Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብድሆ ንጌዴዎን ኣባይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት።

ብድሆ ንጌዴዎን ኣባይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት። ጌደዎን ኣባይ ኣብቲ ብህግደፍ ዝተውደበ ኣኼባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ወካሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ኮይኑ እዩ ክምድር ውዒሉ። ካብቲ ብዙሕ ናይ ሃለውለው መደረታቱ፣ ኤርትራዊ መንነት ብሃይማኖት ኣመልኪቱ “ካብ ምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ

ብድሆ ንጌዴዎን ኣባይ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት።

ጌደዎን ኣባይ ኣብቲ ብህግደፍ ዝተውደበ ኣኼባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ወካሊ ሃይማኖታት ኤርትራ ኮይኑ እዩ ክምድር ውዒሉ።

ካብቲ ብዙሕ ናይ ሃለውለው መደረታቱ፣ ኤርትራዊ መንነት ብሃይማኖት ኣመልኪቱ “ካብ ምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓውካ ምስ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ሽወደን ዘሎ  ወዲ ሃይማኖትካ ሕውነት ምግባር፣ ኤርትራዊ መንነት ምህሳስ እዩ።

ንምንታይ ምስ ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ ኣምሓራይ ኣምልኽ ትበሃል? ምስኦም ምምላኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ምህሳስ እዩ። ምስ ኬንያዊ ላይበርያዊ ዘይተምልኽ? ኤርትራዊ መንነት፣ ናብ ግብጺ ኣይሽየጥ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣይልወጥ፣ እዚ ቀሺ ይበሎ ሼኽ ይበሎ ኣይቅየርን እዩ።”

እስኪ ብዛዕባ ጌደዎን መን እዩ ብዙሕ ዘየገድስ ጉዳይ እኳ እንተ ኾነ፣ ኤርትራዊ መንነት ምስ ሃይማኖት  ኣልዒሉ ክዝትን ክምድርን ግን ብሞራላዊ ይኹን ተግባራዊ ፈጺሙ ዘይምልከቶ ሰብ እዩ።

ምስ መዕበያኻ ጥፋእ፣ ዝበሃል ምስላ ምስ እዞም ክቡራት ወለዲ ከም ክቡር ኣቶ ኣስመሮም ኣባሓጎ ጌደዎን ብኦርቶዶክሳዊ እምነቶምን ስነ ስርዓቶምን ዝተፈልጡ ክቡርን ወረጃን ኣቦ ከይንትንክፍ ኣዚና ምጥንቃቕ ስለ ዘድልየና፣ ነቶም ብኽቡሮም ክብሪ ሰብን ክብረቶምን ዝሓለዉ፣ ኣሕዋትን ኣሓትን ጌደዎን ዘሎና ኣኽብሮት ኣብ ቦትኡ እዩ ምስ ዘይመላዕልትካ ምልዓል ግቡእ ኣይኮነን።

ጌደዎን፣ እሞ በል ኣብ እቲ ደንቆሮን ነውራምን ኣበሃህላኻ ክንምለስ፣ ምስ ዝመስለካ ሃይማኖት ምምላኽ ኤርትራዊ መንነትም ምድምሳስ እንተ ኮይኑ፣ ንምዃኑ ኤርትራዊ መንነት ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰር እንተ ኮይኑ፣ እቲ ጎይቶትካ በዓል ኢሳያስን ክሻን ፣ ነቲ ንስኻ ተምልኸሉ ዝነበርካ ሓቀኛ ሃይማኖት ኢልካ ኣሚንካ ተወሊድካ ዝዓበኻሉ፣ ናይ ኣድቨንቲስት ሃይማኖት ብቀዳማይ ደረጃ ድሕሪ ናጽነት ምዕጻዎምን ንስኻን ደቂ ሃይማኖትካን ከይትጽልዩ፣ ከይትእከቡ፣ ዝዓሸግዎ፣ ኤርትራዊ መንነት ንምህሳስ ዝኹስኩስ እዩ ነይሩ ማለት ድዩ? እሞ ንስኻ ደኣ ካብዚ ዒላ እዚ ቀዲሕካ ዝሰተኻ ብከመይ ኢኻ ሕጂ ኤርትራዊ መንነቱ ዘይሃሰሰን ዘይተበከለን ክትውንን? ብርግጽ ኣድቨንቲስት ሃይማኖት ጸረ ሃገር ኣይኮነን ኮይኑውን ኣይፈልጥን፣ ክንደይ ለባማትን ወረጃታትን ዘለውዎ ሃይማኖት ክንደይ ሊቅውንቲ ንሃገሮም ዝተሰውኡሉ ሃይማኖት እዩ።

