Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብብዝሒ ሓከምቲ ምምዋት

ኣማኑኤል ሳህለ እስክንድር ዓብዪ ብዓሶ ተለኺፉ ኣብታ ዝሞተላ ዓራት በጥ ኢሉ ኸሎ፡ ዘመኖም ዝመጸሎም ሓከምቲ ኣብቲ ደቂሱሉ ዘሎ ቴንዳ እትው ውጽእ ብምባል ሕክምናኦም ከካይዱ ጀመሩ። ከምዚ ዘይግበር ከምዚ ዘይፍጠር፡ ከምዚ ዘይትህቡዎ ከምቲ ዘይተብልዑዎ እናበሉ ኣራግጽ ምስ

ኣማኑኤል ሳህለ

እስክንድር ዓብዪ ብዓሶ ተለኺፉ ኣብታ ዝሞተላ ዓራት በጥ ኢሉ ኸሎ፡ ዘመኖም ዝመጸሎም ሓከምቲ ኣብቲ ደቂሱሉ ዘሎ ቴንዳ እትው ውጽእ ብምባል ሕክምናኦም ከካይዱ ጀመሩ። ከምዚ ዘይግበር ከምዚ ዘይፍጠር፡ ከምዚ ዘይትህቡዎ ከምቲ ዘይተብልዑዎ እናበሉ ኣራግጽ ምስ ኣብዝሑሉ፡ እስክንድር ዓብዪ ቅድሚ ምምዋቱ “ረኣዩለይ….፡ ብብዝሒ ሓኻይም እመውት ኣለኹ” ብምባል ዓረፈ ይብሃል።

ኤርትራ ሃገርና ብብዝሒ ፖለቲካውያን ሓኻይምን ናይ ሰልፍታት ነርስታትን ትመውት ዘላ ትመስል። ኣብ ፈቐዶኡ ኣኼባታት፡ ውጥናት፡ ዘተ፡ መደባት፡ ምሁራዊ ጽሑፋት ይቐርብ ኣሎ። ገሊኡ ብባእሲ እተስነየ ገሊኡ ድማ ብቕርሕንቲ። ውጸለይ፡ ኪደለይ……ኣብ ገሊኡ ድማ ንውልቀመላኽነት ዝቀራረቡ ዘለዉ ባእታታት ይረእዩ ኣለዉ። ውልቀመላኺ ኣብ ህውከትን ቅርሕንትን ዘለዎ ሃዋህው እዩ ዚፍጠር። ምጥንቃቕ ከድሊ እዩ።

ካብቲ ክትዓት መብዛሕትኡ እቲ ነቲ ሕማም ዘግድዶ ወይ ዘናውሖ መፍትሒታት እዩ ዚወጽእ ዘሎ። ተዛተይቲ ዚሓስቡዎ ካልእ፡ ዓለም እትገብሮን እትኣልሞን ካልእ። መሸንጎጋን በዚ፡ ዛግራን በቲ።

ሓደ ሓኪም ኣብ ልዕሊ ሓደ ሕሙም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ምስ ኣካየደ፡ እቲ ሕሙም ቅሩብ ጸኒሑ ሞይቱ ይብሃል። ሽዑ ነቲ ሓኪም ሕቶ ቀሪቡሉ፤ ኣታ ከመይ ኮይኑ እቲ ሕሙም? እቲ ሓኪም ከምዚ ብምባል ይምልሽ፤ ዝኾነ ኾይኑ እቲ መጥባሕቲ ዕዉት እዩ ነይሩ፡ እቲ ሕሙም ግን እንታይ ከም ዝረኸቦ ሞይቱ። ስንፍናኡ ንምሕባእ፡ ነቲ ዝሞተ ወቒሱዎ።

ግን ከኣ እቲ ጸገም ናባና ጥራይ ክንጠውዮ ኣይግባእን። ኣብ ሓንቲ ባዕሎም እተሾሙ ፖላይስ፡  ብግዜ ውራውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ ብዚብል መምርሒ እተፈጥሩ ሰረቕቲ ዚነብሩላ ዓለም፡ እቲ ጸገም ናይ ሰብ ሓፈሻዊ ባህርያት እዩ ኢልካ ኪድምደም ይከኣል። ናይ ዓለም ፖለቲካዊ ፍልስፍና ከምቲ ብዘመንያ ውቤ ዝጸመመስ፡ ዝባን ውቤ ኪብል ሞተ ዚብሃል እዩ ኾይኑ ዘሎ።

