Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቦሎኛ!

ቦሎኛ!   ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ሎሚ ካብ ዚኾነ እዋን ንላዕሊ ፍጹም ዕርቋኑ ወጺኡ፡ ብህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ከም ሕሱም ተፈንፊኑሉ ዘሎ ግዜ፡ ክልተ ዓበይቲ ዕላማታት ንምውቃዕ ኢሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ በተን መዳናገርቲ ዝኾና ማዕከናት ዜናኡ፤ ኣብ ወጻኢ ድማ

ቦሎኛ!
 
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ሎሚ ካብ ዚኾነ እዋን ንላዕሊ ፍጹም ዕርቋኑ ወጺኡ፡ ብህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ከም ሕሱም ተፈንፊኑሉ ዘሎ ግዜ፡ ክልተ ዓበይቲ ዕላማታት ንምውቃዕ ኢሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ በተን መዳናገርቲ ዝኾና ማዕከናት ዜናኡ፤ ኣብ ወጻኢ ድማ በቶም ‘ኣምበሳደራት’ ኢሉ ዝሰምዮም፡ ገንዘብ ምእካብን ህዝቢ ምፍልላይን ጥራይ ዝስራሖም ኳደረታቱ ኣቢሉ፡ ነዚ ብሰሪ እኩይን ግዕዙይን ምሕደራኡ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ተነጽሎ ንምፍዋስ፡ ናይ ቀደም ዛንታን ዝኽርን እናልዓለ፡ ሓበላኡ ብጓይላ ንምሽፋን ክፍትን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ዕላማኡ ድማ ሎሚ ጃንዳ ህግደፍ ፍጹም ዕርቃኑ ስለ ዝወጸ፡ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ጽቡቕ ጌሩ ስለ ዝፈለጦ፡ ንእከይ ተግባራቱ ተጸይኑ፡ ክልተ ሚእታዊት (2%) ካብ ምኽፋል ስለ ዘቋረጸ፡ ነቲ ዝለመዶ ናይ በለጽ ገንዘብ፡ ካብቶም ገና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጠሪሶም ዘይቀበጹዎ ውሑዳትን ሰብ ፍሉይ ረብሓን ንምርካቡን ኣቓልቦ የዋሃት ንምጥምዛዝን ኢሉ፡ ኣብ ቦሎኛ ናይ ጥፍኣት ጓይላን ዳንኬራን ክገብር ተኣንጎት ተሸብሸብ ይብል ኣሎ።
 
ሃንቀውታን ጻዕርን ህግደፍ እዚ ካብ ኮነ፡ ግደ ደለይቲ ፍትሒኸ እንታይ ኪኸውን ኣለዎ? ማዕረ ማዕረ ህግደፍ ብምስጓም፡ ነቶም ውሑዳት ብእኡ ክታለሉ ዝኽእሉ ወገናትና ብምርዳእን ብምምዓድን፡ ሓያል ጸረ ህግደፋዊ ጎስጓስ ብቐጻልን ኣበርቲዕካን ምክያድ። ልዕሊ 350 ዝኾኑ ዜጋታትና፡ ሬሳኦም ናብ ዓዱ ተመሊሱ ሓመድ ኣዳም ከይለብስ፡ ብመላኺ ተኸልኪሉ፡ ኣብ ጋህሲ ዓዲ ጓና ተኣኪቡ ከሎ፡ ኣብታ ጥፍኣቶም ዘአንገደት ሃገረ ኢጣልያ፡ ሕጂ ብስም ኣርብዓ ዓመት ጓይላ ምግባር፡ ንህዝቢ ኤርትራን ነቶም ግዳያት ምልክን ካልኣይ ሞት ስለ ዚኾነ፡ ጉጅለ መላኺ ዝቐደመ ከይኣኽሎ፡ ሎሚውን ከይሓፈረ፡ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ዜጋታትና ጓይላ ክተክል ይሸባሸብ ስለ ዘሎ፡ ሎሚ ኣብ ክንዲ ጓይላ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዜጋታትና ፈጺሙ፡ ንቤተሰቦም ይቕሬታ ብምሕታት ካሕሳ ክኸፍሎም ከም ዘለዎ ብንጹር ቃላት ክንነግሮ ይግባእ እብል። በዚ መሰረት ድማ’የ ኣነዉን ሕጂ ኣብዚ ኣገዳሲ መኸተ’ዚ እጃመይ ንምብርካት፡ መኸተይ በዛ እትስዕብ ናዕታ ፈሊመዮ ዘለኹ።
 
ቦሎኛ!
 
እዚ ጉጅለ *ፈያት ዘየብሉ ዳኛ           *ሸፋቱ
ኣብ ደምበ ኣኪቡ ንሰብ ከም *መጽዓኛ    *ኣድገ-በቕሊ     
ንብረቱ ክዘምት ህግደፍ ዓመጸኛ
ንጓይላ ይዕድሞ ኣሎ ኣብ ከተማ ቦሎኛ!
 
ኣብ ሃገረ ጥልያን ባሕሪ ላምፔዱሳ
ኣብ ሳንዱቕ እንከሎ ናይ ህዝብና ሬሳ
እታ ልሳን ህግደፍ ፍጹም ከይገደሳ
የዋህ ከተጋጊ ብሓሶት ጎስጒሳ
ዓንገረር ክትብል መሉቛ ትንፋሳ!
 
ነዚ ምስ ሰምዑ እቶም ግዳያት ምልኪ
ሕቶ ይሓቱ ኣለዉ ዘንብዕ ዘብኪ!
 
