Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብደወል ዓርቢ ሓርነት እዛ ልበይ ተሰቕለት! ካልኣይን መወዳእታን

ብደወል ዓርቢ ሓርነት እዛ ልበይ ተሰቕለት! ካልኣይን መወዳእታን ብደወል ዓርቢ ሓርነት እዛ ልበይ ተሰቕለት! ይበዝሕ ኣሎ ዘወጣውጠለይ ስሕለት እንቋዕ’ዛ ዓርቢ ሓለፈት! እብል ንሰሙን ምልስ ትብል ልበይ ግን ሓዊ ትኣጉድ ዓርቢ ትመጽእ ዝገደደት ይኣክል! ይኣክል! ዝብል ሒዛ ዘሰምብድ ጸዋዒት ከፊኦምኒ ከኣ ተኸዊሎም ዝተረፉ ሕቡኣት እናውጽኡ ተቐቢሩ

ብደወል ዓርቢ ሓርነት እዛ ልበይ ተሰቕለት!

ካልኣይን መወዳእታን

ብደወል ዓርቢ ሓርነት

እዛ ልበይ ተሰቕለት!

ይበዝሕ ኣሎ ዘወጣውጠለይ ስሕለት

እንቋዕ’ዛ ዓርቢ ሓለፈት!

እብል ንሰሙን ምልስ ትብል ልበይ

ግን ሓዊ ትኣጉድ ዓርቢ ትመጽእ ዝገደደት

ይኣክል! ይኣክል! ዝብል ሒዛ ዘሰምብድ ጸዋዒት

ከፊኦምኒ ከኣ ተኸዊሎም ዝተረፉ ሕቡኣት

እናውጽኡ ተቐቢሩ ዝበልኩዎ ምስጢራት

ክንበብ ይውዕል ኣሎ ኣብ ቅርዓት

ይፍኖ’ሎ’ሎ ብራድዮ ተለፎን ኢንተርነት

ግን ከፍሽሎ እጽዕር ኣለኹ ብዘለኒ መናፍሓት

መትሓዚ ስኢነሉ ዘለኹ ናይ ዓርቢ ሓርነት!

ገጢሙኒ’ሎ ዘይሓሰብኩዎ ቃልሲ ሞት ህየት

ኣንጻር ዘይፍለጡ ሰብ ይኹኑ ጽላሎት

ኣብ ዓዲ ዝቦቕሉ ይኹኑ ዝተመልሱ ካብ ስደት!

ከይተጻረ ከይኣቱ ትኸልኪሉ ከሎ ወላ ሬሳ ምውት

ኣሰር ከይገደፉ ዝንቀሳቐሱ ፍሉያት ፍጥረት?

ብዘይ መንቀሳቕሲ ወረቕት!

ንኸምዚኦም ንምሓዝ እንዲያ ዝተማህዘት!

ስለ ምንታይ ድኣ ዘይትሓዙ ከምቶም ካልኦት ሰባት!

ክልጥፉ ከለዉ ወረቐት ኣብ መንደቕ ድርኩዂት!

እንታይ ኢዩ እቲ ዝጥቀሙሉ ብልሓት!

ንግሆ ይእረ ዕጽፉ ወረቐት ይብተን ምሸት

ይኣክል! ይኣክል! ዝብል ህዝቢ ዘልዓዕል

ወይልኹም ንጥፍኣት ትስለፉ ምስ ህግደፍ!

ከይትድርበዩ ናብ ታሪኽ ጎሓፍ!

ዝብል ዝተመዝገቦ ቁጽሪ ዘይብሉ ስምዕታታት

እረዩዎ! ኣቃጽልዎ! መዓጹ ሸጉሩ’! እብል የሕልፍ ትእዛዛት

ማዕጾ ይርገጥ ግን መስኮት ወይ ሕጓ ይኽፈት

መእተዊ ዓርቢ ሓርነት

ወረቐት ይብትን ኣብታ ዘለኹዋ ከይተረፈት

ኣንጻር ህግደፍ ህዝቢ ክልዓል ዝጽውዕ ጎስጓሳት

ሽዑ ጽልል እብል ንዝረኸብኩዎ እምዓት

እንታይ ትሕሉዉ ኣለኹም! እንታይ ክሳብ ዝኸውን ትጽበዩ!

