Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብድሆ መንእሰያት ኤርትራን – ፍትሑን ( ሰሚናር ዙሪክ – ብ ኣማኑኤል ኢያሱ)

ሃገር ብዘይ መንእሰይ መጻኢ የብላን፣ መንእሰይ ብዘይሃገር ከኣ ህይወት የብሉን። ኣብ ሃገርና ክልተ ሜላ ኣቆጻጽራ ግዜ እዩ ዘሎ። እቶም ርኡያት ናይ ግእዝን ፈረንጅን ኣቋጻጽራታት ማለተይ ኣይኮንኩን። ንግዜ ብዘይካ ብካላንደር፣ ፍሉይ ኣበርክቶ ወይ ተኣምር ብዝሰርሑ ሰባት፣ “ዘበን

ሃገር ብዘይ መንእሰይ መጻኢ የብላን፣ መንእሰይ ብዘይሃገር ከኣ ህይወት የብሉን።

ኣብ ሃገርና ክልተ ሜላ ኣቆጻጽራ ግዜ እዩ ዘሎ። እቶም ርኡያት ናይ ግእዝን ፈረንጅን ኣቋጻጽራታት ማለተይ ኣይኮንኩን። ንግዜ ብዘይካ ብካላንደር፣ ፍሉይ ኣበርክቶ ወይ ተኣምር ብዝሰርሑ ሰባት፣ “ዘበን ኩስቶ” እናበልካ ምዝካር ኣብ ያታዊ ሕብርተሰብና ዝውቱር እዩ።

ንኣብነት፣ ነቲ ብፈኸምታ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ዝፍለጥ 40ታትን 50ታትን ክንዝክር ከለና፣ ኣብ ኣእምሮና ዝመጽኡ ልሉያት ሃገራውያን ኣለዉ። ነቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንናጽነት ዝተኻየደሉ 60ታት፣ 70ታትን 80ታትን ክንዝክር ከልና ‘ውን ከምኡ እንዝክሮም ሰባት ኣለዉና። ድሕረ-ናጽነት ኤርትራ ግን፣ ርብዒ ዘበን፣ (25 ዓመታት) ኣሕሊፉ ‘ኳ እንተሎ፣ ኣብ ህዝባዊ ተዘክሮ ኤርትራውያን ኣሰር ዝገደፉ ልሉያት ሰባት የለዉን። ስለምንታይ?

እዚ ተርእዮ’ዚ፣ ኣብ ሃገርና ሓደ ዓቢ ፍሽለት ከምዘሎ ዘንጸባርቕ እዩ። ፍሽለት እንብለሉ ዘለና ምኽንያት፣ ኣብ ሃገርና ቅልውላው ብምህላዉ ኣይኮነን። እዞም ዝጠቐስናዮም፣ ሞያኦም ኣብ ደረጃ ምቝጻር ወይ ምዝካር ግዜ ዘብጽሖም ሰባት፣ ኣብ ቅልውላውን ጸበባን እዮም ዝፍጠሩ። ስለዚ ኣብ ሃገርና ቅልውላው ምህላው ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ዕድል ወይ ምቹእ ባይታ እዩ ክኸውን ነይሩዎ። ብግብሪ ግን ኣይኮነን።

ሕጂ እምብኣር፣ “ኣብ ኤርትራ ሽግር እናሃለወ ስለምንታይ ፈታሕቲ ሽግር ዘየለዉ? ስለምንታይ ሃጓፍ ናይ ሓደ ወለዶ ተፈጢሩ?” ኢና ንብል ዘለና።

ነዚ ናይ ቀረባ ታሪኽና እንተተወኪስናዮ፣ መብዛሕትኦም ነቲ ዘጋጠመ ብድሆታት ንምፍታሕ ብደረጃ መሪሕነት ስጉምቲ ወይ ከኣ Risk ዝወሰዱ መንእሰያት እዮም።

ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት፣ “ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተኸላኻላይ ታንኪ፣ ንስኻ ትጋደል ኣዴኻ ትበኪ” ክብሃል ከሎ፣ ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ መንእሰይ እዩ ነይሩ። እንተኾነ፣ እቲ ኣዴኡ ብጦርሰራዊት ትበኪ ምህላዋ እናተደርፈሉ ብናፍቖት ዝጥቀስ ዝነበረ ኢሳይያስ፣ ተመሊሱ ኣዲኡ ብምብካዩ ብምረት ክሳብ ዝዝከር ስለምታይ ካልኣይ ግዜ ተዋሂቡዎ? ስለምንታይ፣ ካብ መወዳእታ 60ታት ክሳብ 2015 ዓመተ ምህረት ንፍርቂ ዘበን ክዕንድር ተፈቒዱሉ? ኤርትራ ካልኦት ኣይወለደትን ዲያ?

እዚ ኩነታት ‘ዚ እምብኣር፣ “ኤርትራዊ መንእሰይ ስለምንታይ ‘ዩ ዋና ግዜኡ ካብ ምዃን በዅሩ ዘሎ?” ንዝብል ዕቱብ ሕቶ ናብ ምምላስ የምርሓና።

ሓዱሽ ወለዶ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ዝበለጸ ክኸውን ባህርያዊ ‘ኳ እንተኾነ፣ እቲ ዝቐደመ ወለዶ ነቲ ድሕሪኡ ዘሎ ከማርሮ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ካብዚ ባዕላዊ ምኽንያታት እልይ ኢልና፣ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ዝፈጠሩ ውድዓውያን ምኽንያታት ምድህሳስ ንቕሓት ፈጢርና ፍታሕ ክንረክብ ስለዝሕግዝ፣ ካብቲ ስምዒታዊ ገምጋማት ወጻኢ ትኩር መጽናዕትን ዘተን ከነካይደሉ ግቡእ እዩ።

ከምዚ ዝኣመትናዮ፣ እዚ ሕጂ ዘለናዮ መዋእል ኤርትራ ዋና የብሉን። እዚ ድማ፣ ፍሽለት መንእሰያትና እዩ ዘንጸባርቕ። ሕሰቡዎ! ብዛዕባ ሓደ ቀሊል ጉዳይ ኣይኮናን ንዛረብ ዘለና። መንእሰይ መጻኢ ናይ ሓንቲ ሃገር ከም ምዃኑ መጠን፣ ብኻልእ ኣዘራርባ፣ እዚ ኩነታት’ዚ እንተዘይተቐይሩ ወይ ናብ ንቡር እንተዘይተመሊሱ፣ “ሃገርና ቀጻልነት የብላን” ኢና ንብል ዘለና። ኤርትራ እንተዘይሃልያ ኸኣ መንእሰይ ኤርትራ ‘ውን ህይወት የብሉን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብዚ ከተማ ኣብ ዘካየድናዮ ቀዳማይ ዘተ ምስ ሕቶ መንነት ኣተኣሳሲርና ብሰፊሑ ከምዝተዛረብናሉ፣ ናተይ ዝብላ ሃገር ዘይብሉ መንእሰይ ኣብ ናይ ክራይ ህይወት እዩ ዝነበር።

ናይ’ዚ ፍሽለት ሓላፍነት ዝስከም እምብኣር፣ እቲ መንእሰያት ኤርትራ ንግዜኦም ክርከቡዎ ክቕርቦም፣ ከዋድዶም ዝነበሮ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብመላኡ፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት እዩ። እቶም መንእሰያት፣ ምልክት ወይ መግለጺ ናይቲ ጸገም ደኣምበር ጠንቂ ናይቲ ፍሽለት ኣይኮኑን። ንሳቶም ንርእሶም ግዳያት እዮም። እንተኾነ፣ ግዳይነት ‘ውን ካብ ሓላፍነት ሓራ ዝገብር ምኽንያት ኣይኮነን።

ኤርትራውያን መንእሰያት ግን ከመይ ኢሎም እዮም ግዳይ ኮይኖም?

