Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብይን ባይቶ ጸጥታ ፍረ ዝህልዎ ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ማእከል ምስዝገብርዩ። (ቃል ኣሰና)

ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ሶማልያን ኤርትራን ኣብ ዘቕረበሉ ጸብጻብ ተሞርኪሱ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዝነት ናይቲ ሓይሊ ዕማምን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳን ብሓደ ዓመት ክናዋሕ ክውስንዩ። እቲ 93 ገጻት ዝብዝሑ ጸብጻብ ሓይሊ ዕማም ባይቶ ጸጥታ፥

ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ሶማልያን ኤርትራን ኣብ ዘቕረበሉ ጸብጻብ ተሞርኪሱ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዝነት ናይቲ ሓይሊ ዕማምን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳን ብሓደ ዓመት ክናዋሕ ክውስንዩ።

እቲ 93 ገጻት ዝብዝሑ ጸብጻብ ሓይሊ ዕማም ባይቶ ጸጥታ፥ ስርዓት ህግደፍ ብኣንጻር ብይን 2182(2014) ዜሰክሞ ግዴታ፥ ምስ ሓይሊ ዕማም ምትሕብባር ከምዝሓንገደ፥ ምህዋኽ ዞባዊ ርግኣትን ሰላምን ከምዘየቃረጸ፥ ብኣንጻር ብይን 1862(2009) ንምሩኻት ጅቡቲ ብዝምልከት ሓበሬታ ምሃብ ከምዝነፈገ፥ ምድረ – ሰማያትን ሉዓላዊ ማያትን ኤርትራ ነቲ ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ወተሃደራዊ ዘመተ ኣብ የመን ከምዝመጠወ ይገልጽ።

እቲ ብይን ብምሉእ ድምጺ ሓሙሽተአን ቀወምቲ ሃገራት (እንተላይ እተን ናይ ቀውፊ ሓይለን ተጠቂመን ከድሕነኦ ዞቕጸጽየለን ዝነበራ ሩስያን ቻይናን) ስለዝደገፈኦ ድማ ብወግዒ ኣብ ሓጺር እዋን ክዝርጋሕ’ዩ።

ብዙሓት ክኢላታት ስትራተጂካዊ መጽናዕትታትን ኣህጉራዊ ፖሊሲታትን ንብይን እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣመልኪቶም ዜናዊን ፖለቲካዊ ትንታነታት ኣብ ዘቕሩቡሉ ኣዋን፥ ነቲ ኣብዚ ጉዳይ ዋና ኪኸውን ዝግባእ ግን ከኣ ግዳይ ገዛኢኡ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፥ ካብቲ ፖለቲካዊ ቅማረ ኣውጺኦም ክሕዝዎ ይህቅኑ። ብሰንኪ ብኩራት ናይዚ ዝዓዘዘን ዝኸበረን ቦታ ክሕዝ ዝግባእ ረቓሒ – ማለት ህዝቢ ኤርትራ ድማ – እቲ ክግበር ዝህቀን ትንታነ ጎደሎ፤ እቲ ክወሃብ ዝድለ ስእሊ ድማ ዘይምሉእ ኪኸውን ጸኒሑ ኣሎ።

ብይን እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማለት ኣየነይቲ ኤርትራያ? ‘መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባር ኣየርኣየን’ ክበሃል ከሎ ኣየናይ መንግስቲ እዩ? እቲ ግዳይ ድርብ መቕጻዕትታት ናይቲ በጋሚንዶ ጉጅለን ናይቲ ብሰንኪ ባህርያት ናይዚ ጉጅለ ዝስዓበ እገዳን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ኸ ኣብ መቓንዚ ብይን ኣበይዩ ቦትኡ? መንከ ይውክሎ?