ክሳብ ፍልሖ ኮይኖም ዝበልዑኹም!

ብዘይ ንሕስያ ኩ-ስ-ት-ር! ዘይተብሉዎም!

ዋላ ነቶም ጸዋዒት ዓርቢ ሓርነት ሓቂ ዝመስሎም

እቲ ሕቶ ‘ሓቢርና ዶ ንጥፋእ ወይ ሓቢርና ንመክት’!

ዝብል’ዩ ስለዚ ድሉዋት ንኹን፡ንዕጠቕ! ኣርሒቕና ንጠምት!

ሕብረትና ኢያ ወሳኒት!

ብመስዋእቲ’ዩ ዝሕፈስ ዓወት!

ዓወት ንሓፋሽ’! ኢልና ንመርሽ ንቕድሚት

ከይወረደ ንኹልና ዝለኻኽም ስዕረት!።

ግን ም-ና-ል-ባ-ት! ም-ና-ል-ባ-ት!

ዝደናገጽ እንተሎ ምስ ዓርቢ ሓርነት

ሕጹብ’የ! ዝብል ከም ጲላጦስ

ዝዘንግዐ ከም ትስልበጥ ጥልመት

ቅድም ቀዳድም ኣብዚ ይወርዶ መቕዘፍት

ብድሕሪኡ ከኣ ብጽምዋ ይብላዕ ኣብ መንግስተ-ሰማያት!።

ናብ ፊሊጶስ ከኣ እሓልፍ እጣራዕ

ተቐላጠፍ ፈውሲ ድለ! ተበላሓት!

ዝጠርጠርካዮ ጦርጦስ ኣስፍር ወይ ስጎጎ ንስደት!

ሰራዊት ኣዋፍር ንህዝቢ ዝገፍፍ ዝዘምት

ብኸብዱ ሒዝካ ሰጥ ኣብሎ ኮስትሮ ብጥሜት

ወላ እኽሊ ቀውዒ ከይኣከበ ዝፈረየ ብክራማት

ዕድመ ስልጣና ዘናውሕ ጥራይ ይኹን’ቲ ብልሓት’

ዘጥፍእ ጥራይ ይኹን ንተካል ዓርቢ ሓርነት!

እንተዘይሎ ክጽውዕ’የ ነዞም ደምሒት!።

ንፊሊጶስ ኣጠንቂቐ ምስ ነብሰይ ይገጥም ሙግት

ንዓርቢ ሓርነት ዘጥፍእ ምምሃዝ ይቕጽል

ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት

ንሳ ግን ሰሲና ስለ ትሓድር

ንእርእሳ ክትብል’ያ ትወግሕ መሬት

ክገላበጥ ኣብ ዓራት

ካቦ ማኑዋለ ኮይነ ምጽናሕ ይሕሽኒ እብል ክሳብ ሓዲኣ ተፍልጥ

እመርሕ ነቶም ትም ኢሎም ኔው ነጀው ዝብሉ ምእዙዛት

ኣብኡውን ምስ ነብሰይ ይገጥም ሙግት

የለውን ድዮም’ዞም ባዶ ሰለስተ ሰላያት!

ብኽቡረይ ዶ እልይ ክብል ካብዚ ናብራ ኣኽላባት!

እብል፡ ኣእዳወይ የወናጭፍ፡ ይረእዩኒ ዝተቐንጸሉ ሰባት

ልውጥ እብል! ናብ ሰይጣን ጸረ-ሃይማኖታት

ኦሮማይ! ይብል ይረግማ ትዕድልተይ

ልበይ ይድፈን ይዕመት ዓይነይ

እርዳእ ዝሓለፈ ንምዕራይ ዕድል ከም ዘይብለይ

እሕልን ክቕጽል ምእሳር ምቕታል ህዝቢ ምጽናት!

ክሳብታ ‘መዓልቲ ፍርዲ ሓንቲ መዓልቲ ኣላ’! ዝተባህለት

ከም ሕሱም ዝፈርሃ መወዳእታ ዕለት!

ኢያ ትብል ካብ ውሻጠ ኢሳያስ ብምስጢር ዝተላእከት

ዝተቐድሐት ካብ’ታ ናብ ውሻጥኡ ዘነጻጸረት

ካሜራ ዓርቢ ሓርነት።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 12-02-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT