Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብናይ ፖለቲካ-ማዕበል ትሕቈን ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ

ብናይ ፖለቲካ-ማዕበል ትሕቈን ዘላ  ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብቲ ነዊሕ ናይ ዘመናት ጉዕዞ፥ ናይታ ክርስቶስ ዝመሠረታ፥ ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስቲያን ታሪኽ እንተ ተመልከትና፥ ካብ መከራን ስቓይን መስጐጕትን ስደትን፣ ዘዕረፈትሉ ዘመን ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለ-ዝኾነ ድማ እቲ ነዊሕ ታሪኻ፥ ብደም ሠማዕታት ደቃ

ናይ ፖለቲካ-ማዕበል ትሕን ዘላ

 ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ

ኣብቲ ነዊሕ ናይ ዘመናት ጉዕዞ፥ ናይታ ክርስቶስ ዝመሠረታ፥ ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስቲያን ታሪኽ እንተ ተመልከትና፥ ካብ መከራን ስቓይን መስጐጕትን ስደትን፣ ዘዕረፈትሉ ዘመን ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለ-ዝኾነ ድማ እቲ ነዊሕ ታሪኻ፥ ብደም ሠማዕታት ደቃ እናተጻሕፈ ዝመጸ፥ ናይ ገድልን ሠማዕትነትን ታሪኽ ደኣምበር፥  ዕረፍትን ሰላምን ረኺባ፣ እፎይ-!! ዝበለትሉ ዓመትን ዘመንን ከም-ዘይነበራ’ዩ፥ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኻ ዝዛረብ።

ስለዚ’ውን ኣብተን ቀዳሞት 300-ዓመታት፣ ማለት ካብ ዘመነ-ኔሮን ክሳብ ዘመነ- ዲዩቅልጥያኖስ፣ እታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ፣ ክርስቶሳዊት ቤተ-ክርስቲያን፥ ሰላምን ዕረፍትን ቅሳነትን ነይሩዋ ትበሃል ኣይኮነትን። ስለዚ ከኣ’ዮም እቶም-ቀዳሞት ክርስቲያን፥ ኣብተን መጀመርታ ዝነበራ 300-ዓመታት፣ ከም ኣራዊት እናተሃድኑ ዝቕተሉሉ ዘመን ስለ-ዝነበረ፥ ካብ ንቡር ሕይወት ወጺኦም፥ኣብ በረኻን, ኣኽራንን, በዓትን, ጐዳጉድ-ምድርን ከይዶም፥ ምስ ኣራዊት ክሰፍሩ ዝግደዱ ዝነበሩ።

ስለ’ዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን፣ ዝፍጸም ዝነበረ ጅምላዊ  ቅትለት’ቲ፥ ክሳብ ዘመነ-መንግሥት ቈስጠንጢኖስ፥ ማለት ክሳብ መጀመርታ ርብዒ፥ 4ይ ክፍለ-ዘመን ተግባራዊ ኮይኑ ክሥርሓሉ ከም-ዝጸንሐ፥ ዓምድታት ታሪኽ ዝህቡዎ እሙን ዝኾነ ምስክርነት ኣሎ። ናይ’ዚ ኩሉ ብደም-ክርስቲያን ዝጨቀወ ግፍዕታት’ዚ፣ ታሪኽ ንቄሳራት-ሮማ’ዩ ተሓተትቲ ገይሩ ዘቕርቦም።  ይኹን እምበር እዚ ኩሉ ግፍዕታት’ዚ፣ ኣብ ቄሣራት ሮማ ጥራይ ተሓጺሩ ዝተረፈ ኣይነበረን።

ኣብዚ ትማሊ ዝሓለፈ 20-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን’ውን። እቲ እምነት-ኣልቦ ዝነበረ፣ ናይ ሩስያ ኣብዮት፣ ንቤተ-ክርስቲያን ከም ዋና-ጸላኢት ዕላማ ብምግባር፣ ደም ክንደይ ንጹሓን ክርስቲያን፣ ኣብ ኣደባባይ ከም-ዝፈስስ ምግባሩ፥ ታሪኽ ከቶ ክዝንግዖ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ታሪኽ እታ ክርስቶሳዊት ቤተ-ክርስቲያን፥ ብደም ሠማዕታት እምበር፣ ብቀለም ጥራይ ‘ዩ ተጻሒፉ ክበሃል ዘይከኣል። ስለዚ ድማ’ዩ ሓዋርያ-ጳውሎስ “… ብዳርባ-እምኒ ተቐትሉ-! ብመጋዝ ተቘርጹ-! ተሰይፎም ሞቱ-! …ሰኣኑ, ጸበቦም, ሓሳረ-መከራ ጸገቡ….” ብምባል፥ ንገድሊ’ቶም ቀዳሞት ክርስቲያን ገሊጹዎ ዘሎ። (ዕብ.11/37)

እምበኣር መቐጸልታ’ዚ ኩሉ’ዚ ከኣ’ዩ፥ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንን፥ ደቂ ቤተ-ክርስቲያንን ተዋሕዶ-ኤርትራ፥ ዓቐኑ ዝሓለፈ ግህሰታት ሕጊ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ። እንሆ ከኣ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ካብ ካልእ እዋን ብዝበለጸ፥ ብኽልተ ክዳን ጳጳሳት ዝተኸድኑ ካድረታት፥ ሰላም ሕዝብና ክዝረግን፥ መሠረት ቤተ-ክርስቲያንና ክነቓነቕን፣ ጉድ ኮይኑዎ ሕዝብና ዋና መዛረቢ ኣርእስቲ ገይሩዎ ዝርከብ ዘሎ።

