Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛዕባ “ንፖለቲካዊ መላጸ ዝሰዓረ ፖለቲካዊ ብልሒ ጀነራል ስብሓት”

ብዛዕባ “ንፖለቲካዊ መላጸ ዝሰዓረ ፖለቲካዊ ብልሒ ጀነራል ስብሓት”  ። 09.04.2015፡ መናፍሕ ሓሙስ ጽግቦ! ዮናስ፡ መጀመርታ ምስ ስድራኻን ብጮትካን ርሑስ ፋሲካ ይኩነልካ። ቀጺለ ከምቲ ዝበልካዩ ክኸውን ምእንቲ፡ ከይሳብኩዎ ንመሳቱኻ ናብናይ ኣናብባ ሃል ወሳ ይድቕድቖም እነኹ። 2ይ ክፋል “መናፍሕ

ብዛዕባ “ንፖለቲካዊ መላጸ ዝሰዓረ ፖለቲካዊ ብልሒ ጀነራል ስብሓት”  ። 09.04.2015፡

መናፍሕ ሓሙስ ጽግቦ!

ዮናስ፡ መጀመርታ ምስ ስድራኻን ብጮትካን ርሑስ ፋሲካ ይኩነልካ። ቀጺለ ከምቲ ዝበልካዩ ክኸውን ምእንቲ፡ ከይሳብኩዎ ንመሳቱኻ ናብናይ ኣናብባ ሃል ወሳ ይድቕድቖም እነኹ። 2ይ ክፋል “መናፍሕ ሓምስ ጽግቦ” ድሮ ወጺኣ ኣላ። ቁምነገር ጥራይ ይረኸቦ’ምበር ንድሕሪት ተመሊሰ ድማ ነታ ቀዳመይቲ እነኹ እሰዳ። ሰናይ ንባብ!!

መናፍሕ ሓሙስ ጽግቦ!  1ይ ክፋል።

ሎሚ ናይ 71/2 ሰባት ሕቶታት ኢየ ክምልስ ክፍትን። ሸውዓተኹም ብዛዕባ እዛ ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ ዘመናዊ መንእሰይ፡ ብዛዕባ “ኢቲዮጲያ ንኤርትራ ኣይገዝኣታን” ተባሂሉ ዝተለጠፈ ናይ ኣቶ ሙሉወርቅ ርኢቶ፡ ዝኣመሰሉ ሓሳባት ኣብ ናይሸውዓተኹም ሕቶታት ተሰዂዐን ኣለዋ። እቲ ፍ ርቂ ሰብ ዝጸብጸብኩዎ፡ ክንዲ ሰብ ስለዘይመልአ፡ ማለት ወዲ-ተባዕታይ ወይ ጓለ-ንስተይቲ ብዘይምዃን ኣበሃህላኡ’ውን ኩ ላዊ ስለዝመሰለኒ ብዛዕባ መሲሉ ዝሓድር ምዝራብ ንማንም ስለዘይጠቅም ኢየ ብፍሉይነት ርእየዮ። ካብኩሉ “ንስኻ መን ኢ ኻ”? እናበለ እናኣፈራርሃኒ ጉድ ረኺበ። ብዝኾነ ከምኣድላይነቱ ክብሎ ይኸውን ኢየ።

ግና መንእሰይ ዮናስ ሓደራኻ ናብ ኣፍ በላዕተኛ ከይትሩቕሩቐኒ! ማለተይ ኣብቲ ፋይልካ ምስከፈትኩስ ምስሊ ክቡር ፕረሲደንትና ሰቒልካ ተዓዘብኩ’ሞ ማለትካ ኣይተረዳእኩዎን። ብዛዕባ ንፖለቲካዊ መላ ጸ ዝሰዓረ ካብ ኣልዓልና ድማ ምስሊ ጀነራል ስብሓት ኣንጠልጢልካ ልበይ ከይትመልሓኒ፡ ወይ ሽላ ከይተብላዓኒ፡ ወሰን ከ ይተሕድረኒ፡ ሓደራኻ!! ኪርኪርኪር…

