Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብ/ጀነራል ካሳዬ ጨመዳን ስርሒት ፈንቅልን፡

ብ/ጀነራል ካሳዬ ጨመዳን ስርሒት ፈንቅልን፡ 08,02,2019፡ ብሰሪ ዳግማይ ኲናት ባዕዳዊ ስነ-ሓሳብ ሃገርና ገዲፍና ብምኹብላልና ንርእሰይ ኣብ ጀርመን’የ ዝቕመጥ። ኣብ መንበረይ ተኾዲመ መስኮት ተሌቪዥን ክርኢ እንከለኹ ድማ ከምዚ ናህና ዓለም ብዓለማ ኲናት ከምዝወረራ ክዕዘብ እውዕልን እ ሓድርን።

ብ/ጀነራል ካሳዬ ጨመዳን ስርሒት ፈንቅልን፡ 08,02,2019፡

ብሰሪ ዳግማይ ኲናት ባዕዳዊ ስነ-ሓሳብ ሃገርና ገዲፍና ብምኹብላልና ንርእሰይ ኣብ ጀርመን’የ ዝቕመጥ። ኣብ መንበረይ ተኾዲመ መስኮት ተሌቪዥን ክርኢ እንከለኹ ድማ ከምዚ ናህና ዓለም ብዓለማ ኲናት ከምዝወረራ ክዕዘብ እውዕልን እ ሓድርን። ሰብ በቢዝወጾ ከይተራኸበ ተበታቲኑ ናብ መቓብሩ ከምዝወርድ’ውን እርኢ’የ። ምናልባሽ ሰብ-ሰርሖ ወይድማ ካልእ ባህሪያዊ ነገራት ብሞት ይኹን ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ከምዘይነበረ ክዓኑ እንከሎ ከም ንቡር ክቑጸር ይከኣል ይኸ ውን። እቲ ብኣምሳል ፈጣሪ ዝተፈጥረ ሰብ እሞድማ ብሂወቱ እንከሎ ካብ ዓዱን ህዝቡን እንተተሰዊሩ ግና ኣይንቡርን።

ብፉሉይነት ንምጥቃሱ እቲ ጠንቂ ምስዋር ብሰንኪ ኲናት ምስዝኸውን ብሰብኣውነት ተጠሚቱ ዝተበታተና ስድራታት ዳግማይ ንምጥርናፍ ተባሂለን ብዝቖማ ዓለማዊያን ትካልላት፡ ጥፉኣት ንምንዳይ ቡዙሕ ጻዕሪ ከምዝግበር’ውን እዕዘብ።

ኣብ ጀርመን “RTL.de” ትብል ፈነወ ተሌቪዥን ኣላ። ሓደ ካብ መደባት RTL ድማ እቲ፡ “ፈርሚስት” (Vermisst) ዝ ብልዎ ፕሮግራም ኢዩ። ፈርሚስት ብቋንቋና “ምጥፍፋአ” ማለት እመስለኒ። ክግእዝ እንከሎ ከኣ ቃል-ንቃሉ፡ “ጠፈአ” ማለት ይኸውን። ብእንግሊዝኛ ድማ “missing” ከምዝብልዎ እግምት። ፈነወ RTL ምኽኒያት ምጥፍፋእ ከየገደሰ ነቲ ዓይነት ስራሕ፡ “ምንዳይ ዝተጣፍኣ ስድራታት፡ (Auf der vermissten Angehörigen)” ኢላ’ያ ትጽውዖ። ብእንግሊዝ ድማ (Looking for missimg relatives1) ማለት ይኸውን።

