Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛዕባ ምስልዩነትና

ምስልዩነት ካብ ገለ መዘክረ ጥንታዊ ቃላት ዝተለቅመ ኦሪታዊ ቃል ይጥዕም። ካብ ርሑቕ ድርብ ሞራልነትን ናይ ሓሶት ቅዱስነትን ንቡር ዝነበረሉ እዋን። ካብ ምምሳል ዝመንጨወ ቃል’ዩ። ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዒላማዊ ሓሶት እዩ። ሓሶትን ከም ኵሉ ሓሶት ከኣ

ምስልዩነት ካብ ገለ መዘክረ ጥንታዊ ቃላት ዝተለቅመ ኦሪታዊ ቃል ይጥዕም። ካብ ርሑቕ ድርብ ሞራልነትን ናይ ሓሶት ቅዱስነትን ንቡር ዝነበረሉ እዋን። ካብ ምምሳል ዝመንጨወ ቃል’ዩ። ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ዒላማዊ ሓሶት እዩ። ሓሶትን ከም ኵሉ ሓሶት ከኣ ቀሻሺን ስለዝኾነ ድማ ኣቘምትን መራሕትን ሃይማኖታትን ሞራላውያንን ኣዓርዮም ይዅንንዎ። ክርስቶስ ንምስልዩነት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣበርቲዑ ከምዝተቛወመ ንፈልጥ። እንተኾነ፡ ምስልዩነት ኣገዳሲ ኣካል ናብራናን ስረትናን፡ ስለ’ዚ ከኣ ኣካል ስነኣእምሮና ስለዝኾነ ካብ ጠባይና ብቐሊሉ ኣይጠፍአን። ቀሺ ዝበለካ ግበር ንሱ ዝገብሮ ኣይትግበር ኢልና ድማ ንግብዝነት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን መምሎቒ ረኺብናሉ። ኣብ ዘመንና ከኣ ምስልዩነት ኣዝዩ ተዘርጊሑን ረቒቑን ኣካል መዓልታዊ ህይወትና ኴይኑ ንረኽቦ።

ምስልዩነት ኣብ ካልኦት ሓደ ዝተወሰነ ስምዒታዊ መልሰተግብሪ ንምፍጣር ዝወጠነ ናይ ሓሶት ስምዒት እዩ። ምምስላይ፡ ንዘይኮንካዮ ምምሳል፡ ንሓደ ዝተወሰነ ረብሓ ንምዕዋት፡ ናብ ሓደ ዝተወሰነ ሸቶ ንምብጻሕ  ዝዕላማኡ ብዛዕባኻ ናይ ሓሶት ስእሊ ምፍጣርን ምዝርጋሕን እዩ። ምስልዩነት፡ እትደልዮ ውሱን ስምዒት ኣብ ካልኦት ንምፍጣር ምውሳእ እዩ። ስምዒታዊ ተዋስኦ። ምስልዩነት ምትንኳይን ምቕራጽን ስምዒት እዩ። ጀርመንኛን ግሪኽኛን ንግብዝነት ብተዋስኦነት  ይገልጽዎ። ልበወለዳዊ ተዋስኦ ኣብ ክውን ህያው መድረኽ- ዓለም።

ከም’ቲ ተራ ሓሶት ጻዕዳን ጸሊምን ተባሂሉ ዝኽፈል ምስልዩነት እውን ጻዕዳን ጸሊምን ኣሎዎ። ከም’ቲ ንቡር ከኣ እቲ ጸሊም እቲ ጎዳኢ  እዩ።

“ድሓንዶ ውዒልካ?”

“ይመስገን። ጽቡቕ”

እቲ መላሲ ሓመዱ ንላዕሊ ተገምጢሉ ካብ ኣድጊ ንላዕሊ ከፊኡዎ ምስ ኣምላኽ ክጻረፍ ዝወዓለ ይኸውን። ሓሚሙ፡ ጠምዩ ተሸጊሩ ውዒሉ ይነብር። ሕማቕ ውዒለ ግን ኣይትወጾን ነቶም ብሕማቕነት ኵነታቱ ክድሰቱ ዝኽእሉ ደስታኦም ኪነፍግ። ንጽባሕ ዝፈላለዩ ተፋቐርቲ ሎሚ ምሸት ኣብ ቅድሚ ኣዕሩዅቶም ከም’ዛ ከምኣቶም ዝፋቐር ዘየሎ ክለሓሓሱ የምስዩ። ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ ዝባንካ ወደ’ቦ ኣይርኣዮ ቁንጮ ጻዕዳዊ ምስልዩነትና እዩ። ዘይጓድኡ ጻዕዳ ምስልዩነታት ኢያቶም መግለጺ ማሕበራዊ-ስምዒታዊ ትዅረትና(social-emotional intelligence) እውን። ልበወለድ ንፈቱ ብፊልምታት ንዕዘም ብሓሳባትና ናብ’ቶም ፋንጣዝያዊ ጠባያት ስለንሰሉዅ እዩ። ኣብ ገዛእ ፋንጣዝያኻ ነቲ ትፈትዎ ጅግናኻ ምዃን ዘደስትን ነፍሰ ንቕሓት’ውን  ዘዕቢን  እዩ። ፋንጣዝያን ክውንነትን ደረቶም ምስዝሰዓር ግን እቲ ጻዕዳ ምስልዩነት ናብ ጸሊም ይልወጥ።