ሓቂ እዩ ኤርትራዊ መንነት ምስ ብዙሕ ባህልን ስርዓታትን ሃይማኖታት እንዳባ ምትሕሓዛ ኣለዎ። ሓቢርካ ስዋ ዝክር ምስታይ፣ ህድሞ ክትድብድብ ኣደይ ማርያም ሓግዛና ናይ ወፈራ፣ ወዘተ… እሞ ንስኻ ደኣ ኣብ ባይቶ ዓዲ ኣቦኻ ስዋ ዝክር ኣይጠዓምካ፣ ማርያም ሓግዝና ኢልካ ወፈራ ኣይወፈርካ፣  ከምይሲ ውጂ (ውጂ ማለት ውጹእ ውጉዝ ፍሉይ ማለት እዩ) ኢኻ ብሃይማኖትካ፣ ብኣየናይ ምዕቀኒ ደኣ እሞ ንስኻ ብዛዕባ ሃይማኖት ተዋህዶ ክትዝትን ክትምድርን መሰልን ግቡእን ዘሎካ?

ምስ ወዲ ሃይማኖትካ ብፍላይ ድማ ምስ ግብጻውን ኢትዮጵያውን ሓቢርካ ምምላኽ ክድዓት ሃገርን፣ ኤርትራዊ መንነትን ምህሳስ እዩ ኢልካዮ፣ ምስ ወዲ ኣድቨንቲስት ወዲ ሽወደን ምምላኽ ግን ንኣኻን ንመሰልትኻን ሓላልን ኤርትራዊ ክብረትን እዩ ማለት ድዩ? ወይስ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ረጽሚ ንምፍጣር እትምህዝዎ ዘሎኹም ህግደፍውያን እዩ?

ኤርትራውያን ኣመንቲ ካቶሊኽ’ውን ኣለዉ፣ ፖፕ ናቶም ኤርትራዊ ኣይኮኑን ኣብ ኤርትራ’ውን የለውን፣ ኣብ ሮማ ኮይኖም ግን ንኣብ ኤርትራ ዘለዉ  ኣመንቲ ካቶሊኽ ሃይማኖት ይእዝዝዎም፣ እሞ እቶም ኤርትራውያን ካቶሊክ ዘይወዲዓዶም ፖፕ ስለ ዝኣዘዞም ኤርትራውያን ኣይኮኑን ማለትካ ድዩ? ካባኻ ንላዕሊ ኤርትራውያን እምበር ዝሰንከሉን ዝተሰውኡን ዘይተሓብኡን ጋሻ ጸልማትን ብርሃን ዘእንገዱ ሃገራውያን።

ዓላማን ተልእኾን መደረኻን፣ ንመን ንምጥቃዕን ንምህሳይን ዝዓለመ ምዃኑ፣ ዋላኳ ስም እንተዘይጠቐስካ፣ ብቐጥታ ንናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ኣመንቲ ኢኻ ትጸርፍን ትዝልፍን ዘሎኻ። ምኽንያቱ፣  ብዙሕ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊ ብምዃኑ ብቐጥታ ሃይማኖቱ  ብሰንሰለት ብግብጺ ስለ ዝመጾ፣ ዝበዝሐ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ  ብሃይማኖት ሕብረትን ሓድነትን ዘለዎ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብምህላዉ፣ ሓደ ቋንቋ ግእዝ ሓደ ስርዓት ኣምልኾ ስለ ዝኽተል፣ ኣብ ሓደ መቕደስ ይቕድስ፣ ሓደ ኣምላኽ የምልኽ ማለት ገበን ኣይኮነን። ኤርትራዊ ኣስላማይ ምስ ወዲ ስዑዲ ኣስላማይ፣ ኤትራዊ ካቶሊኽ ምስ ጣልያናዊ ካቶሊኽ ኤርትራዊ ፕሮትስታንት፣ ምስ ስዊድናዊ ፕሮትስታንት ሓቢሩ እንተ ኣምለኸ፣ ገበንን ኣበሳን ክሳብ ዘይኮነ፣ ከመይ ኢሉ ንኤርትራዊ ኦርቶዶክስ ምስ ግብጻዊ ወይ ኢትዮጵያዊ ኦርቶዶክስ እንተ ኣምለኸ፣ ሃገራዊ ክድዓትን ኤርትራዊ መንነት ምጥፋእን ይኾኖ?  እቲ ነገር ንጹር እዩ። ፖለቲካዊ መኸወልን መጋረጃን ገርካ፣ ንሃይማኖት ተዋህዶ በይኑ ንምንጻሉን ንምውቅዑን እትገብሮ ዘሎኻ መልእኽቲ ጎይቶትካ ምዃኑ፣ ይትረፍ ወዲ እቲ ሃይማኖት፣ ከምዚ ከማኻ ናይ ወለዶታቶም እምነት ረጊጾም ዝኸዱ ውጅታት’ውን ዝጠፍኦም ኣይመስለናን።