ንሳቶም እዞም ክልተ፥ ኣብ መዓርገ-ጵጵስና ዝርከቡ’ዮም ተባሂሉ ዝንገረሎም ዘሎ፥ ተልእኮ ፖለቲካ ኣብ ምፍጻም ዝርከቡ ካድረታት። በቲ ካብ ኣፎም ክወጽእ፥ ወይ ክዛረቡዎ ዝቐነዩ ቃላት፥ ዘይተገረመ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብኣጣቓላሊ ክርአ ከሎ፥ “…ሕዝቢ ኤርትራ ወጊሑሉ፥ መና ከኣ ካብ ሰማይ ይዘንመሉ ኣሎ-!!…” ብምባል ‘ዮም፥ ኣብ ባይታ ዘየሎ ናይ ፈጠራ ታሪኽ ክዛረቡ ዝቐነዩ። ግዳስ ብዛዕባ ካልእ ኤርትራ ደኣ ይዛረቡ ከይህልዉ እምበር፥ ብዛዕባ’ታ ኩሉ ሰብ ዝፈልጣ ኤርትራ እንተደኣ ደኣ ኮይኖምስ፥ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን-ኮረያ ብዝብል ቅጽል ከኣ ትፍለጥ እምበር፥ ጥዒሙዋን ርህዩዋን ዝብል ኣበሃህላስ፥ ከመይ’ሉ ካብ ኣፎም ይወጽእ ከም-ዘሎካ፥ ንዝሰምዐ ኩሉ ደንጽዩዎ’ዩ ዘሎ።

ግዳስ እዞም በሉ ተባሂሎም ክብሉ ዝቐነዩ ክልተ-ጳጳሳት። እቲ ዝለበሱዎ ጸሊም ክዳን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ሕዝቢ-ኤርትራ ጳጳሳት’ዮም ዘብል ዋላ ሓንቲ ኣሰር፣ ክረኽበሎም ዝኽእሉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። ስለዚ ከኣ’ዮም ናይቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ኤርትራ መዓርን ጸባን ዝዘንማ ዘላ ሃገር ‘ያ ብምባል፥ ኣብ ባይታ ዘየሎ ተዋስኦ ምህዝ ኣቢሎም፥ ሃለው ክብሉ ዝቐነዩ። በዚ ኩሉ’ዚ ከኣ እቲ ሕዝቢ ክሳብ ዝኣኽሎ ክዒቡዎም’ዩ። ወዮ ደኣ ኣይርድኦምን ኮይኑ’ዩ እምበር፥ “-ዕዉራት ሓኻይም ኢኹም-” ተባሂሉ’ውን ኣብ ገጾም’ዩ ክንገሮም ዝቐነየ።

ይኹን እምበር እቲ ሰብ ዘይክእሎ ጸበባን መከራን ተሰኪሙ፥  መወዳእታ ኣለዎ ኣብ ዘይበሃል ውርደትን ሕሰምን፥  ተሸሚሙ ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ-ኤርትራ ግና፥ ቁስሉ ስለ-ዝጐድኡዎ ደኣ፥ ብነድሪ ተላዒሉ ኣፍ-ኣፎም ከትሕዞም ቀነየ እምበር፥ነቲ ተጻዒኖሞ ዝመጹ ሕሱር ፕሮፖጋንዳ፥ ክሰምዖ ኮነ ክርእዮ ዝደሊ ኮይኑ ኣይተረኽበን። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ኣብ መራኸቢ ብዙኃን፥ ግልጺ ኮይኑ ክርአ ዝቐነየ ብምዃኑ፥ ኣታሊሊሎም ክሓልፉሉ ዝኽእሉ ነቓዕ ክረኽቡ ይኽእሉ’ዮም ኣይንብልን። ድሕሪ ደጊም ከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ዝኣመሰሉ፥ ብጸሊም ክዳን ዝተሸፈኑ ካድረታት፥ ዝሕቡኡሉ በዓቲ ክርከብ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ግዳስ ንማለቱ ደኣ፥ ስም ክልተ-ጳጳሳት ጠቒስና እምበር። ኣብቲ ብኣባ-ሉቃስ ዝግበር ዘሎ ናይ ፖለቲካ ጸወታ፥ ኣባ-ቄርሎስ ዝፈልጡዎ ነገር ኣሎ’ዩ ኢልካ ክዝረብ ይከኣል’ዩ ኣይንብልን። ከመይሲ ንሶም ኣባ-ቄርሎስ፥ ብኃይሊ-ንፋስ ተደፊኣ ከም-እትንቀሳቐስ መርከብ፥  ናብዝን ናብትን እናበለ ዝገላበጥ ባህርያት ዘለዎም ደኣምበር፥ ዘእትዎምን ዘውጽኦምን ፈሊጦም ክጐዓዙ ዝጸንሑ’ዮም ዝብል ታሪኽ ከም-ዘይብሎም፥ እቶም ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ቅርበት ኣለዎም ዝበሃሉ ኩሎም፥ ኣረጋጊጾም ዝፈልጡዎ ሓቂ’ዩ።