“እንታይ እዩ’ዚ ኹሉ ዓንገረር ኣርብዓ
ኣእዛንና ኣደንቊሩ ተስፋ ንኸይሰምዓ
ጓይላድዩ ጨፈራ ናይ ሰብ ግዜ መርዓ
ወይስ ነጋሪት’ዩ ናይ ቅበሩ *ደጒዓ?   *ናይ መልቀስ ግጥሚ
 
ንምንታይ ሙዃኑ እዚ ኹሉ ተብተብ
ብውሽጥን ብደገን ተሸብሸብ ተኣንገብ
“ኣርብዓ” እናበልካ ህዝብና ዝእከብ
መን’ዩ ዝነግረና ብልሓቱ ክንግንዘብ?
 
መለኸት ኪውቃዕ ንሰምዕ ኣለና
ከመይ እዩ እዚ ነገር እስከ ንገሩና
ሬሳ ኣብ ሳንዱቕ ከሎ ሓመድ ከይለበስና
ብሓቂድዮም ኣታ ተስካር ክገብሩልና!?
 
ኣቱም ብዓል እሽም ብዓል ደስደስ
ናበይ እዩ እዚ ኹሉ፡ ሃበስ ቀደስ?
ንቡር ከይረኸብና ተስካርና ኪድገስ
ግደፉ’ባ ቅድም ሓመድ ኣዳም ንልበስ
እቲ ኣብ ሓዘን ዘሎ ህዝብና ክድበስ!
 
ዓሰርተ ዓመታት ስለ ዘይትጸንሑ
ኣብ ኣርብዓ ዓመት ዳስ *ዮቤል ክትሰርሑ  *ጽንብል 50 ዓመት
ሬሳታትና እንከሎ ኣብ በረድ ተሰጢሑ
ንጓይላን ጨፈራን መለኸት ክትነፍሑ
ህዝቢ እንተ ነዓቕኩምስ ኣምላኽ ዘይትፈርሑ!?
 
ሃገር ብምልእታ እናነብዐት ከላ
እዚ ኹሉ ሬሳ ኣቐሚጥኩም ጓይላ
ዘዝወለደቶም *ባልዋ እናመንጠላ   *ኣርሓ መፍለስ
ኣደ’ምበር ተሪፋ ደባሲ ዘይብላ
እሽም ጥራይ ኮይኑ ብኸበሮ ዝላ
ጅግና ተሳኢኑ እሾኽ ዚነቕሰላ!”
 
ይብለና ኣሎ ድምጾም ግዳያት’ዚ ገበል
ብፍላይ እታ ኣደ ወላዲት እቲ ዕሸል
ትጽውዓና ኣላ ብናይ ድምጺ ማዕበል
ኣብ ሃገር እቲ ቅዝፈት ጓይላ ከይትከል
                  ዝባን ስውእ ኢልካ ብስም እቲ *ሃምበል  *ጅግና
                       ሓፋሽ ኤርትራዊ ንህግደፍ ዓገብ በል!
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 04-06-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • sara gual eritra June 5, 2014

    ezi shifta ‘smera kitehalalek delyu ab bologna
    festival azizu ember b august 1991 b sherifo
    geyru degim festival zibahal keygber kelkilu
    endo ayneberen (kemza baElu zgemero)

  • kibrom June 5, 2014

    semeaka tesfu kemakan wedi kemakan neukat weyane nkurub kurabo genzeb kiblu ab fekodo embasitatn bet tshfet un antsar hizbomin hageromin egeda nkigiber gizeom zetfeu kelewu tsega hager keyteshete dea bkemey electric nedadi ezi keman tebaen kealan merih wudubin mengistin sile zelewo hizbi eritrea edlegna eyu ember nskumin leaktikumin si nmot ekum feridkumo gin hizbi eritrea kisegro eyu nkulu mahlekatat kindey zeysegere weylkin dea bandatat ember. teredeaka do tesfu kurkur agame

  • fisahaye berhane June 6, 2014

    ganda HGDEF neza festival biselam tehlifoma nihina deleyti fithi yelenan malet eyu
    yehiwatina hamed adam key lebesusi sasit ab bolona

  • rahwa June 6, 2014

    natey niket dyu nay werhi dmket zbelet emo ayeneyti ensisa iya? anta loms eseyas entay aynet ensisa mkuanu ko tefiuna! weyzi ebud ahwatna ab adom mnbar sienom enatesedu mo kea ab zhasebuwo keybexhu enahaleku eseyas mihiteno kea ab bologna festival azizu? ezen rgumat mexieno. niketna abey kemzebxho eske kinrie ina. defar.

  • yonas27g June 6, 2014

    MESINAS
    B’TAEMI XBUQ SRAH “PIROKA” BELAH EYAMO QEXLO AJOKA .

  • kibrom June 6, 2014

    fshaye betki kemsebeyti ab dihri website koynka aytdebil sebay ab meda eyu zerea gorak atine

  • abel June 6, 2014

    Cry babies gena kethara keteqasela iken

  • Asghedom Woldeghiorghis June 10, 2014

    Whate he is doing is to safisfay eritrean desire, Eritreans like Mosonko and Koboro.
    The people of ” Koboro and Mosonko” likes to dance and play so, he break what he said to stop the festiival of Bologna was wrong.
    as far as these , Eritreans likes it let to give them onther chance.
    the stupied people of Koboro and Mosonko will folck to Bologna to take out aboy Muche.

POST A COMMENT