ኤርትራዊ መንነት ብቓልስን መስዋእትን ዝመጸ ምዃኑ ክትገልጽ ፈቲንካ። እወ ሓቂ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ካብ 2-8 ስውኣት፣ ካብ 2-5 ስንኩላት፣ እንዳ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ገዛ፣ ተኸፊሉ እዚ ግን ብጀካ ገዛኹምን እንዳ ኣቶ ገብሪሂወት ኣቦ ሓጎስ ኪሻን ማለት እዩ። ጌደዎን ንስኻ ከም ሰብ ነዚ ቃላት እዚ ይትረፍ ክትዛረቦ ሰባት ክዛረብዎ እንከለዉ ናይ ብሓቂ ምስ ልብኻ እንተሊኻ  ክትሓፍረሉን ክትሽቑረረሉን ዘለካ እዩ። ከመይሲ ሰብ ክቃለስ ኣይተቓለስካ፣ ሰብ ክስዋእ ክስንክል ይትረፍ ክትስዋእ ክትስንክልሲ ጨና ባሩድ ኣይሸተተካን ኣይትፍልጦን። ብሰንክኻ ደኣ ካልኦት ከይንልክም እምበር፣ ኩሉ ኤርትራዊ ጓለየ ወደየ ኢሉ ክበኪ ክሓዝን መስዋእቲ ደቁ ክሰምዕ፣ ስንኩላን ደቁ ክቕበል፣ ኣቦኻን ኣዴኻን ብመስዋእቲ ደቆም  ጓለየ ወደየ ኢሎም ዶ ሓዚኖም? ብኣብ ኲናት ዝሰንከሉ ደቆም ብቓንዛ ስንክልንኦም ዶ ነቢዖምን ተሰቂቖምን? ገዛኹም ስእሊ ስውእ ሓውካ ወይ ሓፍትኻ ተሰቒልዎዶ? መልስኻ ኣይተሰቐሎን እዩ።  መን ኢኻ ደኣ እሞ ሕጂ ቀውዒ ሰፍኢ ስለ ዘቐበልካ፣ ቀላሲ ኮንካ ብዛዕባ መንነት ኤርትራ ክትዛረብ? ዓሻስ ክንዲ ዝስተር ይግተር ከም ዝበሃል ዘይትሓፍር ዘይትሓንኽከ?  ስቕ መን ከልኣካ፣  መን ከብድኻ ጠወቐካ፣ ብመስዋእቲን ስንክልናን ዝኽትምናን ካልኦት ክትወራዘን ኤርትራዊ መንነት ከተጥሪ ትፍትን?

ንምዃኑ መእሰይ ኤርትራ፣ ኣረገውቲ ወለዱ ብዘይጠዋሪ ሓዲጉ፣ ኣፍ ዘየጽረዩ ህዛናት ራሕሪሑ፣ ቁንጭልጭል ዝብላ ጎራዙ መርዑ ጠንጢኑ፣ ዝመሃር ትምህርቱ ኣቋሪጹ፣ ካብ ጥዑም ናብራን ትምህርትን ካብ ኣሜሪካን አውሮጳን ናብ ሜዳ ኤርትራ ክውሕዝ እንከሎ፣  ንስኻ ኣበይ ነርካ? መልስኻ ኣብ ኣመሪካ ተሓቢአ ይመሃር ነይረ ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን። እሞ ደኣ ብዋጋ መን ኢኻ ሕጂ ኤርትራዊ ክትከውን? ወለዶ ጸብጺብካ? ብዘይናትካ መስዋእትን ስንክልናን ብናይ ካልኦት ንስኻ ከተጋይጽ? ነውሪ!

ካልእ ካብቲ ዘገርም፣ ዘረባ ጎይቶትካ ኢኻ ትደግም ነርካ። መንእሰያት ኤርትራ ኣመሪካ ተህድሞም ኣላ እዩ። ኣበይ ኮይኑ እዩ ዝብሎ ዘሎ እዚ ቃል ዘገርም ኣብ ኣሜሪካ ኮይኑ እዩ? ኣመሪካ እንታይ ክትገብር መጺእካ? ርስቲ ኣቦኻ ድዩ ጉልቲ ኣቦኻ? ረጒድ እንጌራ ክትበልዕ፣ ደቅኻ ኣብ ዝሓሸን ዝበለጸን ትምህርቲ ክመሃሩ እሞ ኣብ ዝሓሸ ናብራ ክነብሩ ዶ ኣይኮንካን? ስለምንታይ እዚ ዕድል እዚ ንኹሉ ኤርትራዊ ክኾነሉ ዘይትምነ? ካብቲ ሓሳድ ጠበቓ ዝበልካዮ ደኣ እሞ ብምንታይ ኢኻ ክትፍለ?

ኤርትራ ገነት ከም ዝኾነት ኣምሲልካ ክትገልጻ ትፍትን፣ ኤርትራዊ ግን ኣብ መዋእላት ከምዚ ዓይነት ናይ ምድሪ ገሃነም ሃገር ገጢማቶ ኣይትፈልጥን፣ ቁጽሪ እምበር ታሪኽ ስለ ዘትፈልጥ ግን ንምርድኡ ንኣኻ ከቢድ እዩ። ሓንቲ መዓልቲ ብዛዕባ እዚ ዝጸንት ዘሎ ወለዶን፣ ኣብ ምድሪ በዳታት ሲናይ ዝመውት ዘሎ መንእሰይን ተቐንዚኻ ኣይትፈልጥን። ከመይሲ ኣብ ኩርኳሕ መደቀሲኦም ስለ ዘይደቀስካ። መንእሰይ ኤርትራ ሃገሩ ብሰንኪ ከማኻን ንስካን ጎይቶትካን ሲኦል ገሃነመ እሳት ተቐይራቶ፣ ሃጽ ኢሉ ጠፊኡ፣ ኣብ በረኻትታ ሲናይ፣ ብኤሌክትሪክ እናሓረረ፣ ንኣዲኡ ኣደይ ይቃጸል ኣሎኹ፣ ርድእኒ ኢሉ፣ ኣውያቱ ኣብ እዝና  ከስምዓ፣ ኣውያት ወዳ ወይ ጓላ፣ ኣዴኻ ኣብ እዝና ኣሎዶ፣ ንስኻኸ፣ ንመውጽኢ ሓውካ ወይ ሓፍትካ ካብ ሲና፣ ዝገብርካዮ ነገር ኣሎዶ? መልስኻ፣ የለን ከመይሲ ኣይንታይካን ስለ ዝኾኑ፣ ሰብ ክቃልስ ንስኻ ትድቅስ ሰብ ክደኪ ንስኻ ብጉልበቶም ትህብትም ስለ ዘሎኻ። ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ስለ ዝኾነ ድማ፣ ጸጊቦም ከም እትብል እግምት። ጽጋቦም ንደቅኻ ይግበሮ ግን መርገም ናብቶም ንጹሃት ከይሓልፍ።

ሓንቲ ነግር ግን ኣይትከወልካ፣ ኩሉ ግዚ ቀትሪ ኮይኑ ዝስምዓካ ዘሎ ምሸትን ጸልማትን ይመጽእ ምህላዉ ኣይትስሓት፣ በዚ ሕጂ ትብድዓሉ ዘለኻ ሃይማኖትን፣ መንእሰይን ትሕተተሉ እዋን ከም ዘሎ። ካም ቃንዛ ኩርምቲ ከደቅሰካ ከም ዘይብሉ አዘክረካ።

ኣድራዕን ብደዐን ከብቅዕ እዩ፣ ዲክታቶርን ሰዓብትን ጸሓዮም ትዓርብ ኣላ። ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ።

ኤርትራዊ ብተግባር።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
91 COMMENTS
  • Rahwa December 21, 2013

    Dear Tes

    I read your comments. Partial I agree with you but I strongly disagree with ur point
    *You better stop arguing here for your identity. Genet has every right to question your identity and your relative Gedowon*.
    DR Gidewon represents himself, does represent us. so talk about him and not about the entire family. It is my absolute right to defend about my family and our Identity. It is becoming a fashion to blame any one who comes with his own idea or is against his ideology to give a name and is said he is from this place and that. This is a weak argument for me. Fight with him regardless of his identity and try to bring him on ur side. I hope u got my point.

1 3 4 5

POST A COMMENT