Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዘይካኺ ዳስ የብልናን

ጥቅምቲ 07/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ጽላል ህዝቢ ኤርትራ ሃገርና ብዘይካኺ ዳስ የብልናን ንሕና ብጥራዩ’ይኮናን ኣምጺእናኪ ኣብ ቅድሜና የለን ዝሸጠኪ     ይፍትን ይኸውን ዛር ዘለዎ     ጭራ ናይ ኣብኡ መሲሉዎ     ሕሱር ፍጥረት ክብረቱ ዘርክስ     ንእዲ ሂቡ ኣብ መደብ ዝድቅስ ኣውሊዕ ምልክታ ዶ ትጥለም ዑፍ ዝመረጸቶ

ጥቅምቲ 07/2018

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ጽላል ህዝቢ ኤርትራ ሃገርና

ብዘይካኺ ዳስ የብልናን ንሕና

ብጥራዩ’ይኮናን ኣምጺእናኪ

ኣብ ቅድሜና የለን ዝሸጠኪ

    ይፍትን ይኸውን ዛር ዘለዎ

    ጭራ ናይ ኣብኡ መሲሉዎ

    ሕሱር ፍጥረት ክብረቱ ዘርክስ

    ንእዲ ሂቡ ኣብ መደብ ዝድቅስ

ኣውሊዕ ምልክታ ዶ ትጥለም

ዑፍ ዝመረጸቶ ቆጽሊ ቀደም

ናይ ሰላም ብስራት ባንዴራኺ

ምስክር ስምምዕ ናይ ደቅኺ

    ኣብ ዘይ ዳሱ ክኣቱ ዝፍትን

    ኣቦ ዳስ ኣለና ግዲ’ይብልክን

    ናይ ብሕሶት ዝብል ዓርከይ-ዓርከይ

    ዓረም ናይ ወረርቲ ምዉት ብተይ

ኣይጸንሕን’ዩ እዚ ውጥም ቅልቅል

ኣብ ዳስ ሰላም ዕግርግር ዝተክል

ዘይሓቅቕ እንተዝኸውን እዚ ሳምና

ሂተለር ሞሶሊኒ ምጸንሑና

    ደድሕሪኦም ናይ ኢሳያስ ዕጫ

    ዝተሰልበ ዕፉን ጥራይ ቃንጫ

    ቀሪብካ ኢኻ ገዛኻ ክትርእያ

    ከም ደርሆ ክትኣቱ ናብ ጋብያ

ኤርትራ ሃገርና ኣንቲ ኳዕናን

እወ ብዘይካኺ ዳስ የብልናን

ምውላድ’ሲ ወሊድኪ ወዱ ጓሉ

ካብ ባይቶ ዝሃድሙ ሓዊስክሉ

    ጨካን ፍጥረት መደበር ናይ ሕሰም

    ጸባ ላም ዝመሰሎ ንቐይሕ ደም

    ፊን-ፊን ዝብል መቕዘፍቲ ኣመሉ

    ኣብዛ ዓለም ቤተ-ሰብ ዘይብሉ

ብዓል ቆጽሊ ናይ ጨካናት ጭፍራ

ሕማም ሃገር ቲፎ ናይ ኤርትራ

ሓሳዊት ልሳኖም ሰላም ትብል

ኣጻብዕቶም ሓዊ ተቀባብል

    ብምስጢር ዝሰትዩ ዘይትድገም

    ብግህዶ ዘይፈትዉ ስዋ መርገም

    ወርቂ ናብ ክሳዶም ብዓል ከንቶ

    ምርዓት’ኳ ዳርጋ ገዲፋቶ

በቲኻቶ ’ታይ ክትስለመሉ

ኣብ ጥራይ ዳስ ኣሕዋታ ዘይብሉ

ሕጂ ግን ተሲአን ኣዴታታ

ከምታ ናይ ቀደመን ክምክታ

    ተላዒላ ዋዕሮ ጓለ ’ምበሳ

    ንብዓትን እልልን ሓዋዊሳ

    እቲ ንብዓት ነቶም ዘጥፍኣቶም

    እቲ እልል ነቶም ዘርከበቶም

ጥራዩ ክተርፍ እዚ ሬሳ

ሰኪዐት ዘይብሉ ገፋፍ ዓሳ

ኣይ ንሳ’ንዲዩ ፈሪሁዋ ነይሩ

እንሆ ’ርኪባቶ እግረ-እግሩ

    ተጀሚሩ ጒያ ናይ ’ዴታት

    ሕጂ’ኸ እንታይ ትብሉ ብዓል ጎታት

    ተላዒለን ደቂ ሕሉብ ስታይ

    ኣድኤን ኣምሪሐን ጓል ብዓታይ

   