ብድሆ መንእሰያት ኤርትራ እንታይ እዩ?

1. ተነጽሎ (Marginalization)

መንእሰይ ኤርትራ፣ ከም ተበላሓትን መሃዝን፣ ከም ፈጻምን ተካእን፣ ግዚኡ ዘፍቅደሉ ባህርያዊ ተርኡ ከይጻወት ሓሊኾም ሒዞሞ ካብ ዘለዉ ብድሆታት ሓደ ተነጽሎ (Marginalization) እዩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኣብነት፣ እጃሙ ከበርክት ምቹእ ባይታ ክፈጥሩሉ ካብ ዝኽእሉ ሰለስተ ወሰንቲ ባእታታት፣ በቲ ምልካዊ ስርዓት ብፍላጥ ተነጺሉ ይርከብ ኣሎ።

እዚኣቶም፣-

  1. ሕብረተሰብ
  2. ቴክኖሎጂ
  3. ፖለቲካዊ መድረኽ እዮም።

መንእሰይ ኤርትራ ካብዞም ሰለስተ ኣገድስቲ ባእታታት ከምዝንጸል ዝተገብረሉ ሓደ ቀንዲ ጥበብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ።

ስርዓት ኢሳይያስ፣ መንእሰያት ኤርትራ ገና ኣብ ማእከላይ ደረጃ ከለዉ ብኽረምታዊ ማእቶት፣ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ከይፈጸሙ፣ ዕድሚኦም ከይኣኸለ፣ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ከምዝወርዱ ብምግባር እዩ ካብ ሕብረተሰብ ክንጽሎም ዝጅምር። ደቂ 18 ዓመት ምስ ኮኑ ድማ፣ ብወግዒ ኣብቲ ዙርያታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸሚዱ፣ ኣብ ሰራዊት ከምዝስለፉ ብምግባር ምሉእ ብምሉእ ካብ ስድራቤቶምን ሕብረተሰብ ብሓፈሻን ይንጽሎም።

ኣብቲ ብ ቁጽሪ 82/1995 ብወግዒ ዝዘርግሖ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ንሃገራዊ ኣገልግሎት “ቀጻልነት ናጽነትን ልኡልውነት ሃገርን ንምውሓስ” ብዝብል ዕላማ ‘ኳ ክሽፍኖ እንተፈተነ፣ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ፕሮጀክት፣ ብስነኣእምሮኣዊ መንገዲ፣ ንመንእሰያት ብወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ሓጺብካ፣ ትእዛዝ ጥራይ ዝቕበሉ፣ ጊላዊ ጠባይ ዘለዎም፣ ምእዙዛትን ልኡማትን ዜጋታት ምግባሮም ክኸውን ከሎ፣ ብኣካል ከኣ ካብ ዓድታቶምን ከተማታቶምን ሓጊሒግካ ብምውጻእ፣ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሓይርካ ካብ ሕብረተሰብ ምንጻሎም እዩ።

ብሓጺሩ፣ እቲ ዕላማ፣ መንእሰያት መንኮርኮር ሕብረተሰብ ኮይኖም ነቲ ስርዓት ከይብድሁዎ፣ ካብኡ ሓሊፎም ኣብ ምቕያሩ መታን ከይዋስኡ ብኣካልን ብስነኣእምሮን ብኣግኡ ንምቍጽጻሮም ዝተወስደ ካብ ፍርሕን ትሑት ርእሰ-ምትእምማንን ናይቲ ስርዓት ዝነቐለ ስጉምቲ እዩ።

ስለዚ ንቓልን መንፈስን ናይቲ ኣዋጅ ብዝጻረር መንገዲ፣ ብግብሪ ሞራል ኤርትራውያን መንእሰያት ብምስባር፣ ቀጻልነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ።

እቲ ቀጺሉ፣ “ዋርሳይ-ይከኣሎ” ዝብል ስም ተጠሚቑ ዝተማህዘ መደብ ማእቶት ‘ውን፣ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኵናት ደው ምስ በለ፣ ነቶም ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ብዘይ ምኽንያት ምሓዞም ክፈጥሮ ንዝኽእል ጸገማት ንምቕጣን፣ ከምቲ ቆልዑ-ቱሪስት ኣብ ሑጻ ገማግም ባሕሪ፣ ኣብ Beach ዝገብሩዎ፣ “እናፍረስካ ስራሕ፣ እናሰራሕካ ኣፍርስ” ዝዓይነቱ፣ ንምጽማዶም ወይ ከኣ Busy ንምግባሮም ዝተኣልመ ተንኮል ደኣምበር፣ እቲ ስርዓት ከተግብሮ ዝወጠኖ ስትራተጂካዊ ውጥን ልምዓት ስለዝነበሮ፣ ዘተኣታተዎ መደብ ኣይኮነን።

እዚ “ዋርሳይ-ይከኣሎ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብነጻ ጉልበት ‘ቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተቖሪኖም ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ዝካየድ መደብ፣ ጽውጽዋይ ዓዲ ሓሎ ‘ዩ ዘዘኻኽረካ።