እቲ ማራኺ ፍሽኽታን ትሕትናን ሸቃጣይ፣ እቲ ድንጋጼ ዝመልኦ ዝመስል ኣቀራርባ ኣለይቲ ሕሙማት ልስሉስ ክእለት ((soft skill) ተባሂሉ ኣብ ሞንጎ ነጋድን ዓዳግን፣ ሕሙምን ተኸናኸንትን ቅዱው ናይ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ዝምድና ይፈጥር። ፍሕሽው ገጽ፡ ፍሽኽታ፡ ትሕትና ካብ’ቶም ብዅሉ ቅቡላት ዝኾኑ  ምስልዩነታት እዮም። ነቲ ዓጺብዎ ክነሱ ጸጊበ ዝብለኒ ከኣ፡ ጊንጢ ዓይነት ነፍሰ ኵርዓት እኳ እንተኾነ፡ እንትርፎ ከማኻ ይብዝሑ ክብሎ ኣይቅየመሉን። እምበኣር ምስልዩነት ወርትግ ኣሉታዊ ኣይኮነን። እቲ ዝሰፊሐ ዝተዘርግሐ ምስልዩነት እውን ናይ ሓሶት ሕጉስነት እዩ። ናይ ሓሶት’ውን ይኹን ሓጎስ ሓጎስ’ዩ ንዝጎድኦ የብሉን ብዘይካ ነቲ ሓሳዊ።  ናይ ሓሶት ድንጋጼን ሓዘንን እውን ኣዝዮም ዝርጉሓት እዮም። ነታ ንነዊሕ እዋን ተገዲስናላ ዘይንፈልጥ እኖ ሓጎና ወይ ሓውቲ’ኖና፡ ዝውረስ እንትሃለዋ፡  ኣብ መቓርቦ ሞታ ብዙሕ ንግደሰላ። ኣብ መቃብራ ድማ ነእዊ ጸጉርና ንነጺ። ሓዘን’ና ተዋስኦ እዩ ንብዓትና’ውን ንብዓት ሓርገጽ። ኣብ ኑዛዜኣ እንተዘይሰፊርና ከኣ “እዛ ርግምቲ ስርኤል ቀትሪ ሞት እኳ ክውሕዳ!” ንጻረፍ።

ደረፍቲ፡ ተዋሳእቲ፡ ፖለቲካውያን … ኵሎም ኣገደስትን ውሩያትን ኣባላት ማሕበረሰብ ግብረሰናያዊ ፌስታታት ይውድቡ። ንህጻናትን ኣረገውቶትን ስንኩላትን ሕሙማትን ክሳብ ክንደይ ከምዝሓልዩ የርእዩ። ሓቐኛ ሓልዮት ግን የብሎምን። እቲ ድኹም ግድን ሓላዪ ስለ ዘድልዮ፡ ክኣምን ስለዝደሊ  ብቐሊሉ ይኣምን- ማለት፡ ይዕሾ።  ኪኢላ ምስሉያት ገበርቲ ሰናይ ክሳብ ናብ ‘ነጋውስ ልቢ’፡ ‘እኖታት ድኻ’፡ ‘መልኣኽቲ ሰላም!’ ይስቀሉ። እዚ ድማ ነፍሳቶም ኣብ’ቲ ዘመናዊ ዕዳጋ ኪሸጡ፡ ሞያታቶም ከደንፍዑ፡ ቦርሳታቶም ኪመልኡ  የኽእሎም። ተፈታውነት፡ ከም ዝኾነ ኣቕሓ ይሽየጥ እዩ። ኣብ’ቲ ዕዳጋታት ዕቡያት፡ ጃህረኛታት፡ ምኵሓት፡ ታዕናናት፡ ኣባኸንቲ፡ ብላሻት  ከኣ ዋጋኡ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ዋግኡ ብልክዕ ኪፈልጥ ዝደለየ ንኣንጀሊና ጆሊ ይወከስ። ሰናይት ገብረህይወት፡ ደራሲት ‘እሳት ልቢ’ (Feurherz):  ነቲ ‘ኣውሮጳዊ ስምዒት ንህጻናት ወትሃደራት ኣፍሪቃ’ ዘረጋግጽ ኤርትራዊ ድርሰት ደሪሳ፡ መጽሓፋ ሽዑ ንሽዑ ብሉጽ ተሸያጢ ኴይኑ ኣብ ብዙሕ ቋንቋታት ተተርጕሙ ክሳብ ናብ ፊልም እውን ተሰሪሑ። ሰናይት፡ ምናልባት፡ ንክዉል ስምዒት ካልኦት ናይ ምልዕዓልን ናብ ገዛእ ጥቕሚ ናይ ምውዓሉን ኣህጕራዊ ምስኹር  ልዑል ክእለት ዝወነት ኤርትራዊት ምስልዪቲ እያ ኣዋልድ ሃገረይ እንኳዕ ደስ በለክን። ንመጠረስትኡ ግዳ ኒሕ ጸረምስሉይነትን  ሕግን ስዒሮማ።