ስለዚ’ውን ንሶም እቶም ኣብ ኩሉ ኣለዉ ዘይበሃሉ ኣባ-ቄርሎስ፥ ብዛዕባ’ቲ ኣባ-ሉቃስ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም፥ ዝገብሩዎ ናይ ፖለቲካ ጸወታ፥ ይኽፋእ ይጸብቕ ዝፈልጡዎ ነገር ኣለዎም ዝበሃሉ  ኣይኮኑን። ኣባ-ሉቃስ ግና ካብ ጳጳሳት ተነጺሎም፥ በይኖም’ዮም ተሪፎም ከይበሃሉ ስለ-ዝሰግኡ፥ ንዕኦም ነባ-ቄርሎስ ከም ባልጃ ኣንጠልጢሎሞም ክመጹ ከም-ዝተገደዱ፣ ምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን። ብዝተረፈ ንሶም ኣባ-ቄርሎስ ግና፣ ዝፈልጡዎ ነገር ኣለዎም ዝበሃሉ ኣይኮኑን። ትማሊ ዝፈልጡዎ ነገር ኣይነበሮምን፥ ሎሚ’ውን ተበገስ ስለ ዝተባህሉ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ብዛዕባ’ቲ ዝበሃል ኮነ ዝግበር ኩሉ፣ ዝፈልጡው ነገር ኣለዎም ዝበሃሉ ኣይኮኑን።

ከምኡ ስለ-ዝኾኑ ድማ’ዮም፥ ኣብዚ ሎሚ-ቕነ ኣብ ሃገረ-ኖርወይ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባታት፥ ኣባ-ሉቃስ ኣንጻር ፓትርያርክ-እንጦዮስ፥ መርዛም ዝኾነ ቃላት ተጠቒሞም ከጸልምዎም ክስምዑ ከለዉ። ኣባ-ቄርሎስ ግና ብኣንጻሩ “-ቅዱስ-ኣቦና-” እናበሉ’ዮም ምስ ፓትርያርክ-እንጦንስ ዘለዎም ምድንጋጽ ክገልጹ ዝተሰምዑ። በዚ ድማ ምስ ኣበሃህላ ኣባ-ሉቃስ፥ ተሳንዩ ዝኸይድ ኣቕዋም ክህልዎም ይደልዩ ከም-ዘይነበሩ፣ ግልጺ ኮይኑ ክርአ ቀንዩ’ዩ።

እቶም ኣገልጋሊ-ክርስቶስ ካብ ምዃን፥ ኣገልጋሊ’ቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ክኾኑ፥ መሥመሮም ኣነጺሮም ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ ግና፣ ንሶም በይኖም ካብ ኩሎም ጳጳሳት ተፈልዮምን ተነጺሎምን ክኸዱ ምድላዮም፥ግልጺ ኮይኑ ይርአ ስለዘሎ። ከም ሓደ ናይ ፖለቲካ ካድረ መጠን፥ ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንምፍራስ፥ ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ ምትእትታው፥ ኣብ ቅድመ-ግንባር ዝስለፉ፥ ዋና-ተዋናዪ ኮይኖም እንተ ተረኽቡ ዘገርም ኣይኮነን። ከምቲ “-መሸጥ የለመደ እናቱም ያስማማል-” ዝበሃል። ንሶም ድማ ከም በዓል ድኳንን፥ ናይ ዕዳጋ ሰብን ምዃኖም መጠን። ምስቲ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ንምፍራስ፥ ብዘይ ምቁራጽ እሾኽ ኣብ ምዝራእ ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ-ኃይሊ፥ ተሰሊፎም እንተ-ተረኽቡ ከገርም ዘይክእል ስለዚ’ዩ።

እቶም ናይ ዕዳጋ ሰባት ድማ፥ መኽሰብ ብኸመይ ይርከብ እምበር፥ እቲ ከይብሉኒ ዝበሃል ኣበሃህላ፥ ንዕኦም ክርድኦም ዝኽእል ቋንቋ ኣይኮነን። መኽሰብ ዝርከቦ ይኹን እምበር፥ ዝኾነ ነገር ካብ ምብግባር ንድሕሪት ዝምለሱ ኣይኮኑን። ኣባ-ሉቃስ ድማ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ፍሉጥ እዮም። ንኣብነት ቅድሚ 8-ዓመት ኣቢሉ ይገብር፥ ንኣሜሪካ መጺኦም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ። ምንም ዝፈልጡዎ ነገር ከይሃለወ። በቶም ሰብ-ፖለቲካ በሉ ስለ-ዝተባህሉ ጥራይ “…ተሃድሶ ዝበሃል ሃይማኖት ወጺኡ ኣሎ….” ብምባል፥ ሓዊ ዘሪኦም ከም-ዝኸዱ ዝዝከር እዩ። እንሆ ከኣ እቲ ሽዕኡ ዝኣጐዱዎ ሓዊ፥ ነታ ዘይተዓደለት ቤተ-ክርስቲያንና፥ ከም ሕዱር-ሰዓል ኮይኑ ከማስናን ክሳቕያን ይርከብ ኣሎ።

ተሃድሶ ዝብል ስም ሒዙ ዝተበገሰ ሃይማኖት ግና፥ ክሳብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ኣሎ ክበሃል ኣይተሰምዐን። ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶ ሕንፍሽፍሽ ኣእቲኻ ንምፍራሱ፥ ከም ስልቲ ክጥቀሙሉ ስለ-ዝተመርጸ ግና፥ ኣቐድም ኣቢሎም እቶም ሓለፍቲ ሃማመተኤ ዝነበሩ በዓል ሙሐዲን ሸንገብ፥ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ከቀላቕሉዎ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። ኣባ-ሉቃስ ድማ ብዛዕብ’ዚ፥ ዝኾነ ኣፍልጦን ርድኢትን ከይሃለዎም፥ በዓል ናይዝጊ ክፍሉ በሉ ስለ-ዝበሉዎም ጥራይ፥ ከም መንገራራሕታ እምኒ ፈንዮም ዝደርበዩዎ ዘረባ፥ እንሆ ነታ ወናኒት ፊደልን ቋንቋን ታሪኽን ዝኾነት፥ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንና ነንሓድሕዳ ከም እትባላዕ ገይሩዋ ይርከብ ኣሎ። ኣባ-ሉቃስ ግና ብታሪኽ ከሕትቶም ዝኽእል ከቢድ ገበን ፈጺሞም ክብቅዑ፥ መሊሶም ሕጂ ድማ ብተግባሮም ዝጠዓሱ ኮይኖም ዘይምርካቦም፥ ክንደይ’ኳ ዘሕዝን’ዩ።