ኢሳይያስ፣ ናብቲ ካብ ኩሉ “መንግስታዊ ስርሑ” ቐዳምነት ዝሃቦ ዲጋ ዓዲ ሓሎ፣ ንጉሆ ንጉሆ ምውፋር ሓሊፉዎ፣ “ኣብ ደረት ናይቲ ዲጋ ቤትጽሕፈት ሰሪሑ ‘ሎ” ዝብል ዕላል ክትሰምዕ ከለኻ መቸም፣ እቲ ወግሐ ጸብሐ ናብ ጠንቆልቲ ናይ ምምልላስ ኣመል ዘለዎ ሰብኣይ፣ ‘ገለ ደኾን “ኣብ ዲጋ ዝዓቖረ ማይ ናብ ነዳዲ-ዘይቲ ይቕየር ‘ዩ” ክብሉ ሽሒጦሞ፣’ ብምባል “መወዳእትኡ የርእየና” እናበልካ፣ ነገሩ ንምፍላጥ ምጽባይ ዘምርጽ እዩ። ትጽቢትካ ከይተወድአ፣ ክረኽቡዎ ዝደልዩ ሰብ ቆጸራ ኣብቲ ናይ ዓዲ ሓሎ ቤትጽሕፈቱ ዓጕጎም ጭንን እናበሉ ከለዉ፣ “ኣብቲ ዕቋር-ማይ ጃልባ ገይሩ ክዛወር ውዒሉስ ከይረኸቡዎ ተመሊሶም” ክብሉኻ ኸለዉ ግን፣ እቲ ኣብ ሰማያት ኣስመራ ብሄሊኮፕተር ክዝንቢ ኸሎ ኣብ ቀጽሪ ሓደ ቪላ swimming pool ምስ ረኣየ ዓይኑ ደም መሊኡዎ ናብ መሬት ክነጥብ ከምዝደለየ ዝንገረሉ፣ ጽቡቕ ምርኣይ ሕልንኡ ዘየፍቅደሉ ሓሳድ ኢሳይያስ፣ ብነጻ ጉልበት መሳኪን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣዴታትን ኣብ ዓዲ ሓሎ መጀለቢ ዝኾኖ ዲጋ ምስርሑ ዕብዳኑ እትው ውጽእ ዝብሎ ‘ጆከር’ ምዃኑ የረጋገጸልካ።

“ፕረዚደንት” ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ናይ ዘለዋ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ሓሎ ዲጋ ሰሪሑ ብጃልባ ክዛወር ምርኣይ ዓሳታት ቀይሕ ባሕሪ ከይበልዑዎ ብህይወቱ ሰጊኡ መሕብኢ ክደሊ ድዩ ወይስ ምስቲ ብጊንጥነቱ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዝሰፈረ፣ ኣብ ዘዝኸዶ ቦታ ቴንዳ ዝተክል ዝነበረ ዓርኩ ቀዛፊ ክወዳደር ስለዝደለየ፣ ዘየስተንትን ኣይኮነን።

ብዝኾነ ዲጋ ዓዲ ሓሎ ካብ ኩሎም ናይ ኢሳይያስ ፕሮጀክታት ዋርሳይ-ይከኣሎ፣ ብኢሳይያስ እቲ ዝበለጸ ዓወት ተባሂሉ ዝግለጽ እንተደኣኮይኑ፣ ኣብ ኣስመራ ዝስተ ማይ ተሳኢኑ ኸሎ መጀለቢ ኢሳይያስ ስለዝኾነ፣ እዚ ብስም ‘ዋርሳይ-ይከኣሎ’ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝፈሰሰ ደም ዝተሓወሶ ረሃጽ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ከምቲ ቅድም ክንብል ዝጠቐስናዮ ጥበብ ልምዓት ሃገር ዘይኮነስ፣ ኢሳይያስ ዘጻወዶ መትሓዚ መንእሰይ ምንባሩ እዩ ዘረጋግጽ። ብዘይካ‘ቲ ብመንገዲ ሃገራዊ ኣገልግሎት እቲ ስርዓት ክወቕዖ ዝደሊ ንመንእሰያት ካብ ሕብረተሰብ ነጺልካ ካብ ተሳትፎ ለውጢ ናይ ምዕንቃጾም ፖለቲካዊ ዕላማ፣ እቲ ብዙሕ ሰብ ዕሽሽ ዝብሎ ተነጽሎ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን፣ ማሕበራዊ እዩ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተነጽሎ፣ መጀመርያ ኣብ ኣእምሮ ናይቲ መንእሰይ ኮነ፣ ብዓቢኡ በቲ ሕብረተሰብ፣ ስብእነት (Manhood) ናይቶም መንእሰያት ቅቡል ከምዘይከውን ዝገብር እዩ።

ንኣብነት፣ ኣብ 1995 ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ ኣብ ሰራዊት ብምጽንባር ክሳብ ሕጂ ናብ ገዝኡ ዘይተመልሰ ሽዑ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ዝነበረ ዜጋ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብፍቕዲ ዓመታቱ ወዲ 40 ዓመት ሰብኣይ ኮይኑ ‘ሎ ማለት እዩ። እዚ ዜጋ ‘ዚ ግን፣ ከምቲ ኣብ ሕብረተሰብና ሓደ ሰብኣይ ከም ንቡር ደረጃ ብደረጃ ክበጽሖ ትጽቢት ዝግበረሉ፣ ሞያዊ ስራሕ፣ መርዓ፣ ውላድ፣ ዋንነት ገዛ…ዝኣመሰሉ ጉዳያት ከማልእ ክፉት ዕድል ስለዘይረኸበ፣ ብዕድሚኡ ናብ ማእከላይ ዕድመ ተቓሪቡ፣ ስቤት ዘር ዘበለ ሰብኣይ ኮይኑ ክንሱ፣ ገና መንእሰይ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስምዖ።

ዋላ ብዓይኒ ‘ቶም ንሱ ክናብዮም ዝግባእ፣ ደሞዙ 500 ናቕፋ ጥራይ ብምዃነን በንጻሩ ዝናብዩዎ ወለዱ‘ውን ሰብኣይ ኣይኮነን። ሓሚቑ ዘይኮነስ፣ እቲ ስርዓት ብሃገራዊ ኣገልግሎት ኢደ-እግሩን፣ ኣእምሮኡን ቀይዱ ብዘውረደሉ ጸገም። ርእሱ ምኽኣል ኣጊሙዎ፣ ንመርዓ ይኹን ንሓዳር ርእሰ-ማልን ርእሰ-ምትእምማን ስኢኑ፣ ብወሰን ቆልዑ ምውላድ ጀሚሩ፣ መሊሱ ነቶም “ኣጽንሑለይ” ዝብሎም ስድራቤቱ ዝያዳ ጽዕነት እንተኾይኑዎም‘ሞ ኸኣ፣ ስብእነቱ ኣሰር ዝብሃል ‘ውን የብላን፣ ሓቒቓ‘ላ ማለት እዩ። ኣደዳ ውርደት ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ትርጉም ስብእነት ኣብ ሕብረተሰብና፣ ኣብቲ ርኡይ ነገራዊ መዳያት ተሓጺሩ ዝተርፍ ‘ውን ኣይኮነን። ምስ ነብሰ-ክብሪ ናይቲ ዜጋ ተኣሳሲሩ ዘመሓላልፎ ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን መልእኽቲ ‘ውን ኣለዎ።

ስብእነት ዘይምህላው፣ እቲ ውልቀሰብ ነብሰ-ክብሪ ኣጕዲሉ ነብሰ-ንዕቀት ከምዘማዕብል እዩ ዝገብሮ። ደቂ ተባዕትዮ በዚ ተርእዮ‘ዚ ስንፍና ክስምዖም ከሎ፣ እተን ብሰንኪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ መርዓ ግዚኤን ብምሕላፉ፣ ወይ ድማ፣ ግዳይ ዓመጽን ምትላልን ኮይነን ቅድሚ መርዓ ዝወልዳ ደቀንስትዮ‘ውን ‘ንቡር ዘይፈተና’ እናተባህላ ኣደዳ ውርደት እየን ዝኾና።