ኣብ ዘመንና፡ ወርትግ ዝነበረ እዩ ግና ብፍሉይ ኣብ ዘምን’ና፡ ምስልዩነት መተካታ ጻልጣ ሓይሊ ንስልጣን ኴይኑ መጺኡ እዩ። ሳላ ኤለክትሮኒካዊ ምትእስሳር ምትላልን ሽሕጠትን ውዲትን ካብ ቅልጽም ዝበለጹ ሜላታት  ስልጣን ኴይኖም ኣሎዉ። እቲ ምሉእ ጸወታ ስምዒታዊ ትኵርነት (emational intelligence) ኣብ ኵሉ መሳልላት ማሕበረተሰብ ዚሒቑ ንኵሉ የዋስእ። ኣብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ትዅረቱ፡ ምስልዩነት፡ ከም ሰላማዊ ኣገባብ ኣመጻጽኣ ናብ ስልጣን ተባሂሉ’ውን ክግለጽ ይከኣል እዩ። ምስሉያት ፖለቲከኛታት፡ (ከምኡ’ውን ካህናት፡ ሰበኽቲ፡ ለመንቲ … ) ንረብሓኦም ዘገልግል ስምዒት ንምፍጣር  ምስሉይ  ነፍሰ ስምዒት ይሰርሑን የስርሑን። ኣብ ሞንጎ ሓቀኛ ስምዒትን ምስልዩነትን ክንፈላሊ ኣዝዩ ስለዘጸግም  ከኣ እቲ ምስሉይ ስምዒት ዳርጋ ኵል ጊዜ  ሸቶኡ ይወቅዕ። ስለ’ዚ ድማ ኢና ብፊልምታት፡ ተዋስኦታት፡ ስእልታት  ክሳብ ልብናን ከድናን እንትንከፍ። ሽሕ’ኳ እቲ ንርእዮ ምሉእ ስምዒት ተዋስኦ/ጸወታ  ምዃኑ ንፈልጥ እንተኾንና፣  ንነብዕ፡ ንሓዝን፡ ንሓርቕ፡ ንምሰጥ። ብሓጺሩ፡ ንኣምን።

እቲ ቀደም፡ እቲ ብምስልዩነት ዝኽሰስ እቲ  ላዕለዋይ ማሕበራዊ ቀጸላታት ጥራሕ ነበረ። ኣብ ዘመን’ና ግን እቲ ሸክስፒር ዝበሎ ግዲ ተፈጺሙ ብምልእታ ዓለም ናብ ዓውደ ተዋስኦ ተለዊጣ። ምስላዊ ዘረባ ኣይኮነን ቃል ብቓል ዓለም ናብ ዓውደ ትያትር ምስልዩነት ተለዊጣ እያ። እቲ ኣነነት መሊኡ  ኮነ ተባሂሉ ይስራሕ እዩ። እቲ መሳርሒ ኢንተርነት ድማ ኣሎ፡ ስለ’ዚ እቲ ተራ ሓፋሽ እውን ንምስልዩነት ከም መሳርሒ መዓልታዊ ስረቱ ክጥቀም ተማሂሩ። ሞያውያን ተጻወቲ ኵዕሶ ከይተተንከፉን ከይተጎድኡን ከመይ ከምዝተተንከፉ ይወድቁን ከምዝተጎዱ ይመስሉን ብወግዒ ይመሃሩዎን ኣብ ታዕሊማቶም ይለማመድዎን እዮም። ፍሪድሪሽ ኒትሸ፡ “እቲ ተራ ለማናይ እውን ንሽግሩ ካብ ንእሽቶይ ስእነት ናብ ኣስካሕካሒ ዓጸባ ይልውጣ” ኢሉ ይግረ,ም’ዩ። ምናልባት እቲ ዘመናዊ ሰብ ካብ‘ቲ ጥንታዊ ሰብ ዚተፈልየ ምስሉይ ኣይከውንን። እንተኾነ ምዕብልና መሳርሒ ርክባትን ዕቡደዕዳጋ ማሕበረሰብን ንምስልዩነት ኣዝዮም የጋንንዎን ይዝርግሕዎን። ምስልዩነት ናብ ሓቀኛ ጥበብ ማዕቢሉ ናይ ‘ማሕበራዊ ርክብ ሞያውያን’ ዝስየሙ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ናብ ዝደለኻዮ ዓይነት ሰብ ክትከውን ዘኽእሉ ሞያውያን ሸሓርቲ እዮም። በዚ መገዲ’ዚ ከኣ ንመንፈሳዊን ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ርእይቶታትናን  ኣዝዮም ይጸልዉ።

ዝኾነ ስምዒት ክምስለይ ይከኣል እዩ። ስምዒት ከኣ ካብ ክትሓብኦ ክትምስለዮ ይቐልል። ስለ’ዝዲ ድማ ናብ ልዑል ጥበብን ሞያን ተቐይሩ። ጆርጅ ቡሽ ንኡስ ኣርኣያዊ ውጽኢት ፋብሪካ ምስልዩነት እዩ። ሓደ ካብ ቬትናማዊ ግቡኡ ኣብ ‘ሓለዋ ሃገር’ ዝተሓብአ ሰኽራን ነበር ንኣብ ቬትናም ናይ ጅግነት መዳልያ ዝተሰለመ 000   ስዒሩ። ቡሽ ግሩማት ዓለምትን ነበሩዎ። ግሩማት ምስሉያት ንካልኦት ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ንነፍሳቶም እውን ዘእምኑ እዮም።