ኲናት ካብ ቀንዲ ጠንቂ ምጥፍፋእ ስድራታት ካብ ኮነ፡ ከምቲ ናይ ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለምን ስዒቡ’ውን ኣብ ኮሪያን ካ ልእ ኩርናዓትን ህዝቢ ዘዘናበለ፡ ኣብ ሃገርና’ውን ነቲ ብምኽ ኒያት ኲናት ካብ ምጅማር ሰውራ ክሳብ ሎሚ ዝተጣፍኣ ስ ድራታት ንምርኻብ ብመገዲ ቀይሕ መስቀል ክጻዓረሉ’ኳ እ ንተጸንሐ፡ እንሆ ንመጀመርታ እዋን ብኣሳላጥነት “ጆሲሾው” (Jossy show) ዝተባህለት ኢቲዮጲያዊት ፈነወ ቲቪ ብናጻን ዕቱብን ክዕመም ንሪኦ ኣለና። እዚ ፕሮግራም’ዚ ኢዩ እምባኣ ር፡ “ዝተጣፍኣ ስድራታት ምንዳይ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ።

ኣብ ኢቲዮጲያ ካብዘለዋ ህዝባዊ መራኸቢታት ነቲ መደብ ኣዳሊዩ ዘራኽብ እዚ ብስእሊ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ዮሴፍ ገብሬ ዝተባህለ ጋዜጠኛ’ዩ። ኣሳልጦን ቀጻልነትን ድማ እምነየሉ።

“ብሪጋደር ጀነራል ካሳዬ ጨመዳኸ ምስመን ከራኽቦ ደሊዩ?  ትብሉ ትህልዉ ምስኡ ተኾዲሙ ምስረኣኹሞ። ከምኡ’ሞ ኩልና ኢና ኢልና። ማለት ጆሲ ሃለዋቶም ንዘይተፈልጡ ዝ ተጣፍኡ ስድራታት ይኹኑ መቕርባቶም ንዝደልዩ ዘዳልን (ኣፋላጊ) ረኺቡ ዘራኽብን ካብኮነስ ጨሜኸ ገለዶኾን ንዝጠፍኡዎ ጆሲ ከፋልጎ ደሊዩ?” ኢሉ ዘይሓሰበ ኣይህሉን።

መቸም ኣምሓራ ብዓንተቦኣን ኣውራ ድማ ድሕሪ ምዝላቕ፡ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ስዉር ኲናት ከፊታ ምንባራ ኣጸቢቕ ና ንዝክሮ ኢና። እቲ ተኹሲ ዘይስምዖ ዝሑል ኲናት፡ “ፖለቲካዊ መውስቦ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ወታደራት ኢቲዮጲያ ነተ ን ካብ ኣሕዋተን ዝተረፋ ጎራዙ ክሳብ ብመልክዕ ምዝራፍ ወሲዶም ይዋሰቡወን ምንባሮም ኣይረሳዕናዮን። እንሆለ ድማ እቲ ስራሕ ሳላ ኢሳይያስን ቃልሲ ማሕበረ-ህንድስናኡን ይቕጽል። ከምኡ’ውን ሳላግዜ ዋላ’ኳ ዝበዝሓ ሓተትቲ ትውልዲ ደቀንስትዮን ካብአን’ውን ፍርቀን ደቂ ትግራይን እንተኾና፡ ቡዙሓት ውሉዳት ዜጋታትና ወለዶም ወይ ቤተሰቦም ከናድ ዩ ናብ ቲቪ ጆሲ ቀሪቦም ብንብዓት ዘጥለቕለቐ ምሕጽንታን ኤህታን ከውሕዙ ንዕዘብ።