ከምቲ ሓደ ወጻእተኛ ተመራማሪ፣ ነዚ ጉዳይ ሃገራዊ ኣግልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣመልኪቱ  ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ክዛረብ ከሎ ዝበሎ፣ ህግደፍ፣ ደቂ 27 ምስ ኮና ንደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሸለል ኢሎም ክወልዳ ዘፍቅዱለን ናይ ምውላድ ባህገን ከማልኣ ስለዝሓለዩለን ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ኣብ ዝቕጽል ዙርያታት ዝኽተቡ ተዓለምቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይስእኑ፣ ክወልዳሎም ስለዝደለዩ እዩ።

እዞም ኣብ ርእስ’ቲ እቲ ስርዓት ኮነ ኢሉ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ተምበርኪኾም ልኡማት ኣገልግለቱ ከምዝኾኑ ንምግባር ዝወስዶም ስጉምታት ዝኽሰቱ ማሕበራዊ በሰላታት ተደማሚሮም ንመንእሰይ ወለዶ ኤርትራ ኣልሚሶም፣ ተስፋ ከምዝቖርጽ፣ ነብሱ ከምዝጸልእ ገይሮሞ ኣለዉ። ካብ ዶባት ኤርትራ ኣትሒዙ ክሳብ ኤውሮጳ ዝበጽሕ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ጉዕዞ ስደት ሞት ምህላዋ እናፈለጠ ናብ ስደት ይውሕዝ ካብ ዘሎ ምኽንያታት ሓደ ድማ እዚ እዩ።

ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኴንካ ኣብ ወተሃደራዊ ቀይዲ ይኹን መዓስከራት ወሰናስን ምስፋር ማለት፣ ካብቲ ብተዛማዲ ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ ዘለዎ፣ ከምኡ‘ውን ፖለቲካዊ ንጥፈታት ብዝያዳ ዝካየደሉ ማእከል-ፖለቲካ ምፍላይ ማለት ‘ውን ስለዝኾነ፣ ካብ ሓበሬታን ንቕሓትን ተነጺሉ፣ ንጡፍ ተዋሳኢ ንኸይከውን እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ኤርትራ ዝኣወጆ እገዳ ምዃኑ ኸኣ ሓተታ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ስለዚ እቲ ስርዓት፣ ንመንእሰይ ኤርትራ ካብ ሕብረተሰብ ብምንጻል፣ ልቢ ህዝቡ ሰሚዑ ወስ ከምዘይብል፣ ካብ ቴክኖሎጂ ብምንጻል ሓበሬታ ኣኪቡን ተመራሚሩን ከምዘይነቅሕ፣ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ብምንጻል ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ብንጥፈት ከምዘይዋሳእ ብምግባር፣ ስብእነቱ ከምዝስእን ገይሩዎ ኣሎ። መንእሰይ ኤርትራ ስብእነቱ ኣሕሊፉ ምሃቡ መቸም ቅቡል ኣይኮነን፣ ብእኡ ምኽንያት ከኣ ኢና ኣቐድም ኣቢልና፣ እቲ ተሓታቲ ብቐንዱ ግዳይ ዝገበሮ ስርዓት ‘ኳ እንተኾነ፣ መንእሰይ ኤርትራ ‘ውን ሓላፍነት ግዳይነቱ ከምዝስከም ዝኣመትና።

2. ኣብነት (Role Model) ዘይምህላው

ምስዚ ብማሕብራውን ፖለቲካውን መልክዑ ዝጠቐስናዮ ተነጽሎ ተተሓሒዙ መንፈስ መንእሰይ ኤርትራ ኣዳኺሙ ዘሎ ሓደ ካልእ ብድሆ፣ ኣብነት (Role Model) ዘይምርካብ እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ዝጥምቶ መሪሕ ስኢኑ ‘ሎ።

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ፣ ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ብዛዕባ ‘ቶም ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ስርዓት ደርግ ዝነበሩ መንእሰይ ኤርትራ ዝነበረ ሻቕሎት፣ “ስርዓት ደርግ ንመንእሰያት ብሳዕስዒት ወይ ከኣ ‘ናይት ክለብ’ ተቖጻጺሩዎም፣ ብዛዕባ ሃገራዊ ፖለቲካ ከምዘይሓስቡ ገይሩዎም፣ ካብ ሰውራ ነጺሉዎም” ዝብል እዩ ነይሩ። ምስቲ ኣብ ዜማታት ኣምሓርኛ ዝምዕብል ዝነበረ ትዅረት ደሚርካ‘ውን “ባህላዊ ወራር” እናተባህለ ይግልጽ ነይሩ። እዚ ሓቅነት ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ብዙሓት ካብቶም ካብ ኣስመራ ዝስለፉ ዝነበሩ ናብ ዓድታቶም ንንግደት ምስ ከዱ ብገርሆም ዝግፈፉ ወይ ከኣ ብላጅኢን ንሱዳን ክኸዱ ዝተታሕዙ ምንባሮም ይዝከር። እንተኾነ፣ ኣብ ቃልሲ ተጸንቢሮም ብቐረባ ኣብነታውያን ተጋደልቲ ምስ ረኣዩ፣ ነቲ ካብ ገዛ ዘውጽኦም ሓሳብ ረሲዖም ንሳቶም ‘ውን ተጋደልቲ ኮይኖም ጅግንነት ሰሪሖም እዮም። ስለዚ ኤርትራዊ፣ ኤርትራዊ ኮይኑ ብምውላዱ ጥራይ ብባህሪኡ ጅግና ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ጅግና ክኸውን ጅግና ክርኢ ‘ለዎ።

ይኹን’ምበር፣ ሕጂ እቲ ስርዓት፣ ነቲ ኣብ እዋን ገድሊ ዝነበረ ጅግንነትን ተወፋይነትን፣ ብጻይነትን ምትሕልላይን ዝኣመሰለ ስነግባራዊ ክብርታት ኣህሲሱ፣ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብና ከምዝርጋን ዝቕጸር ናይ መስተን ስኽራንን ወይ ከኣ ናይ “ድሙድሙ” ባህሊ ብምትእትታው ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ባህላዊ ዕንወት ዝኸፍአ እዩ።

ሕጂ ፍርሒ እናመለኾ ከይዱ ደኣ እግሪ ኣሕጺሩ ይኸውን እምበር፣ ብቐንዱ ኢሳይያስ ብቦዲጋርድስ ተሰንዩ ኣብ ናይት ክለብን ባራትን ዓሪዱ ክሰክር ከም ዘምሲ ዘይፈለጥ ኤርትራዊ መንእሰይ የለን። እቶም ንመንእሰያት ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ተረኪቦም ድላዮም ክገብሩዎም ብኢሳይያስ ስልጣን ዝተዋህቦም ጀነራላትን ኮለኔላትን ‘ውን፣ “ምስጢር እንተዘይህልዋ ዶ ኢሳይያስ ነዛ ኣረቂ ፈትዩዋ ኢልካዮ” እናተባሃሃሉ፣ መልሓሶም ኣብ ኣረቂ ተኣሊኹ፣ ኣእዳዎም ኣብ ጠላዕን ቁማርን ተጸሚዱ እዮም ግዜ ዘሕልፉ ዘለዉ።