“ጀነራል ስብሓት” እንተኢለ ኣይትቀየም። ምኽንያቱ ንሱ ብርግጽ ጀነራል ኢዩ። እንተዘይኢለ’ውን ኣይትቀየም። ምኽንያቱ ና ይ ሽዑ ስብሓት ከምዚ ናይ ንስኻትኩም ብጀነራል ጥራይ ትፈልጥዎ ከይመስለካ። ኣነ ኣቦኻ ንዕዑ ጥርሑ’የ ዝፈልጦ። ‘ኳድ ኣ እቲ ገላብ ኣእዛኑ ምስቲ ጓህማም ኣስናኑ፡ ጸጉሩን ኩሉኡን ቅምጥ ኢሉ ከምዛ ሕጂ ይረኣየኒ። ስለዝራአየኒ ቅድሚ ብከዋኽ ብቲ ጀነራልነቱ፡ ብኣዚዩ ወዳብነቱ ኢየ ዝፈልጦ። ሽዑ ስብሓት ንሓንቲ ፉሕፉሕ ትብል ረሳን ዓዲ ኣኪቡ በቲ ሎሚ ‘ንመላ ጸ ዝስዕር’ ትብልዎ ዘለኹም ፖለቲካኡ ነታ ዓዲ ብሂወታ እንከላ ቀቲልዋ ይኸይድ ነበረ። ኣብ ካልኣይ መዓልቱ ተመሊሱ ነ ታ ዝገነዛ ዓዲ ትንፋስ ሰዂዑ ባልባል ከምትብልን ተጠርኒፋ ሳሕላ ክትድቕደቕ ከምትብገስን ይገብራ’ሞ፡ ብክንደይ ሰሓቦ ጉ ተቶ፡ ብጉዳም ፍልሕልሕ ብገዛእ ሸምግልነቱ ገሊኦም ብበረኻ፡ ገሊኦም ብዓዲ ንውድቦም ንህ.ግምባር ክውፈዩ ከምዘለዎም ኣወሃሂድዎም ዝኸይድ ተራን ለንቀይለንቀይ ዝብል ክኢላን ስብሓት ኤፍሬም ኢየ ኣነ ክንዳኻትኩም እንከለኹ ዝፈልጦ። ስለ ኡ ሎሚ ንሱ “ምስአን ኣይከውን ብዘይብአን ኣይከውን” ክብለኩም እንከሎ መብዛሕትኹም እቲ ሕንቅል-ሕንቅሊተዩ ከይተ ረዳኣኩም ብዘይ መፍትሒ ሽግር፡ ጥራይ ንፖለቲካ መላጸ ከምዝሰዓረ ይመስለኩም ይኸውን።

ከምኡድማ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ፕረሲደንት” ስለዘይበልኩዎ እንተኾሪኻ ተጋጊኻ። እንተበልኩዎ ድማ ሓቀይ። ንሱ ክቡር ፕረሲደንት፡ ሃገርና ናጻ ሃገር፡ ባንዴራና ባንዴራ ሃገር….. ስለዝኾነ፡ ሃገርና፡ መንግስትናን ባንዴራናን ምስንፈቱ ኢና ምእንታ ኣ ንቃለስ። ምቕያር እንተኣድልዩ ቅድም’ሞ ምስ ህዝቢ ንራኸብ ሽዑ ኩሉ ክኸውን ኢዩ። እዚ ፍቐዶኡ ተበቲኑ ዘሎ ስደተኛ ‘ኮ ኣፍህዝቢ’ምበር ወኪል ህዝቢ ክኸውን ኣይክእል ኢዩ። እንተሓሰብካዮኸ ከመይቢሉ? ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ኣመሪካዊ ደሞክ ራሲ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር እንግሊዛዊ ደሞክራሲ፡ ከምኡ እቲ ጀርመናዊ፡ ስዊደናዊ ኣውስትራሊያዊ ….. ደሞክራሲታ ት ክምነ ዝውዕልሲ ብከመይ ንህዝቢ ወኪሉ ንኤርትራዊ ዲሞክራሲ ይሓልም????? እንተዝኸውንስ ምኾነ ማለተይ’የ።