እዚ ኣብ ስእሊ ትርእዩዎ ሰብ ብ/ደር ጀነራል ካሳዬ ጨመዳ ይባሃል። ንሱ ኣብታ ቲቪ ቀሪቡ “ወንድን አየሁ ሰንጥቅ ው ስጥ”፡ ማለት “ኣብ ውሽጢ ሰንጥቕ ወዲ ርእየ” ክብል ብጃህራ ምስ ተኾመረ’ ከምገለ ዘሪእዎ ንዝተበቖጸ ውሉድ ጆሲ ከ ዳሊዮ ከምዝቐረበ መሲልኒ ነይሩ። ግናስ ኣይከምኡን። ዘረባኦም ሰምን ወርቅን ዝበዝሖ መሽጎራጉር ብምዃኑ’ምበር እታ ዝሰንደዋ ጥቕሲ በቲ ሓደ፡ ኣብ ባጽዕ ተኸቢቡ እንከሎ ካብ ጓል ሃገርና ዘይኮነስ ገዛእ ሰበይቱ ወዲ ከምዝወለደትሉ ስለ ዝተነግሮ ምሒር ሓበን ከምተሰምዖ፣ በቲ ካልእ ብስብእነት ናይቶም ንሱ ዝመርሖም ኣባላት ሰንጥቕ ይምካሕ ምንባሩ ከ ብርሃልና ክብል ነበረ። ብዓቕሊ ምስተኸታተልኩዎ ድማ ጨሜ እቶም “ደቀይ” ዝበሎም ሰራዊቱ ንከበባ ባጽዕ ሰንጢቖ ም ብምውጻእ ንሻዕቢያ መዓኮር-መዓኮራ እናጀፍዑ ናቕፋኣ ከምዝደርገሙዋ ገሊጹ ዓረፈ።

ጉድ’ዩ! “ግዜ ዝሃቦ ሓምሓምሲ ኣእማን ይደቁስ” ዝብል ምስላካ ኣዘከረኒ’ንታ’ዚ ጢጣ! እቲ ዝዘንጠሎ ታሪኽ ክፍጽሞ ኣ ይከኣለን’እምበር ዋሕዚ ታሪኽናድኣ ኣብ 24 ግንቦት 1991 እንዲዩ ተዛዚሙ። ብዛዕባ ኣብ ኦጋዴን ኮነ ኣብ ኤርትራ ዝሓ ለፉ ሰራዊቱ ምሒር እናስቆርቆረ ጆሲ ‘ከፋልጎ’ ይደሊ እንተነይሩ ግን ስራሕ ጆሲ ኣይኮነን። ፍቐደኡ ንዝተሰንደዉ ሰራ ዊቱ ዘፋልግዎ‘ሞ እኒ ሜጀር ዳዊት ወልደገርግሽ ኣለዉዎ’ንዶ። ዳዊት ኣብ ርእሲ’ቲ ኣመሓዳሪ ጠቕላይ ግዝኣት ኤርትራ ምንባር እንኮላይ ብነብሱ ትኩርን መስተውዓልን ከምዝነበረ ብነብሱ እመስለኒ። ክሳብ’ታ ንሱ ካብ ምሕደራ ኤርትራ ዝ ተፋነወል ዕለትድማ ናይ ምኢትን ሓምሳን ሽሕ (150,000) ሰራዊት ሕልፈት ከምዝፈልጥ ስለዝነገረና፡ ጨመዳ ዳዊት ‘ከ ፋልጎ’፡ ናይ’ቶም ክሳብ 100,000 ዝበጽሑ ድሕሪ ናጽነት ዝጠፍኡ ሰራዊት ዘገድሶ እንተኾይኑ’ውን፡ ምስ ጀነራል ጻድቃ ን ቀሪቡ ብምንባሩ ኣብ ክንዲ ከምቲ ዝብሉዎ ዝነበሩ ማይ ዝርንቛቑ ቆሎ-ጥጥቖ ምዝራብ ጻድቃን ከፋልጎ ይኽእል ነይ ሩ እንዲዩ እንታይ’ዩ ምስጢሩ’ቲ ናብ ጆሲ ጽግዕ-ጽግዕ!

ጎርዞ ጓልሲ ዘግፋሓላ ከምዝበዝሓላ ሻለቃ ዳዊትድማ ንጨሜ ከፋልጎ ጥራይ ዘይኮነ ብቀንዱ ናይ ምድማር ፍቕርና መታ ን ኣጸቢቓ ጢው-ጢው ክትብለልና ኣብ ማእከል ናቕፋ ሓወልቲ ናይቲ “ማሞ” ዝተባህለ ጅግና ክትንደቕ’ዩ ተማሕጺኑ።

“ኣዛሪቦም የዛርቡኻ” ከምዝባሃል’ውን ብ/ጀነራል ካሳዬ ጨመዳ ንስርሒት ፈንቅል ከይጠቐሳ ምሕላፉ ባዕልና ክንብለሉ እንተኾይኑ፡ ኣይክርድኦን’ዩ እምበር እተን ካብ ከበባ ባጽዕ ወጺአን ብተጋደልቲ ዝተማረኻ ታንክታቱ ብጎባልል ኣባላት ሰንጥቕ እናተመርሓ ታሪኽ ከምዝሰርሓ ልቡ ደጊፍናን ዝሑል እናስተናን ክንትርኸሉስ መዓስ ምተጸገምና!

ማለተይ ንምሕጻሩ እዘን ኣብ’ዚ ስእሊ ቀሪበየን ዘለኹ ንታሪኽን ምስክርነትን ሬሳአን ኣብ በሪኽ ተሰቒለን ዘለዋ ብጾትና ኮማንደር፣ ጃጓር፣ ታይገር፣ ዝሰመዩወን ታንክታት፡ ንሰን ኢየን’ተን ጨሜ ንዕርድታትና ከምዝደርዓማ ዝተመካሓለን። ወነንተን ኣብ ዝተፈላለየ ውግእ ሓመድ በሊዕዎም ንሳተን ግና ከምቲ መንጌ ዝበሎ ጀጋኑ ዓጢቖመንን ትንግርቲ ድማ ሰ ሪሐንን። ምናልባሽ ብዛዕባ መልክዕ ኣሰናንዳ ዝተፈላለየ ርኢቶ ነይርና ይኸውን። እንተ ታሪኽ ብርግጽ ተሰሪሑ’ዩ።

ካሳዬ ብዛዕባ ኣርቲስት ታማኝ በየነ ክዛረብ እንከሎ “የበደሉን ሰዎች እኛን ይቅርታ መጠየቅ ሲገባቸው እንደ ኣንድ ዜጋ፡ አንድ እርምጃ ወደፊት ሄዶ ይኸን ሰራዊት ይቅርታን እስከመጠየቅ ደረጃ ደርሷልና እኔ ኣመሰግነዋለሁ” ክብል ሰማዕኩ ዎ። ማለቱ “ዝበደሉና ሰባት ይቕረታ ክሓቱና ዝግቦኦም ንሱግን ከም ሓደ ዜጋ ሓደ ስጉምቲ ቀዲሙ ንናይቀደም ሰራዊት ና ይቕረታ ምሕታቱ ኣነ’ውን አመስግኖ” ክብል ከምሓድሽ ንዝግንፍል ዘሎ መስፍናዊ ኣምሓራነቶም ኣግሂድዎ ኣሎ።

“በለጸ” እለዮ ክሓልፍ ምመረጽኩ። ድሮ’ኮ እቲ ንኤርትራ ከምዝነጸለ ዝተወርየሉ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጎንደር ከይዱ ኣምሓራይ ምዃኑ ከይፈለጠ ነምሕርኛ ስለዝበደላ ይቕረታ ስለዝሓተታ ጨሜድማ ግደፍ ካብታማኝሲ፡ ኩሉ ዝተጋደለ ‘ውን ይቕረታ ክሓትት ከምዘለዎ ብልበ-ሙሉእነት እንተጠለበ መዓስ ተጋግዩ! ግናስ ጨማዳኸ ናይ’ቶም ነቲ ሰራዊት ማ ሪኾም ብሰላም ንሃገሮም ዘፋነዉ ተጋደልቲ በዓልዕዳ ምዃኑ ይፈልጥ ዲዩ? ኢቲዮጲያ ኣብ ኤርትራ ዘፍሰሰቶ ቀይሕደም ዘይከፈለቶ ዕዳ ከምዘለዋ ይርድኦዶ ትብልዎ ጨማዳ ወይስ ብስም ንጉስ ኤርትራ ምፍታዉ ከምተደመርና ኣሚኑ ኢዩ?