መቸም እቶም ዓሳክር ኣብነት ኢሳይያስ ተኸቲሎም ኣብ መስተ ክእለኹ ከለዉ ዝዝንግዑዎ ነገር፣ ኢሳይያስ ብዊስኪ ኩሊቱ እንተመንጠለቶ፣ ወርቂ ቢሻ ካብ ዝመረጾ ሕክምና ኩሊት ከምትመልሰሉ ዝዘንግዑዎ እዮም ዝመስሉ። ንሳቶም እቶም ብስኽራን ዝተኻእሉ ይኹኑ እቶም ብሰንኪ ኣካይዳ ኢሳይያስ ብጓሂ ተሓሚሶም ክንሶም ክዛረቡ ትብዓት ዝሰኣኑ ውሑዳት፣ በብመንገዶም ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ እዮም ዝራኸቡ ዘለዉ።

እቶም ንርእሶም ዝኽተሉዎ ኣብነት ምምራጽ ጸጊሙዎም ዝባኽኑ ዘለዉ ጀነራላት፣ በዚ ዘለዉዎ ሃለዋት፣ ኣብነት ወይ ከኣ Role Model መንእሰያት ክኾኑ ብቕዓት የብሎምን። ንነብሶምን ንህዝቦምን ክጠቕሙ እንተኾይኖም፣ ኣብ ክንዲ ዝርጋን ኣያኦም ኢሳይያስ፣ ኣብነት ትብዓት ናይቲ ነታ ካብ ሸልኡ ዝወጽኣላ ንእሽቶ ናይ ግዜ መስኮት፣ “ልዕልና ሕጊ ኣኽብሩ፣ ዓመጽ እምቢ በሉ” ክብል ዝተላበወላ መዘናኦም ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ ክኽተሉ ነይሩዎም።

ኣብዚ ንእግረ መንገደይ ክጠቕሶ ዝደሊ ሓደ ቁሩብ ሕርኽርኽ ዝብለኒ ነገር እንተልዩ፣ ገለ ንቢተወደድ ብጅግንነቱ ከመጉሱዎ ዝደልዩ ግዱሳት፣ ብግርህና “ጀነራል ቢተወደድ” እናበሉ ምጥቃሶም እዩ። ብመንጽር ናይዞም ጀነራላት ኤርትራ ክርአ ኸሎ፣ ንቢተወደድ ጀነራል ምባሉ ኣነኣኢስካ ምግላጹ እዩ። ብቐንዱ ትሕዝቶ መልእኽቱን ራኢኡን ‘ውን ኣብ ናይ መራሒ ደረጃ እዩ ዘቐምጦ። እቲ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክሕሉ ዝተመቑሐ ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ፣ ምስቶም ንውልቃዊ ረብሓን በለጽን ክዝቡ፣ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘጽንቱ ዘለዉ ዘለዉ ጀነራላት ኢሳይያስ ክጥቀስ ኣይግባእን።

እቲ ዝገርም ገለ ካብ’ዞም ቢተወደድ ካብ ምሕዩር ንሓጺር ግዜ ምስ ወጽአ ዝረኽቡዎ ሓለፍቲ፣ ነቲ ፖለቲካዊ መርገጺኡን ትብዓቱን ብኣብነት ኣብ ክንዲ ዝስዕቡዎ፣ እንተፈሪሖም‘ውን ንመንእሰያት “እቲ ዝጠቅም ኣብቲ እንሀልኩም፣ ንዕኡ ስዓቡዎ፣ ንሕና ሞ የለናሉን” ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝእንፍቱሎም፣ ‘ከምዚ ኢሉ ዝዛረብ ዘሎ “ተጸሊሉ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም ከነኣእሱዎ እዮም ተሰሚዖም። ዝተጸለሉ ግን ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም እዮም። እንሆ ድማ፣ ጽላለ‘ቶም ሰብ ጽሩራ ግዜ መስኪሩሉ፣ ካብ ብርኮም ዝወጽኡ ደቆም ገሊኦም መጻወቲ ራሻይዳን በደዊንን ኮይኖም፣ ገሊኦም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም፣ ንሳቶም ከኣ ከም ሰቦም ዳስ ተኺሎም ክብጽሑ፣ ምስ ጽሩራኦም ንብዓት ጸረር ከብሉ፣ ክበኽዩ ተራእዮም። ካብዚ ዝኸፍእ ጥፍሽና ‘ሞ እንታይ ኣሎ። እዚኣቶም ሰብ ኣብ ምቕታል ንፉዓት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፣ ከምቲ ተጋዳላይ ቢተው ዝጠቐሶ ግን፣ “ጅግንነት፣ ሰብ ምድሓን ደኣ’ምበር ሰብ ምቕታል ኣይኮነን።” መንእሰይ ኤርትራ ደኣ ‘ሞ ካብዞም ወሰን ኢሎም ዘጥፍኡዎ ዘለዉ፣ ሰብ ምጥፋእ እምበር ሰብ ምድሓን ዘይተዓለሙ ጀነራላትን ኮለኔላትን እንታይ ክመሃር ይኽእል?

መሰል ደቂ ኣንስትዮ ክትሕሉ ኣደ ወንበር ሃማድኤ ዝኾነት ብዓልቲ መዚ፣ ጀነራል ብዓል ቤታ ካብተን ብሕድሪ ዝተረከበን ደቁ ዝኣኽላ ኣዋልድ እናወለደ ተጻዊራቶ ትኸይድ እንተደኣ ኮይና፣ ከመይ ገይራ እያ ነተን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፣ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምጥባቕ ኮነ ናይ ኣደነት ኣብነት ክትከውን እትኽእል? ንመንእሰያት ኤርትራ በቲ ስርዓት ተቐሪቡሎም ዘሎ ምህሮ እምብኣር፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ስኽራንን ዝርጋንን ባህሊ እዩ። እቲ ሽግር፣ እዚ ጸገም’ዚ ከይተዘርአ ከም ጻህያይ ዝበቖለ ዘይምዃኑ እዩ። ቡቕሊ ናይቲ ስርዓት ብቐንዱ ንመንእሰያት ካብ ንጡፍ ፖለቲካዊ ተዋሳእነት ምንጻል እዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ ኣዝዩ ዘፍርሓና ዝነበረ ናይ ደርግ ባህላዊ ወራር ዝኸፍአ ባህላዊ ዕንወት እዩ።

3. ጅሆ ናይ ታሪኽ ምዃን

እቲ ካልእ ህሉው ወለዶ ኤርትራ ዋና ግዜኡ ንኸይከውን ገጢሙዎ ዘሎ ብድሆ፣ መንእሰይ ኤርትራ ጅሆ ናይ ታሪኽ ኮይኑ ከምዝነበር ንምግባሩ ዝገጥሞ ዘሎ ክርክር እዩ።