እቲ ሽግር ብዛዕባ ምስልዩነት

ካብ’ቲ ዝለዓለ መንፈሳዊ ክሳብ’ቲ ዝነኣሰ ሰራቒ ይምስለይ። ናይ ሓሶት ቅድስንናን ድርብ ሞራልን (ግብዝና) ኣካል ሃይማኖታዊ ትካላትናን ተለኣኽቱን እዮም። ኣነነት ሰብኣዊ እዩ። ኣነኣዊ ከምዘይኮንካ ገቢርካ ነፍስኻ ምቕራብ እውን ሰብኣዊ እዩ። ሓቅን ምስሉዪን ስምዒት ሰብ ብጭብጢ ኣብ ቤት ፍርዲ ኪረጋገጽ ስለዘይክእል ምስልዩነት ሓጢኣት (ሞራላዊ ገበን) ድኣ’ምበር ሕጋዊ ገበን ኣይኮነን። እቲ ብምስሉይነት ካልኦት ዝታለል፡ እቲ ግዳዪ፡ ንሱ ባዕሉ እዩ እቲ ገበነኛ። ሕጊ’ቲ ጸወታ ‘ነጋዳይ፡ ኣዕይንትኻ ክፈት!” እዩ።  ምስልዩነት ንሓቐኛ ኣነነት ሓቢኡ ናይ ሓሶት ኣነነት ስለዝፈጥር፡ ብተራ ኣዘራርባ ምትላል እዩ’ሞ ኣብ’ቲ ምስሉይ ገበናዊ ስምዒት ኪፈጥር ይኽእል። እንተኾነ፡ ሰብ፡ ነዚ ስምዒት’ዚ ኣብ ምጥምዛዝን ምሕባእን’ውን  ሰልጢኑ እዩ።

ሓደ ለማናይ ታሪኽ ሕሰመታት ህይወቱ ንባሮን ሮትሺልድ የዘንቱ። እቲ ዝሃብተመ ሰብ ናይ እዋኑ ኣብ’ቲ  ሽግራት ህይወት’ቲ ለማናይ ጠሊቑ ኣካሉ ተጨበጠ ገጹ ተጨማደደ። እቲ ለማናይ ብጎቦ ዓይኑ ጠሚቱ፡ ድንጋጼ፡ ንሮትሺልድ ክትከድኖ ረኣየ። ክሳብ ተመሲጡ ክብሃል ዝከኣል ከኣ ሽግራቱ ኣጋኒኑ፡ ኣቃሚሙ ቃነየ። ኣዕይንቲ’ቲ ሜጋ ሃብታም ንብዓት ቋጸሩ። ባሮን ሮትሺልድ ንኣፋሪኡ ጸውዐ።  ልቢ’ቲ ለማናይ ብትጽቢተ ርህራሄ ክትነቱጕ በለት። “ነዚ ሰብኣይ’ዚ ንልበይ ከይሰባበረ ኣርሕቐለይ!” ኣዘዘ ባሮን። እቲ ኣጋፋሪ ከኣ ነቲ ለማናይ ብክሳዱ ኣንጠልጢሉ ናብ ግዳም ክረምቲ ደርበዮ። ባሮን ሮትሺልድ ወሃቢ እንተዝነብር ባሮን ሮትሺልድ ኣንበይኮነን። ዝኾነ ሕማም፡ እንተላይ ቁጠባውን ንግዳውን ሕማም ከይተሓጕመን ከይደመየን ከምዘይሓውን! ዝበለ ሰብ’ዩ። ብክውን ሽግርን ብተዋስኦን ዝርስርስ ሰብ ኣይነበረን።

ኣብ ሲና ኣካላትና ተጎዝዪ ክሳብ ዝሽየጥ ኢና በጺሕና። ባርነት እቲ ዝተሓተ ማሕበራዊ ውድቐት እዩ። ንነዊሕ እዋን ኣካል ታሪኽናን ባህልናን ስለዝኾነ ከም ገለ ኢልና ንቡር ኴይኑና እዩ። ነብያትናን ብዙሓት ኣርኣያታት መጽሓፍ ቅዱሳትናን ባራዩ ይውንኑ ነቢሮም እዮም። ባርነት ክሳብ ኣምላኽ ባዕሉ ዓይኑ ሰም ዘበለሉ፡ ንሱ ባዕሉ’ውን ከም መቕጻዕቲ ዝጥቀመሉ ዓይነት ዓመጻ እዩ። ባርነት ውጽኢት ፍጹም ስዕረት እዩ።ንባርያኻ ኣካላቱ ጎዛዚኻ ንኽትሽይጥ ኮነ ኢልካ ምቕታሉ ግን ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን ሓዲስ ሓጢኣት’ዩ። ነቲ ዝለዓለ ጫፍ ሓጢኣት ዝሰንጠቐ ገበን። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምሉእ ፡ እኹብ ‘ኣነነት ኤርትራ’ ዝወረደ ኣካላውን መንፈሳውን ሕስረት እዩ። እቲ ልዕሊ ዓቕሙ ዝተነፍሐ ‘ኣነነት’ ኤርትራ ነዚ ኢሰብኣዊ  ውርደት ከመይ ይውሕጦ? እሞ ኣይሓንቆ ኣይቀርጾ! ወይ’ስ እቲ ውሩይ ኣነነትና ኣብ ሑጻ ዝተሃንጸ ምስልዩነት እዩ ነቢሩ?