“ንወያነ ጽልኣት ኣለካ ይባሃል፡ ሓቂዲዩ?“ ንዝብል ሕቶ ድማ ብውርጹጽ መልክዑ ክምልስ ንምሕሳብ “ብፍቕሪ ቡዙሕ ክንገብሮ ንኽእል ነገር ኣሎ” ክብል’ዩ ክሃድመላ ፈቲኑ። ኣንተኾነስ ፈደላቱ ከይነቐጻ “ወያነ ኣይሰዓረትናን” ከምዝብል ተ ሓቲቱ ማለቱ ከብርህ እንከሎ ክደናግር ተዓዚብና። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ገለ ሶሻሊስታዊ ሓሳባት ዝነበሮም ሰለይቲ ኣብ ውሽጢ ደርጋዊ ሰራዊቶም ዓሪዶም ክሳብ ዕልዋ ክገብሩ ብምፍታኖም ቀንደኛታት መራህቲ ኲናትን ምኒስትራትን ስለዝ ተቐትሉን ዝተኣስሩን ከምተሳዕሩ ኣምሲሉ’ዩ ገሊጹ።

ኣብዛ ዘረባዚኣ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ጨራሩ’ዩ ክቐትል ደሊዩ። በቲ ሓደ ነታ ሕጂ’ውን ንብኢቲዮጲያኣ ትሓቑኖ ዘላ ወ ያነ ድሕሪ ምትሓዝ ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ ብምእታዋ ከነኣእሳ ደሊዩ። በቲ ካልእ ንርእሱ እቲ ናይ ኣስመራ ስዕረት ከይተረ ፈ ሰሊኾም ብዝኣተዉ ሰለይቲ ዝሰዓበ’ምበር ከምዘይምተሳዕሩ ከብርህ ኢዩ ደሊዩ።

ሕጂ’ውን ገሪምኒ! ከመይሲ ሓቁ ንምዝራብ ወያነ ኣካል ደባይ ተዋጋኢት ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ዝተናውሐ ቅዲ ኲ ናት’ምበር ንርእሳ ብቀዋሚ ቅዲ ኲናት ዝተወደበት ግምባር ከምዘይነበረት ምግላጻ ምኣኸሎ ነይሩ። መርኣያኡ ወያነ ት ግራይ ምስተቖጻጸረት ኲናት ዝወድአት መሲልዋ ንውሽጢ ከይትኣቱ ዓሊቛ ነይራ ኢያ። እንተኾነ ጨማዳ ነቲ ሽዑ ዝኸ ውን ዝነበረ ቅዲ ኲናት ኣበይ ኢልዎ? በኹትሽ ኮይኑ ግናሎሚ በቲ በፍሪቃኣ ክግብት ዝቃለስ ዘሎ ሓድሽ ናይ ‘ንደመር’ ኣመሪካዊ ፖለቲካ ከምተለኽፈ ኣግሂድዎ ኣሎ።

ብዛዕባ’ቶም ኣብ ውሽጦም ኮይኖም ንዐዖም እናመሰሉ ከስዕርዎም ንዝጸንሑ ዘይንሶም ካብተዛረበ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ውሽ ጢ ሰውራ ኤርትራ ኮይኑ ንረብሓኦም ይሰርሕ ከምዝነበረ ዘውግዖም ሰላይኸ ንምንታይ ዘይዛረብ ጨሜ?

ኣብ ዝሓለፈ ሴማዊ ንግስነቶም “የኛ ሰው በደማስቁስ” (ናህና ሰብ ኣብ ደማስቁስ) ትብል ናይ ሓደ ስራኤላዊ ሰላይ ኣብ ሶሪያ ተዘንቱ መጽሓፍ ተርጒሞም ከምዝዘርግሑ እዝክሮ ኢየ። ጨማዳ ኣብ ውሽጦም ስለይቲ ከምዝነበሩ ካብ ፈለጠ፡ ከመይቢሉ ኣብ ውሽጢ ሰውራ ኤርትራ ድማ ሰለይቶም ከምዝነበሩ ክዝክር ዘይከኣለ? ከመይቢሉ ነቲ ልቡ መሊእሉ ዘ ሎ ኢሳይያስ “የኛ ሰው ብሳሕል በረሃ” ክብል ብግህዶ ዘየድነቖ? እንሆ’ንዶ ኢሳይያስ ርእሱ እናቖልዓጸ ናቶም ምንባሩን ምዃኑን ይነግሮም! እንሆህዶ ክምተደመረ ይድርጓሓሎም!