እቲ ስርዓት፣ ኣብ መደበር ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ፣ ኣብ መራኸቢ ብዙሃኑ፣ ኣብ ዓመታዊ ብዓላት ናጽነት ኮነ ዝኽሪ ስዉኣት፣ ኣብቲ ብመልክዕ ፈስቲቫል ዘካይዶ ባህላዊ ጎስጓስ፣ ከምኡ‘ውን ኣብቲ ኣብ ናቕፋ ዘካይዶ ኣስተምህሮ ካድራቱ፣ ኣብዛ ሃገር ክብጻሕ ዝኽእል ጥርዝታት ኩሉ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ከምዝተበጽሐ፣ ካብኡ ንታሕቲ እምበር ካብኡ ንላዕሊ ክግበር ዝኽእል ዝተረፈ ነገር ከምዘየልቦ ኣምሲሉ፣ ንኣእምሮን ኣተሓሳስባን መንእሰያት ኤርትራ ምቕያዱ ኣዕናዊ ሜላ እዩ።

ልክዕ እዩ ተጋዳላይ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ እቲ ዝለዓለ መስዋእቲ ህይወት ከፊሉ እዩ። እቶም ኣብ ጥርዚ ህዝቢ ኤርትራ ሸሸይ እናበሉ ክነብሩ ዝደልዩ ተበለጽቲ ግን፣ ነቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ስዉኣቱ ዘለዎ ኣኽብሮት ብምምዝማዝ፣ ኣብ ኣእምሮ መንእሰያት ደረት፣ ኣብ ሰማያት ኤርትራ ድማ ናሕሲ ዘርጊሖም፣ “ኣብ ኤርትራ፣ ካብ ናይ ግዜ ሰውራ ንላዕሊ ታሪኽ ክስራሕ ኣይክእልን እዩ፣ ካብ ኢሳይያስ ዝዓቢ ሰብ ክፍጠር ኣይክእልን እዩ” ዝብል ኣጉል እምነት ከስርጹ ተኸራኺሮም። እንተኾነ፣ መስዋእቲ ተጋዳላይ መሰረት ሃገር እምበር ጥርዚ ሃገር ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፣ ዝበለጸን ዝዓበየን ጻዕርን ኣበርክቶን እዩ ንኽብረቱ ዝድርዓሉ።

4. ስደት

ስደት ሳዕቤን ናይዞም ክንጠቕሶም ዝጸናሕና ንመንእሰይ ኤርትራ ናብ ቅብጸተ-ተስፋ ዘብጽሑዎ፣ ብመሰረቱ ስርዓት ኢሳይያስ ዝፈጠሮም ብድሆታት‘ኳ እንተኾነ፣ እቲ ዝዓበየ ብድሆ መንእሰያት ኤርትራ እዩ። መንእሰይ ኤርትራ፣ ተነጽሎ ምስ በዝሖ፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ስራሕን መነባብሮን ውልቃዊ ናጽነት ተሓሪሙዎ ከም ጊላ በቲ ስርዓት ተወኒኑ ስብእነት ምስ ተኣገደ፣ ኣብነት ምስ ሰኣነ፣ ጅሆ ታሪኽ ክኸውን ተፈሪዱ ኣስፊሑ ከይሓስብ ከም ቆልዓ-ንሓዊ ሑሕ ምስ ተባህለ፣ ኮታ ኣብ ገዛእ መሬቱን ዘበኑን ከም ካልኣይ ዜጋ ምስ ተጸብጸበ፣ ንስደት ከም ኣማራጺ ህይወት ክኣትዎ ተገዲዱ።

ብልክዕ እንተደኣ ዘኪረዮ፣ መንግስቱ ኣብ ከባቢ 27 ዙርያ ብሄራዊ ውትድርና ምስ በጽሐ እዩ ወዲቑ‘ሞ፣ ነቲ ኣሰሩ ተኸቲሉ 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣቝጺሩ ዘሎ ኢሳይያስ ‘ውን መወዳእትኡ ደኣ ይግበረሉ ‘ምበር፣ ስደት ልክዕ ከም ዙርያታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ደረት ስኢኑ መመሊሱ ክግንፍል‘ዩ ዝርአ ዘሎ። ከምዚ ኢሉ እንተደኣ ቐጺሉ ኸኣ መጻኢ ኤርትራ ኣስጋኢ ክኸውን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝዘርጋሕናዮ ሓደ ግዱስ ሓው፣ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ መቐበሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተመርኵሱ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፣ ካብ ወርሒ መስከረም 2013 – ክሳብ ወርሒ መስከረም 2015 (ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ ወይ ክልተ ዓመት) ጥራይ 71,925 ኤርትራውያን ኣባላት ሰራዊትን ሲቭልን ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም።

ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ማለት ኣብ ሸሽዱሽተ ወርሒ ብገምጋም 20 ሽሕ መንእሰያት ንታዕሊም ናብ ሳዋ ዝወርዱ እንተድኣ ኮይኖም፣ ብውሑዱ እቶም ናይ ሰለስተ ዙርያ ተዓለምቲ ናብ ስደት ተበታቲኖም ኣለዉ ማለት እዩ። እቲ ከም ክሻታት ረዲኤት ሬንጀር ኸዲኑ ኣብ ጎልጎል ሳዋ ተጸፊጺፎም ክርእዮም ከሎ ፍሉይ ባህታ ዝስምዖ ኢሳይያስ ‘ውን ናይ ሓንቲ ዙርያ መንእሰያት ጥራይ እዩ ሒዙ ዝተርፍ ዘሎ። ነቶም ብሱዳን ወገን ዝሃድሙ ካብቶም ብኢትዮጵያ ዝስደዱ ዘይውሕዱ ኣብቲ ጸብጻብ ደሚርካ ንሰብኣዊ ብርሰት ኤርትራ እንተተመልኪትካዮ‘ሞ፣ ነቲ ኣሃዝ ‘ውን ክትኣምኖ ዘጸግም እዩ።

ብ14 ሕዳር 2014 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነዚ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ስታትስቲክስ ዘራጕድ እዩ። እቲ ጸብጻብ፣ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ጥራይ 34 ሽሕ ኤርትራውያን ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ዓዲ ጥልያን ከምዝኣተዉ ብምጥቃስ፣ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ እዋን‘ቲ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣተዉ ስደተኛታት 22 ሚእታዊት ብምሓዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ሶርያ ካልኣይ ደረጃ ከምዝኾነት የረድእ።

90 ሚእታዊት ናይቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ 18-24 ዝዕድሚኦም መንእሰያት እዮም። ሃገር ኣብ ሓደ ዓመት ክንድ’ዚ ዝኣኽሉ ኣፍረይትን ፈረይትን መንእሰያት ክትከስር ከላ፣ ብመንጽር ቀጻሊ ዕብየት ህዝባ ክርአ ኸሎ ሰለስተ ኣርባዕተ ዕጽፎም ትኸስር ከምዘላ ኣብ ግምት እንተደኣ ኣትዩ፣ ዕንወት ኤርትራ ከም ሃገር ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ።

