋዲት መሬት ብምግዝኡ ተኸሲሱ ኣብ ባረንቱ ኣብ ቤትማእሰርቲ ሃገራዊ ድሕነት ተታሒዙ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ማእሰርቲ ወዲ ዛራ፣ ነቲ ኣብ ባረንቱ ካብ ፎርቶ ክሳብ መዓርፎ ኣውቶቡስ ምሸት ምሸት ኣካላዊ ምውስዋስ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ወትሩ ዘሰንዮ ዝነበረ፣ ክሳብ ‘ዚ ቀረባ እዋን ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 2 ኮይኑ ዝጸንሐ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ከምዘሰንበዶ ‘ውን ይንገር።

ብዘይካ ‘ዚ፣ ሓላፊ ‘ተሃድሶ’ ባረንቱ ግርማይ ዛግር ዝተባህለ ካልእ ኣባል ‘ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሃገራዊ ድሕነት ከምዝርከብ ተፈሊጡ ‘ሎ።

እዞም ሰለስቲኦም ኣብ ተመሳሳሊ ጽፍሕታትን ከባብን ዝነበሩ ታሕተዎት ሓለፍቲ፣ ንእሱራት ብጉቦ ካብ ማእሰርቲ ብምልቃቕ ገንዘብ ከምዘኻኽበቱ ‘ውን ይንገር።

እዚ ተርእዮ ‘ዚ፣ እቲ ብዘሰንብድ ናህሪ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ግቦን ብልሽውናን ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ናብ ታሕተዎት ሓለፍቲ ዘሪቑ፣ ስርዓት ህግደፍ ብብልሽውና ጠስጢሱ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

እቲ ንርእሱ ብልሹው ዝኾነ ውልቀ ምልካዊ መራሒ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንስልጣኑ ክሳብ ዝሓለወሉን ዘይተጻብኦን፣ ናይ ዝኾነ ሰብ ተሳትፎ ኣብ ግቦን ብልሽውናን ዝዓጅቦ ኣይኮነን። ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ብነጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ውልቆም ዝውዕል ጀራዲን ከልምዑ፣ ንግዳዊ ድኳናት ክተኽሉ፣ ካብኡ ሓሊፎም፣ ኣብ ልዕሊ ምእዛዝ ሰራዊት፣ ከተማታት ከመሓድሩን ክፈርዱን ዕድል ብምሃብ ናይ ብልሽውና ባይታ ዝፈጠረ ኢሳይያስ ባዕሉ እዩ።

ኣብ መጻኢ፣ ነዚ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ደረቱ ዝሓለፈ ባህሊ ብልሽውና ናይ ምምሓው ስራሕ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ብድሆታት ከምዝኸውን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ሻቕሎቶም ይገልጹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • Zufana February 28, 2014

    Remember if one is out of balance the rest will suffer. In all too many arenas, we see leaders
    holding nothing in trust for those they purport to serve. That is what happened to our nation. We the
    youth will be the custodian of our nation and its people.

  • Kentiba February 28, 2014

    I know wedi-zara Personally. He was my investigator on April 2007 during a one month stay in the earthly Hell counter-espionage prison( Enda-sleya) in Barentu. Hopefully, he will be inside the under ground solitary confinements by now where he used to throw innocent Eritreans. He is responsible for the horrific death of innocent people(especially ethnic Kunama). Hope he gets what he deserves.

  • Simerrr2012 February 28, 2014

    Serekti kiserku bhansab yiserku gina kimakelu yibasu,,,so who cares one higdef arrest another one or released the other. Dog eats dog ..at the end they will eat each other. There is no love lost for any old or new PFDJ. Wanted Dead or alive,,,that is our message for all PFDJS’

  • Kalighe February 28, 2014

    “ኣብ መጻኢ፣ ነዚ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ደረቱ ዝሓለፈ ባህሊ ብልሽውና ናይ ምምሓው ስራሕ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ብድሆታት ከምዝኸውን ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ሻቕሎቶም ይገልጹ።”

    Dictatorial regimes depend on corrupt military officers for their safety. And that is why I say removing or “neutralizing” Iseyas is neither the solution nor it’s the end of the story. A fundamental change should start by disbanding the corrupt top brass and create an all inclusive National Defense Forces.

  • wedimeriet February 28, 2014

    My fellow Eritreans,this started in the seventies,during the lorries and trucks transportation from Sudan,there was always discrepancies then and it still continuing. Isayas opened the doors for thieves because he is the master.Watch, who get the job, those who have repeated, culture of w anting what it is not theirs.My people what you call Badme is Kunama land,but a shifta name Ghebrecal brought some Himbirti people and let them grab land which is not theirs,even now they are doing the same.A Shifta is always a Shifta,it is a culture. That is where we went to war,the whole nation went for a dam piece of land of 10 houses,what a pity. Try to oppose you Terarai,Agame Islamist….Everybody is wrong.They only understand power.

  • gebre February 28, 2014

    እቲ ንርእሱ ብልሹው ዝኾነ ውልቀ ምልካዊ መራሒ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ንስልጣኑ ክሳብ ዝሓለወሉን ዘይተጻብኦን፣ ናይ ዝኾነ ሰብ ተሳትፎ ኣብ ግቦን ብልሽውናን ዝዓጅቦ ኣይኮነን።

  • ahmed saleh February 28, 2014

    Do you remember when they label Rashaida one of Eritrea ethnic society without consulting
    people . And now when time permitted the hated people take advantage on the expense of people sufferings . Just matter of time, what goes around comes around one day. HGDF and
    Rashaidans became the cancer of the people . It
    is not my principle to generalize but their on
    going dirty reputation became frustrating.

    • MightyEmbasoyra March 1, 2014

      They can’t grant Jeberti (which you claim the founders of Eritrean revolution) but they promoted Rashaida (non-Eritreans) as one of Eritrean ethnic. What does this tell us?

  • Mogos March 1, 2014

    ሕጂ ደኣ ሳዕሪሩ አንድዩ !”

    ሓደ ግዜ ምስ ሓደ ዓርክና ብዛዖባ “መደብ ከይሳዕረረ” ዝብሃል መደብ ኣብ ኤረ-ቲቪ ዝቐርብ ዝነበረ ንምንታይ ተቓሪጹ አለ ምስ ሓተትኩዎ ዝሃበኒ መልሲ

POST A COMMENT