ብዝተረፈ እቲ ካልእ ዘገርም ዘረብኦም’ውን። ማለት ኣብቲ ኣብ ሃገረ-ኖርወይ፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብዝምልከት ቀሪቡሎም ዝነበረ ሕቶ ክምልሱ ከለዉ “…እቲ ሲኖዶስ ካብ ሥልጣኖም ከውርዶም ዝኸኣለ፥ ምስተን ብኣቡነ-መቃርዮስ ዝምርሓ እሞ፥ ብደቂቀ-እንጦንዮስ ዝፍለጣ፥ ኣብ ሰሜን-ኣሜሪካ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ምትሕብባር ከም-ዘለዎም ስለ-ዝተፈልጠ’ዩ…” ብምባል’ዮም፣ ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ክሳነ ዘይክእል፣ ብዕራይ ወለደ ዝዓይነቱ ክብሪ ዘይብሉ ቃላት፥ ምህዝ ኣቢሎም ክዛረቡ ዝተሰምዑ።

ግዳስ እቲ ካብ ኣሥመራ ክብገሱ ከለዉ፥ ብሃይማኖታዊ-ጉዳያት ዝተዋህቦም መምርሒ ደኣ ከምኡ ይበል እምበር፥ እቲ ሓቅስ ከምቲ ንሶም ዝበሉዎ ከም-ዘይኮነ፥ ባዕሎም ኣባ-ሉቃስ’ውን ክኽሕዱዎ ይደፍሩ’ዮም ኣይንብልን። ከመይሲ እዚ ጉዳይ’ዚ ምስ ብፁዕ ኣቡነ-መቃርዮስ፥ ዝኾነ ምትሕሓዝ ከም-ዘይብሉ፥ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል’ዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) እቲ ብኃይሊ-ፖለቲካ ተደፊኡ ወይ ተሳሒቡ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሲኖዶስ፥ ነቶም ፓትርያርክ ነገሮም ክደልዮም ከሎ፥ ኣቡነ-መቃርዮስ ድሮ ካብ ኣሥመራ ወጺኦም፥ ተቐማጢ ሰሜን-ኣሜሪካ ካብ ዝኾኑ፥ ነዊሕ ዓመታት  ኮይኑዎም ነይሩ’ዩ።

እቲ ካልእ ኣባ-ሉቃስ ዝበሉዎ ዘገርም ዘረባ ድማ፥ “… ውዳሴ-ማርያም ንዘይጽንዑ ኣብ ተሓድሶ ዝተረኽቡ፥ ዲቁና ሂቦም ስለ-ዝተረኽቡ ካብ ሥልጣኖም ኣሊና ኣቐሚጥናዮም ኢሎም ከብቅዑ። መሊሶም ድማ ካብ ኩሉ ካልእ ሥልጣን ኣሊናዮም ኢሎም ክብቅዑ፥ ዲቁና ክህቡ ጥራይ ግና ፈቒድናሎም…” ዝበሉዎ ኣበሃህላ እዩ።  እዚ ነንሓድሕዱ ዝተዋቕዐ ዘረባ’ዚ ግና፥ ጽባሕ ንዕኦም ንባዕሎም ዘሕትቶም ኮይኑ ክርከብ ከም-ዝኽእል፥ ርግእ ኢሎም ክሓስቡሉ ዝኸኣሉ’ውን ኣይመስሉን።

ብዝተረፈ እቲ ኣባ-ሉቃስ፥ ንጉዳይ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኣመልኪቶም፥ ዝበሉዎ ካልእ ዘስደምም ዘረባ ድማ፣ “….እቲ ዓቢይን ከቢድን ነገር ኣይተገልጸን፥ ከመይሲ ኣበሳ ወላዲ ገሊጽካ ክዝረብ ኣይግባእን እዩ…” ዝበሉዎ ኣበሃህላ እዩ። ፣ ማለት “…ልቢ ብምዕባይ ዓይንና ዓሚትና ክንሓልፎ ደሊና እምበር፥ እቲ በቶም ፓትርያርክ ዝተፈጸመ ጉድለትሲ፥ ዓው ኢልካ ክዝረበሉ ዘይከኣል ከቢድ ገበን’ዩ….” ብምባል’ዮም ከእምኑና ዝደልዩ ዘለዉ። ግዳስ ነዚ ካብ ሓቂ ፈጺሙ ዝረሓቐ ኣበሃህላ’ዚ፥ ዝበሉ እንተ-በሉ’ውን ኣሚኑ ክቕበሎም ዝደሊ፥ ይርከብ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ነዚ ዘረጋግጽ ጭብጢ ከም-ዘይብሎም ከኣ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ኣረጋጊጹ ይፈልጥ’ዩ። ንሶም’ውን ወዮ ደኣ ናይ ዕዳጋን ረብሓን ኮይኑዎም’ዩ እምበር፥ እቲ ሓቅስ ንሶም ባዕሎም ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ እዮም።