እቲ ናይ 19 ክፍለዘመን ናይ ኤውሮጳውያን ኣተሓሳስባ ገና ኣይተለወጠን። ምትሕብባር ዘይኮነስ፡ ምብልላዕ። ምድግጋፍ ዘይኮነስ ምትሕንናቕ። ሓይሊ ሚዛን (ባላንስ ኦፍ ፓወር)፡ ናይ ጽልዋ ዞና (ስፌር ኦፍ ኢንፍሉወንስ)፡ ናጻ ዘይምጡን ንግዲ፡ ኣብ ስሰዐ እተመርኮሰ ሃገራዊ ጥቕሚ፡ ማልቲናሽናል ምዝመዛ ወዘተ….። እቲ ኣተሓሳስባ መሪቱ እዩ። እቲ ኣገባብን ኣካይዳን ዝያዳ እናተራቐቐ ብምኻዱ ግን ንገሌና የደናግረና ኣሎ። ሓድሽ ይመስለና ግን ብግሩም ወረቐት እተጠቕለለ ጎሓፍ እዩ። እቲ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣብ ገለ ውልቀሰባት ደኣምበር፡ ብሃገራዊ ወይ ኣህጉራዊ ደረጃ ገና ኣይተኸሰተን ዘሎ።

ደሞክራሲ ብዚብል ጭርሖ ደኺምና። እሞ ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ዘይደሞክራስያውያን ሃገራት ኪቀባጠረለንን ኪሕለየልንን ንርእይ ዘሎና። እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ብኢደሞክራስያዊ መገዲ እዩ ዚምራሕ። ኣብቲ ዓለማዊ ጉባኤ፡ እተን ሓያላትን ድኹማትን፡ እተን ኣፈን ዝሃበን ዚዛረባን ቃሕ ዝበለን ዝውስናን፡ እተን ገንዘብ ተቐቢለን ኣጽቅጥ ዘብላን ገንዘበን ኣፍሲሰን ወደኽደኽ ዚብላን ብሓደ ኮፍ ኢለን ትርእየን። ኣመሪካ ዘይደለየቶ ውሳነ ኣይሓልፍን። ንእስራኤል ዘኾሪ ውጥን ወይ ፖሊሲ ኣይትግበርን። ናይ 19 ክፍለዘመን ኣተሓሳስባ ሒዝካ ነዚ ናይ 21 ክፍለዘመን ጸገማት ክትፈትሕ ኣይከኣልን።

ናይ ፍልስጢኤም ጉዳይ ካብ እንውለድ ጀሚሩ ኣእሪጉና። ፍልስጥኤማውያን ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤትጊርዮጊስ ግዜያዊ ተንዳ ገይሮም ከለዉ ይዝከረኒ። ክሳዕ ሕጂ ጉዳዮም ኣይተፈትሐን። ከመይ ገይሩ ኪፍታሕ፡ እቲ ኣተሓሳስባ ዓለም እኮ ኣይተለወጠን።

ቅድም ብኮሙኒዝምን ጸረ-ኮሙኒዝምን ደንዚዝና። ኮሙኒዝም ምስ ወደቐ ድማ ንኣኡ ዚትክእ ኩሉ ዓይነት መንፈሳውን ዓለማውን ኣይድዮሎጂ ይፍጠር ኣሎ። ሎሚ እቲ ናይ ኮምዩኒዝም ጋኔን ብናይ ግብረሽበራ ጋኔን ተተኪኡ ኣሎ። መፍቶት ብዙሓት ሃገራት ድማ ኮይኑ ኣሎ። ጸላኢ ምስ ዘይህሉ፡ ባዕልኻ ፍጠሮ። ኣንጻር መን ደኣ ክትዋጋእ ደሊኻ? ናይ ወድሰብ ናይ ባእሲ ደመነፍሲ ግድን ዚቃለሶ ጸላኢ ኪፈጥር ኣለዎ። እቲ ናይ ምጕባጥን ምዕብላልን ሃናኡ ደኣ ኣበይ ከውጽኦ ወይ ከፍስሶ።