ብ/ጀነራል ካሳዬ ጨመዳ ብናይ ምድማር ፖለቲካ ሰኺሩ ፍቐዶ መራኸቢ ቡዙሃን እናተቐላቐለ ንውልደት ኢቲዮጲያዊ ፖለቲካ ከድንቕ ተራእዩ ኣሎ። ከምሕልናኡስ ፖለቲካዊ መርገጺታት ከይገደሶ ኩሉ ኢቲዮጲያዊ እንኮላይ ጓድ መንጌ’ው

ን ብፍቕሪ ተደሚሩ ብሰላም ክነብር ዓዲሙ ኣሎ።

“ወሸለ’ዶ” ከየልኩ ኣይሓልፎን። ወሸለይ ግና ነቲ ጽባሕ ንዝፍጠር ምብትታን ኢቲዮጲያ ዘሳልጥ ፋል’ምበር፡ ከምቲ ዝበ ሎ ንውልደት ጠስጣስ ኢቲዮጲያ ኣይውክልን። እንተ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራዊያንን’ሞ በተሓሳስባ’ቶም ስሉጣትሲ ድ ሮ ተስለዝተደመርና ንወያ ተቖሪጻ ዝነበረት ክሳድ ኢቲዮጲያ (ኤርትራ) ከይተረፈ ገጢሞማ ክዕንድሩ ተራእዮም’ዮም’።

“የግዜ ጉዳይ ነው” (ናይ ግዜ ጉዳ’ዩ) በሃላይ’ዩ ጨሜድማ። እምበር ኤርትራስ ፈቲያ ጸሊኣ ከምትምለሶ ኢዩ ዝኣምን።  ዝብሎ ዘሎ’ኮ ክሳብ ድማ ጽባሕ ኣብ በዓል ስርሒት ፈንቅል ዕዱም ኮይኑ ባጽዕ ክሕወስ በዓል ሙሉእ ተስፋ ከምዘሎ ይነግረና ምህላዉ እመስለኒ። ሓቑ’ዩ ባጽዕ ካብደቀባታን ዝሞቱላን ስለዝባዓደት! ከምኡ እንተኾይኑ ባጽዕ ምስወረደ ቡ ዙሕ ታሪኻዊ ነገራት ክራኣዮ ምዃኑ ካብሕጁ እመስለኒ። እቶም ዘይተርፉ ብልጭታ ትማሊኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ክኾ ኑ ኢዮም፦

