Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብጽኑዕ ሓሚሙ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መጥባሕቲ ብምግባሩ ትማሊ ሰንበት ኣብ ተኻየደ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ሎሚ ቕነ ዝዓረፈ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮ­­­­­­­­­­ም ክሳተፍ ከምዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብዘን ዝሓልፋ ሒደት ኣዋርሕ ብጽኑዕ ሓሚሙ ዝጸንሐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መጥባሕቲ ብምግባሩ ተኻኢሉ ትማሊ ሰንበት 9 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ሎሚ ቕነ ዝዓረፈ ቀዋሚ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግርማ

ኣብዘን ዝሓልፋ ሒደት ኣዋርሕ ብጽኑዕ ሓሚሙ ዝጸንሐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መጥባሕቲ ብምግባሩ ተኻኢሉ ትማሊ ሰንበት 9 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ ሎሚ ቕነ ዝዓረፈ ቀዋሚ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግርማ ኣስመሮ­­­­­­­­­­ም ክሳተፍ ከምዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ከምዝሓበሩዎ፣ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ካብ ዝዓርፍ መዓልታት ኣሕሊፉ ክንሱ ሰበስልጣን ህግደፍ ብመራኸቢ ብዙሃን ናይቲ ስርዓት ካብ ምግላጹ ፈለማ ከጽቅጡ ዝፈተኑ፣ ደሓር ‘ውን ብነጻን ናይ ተቓውሞን መርበባት ሓበሬታታትን ራድዮታትን ምስ ተቓልዐ ጸቕጢ ኮይኑዎም ዘዕገሽገሹሉ ምኽንያት፣ ብቐንዱ ምስ ጥዕናዊ ኩነታት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፣ ሞት ኣምባሳደር ግርማ ተፈሊጡ ከምቲ ወትሩ ኣብ ኣጋጣሚታት ሞት ካልኦት ዘዘውትሮ ኣብ ስነስርዓት ቀብሩ እንተዘይተሳቲፉ ነቲ ብወረወረ ንነዊሕ እዋን ክስማዕ ዝቐነየ ሕማሙ ንህዝቢ መረጋገጺ ከይከውን ስለዘሻቐሎም እዩ።

እቶም ንትዕዝብቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣስተናዒቖም ዝርእዩዎ፣ ንሕማም ኢሳይያስ ብስቱር ከመሓድሩዎ ድሕሪ ምውርሖም ሞት ኣምባሳደር ግርማ ኣብ ደልሃመት ዘእተዎም ብዱዓት መራሕቲ ህግደፍ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም፣ ህዝቢ “ኣብ ቴለቪዥን ርኢናዮ እንዲና” ኢሉ፣ ኢሳይይስ ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ዘይምስትፉ ትርጉም ክይህቦ ምእንቲ፣ ቅድሚ ሞት ግርማ ኣስመሮም ምግላጾም፣ ንኢሳይያስ ምስ ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ዘርኢ መታለሊ ድራማዊ ዜና ኣብ ቴለቭዥን ከምዘቕረቡ ‘ውን ኣቃሊዖም።

isaias-oct-6ኢሳይያስ ብጹኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ቅድሚ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ሓበሬታ ክበጽሓና ኳ እንተጸንሐ ከምዜና ከነቃልሖ ኣይመረጽናን። ሕጂ ‘ውን እቲ ንሰበስልጣን ህግደፍ ንሞት ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ብምስጢር ከትሕዞምን ከዕለብጦምን ዝቐነየ ጉዳይ ግርማ ኣስመሮም ዘይኮነ ብኣውርኡ ኩነታት ኢሳይያስ ምዃኑ ህዝቢ ንኽበርሃሉ ኢና ነልዕሎ ዘለና።

ከምዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ እቲ ንነዊሕ እዋን ብጽኑዕ ሓሚሙ ዝጸንሐ ኢሳይያስ ኣብዚ ቕንያት ‘ዚ መጥባሕቲ ከምዝገበረ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዝተረጋገጸ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Aman October 13, 2016

    Adhanet- you know what you don’t educate us about democracy and human rights. We don’t live in the world of angels…. it is so sad lots of idiots trying to lecture me about human rights and democracy. You know you are trfraf.nay.jebha…. democracy is only on the books for me. We live in Amerika a country that advocate human rights but aas a young black man, my life is always in danger . I feel much safer driving walking on the streets of my country Eritrea…. my bottom line isour criticism was for the false news and unethical journalism then you jumped to lecture politics 101, you’re just a bone head your democracy model country is Ethiopia jump to the lake. We are well educated and know the reality of world politics. You are just a paper tiger, why don’t you then go anfor fight weyane will give the needed armaments…. talk is cheap…. you wasted my time….denkoro

POST A COMMENT