Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዛዕባ ጽሑፈይ: ሓውኻ ኣበይ ኣሎን ኣህጉራዊ እምነታዊ ቅልውላው ኣህጉራዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን – ነፍሰ ነቐፌታ

ብዛዕባ ጽሑፈይ ሓውኻ ኣበይ ኣሎን ኣህጉራዊ እምነታዊ ቅልውላው ኣህጉራዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ነፍሰ ነቐፌታ ብዕለት 24.07.2014 ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን’ ዘርእስቱ ዓንቀጽ ኣብ ኣሰና ኮም ኣውጺአ። ሽሕ’ኳ ዘይተጸረፍኩሉ ዓንቀጽ እንተዘየሎ፣ ሽሕ’ኳ ካብ’ዚ ዓንቀጽ’ዚ’ውን ክጽረፍ

ብዛዕባ ጽሑፈይ

ሓውኻ ኣበይ ኣሎን ኣህጉራዊ እምነታዊ ቅልውላው ኣህጉራዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን

ነፍሰ ነቐፌታ

ብዕለት 24.07.2014 ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን’ ዘርእስቱ ዓንቀጽ ኣብ ኣሰና ኮም ኣውጺአ። ሽሕ’ኳ ዘይተጸረፍኩሉ ዓንቀጽ እንተዘየሎ፣ ሽሕ’ኳ ካብ’ዚ ዓንቀጽ’ዚ’ውን ክጽረፍ ምዃነይ እንተተጸበኩ፣  እቲ ብዝሕን ተመሳሳልነትን ኣሉታዊ መልስታትን፡ ብፍላይ ከኣ ብሓደ ‘ትንቢት ኢሳያስ’ን ሓደ ሰመረን እስቲፋኖስ ተመልሶን ዝቐረቡ ትዕዝብትታት ኣብ ገለ’ስ ግድን ተጋግየ ኣሎኹ ኣቢሎሙኒ  ነቲ ኣርባዕተ ኣቡናት ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ደጊመ ኣንቢበዮ። ልክዕ ድማ ጌጋይ ረኺበዮ። ጌጋይ ድማ ታህዋኽን ኣብ’ኡ ዝተመርኮሰ ጉድለተ መጽናዕትን ቅርጺ  ኣቀራርባን ምዃኖም ፈሊጠ። ክልተ ረርእሶም ኪኢሎም ኪቐርቡ ዝግብኦም ዝነበረ ዓንቀጻት ኣጣቢቐ ኣቕሪበ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ቤርናርዶስ -ሲታውያን- ኣስመራ እዬ ፈለማዊት  ፊደልን ፈለማዊ ትምህርተ ሃይማኖትን ቀሚሰ። ስለ’ዚ ድማ እታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተገድሰኒ እያ። እታ ዝዓበየት ክርስትያናዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዕቱብ ኣባልነታዊ ቅልውላው ኣትያ ከም እትርከን ኣንቢበ ድማ ብዛዕብኡ ከጽንዕን ጭብጥታት ክእክብን ጀመርኩ። እዚ ነዊሕ ቅድሚ’ቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ እዩ።  እቲ ሓዋርያዊ ጽሑፍ ምስ ወጸ ከኣ ሕዚ ብዛዕባ’ቲ እምነታዊ ቅልውላውን ፍታሑን ክጽሕፍ ጊዜኡ በጺሑ ኢለ ተሃወኽኩ።  ኣብ ምፍታሕ ናይ’ቲ ቅልውላው ዓቕመይ ዘፍቅዶ ኣዎንታዊ ተራ ንምጽዋት ድኣምበር ኣብ ልዕሊ’ቲ ውድቀት ንምጥቓዕን  ንምሽክዕላልን ዕላማ ኣይነበረንን ሕዚ’ውን የብለይን። እቲ ፈለማ ጉድለተይ ነቲ መእተዊ ናይ’ቲ ጽሑፍ ብቕኑዕ ኣይተገንዘብኩዎን። ነቲ ‘ዓመተ እምነት’ ከም ኣህጉራዊ  ዓመተ ጎስጓስ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድኣ’ምበር ከም ፍሉይ ብኤርትራውያን ኣቡናት ዝተሓተን ዝተፈቕደን ጉስጓሴ እምነት ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ምንባሩ ኣይተገንዘብኩን። እቲ ቀንዲ ቴማኦም ‘ኣህጉራዊ ቅልውላው እምነተ ምእመናን ‘ ኴይኑ እቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ዝብለ ሸነኹ ከኣ ኣብኡ ተሓንጊጡ  ከም ዝቀረበ ጥብቆ  ገቢረ’ዬ ወሲደዮ። ቅድሚ ሕዚ ዝወጹ ተመሳሰልቲ መልእኽታት ኣይተጓነፉንን። እቲ ዘይተመጣጣኒ ምትሕንጋር ቴማታት ኢለ ዝወስድኩዎ  ከኣ ደስ ኣይበለንን። ስለ’ዚ ከኣ’ዬ ነቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዶስ እምነታዊ ቅልውላው ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን’ ኢለ ዝሰመኩዎ። እቲ ምሉእ ምድንጋር ናይ’ቲ ጽሑፍ ከኣ ኣብ’ዚ ግጉይ መበገሲ (premise) ዝተመርኮሰ እዩ። “እቲ ጽሑፍ ዝተደናገረ እዩ። ሕድሕዱን ምስ’ቲ መልእኽቲ ኣቡናትን ምትሕሓዙ ስኢን’ና። መልእኽቱ  ኣይተረድኣናን … “ ዝበሉ ስንዘራታት ድማ ቅኑዓት ይኾኑ።

ነቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ዝበለ ትሕዝቶ ከም ዝድግፎ ኣብ’ቲ ነዚ ዝምልከት ጽሑፈይ ብሩህ እዩ።  ካብ’ቲ ጽሑፍ  ክጠቅስ “ … ሓወይ ኣበይ ኣሎ? እዋናዊ ሕቶ። ናብ ርእስን ልብን መንፈስን ዝበስዕ ሕቶ። ከይትሰምዖ፡ ከይተኾምስዕ፡ ከይተስተማቕሮ ዘይከኣል ሕቶ። እወ፡ መሪር ሕቶ። ነፍሲ ወከፍና ንነፍሱ ሓቲቱ ክምልሶ ዝግባእ ተረጊጹ ዘይሓልፍ ሕቶ። ኣብ ውሽጡ ሓያሎ ሕቶታት ዝጠቕለለ ሕቶ። ሕቶ ጥራሕ’ውን ኣይኮነን ንርእሱ እቲ መልሲ ዝኾነ ሕቶ። እቲ ሕቶ እንተላይ ወቐሳ እዩ። ፍርዲ እዩ’ውን … “  … “እቲ ንሳቶም ከይበሉ ዝበሉዎ’ስ ‘ሓውኻ ኣብ ትሕቲ እንታይ ዝኣመሰለ ዲያብሎሳዊ ኵነታት ይነብር ከምዘሎ’ስ ያኢ ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ሓውኻ ክቕተል፡ ክእሰር፡ ክግረፍ፡ ክስደድ፣ ኮታ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ክጸንት ስለምንታይ ኣኽኢልካ? ኣንጻሩ እንታይ ገቢርካ? እንታይ’ከ ክትገብር ኢኻ?’ እዩ።

‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?’ ነቲ ናይ ሓባር ጭርሖ ስኢኑ ክታኸስ ዝጸንሐ ተቓዉሞ ናይ ሓባር ጭርሖ ኣበርኪቱ ዓቢዪ ድፍኢትን ሓዲስ ትንፋሰ ንያስትን  ሂቡዎ እዩ። ካብ’ዚ ብዝበለጸ ከኣ ደገፌታይ ነቲ ጭርሖ ክገልጽ ኣይክእልን። ነቐፍቲ ስለምንታይ ነዚ ኣብ ቅድሚ ኣዕንቶም ዝተደቀነ ኪርእይዎ ኣይመረጹን ኣይርድኣንን። እቲ ኣዎንታዊ ዝርኢ ኣዕንትና ካን ኣኺሉዎ ዓዊሩ ድዩ!?  እቲ መልእኽቲ ደንጕዩኒ፡ እቲ መዛዘሚ ከኣ ለቢጡኒ ዝበሉ ዕቃቤታት ኣስፊረ እዬ እንትምንታይ ካብ’ቲ ቤተ ክርስትያን ልዕል’ቲ ዘቕረብዎ  ስለዝተጸበኹ። እሞ ንዓዲ ኣቲኻ ከም’ቲ ንሳቶም ዝበሉዎ ድኣ ዘይትብል ቈልዓዊ ርእይቶታት ዘቕረቡ ሓያሎ እዮም። ኣነ ድኣ’ሞ መዓስ ምሉእ ቫቲካን ኣብ ድሕረይ ኣቐሚጠ!

ነቲ ኣቡናትና ንክልቲኡ ቴማታት ኣጣቢቆም ኣቕሪቦሞ ኢለ ዝወሰድኩዎ’ሞ ኣነ’ውን ንክልቲኡ ኣጣቢቐ ርእይቶይ ክህብ ዝፈተንኩሉ ጽሑፍ ከም ረርእሱ ዝኸኣለ ክልተ ጽሑፋት ገቢረ እንተዘቕርቦ ነቢረ፣ ካብ ክልቲኡ ጽሑፋት ዝምቐየርኩዎ ቃል’ኳ ኣንበይነበረን።

እገብር፡ እጋገ፡ ካብ ጌጋታተይ ተማሂረ ከኣ እልብም- እዚ መሰረታዊ እምነተይ እዩ። ንኽልብም ኢለ ግን ኮነ ኢለ  ኣይጋገን’ዬ። መድሃኒት ተዋሂቡኒ ከኣ መድሃኒተይ ውሒጠ ኣሎኹ። ከምቲ ሓደ ኣንባቢ ዝተመነየለይ ከኣ ንጥዕና ይግበረለይ። እንተኾነ፡ እቲ ኵሉ ዝተቐረበለይ መድሃኒት ኣይመድሃኒትን እኳ ድኣ እቲ ዝበዝሐ’ስ መርዚ ድኣ።

እቶም ነቲ ጽሑፍ ከም ጉሓፍ ዝገለጽዎ ሓደን ሓደን ደሚሮም ክልተ ክሰርሑ ዘይክእሉ፣ ብገዛእ ተበግሶኦም ሓንቲ’ኳ ክገብሩን ክብሉን ዓቕሚ ዘይብሎም ብድሑር ስምዒታት ዝምርሑ ናይ ባዕሎም ጉሓፋት እዮም። ካብ ጉሓፋት ንዝስንዘረኒ ጉሓፍ ድማ ናብ ጉሓፍ እዬ ዝድርብዮ። ሓደ፡ ብዙሕ ካብ ሓይሉን ጊዜኡን መዊሉ ንዝጸሓፎ ሓሳብ ብሓንቲ ዓማጺት ቃል ከፍርሱ ዝፍትኑ ከም ኵሉ ዓማጺ ዓመጽቲ እዮም። ዕላምኦም ከኣ ንጸሓፊ ናብ ውልቃዊ ኣገልጋሊኦም ንምግዳድ እዩ።