ጸብጻባት ብይናት ባይቶ ጸጥታን ንዕኡ ተኸቲሉ ዝውሰን እገዳን ኣብ ዓዓመትዮም ዝቐርቡ። ኣብ መንጎዞም ክልተ ነጥብታት ዓመት ዝርከብ 365 ቀትርታትን ለይትታትን፥ ነቶም ተቖጻጻሪ ጉጅለ ዝዝርዝሮም ኣበሳታት ናይቲ ስርዓት ዝነብሮም፥ ዝጸሮም፥ ብሳዕቤናቶም ድማ ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብቲ ናይ ባይቶ ጸጥታ መጋበኣያ ዝማጎተሉን ዝሕለቐሉን ኣካል የለን። እቲ ባይቶ ንጉጅለ ህግደፍ ዝቐጽዕ እገዳ ዘሕልፍ ዘሎ እቲ ጉጅለ ንጉዳይ ጂቡታውያን ምሩኻት ብዝምልከት ሓበሬታ ስለዘይሃበ፥ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝፈጥሮ ዕግርግር ስለዘየቃረጸ፥ ናብ ዝተፈላልዩ ኩርናዓት ዝሰዶም ወተሃደራዊ ንብረት፥ ዜስሉኾምን ዝሓጽቦምን ረሳሕ ገንዘብ ደው ስለዘየበለ እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዘውርዶ ዘስካሕክሕ ዓዛብ ኣይኮነን። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ክውክል ዝግበኦ ኣብ መጋበኣያ ባይቶ ጸጥታ ተኸሳሲ ኮይኑ ብእዝኑ ተወጢጡ ዝቐርበ ጉጅለ ህግደፍ ውን ብዛዕባ ጅቡታውያን ምሩኻት፥ ብዛዕባ ኢማራትን ስዑድያን እምበር ብዛዕባ ህዝቡ ቅንጣብ ኣይዛረብን።