ከመይሲ እቲ ኣብ ትሒቲ ትእዛዝ፥ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ከም- ዝቕመጥ ኮይኑ፥ ትልኽ እናበለ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ጉጅለ-ጳጳሳት። ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ተልእኮ ፖለቲካ ንምፍጻም ክብል፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብጐነጽ ካብ ሥልጣኖም ኣውሪዱ፥ ኣብ ማሕዩር ዓጽዩ ከቐምጦም ከሎ፥  ኣብ ኑፋቄ ስለ-ዝተረኽቡ ብዝብል ውንጀላ፥ ዝርዝር መግለጺ ኣውጺኡ ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ’ዩ። ስሞም ንምኽፋእ ይሕግዝ’ዩ ዝበሎ፥ ዘሎን ዘየሎን ቃላት ብምጥቃም’ውን፥ ከጥብቐሎም ዘይፈተኖ ነውሪ ኣይነበረን። እዚ ኩሉ’ዚ ክበሃል ከም-ዘይጸንሐ ድማ፥ ሕጂ ግልብጥ ኢሎም ኣባ-ሉቃስ “-ኣበሳ ወላዲ ንዘይምግላጽ፥ እቲ ዓቢይን ከቢድን ኣበሳ ሰቲርናዮ ኣሎና-” ዝብልዎ ዘለዉ ኣበሃህላ፥ መን’ዩ እሞ ሕጂ ኣሚኑ ክቕበሎም ወይ ክሰምዖም ዝኽእል-?!

ኣብዚ ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ ግና፥ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፥ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ይመርሖ ብዝነበረ ጉጅለ-ጳጳሳት፥ ብዓመጽን ኣድማን ተጐኒጾም ካብ ሥልጣኖም ከም-ዝእለዩ ክግበር ከሎ፥ እቲ ከም ምኽንያት ዝቐረበሎም ክሲ፥ ብቐጥታ ንዕኦም ዝምልከት ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ቀንዲ ተኸሳሲ ዝነበረ።  እቲ ኣብ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ዝካየድ ዝነበረ ጉባኤ ኮይኑ፥ ንሶም እቶም ፓትርያርክ ግና፥ ነዚ ጉባኤ’ዚ ደጋፊ ኮይኖም ብምርካቦም፥ ከምኡ’ውን ንኽውግዙዎ ወይ ክዓጽዉዎ፥ በቶም ሰብ-ፖለቲካ ማለት ብበዓል ናይዝጊ ክፍሉ ዝቐረበሎም ትእዛዝ ወይ ሕቶ፥ ንከተግብሩዎ ፍቓደኛ ኮይኖም ብዘይ ምርካቦም ምዃኑ ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ’ዩ።

እዚ ጉዳይ’ዚ ማለት እቲ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ዝካየድ ዝነበረ፥ ናይ ትምህርቲ ሰንበት ምንቅስቓስ። ነቶም ሰብ-ፖለቲካ ዘቕስኖም ኮይኑ ይርከብ ከም-ዘይነበረ፥ ብዓይኒ’ቶም ንቕሓት ዝነበሮም ዉሉደ-ክህነትና፥ ግልጺ ኮይኑ ክርአ ጸኒሑ’ዩ። ማለት መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ክእከቡ ምርኣይ፥ በቶም ሰብ ፖለቲካ ከም ከቢድ ሓደጋ ክርአ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ። ስለዚ’ውን በቲ “ሃማመተኤ” ዝበሃል ዝነበረ፥ መጋበሪ’ቲ ፖለቲካዊ ሥርዓት ዝኾነ ናይ መንእሰያት ማኅበር ኣቢሉ፥ ንንጥፈታት ትምሀቲ-ሰንበት ንምድኻም ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንምፍራስ ዝዓለመ፥ ብዙሕ ፈተነታት ክካየድ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፥ ኣብ ልዕሊ ደብረ-ጽዮን ቅድስቲ-ማርያምን፥ ደብረ-ብርሃን ሥላሴን ዝወረደ፥ ክሳብ መጽሓፍ-ቅዱስ ምንዳድ ዝበጽሐ ዕብዳን። ኣብዚ ፍጻሜ’ዚ ኢድ እቶም ሰብ-ፖለቲካ ከም-ዝነበረ፥ ከም መርትዖ ክቐረብ ዝኽእል ብዙሕ ጭብጥታት ኣሎ። ብዝኾነ እቶም ናይ ፖለቲካ-ፈረስ ኮይኖም ክጋልቡ ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ ግና፥ ንዘይፈልጡዎን ንዘይነበሩሉን ጉዳይ፥ ከም-ዝወዓሉዎ ኮይኖም ክዛረቡ ምርኣይ “….ኣታ እዞም ሰብኣይ እንታይ ወሪዱዎም’ዩ-!! ክሳብ ክንድዚ ታሕቲ ወሪዶም፥  ብኣሉታ ከገምቶም ኣብ ዝኽእል መድረኽ፥ ወዲቖም ዝተራእዩ ዘየብል ኣይኮነን።