ኣይፋልን! ምስልዩነትና እኳ’ስ ክሳብ ክንደይ’ኳ ንጡፍ። ኣነነትና ነቲ ዘይወሓጠሉ ብቐሊሉ ንደገ ኪተፍኦ ጎሪሑ እዩ። ይኽሕዶ። ይጥምዝዞ። ካብ ኵሉ ከኣ ንጎቦ ይጥምት ብዛዕባ ካልእ ይጸዊ። ብዛዕባ መሸጣ ስጋ ኤርትራውያን ባራዩ ኣብ ሲና ኣይተስምዑኒ ልበይ ከይትሰብሩለይ! ይብል። እታ ምኽሕቲ፡ ብድዕቲ፡ ግብዝቲ ልቢ ካብ ትሰባበረኒ ዓይነ ስዉር ምዃን ይበልጸኒ! ይመርጽ። ክሳብ ኣብ ነፍሶም ዝወርዶም፡ እቲ መሸጣ ስጋ ሲና ተቓዉሞ ዝሰርሖ ጸረ-መንግስታዊ ፕሮፓጋንዳ/ተዋስኦ  እዩ! ኢሎም ዝኣምኑ ኣሎዉ። ሓቂ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ምስተገተረት ግን መልሓሶም ኣቐዲማ ተጋግያ እንታይ ከምዝብሉ’ውን ኣይፈልጡን ተዓዚዞም ይተርፉ።

እቲ ንመላእ ህዝቢ ናብ ባሮቱ ዝቐየረ መንግስቲ ሰብኣዊ ጥረ ኣቕሓታቱ ከም ድላዩ ኪሸይጥን ኪልውጥን   ባህርያዊ መሰል ዝኾነ ወናኒ እዩ። ነቲ ኣቓሓኡ በታቲኑ ክሸጦ ዝያዳ ዘኽስቦ እንተኾነ’ውን መሰሉ እዩ። እዚ ኣረሜናዊ ተረክቦ’ዚ ብባህሪ መንግስቲ ኤርትራን ስነሞገት ዕዳጋን ድሮ ዝተወሰነ መደምደምታ እዩ። እወ፡ ብጭካኔ ባርባራዊ ‘ራሻይዳ’ ክንሓርቕ ይግብኣና እዩ። እቲ ማእከለ ንጥፈት ናይ’ቲ ስጋዊ መሸጣን ኣስመራ፣ እቲ ቀንዲ ወዳቢ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ እዩ። ነዚ ኵላትና ንፈልጥ። ገዛእ ስጋና ምሻጥ ድኽመትና ኣዘኪሩ ስለዘሕፍረና ነቲ ምሉእ ተግባር ናብ በደው ራሻይዳ ክንድርብዮ ይቐለልና። ዝተገደ ጥራሕ ዓዱ ከም ዝሓድግ ንፈልጥ ኢና። መን ዓዶም ሕደጉ ኢሉ ኣገዲዱዎም!? ኢልና ድማ ንዋሳእ።  ራሻይዳ ንእግረ መገዶም ንነዛእ ጥቕሞም እውን ዝሰርሑ  መሳርሒ መንግስቲ ኤርትራ እዮም። በዚ ተግባራቱ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ኣዕዋፍ ብሓንቲ እምኒ ይቐትል። ካብ መሸጣ ህዝቡ ይኸስብ። ህዝቢ ከኣ ካብ’ታ ኤርትራ ዝተባህለት ቤት ማእሰርቲ ተሓይሩ ክነብር ይግድድ። መኽሰብን ሜላን መቂረሞ ከኣ መንግስቲ ነዚ ንግድ’ዚ ከቋርጾ ኣይኮነን። ደጊም፡ ቈልዑት፡ ካብ ማእከል ኤርትራ፡ ካብ ማእከል ከተማታት ክስረቑ ጀሚሮም ኣሎዉ። ምሻጥ ኣካላት ሰብ ከኣ ፡ ከም’ቲ ኣብ ቺና፡ ብጠለብ ዓደግቲ ክሰላሰል ኪጅምር እዩ። ሓንቲ ኢንዶነዝያዊት ሃብታም ብ50ሽሕ ዶላር ናይ ሓደ ሽጋራን መስተን ሰትዩ ዘይፈልጥ መንእሰይ እሞ ድማ ዓይነት ደሙ ምስ ደማ ዝሰማማዕ ኵሊት ጠሊባ’ስ መንግስቲ ንምሉእ ቤት ማእሰርትታኡ ፈቲሹ ሓደ ተለቪዝዮን ሰሪቑ ዝተኣስረ መንእሰይ ተረኽበ። እቲ መንእሰይ ተለቪዝዮን ስለዝሰረቐ ሽዓ ንሞት ተፈሪዱ ኵላሊቱ ናብ’ታ ሰበይቲ ተሰዅዐ። ድሕሪ ቍሩብ ጊዜ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ኤርትራ ውሽጣዊ ኣካላቶም ንመሸጣ ኪቐርብ ዘይክእል ኣረጎውቶትን ሕሙማትን ኪተርፉ ምዃኖም ይስምዓኒ።