ዝኾነ ኮይኑ ህሉዊ ኩነታትና ክሳብ ግዚኡ ተጸዊጉ ይርእየና እንሀ። ሓቁድማ። ክሳብ መዓስከ ብግዚያዊነት ይንበር? ከምቲ ትርእዮ ዘለኻ ብ”ግዚያውነት” ኢና ተዋሒጥና ዘለና። ግዜያዊት ሃገር፡ ግዚያዊ መንግስቲ፡ ግዚያዊት ቅዋም ግዜያዊት ድማ መታወቅያ ኪርኪርኪር…..

ግዚያዊነት እናተጸበና ህዝቢ በሪሱ ሃገር ባዲማ። ኣለና’ምበር ናበይኬድና” ይብልኣሎ ስብሓት ገዛውትና ክዓኑ እንከሎ ግዲ ዘይነበረ ኮይኑ። በል’ስከ ዕንወት ገዛውትስ በየናይ ሞራላዊ መዐቀኒኡ ኢዩ ቅቡል ኮይኑ እናራአዩ ርእሶም ኣድኒኖም?

ሎሚ ወያ ዘመናዊት መታወቅያ ምስ ዕንወት ኣባይቲ እናተቐዳደመት ትመጽእ ኣላ ኢሎማ። ግናከኣ ብስለ ናይሓዋሩነታ ኣርባ ዕተ ወለዶ ምጽብጻብ’ውን የድልያ ተባሂሉ ኣሎ። ንነገሩ ምጽብጻብ ወለዶ ስራሕ ዓዲዶ ከይኮነ መንግስቲ ንምንታይ ኣድልይ ዎ? ዶስ ከምታናይ ሳሕል ብጥበብ መዝገብ ምስጢር ቀቀሊዑ ደቀባት ዝገለለ፡ ሎሚ’ውን ሕብራውያን ኣድልየሞ? እንድዒ!!

ኦይ! እንድዒ’ወ ወደይ። ከምቲ ናይቅድም ብታሕቲ ታሕቲ ነታ ነባሪት መታወቅያስ ክንደይ ኢቲዮጲያውያን ኮን ክዕድሉዋ ተዳልዩ ይህሉ? ሽዑ ብዘይስኽፍታ ረፈረንዱም ይገብሩ፡ ሽዑ ድምጺ ኣንድነት ይዕብልል፡ ሽዑ ኢሳይያስ መራሒ ክልተ ሕ ቡራት ሃገራት ይምረጽ፡ ሽዑ…ኪርኪርኪር…… ኢሱ ብልሓተኛ!!!!!!

እንታይ’ሞ ይገበር፡ ጎጃም ብጎጃማ ከምዝገጠመቶስ ውጩ ካብኣቕበጸ ሓንቲ መዓልቲ ወዮም ተረፍ-መረፍ የቃልሑልና ይኾ ኑ። ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ንስኻ ጥራይ ዘይኮንካስ ኩሉኹም መንእሰያት ኣነ ንስብሓት “ጀነራል” እንተዘይበልኩዎ ካልእ ማለ ተይ መሲልኩም ዘረባ ኣስሊኹኩም ከይተኾርዩለይ ሓደራኹም። ኣውራ ንፕረሲደንት ኢሳይያስ። ንሱ ኣዝዩ ተቐያሚ ኢዩ እ ሰምዕ። “ከምዛ ናይ ጎብየ ዘድቢ ነኻሲ” ይብልዎ። ኣነድማ ከምዛ ናይ ገመል ቂምተኛ” ይመስለኒ ኣሎ። ጎብየዶ ገመል ዝያዳ ይቕየም? መኖምከ ዝያዳ ይስርምዶስ ኣብ ኩሪፎም ኣየውዕለና። ኪርኪርኪር…….