ነዚ ኣብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ንመጻኢኣን ቀጻልነታን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሰብኣዊ ምቝንቋን ንምርድኡ ኣሃዛት ምቕማር‘ውን ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ዳርጋ ኣብ ሓደ ሰሙን ህዝቢ ብዜናታት ዝሰምዖ ሕቶ ዑቕባ 10 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ኣብ ቦትስዋና፣ 7 ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልተ ኣትለታት ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምዝርግሑ እኹል ጭብጢ እዩ። እዞም ካብቲ ሓፋሽ መንእሰይ ኤርትራ ተዛማዲ ዕድልን ሓለፋን ዘለዎም መንእሰያት‘ኳ በብዝኸዱዎ እናተሸርቡ፣ እቲ ኣደራዕ ውልቀምልኪ ብዘይንሕስያ ኣብ ዝባኑ ራዕ ዝብሎ ዘሎ ምስኪናይ መንእሰይ ምንፋጹ ዘገርም ኣይኮነን።

ብዘይካ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ብረሰት፣ እቶም ተስፋ ቆሪጾም እንተተመሰለሎም ዝነፈጹ መንእሰያት ንገዛእ ርእሶም፣ ተዛማዲ ናጽነት ዝረኽቡ‘ኳ እንተኾኑ፣ ኣብቲ ተወዳዳርቲ ዝበዝሑዎ ሓድሽ ኣከባቢ፣ ንህይወት ‘ሀ’ ኢሎም ካብ ዜሮ ክጅምሩዋ ኣብ ልዕሊ ምግዳዶም፣ ሓይሊ ናብራ ስደት ምስ ኩሉ‘ቲ ባህርያዊ ምረታቱ ስለዝምንጭቶም ህይወቶም ብዙሕ መለሳ ኣይረኽቡሉን።

ኣብቲ ሓድሽ ኣከባቢ ማሕበራዊ መርበባቶም ሕጹር ኮይኑ፣ ብጽመዋ ዝተኸበቡ እዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ጉዕዞ ስደት ንመሰጋገርቲ ዝኸፈሉዎ ገንዘባዊ ዕዳ ንንምኽፋል ዘለዎም ግዴታ፣ ቤተሰቦም ሸፊኖምሎም እንተኾይኖም‘ውን፣ ነቲ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ርእሱ ምኽኣል ስኢኑ ተጸባዪ ሓዋላ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ስድራቤት ናይ ምሕጋዝ ግዴታ ስለዘለዎም፣ ጸቕጢ (Stress) ኣለዎም። ስለዚ፣ ከምቲ ካብ ዓዲ ንደገ ክወጹ ዝህወጹዎ ዝነበሩ፣ ኣብ ደገ ኮይኖም‘ውን ብናፍቖት ናብ ዓዲ እዮም ዘቋምቱ።

እዚ ምናልባት ዝኾነ ስደተኛ ክሰግሮ ዘለዎ ጸገም ስለዝኾነ፣ ከም ፍሉይ ብድሆ መንእሰያት ኤርትራ ምጥቃሱ ትርጉም ኣይምሃበን። እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራውያን በጺሑ ነዚ መስረታዊ ዝኾነ ሽግራት ዘኽርሮ፣ ኣብ ወጻኢ ዝተተፋነነ ሕብረተስብ (Polarised community) ዝጸንሖም ምዃኑ እዩ።

እቲ ፈለማ ኩድጭ ኢሉ ዝጸንሖም ምፍልላይ፣ “ደጋፊ መንግስቲ – ተቛዋሚ መንግስቲ” ዝብል እዩ። እቲ ምክፍፋል ኣብኡ ዝውዳእ‘ውን ኣይኮነን። ሃይማኖት፣ ኣውራጃ፣ ዓዲ እናበለ ነቲ ሕብረተሰብ ዘዳቕቖ ምምቕቓል‘ውን ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ፣ ኣብ ሓደ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝኣምኑ፣ ኣብ ሓደ ከተማ ዝነብሩ ኤርትራውያን ከይተረፈ፣ ነዞም መፈላለዪታት ተኸቲሎም፣ “ማርያም ተቓወምቲ፣ ማርያም ደገፍቲ” ዝዓይነቱ ዝተፈላለየ ኣብያተ ክርስትያን ደኵኖም ክጎጃጀሉ ይረኣዩ። ስለዚ፣ እቲ ሕብረተሰብ ነቶም ዝመጽኡ ሓደስቲ መንእሰያት ነቲ ግዝያዊ ጸገሞም ኣብ ክንዲ ዘቃልለሎም ናብ ዝሓሸ ሃለዋት ክንዲ ዘሰጋግሮም መሊሱ ጸቕጢ (Stress) ይፈጥረሎም።

ዋላ እቲ ደምበ ፖለቲካዊ ተቓውሞ‘ውን ጥርኑፍን ውዱብን ስለዘይኮነ መለሳ ኣይረኽቡሉን እዮም። ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ታሪኻዊ ዕቋር ህዝባዊ ግንባር ክትሕንብስ ናይ ምንባር ዝንባለ ዘሎ፣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ደምበ ተቓውሞ ኸኣ ኣብ ታሪኻዊ ዕቋር ጀብሃ ናይ ምሕንባስ ዝንባለ ኣሎ። ዕቋር ግን ጨፈቕ ክትብለሉ እምበር፣ ክትሕንብሰሉ ኣይከኣልን እዩ። እንተኾነ፣ እቲ ካብዞም ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮም ጸበብቲ ፍልልያት‘ውን ሓራ ዘይኮነ ደምበ ተቓውሞ፣ ነቶም ውሑዳት ዋናታቱ‘ኳ ከሐንብስ ዘይከኣለ ዕቋር ኮይኑ፣ ነቶም ኣሽሓት መንእሰያት ቲፎዞ ክኾኑዎ ክድልሎም ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ስለዚ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኮነ ግዳም፣ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ይኹን ከም “ሰብኡትን ኣንስትን” ተኣሚኑሎም ተዋሳእቲ ክኾኑ ዕድል ኣይረኸቡን።