ካብ ኩሉ ዘገርም ግን እዚ ናይ ሎሚ ግብረሽበራ፡ ናይ ቅድሚ 20 ዓመት ግብረገብነት እዩ ነይሩ። ነቲ ናይ ኮምዩኒዝም ጋኔን ንምውጋእ፡ ኣመሪካ ዝፈጠረቶምን ኣብ ዋይት ሃውስ ዚዕደሙ ዝነበሩን እዮም ሕጂ በዓል ትራምፕ ከይኣትዉና እናበሉ መዳመቕን መሸቀጥን ምርጫታቶም ገይሮምዎ ዘለዉ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምዕብላልን ናይ ስልጣንን ዘይውዳእ ቃልሲ፡ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሰብኣውን ፍትሓውን ዓይኒ ዘይኮነስ ብስትራተጂያዊ ዓይኒ እየን ዝረኣያ። እንታይ እንተገበርና እዩ ዘርብሓናን ነቲ ኣብ መንጽርና ተገቲሩ ዘሎ ብድሆ ዘርሕቐልናን እዩ እቲ ሕቶ። ኣብዚ ከም ናይ ቸስ ጸወታ ዚመስል ውድድርዚ፡ ህዝቢ ሳልሳይ ዓለም ዋጋ የብሉን። ፍትሕን ደሞክራስን ሰብኣዊ ርሕራሐን ድማ ንሃልኪ እንተ ዘይኮይኖም ዋጋ የብሎምን።

ኩሉ ኤርትራዊ ብዛዕባ ሃገሩ እንታይ እዩ እቲ ጸገም እናበለ ነፍሱ ይፍትሽ ኣሎ። መልሲ ግን ኣይተረኽበን። ገለ ሕቶታት ኣሎ መልሲ ዘይርከቦ። ከምቲ ገለ ሕዱር ሕማም መልሲ ከይተረኽቦ ንነዊሕ ዓመታት ዚኸይድ፡ ናይ ኤርትራ ጸገማት ድማ ከምኡ እዩ። ብዙሕ እተሓላለኸን ናይ ነዊሕ እዋናት ማህሰይትን ጌጋታትን ዝጠርነፈ ብምዃኑ፡ ንገሊኡ ግዜ ኪፈትሖ ኸሎ፡ ንገሊኡ ግን ዘይሕለል ፖለቲካውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳትን ምንቕቓሕን ኪፈትሖ ይኽእል ይኸውን።

ሓደ ካብቲ ናይ ኤርትራ ሽግራት ንኺፍታሕ ዘጋጥም ዘሎ ዓበይቲ ብድሆታት ግን፡ እቲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣኣ ከይኮነ ኣይተርፍን። እቲ ኤርትራ ዘላቶ ቦታ፡ ብዙሕ ኣዒንቲ ዝጸናተዋኦ ቦታ እዩ። ኣብ 1950ታት ኣስመራ ነቲ ኣብ ቬትናም ዚካየድ ዝነበረ ኣመሪካዊ ኲናት ንምቍጽጻር ከም ናይ ራድዮ መራኸቢ ቦታ ኾይና ተገልግል ነይራ። ኣብቲ እዋንቲ ካብተን ብሶቭየት ሩስያ ኣቶሚክ ቦምብ ክድርበየለን ተሓጽየን ዝነበራ ከተማታት ሓንቲ እያ ነይራ።

ሓደ ካብቲ ግዝኣት ጥልያን ኮይና ክትጸንሕ ዝገበራ ምኽንያት እውን እቲ ብኢትዮጵያን ብኻልኦት ባዕዳውያን ሃገራት እተኣልመ ንስትራተጂ ዚምልከት ምኽንያት እዩ። ድሕሪ ፈደረሽን ከም ካልኦት ሃገራት ናጽነታ ከም ዘይትረክብ ዝገበራ ኸኣ ናይ ኣመሪካ ስትራተጅያዊ ፖሊሲ እዩ።