ከምኡ ምዃኑ ዘዝፈለጠ ጎጎራሑ ኣብቲ መናድቕ ገዝኡ ተሰቒሉ ዘዝነበረ ማዕረ-ቁመት ኣሳእል ናይእኒ ኣቡነ-ኣረጋውታት ኣኣ ውሪዱ ማዕረ-ቁመት ኣሳእል ኢሱ ሰቒሉ ክድቅስን ክትስእን “ብሳላኻ ሃሪሰ፡ ብሳላኻድማ ተንሲአ፡ ኣንታ ክቡር መልኣኸይ፡ ኣደቂስካ ካብ ኣተንሳእካኒ፡ ብሰላም ድማ ኣውዕለኒ፡ ገፊፍካ ገፋፊፍካ ንታዕሊም ከይተስትኾኒ ጎይታይ ምዓረይ”!! ይብል ኣ ሎ ኢለሞ መንእሰያት ዓርቢ ሓርነት። ከምኡታት ክበዝሕ-ክበዝሕሲ ኢሱ ድማ ሎሚስ ምስሰብ ምንቛት ትርጉም ስለዝሰኣነ ሉ ከተማ ገዲፍዎ ክሽቅል ዓዲ ሃሎ ይውዕል ከምዘሎ ይውረ በልኹም። ንስኻኸ ካልእ ምሽጥር ኢሳይያስዶ ተራእይካሓቀይ!!

ንኺድ ጥራይ! ንኺድ’ሞ። ክንከይድ ክንከይድ ዝኸፍአ ‘ቀናእ’ ምዃኑ ክዕለል ክጸንሓና ኢዩ። ክሳብ በዚ ናይ ሎሚቅነ ኣምል ኾ እምነት የሱስ ክርስቶስ ክቱር’ዩ ዝቀንእ ይብሉና’ቶም ናይ ውሽጡ ዝፈልጡ። ብክርስቶስ ይቀንእ ግን ብከምታ ኣብ መስቀ ል ስቕለት የሱስ ዝዓይነታ ተወፋይነት፡ ወይ ከምዛ ናይ ሳዳም ኣተሓናናቕ ዝዓይነታ ጸወታ ዘይብላ! መቸም እኒኣሰና ሞቱ ከ ምዘብህጎም ተራእዮምሲ ኣብ ቀይሕ መዝገብ ከምተደቕደቑ ተወርዩ ኣሎ። ኢሱግና መይቱ ዝትስእ ሓርበኛ መራሒ ምዃኑ ኣ መስኪሩ ኢዩ። ክንደይ መንእሰያት ኢኩምከ ፕረሲደንትና መይቱ ክትንስእ ትጽልዩሉ? ዶስ… ኣይመውትንግዲ ኪርኪርኪር…..

እሞ ግዜ ዕርገት ካብሃለና ከምኣ እንተፈሪህዋድኣ ከመይቢሉ ክዓርግ? ኢሱ’ኮ ንሰብድኣ የዐሹ’ምበር ንርሱስ ጎራሕ ኢዩ። ክዓ ርግ ክብል ክፍለጥ ኣይፈቱን። ካብኡ ዝነቐለ ብስም ‘ኣብ ጎረቤትና ሰላም እንተዘይሰፊኑ’… ሃገርና ይድኩዓ ኣሎ። ከምፍልስፍ ናኡ ጎረቤትና እንተ መይቋ ሃገርና ክትፈልሕ ኣለዋ። ጎረቤትና እንተረሲና ድማ ሃገርና ክትነድድ ኣለዋ። መታን ታርጌት ከይን ኸውን’ዩ’ቲ ፍልስፍና። ሓቁ፡ ኩላ ትትረፎ ክቡር ፕረሲደንትና ካላእ ትምቶ መይቱ ዲዩ ዝመውት! መንግስተ-ሰማይሲ መን ዶ ርእይዋ ኢዩ? ‘ታይገደሶ ኣብፈተና ዝኣቱ። እዚኩሉ ምህርቲ ወርቂ ብሻ ጠንጢኑስ ሰማየሰማያት ክምነ። ኪርኪርኪር…….