ሽሕ’ኳ ኵሉ ዚፈልጦ እንተኾነ፡ ነዚ ዓንጸጽ’ዚ ነቲ ንጉሰ ነገስት ምስልዩነት ኤርትራ ዝኾነ ኢሳያስ ኣፈጨርቂ ከይዘከርኩ ክድምድሞ ኣይደልን። ከም ደራስን ተዋስእን ምስልዩነት ዝለዓለ ኤርትራዊ ክእለት እዩ – እቲ ዝጸለመ ጸሊም ምስልዩነት። ንበዓል ክእለት ብቕዓቱ ክንክሕዶ ኣይግባእን። ኢሳያስ ያኢ ‘ኣግኣዚ’ እዩ። ሳላ’ኡ እንተዘይከውን ኤርትራ ነጻ ኣንበይወጸትን! ኢሳያስ እንተዘይነብር ኤርትራ ድሮ ተፈናጢሓ ምሃለወት! ኢሳያስ ሓላይ ህዝቢ እዩI “ንሱ ድኣ ደላይ ጽቡቕ እንድ’ዩ ደይ ሓገዝቲ ስኢኑ እዩ! ምስኪናይ ኢሳያስ!” ንብለሉ። “ሲ.ኣይ.አይ እያ ዝዒራትና እምበር ዓጋመ ድኣ በየናይ መዓንጣኦምን ክእለቶምን ክስዕሩና!” ነማሳምሰሉ። ነቲ ስንኩፍ ተሃኒጹ ውሒዝ ዝበንቈሮ ሓጽቢ እውን ሲ.ኣይ.አይ እያ ኣፍሪሳቶ! ነቲ ኵሉ ዝፈሸለ መደባት መንግስቲ እውን ሲ.ኣይ.አይ እያ ኣፍሺላቶ! እዞም ኵሎም ምስልዩነታት፡ ኢሳያስ፡ ገና ኣብ ሜዳ እንተሎ ዘበገሶም ናይ ሓሶት ነፍሰ ስእልታት እዮም። ክሳብ ሔዚ ዘይምእራጎም፡ ዘይምፍሻሎም እገርመኒ። እታ ብኢሳያስ ዝተፈትወት ውርይቲ ሜላ ’ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ!’ እያ። ነዛ ሜላ’ዚኣ ዘሰነዩ መግለጺታትን ተግባራትን ክሳብ ኪትኣምኖም ዘሸግሩ ኣደነቕቲ እዮም። ሔዚ እቲ ዝብኢ ደልዪዎ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጋጋኡ ቀርቂሩ ምሕንካስ ሓዲጉዎ። ሔዚ’ስ ነቲ ምምስላይ እኳ ሓዲጉዎ ብግልጺ የላግጽ።  ንዓይ ዝትክእ የሎን! ይብል ኣፉ መሊኡ። ንዝመጽእ 40 ዓመታት ኤርትራ ንዲሞክራሲ ብቕዕቲ ኣይኮነትን! ይብል ኣፍ ልቡ ቀሊዑ። እንተደለየ ንኤርትራ ናብ ሶማልያ ክልውጣ ከምዝኽእል ይህድድ። ህዝቢ ኤርትራ ደጊሙ ከምዘይትስእ ጨፍሊቐዮ እዬ! ኢሉ (ብኣምባሳዶራቱ) ይምካሕ። ንሓደ ህዝቢ ካብ’ዚ ዝዓበየ ንዕቀትን ውርደትን ኣይርከብን።  ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ መዓስ ኢኻ ደገ ኢሳያስ እንዳወሓጥካ ክትነብር? እቲ ጎይታ ምስልዩነት እኳ ምስልዩነቱ ዝቐንጠጠ ንስኻ ክሳብ መዓስ ኢኻ ኣብ ናይ ሓሶት ተዋስኦ ክትለሀ? አረ በይዛኻትኩም ነታ ተሪፋትና ዘላ ጠብታ ነፍሰ ክብረት  ነድሕና።

ሓውኹም

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

27.06. 2013

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • habtom hagos June 30, 2013

    A very touching article by brother Daniel; Here is a mirror for every Eritrean to judge herself/himself with. If we don’t wake up from our zombie state of our collective psyche, We will perish as a nation from the world stage. we can’t let that happen because we have paid way too many lives for our independence. that is why we have to take our country back for the dictator.
    thanks a again for the beautiful article brother Daniel.
    Habtom from Canada.

  • rti June 30, 2013

    Romay,
    spare me from your ignorance please! You are as devisive as any bigot can be.

  • Facts-ain't-Pretenders! June 30, 2013

    samuel on June 30, 2013 at 7:20 am said:,

    “ኣዬ ሮማይ ኣብራሃም!
    ….። ቀዳሞት ክስሕቁን ከባጭዉን ሰሚዕካ ትፈልጥ’ዶ? ዘረባ ሓማሴን እንተ እትሓርኣሉ፡ ዘረባ ኣካለ ጉዛይ እንተ እትስሕቀሉ፡ ዘረባ ሰራዬ እንተ እትሟገተሉ። ለዛ መልሓስና ዝተፈላለየ ምዃኑ ንምግላጽ ዝተባህለ ብሂል እዩ። እንተደኣ ኣብ ርእስኻ ዝኣቱ እንተደኣ ኮይኑ። ኣብ ልዕሊኡ፡ ብርግጽ፡ ትግርኛ ቋንቋ ወለድኻ እንተደኣ ኮይኑ፡ ብፈረንጂኛ ኣይምጸሓፍካን። ከም’ቲ ዳንኤል፡ ከረድኣና ዝፈተኖ፡ ምናልባር ንስኻ እውን፡ ካብ’ቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ ምስሉይ ትኸውን። ….”
    —–

    my comments:
    ብጽቡቕ ጀሚርካ (..ዘረባ ሰራዬ እንተ እትሟገተሉ)ብሕማቕ (ዘረባ ሓማሴን እንተ እትሓርኣሉ፡)ዛዚምካ !
    “ብፈረንጂኛ ኣይምጸሓፍካን።”