እቶም፡ “ኣማኑኤል፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ከተፍቅድ ኣይነበረካን” ዝብሉ ዕንጭቝሊት ‘ኢሳያሳት’ ስለምንታይ ኣንጻር ኢሳያስ ከም ዝጭርሑ ኣይርድኣንን። መንፈሳዊ ኣቦኦም’ዶ ኣይኮነን!? ዕላምኦም ብሩህ እዩ ሰብ ብሰብ፡ ዲክታቶር ብዲክታቶር ንምትካእ ድኣ’ምበር ንኵሉ ዝጠቅም ለውጢ-ስርዓት ንምትካል ኣይኮነን። እዚ ከኣ ሕልሚ ደርሆ እዩ።

እቶም ወሸለ ንዝምነይዎን ንዝድግፍዎን ሓሳባት እንተጸሓፍኩ ‘ኣዮኻ ናይና’ ኢሎም ሰማይ ዝሰቕሉንን፣ ንሳቶም ዝጻረርዎ ሓሳባት እንተኣቕረብኩ ከኣ ናብ ዘንቢል ጉሓፍ እህወደግ ዝድርብዩንን፣ ብዘይካ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሓሳባት ኣገልጋሊ ናይ ዝኾነ ስነ ሓሳብ፡ ውድብ፡ ኣውራጃ መሳርሒ ከምዘይምዃነይ ከረድኦም እፈቱ። ብሰንኪ ጉድለት መልክዓዊ ኣቀራርባ ጽሑፈይ ሕርሕራይ ተጀሊጠ። እታ ዝመረረት ሓለንጊ ድማ እታ ንዓይ ኣብ ጎኒ እህወደግ ምስርዖም እያ።  ዝኾነ ቃላዊ ሽበራ ድማ፡ ንመጻኢ፡ ከም’ቲ ወርትግ፡ ተዅተዅቲ ኣርእስታት ኣልዒለ ብተዅታዅን፡ ተዋዛዪን፡ ኣላጋጽን  መልክዓት ካብ ምቕራብ ኣይክዕገትን እዬ። እዚ ‘ኣነ’ እዩ። ብዘይካ’ዚ ከኣ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ጀለጥቲ ከኣ ኩርማጅኩም እንዳኣወጣወጥኩም ተጸበዩ።

ንመዛዘሚ፣

  1. ብጹዓትን ክቡራትን  ኣርባዕተ ኣቡናት፣ ካብ ጉጉይ ተገንዝቦ መልእኽትኹም ተበጊሰ ምስ ብቐጥታ ዘየልዓልኩሞ ቴማ ኣሲረ ንጭርሖኹምን ሸቶኡን ዓንቂፈ እኸውን እኽእል እዬ እሞ ካብ ልበይ ዝነቐለ እቕረታ እሓትት። ኣብ’ቲ ኣበጊስኩሞ ዘለኹም ቃልሲ ከኣ ሃየ በርትዑ።
  2. ነቶም ንጽሑፈይ ኣንቢብኩም  ቅጥዕን መልእኽትን ዝሰኣንኩምሉ ከኣ ወርቃዊ ጊዜኹም ንከንቱ ስለዘባኸንኩ እቕረታ እሓትት።
  3. ነፍሰይ’ውን፡ ብምኽንያት ጉድለተይ ኣብ ኣዝየ ዘይፈትዎ ዘይምቹእ ኵነት ስለዘቐመጥኩኺ እቕረታ እሓተኪ። ንኣባላት እህወደግ ድማ እቲ ጽሑፍ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንስርዓቶም ንምድጋፍ ከምዘይተጻሕፈ ከፍልጦም እፈቱ።

የቐንየለይ።

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

27.07.2014

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
35 COMMENTS
  • Berhane Amdemariam August 1, 2014

    ኣቶ ዳኒኤል ኣብቲ ኣተሓትታ እቕረታስ ብኡኡን ፈረቑኡን ጌርካዮ ተረዱኡካ ክኸውን ይትስፎ፡

  • enough August 2, 2014

    What? Did you see what you write in the last sentence? ንኣባላት እህወደግ ድማ እቲ ጽሑፍ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንስርዓቶም ንምድጋፍ ከምዘይተጻሕፈ ከፍልጦም እፈቱ።

POST A COMMENT