ከመይሲ ንሶም ኣባ-ሉቃስ ጵጵስና ዝተቐብኡ፥ ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ክኸውን ከሎ። እቲ ኣብ ልዕሊ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ዝቐረበ ክሲ ዝጀመረ ግና፥ ገና ብንግሁኡ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንሶም ተራ-ፈላሲ ኮይኖም፥ ኣባ-ጽጌ እናተባህሉ ዓዲ-ቀይሕ’ዮም ዝነብሩ ዝነበሩ። ስለዚ’ውን ዝፈልጡዎ ነገር ኣይነበሮምን። “-ግዜ የሰጠው ቅል፥ ድንጋይ ይሰብራል-” ከም-ዝበሃል ስለ-ዝኾነ ግና፥ ኣብ ዓይኒ ትዕዝብቲ ከእትወኒ ይኽእል’ዩ ዝብል ስክፍታ ከይገበሩ፥ ኣፎም ዝሃቦም ክዛረቡ ይስምዑ ኣለዉ። ንኽብሪ’ቲ ለቢሶሞ ዘለዉ መዓርግ ክብሉ፥ ጥንቅቕ ክብሉ ብዘይ ምኽኣሎም ግና፥ ንሶም’ኳ እንተ-ዘይሓፈሩ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ግና፥ ኣብ ክንድኦም ኣይሓፈረን ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝተረፈ እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ገና ካብ ንግሆኡ እግሮም እትው ከይበለ፥ ሓንቲ ርእሳ ዝኸኣለት ብንቕሓት እትልለ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክርእዩ ካብ ዘይምድላዮም ዝተላዕለ፥  ነቲ ብኹሎም ኦርቶዶክሳውያን ከም ትንሣኤ-ተዋሕዶ ዝርአ ዝነበረ፥ ብሓልዮት መንእሰያት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ዝግበር ዝነበረ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት። ህልውንኡ ደምሲሶም ከጥፍኡዎ፥ “ኣንሥእ ኃይለከ” ኢሎም’ዮም ዝተላዕሉ። በዚ ድማ ነቶም ተጋደልቲ ነበር ኢና በሃልቲ፥ ከም በዓል ኣባ-ተስፋልደትን ቀሺ-ታደሰን ዝኣመሰሉ ብምውዳብ፥ ነቲ ክካየድ ዝርአ ዝነበረ ኣገልግሎት ንምዕጋት፥ ዘይኰዓትዎ ጉድጓድን ዘይፈንቀሉዎ እምንን ኣይነበረን።

መወዳእታኡ ድማ፥ እቲ ሆሆ-!! እናተባህለ፥ ብበዓል ናይዝጊ ክፍሉ ዝሳወር ዝነበረ ሓዊ፥ ቃልቃል ኢሉ ነዲዱ ኣብ ኩሉ ምስ ኣባጽሑዎ፥ ነቲ ጉዳይ ዝርኢ ሓደ ጉባኤ ክግበር፥ ዝብል ጸቕጢ ኣብ ምግባር ከም-ዝተጓየዩ ዝፍለጥ’ዩ። ከምዚ’ሉ ድማ ኣብ መንበረ-ፓትርያርክ፥ ነዚ ጉዳይ’ዚ ተባሂሉ ሓደ ጉባኤ ከም-ዝቐውም ምግባሩ ይፍለጥ። በዚ መሠረት’ዚ ድማ ኣብ መካነ-ሕይወት፥ 140-ዝኣክል ብነጥቢ ዝተታሕዘ ናይ ኑፋቄ ትምህርቲ ኣሎ ብምባል፥ በዓል ቀሺ-ታደሰ ከሰስቲ ኮይኖም ከም ዘቕረቡዎ ዝዝከር’ዩ። እስኪ እቲ ትብሉዎ ብዝርዝር ኣቕርቡዎ ምስ-ተባህሉ ግና፥ ኢዱን እግሩን ዘይፍለጥ ሕውስውስ ዝበለ ኮይኑ’ዩ ዝተረኽበ። ጽፈት ዘይብሉ ኣቀራርባ’ዩ ተባሂሉ በቲ ጉባኤ ምስ-ተነቕፈ ድማ፥ እቲ ቀሪቡ ዝነበረ 140 ናብ 45 ጎዲሉ ከም-ዝቐርብ ኮይኑ።

ብድሕሪ’ዚ ግና እቲ ጉዳይ፥ ብጉባኤ-ሊቃውንቲ’ዩ ክርአ ዝግብኦ ዝብል ድምፂ ስለ-ዝበርትዐ፥ እቲ ጉባኤ ብዝገበሮ ጸቕጢ፥ ግድን ኮይኑዎም ከይፈተዉ። ጉባኤ-ሊቃውንቲ ከም-ዝቐውም ኮይኑ። በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ’ዩ እቲ ዝቘመ ጉባኤ፥ ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነት ክርከቦ ዝኸኣለ። ንሱ እቲ ዝቖመ ጉባኤ-ሊቃውንቲ ድማ፥ ነቲ ብበዓል ኣባ-ተስፋልደትን ቀሺ-ታደሰን ዝቐረበ 45-ክሲ ተረኪቡ ኣብ ዳኝነት ምስ-ተቐመጠ። እቶም ብሃገራዊ-ድኅነት ዝድፍኡ ዝነበሩ ከሰስቲ። ነቲ ንሳቶም ኑፋቄ ዝብሉዎ ከረድኡ፥ መድረኽ ተዋሂቡዎም ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።