    ብዙሓት ኣብ ኢትዮ ዝተወለድና ዝዓበና :
    (i) ብቋንቋ ካልእ ንጽሕፈሉ ብቁዕ ምኽኒት ይህልወና እቲ ምርጫ ናትና ናይ ውልቅና’ዩ !
    (ii)እቲ ቀንዲ ዛዕባ መሰረታዊ መሟጎቲኻ ኽኸውን ዝነበሮ እቲ ሕማሙ እምበር መግለጺ ሕማሙ ኣይኮነን ፡

    እዞም ኣምሓርኛ ንዛረብ ፍቕሪ ውጹዕ ህዝብና (the marginalized ones) ስለዘቐንዝወናዩ ዋላ ኤርትራውያን ኣይኮንኩምን እንዳበልኩምና ምስቲ መሰረታዊ ፀገም ምግጣምና! ሀዬ ለብሙ !
    because it is this type of ignorance, intolerance that is buying time for those that is choking Eritrea and its millions!

    Why is it so difficult for Eritreans to wise up? Does it mean that there are so few enlightened in the likes of Ato Daniel! truly sad!

    • samuel July 1, 2013

      ወገኔ!
      እኔም እንዳንተው፡ ኣብ ኣዲስ ጽብቕቲ፡ ተወልጄ ነው ያደግኩት። የናቴና ያባቴ ቋንቋ፡ ማንነቴን የሚገልጽ ስለ ሆነ፡ ወላጆቼ ከኣማርኛው እኩል፡ ትግርኛ እንድናገር፡ እንድማር፡ እንድሰራበትና እንድገናኝበት የሰጡኝ የሂወቴ ስንቅ ነው። ዝኾነ ኮይኑ፡ እቲ ክነቕፎ ዝደለኹዎ ሰብ፡ ንለዛ መልሓስ ዳንኤል ብፈረንጂኛ ከቋናጽቦ እንከሎ ስቕ ኢለ ክሓልፎ ኣይደለኹን። ብርግጽ ትግርኛ ዝፈልጥ እንተደኣ ነይሩ፡ እቲ ሓውና፡ ብትግርኛ ምጸሓፈ፡ ንጽፈትን ጽርየት ትግርኛኡን ድማ፡ ምተዓዘብናዮ። ንካልኦት ዝለከምኩ ኮይኑ እንተደኣ ተሰሚዑካ፡ ብጣዕሚ ይቕረይታ ግበረለይ ‘ዚ ሓወይ!
      ሰላም

  • Facts-ain't-Pretenders! June 30, 2013

    Ida,
    What I have discovered what I din’t know about my Eritreans (like yourself) all over abroad is that Eritreans obssessively trash their own GOLD like no other. Eritreans are endowed, like all humans, sharp, creative minds, but Eritreans instead obssessively appreciate others’ stuff and clone, replicate, duplicate.

    Look our old musics in the likes of Aboy Tukabo, yemane Baria, and others so rich in content, lyrics, and forms so fluid. so rich in romance, so frugal in substance that reflects our daily pains, laughters, struggles, beliefs, and so on YET YET the Urbanistas of Eritrea LOVE to look outside and feel MODERNISTS! AND that junking yourself, ghettoizing your own GOLD stuff is what Eritreans are good at.

    Those of us who were born in Addis (many of us) happily learned our parents lingua, cultural norms, and flocked to Gedli and died for our people. YET, countless Eritreans here abroad do NOT even grasp the death of all those jewels of citizens. The cause was NOT just to free Eritrea from starngers but to
    (a) take ownership of its lingua, its literature, its culture, customs

    And when you see Diaspora Eritreans being oblivious what the struggle was all about and not respecting their own lingua, their not teaching their kids their lingua & customs the way our illiterate grandparents taught us in the heart of Addis speaks volume of Diaspora Eritreans and even those who are in current day of eritrea. so oblivious people so clueless who trash their GOLD! How can one respect others’ and expect to be respected by others? And so Eritreans problem is that should I say, “we” (so people don’t feel that I am hard on them) LOVE to trash our own GOLD! their lingua, culture, their who they are. So Ato Daniel’s “PRETENSION” really is the nail on the coffin!

    If you look at our Movie industry, their musics choices are SADE, Chris Botti — etc … How the hell do they relate to SADE? Music is convetnional but why look outside when you have rich in yemane Barya that goes beyond Chris Botti and even understood by its own wider public. ?

    strange world of Eritreans!

