Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብተስፋ ተሓጒስና!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.) - ግንቦት 26፡ 2018 ከምቲ ርትዓውን ፍትሓውን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ ኣብ ዓርቢ፡ ግንቦት 24፡ 1991 ዝተጋህደት ብስራት ናጽነትን ባይታ ሓርነትን፡ ቅንያት 24 ግንቦት ቅንያት ትፍስህትን ብሩህ መጻኢ ተስፋን ክትከውን ነይሩዋ።

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.) – ግንቦት 26፡ 2018

ከምቲ ርትዓውን ፍትሓውን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ ኣብ ዓርቢ፡ ግንቦት 24፡ 1991 ዝተጋህደት ብስራት ናጽነትን ባይታ ሓርነትን፡ ቅንያት 24 ግንቦት ቅንያት ትፍስህትን ብሩህ መጻኢ ተስፋን ክትከውን ነይሩዋ። ኣይኮነትን ግን። ህዝቢ ኤርትራ ንትጽቢቱ ዝድውን፡ ንተስፋኡ ዘጸልምት ዘይተጸበዮ መርገም ኣጋጢሙዎ፤ ደቀይ ኢሉ ኣእዳዉ ዘርጊሑ፡ ልቡ ከፊቱ ዝተቐበሎም፡ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝኸፍኡ ናይ ዕሩቕ ስልጣን ተዃሉ ኮይኖሞ፡ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይብሉ መዓት የካፊ፡ ይጸንት፡ ምስኡ ኸኣ ሃገር ባህሪያውን ሕብረተሰባውን ምብሕጓጕ ኣጋጢሙዋ ምስ ህባ ምርኣይ ምግጋይ ኮይናቱ ዘላ ሕሱም ዘመን`ዩ።

እታ ንዓለም ብዘገረመ ብንብዓት ሓጎስን ፍሽኽታን፡ ከበሮን ዕልልታን ብስራት ብርሃን ናጽነትን ክብረትን ሒዛ ዝኣተወት ቦዅሪ ዓርቢ፡ ግንቦት 24፡ 1991፡ ምስ`ዛ ብጸልማትን ጥፍኣትን ትልለ ናይ ሎሚ ግንቦት 24፡ 2018 ብኹሉ ኩነታተን ዘራኽብ ከም ዘይብለን ሰፊሕ ቴማ ዘየድልዮ ኣብ ባይታ ዘሎ መሪር ሓቂ`ዩ። ብኹነታተንን ብንውሓት ጊዜን ናይ 27 ዓመት ምርሕሓቕ ኣለወን። መበገሲ ጽሑፈይ ነቲ ብዛዕባ`ቲ ብድኽነት ሓድነታዊ ተግባር ተጠቒዑ ዘሎ ሕልፈታት ሃገር ንምዝራብ ኣይኮነን። እኳ ድኣ፡ ናብታ ተስፋ ተህድም ፍርቂ ጎደሎ ብርጭቆ ዘይኮነ፡ ናብታ ጩራ ተስፋ ተስንቕ ፍርቂ ምልእቲ ብርጭቆ ንምሕባር`የ።

እቲ ርኡይ ኩነት፡ ህግደፍ ነታ ቦዅሪ ግንቦት 24 ሕጂ`ውን ከም ዘላ ጌሩ ን27 ዓመታት ኪምድር ከሎ፡ እቲ ከም ዝተጠልመት ዘለለየ ተቓላሳይ ንፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ እታ ቦዅሪ ብስራት ግንቦት 24 ከይትርሳዕ ተሓጒሱ ከብዕላ ጸኒሑ ኣሎ። በዚ መንፈስ እዚ፡ ንዓኣ ንምዝካር ኣብ ቦስቶን ዝተገብረ ናይ ትልሂት ምሸት መርገጺ ክሳብ ዝሰኣን ብዕልቕልቕ መንእሰያት ማሚቑ ምምሳዩ ፍሉይ ኣሓጒሱኒ። እቲ ምንታይ፡ እዋኑ ናይ ጓይላ እዋን እኳ እንተ ዘይኮነ፡ መንእሰይ ከምዚ`ሉ ብሓባር፡ ብሰላምን ፍቕርን ምምሳዩ፡ ብድሆ ንስርዓት ውልቀምልኪ ብምዃኑ፡ ኪሕጐስ፡ ብናፍቖት ኪሰዓዓም ክርእዮ ከለኹ፡ ብልበይ ተስፋ ኣሎዋ እዛ ሃገር፡ ዓይኒ ኣባይካ ይደፈን መንእሰይ ሃገር ኤርትራ ኢለ። ምርኻብ ተላሚ ንግብሪ፡ ጸራጊ መንገዲ ንለውጢ ብምዃኑ፡ ብፍቕሪ ሃገርካ ዝነደድካ መንእሰይ፡ ነቲ ብሕሰም ተገዲድካ ዝኣቶኻዮ ስደት ናብ ናይ ህዝብኻ ማዕከን ተስፋ ቀዪርካ፡ ብሓድነትካ ማሚቝካን ሓይልካን፡ ሓርነትን ፍትሕን ኣብ ሃገርካ ህያው ክትገብር ጽንዓትን ልቦናን ይሃብካ! ኣሜን!!!

እታ መራር ነዋሕ ለይቲ ግድን ክትወግሕ ኢያ!

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT