Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዘይ ገበን ክጠፍእን ክሓስሞን ዝተፈርደ ህዝቢ

ኣብ ዝነብረሉ ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓደ ሰብ ንኽልተ ደማሙኡ ብጭካነ ስለዝቀተለ ብገበን ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ተቀጺዑ ዝብል ሓበሬታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ገሪሙኒ። ብርግጽ ቀታሊ ደማሙ ናብ ሕጊ ምቅራቡ ኣይኮነን ብርቂ

ኣብ ዝነብረሉ ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓደ ሰብ ንኽልተ ደማሙኡ ብጭካነ ስለዝቀተለ ብገበን ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ተቀጺዑ ዝብል ሓበሬታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ገሪሙኒ። ብርግጽ ቀታሊ ደማሙ ናብ ሕጊ ምቅራቡ ኣይኮነን ብርቂ ኮይኑኒ። ምኽንያቱ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ሰብን ዝኾነ ፍጡርን ኣከባብን ብኽብረት ስለዝተሓዝ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ከይጉዳእን ከይቅተልን ዝከላኸል ሕግታት ኣሎ። እንተኾነ ንቀታሊ ደማሙን ውሳኔ ቤት ፍርድን፡ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ብቃላት ንምግላጹ ዘደንጹን ዘሸግርን በደልን ኣደራዕን ከነጻጽሮ ምስፈተንኩ ግን፡ ቀኒአ፡ ኣስተማሲለን ጉህየን። ብዓይኒ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሰብን ትንፋስ ዘለዎ ፍጡርን ስለዘይቁጸር ዝኾነ መሰልን ክብርን የብሉን። ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝብና ዝፍጸም በብዓይነቱ ገበንን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብልሹው ምሕደራን፡ ንወጻእተኛታት ከተዕልሎም እንከለኻ “ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ” ዝብል ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ ይቀርበልካ። ነቲ ዘይንቡር በደል ጉጅለ ህግደፍ መብርሂ ክትህብ ኣብ ትፍትነሉ’ውን ነቲ ዝሃብካዮም መልሲ ወይ መብርሂ ዳግማይ ሕቶ የስዕቡልካ።  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህይወትን ኣሰራርሓን፡ ኩሉ ዘይንቡር ስለዝኾነ ብንቡር ክትገልጾ ዝከኣል ኣይኮነን። ኤርትራውያን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 25 ዓመታት፡ እቲ ዘይንቡር ኣሰራርሓ ህግደፍን ብተደጋጋሚ ስለዘጋጠመና ዳርጋ ከም ንቡር ኢና ርዒምናዮ።

ዝያዳ ዝገርም ግን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ መላኺ ኢሳያስ፡ ቤቱ ከየጽረየን ነቲ ሃገረይ ዝብሎን ብንቡር ከየማሓደረን፡ ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸገማትን ካልኦት ሃገራትን፡ ክወራዘን ክሕለቅን ክትሰምዕ እንከለኻ፡ “እምበርዶ ነብሱ ይፈልጣ’ዩ” ካብ ምባል ሓሊፍካ፡ “ጻሕላ ኣናሓረረስ ጻሕሊ ጎረቤታ ተኽውስ” ትብል። እቲ ካብ ኩሉ ዝሕዝን ድማ እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ባርባራዊ ኣገዛዝኣ፡ ሰብን እዝግን እናተዓዘቦን እናሰምዖን፡ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል’ያ” ዝብሉ ከውሒ ልቦምን ፈተውቲ ነብሶምን መዝሙር ህግደፍ ዝደግሙ ኤርትራውያን ምህላዎም’ዩ።  እስከ ካብተን ጉጅለ ህግደፍ ክስምዓ ዘይደልየን ሓቅታት፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ህዝብና ቀይደን ሒዘንኦ ዘለዋን ኣብ ካልእ ኩርናዕ ዓለም ዘይንቡራት ነጥብታት ሒደት ኣብነታት ንጥቀስ።

ቀዳማይ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1993 ኣብ እዋን ረፈረንዱም ድምጹ ምስ ሃበ፡ ድሕሪኡ ገጽ ምርጫን ድምጺ ምሃብን ተሓሪምዎ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ መራሕቱ ወይ ወከልቱ ንምምራጽ፡ ዝምርሓሉ ሕግታት ንምንዳፍን ንምጽዳቅን ካልእ ሃገራዊ ጉዳያትን ክዋሳእ ዝኾነ መሰልን ተራን የብሉን። ካብ ንእሽቶ ቁሸት ክሳብ ደረጃ ዞባ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዝመስረቶ ስለያዊ  መርበብን ምምሕዳርን ጥራሕ’ዩ ትእዛዝ ዝመሓላለፍን ውሳኔ ዝወሃብን። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ መላኺ ኢሳያስ፡ ብኢደዋኒኑ ሃገር ይሸይጥ፡ መንነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእቱን ንብረት ህዝቢ ይግብትን። ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ 5 ህዋሳት’ኳ እንተለዎ፡ ብግቡእ ንኸይጥቀመሉ ግን፡ ብጉጅለ ህግደፍ ለሚሰንን ተኣሲረንን’የን። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣካልን ብሕልናን ሕዩር’ዩ። ኣብ ገዛእ ሃገሩ ጓናን ዓባስን’ዩ።

ካልኣይ፡ ኣብ ኤርትራ ሰባት ብዘይ ምኽንያት ህጣሞም ምጥፋእን ምጭዋይን ቀሊል’ዩ፡ ናብ ቤቶም ግን ኣይምለሱን’ዮም። ኣብ ኤርትራ ብልምዲ እሱራት ኢልና ንጽውዖም ኣሽሓት ጉጅለ ህግደፍ ቀይድዎም ዘሎ ኤርትራውያን ብሓቀኛ ትርጉም እሱራት፡ እሱራት ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ቅዩዳት፡ ዝኾነ መሰል ናይ እሱራት ስለዘይብሎምን ኣብ ኤርትራ ሕጊ ስለዝጠፍአን ሕጊ ክትሓትት ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ኤርትራ “ሰባት ስለምንታይ ተኣሲሮም፡ ኣበይ ቦታ ተኣሲሮም፡ መን ኣሲርዎም፡ ምኣስ ክፍትሑ ኢዮም” ዝብሉ ሕቶታት ምቅራብ ከም ገበን’ዩ ዝቁጸር። ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ካብ መንበሪ ቤቶም፡ ካብ ስርሖም፡ ካብ ጎደናታት፡ ካብ መገሻኦም ከምኡ’ውን ኣብ መዓልቲ መርዐዖምን ሓዘኖምን ከይተረፈ፡ ብኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ተሓፊሶም ምስተወስዱ ሃለዋቶም ይጠፍእ። ድሕሪኡ ብህይወት ይሃልዉ ወይ ይሙቱ ዝፈልጥ ሰብ የለን፡፡ እቲ ምእሳር’ውን ንቡር ኣይኮነን። ሰባት ምኽንያት መእሰሪኦም ከይተገልጸሎም ዝጣበቅ ጠበቃ ዘይብሎም፡ ኣብ ሰብ ክነብሮ ዘይክእል፡ ዝኾነ መሳለጥያን ኣብ ዘይብሉን ኣብ ሕማቅ ኩነታት ኣየርን ኣብ ትሕቲ መሬት’ዮም  ንዓመታት ከም ኣቅሓ ዝድርበዩ። ተረሺኖም ወይ ብሕሱም ማህረምትን ሕማምን መይቶም’ውን ሬሳኦም ኣይትወሃብን ኢኻ። ወለዶምን መቅርቦምን፡ ምስጨነቆም ኣብ ቤት ጸሎት ከይዶም፡ ኣብ መሬት መስተርሆት ስለዝሰኣኑ ካብ ፈጣሪ ፍታሕ ክረኽቡ ይልምኑ፡ ሽምዓ ወሊዖም ጸሎት ይገብሩን።

ሳልሳይ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብድኽነትን ሕማምን ንኽማስን፡ ናብ ስደት ንኽበታተን፡ ተጸባያይ ክኸውንን ክጸንትን ቀዳምነት ሂቡ ንነዊሕ ዓመታት ክሰርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን። ሓደ ካብቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝጥቀመሉ ኣዕናዊ ሜላ፡ ንኤርትራዊ ብኸብዱ ምቅጻዕ’ዩ። ዝበዝሕ ዓያዪ ጉልበት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ስለዝተቆርነን ዝተረፈ ድማ ናብ ስደት ስለዝኸደን፡ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ዓዲ ውዕልን ትሕቲ ዕድመን ሒዙ ተሪፉ። ሕሙም ዝጸውርን መቃብር ዝኹዕትን ጉልበት ሰብ ዝሰኣነሉ እዋን ተበጺሑ። ጉጅለ ህግደፍ ዝርካቡ ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ስለዘእተዎ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ህግደፍ እንቋቁሖ ክትሸይጥ’ውን ዝከኣል ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ “ህዝቢ ምቁጣብ ክለምድን ዝቅባበ ንምቁጽጻርን” ብዝብል ዘይስነፍልጠታዊ ቁጠባዊ ሜላ፡ ገንዘብ ዘለዎ ሰብ ካብ 5 ሽሕ ናቅፋ ንላዕሊ ንወርሒ ካብ ሕሳቡ ከውጽእ ኣይክእልን’ዩ። በዚ ድማ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ከምዝርመስን ስድራቤታት ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ገንዘቦም ከምዘይጥቀሙን ስለዝእግድ እንተላይ ገንዘብ ይእሰር ማለት’ዩ። ኣብ ከተማ ዝነብር ኤርትራዊ፡ መሰረታዊ ሃለኽትን መግብን ንምርካብ ደጋፊ ህግደፍ ምዃንካ ምስተመስከረልካ ብመቁነን’ዩ ዝዕደል። ጋሻ ወይ ቤተሰብ እንተመጺኡካ ዝወሃበካ ተወሳኺ ባኒ የለን። ስለዚ ሰብ ናብ ኣስመራ ክገይሽ እንከሎ ጎጎ ወይ ቅጫ ጸይሩ ክመጽእ ኣለዎ ማለት’ዩ። ኣባል ቤተሰብ እንተጎዲሉ፡ መታን እቲ ዝወሃብ ክልተ ባኒ ክተርፍ፡ ስድራቤት ከይወዓለት ከይሓደረት ንምምሕዳር ክትሕብር ኣለዋ። ኣብ ኤርትራ ሓላኺ ፖሊሲታት እንከሎ’ዩ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ንሓቂ ሓቢኡ “ኣብ ኤርትራ ዕድላት ወፍሪ ስለዘሎ ርእሰማልኩም ኣዋፍሩ” እናበለ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ሰሚናራት ዘካይድ ዘሎ።

ራብዓይ፡ ኣብዚ ዓለም ብዘመናዊ መራኸቢ ማለት ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ተለፎንን ተለቭዥንን ናብ ሓንቲ ቁሸት ተቀይራትሉ ዘላን መዓልታዊ ሓበሬታ እትረኽበሉን ኣዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብሰሪ ዓፋኒ ሜላታት ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪት’ዩ ተሪፉ ዘሎ። እተን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ መላኺ ኢሳያስ ዘነኣእሰን ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልያን፡ ካብ ኤርትራ ንላዕሊ ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓንን መሰል ምዝራብን ምእካብን ኣለወን፡ ኣብ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ትውነንን ንሱ ዝደልዮ ተቃልሕን ሓንቲ ተለቪዥን፡ ጋዜጣን ራድዮን ጥራሕ ኢየን ዘለዋ። ንሱ’ውን ኣገልግሎት መብራህቲ እንተልዩ። ኢንተርነት እሞ ከኣ ዳርጋ የለን ምባል ይቀልል። ጉጅለ ህግደፍ መታን ህዝቢ ኤርትራ ከይርህዎ፡ ንሓድሕዱን ምስዓለምን ከይራኸብን ከይረብሕን፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክሰፍሕ ኣይደልዮን ኢዩ። እቲ ዝርካቡ’ውን ኣብ ትሕቲ ምጽንጻን ትካላት ስለያ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ ዝሰርሕ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ዋላ’ኳ ቆፎ ተለፎን ንኽትገዝእ ቀሊል እንተዘይኮነ፡ እቲ ቀንዲ ኣካል ናይ ተለፎን ማለት ሲም ካርድ(Subscriber Identificatioon Module) ንኽትረክብ ግን ብዙሕ ወጠጥን ጉቦ ከፊልካን ኣዋርሕ ተጸቢኻን’ዩ።

ሓሙሻይ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብእሙናት ካድራቱ፡ ማሕበራት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ’ውን በቲ ንሱ ዝውንኖ መራኸቢ ብዙሓንን ኣቢሉ፡ መንእሰያት ተረከብቲ ሕድሪ ምዃኖምን ሃገር ንዕዖም ትጽበ ከምዘላን ይግዕር ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ጉጅለ ህግደፍ ንመጻኢ ዕድል መንእሰያት ኤርትራ ቆጽዩን ገቢቱን፡ ንመንእሰያት ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራሕ’ዩ ዝጥቀመሎም ዘሎ። እቲ “ሰውራ መሪሐ ናጽነት ኤርትራ ኣምጺኡ፡ ኤርትራ ሓለፋ ኩሉ ንዓይ ትብጻሓኒ” ኢሉ ዝምካሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሕሪ ናጽነት ዝናታቱ ተበሊሉን መሽሚሹን ኢዩ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓንጎል መንእሰያት ኤርትራ ሓጺቡን ብሓይሊ ገዲዱን ኣብ እኩይ ተግባራት ኣዋፊሩ ኣንጻር ረብሐኦምን ህዝቦምን ከምዝሰርሑን ገይሩዎም። መንእሰያት ኤርትራ ካብ ስድራቤቶም ተነጺሎም፡ ሓንሳብ ኣብ ክረምታዊ ማእቶት ካልእ እዋን ድማ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንእስነቶምን መጻኢ ዕድሎምን ምስባኸነን ህይወት ኣብ ኤርትራ ተስፋ ምስ ስኣኑሉን፡ ናብ ስደት የምርሑ ትምህርቲ የቋርጹ ኣለው። ብሰንኪ ኣጽናቲ ሜላታት ጉጅለ ህግደፍ ድማ፡ መንእሰያት ተገዲዶም ጽልኣት ምንባር ኣብ ኤርትራ ከሕድሩ እምበር ሃገራዊ መንነት፡ ፍቅርን ስምዒትን ከጥርዩ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሕሉፍ ሓሊፉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ምንባር ተስፋ ቆሪጾም ብማእከላይ ባሕርን ምድረበዳ ሳህራን እናተቀዝፉ ዝተሰዱ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ “ጸጊቦም፡ ሓንቂቆም፡ ብምዕራባውያንን ስርዓት ወያነን ሰዲዖም” ዝብል ጸለመ የጠምቆም።

ኣብ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ፡ ቀታሊ፡ ሸያጢ ሃገርን ዘማቲ ንብረትን ብልሹውን ስለዝኾነ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኻዕበን ዝተጸልአን ኢዩ። ሎሚ መብዛሕትኦም እቶም ንጉጅለ ህግደፍ ዝውድሱን ኤርትራ ደሴት ሰላምን’’ያ ዝብሉ ሰባት፡ ብኣፎም ኢዮም ህግደፍ ዝበሉ እምበር ኣካሎም ኣብ ኤርትራ የለን። ናይ ወጻኢ ዜግነትን መንበሪ ፍቃድን ዘለዎም፡ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ዘይትንክፎም፡ ደቆም ገጽ ኤርትራ ረጊጾም ዘይፈልጡ፡ ምስ ቁጠባዊ ትካላት ጉጅለ ህግደፍ ተሻሪኾም ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ዝሰረቁን መላኻዕትን ኢዮም። እቶም ህዝቢ ኤርትራ ክጠሚ፡ ክስደድ፡ ክከላበት፡ ብሕማም ክማስን፡ ንብረቱ ክዝረፍ፡ መንነቱ ክመራሳሕ፡ ብፍላጥ ይኹን ብግርህና ሓንቲ ጸጸር’ውን ዝድርብዩን ምስ ጉጅለ ህግደፍ ወሽለኽለኽ ዝብሉ ዘለዉን፡ መሬት ምስ ወግሐ ኩሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተቲ ኢዮም። ሽዑ፡ ሓቅን ሓሶትን፡ ገበነኛን ተበዳልን ገጽ ንገጽ ምርኻብ ምስኮነ፡ “ዘርባዕባዕ፡ መሲሉኒ፡ ተገዲደ ፈጺመዮ” ምባል ትርጉም የብሉን። ብጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይ ገበን፡ ክሓስሞን ክጸንትን ተፈሪዱ ዘሎ ኤርትራዊ ሓራ ዝወጸሉ እዋን ርሑቅ ኣይኮነን። ክወግሕ’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 29 የካቲት 2020

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • sami March 3, 2020

    Amanuel Eyasu DIMISUS pussy cat, why the f**k do you keep deleting all sexy/organic comments then, you jerk?

  • k.tewolde March 6, 2020

    Quotable>>>>’ቀዳማይ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1993 ኣብ እዋን ረፈረንዱም ድምጹ ምስ ሃበ፡ ድሕሪኡ ገጽ ምርጫን ድምጺ ምሃብን ተሓሪምዎ’ዩ።’ indeed Tsilal ,an eerie silence, mouths sealed with a duct tape,those who manage to speak up disappeared incommunicado or incapacitated,the nation became a torture chamber of its righteous owners…in short our homeland descended into the abyss under the rule of this brutal and barbaric anti-Eritrean clique called HGDEF. The deafening alarm sounded off early in the ravines of Algena and the rugged terrain of Sahel but the fighter was busy digging the fortifications and carrying boulders to pay attention while the very nucleus of the current ruling clique was guzzling blue label and playing target practice on whisky bottles they just downed. Any surprises?!!!

  • Mehret Mengesha March 7, 2020

    On behalf ,Phonix Arizona Deleyti Fethie Mothers, we have donated 600US 457 British to support Assena Foundation.
    Thank you

Post a Reply to sami Cancel Reply