እምም ኢለን ደቂ ስርናይ ማና

ነስገደት ኣምሪሐን ንመሞና

ኣይ ንሳ’ንድየ ካብ ቀደም ሓሊመ

ኣሰይ-ኣሰይ ተቐንጢጡ ግመ

    እምብዛ በዚሑ ወሰን-ወሰን

    ሕጂ’ዩ ምንእሰይ ዝእዘዘን

    ኣዴታትኩም ነቒለን ንቕድሚት

    ዕሰሉወን ከም ማርያም ድዓሪት

ኣይዞ ጎበዝ ንቕዲሚት ተሰለፍ

ነዲኡ ዘይፈቱ ድሕሪት ይትረፍ

ማርያም ናይ ቀደምና ትሕሸና

ኣሽሓት ጋሽኣ ደብረ-ሲና

    ቀደም ተመንየዮ ንመንእሰይ

    ሓዲግ ኰይኑ ኣይ ሕራይ/እምብለይ

    ተሸጊሩ መሬት ጸልሚታቶ

    ኣይ ሓቁ’ንድዩ ኣደ ድንጒያቶ

ወፊርኩም እተዉ ደቂ ወኒ

ዋላ ብዘይ ጥላም ብዘይ ሳእኒ

ዳስ ኢሳያስ ኣዋሳ ሲዳሞ

ናትና ’ስመራ ዝገረመ ’ግረሞ

    ዳስ ኢሳያስ ስዑዲ ዓረብያ

    ናትና ክኣ ኣብታ ዘለናያ

    ድሓን ውዓል ጽሓይ ዝዓረቦ

    ንሕና ኽኣ ’ብ ዳስና ለጋብ ስቦ

ኣዴታትኩም ወርቂ ናብ ክሳደን

ካበይ ’ተልኩም ካብ ክሳዱ ’ውሪደን

ንሳ’ዩ ዝረክብ ዘርኢ መርገም

ሃገር ሸይጡ ናይ ጥልመት ዝስለም

    ኣይ ንሳ’ንድየ ደልየ ሕጂ ሕራይ

    ዳስ ሃገረይ ተጀሚሩ ውራይ

    ጽሓይ ትዕረብ ኢሉ ዝመሓለ

    ከም ማሕልኡ ዓሪባ እንሃለ

ተመዓራረየ ኢሎም ዝደረፉ

ሕጂኸ እንታይ ’ሎም ይለፍልፉ

ኮቦሮ ዓርሚሙ ኢድ ’ምቢ ’ሉ

ኣብ ሰሙኖም ኩሉ ፋሕ-ሕ ኢሉ

    ኣደ ’ንተጀሚራ ከም ቀደማ

    ደድሕሪኡስ ግዲ ሻማ-ሻማ

    ድሕሪ ’ቦኻ ሞት ግዴኻ ንብላ

    ድሕሪ ’ደኸ እንታ’ዩ ምስላ?

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Gezae October 9, 2018

    Most of the so named Justice Seekers are liars,
    Saying anything to get their want desires.
    Their goal is supposedly to win,
    To lie even for their religious leaders is no sin,
    Whatever it takes they’ are ready to conspire.

    • Efrem T. October 9, 2018

      Indeed, brother Gezae the great.
      Most of the so-called just seekers or opposition are liars, opportunists
      useless, spineless, toothless, vision less, gutless and HADEMTI/TEBELETSITI/TSAHITSAHITI
      They are all stuck in their old dark barbaric Jebha/ELF mendef era, they can’t move on or change.

  • Sol October 9, 2018

    The cyber viruses of the mafia regime are desperately working hard to rescue the rotten head of DIA who is exposed to the core for being the enemy of Eritrean people sent by feudalists of Ethiopia to Eritrean field to sabotage the social fabric of Eritrean people. The irony is that, there are still some socially sick individuals who are suffering from identity crisis supporting him to fulfill his old mission but the Eritrean spirit, dignity and pride is there to crash the dream of DIA and socially sick supporters and will throw them to the garbage of history.
    Long live Eritrea and Eritresnd
    Down with DIA and his socially sick supporters.

Post a Reply to Sol Cancel Reply