ንሳቶም ግና ክብሉዎ ዝኸኣሉ ኣይነበሮምን። ከመይሲ መጀመርታ ነቲ መድረኽ ’ቲ ዝምጥን ዓቕሚ’ውን ኣብኣቶም ኣይነበረን። ብኣውርኡ ድማ በቶም ሰብ-ፖለቲካ ተደፊኦም ደኣ’ዮም እምበር፥ ባዕላቶም ዝተበገሱሉን ካብኣቶም ዝነቐለን ኣይነበረን። መወዳእታኡ ድማ ኢዱን እግሩን ኣብ ዘይፈልጥዎ ጉዳይ ኣትዮም፥ ክብሉዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበሮምን። ብድሕሪ’ዚ እቲ ጉባኤ-ሊቃውንቲ፥ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ብመሠረት እምነት መጽሓፍ-ቅዱስን፥ ብመንጽር ትምህርቲ ኣቦታትን፥ ከምኡ’ውን  ትውፊት ቤተ-ክርስቲያን ምርኩስ ብምግባር፥ ዝኣክል መርመራን መጽናዕትን ድሕሪ ምግባር፥ “-ኣብቲ ዝቐረበ ክሲ ዝኾነ ናይ ኑፋቄ ትምህርቲ ኣይረኸብኩን-” ኣብ ዝብል መደምደምታ ምስ-በጽሐ ከኣ’ዩ፥ ነቲ መዝገብ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዓጽዩ ከቐምጦ ዝኸኣለ።

እዚ ከኣ ዮፍታሔ ኮነ፥ እቲ ከይሲ ዝኾነ ሃብቶም ርእሶም፥ ቀዳዲዶም ደርብዮሞ እንተ-ዘይኮይኖም፥ እቲ ኣብ መንበረ-ፓትርያርክ ዝርከብ፥ ናይ ትማሊ ታሪኽና ከረግግጾ ዝኽእል ሓቂ እዚ’ዩ። ኣባ-ሉቃስ ግና ብሱሩ’ውን ነዚ ታሪኽ’ዚ ክፈልጡዎ ዝኽእሉ ኣይኮኑን፥ ስለዚ’ውን ኢዶምን እግሮምን እርንብ ኣቢሎም፥ ክቕመጡ እንተ-ዝኽእሉ’ዩ ከጸብቐሎም ዝኽእል ዝነበረ። ከመይሲ ኣብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ኣይነበሩን። ዝፈልጡዎ ከኣ የብሎምን። ግዳስ እቲ እርንብ ኢልካ ክብርኻ ምሕላው፥ ንኹሉ ክኾነሉ ይኽእል’ዩ ስለ-ዘይበሃል፥ ንዕኦም’ውን ክኾነሎም ኣይከኣለን። ስለዚ’ዮም ሕጂ’ውን ናይቲ ጸረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ኣቕዋም ዘለዎ ሥርዓት፥ ኣፍራሲ ተልእኮ ንምፍጻም ክብሉ፥ ክሳብ ኤውሮጳ እናተሃንፈፉ መጺኦም  ዘይዝሩብ ክዛረቡ፥ እቲ ሕዝቢ ብኣንክሮ ዝሰምዖም ዘሎ።

እምበኣርከስ እቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሓበን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝነበሩ፥ ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፥ ቀሪቡ ዝነበረ ክሲ ወይ ጸለመ፥ እንድሕሪ ብጉባኤ ሊቃውንቲ ኑፋቄ ዝበሃል ነገር የልቦን ብዝብል ውሳኔ ተዓጽዩ ደኣ፥ ብድሕር’ዚ እቶም ፓትርያርክ ኣቡነ-እንጦንዮስ ኮኑ፥ ወይ እቶም ንልዕሊ 13-ዓመት መመላእታ ተመቝሖም ዝርከቡ ዘለዉ፥ ቀሲስ ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ፥ ቀሲስ ዶክተር ፍጹም-ብርሃን ገብረ-ንጉሥ፥ ቀሲስ ዶክተር ተክለ-ኣብ መንግሥተ-ኣብ፥ ኣብ ምንታይ ተረኺብኩም-? ወይ ነየናይ ኣንቀጽ ጥሒስኩም ተባሂሎም ’ዮም፥ ኣብ መቝሕ ከም-ዝበልዩ ዝግበር ዘሎ-?! እዚ ሕቶ’ዚ ግና ንሃገራዊ-ድኅነት ክሓቱ እንተ-ዘይኮይኖም፥ ኣባ-ሉቃስ ባዕሎም ክምልሱዎ ዓቕሞም ከም-ዘይኮነ  ርዱእ ‘ዩ።

ብመሠረቱ ክርአ ከሎ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስቲያን’ዩ ክዳነ ዝግብኦ ዝነበረ እምበር፥ ሰብ-ፖለቲካ ኢዶም ክመልሱሉ ዘኽእሎም ነቓዕ ክኽፈተሎም ዝግባእ ኣይነበረን። እቲ ንሓላፍነት ብቕዓት ነይሩዎ ዘይበሃል፥ ብማዕበል ፖለቲካ ተደፊኡን ተሳሒቡን ዝንቀሳቐስ ዘሎ፥ ኣባ-ሉቃስ ዋና-ኣማሓዳሪ ኮይኖም ዘሽከርክሩዎ ዘለዉ ጉጅለ-ጳጳሳት ግና፥ እቲ ጉባኤ-ሊቃውንት “- ኣብ መካነ-ሕይወት ኑፋቄ ኣይረኸብኩን-” ብምባል ክታሙ ኣንቢሩ ዓጽዩ ዘቐመጦ መዝገብ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ሰላም ከይትረክብ ተባሂሉ፥ እንሆ ባሕሪ ተሳጊሮም ክሳብ ኤውሮጳ ብምምጻእ፥ ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ኮነ፥ ነቶም ከም ከዋኽብቲ ዘንጸባርቑ ዝነበሩ ካሕናት መካነ-ሕይወት። ዘይስሞም ስም ሂቦም ከጸልሙዎም ይርከቡ ኣለዉ።