ዋና ናይቲ ኩሉ ጉዳይ ኪኸውን ዝግበኦ ግን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ዓለም ብዛዕባቶም ጅቡታውያን ምሩኻት ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ብመንግስቲ ጅቡቲ ዝተማረኹ ኤርትራውያን ክትሓትት ይግባእ። ልክዕ’ዩ እቲ ናብ ኩናት ዝጠበሶም፥ ንዐኦም ንምርኩንኘት ንብጾቶም ድማ ንመስዋእቲ ዜቃለዐ ‘ናቶም’ ዝበሃል መንግስቲ ጉጅለ ህግደፍ፥ ከም ፍጡራት ውን ስለዘየልዓሎም፥ እቶም ጋኖት ክዝክርዎም ትጽቢት ኣይግበርን ይኸውን። ጅቡታውያን ምሩኻት መንግስቶም ንሽዱሽተ ዓመት መመላእታ ብዘይምቁራጽ ስለዝሓተተሎም’ዮም ባይቶ ጸጥታ ወሲኽካ ኩሎም ወገናት ብኣኽብሮት ዝሓቱሎም ዘለዉ። ንህግደፍ እቶም ኣብ ውግእ ጅቡቲ ዝተሰውኡ ይኹን ዝተማረኹ ኤርትራውያን ከም ማንም ተጠቂምካ እትድርብዮ ንዋት በለይቲ እዮም። እቲ ዕቡድ መራሒ ኣብ ሬሳታቶም ተሰቒሉ ክነውሕ ብኡ ኣቢሉ ድማ ስልጣኑ ከናውሕ እምበር ክንዩኡ ኣይዝክሮምን’ዩ። ነቲ ምስ ጅቡቲ ዝነበረ ኩናት ብዓንደርእሱ ዝኸሓደ ነቶም ኣብቲ ዝኸሓዶ ውግእ ዝጠፍኡ ተጋዳላይን ዋርሳይን ምኽሓድ ዘአግሞ ኣይኮነን እቲ ጃንዳ። ባይቶ ጸጥታን ግን ብዛዕባ ኣብቲ ሓደ ሸነኽ ናይቲ ኩናት ንዝነበሩ ምሩኻት ካብ ኣልዓለ ኣብቲ ካልኣይ ሸነኽ ናይቲ ኩናት ንዝነበሩ ምሩኻት ከልዕል ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነትን ግዴታን ኣለዎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰነድ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምድረ ሰማያትን ሉዓላዊ ማያትን ኤርትራ መጋበርያ ንኩናት የመን ኪኸውን ጉጅለ ህግደፍ ምውሳኑ ብዓይኒ’ቲ ተጣሒሱ ዝብሎ ቀዳማይ ብይኑ ርእዩ ኮኒንዎ እሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ግን እቲ ጉዳይ ልዕሊኡ’ዩ። መሬቱ፥ ሉዓላዊ ኣየሩን ባሕርታቱን ብቖለ ናይ ሓደ ዕቡድ ሰብኣይ ብዝሃቦ ትእዛዝ ናብ ባዕዲ ክሽየጥ ከሎ፥ ታሪኽ ናይቶም ኣብቲ ሉዓላዊ መሬት፥ባሕርን ኣየርን ስለ ሉዓላዊ መሬት፥ ባሕርን ኣየርን ዝወደቑ ሰማእታቱ ንዕዳጋ ከምዝወረዱ’ዩ ዝቖጽሮ። ህዝቢ ኤርትራ መሬቱ ምእንቲ ቑሩብ ዶላርን ነዳድን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምእተባደለ፥ ሉዓላውነቱ ንሰደድ ከም ኣቅሓን ኣገልግሎታትን ይሽየጥ ከምዘሎ ካብቲ ‘መንግስተይ’ ኢሉ ዝሓስቦ ዘይኮነ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ዝሰምዕ ዘሎ። ስርዓት ዘለዎም መንግስትታት ይትረፍ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንኩናትን ሉዓላዊ ጉዳያትን ዝምልከቱ ሃገራዊ ውሳነታት፥ ኣብቶም ዝደቐቑ ሕቶታት ውን ተኾነ ህዝቢ፥  ሓደው ብመንገዲ ወከልቱ ኣብ ባይቶ፥ ሓደው ከኣ ብቐጥታዊ ናይ ረፈረንዱም ድምጸ ውሳነ ፍቓድ ይሓቱ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሸሞንተ ዳያመንሽናል ዕቡድ መራሒ ግን ባዕሉ ባይቶ ባዕሉ ሓጋጊ፥ ባዕሉ ፈራዲ ባዕሉ ዳይና፥ ባዕሉ ፈጻሚ ንበይኑ ካቢነ፥ ባዕሉ ወተሃደራዊ ኮሚቴ ባዕሉ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኢዩ። ኮይኑ ድማ ኩናትን ሰላምን ( ሰላም እካ ኣይፈልጣንዩ) ባዕሉ ብምእዋጅ፥ ደቂ ኤርትራ ኣብ ፈቐድኡ እንዳማት እንዳለኣኸ ከምዝቕዘፉ ይገብር። ሓታቲ ስለዘይብሉ ድማ እቲ ብሰንኪ ተግባራቱ ዝእከብ ዘሎ ሓደጋታት ጽባሕ ንግሆ ንኤርትራ ንወለዶታት ክሰጋገር ናብ ዝኽእል፥ ካብ የመን፥ ካብ ኮንጎ፥ ካብ ጅቡቲ፥ ካብ ደቡብ ሱዳን፥ ካብ ኢትዮጲያ፥ ካብ ሶማል፥ ካብ ኬንያ፥ ክመጽእ ዝኽእል ሕነ ናይ ምፍዳይ ሓደጋ ከምዘንጸላልዋ ይገብር ኣሎ። ዕላምኡ ብድሕሪኡ ሳዕሪ ዘይትቦቕላ ኤርትራ ምግዳፍ ስለዝኾነ እዚ ፍሕሶ ተጊሁ ዝዓዮ ዘሎ ተግባርዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕጂ ድማ ማእከላይ ምብራቕ ሃዊኹ ንዝበሎ በጋሚንዶ ጉጅለ መውረርያ ምግባሩ ግርም እካ እንተኾነ፥ ብዛዕባቲ ቀንዲ ግዳይ ናይቲ ጉጅለ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ብማዕረ ምናልባት ውን ብዝዓዘዘ ደረጃ ቆላሕታ ሂቡ ነቲ ብይን ኣብ መቓን ድሕነት ህዝቢ ኤርትራ ኣእትዩ ክርእዮ ይሕተት። ህዝቢ ኤርትራ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ባዕሉ ክመርሕን ክውድእን ዓቕሚ ኣለዎ። ይኹን ግን ከም ኣባል ማሕበረሰብ ዓለም፥ እቲ ዓለማዊ ጽላል ድሕነትን ህላወን ዝኾነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውን ናቱ እጃም ኣለዎ። ገዛእ ሃገሩ ንዕዳጋ፥ ደቁ ብዘይተሓታትነት ከም ደመ-ከልቢ ኣብ ፈቐዲኡ ዝዝሕዛሕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፥ ባይቶ ጸጥታ ዜድሕኖ ብይናት ኬኽብረሉ ይግባእ። ብዛዕባቶም ሃገሮም ዝሓተተትሎም ጅቡታውያን ምሩኻት ክሻገር ከሎ ብዛዕባቶም ሓታቲ ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ምሩኻት ውን ማዕሪኡ ክጭነቕ ይግባእ። ብሓጺር ኣበሃህላ ባይቶ ጸጥታ ነቲ ብሓለንጊ ሓደ ዕቡድ ሰብኣይ ዝኽትከት ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሓራ ከይገበረ፥ ነቲ ዞባ ሓራ ክገብር ዘይሕሰብ ሙካኑ ክግንዘብ ይግባእ። ሓርነት ሓደ፥ ሓርነት ሃገር፥ ሓርነት ሃገር ድማ ሓርነት ዞባ ስለዝፈጥር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Amanu October 29, 2015