ኦይ! በሉ ኣነ ሓደ ካብቶም ተሪፈሞ ዘለዉ ምዃነይ ከይተዘክርዎ በጃኹም፡ ሓደራኹም፡ ምእንተ-ንእስነትኩም። ኣነ ከምኡታ ት ክዝክር እንከለኹ ክፍኣት፡ ክድዓት፡ ጥልመት.. ናይዞም ንዓኹም ፍቱዋት ፈተውትኹም ዝመስልኹም ኢዩ ዝረኣየኒ። ኣነ ሞት ናይቲ ኣውያቱ ዘይስማዕ ናይ በረኻ ቤት-ማእሰርቶምን ምስጢር ናይቲ ስዉር መቓብርን ኢዩ ዝራኣየኒ። እሞ ከምገለ እ ንተድኣ ኣቃሊዕክሙኒ ልበይ ብፍርሂ ተፈጊኣ ሓሞተይ ብቴኖ-ጃሎን ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ጨጎራይ ብጀሪካናትን ፍስቶታትን ማይ ተቐጢነ ብውጽኣት እንታይ ክትርእዩለይ። ነገር ኣመና ካብመረረ ግና እቲ ኣማውታውን’ኮ መልክዕ ኣለዎ። ቅብጸት ብ ቅብጸቱ ንምንባር’ውን ምቕባጹ ተመራጺ ኢዩ። ከምዚ ናይ ወዲ ዓሊ፡ ከምዚ ናይ መኹስኻ ዮናስ ሽመንዲ ማለተይ ኢየ።

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእትታት መቸም በረኸት መንግስተኣብ ደሪፍሉ ክኸውን ኣለዎ። በቲ ወናም ድምጹ፡ ቀይሕ ቃላ ቱን ብዓውታን “’ታይ ዝኸውን ምንባር” ክብል ደሪፍሎም ክኸውን ኣለዎ። እንተዘይደሪፍሎም ሕጂ’ውን ማይ ኣይሓለፎን።

እንተብወገነይ ሎሚ ከኣ ከምቲ ቀደሞም ከቋሽሹኒ እንተምዒርዎም፡ ወዲኣይተስ እቲ ከዋኽብቲ ባዕለይ ኣብ መንኮበይ ክረብ ቦ ‘ታይ የጸግመኒ፡ እምበርከ ንኢሱ ወይዘሮ በራድ ካብወለድኦ ኣነኸ ዝወለደትኒ ኣደ የብለይን ዲየ ዝሕልሕል ዝብል?

ዮናስ! ወይ ከምታ ቀደምካ በታ ኣፍደገይ ኣቲኻ ኣብደኒ። ወይድማ መመሊሰ ከጉርዕ ሕደገንን ኣይትቀልቀለንን። ኣነ ንክልቲ አን ድሉው ኣለኹ። ንስኻን መሳቱኻ ከምእኒ EYSCን እቶም ካልኦት መንእሰያትንከ እንታይ ትሓስቡ? ኣንቱም ፍቐዶ ከተማ ታት ተተመኹሊኹም እናተኣከብኩም ከምኣብ ባሕሪ ዝሃጥም ኣንበጣ መውደቒኹም ከየጣለልኩም ትረግፉ ዘለኹም መንእ ሰያት YPFDJከ እንታይ ትብሉ? በታ ናይ የማነኹም ብጫ ድቢዛኹም ዘይሰለጠኩምሲ ሎሚድማ ብሰማያዊ ድቢዛ ምቕልቃ ልኩም እንታይ ከተስልጡ? ወይ ዓገበ-ሕልፈት! በሉ ሰማያዊት ሕብሪ’ውን ዋና ኣለዋ። ንሳስ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢያ’ሞ ቅበ ጹዋ። እቶም ኣከብትኹምከ ብርግጽ ወከልትኹም ድዮም? ንዓኻ ኢየ ዮናስ እንታይ ከምትብል መልስኻ ክጽበ ኢየ።

ንሎሚ ናይ ስብሓተ-ኢሳይያስ ይጽናሓልና፡ ናብታ ሕቶ መንእሰያት ንመለስ።

ርሑስ ፋሲካ ንህዝብናን ሃገርናን።

ኣቦኻ ጎደፋ።

መናፍሕ ሓሙስ ጽግቦ!  2ይ ክፋል። 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Alem April 12, 2015

    Sibhat “Golfo” is a disgraced person, who earned his “4 star skeleton” from the brutal Dictator Wedi Berad by betraying his comrades during the armed struggle and after the Eritrean Independence.

    Thanks to Wedi Vacaro for exposing Sibhat Golfo to the naive Eritreans abd HGDEF supporters who think Sibhat Golfo is a real hero. Sibhat Golfo, how do you sleep when your lies are the reason for the death, torture and arrest of the “Menkae”, G15 and Wedi Ali??? How do you sleep again Sibhat (a rabbit face) with all the guilt and shame on your belt???

    • Hate Sibhat-Kidat April 13, 2015

      @Alem,
      yes you can call the puppet a “Skeleton”! He earned his pseudo-position illegally from a disgraced dictator who was elected ONLY by himself as he sayed it shamelessly ,”…nobody has elected me as a president…”.

      • Alem April 13, 2015

        Hate Sibhat-Kidat,

        Yes my brother!!! Most HGDEF officials are disgraced and killers because they are serving the most evil dictator in the world!

  • oromay April 12, 2015

    Academic qualification for PFDJ Generals: nay meyda temekuro+ nay Zoba srihit temekuro+ 35 amet gilawi miezuznet + Gura + kurkur HGDF koynka were mibtsitsah= Degree, kelem mikutsar aydelin iyu idme slezdefie zelo.

  • semere 2 April 13, 2015

    The article does not make any sense to me. I really failed to grasp what Godefa wants to convey. Assenna should not allow such scripts to appear in this web. It should either be edited or re-sent to the author.

  • Dala Ksha April 13, 2015

    Brother Godefa
    This article is very good one,but a lot of people will not understand it . You sound professionall writer in tigryna.to convey your message please write it in a simple tigryna wards which can be understand by average person.

  • Anti HEGDEF April 13, 2015

    Those who think Sebhat is a general and a hero; they are terribly wrong, Hassot yakhlekum! This man is as a prostitute to his Boss. His only consciousness is to obey the Devil in Asmara. If he were a hero as some people want us to believe, I have a question to them. Where was he when the Ethiopian armies overrun our defense lines during the Bademe war? He, together with the Devil were caved somewhere, drinking whiskey and were getting information through the Ethiopian radio. The real HEROES ARE OUR FALLEN ONES WHO GAVE THE ATMOST, ALL THOSE WHO WERE FACING THE ETHIOPIAN ARMIES AT THE BATTLE GROUND. Period!

    • Pievani Dawit April 21, 2015

      have you ever see Gen.Sebhat in eny Bar of Asmara.

  • Semirra April 13, 2015

    Please use simple words. I doubt if you wrote it in Tigrigna or Nakfigna

  • Simon G. April 13, 2015

    ኣብ ኤርትራ መዓርግ ክዕደል ምስጀመረ: ነቶም ዝደሊዎም ብሕርያ እንታይ ተዓደልናካ ትሕጎስ ‘ዩ ኔሩ ትሕቶ። ብዙሓት ክኢላታት ግን ተለንተ ‘ኳ ‘ተረኺቦም ንጋዶ። ዳርጋ ጭርጭር ዓበደ ‘ዩ ዝመስል።
    ስብሓት ድማ ሳላ ተገላባጢ ጠባዩ: ጀነራል ተዓዲሉ። ብደም ጀጋኑ ስለዝተጻወተ: ጀነራል ከም ሞቕሽሽ ኣብዛ መንኩቡ!

POST A COMMENT