ብዝኾነ ዝናም እንተ ዘነመ፥ ወሓይዝ እንተወሓዙ፥ ምድሪ’ውን እንተ-ኣንቀጥቀጠት፥ ነታ ኣብ ጉንዲ ከርስቶስ ዝተሠረተት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ግና፥ እቶም ናይ ፖለቲካ-ፈረስ ኮይኖም ዘጋልቡ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ። ብዝኾነ ተኣምር ከፍርሱዋዋ ኣይክእሉን እዮም። ብርግጽ ድማ ኣባ-ሉቃስን ጎይቶት ኣባ-ሉቃስን ክሓልፉ እዮም። እታ ብብርቱዕ ናይ ፖለቲካ ማዕበል እናተሓቝነት ትርከብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያንና ግና፥ ብዓወት ከም-እትወጽእ ኣብቲ ልዑል ኣምላኽ ዘሎና እምነት ጽኑዕ’ዩ። እቶም መዓርጎም ኣብ ዘዋርድ ተግባር፥ ተዋፊሮም ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ ግና፥ ንሕና ዘይኮናስ እቲ መጽሓፍ ባዕሉ “-ኣብ ሚዛን ተመዚንካ ቀሊልካ ተረኸብካ-” እዩ ዝብሎም ዘሎ። እዚ ከኣ እቲ ውሉደ-ክህነት ትኽ ብትኽ ኣብ ገጾም መጺኡ ክነግሮም ቀንዩ’ዩ። (ዳን.5/25-

ብዝተረፈ እዚ ጉዳይ’ዚ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ባዕላ ኣብ ዝጸውዓቶ ጉባኤ፥ ኣብ  1992 ዓ/ም (2000) እቶም ዓበይቲ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ሊቃውንቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ። ከም በዓል መምህር ተወልደ-ብርሃን፥ መጋቤ-ምሥጢር መብራህቱ፥ መምህር ዓምደብርሃን ዘለዉዎ። ኣብ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም ዝወሃብ ትምህርቲ፥ ኣብ ሓቀኛ እምነት ተዋሕዶ ዝተሠረተ፥ ፍጹም ኦርቶዶክሳዊ ደምበር፥ ዝኾነ ምስ ኑፋቄ ዘራኽብ ትምህርቲ የብሉን ተባሂሉ። ብደረጃ ጉባኤ-ሊቃውንቲ ውሳኔ ተዋሂቡዎ፥ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝተዓጽወ ጉዳይ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ።

ኣብ 1998 ዓ/ም (2006) ግና፥ እቶም ሰብ-ፖለቲካ ነታ ዋና ዝሰኣኑላ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ። ብዘለዎም ኩሉ ናይ ጐነጽ ኃይሊ ተጠቒሞም፥ ከም-እትዳኸም ድሕሪ ምግባር፥ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ኣእትዮም ክሕዙዋ እንተደኣ ኮይኖም፥ እቲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ምሁራን ዘይዋስኡሉ ንምግባር። ኣበርቲዖም ክንቀሳቐሱ ነይሩዎም። ከም ውጽኢት’ዚ ኩሉ ከኣ’ዩ፥ እቲ ትንሣኤ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ከበሥር ተስፋን ትጽቢትን ተገይሩሉ ዝነበረ፥ ምንቅስቓስ መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፥ ብኃይሊ-ፖለቲካ ተደፊኡ ካብቲ መድረኽ ከም-ዝእለን፥ እቶም ተስፋ ትንሣኤ ተዋሕዶ ክኾኑ ትጽቢት ተገይሩሎም ዝነበረ፥ ሠለስተ ብሉጻትን ምሩጻትን ካህናት ድማ፥ ንልዕሊ 13-ዓመት መመላእታ ኣብ መቝሕ ከም-ዝበልዩ ተገይሩ ዘሎ።

ግዳስ ወይለኦም ደኣ በዓል ኣባ-ሉቃስን፥ ጎይቶት ኣባ-ሉቃስን እምበር፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶስ “-ተፈሳሕነ ወተሓሰይነ በኩሉ መዋዕሊነ፥ ወተሓሰይነ ህየንተ መዋዕል ዘኣሕመምከነ፥ ወህየንተ ዓመት እንተ ርኢናሃ ለእኪት-” ብምባል፥ ኣምላኻ እተመስግነሉ ሰዓት ርሑቕ ከም-ዘይከውን፥ ከም-ውዱእ ተወሲዱ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ይኹን እምበር ኣብታ እግዚኣብሔር ዝዛረበላ ሰዓት ግና፥ ኣባ-ሉቃስን ጎይቶት ኣባ-ሉቃስን፥ ኩላቶም ብሓባር ብሕይወት ክጸንሑ’ሞ፥ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ፥ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሱባኤ ሒዛ እትጽልዮ ዘላ ጸሎት’ዩ። ብዝኾነ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ኣብዚ ወዲአ’የ። ምስ ኣባ-ሉቃስ ዘሎ ጉዳይ ግና፣ ተወዲኡ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ስለ-ዝኾነ’ውን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክምለሶም እየ’ሞ፣ ንቑሩብ ግዜ ጥራይ ተዓጊሶም ይጸበዩኒ-!!

 

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ-ኣበዊነ

ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

 

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

                      ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ  ጀርመን

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde December 13, 2018

    The metastatic politics of HGDEF, it doesn’t even spare the virginity of St. Mary.

  • abrahaley December 15, 2018

    what do you mean sir ? you must be pedantic and arrogant ! try to solve your own problem than meddling in the religious affairs .unfortunately, the leaders in the church are selfish too.just to gather fans around them they don’t have fear of GOD themselves only thirst of power,inappropriate respect from the laity and money.

POST A COMMENT