    Forsa Deki Eri
    Today is a historical day Eritreans to come out and show the work we represent the voiceless Eritreans inside Ertitrea deserve justices and the criminals should be brought to the court

  • angesom October 29, 2015

    Aye sebay kemaka seleste eyom zedlyuwa eza hager

  • hp October 29, 2015

    ቃል ኣሰና ኢዋናዊ ኮይኑ ረኺበዮ።ኢወ ከመይ ዳኣ! “ብጽሉል ሰብን ዕቡድ ከልብን ኣይትወጻዕ ከም ዝበሃል”
    ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ከምዘሎ ዝስሓተ ብደዉ ክም ዝሞተ ኢዩ።ኢዚ ለዋህን በዓል ታሪኽን ህዝቢ ብሓያላት ከም ዝጉሰን ኢንኮላይ ብጎራብቱን ከም ዝህሰን
    ዘይፈልጥ ዘሎ ኣይመስለንን።ሃይለስላሴ ሓንቲ ከልቢ ኢያ
    ነይራቶ።ኢሰያስ ግን ኣርባዕተ ኣኽላባት ኣለይዎ መዓል ካሳ ኪሻ ሓሙሸይቲ ማንኪ (ህበይ)።
    ህዝቢ ነቂሑሎም ስለዘሎ ከም ቀደሙ ንሕቡራት ሃገራት
    ከይተጸበየ ይሓንን ከምዘሎ በጻሕቲ ኣስመራን ከባቢኣን ዘገንዘብዎ ሓቂ ኢዩ’ሞ ኢቲ ውጺኢት መርማሪት ኮሚሽን
    ንባይቶ ጸጥታ ሑቡራት ሃገራት መታን ክጸሊ ካብ ጀነቫ ንንዮርክ ተወርዊሩ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ዓወታት ይሓፍስ ስለዘሎ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም ዘሰክፍ ጉዳይ ኢይኮነን። መንኢሰያትና ብስደት ተሳሒሎም ኣለዉ። በዚሎሚ
    ከምዘይቀደም ንስደት ዘተባብዕ የለን’ሞ ዓወትና ናይ ግድን
    ኮይኑ ኣሎ።ውዕሎ ኒዮርክ ይተዓወት ሕልሚ ህግደፍ መታን ክጽልምት VIVa ASSENNA!!!

  • Genet October 29, 2015

    Any news from New york?

  • dictator October 30, 2015

    Emma nice ajoka tray ata wedi misaka teselifna alena

POST A COMMENT