Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዓልቲ ቤቱ ንስዉእ ጅግና ወዲ ዓሊ ምስ ክልተ ደቃ ካብ ምንጋጋ ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም ከምዝኣተወት ተፈሊጡ።

ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ‘ዚ (ጥሪ 21 2013) ኣብ ውሽጢ ኣስመራ፣ ኣብ ዝተኻየደ፣ ብ”ስርሒት ፎርቶ” ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንለውጢ መሪሑ ብጅግንነት ዝተሰውኤ፣ ኮሌኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) በኺታ እድሪስ

ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ‘ዚ (ጥሪ 21 2013) ኣብ ውሽጢ ኣስመራ፣ ኣብ ዝተኻየደ፣ ብ”ስርሒት ፎርቶ” ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንለውጢ መሪሑ ብጅግንነት ዝተሰውኤ፣ ኮሌኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) በኺታ እድሪስ ዑመር፣ ምስ ክልተ ደቃ፣ ሪሃም ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ከምኡ ‘ውን ሪም ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ካብ ምንጋጋ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣምሊጣ ብሰላም ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወት ምንጭታት ሓቢሮም።

ንሳ ኣብቲ ፈለማ ዘምለጠትሉ ሱዳን ንገለ ኣዋርሕ ብስቱር ተዓቝባ ድሕሪ ምጽናሕ ብምትሕብባር ግዱሳት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገረት ከኣ ተፈሊጡ ‘ሎ።

እቲ ምስ ካልኦት ተባዓት ብጾቱ፣ ኣብ ሕምብርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ክትግበርን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ዝብሉ ጠለባት ዝርከቡዎም ናይ ለውጢ ዛዕባታት ብመንገዲ መደበር ቴለቭዥን ስርዓት ህግደፍ ብምእዋጅ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘይመስል ዝነበረ ቅሉዕ ተቓውሞ ዘግሃደ ወዲ ዓሊ ካብ ዝተሰውኣሉ ዕለት ኣትሒዛ፣ ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ በኺታ፣ በቲ ሓደ ብስርዓት ህግደፍ ብዝወርዳ ዝነበረ ጸቕጢ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ መስዋእቲ ቃልኪዳና ካብተን ትሕቲ ዕድመ ደቃ ክትክውል መሪር ኣዋርሕ ከምዘሕለፈት እቶም ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

ድሕሪ መስዋእቲ ኮለኔል ወዲ ዓሊ፣ ብዓልቲ ቤቱ፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ካብቲ ኣብ ከረን ምስተን 13 ን 11ን ዝዕድሚኤን ኣዋልድ ደቃ ሰፊራትሉ ዝነበረት መንበሪ ገዛ፣ ከም‘ውን ካብቲ ተዋፊራትሉ ዝነበረት ሞያ ምምህርና ብህግደፍ ከምዝተሰጎገት እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ጅግና ወዲ ዓሊ ምስ ብጾቱ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዘካየዱዎ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ብኡንብኡ ‘ኳ እንተዘይተዓወተ፣ ኣብ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ዘይሃስስ ኣሰር፣ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ከኣ ናህሪ ፈጢሩ እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ብዘይካ ‘ቲ ንወዲ ዓልን ብጾቱን ብምስዓብ ዕመሪ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘይምሕጻርና ከቢድ ዕዳ ከምዘለና ዝተሰመዓና ጣዕሳን ሻቕሎትን፣  ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ዝኣተዎ ኣገዳሲ መብጽዓ እንተነይሩ፣ ነቲ ስዉእ ወዲ ዓሊ ዘጓሃሃሮ ቃልሲ ብዝለዓል መንፈስ ምቕጻል፣ ማዕረማዕሪኡ ኸኣ ነቶም ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ክብል ብዘይናባዪ ዝገደፎም ስድራቤቱ ምሕብሓብ እዩ። እንሆ ኸኣ እዋኑ መጺኡ ‘ሞ፣ ምእንቲ ፍትሕን ምእንቲ ሕልናናን በብዓቕምናን በብኽእለትናን ንስድራቤቱ ንጠውሮም።

ቅድሚ ኹሉ ብዓልቲ ብቱን ደቁን ናብ ውሑስ ዝኾነ ቦታ ተሰጋጊረን ሰላማዊ መነባብሮአን ዝመርሓሉን ባይታ ምጥጣሕ፣ ደቁ ትምህርተን ከምዝቕጽላ ምግባር፣ ምስኡ ኸኣ ንጉዕዞአን ኮነ መነባብሮአን ፋንያንሳዊ ደገፍ ምብርካት፣ ብሓፈሻ ናይ ምንባየን ሓላፍነት ከም ህዝቢ ግቡእና ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
62 COMMENTS
  • Abraham December 29, 2013

    I am hoping to see her account opened soon do that I can do some thing I can to help her…. Just to morally satisfy my self.
    Thanks.

  • semere December 29, 2013

    Very much delighted to hear she saved her life and of the kids. We have moral obligation to support such families. When we rewrite our history Wedi Ali will reside among the top ones. This again is bad news for HGDEF and their goons. They think they are smart. But let them know that their chances for survival are exhausted.

  • sam December 29, 2013

    lets re write our hisory, lets support this hero’s family, Wedi Ali left them with us as he believed on us, please please please lets suport them.

    Assenna, as per usual suport please keep us posted on this matter.

    long lif to Wedi Ali!!

  • Tamrat Tamrat December 29, 2013

    Million Ethiopians directly or indirectly were sacrificed to unite or disunite Eritrea to Ethiopia. But in all good and bad times eritrean civilians have got a home like shelter from problems in Eritrea. And this will continue as long as there is a last one Eritrean who belives that the two Peoples can make it in Peace full Cooperation between the many ethnic Groups blood related Peoples separated by Colonial Powers. It is always heart touching hapiness to see eritreans who hate isaias deep to their bone marrows.

    • Seare December 29, 2013

      Here is a saying for you Ta’amrat.

      ‘Anafra Kokah zeyfelits Ayhadanayn’

  • abraham. December 29, 2013

    God bless you Amanuel Iyasu. Every day you come with a heart touching news It is use less to say oly vervaly my country my people. Sterech your hand to the needy. We have to support the family of our hero Wedi Ali. People like dr.Bereket can help them here to come to the US and people like Wedi Wakaro can help in money wise

  • Eritreawit December 29, 2013

    Thank GOD they are safe and what a beautful family.Thank you ASSENNA.COM for the good news.

  • meron December 29, 2013

    God has the best plan for eritrea.

  • Yonas okirlo December 29, 2013

    Yes Ethiopia is a safe heaven. I survived there.
    Freedom to kunama

  • Amil December 29, 2013

    ጂግና ሓሊፉ ተረከብቲ ታሪኩ ንሕና ምስ ዘን ከለተ ጽቡቃት ደቁን ንኣና ክበል ሓሊፉ።
    ደቁ ኣይዝክትማንየን፣ወረስቲ ሕድሪሎና ውዕል ኣሎና ምስ ኣቦኤን።
    ውዕል ኣሎና፣ መብጽዓ ኣሎና፣ምስ ወዲ ዓሊ።
    ንዓና ሎም ዘበን 2014 ዝዓበየት ህያብና 2 ደቅና ምስ ክብርቲ ኣዲኤን ምርካብናዩ።

  • Meretse Asmelash December 29, 2013

    ስድራቤት ጀግና
    ምሳኪ ኣሎና

POST A COMMENT