ንቐዪሕ ባሕርን ንባብኤል መንደብን እትቆጻጸርን ምስ ሃገራት ኣዕራብ ብባሕሪ እትዋሰንን ብምዃናን ነዊሕ ገማግም ባሕርን ግሩም ወደባትን ብምህላዋን፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ንምዕራባውያን ዘህርፉ ማዕድናት ሒዛ ከም ዘላ ስለ እተረጋገጸ፡ ጣጣኣ ዚውዳእ ኣይመስልን።

ይኹንምበር፡ ከምዚ ዝበለ ጸገማት ንምፍታሕ ቀንዲ ረቛሒ ናይቲ ህዝቢ ራእይን ድሌትን ሕብረትን ስኒትን ምዃኑ ክንርስዕ ኣይግባእን። ግንከ ከምዚ ዝበለ ጸገማት እናሃለዋ ኸሎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተወሳኺ ሕማማት ክትውስኸላ ከሎኻ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ብብዝሒ ሓከምትን ብብዝሒ ኣፋውስን ክትመውት ከም እትኽእል ክንፈልጥ ይግበኣና።

ከም ሃገር ክትነብር ትኽእል ትኸውን፡ ግን ከም ወናኒት ህዝባን ባህላን ያታኣን ወግዓን ኣቃውማ ህዝባን ኮይና ነዊሕ ክትከይድ ኣይትኽእልን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • ERITRAWIT December 21, 2015

    Dear Amanuele, You are simply the best keep it up we need you.
    I would like to say for people who are trying to overdose our beloved

  • ERITRAWIT December 21, 2015

    sorry I did’n finished my comment,
    our beloved country people are watching.
    Merry Christmas.

  • aus 17 December 21, 2015

    Amanuel I used to read your articles, cultural, I love them really a very Sharp pen and mind.
    Yes, we have many semi doctors, not yet really qualified, with the absence of qualified professionals you employ half qualified ones. scarce of every thing in that part of our World.
    The problem is they all hatched cemented in their narrow evironment, just they fit for themselves, comfortable with each other, because they are few in numbers and never grow much- constant in most years. In their congresses and seminars they praise one Another, and select again and again because of the absence…
    In our globalised World where the satelites took the duty of MT. kilimangaro or Ambasera that the strategic Place it was has rendered invalid. What logic can we give Eritrean’s importance than is countries of the area…the Sudan, Yemen, and the rest that Eritrea becomes more important? We have our subjective view that exaggerates that importance and forfeit the more important namely our own peoples common desire, fears, concerns, coexistence in practical terms. marginalising each other, demoning other segments, justice only for self, Power and decision machanisms restricted ect..I wish I had your mind and your pen to address these issues and teach the most to create that awareness. We are enemies of our own self.

  • Senay December 22, 2015

    Hi Amanuel:
    Please keep on writing. It will keep us sane amid all the chaos and turbulence that surrounds us.

  • ጸዋር December 22, 2015

    You are right memhir Amanuel,

    The issue of injustice in Eritrea has become difficult because of the geographic location, as it had happened to the poor Khurdish in the Arab world, the Muslim black Africans of Darfur, the black slaves in the Arab world, the Saharawi Arab republic, the Shia Hoothis in Yemen and many others around us.
    Close to home, when a half a million black Muslims perished in Darfur the Arab world said nothing with the Arab League’s office being in Cairo only few hundreds away.
    Hypocrisy is everywhere and too much around the Red Sea region.

  • metkel December 26, 2015

    Memhr Amanuel,
    I have read all your articles and I would say they’re all balanced, unbiased and to the point. Please, try to write more and engage to give our people direction kind of road map. What I see in our eritrean people,they are very sinical. They don’t pay attention to the message but the messenger, polarization . Know your enemies if you want to solve or end your suffering.

  • aster January 2, 2016

    ab thti we ll never forget you zbill msli (photo) nsom trah dyom etom gdayat????????????

POST A COMMENT