1, ኣብ ውሽጢ ወደብ ዝነበረ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ብጾትና ብቲኤንቲ ክድርዕሙዎ ብምርኣየይ ንዓይን ንከማይን ከ ሐጉሰና እንከሎ፡ ነቶም ለባማት ግና ስለታሪኽነቱ ምዕናዉ ኣየሐጎሶምን። ሓቆም ድማ፡ ድሮ’ኮ ብፍቕሪ ንድመረሉ ግዜ ብምብጻሕናስ በዒንቲ ጨማዳታት ድማ በቲ ሓደ ንሳቶም ቤት/ጽሕፈት ሓይሊ ባሕሮም ኣብ ባጽዕ ስለዝኸፍቱ፣ በቲ ካ ልእ ኣምሕርኛ ንዙረትን ዝኽሪ ፈንቅልን ባጽዕ ምውራዳ ስለዘይተርፋ ሓወልቲ ጃንሆይ እንተዝጸንሑሎም ምሓሸሎም። ነቲ ቀንደኛ ናቶም ሰብ ኣብ ሳሕል ኤርትራ ማለት ኢሱ ድማ ፍቱው ምቐነዩዎ!                                                                                               2, ኢሳይያስ ንምንታይ ነታ ናይ ባጽዕ ህንጻ ቤተ-መንግስቲ ከሐድሳ ዘይምድላዩ ንኩሉና ኤርትራዊያን ክሳብ ሎሚ ተመ ስጢራትና’ላ። ጨሜን መሰልቱን ግና ተስፋ ኣለዎም ኢሳይያስ ባዕሎም መጺኦም ከምዝጥዕሞም ከገብሩዋ ከምዝሓበ።                                                                                                               3, ኣፈሙዝ ናይተን ንታሪኽ ዝተሰነዳ ታንክታት ኢሳይያስ ንምንታይ ንውሽጢ ሃገር ከምዝቐንዕ ከምዝገበረ ፈጺማ ኣይ ተረዳኣትንን። ማለት ብዛዕባ ኣየኖት ሰብቂያ ታንክኛታት ንስንድ ከምዘለና ኣይበርሃለይን ኮይኑስ ወልፈስፈስ መሊቑኒ ም ንባሩ ክብል ኢለ’የ። ንስኻትኩምከ እቲ ኣፈሙዝ ሓወልቲስ ብዛዕባ’ተን ዘጥቃዓና ናይ ጨማዳ ዲዩ ዝትርኽ ዘሎ ወይስ ብዛዕባ’ተን ስጋለት ተርጊአን ኣብልዕሊ ረሻሻት ጸላኢ ዝመረሻ ምዑታት ታንክታትና? እንተ ንጨሜ ቀልጢፉ ዝርድኦ ነ ገር፡ እተን ታንክታት ናቱ፣ እቲ ታሪኽ ድማ እቲ ንሱ ንተጋድሎ ዝደርዓመሉ ከምዝትርኽ ከምዝርድኦ ኣይትጠራጠሩ።

“ንኼር ይግበረልካ” ድኣ በሉለይ’ምበር ኣነሞ ሽዑስ ምሒር ተለፋሊፈሉ ምንባረይ ኣጸቢቑ እዝከረኒ ኢዩ። እንተ ሎሚ ሳላ ትንሳኤ ጨማዳታት ንዘረባ’ዩ ዘረባ ኣምጺእዎ1

በሉ ንጨማዳታት ኮኑ ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ እንኳዕ ናብ ዝኽሪ ፈንቅል ኣብጻሓኩም እናልኩ ዝፋነወኩም፦

ኣቶ ወዲ ጥሮታ’

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • aditekelezan February 11, 2019

    ክቡር ወዲጥሮታ
    ኣነውን ኣብቲ ኤርትራን ኤርትራውነትን ካብ ኩሉ ህዝቢ ፍሉይርእይቶ እንተሃለወኒ እኳ እዚ ጨመዳ ዝበሎ ብሓቂ ዓጀውጀው እዩ. መንግስቱ ንዝተደፍኡ መራሕቲ ውግእ እናረሸነን ንዱይ ስርዓት ዴስነት ምኽታሉ ዘፍሸሎም ኣጀንዳ ክንዲ ምዝታይ ኣይተደፋእናን ክንብል ጥራይ ኢና ኢልና ቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ምኽኒት bogus እዩ. ልክዕ ከም ጃንሆይ ግን መንግስቱ እውን ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራ ኔርዎ እዩ .በረኸኛታት ነስመራ ኸቢቦማ “ነዘን ጀዋሲስ ኣስመራ ምግቢ ኣይኣትወን መስተ” ኢሎም ከተማና ከቢቦማ ኸለዉ መንግስቱ ግን ዘኽብሮን ዘፍቅሮን ህዝበይ ኣይጠምን እዩ ኢሉ ካብ ካልኦት ክፍለሃገራት ኢትዮጵያ ብኣይሮፕላን መግብን ስንቅን ኣእትዩ ይቕልበና ነበረ. ኣብ ዘለዎ ይጥዓሞ እስከ ,

POST A COMMENT