  • Facts-ain't-Pretenders! June 30, 2013

    while I am all wired up, let me add this. My illiterate grandparents had this solid that I thought was reflected by all “Eritreans” as a matter of principle, truthful human principle!

    a) ክንዲ ብጹሕ ዉሉድካ ኣይትምሓል!
    I was having difficult time to grasp it first as a kid but finally my skull got it. And that fair, principled conviction is as honest as it can be. They were right. we humans are full of err & greeds and we can make all kind of erronous judgments to benefit ourselves so no one knows no one’s intention. Only actions speak louder than words. so one must hold one accountable for his/her actions. However, in the Eritrean world
    ሓውካ የሕሊፍካ ኣይትሃብ is what I have discovered! especoially if that person has something to offer in return. what a world of contrasts. when I say this that doesn’t mean we have Honest, God fearing eritreans. we do plenty! I have come across to one in my first & last ever trip to Asmara in Dec 2000. I gave the lady 10 nakfa to pay off for postcards and walked out chit-chatting with my niece. The lady ran out, following me
    “semAni ata Hawey – ማልስ ረሲዕካ!”
    Oh!እሺ ሕራይ የቐንየለይ ብዕላል ኣስጊለ ! I thanked her and so happy Honesty in many of my people reigns I said to myself and warned my 13 yr old kid to follow her footstep.

    the second principle of my solid grandma was;
    b) ዋላ ጌገኛ ይኹን ምእንቲ ድኹም ተጣበቕ ተሟገት !

    • MightyEmbasoyra June 30, 2013

      Facts-ain’t-Pretenders!
      You have too much expectation of your fellow Eritreans. We are as flawed as any human being but I didn’t realize how very rude people we are (in general) until I went to Sudan. When I compare people in khartoum with many of our people, it was not even fair to do that comparison. We are relatively rude but I can tell you we never admit – that’s even worse.

      • ahmed saleh July 1, 2013

        Facts
        When truth is easily overshadowed by advertising techniques and manupulative elements of the so called
        government representatives , you only produce hollow minded society . True but sad to say .

  • Michael, B. July 1, 2013

    Dear Daniel

    Izi qal Haddis qal iyu zimesleni. kemey ane zfelT qedem neti mi`irabawiyan “hypocritical” zibluwo qal metergom “amselu” neberena. lomi nisu darga tederbiyu iyu gdi. amselunet, mimsal memseli,.. kelo meseretu meslye kabey metse, nimintayke, neti tsifuf qal, nebar qal kewgin diyu. kahnat iske Hitetuley. amselu natom qal iyu, misluy gin Hade kab tegadelti weledona zmehazuwo iyu zikhewn. kem bzuH mhzo`om tirfin mewegenni nebar qaln, lqaH amHaran megodefin lisanan iyu behalya iye
    It mezarebi imo Haf zeybil Hto sne-adeb, bizuH kenl`Ilo,ni`iwanawi nabrana awra agedasi iyu.
    bezi ni`ishto meglets kidiret eyeblun

  • rti July 1, 2013

    Dear web master, my comment on Romay’s remark the fact that the author of the brilliant article’s language sounds from the Southern border should have had no bearing on what part of the country comes from; therefore, my comment stands as devisive and bigoted. Web master, you can remove my comments if you think it to be offensive.

  • ሳሙኤል የኔ ጌታ homeboy – all is good! No hard feeling at all!
    you beautifully concluded it with “የሰጡኝ የሂወቴ ስንቅ ነው። ” ! in deed!

    As we all are in this mess together, we are feeling the inner & outer pains and oftentimes frustration gets the worst of us. The sad part about our Diaspora Eritreans in particular is the fact that there are so many “learned men & women” but it never crossed my mind that they can be this cruel & oblivious to not be able to swallow self-importance, ego & pride so tragedy of their own people is removed. I have never seen people as rigid, arrogant, as blind of ignorance as our diaspora Eritreans. Of course we have few that can be counted. The sad part all these few as years go on, they too give up. The beautiful Asmarinoc.com that fought & exposed PFDJ to the core is now dormant! sad! that is one example!

    It is very hard to take in. How can this be? These are my people? This is how my Eritreans are mindless, heartless, soulless, is my daily dosage! I know I am not the only one! you all are in it.

    Mighty, Ahemd – you said it all!

    Michael B> If you need to write in Tigrnga – እነሆ ፊደላት ቋንቋኻ http://www.lexilogos.com/keyboard/amharic.htm

  • belay nega July 2, 2013

    Eritrea Super Power

    You the men,you took me back in the year 1975, when I was a communist because of my under age.
    The B.B.B [brain,bile,blood] formula which helped us to make possible what the world thought is impossible,is gone away with the authentic Eritrean skim.
    Ethiopians with the help of big nations, are using that formula to reverse what we think is irreversible.
    Very sad brother E.S.P

    • Eritrea Super Power July 2, 2013

      Brother Belay ,

      As much as it is foreigners doing it in ethiopia, the goverment is using it to its advantage by promoting attitudes like ¨yichalal, ie ,yes we can ¨spirit.
      China and India were examples of hunger ,eating bland rice, now they are the champions of progress….in India child slavery is the norm ,your & mine Nike ,forever 21 ,Aeropostal etc . are production of Indian 6 year olds working under deplorable situatiion ,leased by their parents to the rich factory owner for failing to pay unfair loans advanced to them ,this is not some stranger ,it is the parents..ie. the govrment ,.
      In china if the goverment needs to sell your organs ,it will accuse you for the day being wednsday or sunday and then sentence you to death, because a rich japanese whore is dying in the Tokyo red light district ,for failing kidneys that you have.
      Eritrea will do it and be super power,but people are using unattainable score .a 150 page essay to be written in 5 minutes.even setting up a cafeteria takes a year or so ,let alone to develop a poor country making it on its own ,without turnning it in to walmart/Ethiomart like Ethiopia.
      A student who wants to attain 80% has to aim for 100% ,but people like genet will call you sarcastic or insulting…well brother you figure it out.

POST A COMMENT