ኣብ መወዳእታ ሓደ ከነስተብህለሉ ዘለና ኣገዳሲ ጉዳይ፣ ስልጣን ንትግባረ ፖሊሲ ወሳኒ ከም ምዃኑ መጠን፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ስልጣን ገቢቶም ዘለዉ መራሕቲ፣ ከምቲ ንቡር፣ ንመንእሰያት ኤርትራ ከም ሃገራዊ መተካእታ፣ ማዕሪኡ ድማ ከም መላግቦ ህሉውን መጻእን ወለዶ ኣብ ክንዲ ምምልማሎምን ምሕብሓቦምን፣ በንጻሩ ገላዩ ግዝያዊ ስልጣኖም ክገብሩዎም መሓንቖ ኮይኖሞም ስለዘለዉ ደኣ ኢና ኣተኵርናሎም እምበር፣ መንእሰያት ንገዛእ ርእሶም ካብ ሓላፍነት ኣየምልጡን እዮም። ቀዳሞት ጠንቂ ናይቲ ጸገም እቶም እቶም ሰበስልጣን’ኳ እንተኾኑ፣ ቀዳማይ መፍትሕ ናይቲ ግድል መንእሰይ ኤርትራ ባዕሉ እዩ። መንእሰይ ማለት ኣብ መሓውሩ ሓይሊ። ጽዓት ወይ ኤነርጂ፣ ኣብ ኣእምሮኡ ማሕታ ዘለዎ፣ ስጉምቲ ወይ Risk ንምውሳድ ድሕር ዘይብል፣ ፍታሕ ክትኮበሉ ዘይጽበ ንጡፍ ዜጋ ክንሱ ስብእነቱን ግዚኡን እናተሓድገ ስቕ ኢሉ ክርኢ ኣየምሕረሉን እዩ።  ዋላ ኣብ ቅድሚ‘ዞም ኩሎም ዝተጠቕሱ መሰናኽላት፣ ቀይዲ በታቲኹ ብምውጻእ ሞተር ለውጢ ክኸውን ክዕጠቕ ኣለዎ። ብዓቢኡ ከምቲ እቲ ስርዓት ዓቕሙ ፈሊጡ ንመንእሰይ ዘነጻጸረሉ ወይ ታርጌት ዝገበሮ፣ መንእሰይ ኤርትራ ስርዓት ኢስይያስ ቁመና ጸላኢኡ ምዃኑ ብምስትብሃል ታርጌት ክገብሮ ይግባእ። እቶም ንግዜ ብዓመተ ምህረት ጥራይ ዘይኮነ ብስሞም ከምዝጽዋዕ ዝገበሩዎ፣ እቶም ካብ ግድል ዝሃደሙ ዘይኮነ እቶም ፍትሑ ኣወናዊኑዎም መሊሶም ዝቐረቡዎ እዮም። መንእሰይ ኤርትራ ምስ ግድል ክተሃላለኽ እምበር፣ ብግድል ክምለኽ የብሉን።

እቲ ካልኣይ ኣብ ፍታሕ ኢድ ክሕውስ ዘለዎ ብእኩብ ይኹን ከም ውልቀሰብ፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብሓፈሻ እዩ። ብልጭታ መንእሰያት ናብ ሓዊ ቀይሩ ሃገር ክውልዕ ዝብህግ ስርዓትን መንግስትን ኣብ ዝበኾረሉ ኩነታት፣ በንጻሩ ንመንእሰያት ከም ስግኣት ርእዩ ዝድህኽ ስርዓት ክሳብ ዘሎ፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንመንእሰያቱ ጩራ ተስፋ እናሃበን እናኣተባብዐን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ወለዶ ጋግ ከጽብብ ክኸራኸር ኣለዎ።

ብፍላይ ኣብ ወጻኢ፣ ሓደ ነዚ ሕጽረት‘ዚ ኣብ ምምላእ ዓቢ እጃም ክህልዎ ዝኽእል ባይታ፣ እቲ በብኸተማኡ ክውደብ ዝግብኦ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት እዩ። ንኣወዳድባኡን ረብሕኡን ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዙሪክ ኣብ ዝገበርናዮ ዘተ ኮነ ቅድሚኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኣብ ዘካየድናዮም ሰሚናራት ብሰፊሑ ተዘራሪብናሉ ስለዝነበርና ምድጋሙ ዘድሊ ኣይመስለንን።

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓሳት መንእሰያት መንኮርኮሩ ክኾኑ ከምዘለዎም ግን ድርብ መስመር ዘድልዮ እዩ። እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ኣብ ማእከል ገይሩ ልቦናን ተመኩሮን ቀዳሞት ምስ ሓድሽን ሚዛናውን ኣተሓሳስባን ሓሳባትን ህሉው ወለዶ እናዋሃሃደ፣ ብድርኺት መንእሰያት እናተጓሃሃረ ናይ ምግስጋስ ልዑል ተኽእሎ ኣለዎ። ኣብዚ ብህዝባውነቱ ዝልለ ናይ ሓፋሽ መድረኽ ከኣ መንእሰያት ዕዱማት ዘይኮነ ዋናታት እዮም ክኾኑ ዘለዎም።

የቐንየለይ

31 ጥቅምቲ 2015

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Berhe Tenesea November 1, 2015

    Excellent job, The youth must increase the pressure, and take the ownership of the country by removing the noon Eritreans from power.
    The people have suffered more than enough at the hands the most cruel and illegal leader in the world.
    The Eritrean people must remove and discard anything that have to do with Iseyas including his children or family.
    The final doom is coming and it will be very unforgiving .
    Victory to the People who are in constant pain.

    • Yiakel November 1, 2015

      I am sure a lot of people agree with you, the guestion is who is going to kill them? Internet?

  • AHMED SALEH November 1, 2015

    Ghedli at least produced many young generation to make history
    but after independence the leadership interest was to produce
    followers than future leaders . In fact to close the only
    UNIVERSITY of the country was well planned decision for that
    purpose including their tactics to demoralize or discourage
    educated nationals also had secrets behind the purpose .
    For that reason for the last 25 years we never heard or saw
    new faces of promising future from our youth except sad news .
    Enough is enough , it is not too late to fight back against
    enemy inside your house before he destroyed entire family .
    I am against killings but to save your brothers and sisters ,
    I can’t object , why not ?

    • AHMED SALEH November 1, 2015

      Amanuel brought interesting argument about calling General
      Biteweded to disconnect his name from those corrupted
      military general with innocents blood in their hand .
      I agree , since he stand in principle of Ghedli as TEGADALAY
      to the end and myself I prefer Eritrean people given title
      TEGADALAY for time being in honor of life long sacrifices .

  • Kokhob Selam November 2, 2015

    Good job

  • Eritrawi November 2, 2015

    Aman, Hayet!
    I Just came back yesterday from New York Demonstrations. The new Eritrean Youth generations are ready to lead our beloved mother Land in bright peaceful High way. Time is a factor. The lame duck Gang leader days are numbered.
    Job well done.
    Be well.

    • AHMED SALEH November 3, 2015

      I had opportunity to go straight to Aman to give brotherly Eritrean
      way of love with hugs and cheek kisses even though he look surprised
      thinking one of his old acquaintance . He might forget thousands of
      thousands friends deep in soul connected with him .
      I saw how Eritreans in NY demonstration weren’t surprised to see him
      around like they expect his presence was granted . It is God blessing.
      By the way when I saw a lady which attracted my attention , I asked
      the person on my side and he said that is Elsa Churum , how nice to
      finally among people who inspire the fight of modern Eritrea . I took
      out my phone to take picture especially for those important people in
      our current current struggle for justice and reform .
      Eritrawi , it was beautiful typical Eritrean gathering without false
      extravaganza for impression . We came willingly free from anybody
      pressure just to participate for civil right freedom either be HGDF
      or opposition leadership influences and I love it .

  • Aklilu November 3, 2015

    Good job!

POST A COMMENT