Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ዩክረይን ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ተሓሲቡ ዝነበረ 36 ናይ ጸረ ኣየር ሚሳይላት ብሰበሰልጣን ዩክረይን ከም እተታሕዘ ሲፊላውን ወተሃደራውንናኽበርቲ ሕጊ `ታ ሃገር ምግላጾም ተፈሊጡ።

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ዩክረይን ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ተሓሲቡ ዝነበረ 36 ስርሓት ራሻ ናይ ጸረ ኣየር ሚሳይላት ብሰበሰልጣን ዩክረይን ከም እተታሕዘ ላዕለዎት ሲቪላውን ወተሃደራውን ኣኽበርቲ ሕጊ `ታ ሃገር ትማሊ 27 መጋቢት ምግላጾም ኣብ ለንደን ዝመደበሩ janes.com

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ዩክረይን ናብ ኤርትራ ክሰጋገር ተሓሲቡ ዝነበረ 36 ስርሓት ራሻ ናይ ጸረ ኣየር ሚሳይላት ብሰበሰልጣን ዩክረይን ከም እተታሕዘ ላዕለዎት ሲቪላውን ወተሃደራውን ኣኽበርቲ ሕጊ `ታ ሃገር ትማሊ 27 መጋቢት ምግላጾም ኣብ ለንደን ዝመደበሩ janes.com ዝተባህለ ኣብ ጉዳያት ምክልኻል ዘተኩር መርበብ ሓበሬታ ሓቢሩ።

እቲ 5V27D ተባሂሉ ዝፍለጥ ሚሳይላት፡ መርመርቲ ዩክረይን ሚኮላቭ ተባሂላ ኣብ እትፍለጥ ወደባዊት ከተማ ናይታ ሃገር ተፍትሽ እናካየዱ ከለዉ ኣብ ሓደ መኻዚኖ ዝረከቡዎ ምዃኑ ኣብቲ ናይ ኣኽበርቲ ሕጊ ጸብጻብ ተመርኲሱ ይገልጽ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ መርመራ፡ ሮዞቦርን  ኤክስፖርት ዝተባህለ መንግስታዊ ትካል ሰደድ ሩስያ ምስ መንነቶም ዘይተፈልጠ ውልቀሰባት ተሓባቢሩ፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዝነበረ ኣህጉራዊ እገዳ ኣጽዋር ብምጥሓስ ናብ ኤርትራ ንምእታዉ ተዓሊሙ ዝነበረ እዩ።

ኣቕድም ኣቢሉ፡ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተበገሰ ናይ ወተሃደራዊ ርክብ መሳለጥያታት ብሕቡእ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ኣብ ጉዕዞ ከሎ ከምእተታሕዘ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT